Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰዋስው – ግጥሚ ብ ፍሥሐየ መብራህቱ

[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2014/11/Grammar.pdf"]

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • FM November 10, 2014

    Dear Selamawi, the one I mentioned as Cistercian (Sitawian) is the one of Abba Matheows Hagos. I am sure in Asmara somebody could find you. The one of Abba Agostinos I do not have it but I know who has it. However, Merigeta Ghebrezgi Adhanom is coming with more comprehensive and well researched books that yet have to be published. He has the benefit of reading the aforesaid books and doing his own research combined with his linguistic skills.

  • Mesinas November 12, 2014

    “መበገሲየይ ብዛዕባ አጠቓቕማ ፊደላትን ቃላትን ብሥሩ ርኡይ ጊጋ ወይ ግድፈት እንተዘይኮይኑ ዘካትዕ ኣይምሃለወን በሃላይ እየ። ተደጋጊሙ ካብ ተላዕለ ግና “ኣፈይ ስቕ ኢሊ ኢደይን ይኳለስሉ” ከምዝብሃል ገለገለ መብርህታት ክህብ እግደድ። 1ይ – ሰዋስው ትግርኛ ንሓጺር ጊዜ ኣብ ሓምሳታት እንተዘይኮይኑ ብግቡእ ንሕዝቢ ኤርትራ ከመዝይቀረበ ክንፈልጥ ኣሎና። ብርግጽ ኣብ ገለገለ ቤት/ት ብግሊ ዘስተምህሩ ኔሮም ይኾኑ። ስለዙይ “ምስ መሠረት ኣይትጻላእ ንጥንቲ ዝኾነካ ኣብ ኳና ኣይትጸጋዕ ፈሪሱ ከይጸቕጠካ” ስለዝኾነ መበገሲ ሰዋስው ትግርኛ ግዕዝ ስለዝኾነ ንኡ ክንውከስ ናይ ግድን’ዩ ብዘይ መሠረት ዝሕነጽ ቤት ደማ መዋዕሉ ሓጺር’ዩ።”

    ክቡር ቀናዪ ኣቶ ፍስሃየ መብራህቱ፡ ብዛዕባ ሰዋስው ማለት፡ እሩም ኣጸሓሕፋ ቋምቋ፡ ዳግም ኣብ ጽሑምፍኩም ንከይህብ እዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ሕጥበ ጽሑፍኩም ከተያ (መዛዘሚ) ገይራትለይ ኣላ። ደጊም ንጽሕፍኩም ኣመልኪተ ዝብለኩም የብለይን። እንተ በልኩውን ከምቲ “እናሰምዐ ዝሞተስ…” ስለ ዚኸውን ምእራመይ ወይ ሓበሬታ ምሃበይ ትርጉም ኣይክህልዎን’ዩ ማለት’ዩ። ምኽንያቱ፡ ዕላማኹም ከምዚ ዚስዕብ ስለ ዚኾነ፡ “ግጥምታት ጽሔፈ ንሕዝቢ ከካፍል እንከሎኹ ሓሳባት ንምግላጽ እምበር ሰዋስው ንምስትምሃር ሰለ ዘይኰነ” ስለ ዝበልኩም ንኣኹም እሩም ቋንቋ ተጠቐሙ ምባል ትርጉም ኪህሉዎ ኣይክእልን’ዩ ማለት’ዩ። ኣብዚኣ ግን ሓንቲ ሕቶ ክሓተኩም ምፈተኹ፥

    ፈላጥ ንእግረመገዱ ቋንቋኡ ብግቡእ ተጠቒሙ፡ ፍልጠቱ እንተዘይኣካፊሉ ደኣ’ሞ እቲ ክምሃር ዝድለ ዘሎ ሰብ ብኸመይ እዩ ቅኑዕ ቋንቋ ክጥቀም? ኣብ ክፍሊ ኣኪብካ ‘መስተጻምር ወይ ግሲ ማለት ከምዚ ማለት’ዩ፤ ወዘተ.’ እናበልካ ክመሃር ኣለዎ ዚብል ሓሳብ ክሕሰብውን ዚከኣል ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ሰዋስው ቋንቋ ኣብ ክፍሊ ስለ ዝተመሃርካዮ ጥራይ፡ ንኹሉ ኣጽኒዕካ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ዝከኣል ስለ ዘይኮነ። ብልምዲ፡ ከም ያታን ባህልን ክውረስ ጥራይ እዩ ዘለዎ። ኩላቶም ወግዓውያን ጽሑፋት ብክኢላታት ተኣሪሞም ናብ ህዝቢ ምስ ዝዝርግሑ፡ መምሃራን ግቡእ ኣፍልጦ ቋንቋ ምስ ዝቐስሙ ብድሕሪኡ እቲ ነባብን ሰማዕን ሰብ ግድን’ዩ ነቲ እሩም ቋንቋ ክወርስ።

    ካልእ ከምዚ ዚስዕብውን ኢልኩም ኔርኩም “ብርግጽ ኣብ ገለ ገለ ቤት/ት ብግሊ ዘስተምህሩ ኔሮም ይኾኑ። ስለዙይ “ምስ መሠረት ኣይትጻላእ ንጥንቲ ዝኾነካ ኣብ ኳና ኣይትጸጋዕ ፈሪሱ ከይጸቕጠካ ስለዝኾነ መበገሲ ሰዋስው ትግርኛ ግዕዝ ስለዝኾነ ንኡ ክንውከስ ናይ ግድን’ዩ ብዘይ መሠረት ዝሕነጽ ቤት ደማ መዋዕሉ ሓጺር’ዩ።” ክትብሉ፡ ቋንቋ ግእዝ ሰዋስው ከም ዘሎዎ ገሊጽኩም። ኣብዚውን ኣነ ብፍጹም ኣይሰማማዕን’የ። ምኽንያቱ፡ ሰዋስው ዘማልአ ጽሑፍ ግእዝ ርእየ ስለ ዘይፈልጥ። ብርግጽ ቋንቋ ትግርኛ ነቶም ‘ግእዝ ካብ ትግርኛ’ዩ ተወሊዱ’ ዝብሉ ገዲፈ፡ ግእዝ ወላዲ ቋንቋታት ትግርኛ፡ ትግረን ኣምሓርኛን ምዃኑ እኣምን’የ። ኣብ ቋንቋ ግእዝ መሳልል (ሰዋስው) ቋንቋ ከምዘየለ ግን ኣጸቢቐ ይፈልጥ’የ። ግእዝ ሰዋስው እንተዝህሉዎ ኔሩውን እቶም ብግእዝ ዝተጻሕፉ መጻሓፍቲ ግቡእ ስርዓተ ቋንቋን ስርዓተ ነጥብን ኣማሊኦም ምረኸብናዮም ኔርና ኢና። ብዘይካ መጻሕፍቲ ሰዋስው ካልእ በዚ ኣጋባብ’ዚ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ግን ኣነ ዝፈልጣ ወይ ዘንበብኩዋ የላን። ዋላ እታ ህግደፍን ግሩሃት ሰዓብቶምን ከም ተኣምር ቋንቋ ትርግኛ ብዙሕ ዘጣቕዑላ መጽሓፍ “ድኳን ትብርህ” እውን ትኹን ዋላ ኣብ ሓንቲ ገጽውን ትኹን ግቡእ ኣጠቓቕማ ቋንቋ ከየማለአት’ያ ተጻሒፋ ዘላ። እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ኣነ ቀታሊት ስነ ጽሑፍ ትግርኛ! ኢለ’የ ዝሰምያ! ከምኡ መበልየይ ምኽንያት ኣብ ቀጻሊ ብሰፊሕ ክዝርዝሮ’የ።

    ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ነገር እንተልዩ፡ እቲ ንሰብ ንኸረድእድዩ ወይ ንኽሕብር ዝጽሕፍ ዝኾነ ይኹን ጸሓፊ፡ ካብቲ ከረድኦ ወይ ድማ ሓበሬታ ክህቦ ዝደሊ ዘሎ ሰብ፡ ቊሩብ ብፍልጠት ጸብለል ክብል ከም ዝግብኦ ከይጠቐስኩ ክሓልፍ ኣይደልን። እንተዘይኮይኑ ንስኻ መምህር ግጉይ ሓበሬታ ወይ ድማ ፓፓጋሎ ህዝቢ እንተ ደኣ ኴንካ ደራሲ ወይ ስነ ጥበበኛ ክትብሃል ኣጸጋሚ’ዩ ይመስለኒ።

    የቐንየለይ። 12/11/2014

    • ሽብለሎም November 13, 2014

      ሓው መሲናስ

      ትምህርቲ ክትምሃር ወይ ሓበረታ ክትሕበር ግድን እቲ ሰብ ካባኻ ብፍልጠት ጸብለል ክብል ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ኣነ’የ ፈላጥ ምባል ቅኑዕ ኣይኰነን።

  • FM November 12, 2014

    ክቡር መሲናስ ብዓንተቦ ኢለካ’የ ኣብ ርኡይ ጌጋታት ብትልግሰለይ ምኽሪ መኣረምታ ከምዝገብር እንተኾነ ግን መሠረታዊ ፍልልይና ከምዙ ዝስዕብ ብዝሃብኩዎ ኣብነታዊ ምስላ ጠቒስካ ኣብ ግዕዝ ዘሎካ ኣረኣእይ በሪሁለይ። ““ምስ መሠረት ኣይትጻላእ ንጥንቲ ዝኾነካ ኣብ ኳና ኣይትጸጋዕ ፈሪሱ ከይጸቕጠካ ስለዝኾነ መበገሲ ሰዋስው ትግርኛ ግዕዝ ስለዝኾነ ንኡ ክንውከስ ናይ ግድን’ዩ ብዘይ መሠረት ዝሕነጽ ቤት ደማ መዋዕሉ ሓጺር’ዩ።” ክትብሉቋንቋ ግእዝ ሰዋስው ከም ዘሎዎ ገሊጽኩም። ኣብዚውን ኣነ ብፍጹም ኣይሰማማዕን’የ። ምኽንያቱ፡ ሰዋስው ዘማልአ ጽሑፍ ግእዝ ርእየ ስለ ዘይፈልጥ። ብርግጽ ቋንቋ ትግርኛ ነቶም ‘ግእዝ ካብ ትግርኛ’ዩ ተወሊዱ’ ዝብሉ ገዲፈ፡ ግእዝ ወላዲ ቋንቋታት ትግርኛ፡ ትግረን ኣምሓርኛን ምዃኑ እኣምን’የ። ኣብ ቋንቋ ግእዝ መሳልል (ሰዋስው) ቋንቋ ከምዘየለ ግን ኣጸቢቐ ይፈልጥ’የ። ግእዝ ሰዋስው እንተዝህሉዎ ኔሩውን እቶም ብግእዝ ዝተጻሕፉ መጻሓፍቲ ግቡእ ስርዓተ ቋንቋን ስርዓተ ነጥብን ኣማሊኦም ምረኸብናዮም ኔርና ኢና። ብዘይካ መጻሕፍቲ ሰዋስው ካልእ በዚ ኣጋባብ’ዚ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ግን ኣነ ዝፈልጣ ወይ ዘንበብኩዋ የላን” ብምባል ስለዝገለጽካዮ ዘካትዕ የቢልናን። ዚስዕብ እንተሃለወ ድማ ናብ ኣንበብትና ንሓድጎ። ኣብ ልዕሊ ቋንቋ ግዕዝ ግን ከምዚ ናትካ ምቍንጻብ ዝሃቦ ሰብ ክሳዕ ሎሚ ኣይረኣኹን – ከመይ ግዕዝ ካብተን ጥንታዊያን ሥነ-ጽሑፍ ዘለወን ንቅዱስ መጽሓፍ ድማ ብግቡእ ዝተርጐማን ዝዓቀባን ስለዝኾና፡ ኣብ ልዕሊ ግእዝ ዘሎካ ኣረኣእያ መልሶ ድኣ።

  • Mesinas November 12, 2014

    ኣይቃለይን!

    ከምቲ ወላዲት ከየኽበርካ ውሉዳ ከተኽብር ዘይቅቡል፡ ንቋንቋ ግእዝ ከየኽበርካውን ንቋንቋ ትግርኛ ከተክብር ባህርያዊ ኣይኮነን። ስለዚ፡ ኣብ ቋንቋ ግእዝ ዘሎኒ ክብሪ ልዑል’ዩ። ክብሪ ስለ ዘሎኒ ግን ንዘይብሉ ነገር ኣሎዎ ክብሎ ቅኑዕ ኣይመስለንን። ጥንታውነት ከኣ ናቱ ፍሉይ ጸገማት ከም ዘለዎ ክንርዳእ ይግባእ። ኩሉ ጥንታዊ ቅኑዕ’ዩ ማለት ኣይኮነን። በዚ መሰረት ከኣ ኣብ ዚኾነ ይኹን ነገር ምስ ግዜ ዚኸይድ ምምሕያሽ ኪግበር ከም ዘለዎ ጽኑዕ እምንቶይ እዩ። የቐንየለይ።

  • FM November 12, 2014

    መሲናስ ኃወይ ናተይን ናትካን ምልልስ ዳኛ ዘይቢሉ መጎተ ስለዝኾነ ንግዜሁ ኣብዚ እንተ ኣብቃዕና ይሓሽ በሃላይ እዩ። ምስ ሰላምታ

    • Simon G. November 12, 2014

      የሕዋት:
      ብናተይ ኣተሓሳስባ፣ ክልቴኹም ጌጋ ፈጺምኩም። ስለምንታይ ዶ ኢልኩም ሓቀ? ግርም።
      1. ፍስሃየ: ከም ምዝንጣል ደኣ ኮይኑ ከይስመዓካ ምበር: ከም ናይ ቀደም መማህራነይ መሲልካ ተሰሚዕካኒ። ከመይ? ስለምንታይ ካብ ናተይ ር ኢቶ ዝተፈለየ ኣለካ ትብል ዘለኻ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ከተርድኣና ደኣ ክትጽዕር ኣለካምበር: እዝስ ዳርጋ ምድሃል ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ሓንቲ ነገር ክትርዳእ ፈትን – ከተረደኣና ተዘይክኢልካ: ናትና ጉድለት ጥራይ ኣይኮነን: ንስኻውን የዕርዩ ኣይተርደኣካን ዘሎ ማለት’ዩ። ስለምንታይ? ንዓና ከምዝርድኣና ጌርካ ክትገልጽ ስልዘይከኣልካ። ስለምንታይ መስለካ ልዕሊ ሓምሳ ጉጂለታት ተቓውሞ ዘለዋና? ሰኣን ተጸዋርነት ኮይኑ ‘ስመዓኒ። ካልእ ሰብ ካብ ናትና ዝተፈለየ ሓሳባት ከምዝውንን ምርዳእ የድልየና። ካበይ ‘ዶ ምኽሪ ደሊኻ?
      2. መሲናስ: ምስዚ ኩሉ ፍልጠትካ? ቀልጢፍካ ተስፋ ቆሪጽካ። ንፍስሃየ ጥራይ ‘ኳ ኣይኮንካን ትምልስ ዘለኻ። ንኩሎም ሰዓብትኻ/ተኸታተልትኻ ውን ከም ንልክም ዘክር። ጌጋ ትብሎ ነገር ግለጾ።
      በጃኻትኩም ኢልናኩም መማህርን ኩኑና።

  • FM November 12, 2014

    Dear Simon, thanks for offering your advice. I am not trying to be arrogant. All I wanted to point out is that what I do not agree with Mesinas or any other person is that reducing the Ge’ez letters because someone thinks they are redundant. If you or Mesinas felt I was trying to push my view across negating yours, I am sorry. On the other hand when Mesinas said that he never saw Ge’ez Grammar does not mean it does not exist. In my earlier communications, I have expressed that I learnt Ge’ez Grammar. Therefore, if Mesinas has never saw Ge’ez Grammar himself that does not negate its existence. Finally, we cannot improve our language without historical context or because individuals felt it is a good idea.

    • Simon G. November 12, 2014

      Brother FM,
      Thanks for the positive feedback. Not agreeing with brother Mesinas or me or anyone on this forum or other places is very healthy. If you seen my first comment on this article, I was suggesting that these alphabets may have been there for a reason but we don’t know why. You have tried to answer that by providing some background of their usage and similarities with other languages.
      I personally know very few people who studied Geez in highschool and I admire those guys for owning that precious knowledge of a dying language. For me, it feels like a string theory; I can read it but I have no idea what it means.
      I appreciate your contribution to our reach language.

  • Selamawi November 13, 2014

    Many thanks Ato Fesehaye for your prompt response. I look forward to Merigeta Ghebrezgi Adhanom’s contribution re grammar of the Tigrigna language.

    I see you debating with Messinas. I am sorry but my observation of him is that he tends to have messianic view of himself and he find it hard to learn but much easier to act as Tigrigna teacher. You give him one suggestion, he will come back to you longer reason why he should be right and tries to prove that the over person is wrong: he demands evidence from other and yet he does not provide one in support of his argument.

    Ato Messinas, why is that you would like to throw some of the alphabets (not alfabets i.e. convenience)? If you omit some of these alphabets then our children would have to learn them afresh to be able to read what is written up to now. Secondly our cousins across the south border do speak the same language and many more of them do use the same alphabets. There is no need to do this, in my view.

    We all know by now that the pfdj mission to destroy every possible link to our past/history, culture, religion, values… They would also like to cut us off from what happens south of the border.

    Messinas is lending a hand to the larger pfdj mission albeit unintentionally.

    Messinas I like your comments on out political situation. Keep that up.

    Selam

  • Mesinas November 14, 2014

    ዝኸበርኩም ኣሕዋት ስምኦን፣ ሰላማዊ ወ ሸብለሎም፡ ብመጀምርያ ስለ’ቲ ኣብ ቋንቋኹም ዘሎኩም ተገዳስነት ከመስግነኩም እደሊ። ከመይሲ፡ ምሳይ ኣብ ሓደ መስመር ትጓዓዙ ስለ ዘለኹም። ወትሩ ደጋጊመ ዝገልጻ ሓሳብ ኣላ። ንሳ ኸኣ፥ ናይ ምፍላጥ ክቱር ህርፋንን ህንጡይነትን እምበር ካልእ ምንም ነገር ከምዘይብለይ እያ። በዚ መሰረት ከኣ ንዝፈልጡ ከም መዓር በርቢረ ፍልጠቶም ክቐስም እምበር ‘ኣነ ፈላጥ’የ እሞ ንኣይ ጥራይ ስምዑኒ!’ ወይውን ‘እንኩም ፍልጠተይ ብግዲ ስተዩዎ!’ ዚብል ሓሳብን ቃልን ወጺኡኒ ኣይፈልጥን’ዩ። ብሕጂውን ኣይይክወጸንን’ዩ። ምኽንያቱ፡ እዚ ቃል’ዚ ካብ ኣንደበተይ እንተ ደኣ ወጺኡ፡ ጸዳለይ ኣጸልሚተ ኣለኹ ማለት’ዩ። ብርሃነይ ኪጽልምት ከኣ ብፍጹም ኣይደልን’የ።

    ሓንቲ ጉዳይ ግን ደጊመ ከብርሃልኩም ዝደልያ ነገር ኣላ። ከምቲ ቅድመይ ኣብ ቋንቋና ዕዙዝ ኣበርክቶ ዝገበሩ ውሑዳት ምሁራትን ፈላጣትን ኤርትራውያን ዝገበሩዎ መንቲ (ቅውም ነገር) ክገብር፡ ማለት ሓንቲ መጽሓፍ ሰዋስው ኣሕቲመ ናብ ዕዳጋ ብምዝርጋሕ ዘንበበ ክነባ እጃመይ ኣበርኪተ’የ ኢለ ትም ክብል ኣይክእልን’የ። ነቲ እቶም ቅድመይ ኣጽኒዖም ናብ ህዝቢ ዘቕረቡዎ ምሩጽ ምህርቶምውን ስም ቀይረ ክደግም ኣይደልን’የ። ከምዚ ክገብር ሕልናይውን ኣይፈቕዶን’ዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ከምቲ ሓው ሰላማዊ ዝበሎ “Many thanks Ato Fesehaye I see you debating with Messinas. I am sorry but my observation of him is that he tends to have messianic view of himself and he find it hard to learn but much easier to act as Tigrigna teacher.”

    ሓው ሰላማዊ ክልተ ሓሳባት ገሊጹ ኣሎ። 1ይ ናተይ ራእይ ከም ዘአንግድ፣ 2ይ ድማ ካብ ክምሃር ክምህር ከም ዝቐለለይ። ኣብታ ናቱ ራእይ ዝበላ ቃል ዓቕሚ ደኣ ይሓጽረኒ ኮይኑ’ምበር ንኽትግብሮስ ብርግጽ ኣይምጸላእኩን። ምኽንያቱ፡ ነቲ ካልኦት ጸሓፍቲ ዘይዳህሰሱዎን ንሳቶም ዘየስተውዓልሉን ጉድለታት ምእራም እምበር ንጽሑፋቶም ከም ዘለዎ ምድጋም ሕልመይን ባህገይን ስለ ዘይኮነ።ወርቃዊ ግዜየይውን ከጥፍኣሉ ኣይፈቅድን’የ። ምኽንያቱ፡ ንብሁልን ጽሑፍን ካብ መጻሓፍቲ እናቐዳሕካ ምድጋም፡ ብዘይካ ድኻም ትርጉም ስለ ዘይብሉ። ኣብቲ ኣብ ኣሰና ዝጸሓፍኩዎ “እሩም ትግርኛ” ዘርእስቱ ሽዱሽተ ተኸታታሊ ጽሑፋትውን ነዚ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ’ዩ ዘንጸባርቕ ኔሩ። እዚ ክብል ከለኹ ግን ኣነ ዝመሃዝኩዎ ሓድሽ ቃል ወይ ኣጋባብ ኣጸሓሕፋ ኣሎ ማለተይ ኣይኮንኩን።

    እንታይ ደኣ ምስሊ ቀዳሞት እናራኣኹ ኣማሓይሸ ዝስእል ቀባኣይ እየ። ካልእ ቋንቋ ብምጥቃም ብምጽሓፍን ብምዝራብን ስለ ዝምዕብል ርእይቶኹም ኣብ ክንዲ ብእንግሊዝኛ ብትግርኛ ኪኽውን እላወበኩም።

    ካልእ ሓው ስምኦን ከምዚ ዚስዕብ ኢሉኒ ኔሩ፥ “መሲናስ: ምስዚ ኩሉ ፍልጠትካ? ቀልጢፍካ ተስፋ ቆሪጽካ። ንፍስሃየ ጥራይ ‘ኳ ኣይኮንካን ትምልስ ዘለኻ። ንኩሎም ሰዓብትኻ/ተኸታተልትኻ ውን ከም ንልክም ዘክር። ጌጋ ትብሎ ነገር ግለጾ።” ክቡር ሓው ስምኦን፡ ስለቲ ክብርኻ ከየመስገንኩኻ ክሓልፍ ኣይደልን። እንተኾነ ኣነ ካባኻ ምናልባት ብተገዳስነት ኣብ ቋንቋና ይበልጸካ ይኸውን’የ ብፍልጠት ግን ኣይበልጸካን’የ። ምኽንያቱ፡ ንስኻውን ከምዚ ከማይ ነቲ ዘሎካ ኣፍልጦ ንምክፋል እጃምካ ተበርክት ስለ ዘለኻ። እቲ ንክቡር ሓው ኣቶ ፍስሃየ ዝበልኩዎ ድማ ‘ዕላማይ መልእኽተይ ምትሕልላፍ’ምበር እሩም ቋንቋ ምስትምሃር ኣይኮነን!’ ብምባል፡ መርገጺኡ ስለ ዘነጸረለይ እየ ከምኡ ኢለዮ’ምበር ተስፋ ስለ ዝቖረጽኩ ኣይኮንኩን። ኣጆኻ ዕላማ እንተሎ ተስፋ ምቑራጽ ዝብሃል ነገር የለን።
    ኣብ መወዳእታ ንሓው ሸብለሎም ቊሩብ መብርሂ ክህቦ ፍቐዱለይ? “ሓው መሲናስ ትምህርቲ ክትምሃር ወይ ሓበረታ ክትሕበር ግድን እቲ ሰብ ካባኻ ብፍልጠት ጸብለል ክብል ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ኣነ’የ ፈላጥ ምባል ቅኑዕ ኣይኰነን።” ኢሉኒ ሓው ሸብለሎም። ባዕልኻ’ሞ ሕሰቦ ሓው ሸብለሎም፡ ንስኻ ኣነ ዘይፈልጦ ሓበሬታ ወይ ትምህርቲ እንተዘይብልካሲ እንታይ ኢኻ ደኣ’ሞ ክትሕብረኒ ወይ ከተቕስመኒ? ክሰምዓካ ወይ ክነበካ እንተ ኮይነ’ኮ ግድን ኣነ ዘይፈልጦ ፍልጠት ከተቕስመኒ ክትክእል ኣለካ። በዚ ምኽንያት ከኣ እቲ ወሃባይ ካብቲ ተቐባላይ ሓለፋ ክህሉዎ ኣለዎ። ስለዚ፡ ኣባሃላይ ኣነ ፈላጥ’የ ማለተይ ዘይኮነስ እቲ ወርቃዊ ግዜኡ ኣጥፊኡ ንጽሑፋተይ ዝነብብ ዘሎ ሰብ ግን ናይ ግድን ገለ ዘይፈልጦ ነገር ከፍልጦ ኣለኒ በሃላይ ሙዃነይ ክሕብረካ እፈቱ።

    ብዝተረፈ ነቐፌታን እርማትን መብረድ ስነ ጥበበኛ ስለ ዚኾነ፡ ልዑል ነቐፌታኹምን ሓበሬታኹምን ኣብ ቀጻሊ ከይፍለየኒ እናተላበኹን ልባዊ ምስጋናይ እናኣቕረብኩን ርሑስ ቀዳመ ሰንበት ኪገብረልኩም ልዑል ፈጣሪ እምነ። ሰላም።

    ሓውኩም መሲናስ 14/11/2014

  • Selamawi November 15, 2014

    ሕቶን መኣረምታን ለበዋን ንሓውና መሲናስ

    ዝኸበርካ ሓውና መሲናስ፥ ኣብቲ ቅሚ ሕጂ ዝጸሓፍካዮ ተመርኲሰ፥ ነዚ ዝስዕ ሓሳብ ክጽሕፍ ተገዲደ እነሆኹ

    ኣብ ጽሑፍካ ኣነ ዘይበልኩዎ: “ሓው ሰላማዊ ክልተ ሓሳባት ገሊጹ ኣሎ። ፩ይ ናተይ ራእይ ከም ዘአንግድ፣ ፪ይ ድማ ካብ ክምሃር ክምህር ከም ዝቐለለይ። ኣብታ ናቱ ራእይ ዝበላ ቃል ዓቕሚ ደኣ ይሓጽረኒ ኮይኑ’ምበር ንኽትግብሮስ ብርግጽ ኣይምጸላእኩን።”

    ክቡር ሓው፥ ኣነ ‘ራእይ’ ዝብል ቃል ኣይተጠቀምኩን። ከምኡ ኮይኑ እንተ ተሰሚዑካ ኸኣ ደሓን ኢለ ምሓለፍኩዎ ኔረ። የግዳስ፥ ነተን ንዓኻ ብፍላይ ስምካ ጠቒሰ ዝሓተትኩኻ ሕቶታት ኣይመለስካለይን። ብገርህነት ክኸውን ተስፋ እገብ።

    ምስ ራእይካ ዝሰማምዓሉ ምኽንያትውን የብለይን። ክትጠቅስ ከለኻ ድማ፥ ጸሓፍቲ ዝጥቀምሙሉ ኣገባብ ክትጥቀም ኣድላዪ ኢዩ። ንኣብነት ነዛ ንስኻ ዝጠቐስካያ እንተርኤና፥ “Many thanks Ato Fesehaye I see you debating with Messinas. I am sorry but my observation of him is that he tends to have messianic view of himself and he find(s) it hard to learn but much easier to act as Tigrigna teacher.”

    እቲ ልሙድ፥ ጸሓፍቲ ድማ ዝጥቀሙሉ፥ ኣገባብ ከምዚጥ ኢዩ። ነቲ ኣነ ዝበልኩዎ ብምሉኡ ክተቕሶ እንተ ዘይደሊኻ ኣብ ሞንጎቲ ጽሑፍ፥ ነዘን ምልክታት እዚኣተን ትጥቀም []ዘይተባህለ ነገር ከም ዝተባህለ ጌርካ ምቕራብ ክልኩል ኢዩ (ርእይቶይ ጥራሕ ከይመስለካ)

    ‘Many thanks Ato Fesehaye […] I see you debating with Messinas. I am sorry but my observation of him is that he tends to have messianic view of himself and he find(s) it hard to learn but much easier to act as Tigrigna teacher.’

    ብቐንዱ ኣነ ንዓኻ ሕቶታት ሓቲተካ፥ ኣይመለካለይን። በንጻሩ፥ ኮር ተገበጥ፥ “ናተይ ራእይ ከም ዘአግድ” ክትብል ጠቒስካኒ። (ንእግረ መገደይ፥ ‘ናተይ ራእይ’ ካብ ምባል ‘ራእየይ’ ምባል ምሓሸ ይመስለኒ።) ካብ ክትመሃርስ ክትምህር ከምዝቐለልካ: ዝበልኩኻ መሲሉካሎ። ኣነ ግን ከምኡ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። ናብ ቋንቋና እንኪትርጎም፥ ከምትዕዝብተይ፥ ብዛዕባ ረእሱ ዘሎዎ ኣረኣእያ ‘መሲሓዊ’ እዩ ዝምስል። ከም መምህር ትግርይና ኮይኑ ክቐርብ ደኣሉ ዝቐሎምበር ካብ ካልኦት ክመሃር የጸግሞ ኢዩ። (ብዛዕባዚ ኣንዊሕና ተመላሊስና ከምዝነበርና ትርስዖ ኣይመስለንን ኣቶ መሲናስ።) ካብኡ ብምቕጻል፥ ሓንቲ ትጠቅምያ ዝበልካያ ሓሳብ እንተ ሃብካዮ፥ ንሱን ሓቀይና ንስኻን ግጉይ ከምዝኾንካ ኬረዳካ ኣንዊሑ ይጽሕፈልካ። ካብ ካልኦት ጭብጢ ይሓትት፥ ንሱ ግን ጭብጢ ኣየቕርብን ኢለ እንዳ ከሰስኩኻስ፥ ዘይበልኩዎ ነገር ኢሉሎ ክትብለኒ ከለኻ፥ ናብ ኣሬባ ንኺድ ዜብል ኢዩ። (ከዘክረካ፥ ኣብ ክንዲ ‘ዓረብኛ’: ‘ቋንቋ ዓረብ’፥ ቋንቋ ኣምሓራ፥ ጥልያን፥ እንግሊዝ: ወዘተ. ኢና እንብል ምስ በልናካ ዝነበርካ መርገጺ ጌና ‘ጭብጢ እንተ ዘይርኤኹ ኣይኣምንን’ ዝብል ኢዩ ኔሩ።)

    ኣቶ መሲናስ፥ እቲ ንዓኻ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝሓተትኩኻ፥ ደጊመ ብቋንቋ ሓበሻ ክሓተካ።
    ፩ይ ሕቶይ: ነቶም ክትጽልጽሎም ፈሪድካዮም ዘለኻ ፊደላት ዝምልከት ኢዩ። እንታይ ገበሩኻት ክጽልጽሎም ትደሊ፧ ነዞም ቁሩባት ፊደላት ሎሚ እንተ ጒሒፍናዮም፥ ደቅና፥ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኬንብቡዎም ኣይክእሉን ኢዮም ማለት ኢዩ። ናይ ኣቦሓጎታቶም ጽሑፋትን፥ ታሪኽን፥ ብራናታትን ኬንብቡን ኪመራመሩን እንተደልዮም፥ ነቶም ሎሚ ኣቶ መሲናስ ክትጕሕፎም ትደሊ ዘለኻ ፊደላት በብውልቆም ክመሃሩዎም ማለት ኢዩ። ንዓይ ከምዝመስለኒ፥ ከምኡ ክንገብ ኣየድልየናን ኢዩ።

    ፪ይ ነጥቢ ድማ፥ ቋንቋ ሓበሻ ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ፥ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕዝቢ ከምዝዛረበሉ ክንርስዕ የብልናን። ፊደላት ቆራሚምኩም፥ ጽሑፋትና ነንበይኑ ከምዚኸውን ክትገብሩ እንተደሊኹም ተጋጊኹም እብል። ቋንቋ ኣምሓራውን ነዞም ፊደላት እዚኣቶም ይጥቀመሎም ኢዩ። ንሕና ናይ በይንና፥ ንስኻን ከማኻ ዝበሉን: ሓደስቲ ናይ ቋንቋታት ፍላስፋታት፥ ብኢደ ዋኒንኩም ብዝገበርኩምዎ ውሳኔ፥ ኣብ ጎረባብትና ዝጸሓፍ ጽሑፋት ካብ ምንባብን ካብ ምርዳእን ክንኩለፍ፥ ኣይግባእን ኢዩ። ንሕና ክብል ከሎኹ ደቅና ማለተይ እየ።

    ፫ይ ነጥቢ ከኣ እነሆ። ደጊም ንኹላትና በሪሁልና ከምዘሎ፥ ጉጅለ ሕግደፍ ካብ ታሪኽናን፥ ክብ ባህልናን፥ ካብ ሃይማኖትናን፥ ካብ ክብርታትናን ክፈላልየና፥ ናይ ዕንወት ሥራሑ የሰላስል ኣሎ። ህግደፍ፥ ምስ ኢትዮጵያ ዜራኽበና ባህላውን ታሪኻውን ሃይምኖታውን ነገራት ከምዘይህሉ ክገብር ከምዝጽዕር ኩላትና ንፈልጥ ኢና እመስለኒ።
    ብዘይፍላጥ ደኣ ይግበሮምበር፥ ኣብዚኣ ምስ መደብ ዕዮ ሕግደፍ ሠሚርካ ኣሎኻ ኣቶ መሲናስ።

    ክቡር ሓውና መሲናስ፥ በዘን ኣብ ላዕሊ ተዘርዚረን ዘለዎ ነጥብታት ምኽንያት፥ ሓሳብካ እንተ ትቕይይር እሞ፥ ካብ ሰብ ክትመሃር እንተ ትጅምር ጽቡቕ ምኾነ እብል።

    ኣቶ ፍስሓየ መብራህቱ፥ “ብመሠረቱ ግጥምታት ጽሒፈ ንሕዝቢ ከካፍል እንከሎኹ ሓሳባት ንምግላጽ እምበር ሰዋስው ንምስትምሃር ሰለዘይኰነ መበገሲየይ ብዛዕባ አጠቓቕማ ፊደላትን ቃላትን ብሥሩ ርኡይ ጊጋ ወይ ግድፈት እንተዘይኮይኑ ዘካትዕ ኣይምሃለወን በሃላይ እየ።” እንኪብሉ፥ ነቲ መንቀሊ ጽሑፍ ገዲፍካ ኣብ ናይ ቋንቋ ክርክር ምእታው ሓጋዚ ኣይኮነን ማለቶም ኮይኑ ተሰሚዑኒ፥ ኣበር ድማ ኣይረኸብኩሉን። ንስኻ ግና ብዙሕ መጢጥካዮ ኣሎኻ ነቲ ሓሳብቶም። ነዚኣ ኣመልኪትካ እንክትምልሰሎም፥ ከምዚ ኢልካ ኣሎኻ፥ “ደጊም ንጽሕፍኩም ኣመልኪተ ዝብለኩም የብለይን። እንተ በልኩውን ከምቲ “እናሰምዐ ዝሞተስ…” ስለ ዚኸውን ምእራመይ ወይ ሓበሬታ ምሃበይ ትርጉም ኣይክህልዎን’ዩ ማለት’ዩ።” ዘየድሊ ምትህልላኽ ኢዩ በሃላይ እየ።

    ብዛዕባ ቋንቋ ግዕዝ ንዚሃቡኻ ርእይቶውን፥ ንዓይ ጉዳም ኮይኑ ዝስምዓኒ ዘረባ ተዛርብካ ኣሎኻ። ከምዚ ኢልካ መሊስካሎ: ”ግእዝ ሰዋስው ከም ዘሎዎ ገሊጽኩም። ኣብዚውን ኣነ ብፍጹም ኣይሰማማዕን’የ። ምኽንያቱ፡ ሰዋስው ዘማልአ ጽሑፍ ግእዝ ርእየ ስለ ዘይፈልጥ።” ትብል። ንስኻ ርኢኻዮ ዘይትፈልጥ ማለትስ የሎን ማለት ድዩ፧ ቋንቋ ግዕዝን ሥርዓቱን (ሰዋስው) ክትመራመር ዝገበርካዮ መጽናዕቲ እንተ ተካፍለና ጽቡቕ ኔሩ። ኣነ ቅድሚ ሕጂ፥ ብልምዲ ዲኻ ተማሂርካዮ ወይስ ብሥሩዕ፥ ቋንቋ ሓበሻ ይኹን ካልእ ቋንቋ ተማሂርካ ኢኻ፧ ቢለ ሓዓቲተካ ኔረ መልሲ ግን ኣይሃብካንን። ጌጋ ይኽልኣለይ እምበር፥ እንትርፎ ናይ ርእስኻ፥ ካልኦት ዝገበሩዎ ምጽናዕቲ ወይ መጽሓፍ ክትጠቅስ ሰሚዔካ ኣይፈልጥንየ።

    “ዝኸበርኩም ኣሕዋት ስምኦን፣ ሰላማዊ ወ ሸብለሎም፡ ብመጀምርያ ስለ’ቲ ኣብ ቋንቋኹም ዘሎኩም ተገዳስነት ከመስግነኩም እደሊ።” ዝበልካዮ ቁሩብትለይ ከየገረመኒ ኣይተረፈን። መን ኢዩ ንመን ኬመስግኖ፧ መን ወዲ ቤት መንከ ወዲ ምድሪቤት፧ ዝብል ሕቶ ስለዜስዕብ፥ ቁሩብ ትሕት አንተበልካ ይሕሸካ። (ቅድሚ ሕጂውን ርእስኻ ምትዕብባይ ሓጋዚ ከምዘይኮነ ክዛረበካ ይዝከረኒ።) Do not try to patronize.

    ኣብ መወዳእታ: ብትሕትና ክብለካ ዝድሊ ነገር ኣሎኒ። ትሕትና ዝገብር ሰብ፥ ብምቕሉል ኣገባብ ምስ ሰብ ይረዳዳእ፥ ካብ ካልእ ሰብ ክመሃር ድማ ድሉው ኢዩ። ከምዚ ክንዲ ዝኾነ ድማ፥ ቀልጢፉ ፍልጠት ይድልብ። ሓደ ሰብ፥ ትምክሕተይና እንተኾይኑ ግን፥ እንትፎ ስምምዑኒ ክብል ካብ ካልኦት ኣይመሃርንዩ። ‘ኣይከኣሎ ኢየ’ ኢሉ ይሓስብ። ከመይ እንተ ተባህለ፥ ዝፈልጥ ኢዩ ዝመስሎ እምበር ዓቕሙ ኣይፈልጥን ኢዩ። ካብዛ ዳሕረውይቲ ተጠንቀቕ ሓውና መሲናስ።

    ለቡ፦ እቲ ብዛዕባ ፖለቲካ ሃገርና እትህቦ ርእይቶን ትንተናን፥ ብሓቂ ባህ የብለኒ። ምስ ናእዳኡ ኣጆኻ ቀጽሎ እብል። ብዛዕባ ቋንቋ ዝምጽኤ ግና፥ ቁሩብ ልጓም እንተ ትገብር እሞ፥ ርግእ ኢልካ እንተ ትመራመር ምሓሸ እብለካ።

    ሰላምታይ ተቐበል

Post a Reply to Mesinas Cancel Reply