Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስለምንታይ ‘ዩ ኪሳዕ ክንድዚ ትም ሕትም – መዓስ’ዩ’ኸ ዘኸትም

ብደለይቲ ለውጢ ኣብዛ ብመሪር ቃልስን መስዋእትን ደቂ ህዝቢ ናጻ ዝኾነት ኤርትራና ዝኾነ ይኹን ይዕበ ይንኣስ ፍጻሜታት ኣጋጢሙ ግቡእ መልሲ ኣይወሃቦን ኢዩ። እንተተዋህቦ እውን እቲ ጉዳይ ብቤላ-ቤለው ምስተገማደሐን ሰኣን ግቡእ ሓበሬታ ዝተፈላልየ ትርጉም ተዋሂቡዎ ጸቕጢ ምስፈጠረን ኢዩ።

ብደለይቲ ለውጢ

ኣብዛ ብመሪር ቃልስን መስዋእትን ደቂ ህዝቢ ናጻ ዝኾነት ኤርትራና ዝኾነ ይኹን ይዕበ ይንኣስ ፍጻሜታት ኣጋጢሙ ግቡእ መልሲ ኣይወሃቦን ኢዩ። እንተተዋህቦ እውን እቲ ጉዳይ ብቤላ-ቤለው ምስተገማደሐን ሰኣን ግቡእ ሓበሬታ ዝተፈላልየ ትርጉም ተዋሂቡዎ ጸቕጢ ምስፈጠረን ኢዩ። ዜጋታት ሓደ ህዝቢ ኣብ ሃገሮም ዝካየድ ይዕበ ይንኣስ ነገራት ኪፈልጡ መሰሎም ኢዩ። እንተኾነ ኣብዛ ልዕሊ ዓቐን ግቡእ እትሓትት ግን ንእሽቶ መሰል ዘይተጫኑ ሃገርና ግን ሓበሬታ መሰል ሙዃኑ ኣይዝከርን ኢዩ።

መንግስቲ እዚ ኣብ ቃልሲ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ፡ ብምሕደርኡን ግሉጽነቱን መርኣያ ጽቡቕ ኣብነት ሃገራት ኣፍሪቃ ደኣ ምኾነ እምበር መመሰሊ ግህሰትን ዝርገትን ኪኸውን ኣይምተገበአን። ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ተጋድሎ ዝመጽአ፤ ብዙሕ ጽንኩር ተመኩሮ ገድሊ ዝሰገረ፤ ብድኽመት ምሕደራ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተማህረ እናተባህለ ዝንገረሉ ዝነበረ ግንባር ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘጸይን ድኽመት ኪቆማጣዕ  ዘሕዝን ኢዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ዕረ እናጠዓመና ንሓልፎ ኣሎና። ስለዝኾነ ከኣ ኢዩ ኣብ ሃገርና  ሰባት ተኣሲሮም ትም፤ ሰባት ተሰዊሮም ትም፤ መብጽዓ ተጠሊሙ ትም፤ ሕድሪ ተረጊጹ ትም ኮይኑ ዘሎ።

ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ ኣቢሉ ሓያሎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከምዝኣተዉ ሓደ ካብኣቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝዓረፈ ተወርዩ። እቶም ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣትዮም ዝበሃሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ከኣ፡

  1. ዓብደላ ጃብር – ካብቶም ንህግደፍ ዝመርሑ ሓሙሽተ ቐንዲ ዝበሃሉ ኮይኑ፤ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ፤ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ግንባርን ሃገራዊ ባይቶን፤ ሓላፊ ውደባ ኣብ ህግደፍን ኢዩ።
  2.  አሕመድ ሓጂ ዓሊ – ምኒስተር ጸዓትን ማዕድንን- ከምኡውን ኣካያዲ ሓይሊ ዕማም ምምዳብ ሰባት ኮይኑ፤ ኣባል ካቢነ ሚኒስተራትን ኣባል ማእከላይን ሽማግለ ግንባርን ሃገራዊ ባይቶን ኢዩ።
  3. ሜጀር ጀነራል ዑመር ሓሰን ጠዊል – ኣዛዚ ማእከላይ ግንባር፡ (ካብ መረብ ሰቲት ኪሳዕ ዓሊቴና መረብ ዝዝርጋሕ) ዝበዝሓ ክፍላተ ሰራዊት ዝእዝዝ፤ ብሰንኪ ምስ ፕረዚደንት ዝነበሮ ዘይዕግበት ንነዊሕ ግዜ ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝጸንሐ  ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ግንባርን ኣባል ሃገራዊ ባይቶን ኢዩ።
  4. ኣልኣሚን ሳልሕ ሸኽ ሙስጠፋ ( ወዲ ሸኽ) ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ህግደፍ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህግደፍን ኣባል ማእከላይ ባይቶን ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቐይሕ ባሕሪ
  5. ሙስጠፋ ኑርሑሼን – ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ግንባርን ሃገራዊ ባይቶን ኮይኑ፤ ካብቶም ቀንዲ መለስቲ ትንፋስን ሞራልን ፕረዚደንት ኢዩ።

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ  ላዕለዎት ሓላፍቲ ኣባላት ናይዚ ሃገር ይመርሕ ኣሎ ዝበሃል ስርዓት ህግደፍ ኢዮም። ሓሙሽተ ካብቶም ቁሩብ ቁራቦ ሓለፍቲ ህግደፍ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ እንተዊዒሎም ከኣ ህግደፍ ጉዳይ ማእሰርትን ቀይድን እዞም ሰባት ብዝምልከት ነቲ ይመርሖ ኣለኹ ዝብሎ ህዝቢ ሓበሬታ ኪህበሉ ግቡእ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር መራሕ ህግደፍ ሰባት ኣሲሩን ሰዊሩን ዝሓቶን ዝምክቶን ስለዘየለ ሕጂ እውን ትም ሕቶም ኮይኑ ኣሎ። ርእሰ ብሄርና ከም ሕቶ ገይሩ ዘሰምብዶን ዘባህርሮን ነገር ስለዘይብሉ  ዝኾነ ይኹን ሕቶ ኪለዓል ኣይደልን ኢዩ። ካብ ቅድም ኣትሒዙ “ምዝራብ ባህሊ ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን!” እናበለ ኣብ ዘስረጾ ኣተሓሳስባ ተሓቢኡ ኪነብር ኢዩ ዝደሊ- ከምኡ ኸኣ ይገብር ኣሎ።

እዞም ሰባት ግን ስለምንታይ ኢዮም ተኣሲሮም። እንታይ ስለዝኣበሱ ወይ እንታይ ስለዝጠሓሱ ተቐይዶም ንዝብል ሕቶ መልሲ የድልዮ ኢዩ። ይኹን እምበር ዛጊት እቲ ሓያሎ ላዕለዎት መራሕቱ ዝኣስረ ህግደፍ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይሃበን። ብቤላ-ቤለው ግን ቡዝሕ ተወርዩ። እዋን ማእሰርቲ እዞም ሰባት ምስ ስርሒት ፎርቶ ስለዝተጋጠመ ኣብቲ ብሰንኪ ሓድሕዳዊ ጥልመት በዂሩ ዝበሃል ስርሒት ኢድ ስለዝነበሮም ኢዩ እውን ተባሂሉ። ግን ንሱ ዲዩ እቲ ሓቂ፧ ወይስ ካልእ ሕቡእ ምስጢር ኣሎ፧ ኩሉ መልሲ ይደሊ ኢዩ።

ኣብዛ ግቡእ ሓዘንን ብኽያትን ከም ገበን ዝቑጸረላ ሃገር፡ ሃለዋት እሱራትካ ንምፍላጥ ምሕታት ኪሳብ ክንደይ ሕሩም ሙዃኑ ነብሲ ወከፍና እንዕዘቦ ዘሎና ኢዩ። ግን ካን ዲዩ ኣኺሉና ከምኡ ኢልና ተሾቚሪርና ኪንነብር፧ እዚ ህዝቢ’ዚ ከም ድላዩ መታን ኪዛረብን ኪሓትትን’ዶ ኣይኮነን ተቓሊሱ!! ብሕግን ግዛኣተ ሕጊ ብዘኽብርን ስርዓት ኪመሓደር’ዶ ኣይኮነን ተጋዲሉ!! በዓል ወዲ ዓሊ ከኣ ዋላኳ ንግዚኡ እንተዘይተዓወቱ ነዚ ዕቡስ ስቕታ’ዚ ኪሰብሩ ኢዮም ምስ ብጾቱ “ይእከል!!” ብምባል ድምጺ መላእ ህዝቢ ዘቃልሑ። ስለዚ ትም ሕትም ኣብቂዑ መልሲ ንእትደልየሉ ነገር፡ ሕቶ ኪሕተት ኣለዎ!።  እሞኸ መን ኢዩ ኪሓትት ዘለዎ፧

ዋላ ብመሰል ደረጃ ኩነታት ናይዞም እንዛረበሎም ዘሎና እሱራት ኪሓቱን ሃለዋቶም ኪፈልጡን ዝግበኦም መጀመርታ፡-

  1. ስድራቤት ማለት፡- በዓልቲ ቤት፡ ደቆም፡ ኣቦን ኣደን፡ አሕዋት ግዳያት፡ ናይ ቀረባ ኣዝማድን ቀንዲ አዕሩኽን ኪኾኑ እንከለው፤ ብኻልኣይ ደረጃ ከኣ፡-
  2. ጉድዩ ዝምልከቶም ሰበ-ስልጣን መንግስትን፤ ወከልቲ ህዝቢ ኢና ዝብሉ ኩሎም ኣብ ህዝባዊ ምሕደራ ዝዓዩን መሳርሕትን ብጾትን ግዳያት፤ ከምኡውን ብዓቢኡ፡-
  3. ህዝቢ ብሙእን ብሓደ ድምጽን ኪሓትት ይግባእ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ዝነብር ደጋፊን ተደናጋጽን ህግደፍ ( ኣብ ውሽጢ እኳ ክንደየናይ ከይህሉ) ከም ወትሩ “መንግስትና ኣበር እንተዘይረኽበሎም ስቕ ኢሉ ኣይምኣሰሮምን። ኣብ ዘይምልከቶም ጦብሎቕሎቕ ስለዝበሉ ግን ሲሒኖማ ኣለዉ።” ኪብሉ እትጽበዮ ነገር እዩ – ይብሉ ኸኣ ኣለዉ። ብኣረእእያኦም መንግስቲ ማለት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ማለት ጥራሕ ስለዝኾነ፤ ቅድሚ ማእሰርቶም እውን እንተኾነ ከም ተለኣኣኽቲ እምበር ከም ኣባላት መንግስቲ ስለዘይርእይዎምን እቲ ሕቶ ንዓኣቶም ምሉስ ኢዩ። መንግስቲ ገለ እንተዘይረኽበሎም ኣይምኣሰሮምን። ካብቲ ዝምልከቶ መልሲ ከይተጸበዮ ድሮ ባዕላቶም መሊሶሞ ኢዮም። ኢሳይያስ ንዝኣሰሮን ንዝኾኖኖን ዘበለ ከኣ ኪሳዕ መወዳእታ ከምኡ እንዳበሉ ኪነብሩ ከምዝኾኑ ርዱእ ኢዩ።

ከምኡ እንተዘይከውን ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ሓላፊ ክፍሊ ውደባ ህግደፍ ዓብደላ ጃብር ኣብ ወጻኢ ሃገራት እናዞረ ነቲ ምስ ፕረዚደንት ዝመኸርሉ መምርሕን ትእዛዝን እናሓበረ “ ናይ ግዳም ጸላእቲ ኣለዉና፤ መክቱ…ክተቱ!” ኢዩ ዝብሎም ነይሩ። ልክዕ ከምዚ ሕጂ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ኮነ ካልኦት ላዕለዎት መራሕቲ ህግደፍ ዓዲ ዓዲ እናዞሩ “ኣመሪካ ስለዝተጻባኣትና እምበር..” እትብል ዘይትኣርግ ደርፊ ዝደርፉልና ዝነበሩ  ዓብደላ ከኣ ልክዕ ከምኦም ይደርፈልና ነይሩ። ሎሚ ግን ሃለዋቱ የሎን። ተኣሲሩ – ተሓይሩ ኣሎ፤ “ስለምንታይ!” ንዝብል ግን መልሲ የሎን። ጽባሕ ንግሆ የማነ ኮነ መሰልቱ እንተተኣሲሮምከ እንታይ ኢና ኪንብል! ኣኺሉና ትም –  ክልተ ሳዕ ምሕሳብ ዘድልዮ ጉዳይ ኢዩ።

እዞም ትማሊ ትማሊ እሙናት ኪመስሉ ንርእሰ-ብሄር ከሐጉሱን “ኣለና ኣለና!” እናበሉ፤ ዝኣስሩን ዝኹኑንን ዝነበሩ ከም ዓብደላ ጃብርን ሙስጠፋ ኑር-ሑሼንን ዝኣመሰሉ ሰባት ሎሚ እንታይ ስለዝተረኽበ ኢዮም ኣንጻር እቲ ትማሊ ዝጣበቑሉን ዝዕጠቑሉን ዝነበሩ ስርዓት ተላዒሎም ዝብል ሕቶ ኪምለስ ኣለዎ። ስለምንታይ ኢዮም እዞም ሰባት ኣብ ጉዕዞ’ዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ተቐይሮም። ብዝሓለፈ ተግባራቶም ስለዝተጣዕሱ’ሞ ህዝብም ኪድብሱ ስለዝደለዩ፤ ብሕልናኦም ስለዝተኸሱ፤ ወይ ብስልጣን ባዕሊጎም ስለዝረኸሱ፤ ሓደ መልሲ የድልዮ ኣሎ።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ካብ ጽባሕ ናጽነትና ኪሳዕ ሕጂ ብዙሓት ሰባት ገሊኦም ጥሩፋት ገሊኦም ሕሉፋት እናተባህሉ ዝተኣስሩን ዝተሰወሩን ከምዘለዉ ይዝረብ ኢዩ። መሰል ዝሓተቱን ለውጢ ኪግበር ዝጠለቡን እውን ብዘይ ግቡእ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ማእሰርቲ ዝበለዩን ኣብኡ ዝዓረፉን እውን ውሑዳት ኣይኮኑን። እንተኾነ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣሰርቲ ዝነበሩ ኣብቲ ኻልኣይ ተራ ኪእሰሩ፤ ኣብቲ ካልኣይ ወፈራ ኣሰርቲ ዝነበሩ ኣብቲ ሳልሳይ እብረ ኪሕበሱ ንርኢ ኣሎና።

ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ 2001 ንዝሓለፈ ግጉይ ጉዕዞን ኣካይዳን ንምእራም ብላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባርን መንግስትን ዝቐረበ ናይ ለውጢ ጻውዒት “ ሃገራዊ ክድዓት” ብምባል ኣነኣኢሱ ከምዝደቖሶ ናይ ትማሊ ዝኽሪ ኢዩ። እቶም ሕልኽላኽ ሰውራ ኤርትራ ሰጊሮም፤ ድልዱል ሃገራዊ ሰራዊት ሃኒጾም፤ ንስርዓት ደርግ ሲዒሮም ናጽነት ሃገር ዘረጋገጹን ርእሰ ብሄርና ምስ ኩለን ጎረባብትና ብተኸታታሊ ኩናት ንዝዘረጎ ሰላምና ኪፍውሱ እጅግአም ሰብሲቦም ዝነቐሉ ኣርካናትና ብኽድዓት ሃገር ተኸሲሶም። በቲ ጸለመ’ቲ ሓጢኣቶም   ዝተጎልበበ ዝመስሎም ዝነበረ ናይቲ እዋን ኣሰርትን ከሰስትን ከኣ ግዜ ኣርኪቡሎም። ግን እንቋዕ ኮኑስ ኣይንብልን፤ ዳሕረዎት ኪመሃሩን ብዝቐልጠፈ ጌገኦም ኣሪሞም ህዝቦም ኪኽህሱን ግን ንጽውዕ። ህዝብና ዋላኳ ብኣፈሙዝ ጠበንጃ ኣፉ እንተተዓብሰ ሓቂ ካብ ሓሶት ንምፍላይ ኣይጽግሞን ኢዩ። ንዓሻ ግን ይመስሎ ይኸውን…!

እቶም ነዞም ኣርካናት ሃገር ኣብ ጎዳጉዲ ዒራዒሮ ንኺዳጉኑ ዝተጓየዩን ጸለሎ ክድዓት ኪቐብኡዎም ዝመደሩን ትማል ኣሰርትን ኮነንትን ዝነበሩ ከም ዓብደላን ሙስጠፋን ደኣ መን ኢዩ ኣጋግዩዎም! ወያነ…፧ ወይ.. ሲኣይኤ…፧ ወይ ብኣባሃህላ ፕረዚደንት እታ ሰላም ህግደፍ ዘይትፈቱ ኣመሪካ፧ መን ዓሲቡዎም፧ መራሕ ህግደፍ መልሲ ኪህበሉ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ።

እቲ ዝበዝሕ እንሰምዖ ዘሎና ኣስማት እሱራትና ኣስማት ኣመንቲ ምስልምና ስለዝኾነ በቲ ልሙድ ኣሰራርሓ ህግደፍ፡ ብታሕቲ ታሕቲ ብመንገዲ 03 ኪብሎ ዝፈተነ ሃይማኖታው ጥሩፍነት ዲዩ ደፊኡዎም፧ እዞም እንፈልጦም ሰባት ናይ ብሓቂ’ዶ ሕሉፍ ናይ ምስልምና ስምዒት ነይሩዎም ኢዩ፧ ኣካል እቲ ናይ ለውጢ ጉዕዞ ዲዮምከ ነይሮም፧ ኣበሳኦም ንተቓወምቲ ጥራሕ ዘይኮነ ብቐንዱ ንደገፍትን ሰዓብትን ህግደፍ እውን ኪበርሃሎም ኣለዎ።

ትማል ቀንዲ ኣሰርትን መዳኸርትን ጸይቅታት እቲ ስርዓት ስለዝነበሩ ሎሚ ብዘይ ሕቶ ይጥፍኡ ብዝኸዱዎ ይዕረቡ ዝብል ዘረባ ዓዲ ኣየጋብርን ኢዩ – ወዮ ደኣ ዓዲ ከይንኸውን ኢዩ ዝስራሕ ዘሎ እምበር ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ደቂ ህዝቢ ነዚ ብደዐ እዚ ኣይከድምጹዎን ኢዮም። ጠለቦም ፍትሒ እምበር ሕነ ኣይኮነን። ድሌቶም ሰላም እምበር ጎንጺ ኣይኮነን። ንኹሉ እቲ ዝተገብረ በደላትን ዓመጽን ከኣ ብሕጊ እምበር ብበትሪ ኣይኮኑን ኪጸባጸብዎ።

ኩሉ እቲ ካብ ጽባሕ ናጽነት ዝጀመረ ናይ ውሑዳትን እኩባትን ተኸታታሊ ኣብያታት  ከይተዘርበሉን ከይተወርየን ዝተዓብሰን ተቓውሞታት፤ ሰማእታትና ብዘሰከሙና ሓላፍነት ብልዕልና ሕጊ እትግዛእ፤ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታታ እተኽብር፤ ምስ ጎረባብታ ብፍቕርን ሰላምን ተኸባቢራ እትነብር ሃገር ምእንቲ ኪንምስርት ኢዩ ነይሩ። ህዝብና ሓዳግን መሓርን ከም ሙዃኑን ብዝሓለፈ በደልን ደምን ኪጸባጸብ እውን ኣይነሃረን። ኩሉ ነገር ኣቐዲሙ እንተዝግበር ጉዳይ እቶም ኣብ ቓልሲ ሓርነት ብውሳይ ዝጠፍኡ ደቁ እውን እንተኾነ ብዕርቅን ምሕረትን እምበር ብደምን ሕነን ዝጥምቶ ኣይነበረን።  ግን ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ህዝብና ናይ ኢዱ ኣይተፈድየን – ፈጺሙ ጻምኡ ኣይረኸበን።

ሕጂ እውን ብምኽንያት ስርሒት ፎርቶ ብዘይካ እዞም ብዝነበሮም ሓላፍነትን ተግባራትን ዝበዝሕ ሰብ ዝፈልጦም ላዕለዎት ሓለፍቲ ብዙሓት ደቂ ህዝቢ ከምዝተኣስሩ ኢዩ ዝውረ ዘሎ። ድሮ እኳ መርበበታ ሓበሬታ ደምበ ተቓውሞ እኳ በብእዋኑ ነዞም ዝስዕቡ ዝርዝራት ሂበናን ኣለዋ።

  1. ዓብደላ ጃብር – ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ህግደፍ
  2. አሕመድ ሓጂ ዓሊ – ምኒስተር ጸዓትን ማዕድንን
  3. ሜጀር ጀነራል ዑመር ሓሰን ጠዊል – ኣዛዚ ማእከላይ ግንባር፡
  4. ኣልኣሚን ሳልሕ ሸኽ ሙስጠፋ ( ወዲ ሸኽ) ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ህግደፍ፤ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቐይሕ ባሕሪ ነበር
  5. ሙስጠፋ ኑርሑሼን – ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ
  6. ኢብራሂም እድሪስ ቶቲል – ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቐይሕ ባሕሪ ነበር
  7. ኢብራሂም ስዒድ ሓላፊ ክፍሊ መጓዓዝያ ባሕሪ ነበር
  8. ኮሎኔል መሓመድ ኑር ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ደቡብ
  9. ኮሎኔል ሳሌም ስዒድ ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ዓንሰባ

10. ኮሎኔል ሑሴን አሕመድ ( ማንጁስ) ኣባል ስርሒት ክልተ ሓላፊ ስታፍ ወተሃደራዊ ታዕሊም

11. ኣሮን ታደሰ ሓላፊ ህግደፍ ኣብ ከባቢ ቲራቮሎን ካልኦትን ስሞም ዘይተጠቕሰ ከምዘለዉ እውን ይዝረብ ኢዩ።

ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ወጻእተኛታት ፖለቲከኛትታን ምሁራትን ህግደፍ ብዝበሃል ሓደ ሰልፋዊ ስርዓት  እትመሓደር ሃገር ሙዃና ኢዩ ዝፍለጥ። ንህዝብና እውን ከምኡ ኢዩ ዝግለጸሉ። ግን እዚ ኣበሃህላ እዚ ብግዜን እዋንን ምኽላሱ ከድሊ ኢዩ። ካብ መዓስ ኪሳብ መዓስ ኢያ ኤርትራ ብሓደ ሰልፊ ኪትምራሕ ጸኒሓ። ንሙዃኑ እቲ ይመርሕ ኣሎ ዝበሃል ሰልፊ ህግደፍ ህይወት ኣለዎ ዲዩ፧ ይሰርሕከ ኣሎ ዲዩ፧ ዝብል ሕቶ መልሲ የድልዮ ኢዩ።

እቲ ኣብ 1994 ዝቖመ ሰልፊ ህግደፍ እንተወሓደ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ጉባኤኡ ኣካይዱ ህዝባዊ ምርጫ ኣዊጁ ህዝባዊ መንግስቲ መስሪቱ ግዝያውነቱ ከብቅዕ ነይሩዎ። ግን ኣይተገብረን። ምስ ኩሉ ሓጎጽጎጹ ህግደፍ ሎሚ ጽባሕ ይዕረ ይኸውን እናተባህለ፡ ብዕብዳን ሓደ ሰብ ኣብ ኩናት ኣትዩ። ድሕሪ 2000 ከኣ ተገማሚዑ፤ ለውጢ ዝሓተቱ ብዙሓት ላለዎት መራሕቱ  ካብ መስከረም 2011 ጀሚሮም ኣብ ዒራዒሮ ተኣሲሮም። ሃገራዊ ባይቶ ድሕሪ’ታ ኣብ 2002 ንኩነኔ ጉጅለ-15 ሕጋውነት ከልብስ ዝተራኸበላ ተኣኪቡን ኣይፈልጥን። ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ተኣኪቡን ዘትዩን ኣይፈልጥን።  ብሕማምን ሞትን ወይ ማእሰርትን ስደትን ዝተኣልዩ ኣባላቱ ተኪኡን ገሊጹን ኣይፈልጥን። ኣብ መወዳእትኡ ሃገር ብሓተታ ኣብ እትመሓደረሉ ደረጃ በጺሕና። ሕጂ እውን ትም ኢልና ኣሎና።  ግን ኪሳዕ መዓስ ኢዩ ትም።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ሚኒስትሪታትን ክፍልታትን ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣማኢት ተጋደልቱን ዓሰርተታት ላዕለዎት ሓለፍትን ገዲፎሙዎ ኣብ ስደት ይነብሩ ኣለዉ። ሕጂ ከኣ ብዙሓት ላዕለዎት ኣባላቱ ኣሲሩ ኣሎ። ገና ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ሰባት እውን ኣለው። ስለዚ ህግደፍ ብግብሪ ናይ ብሓቂ ኣሎ ዲዩ፧

ካብ ሓደ ብልዕና ሕጊ ዘይግዛእ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዘይብሉ ስርዓት፡ ከምቲ ባዕሉ “ ምዝራብ ባህልና ኣይኮነን” ዝብሎን ዝደጋግሞን ሓቂ፡ ፍትሒ ርትዒን ኪትረክብ ዘይሕሰብ ኢዩ። ስለዝኾነ እዚ ኣብ በዓቲ “ምዝራብ ባህልና ኣይኮንነን” ተሓቢኡ ከም ድላዩ ዝዕንድር” ሰባት ዝቐትል – ዝምሑቕ፤ ዝስውር ዝኣስር  ስርዓት እናረኣና ከጥፍኣና ትም ኢልና ኪንዕዘቦ የብልናን። ኣነ “ኣብቲ የለኹ ኣብቲ የለኹ!” እናበልካ ምጽቃጥ ካብ ሕልናውን ታሪኻውን ሓላፍነት ዘድሕነና ኣይኮነን።

ኩሉኹም እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን መንግስትን ኪሳብ እቶም ውሑዳት ተማሂርና  እና እትብሉ  ኣብ ሽፍትነትን ምጥፍፋእን ተዋፊርኩም መሳርሒ እዚ ማፍያ ስርዓት ኪነኩም ዘለኹም ዜጋታት ነብስኹም ሓኺኽኩም እቲ ዝግበር ኪትገብሩን ኢድኩም ኪትሓጽቡን ትሕተቱ ኣለኹም። ኣብ ዝኾነ እትገብሩዎ ኣኼባታት “ ናበይ ገጽና ኢና ንኸይድ ዘሎና፧ እዞም ትማልን ሎምን ተተሳሒቦም ዝተቐየዱ ሰባት ጉዳዮም ኣበይ ኢዩ ዘብቅዕ፧ ስለምንታይ ኢዩ’ኸ ንስድራቤቶምን ህዝቢን ዘይግለጽ፧” ኢልኩም ኪትሓቱ ትሕተቱ ኣለኹም። ኣብዚ ማፍያዊ ስርዓት፡ ምኽንያት ጉዳያት ምሕታትን ምፍላጥን ንባዕሉ ተሓታትነት ከምዘስዕብ ርዱእ ኢዩ። ግን እንተወሓደ ንጽባሕ ንግሆ ንሕልናኹም ንታሪኽን “ሓንቲ መዓልቲ’ኳ ሓቲትና ነይርና ኢና። ብውልቂ እኮን ፈቲነ ነይረ – ተዛሪበ ነይረ፤” ኪትብሉ ምእንቲ ሎሚ ኪትደፍሩ ትሕተቱ ኣለኹም።

እቶም ንዓዲ ዘእቱ “ናይ ይሕለፍ ቲኬት” ምእንቲ ኪትረኽቡ ንድኽመታት ደመበ ተቓውሞ እናኳማሳዕኩም ስቕ ኢልኩም እትዕዘቡ ዘለኹም “ወራዙት” ከኣ ግዜን እዋንን ፈዳይ ሙዃኑ ኣብ ግምት አእቲኹም ኩሉ ኣብ ሙቡርቋቕ ናይዚ ናይ ሸፋቱ ስርዓት እጃምኩም ከተበርክቱ ትሕተቱ ኣለኹም። ዘይወግሕ ለይትን ዘይሰዓር ዓማጺ ስርዓትን ስለዘየሎ ኣብ ክንዲ ግዝያዊ “ቲኬት ጉርሒ”  ነባሪ “ቲኬት ፍትሒ” ኪትውንኑ ትዕደሙ ኣለኹም።

ኣቱም ነዚ ስርዓት እዚ ካብ ሱሩ ንምምሓው ኣብ ደምበ ተቓውሞ እትርከቡ ደለይቲ ለውጢ አሕዋት ኣብ ክንዲ ኣብ ዘይእዋናውያን ጉዳያትን፤ ኣብ ጉዳይ ተራ ውልቀ ሰባትን ሓድሕድ ኣብ ምውንጃል ጸዓትኩም እተጥፍኡ ሓቢርኩም ዕድመ እዚ ስርዓት እዚ ዘሕጽር ኣድማዒ ስራሕ ሰሪሕኩም ስቓይ ህዝብኹም ከተሕጽሩ ግፍዒ መላኺ ዝመረሮ ህዝቢ ይምሕጸነኩም ኣሎ።

ኣቱም ኣብ አዒንቲ ውልቀ መላኺ ኣቲኹም ዘለኹም፤ ግፍዒን ምሕደራን እዚ ጨካን ስርዓት ዒፍ ኢሉኩም ለውጢ እትናፍቑ ዘለኹም ጀጋኑ እቲ ፍታሕ ኣብ ኢድኩም ኢዩ ዘሎ። ብሕጂ እውን ልክዕ ከምቲ ቕድምን ሕጅን ዘጋጥመ ንማእሰርትን ዓፈናን ዝተሓጽዩ ሰባት ከምዘለዉ እትግንዘቡዎ ይመስለና። ስለዚ ውሕጅ ከይመጽአ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ ኢዩ’ሞ ኣብቲ ዘይትደልዩዎን ዘይንደልዮን ከይትወድቁ ነብስኹም ፈትሹ። ኣብ ኩሉ እትወስዱዎ ስጉምቲ ከኣ መላእ ደላይ ለውጢ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎድንኹም ከምዘሎ ኪትግንዘቡ ይግባእ።

ብልሙድ መስመር ቤላ ቤለው (03) ተደናገጽቲ ህግደፍ ኢዮም ዝበሃሉ ምሁራት ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ንሓፈሻዊ ኩነታት ሃገር ብዝምልከት ሕቶታት ከቕርብሉ ሙዃኖም ዝገልጽ ወረ ነፊሱ ኣሎ። እቲ ንፋስ እቲ ከም ገለ  ናብ ሓቂ ገጹ እንተኾይዱ፣ ምሁራት ህግደፍ  ላዕሉ-ላዕሉ ዘይኮነ ነቲ ኹሉ ዘይተመለሰ ሕቶታት ህዝቢ ኪሓቱዎ ኣለዎም።

ስርዓት መላኺ ንምቡርቋቕ ዝተዓጥቁ ደለይቲ ለውጢ!!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
37 COMMENTS
  • weygud? April 30, 2013

    Hi geleyeakum teketateliti geleyeakum texhenaxhneti enabelikum texihefu delakum haqhi texihefu tehelewu tekonu ekum entayemo kulaa seb ab gudegad nay interenet koyenaa teray tefekir sele dela selazi ane gezeyena ayenetifie nemehar tekiyelina betesebna nehagezz emeber qhedem xhubuqh zeyeterakebo qhalisi hji xhubuqh kimexhieyu elika mehesab ayekealin eyu AMLAK baelu fetah yeweredelina emeber nay seb hayeli teregum yebelun seb selam kemexhiye dekieil tedekewen ezom TEGADELITI debehalu selam memexhieu gena hjiwen AMLAK selam yemixhialina teray eye debel

  • Abnet April 30, 2013

    Eritreawi xubuqn tintane kitintin nufuu koinu alo anteabteghibar ghin NETA QACHIL MENMO YESERA KOYNU NEGHERU.

  • msgna April 30, 2013

    bjeka mejer general omer tewil ezom kaleot ms iseyas koinom nhalafnet buko bota terekiba kblu n G15 zbelewom eyom slezi edom eya rekibatom

    • hinok April 30, 2013

      Bravo,that is right.

  • hadu April 30, 2013

    atta mesgena tebahal nay edom eya rekibatom aytebel hemak aytezareb

  • abebahagos17 April 30, 2013

    ETI ZASIR ZELO DICTATOR HIGAWI SLEZEYKONE ETOM ZIESETU ZELEWU KEMEY GEROM GEBENEGNATAT KIBEHALU. ZIKONE ESUR AB FIRDI KISAB ZEYKEREB GEBENEGNA AYKONEN.AMLAK MEWAXIO YHABA NI HAGERNA.

  • A.A Yassin April 30, 2013

    ኪሳዕ ?

    Is that a Tigrigna word?

    • A.A Yassin April 30, 2013

      ኮሎኔል ሳሌም?

      What don’t you, Hade’afitu, add “YERU” to “Salem” to make it YERUSALEM?

  • abrham April 30, 2013

    ኣየ ጽሑፍ ዓሊ ዓብዱ ተደመሮ ሚካኤል ኣዶናይ ተደንግጹ!
    ኣበይ ነበርኩም ጴጥሮስ ሰለሙን፣ ሃይለ ወልደ ትንሳኤ፣ ዑቚበ ኣብርሃ፣ በራኺ ገብረስላሰ ክእሰሩን ክሓቱን ከለዉ፣ ጉጅለ ኮረይቲ ዶ ኣይነበረን መልስኹም? እዝን ዓይንን ዝተዓደለ ህዝቢ እዩ ህዝቢ ኤርትራ! ደለይቲ ዶ ጸየቕቲ!

  • Morroso April 30, 2013

    first let me say Mustafa Nurhisen mengsteSemay yewariso Moytu slezikone himak mizirab xibuk aykonen but Omer tewil kabtom n forto toguayiyom zimexe netom Anabs Forto kihzu neta sirihit kefshilu zimexu hade kabom Tewil neru hij gn rekibuwa ab carcheli koinu intay kon yibl alo.kem beal Tewil N wed medhn berad sgab lomi aymexnehuwon nerom gn korakur natu esu wey mot ziblu neberu iyu rekibuwa dima kem beal Tewil ab carcheli aykonen ab tihti meriet tezikiberu hizbi yihugues imber ayhaznelomn for sure

    Abdella Jaber kelbi wedi mdhn berad chipola kiblu tekebali neru zigerm dima neto G15 kehadti nay weyane korakur iyom ilu kenawirom 10amet kemzey deki hager geruwom ussu yayee wedi hager yegermena’lo ita nxuhat deki hager z’dirbiyela neber container balu atyuwa tederbiyu hiji do yihayish!!!Telam kelbi wed mdhn nezi kelbi wed mdhn zikone Abdela Jabir ane interrogate kigebro mifeteku abey imo.
    Nay Mustefa Nurhisen the only thin I will say RIP ones his life expired can’t say bad things.

  • kemal April 30, 2013

    good analysis, and to the point. No more silence, Enough is enough, time for action.

  • sara gual eritra April 30, 2013

    IDOM IYA REKIBATOM
    HGDF SGAB BAELATOM ZITAFI’U TIMMM YHAYSH
    NETOM TERIFOM ZELEWU KORAKUR TIMRTI EQA ENTEKONOM
    HANTIS SELAMAWI HIZBI TRAH AYTENKEF
    (AMLAK KUNU’E FERADI KELO ENTAY TEBEKA TELEMTI MUQAN ADLIYUNA)

1 2 3

POST A COMMENT