ሰፊሕ ሕዝባዊ በዓል ንዝኽሪ መበል 56 ዓመት ባሕቲ መስከረም – ስቱትጋርት
ሰፊሕ ሕዝባዊ በዓል ንዝኽሪ መበል 56 ዓመት ባሕቲ መስከረም 1961 ዓ.ም.ፈ ንዝኽሪ መበል 56 ዓመት ባሕቲ መስከረም 1961 ዓ.ም.ፈ መጀመርታ ብረታዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ንምብዓል ብሓልዮት ሕዝባዊ ምጥርናፍ ኤርትራውያን ስቱትጋርትን ከባቢኣን/ደለይቲ ፍትሒ ዝተዳለወ ሓጺር መግለጽን ብወናማት ስነ-ጥበባውያን
ሰፊሕ ሕዝባዊ በዓል
ንዝኽሪ መበል 56 ዓመት ባሕቲ መስከረም 1961 ዓ.ም.ፈ
ንዝኽሪ መበል 56 ዓመት ባሕቲ መስከረም 1961 ዓ.ም.ፈ መጀመርታ ብረታዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ንምብዓል ብሓልዮት ሕዝባዊ ምጥርናፍ ኤርትራውያን ስቱትጋርትን ከባቢኣን/ደለይቲ ፍትሒ ዝተዳለወ ሓጺር መግለጽን ብወናማት ስነ-ጥበባውያን ኤርትራ ብባህላዊ ደርፍን ሙዚቃን ዝተሰነየ፡ ሰፊሕ ሕዝባዊ በዓል ኣብ ከተማ ኮርንቨስትሃይም ከባቢ ስቱትጋርት፡-
ንዕለት 02.09.2017 ኣብ *St. Martinus Saal*
Johannes Str. 21, 70806 Kornwestheim
ካብ ሰዓት 14፡00 ድ.ቀ ጀሚሩ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ
ዝኸይድ ንዂሉም ኤርትራውያን ዝእንግድ ተዳልዩ ስለዘሎ ብኽብሪ ንዕድም።
ብደሓን ምጹ !
ኣካያዲት ሽማግለ
ህዝባዊ ምጥርናፍ ኤርትራውያን/ደለይቲ ፍትሒ
ስቱትጋርትን ከባቢኣን
ጀርመን
Amba August 27, 2017
እንታይ በልኩም ” … መበል 56 ዓመት ባሕቲ መስከረም 1961 ዓ.ም.ፈ መጀመርታ ብረታዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ንምብዓል … “?
ዋእ! ገለ ክንሰምዕ ኢና ጽንሕ ኢልና። ኣብ ዝሓለፈ ውሽጢ ሓምሳን ሹድሽተን ዓመት ኣብ ኤርትራ ፡ ተሓጒስና ብደስታ እነብዕሎ ዝኾነ ይኹን በዓል ኣይፈጠርናን። ናይዚ መርኣያ እዚ ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታትን ፣ ብፍላጥ ይኹን ብግርህና ወይ ብዕሽነት ገድልናን ሰውራናን ዝፈጠሮ ኩሉ ሕስመን ሕፍረትን ዉርደትን ዓለም ኩሉ ዝፈልጦ ምስክር እዩ።
ኣብዚ ኹሉ ናይ ውርደትን ሕሰምን ታኼላ ከመይ ጌርና ተሸሚምና? በየናይከ ንወጽእ ? እዩ፤ እቲ ሕቶ።
እምበር ናይ ሓምሳን ሹድሽተን ዓመት ፡ መገዲ ሰንፈላልሲ ርኢናዮ ፤ ማእቶቱ ድማ ከንቱ እዩ። ከምቲ ብዙሓት ለባማት ዝበልዎ ፡ ናይዚ ጥፍኣት እዚ ቐንዲ ግዳያት ፡ እቶም ንጹሃት ተጋደልቲ እዮም።