Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሱቅ ጡዑም እንታይ ገደሰኒ (ብደብረ)

ሱቅ ጡዑም እንታይ ገደሰኒ (ብደብረ) ኣንፈት ፖለቲካ ሃገርና ባህርያትናን ኣይርደኣካን እዩ። ደይምሕሳቡ ይሓይሽ ‘ምበር ሕውስውስ ‘ዩ ድብለካ። ብዙሕ ናይ ፖለቲካ ፈላጥ ኣይኮንኩን ግን ከኣ ይርደኣኒ ‘ዩ በሃላይ ‘የ። በዚ መዳይ ንነፍሰይ ምስ ካልኦት (ንኣብነት ምስ ስድራይ)

ሱቅ ጡዑም እንታይ ገደሰኒ (ብደብረ)

ኣንፈት ፖለቲካ ሃገርና ባህርያትናን ኣይርደኣካን እዩ። ደይምሕሳቡ ይሓይሽ ‘ምበር ሕውስውስ ‘ዩ ድብለካ። ብዙሕ ናይ ፖለቲካ ፈላጥ ኣይኮንኩን ግን ከኣ ይርደኣኒ ‘ዩ በሃላይ ‘የ። በዚ መዳይ ንነፍሰይ ምስ ካልኦት (ንኣብነት ምስ ስድራይ) ዘለኒ ኣረኣእያ ክመዝና ከለኹ ኣብ ክልተ ጫፋት ኢና ንምደብ።  ንሶም ፍጹም ደገፍቲ መንግስቲ ክብሎም ኣይደፍርን ‘የ። ግፍዐኛ ጨፍላቂ ምዃኑ ኣዳዕዲዕም ይፈልጡ ‘ዮም። ብዛዕባ መንግስቲ ይኹን ፖሊቲኩኡን ግን በጨቅ ኣቢሎም ክዛረቡ ኣይደልዩን ‘ዮም። ኣነ ኽኣ ክንዛረብ ኣሎና በሃላይ እየ። ብፍላይ ጸጋ ትበሃል ዞማይ፡ ንመንግስቲ ይኹን ንኢሳይያስ ብሕማቕ ክለዓል እንተሰሚዓ፡ ኣንጸርጺራ ገዲፋትኻ ትኸይድ። ክዛረቡ እንተኾይኖም ‘ውን ጠጥዑሙ ኣምሲሎም እዮም ዝዛረቡ። ኣነ ኸኣ ኣንጻሮም እየ። ኣምሲልካ ምዝራብ ኣይትኾነለይን ‘ያ። ኣብኣ ኮላ ቶግ ‘የ ዘብላ።  በዚ ኩሉሻዕ ኣብመንጎና ዘይምርድዳእ ይፍጠር።  ንሶም ብሓባር “ሱቅ ጡዑም” ይብሉኒ።  ኣይትዛረብ እንታይ ገደሰካ ማለቶም ‘ዩ። ንዓይ ከኣ እዛ ሱቅ ጡዑም ኣይትወሓጠለይን ‘ያ። ከም ዕረ ‘ያ ትመረኒ።

 

ንግደት ገዛውትና እዩ ነይሩ። ንመወዳእታ ጊዜ ንግደት ኣብ ገዛይ ዝተዓጠኩላ ሃሳስ ንግደት። ሰፈርና ከም ጉድ እዩ ዝንገድ። ሓውሲ ኣስመራ ስለዝኾነ በኣስመራኣ እያ ትመጽእ። ብፍላይ መንእሰይ ሓሰኽሰኽ እዮም ዝብሉ። ንግደትም መልክዑ ይቅይር እዩ ዘሎ። መራኸቢ የሕዋት ምዃኑ ተሪፉ፡ መአንገዲ ምዝንጋዕ  መንእሰያት ይኸውን ‘ዩ ዘሎ። መንእሰያት ክራኸቡ ከለዉ፡ ገጅረት ንግደቱ እዩ እንተሰሚዖም፡ ንገጅረቶም እዮም ዝኸዱ። ብኣልማማ ኣብ ዘዝረከብዎ ገዛ ተመጊቦም፡ ስዎኦም ኣረቂኦም ጸጊቦም እንዳተባእሱ ንገዛውቶም ይምለሱ። ብርኽቲ መዓልቲ ንግደት ኣብ ገዛ ካብ ዘሎ መዓልታዊ ካብ ዝምገብዎ መቀየርታ ዘይብላ ካብታ ሽሮ ይድሕኑ።

ጋሻ በዚሕና እዩ ዊዒሉ። ተዳኺምና ኮለና ጋሻና ምስኣፋነና  ከባቢ ምሸት ሰዓት ሸውዓተ ዞማይ መጸና።  ድሕሪ ምልውዋጥ ሰላምታ፡
“ጋሻ በዚሑኩም ዶ ዊዒሉ?” ክብል ሓተተ ከም መእተው ዘረባ።
“ካብ ፈቀዶ ኣስመራ ብዝመጹ መንእሰያት ተጥለቅሊቅና ዊዕልና ‘ምበር።” በልክዎ ክብደት ውዕሎና ክገልጽ እንዳፈተንኩ።
“ንግደት መሐንበሲ መንእሰያት ‘ኮ ኮይኑ። በሊዖም ሰትዮም ብሰላም ንገዝኦም ኣክንዲ ድኸዱ ኣብ ጽርግያ እንዳተኸታኸቱ ‘ዮም ዝኸዱ። መሳኺን” በለ ትክዝ ኢሉ። ኩንአታቶም ግዲ ቅጅሕ ኢሎ ኮይኑ።
“እንታይ ክቅርበልካ?” ክትብል ሓተተት በዓልቲቤተይ ስዋ እንዳቀዳሕትሉ።  እንታይ ከምዝእዝዛ ስለትፈልጥ ፊኒኽኒኽ ክትብል ጀሚራ ነይራ። ኣብ ዝኮነ ሰዓት ገዓት ገዓትለይ እዩ ዝብላ።
“እታ ፍልጥቲ ‘ምበር ሓፍቲኖ፡ እቲ ካላእ ደኣ ኣብ ኩሉ ገዛ እንድዩ ደሎ።” በላ እንዳቀባጠረ።
“ናይ ውራይ ጥዑም ሽሻይ ‘ሎ። ካብኡ ደይትቋደስ።” በልክዎ ንዑኡ እንዳጠመትኩ። ንሳም ደኪማ ስለዝነበረት ከተዕርፍ ኢለ ‘የ።
“ናይ ሓፍተይ ገዓት እየ ዝደሊ። ገዓታ ‘ዩ ቃሕ ዝብለኒ።” ” ሓፍቲኖ ደኺምኪ ዲኪ?”ኢሉ ክሓታ ናብኣ ገጹ እንተጠመተ፡ ወዮ ንሳ ድሮ ንኩሽነኣ ከይዳ ‘ላ። “ሪኢኻ ናይ ልበይ እያ ተብጻሓለይ።” በለኒ፡ ንኸድንቃ ቃላት ይሓጽሮ ‘ዩ።

ገዓቱ ክሳብ ዝቀርበሉ ዕላልና ቀጸልና “ብዛዕባ እዚ ወዲ ሓትነኻ ‘ድኣ እንታይ ሓድሽ ዜና ኣሎ?” ኢለ ሓተትክዎ። ወዲ ሓትነኦም፡ ዳረክተር ጀነራል ናይ ሓደ ሚኒስተር እዩ ኔሩ። ተደሊኻ ኣለኻ ኢሎም ክፍሊ ጸጥታ ካብ ዝወስድዎ ወርሑ የሕሊፉ ኣሎ።  ድሕሪኡ ኣይተራእየን። ኣብዚኣ ተራእዩ ኣይተበሃለን።  ክፍሊ ጸጥታ ተሓቲቶም ኣፍልጦ ከምዘይብሎም ተዛሪቦም። ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ተሓቲቶም ኣይመለሱን። ከምዛ ዋዛ ሽርብ ኢሉ፡ ድሃዩ ኣይተረኸበን።
ዞማይ” ዋላ ዝተረኸበ ነገር የለን።” በለኒ።  ኣብ ገጹ ሕርቃን፡ ጓሂ፡ ድኻም ከምዘለዎ ይረአ ነይሩ።
“እሞ እንታይ ድኣ ‘ዩ ዝግበር?”  በልክዎ ትክዝ ኢለ።
“እንድዒ፡ እንታይ ‘ሞ ክንገብር ኢና! ሱቅ ኢልካ ምጽባይ ‘ዩ ‘ምበር።” በል ብቱሑት ድምጺ።
ንውሕ ንዝበለ ጊዜ ከይተዘራረብና ጸናሕና። ኣብ መንጎ ጸጋ ተሓወሰትና። ምስ ዞማይ ሰላምታ ምስተለዋወጡ፡ ብዛዕባ ወዲ ሓትነኦም ደሃይ ሓተተት።
“ብዛዕብኡ ኢና ክንዛረብ ጸኒሕና።  ምንም ኣይተረኽበን።” በላ ድንን ኢሉ።

በዓልቲቤተይ ‘ውን ድሮ ገዓቱ ኣብሲላ ብጠስምን ርጉኦን ኣጸቢቃ ከተፍ በለት።

“ኣታ ጸቢቕለዪ ‘ልካ ‘ዲኻ ብኣውዳመት ምድሪ ገዓት ትበልዕ?” ብለቶ ጸጋ ንዞማይ ፍሽኽ እንዳለት። ከተዛርቦ ደልያ ‘ምበር ኣመሉስ ትፈልጦ ‘ያ።

“ከምቃሕታኡ።” ክትብል መለሰት በዓልቲቤተይ፡ እንታይ ገደሰኩም ብዘስምዕ ቃና። ንሳ’ውን ብዛዕባ ደሃይ ወዲሓትነኣ ሓተተት።

“እንታይ ‘ዩ ክግበር ዝከኣል?’” ክትብል ሓተተት ጸጋ።

“ምንም።” ክብል መለሰ ዞማይ።

“ዝግበር ነገር ኣሎ ‘ምበር። መሰሉ ክሕተተሉ ይግባእ።  እንተወሓደ ህላወኡ ክንፈልጥ ይግባእ።” በልኩ ንዞማይ እንዳጠመትኩ።
“እስከ ኣይተሃውኮ፡ ኣብላዓዮ። መንግስቲ ጌጋ ከይገበረ ኣይኣስሮን እዩ። ኣሲሩ ከኣ ክፈትሖ እዩ።” በለት በዓልቲቤተይ። ንሓዋ ምሕጋዛ ምዃኑ እዩ።
“ንመን ኢኻ ‘ሞ ትጠርዕ? ኩሎም ንሶም እዮም።” በለ ዞማይ ጭንቀት ብዘለዎ ቃና።
“ኣብ ቤት ፍርዲ መሰሉ ትሓተሉ። ብናይ ጸጥታ ሰባት ምውሳዱ ርግጸኛታት እንተዄንና፡ ሓላዋቱ ከፍልጠና ብቤት ፍርዲ ንሓተሉ።” በልኩ ትርር ኢለ። ተሰማዕነት ከምዘይረክብ እፈልጥ እየ። ግን ክፍተን ኣለዎ በሃላይ እየ።
“ዎ…!ወጠምጠም፡” በለት ጸጋ ኣፋ ንቅድሚት ውጥም ኣቢላ።
“ንነገሩ ቤትፍርድም ንሶም እንደኣሎም። ደሓር ከኣ ንሳቶም ኣብዚ ከምዚ ነገር ኢዶም ኣየእትዉን ‘ዮም።”
“ከይፈተንካ፡ ብኸመይ ፈሊጥካ?” ሓተትክዎ።
“ደሓን ብዛዕባ እዚስ እፈልጥ እየ። እቲ ዓቃበ ሕጊ መን እዩ ዝበሃል ወደይ ሽሙ ሃበኒ፡ ብሰኪ ከምዚ ዓይነት ደይኮነ ደስኪሉ ተሪፉ ዘሎ።” ዞማይ ህድእ ኢሉ መሊሱ።

“እቲ መልሲ ካብኦም ንርከቦ። ከይፈተንካ ግን በይበሃል ክንተርፍ የብልናን።”
“ኣንታ ቆልዓ” ኣንታ ቆልዓ ኢላ ‘ያ ትጽወዓኒ ጸጋ ከተጠንቅቀኒ ክትደሊ ኮላ፡ “እዛ ወጠምጠም ግደፍ ኢለካ ‘ለኹ። ፈሊጠ ፈሊጠ ክትብል ጸገም ከይተምጽኣልና።” በለት ጸጋ ትርር ኢላ።
“ንመሰል ምዝራብ ወጠምጠም ድዩ?” ሓተትክዋ ንዓኣ።
“እወ!”
“እሞ እንዳተጨፍለቕሁ ትም ክብል።”

“እወ!”

“እሞ ሱቅ እንተዘይከኣልክዋ ‘ኸ!”
“ኣብኣ ትደኻ!! ኣብኣ ትረኽባ!!”
“ካብ ተዓፊንካ ሞትስ ንሳ ምሓሸት”
በዓልቲቤተይ ገጻ ክቀያየር ይዕዘብ ነበርኩ። ኣንጸርጽሮት ሓዊሳ ከምዚ በለት፡ “ከመይ ኢሉ ይሓይሽ? ብመጀመርታ እቲ ሞት ብቀሊሉ ትረኽቦ ዲኻ፡ እዩ እቲ ሕቶ። ውስድ ኣቢሎም ይቀትሉኻ እንተኾይኖም ምናልባሽ ትመርጾ ትኸውን። ምኽርዳን ዝበሃል እኮ ኣሎ። እቲ  ዝኸፍአ እኮ ንሱ እዩ።  ኣይትብላዕ ኣይትስላዕ ምስገበሩኻ፡ እንታይ ኢኻ ክትገብር። ኣይ ካብቲ ኣይ ካብዚ ብላሽ ኮንካ እንዲኻ ክትተርፍ።”  ዘረበኣ ናይ ምፍርራህ ሓይሊ ነይርዎ።  ክትዛረብ ኮላም ነእዳዋ ነው ነጀው ተብሎ ነይሯ። ናይ ኣንጸርጽሮት።

 

ምኽርዳን በልኩ በዛ ልበይ። ኣብ ማእሰርቲ ተኣሲርካ ምኽትካት ማለት እዩ። ከም ሕሱም ብዓኒ ብለይ ሲኒ ብለይ ሰብ ምዃንካ ክሳብ ትጸልእ ትኽትከት። ኣብ እኹል ብርሃን ዘይብሉ ክፍሊ ወይ ጉድጓድ ካብ ሰብ ተነጺልካ ትድርበ። እቲ ዝኸፍአ ጭካነ ሓየርቲ። ክትሰምዖ ኮለኻ ነፍስኻ ስቅጥጥ እዩ ዘብለካ።  ቀልጢፍካ  ንመንፈስካ ናብቶም ተኸርዲኖም ዝበሃሉ ኢኻ ትወስዳ።  ብዙሕ ጊዜ እዞም ተኸርዲኖም ዝበሃሉ ብኣካል ኣይትርእዮምን ኢኻ። እቶም ተኸርዲኖም ዝበሃሉ ሓቂቆም ክበሃል ኢኻ ትሰምዕ። እቲ ሓቂ ንሱ እዩ ዝመስል። ሓንሳብ ኣብ ምኽርዳን ምስ ኣተኻ ዝሓተልካ ሰብ የለን። ዋላ እቶም ስድራኻ እንተኾኑ ‘ውን ሓንሲኢተይ ከርተት ከርተት ኢሎም እዮም ዝገድፍዎ። ቀልጢፎም እዮም ዝቀብጹ። ምኽንያት ንሕቶታቶም ዝምልስ ኣካል የለን። ኣኣብድበጻሕኽዮ ኣብያተ ቤት ጽሕፈት ወይ ኣፍልጦ ከምዘይብሎም ይነጉርኻ ወይ ኣጉባቢዖም ዲሂሎም ይመልሱኻ።  ዋላ እቶም መሳርሕትኻ ይገዱ። እታ ሕማም ምኽርዳን ከይትለግቦም ስለዝፈርሁ። ምኽርዳን እንተሓሲብካ ሱቅ ኢኻ ትመርጽ። ሱቅ ከም ጊዜኣዊ ፍታሕ ካብ ምኽርዳን።

 

በዓልቲቤተይ ሕርቃና ጠርዚ በጺሑ ነበረ። ምንጽርጻር ወሲኸት። ዘረበኣ ብቁጠዐ ቀጸለት  “ትሰምዕ ኣለኻ!” ክትብ ኮላ ብስንባደ ካብቲ ዝነበርክዎ ማዕባል ሓሳብ ነቃሕኹ።  “እዞም ኩሎም ለባማት እኮ ምዝራብ ጠፊእዎም እይኮነን ሱቅ ኢሎም ዘለዉ። ልቢ የዕብዮም ‘ዮም። ንስካ መን ኮንካ ኢኻ ትዛረብ። ወይ ወጠምጠም! ባዕልኻ  ብኣፍካ ተምጽኦ መዘዝ!” በለት ‘ሞ ቅሩብ ህድእ ኢላ “ንዓና ከኣ ሕሰበልና፡ መምጸይ ከንፈር ሰባት ኣይትግበረና።” በለት።

“እንታይ ድዩ መስለካ ዞማይ፡” ሱቅ ኢሉ ዝጸንሐ ዞማይ ኣብ መንጎ ኣትዩ ክዛረብ ጀመረ፡ “ሱቅ ምባል ንዝኾነ ሰብ ኣይሃስን እዩ።  ሱቅ ክበሃል ‘ዩ ተደልዩ። ስለዝኾነ ድማ ሱቅ በል። ከምዚ ክትብሎ ዝጸንሐት ከኣ ንስድራኻ ሕሰብ። ንስኻ ምስተሓበስካ፡ እዚ ስድራ እንታይ ክኸውን’ዩ። ወይ ዝበሉኻ ግበረሎም ወይ ዓዶም ግደፈሎም እኾ ዝበሃል።” ኢሉ ንሓፍቱ ጠመታ። ነገሩ ሓፍቱ ንኸህድእ ኢሉ ዝተዛረቦ ‘ዩ። ቀጺሉ ዞማይ ንሓፍቱ “ህድእ በሊ’ሞ፡ ሓፍቲኖ፡ ኣይተንጸርጺሪ። ኣብዚ ‘ኮ ነንሕድሕድና ኢና ንዛረብ ዘሎና።” ቅሩብ ሕስብ ኣቢሉ  “ነገሩ ሓቁ እዩ። ግን ከ ናብ መን ኢኻ ትኸይድ። ንሶም ብእሶም እዮም። ናብዚ እንተጠሪዕኻ ንሶም፡ ናብቲ እንተጠሪዕኻ ንሶም እዮም። ስለዝኾነ ኸኣ ሱቅ ጡዑም ንብል”  በለ ‘ሞ ገዓቱ እንዳጠዓዓመ “ስማዕ ዞማይ በይንኻ ተዛሪብካ ተምጽኦ ለውጢ የለን። እስኪ ንገረኒ እንታይ ለውጢ ከተምጽእ ትኽእል። ኣብ ዓዲ ጽሉላትሲ ሓደ ጥዑይ ጽሉል ‘ዩ ክብሉ ኣይሰማዕኻን? እንታይ ገደሰካ ኣብ ክንዲ እዞም ካልኦት ሱቅ ዝበሉ ንስኻ ግዳይ ትኸውን።” በለኒ። ነገሩ ከም ምኽርም መጠንቀቅታም እዩ ነይሩ።

ድንን ኢላ ክትሰምዕ ዝጸንሐት ጸጋ ኣብቲ ዘረባ ዞማይ ወሰኸትሉ “ኣስኪ እንታይ ጎዲሉኒ ክትብል ኢኻ? ሳላ ቡሩኻት ወለዲ ደጽንሕዎ፡ ገዛኻ ምሉእ፡ ሓዳርካ ጥጡሕ፡ እንታይ ዝጎደለ ኣሎ? ንባዕልኻ ሰንፈለል ኢልኻ ሰንፈላል ኣይትግበረና።” በለት ብነድሪ።

 

‘ክንዛረብ ክንፍትን ኣሎና’ ብዝበልኩ ስድራይ ተቀባቢሎም ረርእሰይ በሉኒ። ኣብኡ ከለኹ ከይተኣሰርኩ ብዘረብኦም ጥራሕ ተደሃልኩ።  ኩሉ ክዛረብ ዝደለየ፡ ብናይ ስድራቤት ተጽዕኖ ሱቅ ምባል ይመሃር። ንስኻን ስድራኻን ክሳብ ዘይተተንከፍካ ሱቅ በል እንታይ ገደሰካ ትመሃር ካብ ስድራኻ። ሱቅ ምስ ተመሃርካ ልቢ የዕቢኻ ትበሃል። ልቢ ምዕባይ ንጹቡቅ ይመስለኒ ነይሩ። ለካ ንኸምዚም ልቢ ይዕበ ‘ዩ። ግርም ትምህርቲ፡ በልኩ በዛ ልበይ። ንጸጋ ‘ተዓፊነ’ ከምዘለኹ ምነገርክዋ። “ሰብ ብመግቢ ጥራይ ኣይነብርን ‘ዩ።” ምበልክዋ። ንሳ ግን ኣይትርደኣንን ‘ያ። ንበዓልቲቤተይ ሓሳበይ ክገልጽ ዘይኽእል ድኹም ሰብ ምዃነይ ምነገርክዋ። ንደሕንነት ስድራ ክብል ኣፌ ዝተለጎመ ሰብ እየ ምበልክዋ። ንኽትዛረብ ዓዶም ግደፈሎም ድዩ ዝበለኒ ዞማይ። ናቱ ይሓይሽ። ካብ ምኽርዳን ትሃድም። ከይፈተኻ ዓድኻን ስድራኻን ትገድፍ። ነዚኣ ሓሳብ እዚኣ ምድጋፍ ይሓይሽ ኢለ ሓሰብኩ።

 

ሃገርና ንነፍስኻ ደይትጣበቀላ፡ ብዛዕባ መሰልካ ክትዛረበላ ደይከኣልካ፡ ብዛዕባ ካልእ ብሓውኻ ጎረቤትካን ወዲ ሃገርን ክትዛረበላ ደይትኽእል ሃገር ኮይና። ሱቕ በል እንታይ ገዲስካ ንኻልኦት ተሓልፈሎም ትብል ሓረግ ዝዓብለለሉ እዋን በጺሕና።  ኣነ ሎሚ እንታይ ገደሰኒ ኢለ ሱቕ ዝበልኩ፡ ጽባሕ ‘ውን ንዓይ ከምኣ እያ። ኣብ ባሕሪ ፍርሂ እንዳሓንበስና ክሳብ መዓስ ኢና ኣፍና ለጉምና ክንከይድ? መልሲ ዘይብሉ ሕቶ።  ኦ…ኦ… ኦ… ኣምላኽ ኤርትራ ካብዚ ፈተና ኣውጽኣና። ሱቅ ጡዑም እንታይ ገደሰኒ ኣርሕቀልና። ኣሜን።

 

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ

ካብ ሓዉኹም

ደብረ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! February 24, 2015

    Suk tuoum kab firhi zitebeghese kaknet zeybilu
    mikniyat nebsikha mitlal imber tirfi yeblun .
    Last weekend I visited home of close friends and
    when we started talk about the revealed close to $ 700 million accounts in Swiss banks , his wife reacted suddenly to say that Issayas has nothing to do with this money . And to calm her down I said ” Nobody mentioned names in here except to say that our country lack accountable leadership to run by corrupted individuals who are close associates of Issayas beginning from Hagos Kisha” finally she agreed that a president should take full responsibility of his failure .

    • Debre February 25, 2015

      ሰላም ኣህመድ

      መልእኽቲ እዚ ጽሕፍቲ ዘይምዝራብና ሃስያ ከምዘሰዓበልና ንምግላጽ ዘቅረብክዋ ጽሕፍቲ እያ። ከምቲ “ሱቅ ጡዑም ካብ ፍርሂ ዝተበገሰ፡ ሓቅነት ዘይብሉ፡ ምኽንያት ንፍስኻ ምትላል ‘ምበር ትርፊ የብሉን” ዝበልካዮ እሱ እዩ እቲ መልእክቲ። እንተ ፈሪህና እንተ ተዓሺና እንተ ተደኣሂሊልና ሱቅ ምምራጽና ሃስያ ኣውሪዱ እዩ። መልእክተይ ክንዛረብ ኣሎና እዩ። እቲ ሕሰም ኣብ ካልኦት ዝወርድ ዘሎ ጽባሕውን ናባኽ እዩ እቲ ተራ ‘ሞ ተዛረብ እዩ እቲ መልእኽቲ። ሓውኻ ወዲ ሓትነኻ እኮ ነፍስኻ ሓውኻ ማለት እዩ። ሎሚወዲ ሓትነኻ ክእሰር ከሎ ትም ዝበልካ ጽባሕ ተራኻ ምስ ኮነ መን ክዛረበልካ ትጽበ? እቲ ምዝራብ ባዕልኻ ክትጅምሮ ኣለካ። ሕጂ፡ እንታይ ገደሰኒ ትብል እንተኾንካ፡ ብዛዕባኻ ዝግደስ ሰብ ክትጽበ የብልካን። እሱ እዩ እቲ መልእኽቲ።

      እዚ ኩሉ ሓሰራ መከራ ዝወርድ ዘሎ ሓቀኛ ታሪክ ምዃኑ ኣብ ግምት ከተእትዎ ይሕብረካ። መበገሲ ሱቅ ምምራጽና ካብ ፍርሂ ዝተበገሰ እዩ ንዝበልካዮ እሰማማዕ። ሱቅ ማለትና ሓቅነት የብሉን ዝበልካዮ ምሳኻ እሰማማዕ ‘የ። ብፍርሂ ሪዕድና ሱቅ መሪጽና ‘ምበር፡ ንብሎ ነገርሲ ኣሎ። ሱቅ ብምባልና ግን ንነፍስና ኢና ጠቢርና። እዚ ዝወርድ ዘሎ ጭንቂ ከኣ ወረደና። ነቲ ናይቲ ጽሑፍ መልእክቲ በዚ ተረደኣዮ።

      ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ!
      ደብረ

  • dani solomon February 25, 2015

    ሱቅ ንበል ዝነገሰት መታላሊት,ንኩላትና ኣብ ናይ ሕሰም መከራ ከርዲታትና ኢያ እንበኣር።ብፍላይ ደቂ ኣንስቲዮ ኣብ ፖሎቲካዊ ምሕደራ ኣፍልጦ ስለዘይብለን,ነቲ ርእሰ ምምሕዳር ክንቀፍ እንከሎ ከም ነብሪ ትንዕ ዝበልካዮ ኢየን ዝንድራ።መሳርሕቲ እንበር ሃገር ድኣ ሰልኡ ደይኮነትን ደላ እናበላ,ነቶም ታሕተዎት ሰበስልጣናት ክወንጅላ ኢየን ዝዉዕላ።ብዝተረፈ ኩላትና እካ እንተኮና ብፍላይ ኣዴታትና።እዚ ዓይነት ስነሞጎት ክኣ ስርዓተ ምሕደራ ካብዘይ ምፍላጥ ዝብገስ ምካኑ ካላትና ንሰማመዐሉ ኢዩ።
    ህዝቢ ኣብ ዉልቃዉ ረብሓን,እንታይ ኣእተወኒ ዝዓይነቱ ዝነገሰ ባህሪ እንተ ኣጥርዩ ኖ መላኪ ስርዓት ነጊሱ,ወላዉን ደሞክራስያዊ ስርዓት ከማን ናብ ብልሽዉናን,ናብ ዘይሕጋዊ ተግባራትን,ናብ ምልካዊን ኢዩ ዘንቅድ።ስለዚ ካብ ውልቃዊ ረብሓን እንታይ ኣእተወኒ ዝዓይነቱ ባህሪ ምስ ንሓድግ ኢና እንበኣር,እታ ሓቀኛ ደሞክራስያዊት ሃገር ክንምስርት ንክእል።

  • rezen February 25, 2015

    Dear Moderator,
    I noticed that my short commentary [220 words] is deleted — along with others, I think. If it is unintentional I will be glad to re-post it with your agreement. Please let me know.

    On the other hand if it is intentional, I fully understand that it is a complete prerogative of demo.archive.assenna.com to do so for any reason. In that case, I have no comment but accept the decision. THANK YOU still for your services.

  • rezen February 26, 2015

    Subject: ሱቅ ጡዑም እንታይ ገደሰኒ (ብደብረ)February 24, 2015

    Commentary: 26 Feb 2015

    This is a wonderful subject, perfect for Eritrean society – for any society for that matter. But I hastened to add, it is a complex subject that defines the character of a nation in every aspect of its structure. In short, the subject is a foundation of a nation.
    Mr Debre has really started a timely subject for Eritreans to seriously and deeply ponder about themselves with that hurtful background of the greatest deception that was ever perpetrated by indigenous Eritreans upon their own brethrens, during a 30-year war. Mr. Debre is using an Eritrean wisdom satirically to convey his message i.e. “Silence is Sweet” which is the accepted “wisdom” in the Erittrean society — not to mention the deliberate historical crime of the ghedli era. Hence, the concepts of freedom of speech; the free expression of thoughts and deeds; the freedom to be inquisitive; the freedom to question what one sees, hears and feels are doomed from infancy of the Eritrean ‘child’. ‘Keep quiet’, ‘silence is sweet’ ሱቕ በል! ሱቕ በሊ! ሱቕ ጥዑም became the mantra of the collective mass of the society, forcefully surrendering their natural endowment to any self-appointed ruler!!! And they declare their unquestionable allegiance with a permanent vow of words: “whatever shines is our sun; who ever rules is our king: ዝበረቐ ጻሓይና ፥ ዝነገሠ ንጉሥና ። What else can one say after that Declaration of Existence? Indeed, “Silence is sweet; why should I care” >>> “ሱቕ ጥዑም ኣንታይ ገደሰኒ”።!!!
    I believe, Mr. Debre is heading for a BOOK. If not,I, never the less, truly admire him for his daring attempt to face the reality of Eritrea and through that daring effort to help Eritrea to find its sane way of living. On the other hand, if he has an eye for a book, I wish him good luck in his long research and, above all, obtaining the necessary resources to complete such a useful task for the long-range well-being of Eritrea. I should also add that it would be a wonderful gift to the Eritrean society – in particular, to the Young Generation, who are the sole custodian of future Eritrea (whatever it may turn out to be). It is THEIR Life – they better be attentive and active, NOW! THE END

Post a Reply to rezen Cancel Reply