Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሳላ ፈንቅል ሰሚሩላ ኣስመራ፡ ሳላ ፎርቶ ባጽዕ ተማሒራ

ብ1990፡ ወደብና ምጽዋዕ፡ በቶም ቅያ ስርሒት ፈንቅል ዝሰርሑ ምዑታት ተጋደልቲ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ካብ ስርዓት ደርግ ሓራ ኣብ ዝኾነትሉ እዋን፡ ህዝቢ ኤርትራ ባና ናጽነት ርእዩ ዘይተርፍ ዓወቱ ከቋምት ከሎ፡ ስርዓት ደርግ በንጻሩ ማሕነቕቲ ጎሮርኡ

ብ1990፡ ወደብና ምጽዋዕ፡ በቶም ቅያ ስርሒት ፈንቅል ዝሰርሑ ምዑታት ተጋደልቲ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ካብ ስርዓት ደርግ ሓራ ኣብ ዝኾነትሉ እዋን፡ ህዝቢ ኤርትራ ባና ናጽነት ርእዩ ዘይተርፍ ዓወቱ ከቋምት ከሎ፡ ስርዓት ደርግ በንጻሩ ማሕነቕቲ ጎሮርኡ ተኣሚኑ ክንሱ ነቲ ዘይተርፍ ዕለተ ውድቀቱ ከናውሕ ናይ ጻዕረሞት ክርክር ኣየቋረጸን። ድሕሪ 23 ዓመት ድማ፡ ሎሚ፡ ነቲ ካብ መግዛእቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ክላቐቕ ሃንቀው ዝብል ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስርሒት ፎርቶ ተመሳሳሊ ፍናን ኣስኒቓቶ ‘ላ። ሽዑ፡ እቲ ንባጽዕ ዘሐረረ ስርሒት ፈንቅል፡ ቅድመ ኩነት ሓርነት ኣስመራ እንተነይሩ፡ ሎሚ ዘበን ድማ፡ ስርሒት ፎርቶ ቅድመ ኩነት ሓርነት ባጽዕ ኮይኑ ‘ሎ። እቲ ብስስዐ ስልጣን ዝዓበደ ኢሳይያስ፡ ብስርሒት ፎርቶ ስለዝረዓደ ካብቲ ጥልመት ሰማእታት ሰሊና ከየሰከፎን ከየሕፈሮን ኣብ ልዕሊ’ቲ ጨው ዝበልዖ መቓብሮም ኣራጢጡ፡ ዓመት መጸ ብብድዐ ዘስምዖ ዝነበረ መደረ ዓጀውጀው ንፈለማ ግዜ ቦዅሩ። እቲ ናይ ቀደም ኵናት፡ እዚ ናይ ሎሚ ተቓውሞ ብምዃኑ ንገለ ገርሀኛታት እዚ ክልቲኡ ፍጻሜታት ምናልባት ዘይጋጠም ክመስሎም ይኽእል ይኸውን። ኣተኵሮና ግን እቲ ኣገባብ ዘይኮነስ እቲ ውጽኢት እዩ። ክልቲኦም ንዓመጽቲ መልእኽቲ ስዕረት ዘርድኡ፡ ነቲ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ዓወት ዘበሰሩ ኣጋጣሚታት እዮም።
ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ኣብ ድሮ ስርሒት ፈንቅል፡ ከምቲ ተቐበልቱ ከሀንጢ ብዘቕጸልጽል መጠረዚ ተሸፊኑ ዝቕመጥ ህያብ ልደት፡ ያኢ ዘረብኡ ክሰምዕ ሃረር ዝብል ህዝቢ ተሪፉዎ ከምዘሎ፡ ኣብ ሓንቲ ካብተን ንንቡር መዓልታት ስርሑ ተኪኤን ዘለዋ ናይ ዝርጋን መዓልታት ዝተላዕለት፡ በታ ስኽራን ዘበራበሮ ፍሽኽታ እንተንጸባርቕ ሕዳርያ (ናይ ቀደም) ስእሉ ተኸዊሉ፡ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ናይቲ ብ21 ጥሪ 2013 ኣብ ፎርቶ ኣስመራ ዝተኻየደ በርቃዊ ስርሒት ጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንለውጢ፡ ብሳልሳይ ኣካል ኣቢሉ ኣብ ቲቢ-ኤረ ዘመሓላለፎ ጎናይ መልእኽቲ፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ “ኣይትሻቐል፡ ዘሰከፍ ነገር የለን” ክብል ተሰሚዑ። ኢሳይያስ ኣብ ስርሒት ፈንቅል ተረኺቡ ከም ቀደሙ ክምድር መደብ እንተዝነብሮ መቸም ነዚ መልእኽቲ ‘ዚ ብድሮ ስርሒት ፈንቅል ምፍናው ኣይመድለዮን። በቲ ኣቐዲሙ ዝዘርግሖ መግለጺ ከብኵር ምዃኑ እዩ ዝእምት ነይሩ። ብቐንዱ ካብቲ ዘረባ ዝተረኽበ ቁምነገር እንተነይሩ ግን፡ ብኣንጻር ናይቲ ቅሱን ክመስል ዝሓንጠጦ ወረቐት፡ እቲ ብወንጭፍ ናብ ተለቭዥን ዝለኣኾ ቃላት ስርሒት ፎርቶ ኣብ ዓጽሙ ኣትዩ ራዕራዕ ኣቢሉዎ ዘንጸባርቕ እዩ።
እቲ “ፕረዚደንት ‘የ” ብሃላይ፡ ኢሳይያስ፡ ንኽጽሕፎ ሰለስተ ሰሙን ዝወሰደሉ “መልእኽቲ” ቃል ንቓሉ ከምዚ ይብል፡-
“ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ፍጻሜ 21 ጥሪ 2013 ዝኾነ ዘሰከፍ ከምዘይነበረን ከምዘየለን፡ ትም መበሊና ኸኣ፡ ሓርጭ ሓሰውቲ ክሳብ ዝፈኩስ ዕድል ክንህብ ስለዝመረጽና ኢዩ ክብል ገሊጹ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ቀዳሞት ሰዓታት ናይቲ ፍጻሜ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ውሽጥን ወጻእን ካብ ሓልዮትን ስክፍታን ተበጊሱ ሓበሬታ ምድላዩ ባህርያዊ ምንባሩ ጠቒሱ፡ ተሃዊኽካ ናብ ግብረመልሳዊ መግለጺታት ምኻድ ካብ ፖለቲካዊ ባህልና ወጻኢ ምስ ምዃኑ፡ ሳዕቤኑ ኣብ መኣዲ ውዱቓትን ተጻባእትን ተኣንጊድካ፡ ንዝደለዩዎ ምቅላሕን ቆይቍ ምድማቕን ስለዝኸውን፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ መግለጺ ክህብ ከምዘይመረጸ፡ ሰዓቱ ምስ ኣኸለ ግና ክሕበር ምዃኑ ኣነጺሩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መወዳእታ፡ ዝኾነ ዘሰከፍ ጉዳይ ስለዘይነበረን ስለዘየለን ኣይትሻቐሉ” ኢሉ።
ጋዶ ዝብሉኹም ከምዚ እዩ። ዕላምኡ ሻቕሎት ህዝቢ ኤርትራ ምውጋድ እንተዝነብር፡ እንተደንጎየ ካብ ሳልስቲ ክሓልፍ ኣይነበሮን። ብዓቢኡ ሓልዮት ህዝቢ ኤርትራ እንተዝነብሮ ኸኣ፡ ነቲ ምእንቲ ሰላምን ራህዋን ፍትሕን ማህጸኑ ጸንቂቑ ዘወፈየ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ብታንክን ኣፈሙዝን ተሰንዩ ክሳብ ምዝራብ ከብጽሖ ኣይምተገብአን። ብኣግኡ ካብ ስልጣን ክእለ ነይሩዎ። ሻቕሎት ህዝቢ ኤርትራ ኢሳይያስ ንገዛእ ርእሱ እዩ። እቲ ቀንዲ፡ ኢሳይያስ፡ ኣብ ሕልምን ሃለውሳን ይነብር ምህላዉ ዘመልክት ጸገም ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ እንታይ ከምዘሻቕሎን ከምዘቕስኖን ክመሚ ኣጸጊሙዎ ምህላዉ እዩ። ብናይ 21 ጥሪ ስርሒት ፎርቶ ዝተሻቐለን ዝተሓጎሰን ወገን መን ምዃኑ ብልክዕ ክፈልጥ ዘይምኽኣሉ፡ ዕብዳኑ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናዓበየ ይኸይድ ምህላዉ ጥራይ እዩ ዝምስክር። ዕቡድ መሪሕነት ኢሳይያስ ክቕጽል ዕድል እንተተዋሂቡዎ፡ ጥፍኣት ህዝቢ ኤርትራ ማዕሪኡ ዝተጋነነ ከምዝኸውን ድማ ደጊምስ ዝስሕቶ የለን።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ክትንስእን ክድቅስን፡ ዘዘውትሮ ዘሎ ጸሎት ምምሳል ደንጕዩዎ፡ ምድሪ ብቐትሩ፡ ኣብ ማእከል መንገዲ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ፡ “ኣንታ ኣምላኽ፡ ካብዚ ቐዛፊ ኤርትራ ‘ባ ኣድሕነና” እናበለ ብሕሱም ሃንቀውታ ስለ ራህዋን ለውጥን ለመናኡ ከብጽሕ ከህተፍትፍ ጀሚሩሉ ኣብ ዘሎ ምረቱ ዝሓለፎ ዘበን፡ ስርሒት ፎርቶ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ድራማዊ መልክዕ ሃንደበት ምስተጋህደ፡ ኣብ ከውታ ለይቲ ጸሓይ ከምዝበረቐትሉ፡ ብስራት፡ ሓጎስ፡ ፍስሃ፡ ደስታ ተሰሚዑዎ ኣፍ-ልቡ ደኣ ካብ ከበሮ ንላዕሊ ሃረመ እምበር፡ ኣይተሻቐለን። እቲ ውጹዕ ህዝቢ፡ ሓጎስ ብሓጎሱ ልቢ ዝስንጥቕ ሓጎስ ዝረኽበሉ ምኽንያት ከኣ፡ እቶም ኣንጻር ኢሳይያስ ተቓውሞ እንተልዓለ፡ “ረሸንቲ ወተሃደራት ደኾን ይእዝዙለይ” ኢሉ ብዓይኒ ጥርጠራ ዝርእዮም ዝነበረ ኮለኔላት፡ ኣብተን መጨፍለቒኡ ከይኮና ዝፈርሐን ታንክታት ተወጢሖም፡ ኣብታ ወትሩ መትከሊት ባንዴራኡ ዝምነያ ፎርቶ ኣስመራ፡ ንድሕነቱ ዓሪዶም ምውዓሎም እዩ። ዘጋጠሞ መኻልፍ ብዘየገድስ፡ ኣብ ፎርቶ ዝተወልዐ ሽግ ሓርነት፡ ቅሂሙ ንዝነበረ ተስፋ ህዝቢ ኤርትራ ዝመለሰ፡ “ኣንታ ‘ዛ ሃገር ‘ባ ሰብ ኣለዋ” ዘበሎ፡ ውዕሎ ጀጋኑ ስለዝኾነ፡ መጀመርያ እምበር መወዳእታ ምንቅስቓስ ንለውጢ ኣይኮነን። ብልክዕ፡ በዚ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ምዕባሊ’ዚ ተሻቒሉ ዘሎ እምብኣር መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እዩ።
ኢሳይያስ፡ ስርሒት ፎርቶ፡ መጀመርያ ናይ መወዳእትኡ ምዃኑ ካብ ማንም ንላዕሊ ተገንዚቡ፡ ኣመና ተሻቒሉ፡ ነውጺ ኣእምሮኡ ወሲኹ፡ መሕብኢኡ ጨኒቑዎ ከምዘሎ ዘረጋገጽ ድማ፡ ከምዚ ልዕሊ ኢልና ዝጠቐስናዮ፡ ኣብቲ ዋላ ከፊኡዎ ኸሎ፡ ህላዊኡን ጥንካሬኡን ንምርኣይ ዋላ ኢንፍዩዥን ኣብ ጅቡኡ ተኾልኵሉ ዝሳተፎ ዝነበረ ዓመታዊ ስርሒት ፈልቅል፡ ከም ቀደሙ ብየማነ ጸጋም ብሚኒስተራትን ጀነራላትን ተዓጂቡ ዘይምስታፉ እዩ።
እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ንምብትታን ዝከኣሎ ዝገበረ፡ ንዝተረፈ ድማ “ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ” ኢሉ ከናቝቶ ተዓጢቑ ዘሎ ድሑር መራሒ-ጥፍኣት፡ ካብቲ ተሓቢኡሉ ዘሎ ውሻጠ፡ “ኣይትሻቐሉ” ዝብል መልእኽቲ ምዝርግሑ እምብኣር፡ በንጻሩ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከጸናንዕ ዘይኮነ፡ “ኣለኹ ገና፡ ኣይትደቅስ” ኢሉ፡ ከፈራርሖ፡ ከሻቕሎ እዩ ዝፍትን ዘሎ። ምኽንያቱ፡ ነዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ እናሻቐለ ኣብ ወንበር ዝተጻንሐ ተጻይ (vilian) እዩ።
ንመላእ መንእሰያት ኤርትራ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ጊላታቱ ብምግባር፡ ካብ ቤቶም ንደረት ዘይብሉ እዋን ኣዘናቢሉ፡ ንስድራቤታት ኤርትራ ሸቐልቀል ኣቢሉወን። ዓንዳሪ ኵናት ወሊዑ ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትትራውያን ብምህላቕ፡ ኣዴታት ኤርትራ ንኻልኣይ ግዜ ከምዝድርመማ ጌሩወን። ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ፡ ብ ዓሻክሩን መሓዙቱ ራሻይዳን ኣብ ዕዳጋ መሸጣ ሰብ በደዊን ሲናይ ናይ ዝተሓየሩ ደቀን መርድእ ክሳብ ዝበጽሐን ወርቅን ገዛን ሸይጠን ይዕደያ ‘ለዋ። ሰማይ ዝሃገሩ ኢሳይያስ ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሞት ናይዚ ህይወት እናዕደየ ደም ዘንብዖ ዘሎ ጫካን ከይሻቐል ያኢ፡ “ኣይትሻቐል!” ኢሉዎ፡ ወዳጀ!! ከምቲ ዚጀመሮ ሓደ ኣፊቱ ስቕታኡ ምቕጻል ኣይምጸልአን። እንተኾነ፡ ካላንደር ስርሒት ፈንቅል ከ ‘ሞ ብኸመይ ትሰገር!!
መቸም፡ ስርሒት ፎርቶ ምስ ተኸስተ፡ እቲ እኩይ ኢሳይያስ፡ ከም ኣመሉ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ምስ መርገም ዝለሓዄ ምርቓ ክገብሮ፡ ነቲ እዋናዊ ሃገራዊ ሕቶታት ዘልዓለ ምንቅስቓስ ናይ ሓደ ወገን ኣምሲሉ ብምቕራብ፡ 80 ሚእታዊት በጺሑ ንዝነበረ ህዝባዊ ጽልኢ ናብ 50 ሚእታዊ ክመልሶ ተወናዊኑ፡ ርኹስ ፈተነ ኳ እንተካየደ፡ ህዝቢ ተንኮሉ ተገንዚቡ፡ ጽልኡ መሊሱ ናብ 90 ሚእታዊት ምስኣዕረጎ፡ እቶም ጥሩፋት ከምስሎም ዝሓሰበ ጀጋኑ ኮይኖም፡ ውዲቱ ኣብ ኢዱ ስለዝሓወዮ፡ ነቲ ፈለማ ተኣሚኑሉ ዝነበረ ፍጻሜ፡ “ጉዳይ ዝብሃል ኣይነበረን የለውን ‘ውን” ኢሉ ክኽሕዶ ይፍትን ኣሎ። ክሕደት ኢሳይያስ ብዘየገድስ ግን፡ ስርሒት ፎርቶ ኣብ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ታሪኻዊ ሕላገት ኮይና ‘ላ።
እቲ ነዘን ዲሞክራሲ፡ ፍትሕን ሕግን ዝብላ ስልጡናት ቃላት ተጻውሮ ዘይብሉ፡ ኣሽንባይ ዶ ብኣፈሙዝን ታንክን ተሰንየን፡ ብኣፍ ሰበስልጣን መዛኑኡ ከም ቃላት ክመጻ ከለዋ ጥራይ ኳ ዕውልውል ዘብሎ ኢሳይያስ፡ 21 ጥሪ 2013 ኣብ ዝኸፍአ ወጥሪ የእትያቶ ‘ላ። እቲ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣስፊኑዎ ዝነበረ ፍርሕን ሕድሕድ ዘይምትእምማንን ክስበር ጀሚሩ ‘ሎ። ሕጂ፡ ድሕሪ ‘ዘን ተሰይረን ዘለዋ ቀዳማይን ካልኣይን ድፋዕ ኢሳይያስ፡ ዝርከብ ኢሳይያስ ጥራይ እዩ። እግሪ ውጹዕ ሓፋሽ ኤርትራ ረጋጊጹዎ ክሓልፍ ምዃኑ ኸኣ ዘጠራጥር የለን።
ኢሳይያስ ብውዲት ዝርከብ ወሰኽ ዕድመ ስልጣን ጸጋ ዝቖጽሮ እንተኾይኑ ኣብኣ ትደዮ ነብሱን ታሪኹን ጥራይ እዩ ዘሕስም ዘሎ። ሎሚ፡ ሕልፈቱ ውዱእ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኣፈጻጽማ ድራማ ምዝዛም ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ክዛረብ ጀሚሩ ከምዘሎ ዘይተሰቆሮ እንተልዩ፡ መናውሒ እዝኒ ከድልዮ እዩ። ህዝበይ፡ “ዋይ ኣነ፡ ኣበይ ሞ ወዲ ዓሊ ሕሹኽ እንተዝብለኒ ነይሩ፡ ነገር ምተወደአ ነይሩ” እናበለት፡ ግንቦ ኢዳ ከም ማርቴሎ ኣትሪራ ብጣዕሳን ምስትንታንን ሰለፋ ክትሃርም ትውዕል ከምዘላ ክፈልጥ ኣለዎ። ኢሳይያስ፡ ከምቲ መውጽኢ ኣፍ ሰላማዊ ሰልፍታት ኤርትራውያን ኮይኑ ዘሎ፡ ነቲ ፎርቶ ዘይወደኣቶ፡ ኮምብሽታቶ ተረኪባቶ ከምዘላ፡ ጻዕሪ ለውጢ ዓቐበት ወዲኡ ቁልቁለት ሒዙ ከምዘሎ ኣጸቢቑ ክግንዘብ ይግባእ።
ካብዚ ኣብ ፎርቶ ዝተደግመ ጅግንነት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ግን ኢሳይያስ ጥራይ ኣይኮነን ክመሃር ዘለዎ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ እዞም ኣብ ወጻኢ እንነብር ኤርትራውያን ‘ውን ሓላፍነትና ክንፍጽም ሃገራዊ ግዴታ ከምዘለና ክንዝክር ኣለና። ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ብማእሰርትን መስዋእትን ከይጃጀዉ፡ ኣብ ሕምብርቲ ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኮይኖም፡ “ይኣክል” እናበሉ፡ እዞም 10 ሽሕ ኪሎ ሜተር ርሒቕና ኣብ ውሑስ ሃገራት ስደት እንርከብ ዘለና ኤርትራውያን ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት ብኣሽሓት ደገፍና ንለውጢ ዘይንገልጸሉ ቅቡል ምኽንያት የልቦን። ኣብ ስደት ኴንና ክንገብራ እንኽእል እታ ዝነኣሰት ኣበርክቶ፡ ንስርዓት ኢሳይያስ ብጋህዲ ኴንንካ ከምዚ ንዝኣመሰለ ቅዱስ ምንቅስቓስ ደገፍካ ምግላጽ እዩ። ፍቕዲ ብኣማኢት ክተርፍ ኣለዎ። ቁጽርናን መንፈስናን፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ናይ ለውጥን ሓርነትን ተስፋ መሊሱ ስለዘበራብሮ፡ ነዚ ፎርቶ ዘስነቐትና ስምረትን ሕድሕድ ምትእምማንን ዓቂብና፡ ትንኣስ ትዕበ እታ ክንገብራ እንኽእል ተወፋይነት ከነርኢ ይግባእ።
መቸም፡ ክሳብ ዓሚ፡ ኢሳይያስ፡ ንቕያ ስርሒት ፈንቅል ንብሕቱ ክውንኖ፡ ኣብ ቴለቭዥን፡ ስእሉ ኣብ ልዕሊ ብመውጋእቲ ዘይልለ ኣካላት ተጋደልቲ እናለጠፈ፡ ነቲ ጀጋኑ ብደም ኣብ ከውሒ ዝጸሓፍዎ ታሪኽ ብቐለም ክቕጥኖ፡ ኣብ ልዕሊ መቓብር ናይቶም ካብ ጨው ንላዕሊ ጥልመቱ ኣዕጽምቶም ዝበልዖ ሰማእታት ሰሊና ወንበሩ ተኺሉ፡ ነባርነቱ ኣብ ስልጣን ዘይብገር ምዃኑ ከርኢ ክጋደል ጸኒሑ እዩ። ሎሚ ግን፡ ነቲ ናብ ዘበን ገድሊ ተመሊሱ፡ “ ኣነ ኮ ‘የ በታኺ ስጋለት፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣውጺአ ሓርነት ከምዘልበስኩኹም ‘ባ ኣይትረስዑ፡ መግዛእቲ ወዲ ዓዲ ኸ እንታይ ከይብለኩም” ኢሉ ካብ ጥፍኣቱ ክኽወል፡ ከም ብዓቲ ታሪኽ ዝሃርፎ ዝነበረ ጽምብል ፈንቅል፡ ከም ዓመት ነዊሑዎ፡ መዓስ ከምዝውዳእ ሓርቢቱዎ ኩርኳሕ ኮይኑዎ ቀንዩ ‘ሎ። ሳላ ሻቕሎት ኢሳይያስ ብፎርቶ፡ ባጽዕ፡ ከም ኣመላ ቅድሚ ኣስመራ ናይ ምሕራር ኣኽሊል ኣይሰኣነቶን። ጽምብል ናይቶም ጀጋኑ ፈንቅል፡ ከምቲ ዘምሕረሉ ካብ ገጽ ናይቲ ጠላም ኢሳይያስ ሓራ ኮይኑ ውዒሉ። ሰራዊትን ህዝብን ኤርትራ፡ ቃጭል ሕድሪ ሰማእታቱ ኣብ ሓጺር ርሕቀት የዕቍቡ፡ ካብቲ ኣብ ዝኽረ ሰማእታቱ ዝሰምዖ ድምጺ ንላዕሊ ሕድሮም ይሰምዕ እንተልዩ ኸኣ፡ ከም ኣመለን፡ ለካቲት መፈወንታ፡ ግንቦት መደምደምታ ዘይኮናሉ ምኽንያት ከኣ የልቦን።
ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!
ኣማኑኤል ኢያሱ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
28 COMMENTS
  • Semhar February 12, 2013

    ንኢሰያስ ብኢድና ሒዝና ናብ ፍርዲ ነቕርበላ መዓልቲ ርሕቕቲ ኣይክትከውንን ኢያ።


    ዓወት ንዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ
።
    ውድቀት ንፋሽሽታዊ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ።

  • Semhar February 12, 2013

    ጌናለዉ ጀጋኑ ኣብ ሃገርና

    ንኢሰያስ ብኢድና ሒዝና ናብ ፍርዲ ነቕርበላ መዓልቲ ርሕቕቲ ኣይክትከውንን ኢያ።


    ዓወት ንዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ
።
    ውድቀት ንፋሽሽታዊ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ።

    • belay nega February 12, 2013

      “GHENA ALEWU JEGANU”
      YEA SEMHAR WE CALL THEM JEGANO UNTIL THEY GIVE THEIR LIFE AFTER A WHILE WHEN GUYS LIKE gullible CALL THEM BANDITS WE CHEER HIM.

      POOR WEDI ALI VERY SOON YOUR KIDS WILL BE LABELED KIDS OF BANDIT

  • Novi February 12, 2013

    Bravo bravo amanuel! wonderful article. keep it up bro.

  • belay nega February 12, 2013

    AMANUEL
    INSTEAD OF TELLING US WHAT WE KNOW YOU SHOULD OPPOSE THOSE WHO ARE CALLING ERITREAN MARTYRS bandits
    UNLESS OTHERWISE…………..

  • HGDEF February 12, 2013

    ፕረሲደንት ኢሳይያስ ተጋግዩ። ሓርጭ ሓሰውቲ ኣይፈኩስን እዩ። ምኽንያቱ ሓደ ሎቆታ ሓሶት እንተተወድአ ካልእ ሎቆታ ስለዝከፍቱ። እቲ ጽቡቅ ነገር ግን እቲ ሎቆታኦም ሓርጭ ዘይኮነስ ሓሙኩሽቲ እዩ መሊኡ። ስለዚ ጎዲሉን መሊኡን ለውጢ የብሉን።

    • freweini February 12, 2013

      dehan dea dehan ezi dea men tezaribwo elna knhasbo harch hasewti dea ab banki esayas eya zela aitsekefu mkuraxa zbexehet meshelaS baela tregf ebehal

    • GULLIBLE PEOPLE February 12, 2013

      ሽም እታ ሎቖታ ¨ዋህዮ¨ምዃኑ ኣይንረስዕ !!!!

    • GULLIBLE PEOPLE February 12, 2013

      ሽም እታ ሎቖታ ¨ዋህዮ¨ምዃኑ ኣይንረስዕ

  • Maekele February 12, 2013

    Wow! Eritrawit can you please read for me?

  • rora eskindir February 12, 2013

    Ertrawit,
    btami tehzni. beynki hatef tbli aleki. nay dahan ygbero. babur gedifatki teazira. kindey amet iki dekiski? tebaraberi. hzbi Ertra ztesafera babur ab nay Fitihin Demokrasin mearfo kitbexih keriba ala! adetatna dma ELLLLLLL kibla iyen. Dan Connel wn hawna iyu. kab gze kalsi atihizu mehaza hizbn kalsn Ertra neru. xegemki entay mukuanu beyni koynki kdm hisebi. entay iyu lehasit chama eseyas geruki zelo? rebha do ykewn weys dnkurna? dnkurna ko aymeslenin. mnalbat rebha da keykewn mber. tehzini

    • Asgedom Abraham February 12, 2013

      anta seb’ay english mnbab temahar:: bzaEba mftawn mSla’n ztezarebe seb yelon::

    • GULLIBLE PEOPLE February 12, 2013

      Rora Eskender,

      Ertrawit babur ayt-tsben ya bgemel iya tKheyd..ha..ha..

  • tadish February 12, 2013

    bhakimedebatkum azyu agedasi eyu ketslwo fretsaerkum dhnet hzbi zegatat eyu emo ajekum

  • ሰላም በርሀ February 12, 2013

    ኢሰያስ ዕደ ካብ ስርሒት ፈንቅል በኹሩ ባጽዕ ኣማን ብኣማን ተማሒራ። ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኤርትራዊ ነጻነት ማለት እንታይ ማለት ምኻኑ ጽቡቕ ገይሩ ተዘኪሩዎ ኣሎ። ሳላ ሓርበኛታት በዓል ወዲ ዓሊ። ሎሚ ኣብ መንጎ ህዝብናን ኣብ መንጎ ነጻነትን መሰላትናን ዘሎ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ጥራይ ምኻኑ ስለዝተገንዘብና ከኣ ኩልና ሓበኖም ኣብ ልብና ጸይርና ከነቕስኖም ተማባጺዕና ንርከብ። ኢሰያስ ሃተፍ ምባል ኣመሉ ኢዩ። ሎሚ ኣይኮነን በዓል ስዉእ ሓርበኛ ወዲ ዓሊ ዝስምዑ ረኺብና ናቶም ቅያ ከይተፈጸመ ካ ኣቐዲምና ንኢሰያስ ምስማዕ ገዲፍናዮ ኢና። ኢሰያስ ንህዝቢ ይትረፍ ንነብሱ ኣብ ዘየደናግረሉ ደረጃ ኢዩ በጺሑ ዝርከብ። ኣነ ከም ኤርትራዊት ሓንቲ ዝህቦ ምኽሪ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብኸመይ ይጠፍእ ዝመርጸሉ ምበር ብኸመይ ስልጣኑ የናውሕ ዝሓርየሉ ህሞት ከምዘይኮነ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ረሳሕ መልሓሱ ኣብ ሰብዓታት ዝበለቶ ‘ቦጣት ደም’ ሓርበኛታት ሰማእቲ ጥራይ ኣይኮነን ንኢሰያስ ዝእውዶ። ደም ስዉኣትና ብሓጺን ናይ ቦጥ ክንልክዖ ሕልናና ኣይገብረልናን ኢዩ። ንሕና ንኢሰያስ ንእውዶ ህይወት ምሩጻትን ብሉጻትን ኣማኢት ኣሽሓት ደቂ ህዝቢ ኢዩ። ሕድሪ ናይቶም በጃና ዝሓለፉ ሞ ንሱ ታሪኾም ኣራኺሱ ሕድሮም ዝጠለሞ ሰማእቲ ነጻነት ኢና ንእውዶ። ንሱ ብኢድና ሒዝና ናብ ፍርዲ ነቕርበላ መዓልቲ ርሕቕቲ ኣይክትከውንን ኢያ።
    ዓወት ንዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ
    ውድቀት ንፋሽሽታዊ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ

    • belay nega February 12, 2013

      ESAYAS HAS NOTHING TO DO WITH YOUR FRUSTRATION

  • salma a. February 12, 2013

    asgedom abraham,
    i am sure you are a robot. you don’t make any sense at all. poor you. try to focus on what people are saying. or do you have trouble using your brain?

POST A COMMENT