Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሳግላ እንክቕላዕ!

28.09.16፡ ሕመረት ናይዛ ዕላል ካብ ሓቀኛ ዛንታ ናይ ሓንቲ ካብተን ብዕድመ ዘይደፍኣ ግን ድማ በቲ በስገዳድ ብማሕበር ሃማደኤ ተዳልዩ ዝሽየጥን፡ ግድነት’ውን ደቂ-ኣንስትዩ ክዕድግኦን፡ ኣብ ዝተኣዘዝኦ ኣጋጣሚ ከኣ ክኽደንኦን ዘለወን ውሽጡ ሕሩር ኣርማ ናጽነት ህግደፋዊ ድቢዛ (ክዳውንቲ)

28.09.16፡

ሕመረት ናይዛ ዕላል ካብ ሓቀኛ ዛንታ ናይ ሓንቲ ካብተን ብዕድመ ዘይደፍኣ ግን ድማ በቲ በስገዳድ ብማሕበር ሃማደኤ ተዳልዩ ዝሽየጥን፡ ግድነት’ውን ደቂ-ኣንስትዩ ክዕድግኦን፡ ኣብ ዝተኣዘዝኦ ኣጋጣሚ ከኣ ክኽደንኦን ዘለወን ውሽጡ ሕሩር ኣርማ ናጽነት ህግደፋዊ ድቢዛ (ክዳውንቲ) “ንሕና ንሱ” ኢዩ።

ንሳ ብምኽንያት መጸት-መጸት ወርሒ መስከረም፡ ዓመታዊ ናይ ስራሕ ዕ ረፍታ ምስ ስድራኣ ክትምርሕባ ብምሕሳብ ካብ ወጻኢ ኣስመራ ትነጥበ ልኩም። ከተማ ቀንያ ንዓዲ ምስተበገሰት ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብታ ዝሓዘታ ሰድያ ናይታ ኣውቶቡስ ምስ ሓንቲ ብዕድመ መሰታኣ ትግመት ሓደ ፍር ዝን ዝበለ ቆልዓ ዝሓዘት ኣደ ኮፍ በለት። ጉዕዞ ተጀሚሩ ፈቶሪኖ ገንዘብ ክትከፍል ምስሓተታ ለካ ናይቲ ንእሽቶ ዝሓሰበቶ ወዳ ክፍሊት ኣይሓሰበ ትሉን ጸኒሓ ፈጠጥ ኮነ’ሞ ጋሻ ናይ ሰለስተ ከፊላ ካብ ዕዳ ኣናገፈታ። ብ ኡ ዝነቐለ ዕላል ክልቲአን ዜጋታት ኣብ ዓሚቑ ዛዕባ ኩነታት ናብራ ሃገር ናን ዘሻቕለን መጻኢ ኩነታትናን ተደርገማ።

ጋሻ ክትሓትት፡ ወያ ተቐባሊ ጋሻ ትመስል ተቐማጢት ክትምልስ ክራኣያ ጓኖት ክንሰን ፍልጠተን ኪኖ ስድራ-ቤታዊ ዝምድናታት ዝሓለፈ ክልቲኤ ን ህጡራት ፖለቲከኛታት መሰላ። ብኡ ዝቐጸለ ዕላል እታ ተቐማጢት ን ብዛዕባ ውድቀት ሃገርና ንዝምልከት ቀንዲ ጠንቁ ውዲት ኢሳይያስ ኣፈወ ርቂ ምዃኑ ብዝተጨበጠ ኣብነት ክትገልጸላ እንከላ ሕልና ናይታ ‘ንሕና-ንሱ’ ኣብ ዘይሓሰበትሉ ፈተና ወደቐ። ምናዳ ና ይ ኢሳይያስ ውዕሎ ዓዲ-ሃሎ ክትገልጸላ እንከላ’ሞ ድማ “ከምዚኸ ኣሎ ዲዩ! ” ካብ ዝብል ፍጹም ደኒቕዋ ተሰነፈት።

ከምዝፍለጥ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እታ ከም መድሕን ናይታ ‘ንሕማቕ እዋኑ’ ዝመረጻ ዕርዲ፡ ባጽዕ ምንባራ ትፈልጡ ትኾ ኑ። ባጽዕ ክሳብ ዓቢ ኣየር-ፖርት ዝሰርሓሉ ምኽንያት ከኣ ነገር ምስመጾ ብሓንቲ እግሪ ንብረቱን ነብሱን ቆጻጺሩ ክነፍጽ ሓሊኑ ነበረ። ድሒሩ ብጥንቁልና ብዝረኸቦ ሓበሬታ ግና ንደቂ ባጽዕ ኣይኣመኖምን። ማለት ከምቲ ንበዓል ድምጻዊ ኣብ ረሃም ኣፈወርቂ ብውሽጢ ባሕሪ መጺኦም ዘስጠምዎም ዝለኣኸ፡ ንዕዑ’ውን ውሽጢ-ውሽጢ መጺኦም “እምቡሕ” ክብ ሉዎ እናተራእዮ ክቱር ስግኣት ሓደሮ። ከምሳዕቤኑ ባሕሪ ብክኢላታት ህንድስና ብነታጒ’ኳ እንተኸበቦ፡ ሓጹሩ ብካልኦት ክኢላታት ምህንድስና ከምዝመክን ስለዝፈለጠ ከኣ ናብታ ከም ኣማራጺ ዝሓዛ ዓዲ-ሃሎ ከምዝገዓዘ ንዝክር።

ጉዕዞአን ቀጸላን ዕላለን ዓመረን። ትረኻን መግለጺታትን ተቐማጢት ከኣ ንወያጋሻ ደንጸዋ’ሞ ብልባ ከም ዓባይ ደራሲት ልቢ-ወለድ ትቐርጻን ባዕላ ተፍርሶን ነበረት። ንሳ ጠንቂ ዕንወትና ክትገልጸላ እንከላ ብከምዚ ዝስዕብ መልክዑ ነበረ፦

“ይገርመኪ ኢዩ፡ ‘ኢሳይያስ ኣበይ ኣሎ?’ እንተተባህለስ፡ ዓዲ-ሃሎ!”                                                   “እንታይ ይገብር?” ኢልካ እንተሓተትካ፡ መልሱ “ዲጋ ይሰርሕ!”                                                               “መዓስ ጀሚሩን ክውድእን’ዩ” ኢልካ ዳግማይ ምስ ትውከስ፡ መልሱ ትማሊ ዓዲ ሃሎ፣ ሎሚኸ ዓዲ-ሃሎ፣ ጽባሕ’ውን ዓዲ ሃሎ፣ ኩሉሳዕ ዓዲ ሃሎ!                                                                                                    “እንታይ’ዩኸ ኣብኡ እጃሙ?” ኢልካ ምስተሓትት፡ ንሱ ባዕሉ ኢንጅነር፣ ባዕሉ ነዳቓይን ባዕሉ ድማ ሚነዋለን!            “እንታይከ ኣፍርዩ?” ዝብል ሕቶ እንተስዒብካ ጥራይ ንርእሱ ብጃልባኡ ዝናፈሰላ ሓጽቢ ምዃና ትብሰር!” . . . . . .

ጋሻ ብዝረኸበቶ መግለጺ ተደነቐት። ግናኸ ተደኒቓ ጥራይ ኣይተረፈትን’ሞ ብከቢድ ምስ ኣተንፈሰት ከምዚ በለት፦

“ኦይ፡ እሞ ሎምስ ንብሃገራ ዝውሕጥ ሓጽበ-ዒላ’ዩ ዝኹዕተልናን ዝነድቀልናን ዘሎ!”

እዚ እቲ ብቃላታ ዝደርጐሐቶ ቀዳማይ ትዕዝብታ ነበረ። ዕላል እናቐጸለ ብዝኸደ ድማ በቲ ዝነበራ እምነት ምስሊ ሃገር ና ተደናገረት። ‘እምነት’ ክብል እንከለኹ ግና ኣብዚ ሎሚ እዋን ነብሱ ዘይፈተሸ ስለዘየለ ንሳ’ውን ኪኖ ምምንታው እቲ ዕላል ካልኣይታ ከየቛርጽ ክትብል ምሒር እናተበለሓተት ብገለ ኣጋጣሚ ነገር ፋሕቲራ ብዛዕባ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መራ ሒኡ ዘለዎ ጠመተ ናብ ዘምርሕ ዕላል ንምስጋር ዓሊማ ከምዚ ክትብል ዛዕባ ፈጠረት፦

“ጓለይ ኣይ ንሕናድኣ ሃገርና ብሳላኡ ዝመጸትን ሰላም ዘላን እንድዩ ዝመስለና።”

“ኦይ፡ ስቕ ኢልኩም’ምበር ጾር ህዝብን ሃገርን ዝስከም መራሕ መንግስቲዶ ርኢኹም ኢኹም? ሃገር’ኮ ሳላ ናይ ኣብ ወጻ ኢ ዘለኹም ሃገራውያን ክፍሊት’ያ ትነብር ዘላ። ብወጻኢ ሓገዝ ዘይብሉ ሰብ ከኣ በዚ ሓሪሱ ኣየእቱ፡ ርሂጹ! ብምዃኑ ንዕርበቱ ኢዩ። ከምዚ ትርእይዮ ደሞዝ ኣገልግሎት’ሞ ኪሎ ሽኮር’ያ ባቃ!”

ጋሻ ሓተተት። “እሞ ሓቂ’ዩ’ዚ ኢሳይያስ ክሓልፍ እንከሎስ ቆልዑ ‘ወዲብጫ ሓሊፉ’ ኢሎም ከምዘባጭዉሉ ዝውረ።?

“ሓቂ! ግናስ ንሱ’ውን ወዮም ቆልዑን እቶም ኣብ ወጻኢ ዘለኹምን ኢኹም ከምኡ ትብሉዎ’ምበር ንሕና’ዞም ኣብዚ ንቕ መጥ’ሞ ‘ሚለኑ ሓለፈ’ ኢና ንብሎ” በለታ ነቲ መንቀሳቐሲ ወረቐት ንዝሓትት ዝነበረ እናቀረበትሉ።

ጋሻ ተራኺት እንታይ ማለታ ምዃኑ ኣይበርሃላን ኮይኑስ ንገለ ካልኢታት ኣስጊላ ድሕሪ ምጽናሕ “ንምንታይድኣ ‘ሚለኑ’ ትብሉዎ?” ክትብል ተወከሰታ።

ተራኺት ከምግርጭ ኢላ “ኣንቲ ከምቲ ዝብልዎ ወዲ-ብጫ ይኹን ወዲ ጎበጨረ እንድዕሉ ‘ታይሲ ኣእተወና! ግናስ ለው ጢ ንደሊ ኣለና ሓብተይ ለውጢ ባቃ! ለውጢ ክርከብ ድማ ንሱ ክወርድ፡ ክእለ ኣለዎ። ሚለኑ ኣብቲ ዓቢ ገረብ ደይባ ምውራድ ዕጭ ምስ ነቖተት’ዩ’ኮ ‘ሚለኑ ውረዲ-ውረዲ ከይትዋረዲ’ ንብላ ዝነበርና” ክትብል ተወሳኺ ዛዕባ ፈጠረትላ።

ጋሻ ብትረኻ መጓዕዝታ ምሔን ወሓጣ። እቲ ዕላልን ትዕዝብትን ህዝብና መወዳእታ ኣይነበሮን የብሉ’ውን። ፍልጠት ና ይቲ ዓሻ ወይ ዝንጉዕ ዝመስል ህዝብና’ውን ንጸወታ ድሙን ኣንጭዋን (ምጥቃዕን ምክልኻልን) ኣዘኻኸራ። ከምወዝቢ ከኣ ከምዚ ክትብል ሓሰበት፦

“ለካ ብከምኡ ኢዩ እቲ ሓያል ፖለቲከኛን ክኢላ ደራሲ ግጥምን ተዋስኦን ነፍሲ-ሄር ተ/ይ ኢሳይያስ ጸጋይ “ሚለኑ” ኣብ ትብል ኣፈ-ዛንታ ትመስል ብ”ወዲ ብጫ” ዝተወከለት ግናስ ቅምጥ ባህርያት መራሒና ትቐልዕ ድራማ ዝደረሰ! ለካስ ስለ ኡ’ዩ’ውን ንሱ ተገሪሁ እንከሎ ከምቶም ከምእኒ ኣብርሃምን እድሪስን፡ ከም’እኒ ሓቅነቱ ዝቀላቐል ዘሎ ናይ ካልኦት ብሉ ጻትና ብጾቱን ብናይ ብልቃጥ መርዚ ክዝልሓጡ ዝተገብረ!”

ኣውቶቡስ ድሮ ኣብቲ መዕረፊኣ ደው በለት። እንተዘይትበጽሕ ብዛዕባ ማእለያ ዘይብሉ ቁምነገር መዕለላ። ወያ ካብ ስደ ት ዓዳ ዝተደርገመት ዜጋ ካብታ ዕለት’ቲኣ ምስጢር ናይ’ቲ ትኣምኖ ዝነበረት መራሒ ማለት ግዜያዊ ፕረሲደንት ኤርት ራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዘየወላውል ከም ጸሓይ ቀትሪ ደመቐላ። እሞ ንነብሳ ከምዚ ክትብል ኣዕለለታ።

“ለካ ሓቂ’ዩ ‘ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ’ ዝባሃል!”

ቅጽበት ድማ ወያ ናይ ትማሊ ንሕና-ንሱ ንገዛእ ነብሳ፡ “ኢሳይያስ ሃገር እናጠፍአት ኣብ ዓዲ-ሃሎ ዓስኪሩ እንታይ ይገብ ር ኣሎ?” ብዝብል ከቢድ ሕቶ ምስጡር ነገር ኣናወጸታ። ኣስዒባ “ከምቲ ገሊኦም ንሱ ዕሱብ ምዃኑ ዝገልጽዎ ምናልባሽ ተሓቢኡ ይሸጠናን ይዋገየልናን ይህሉ!” ክትብል ንነብሳ ኣርደአታ። ብምቕጻል “ንሱ’ኮ ታሪኽና ምስኡ ከምተጀመረ እናኣ ምሰለ ህላወና’ውን ምስኡ ከምዘብቅዕ‘ዩ ዝበላሓት ዘሎ” በለት። ስለኡ ኩሉ ዝሓለፈ ዕሽነታ፡ ብፍላይ’ቲ “ወዲ-ኣፎም ብ ሪ፡ ንሱ ኣንበሳ ዓሳክሩ ነብሪ” ክትብል ትግዕሮ ዝነበረት ግጉይ ኣምልኾ ካብ ዝባና ክቕንጠጠላ ተሰማዓ። ምናዳ’ታ ‘ወዲ ወርቂ ማህጸን’ ትብል ሳጓ ቅብሮሽ’ሞ ከም ወላዲት መጠን ዓባይ ዕዳን መርገምን ሄዋነይቲ ኮይና ተሰመዓታ። ብዓይኒ ሕልና’ውን ነቶም ኩሎም ዓዲ በጺሖምን ኩሉ ዝኾነ ርእዮምን ሰሚዖምን ክንሶም ምስ ተመልሱ “ዓድና ለምሊማ” ዝብ ሉን ዝብላን ምሒር ከዓበቶም።

ካብ ኣውቶቡስ ክትወርድ እናተዳለወት’ውን ክናፍራ ብምቕርጣም “ሳግላ ቅድሚ ምብልዑ ክቕላዕ ኣለዎ” በለት በቲ ዝ ሓለፈቶ ድፉን እምነት ኣስካሕኪሓ። ባዶ እምነት ውጽኢቱ ባዶ ከምዝኸውን ኣጸቢቑ ተሰቚርዋ ኮይኑ።

ብልዙብ መዓጓጉርታ ንመጓዕዝታ እናተፋነወታ፡ ዕላለ-ቁምነገራ ክቱር ስለዝመቀረታ ዳግማይ ዝራኸባሉ ኣጋጣሚ ኣርጢ ባ ተፈለየታ።

ንሽዑ ጥራይ ዘይኮነስ ንሓዋሩ‘ምበር ብዕድላን ዕድል ሃገራን እናኣስቆርቆረት’ውን ናብ ትውልዲ ገዝኣ ኣምርሐት። ንኣንፋ ናብ ቀጽሪ ቤተ-ክርስትያን ኣምሪሓ ከምቲ ወግዑ ብምቛም ድማ ንሱባኤን ይቕረታን ብዝዳረግ ነብሰ-መግናሕቲ ተናዘዘ ት። ብቕንያቱ’ውን ኣብ ዝኣተወቶ ስድራን ፈለጥትን ዕላል ህዝብና ተመሳሲልዋ ነብሳ ብ ምንዓቕ፡ ከምቲ ኣብ ስእሊ ትር እዩወን ዘለኹም ንሳ’ውን ክትገብሮ ከምዘይበሃገት፡ በቲ ሓደ ወገን ድኽነት፣ በቲ ሓደ ድማ ሽዑ ከምተኣታትወ ዝተፈስ ወን ሎሚ ዝግሃድ ዘሎን ሕማም ኮሌራ ብመደብ ክኸውን ከምዝኽእል እናገመተት፡ ብሰንኪ ሕክምና ንዝስዕብ ብርሰት እናገመተት ትምለሰሉ መዓልታ ከይኣኸለ ኣቀላጢፋ ንቦታኣ ተበቆጸትን ድሮ ከኣ ሃገራዊ መርገጺኣ ኣነጸረትን እታ ናይ ትማሊ ንሕና-ንሱ!  ኣቤት ኣብ ቀጻሊ ዝጽበያን ትፍንዎን ተኹሲ!!!!!!!!!!!!!!!

እቶም ግዳያትና ጠሊ ይግደፉ! ወዮም ሰብ ማዕዶ ሕርኽርኽ ዝጸንሖም ድማ ከምቲ ከምኣ የማስሎም!                ቅድዊ መስከረም ድማ ይኹነላ ንሃገርናን ህዝባን!!!!!!!!

ጎደፋ፡

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • PH September 28, 2016

    ሎሚ ኢኮ ወላ ኢቲ ንሕና ኑሱ ዝብል .0001 ኢዩ ከይኑ ዘሎ።የግዳስ ዝቅልስ የብልናን።ከም ገለ ( ወዝቢ )ኢንተዝርከብ’ውን ተቀለስቲ ዲና ? ኣይመስለንን።ሎሚ በዚሎሚ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ነቲ ስርዓት ፎእ ይብሎ ኣሎ !ፎእ ዝበልካዮ ክሳብ መዓስ ትጽበዮ? ኢንሆ ናይ ኩልናሑቶ።

    • k.tewolde September 30, 2016

      PH don’t let them fool you,there is a big base which suffers with low self esteem and cannot see the history of our struggle without him and of course the ones who their hands is stained with the blood of the innocent and his meticulously woven web of spies[wahyotat] both in the country and diaspora will keep him around.Not to mention the 300,000 conscripts that he uses as human shield.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply