Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰነድ ምስክር ሞት፡ Death certificate

ሰነድ ምስክር ሞት፡ Death certificate.           01.09.16 “ካብ ፈተውተይ ድኣ ሓልወኒ’ምበር . . . . ወርሒ መስከረም ክትዝከር በቲ ሓደ ኣብ ቃልሲ ንዘበርከተቶ ኣስተዋጽኦ ንዝምልከት፡ በቲ ካልእ ኣባ ብርሃን፡ ብብርሃን ሽግ ደሚቑ ብዓጓን ብጠጎጓን፣ ብጢጡን ጥራጡን እናተማዘወ ቁራዕ

ሰነድ ምስክር ሞት፡ Death certificate.           01.09.16

“ካብ ፈተውተይ ድኣ ሓልወኒ’ምበር . . . .

ወርሒ መስከረም ክትዝከር በቲ ሓደ ኣብ ቃልሲ ንዘበርከተቶ ኣስተዋጽኦ ንዝምልከት፡ በቲ ካልእ ኣባ ብርሃን፡ ብብርሃን ሽግ ደሚቑ ብዓጓን ብጠጎጓን፣ ብጢጡን ጥራጡን እናተማዘወ ቁራዕ ሓምሊ ወጺኡ ጋዓት ጠስሚ ከምዝቐረብ ዘበስር ዜና ተስፋን ዜማን ይቃላሕ። ብድምሩ ክርአ ከኣ ወያ ብዕንባባታት ዝወቀበትን ብከበ ሮን እልልታን ዝደመቐትን ወቕቲ ወርሒ መስከረም “ብሓቂ ፈላሚት ሓድሽ ዓመትና ‘ያ” ዘብል ግርማ ሞጎሳ ደሚቑ ትሕድስቲ ሂወት ብምጭብጫቡ ዝሓግን ዘይሓግን፡ ዝ ኸርምን ዘይኸርምን ኩሉ ህዝቢ ነናቱ መደብ ዓመቱ ክሕንጽጽ ይስትውዓል።

ብሕማቕ ኣጋጣሚ ነዚ ንቡርን ትስፉውን ዝኽሪ መስከረም በዚ ሂበዮ ዘለኹ ኣርእስቲ ክዝክሮ እንተደለኹኸ ትቕየሙኒ ዲኹም?

ኣጋጣሚ ክረክብ “ኣንታ ኣምላኽ፡ ካብ ፈተውተይድኣ ሓልወኒ’ምበር ካብ ጸላእተይሲ ባዕለይ ኣለኹዎ” ክብሉ እንከለዎ’ዞም ወለድናስ እዚ በጺሕናዮ ዘለና በጺሖሞ ዲዮም ወይስ ከምዝብጻሕ ስለዝፈለጡ ከለብሙና ክብሉ’ዮም ዝመሰልዎ? ካብኡኸ እንታይ ተማሂርና?” እብላ ነዛ ነብሰይ። ሎሚቅነ ከምኡ ዘበለኒ’ውን ተወሳኺ ድሃይ ጽንተት ዝትርኽ ሰብ ብምስምዐይ ኢየ

Heart God_2ካልኣይ ናይ ቀጥታዊ ተሞኩሮኡ ተራኺ ሓኪም ተስፋኣለም በራኺ፡ ዋላ’ኳ ብሞያኡ ንዶ/ር ነስረዲን ኣይዳረጎ ነቲ ዝግበ ር ዘሎ መስርሕ ጽንተት ግና ደሪዕዎ ኣሎ። ካብ ትረኻ ክልቲኦም ክንርድኦ ንኽእል እንተልዩ እቲ ዝግበር ዘሎ ቅትለት ብ ርግጽ ምዕባለ ሃገር ንምድዕማኹ ነቲ ናይ ምግባር ዓቕሚ ዘለዎ ሰብና ምጽናት ተወጢ ኑ ምህላዉ’ዩ። ጽንተት ብብዙሕ መልክዓት ይፍጸም’ኳ እንተኾነ ቅትለት ንዝምልከት ክሳብሎሚ ብጉጅለ ቀተልቲ’ምበር በቶም ሂወት ንምድሓን ዝመሓሉ ሓካይምን ብትእ ዛዝን ከምዝግበር ስለዘይንፈልጦ ምእማኑ ኣጸጊሙና ከምዝነበረን ዘሎን ንርዳእ።

ኣጋውሎና ምስ ምንዳድ ባንዴራ ክታረኽ ቀኒዩ’ምበር ግዳይና ብዛዕባ ኣብቲ መዓስከር  ጽንተት ካብ እግሪ ክሳብ ፍጻመ ሂወት ንዘሎ መስርሕ ብዝዋሃብ “ሰነድ ሞት” ኢዩ ኣር ዲእና። ሽዑ ዋላ’ኳ እቲ ዶር ነስረዲን ዝሃቦ ምስክርነት ንምብርዓን ተባሂሉ ዝቐረበ ሆ  ይሆይታ ውድባት ህግደፍ እንተዘይተዓወተ፡ ተስፋኣለም ንነስረዲን ዘእምን ብቑዕ ምስ ክርነት ሒዙ ኢዩ ዝቐረበ።

ገለ ካብቲ ዘቕረበልና መርትዖ ኣብ ውሽጢ’ዛ ብሃገራ ናብ መደበራት ናይ ጻዕቂ ሕቡሳት concentration camps ተቐይ ራ ዘላ ሃገርና ዝርአ ሕማማት ብቀሊሉ ክመሓላለፍ ዘኽእሎ ከም ጥምየትን እኹል ኣፋውስ ዘይምህላውን ዝኣመሰለ ኣብ ነታት ጠቒሱ እቲ ዝኸፍአ ግና ናይቶም ብትእዛዝ ዝላበዱ ዘለዉ ከም ቫይረስ HIV ዝኣመሰሉ ተላገብቲ ሕማማትን ነቶ ም ብሕርያ ዝቕፈዱ ዘለዉ እሱራት ብመድሃኒት ንምውጋኖም ተዓሊሙ ብመንቀጺ ሬሳ ንዝነቅጽ ዘሎ ሰብና ናይ ዓይኒ ምስክርነቱ ሂቡ ኣሎ። ብቀንዱ ምስቲ ‘ምኽንያት ሞት’ ተባሂሉ ዝወሃብ ዘሎ ሰነድ ምስክር ሞት ኣነጺሩ ኣላልይና ኣሎ።

ዳርጋ ናይ ኩሎም ተወገንቲ ወረቐት ሰነድ ሞት ከምዝሕብሮ “ንጥፈታት ልብን ሳንቡእን ደው ምስበለ መይቱ” ከም ዝብ ል ዘብርሀ ተረካቢ ብርግጽ ድማ ምስክር ሞት ምስቲ “ብሃንደበት ዓሪፉ” ዝብል ዜና መርድእ ቲቪ ፎርቶ ስለዝዋሰብ ሓ ኪም ተስፋኣለም ፍጹም ኣይተጋገየን። ብተወሳኺ ጠንቂ ‘ሃንደበታዊ ሞት’ ወይ ምቁራጽ ንጥፈታት ሳንቡእን ልብን ምስ ባህርያት’ቶም ቀተልቲ መድሃኒታት ክርአ ውጽኢቶም ምዃኑ ክኢላታት ሕክምና ይሕቡሩ። እስከ ከም ኣብነት፦

ፎርማሊን Formalin ዝባሃል ቀመም ብዓንደ-ርእሱ መድረቒ መትንታት ኣካላት ኢዩ። እቲ ብዘይንቡር ኣብ ኣካላት ዝኣ ተወ ፎርማሊን ነዘን ከምንምሳሌ ኣብዚ ስእሊ ኣብ ሳንቡእን ልብን ትርእዩወን ዘለኹም ረቀቕቲ ሕንጣታት እንተድሪቕወ ን፡ ወይ’ውን እቲ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ቀመም ኣብ ውሽጢ’ዘን ንሪአን ቱቦታት ምስ ኣተወ ብሙቐት ኣካላት ስለዝንፋ ሕ መጠኑ ወሲኹ እንተለዂኹወን ድሕሪኡ ብሃንደበት ጻዕዳ ኣዒንቲ ምግልባጥ ጥራይ ኢያ ዕድል ወዲ-ሰብ!

መንን ብኸመይን’ዮምከ ነዚ ክገብሩ ዝኽእሉ?

ባህርያትን ኩነትን’ዚ መድሃኒታት’ዚ ምስ እንርኢ ሕብርን ሽታን ዘይብሉ ፈሳሲ (ካልእ’ውን ይህሉ) ብምዃኑ ከም ማን ም መድሃኒት ብመርፍእን ምስ ማይ ተሓዊሱ ድማ ብኣፍን ክወሃብ ይኽእል። በፍንጫ ዝንሳዕሲ ኣበይ ከይሳኣን ኢልክ ሞ! ጥራይ ቀንዲ ዕማሙ መድረቒ መትንታት ካብ ኮነ፡ ምድራቕ ድማ ንብዙሕ ምኽንያት (ከም ብሂየተን ክመስላ ዝደር ቃ እንስሳታት) ክውዕል ይኽእል። ኣብ ግዜሞት ከኣ ሬሳ ክሳብ ዝውገን መታን ከይሽትት ንምድራቑ ተዓሊሙ ንምዉት ብመርፍእ ይውጋእ። ሬሳ ከንቅጽ ዝኽእል ቀመም ህያው ከድርቕከ እንታይ ክጽግሞ! ብምዃኑ ኣብ ርአሲ’ቲ ከም ተራ

መድሃኒት ብመርፍእ ዝውጋእ፡ ኣብ ማይ ብምንጣብ’ውን ንግዳይ ምንስዑ ምንም ዘጠርጥርን ዘጸግምን ነገር የብሉን።

“መን ኢዩ ዓይኑ እናረኣየ ኣንጻር ሕልናኡ ብምጽራድ ከምኡ ዝገብር?” ከምዘይትብሉ ይመስለኒ። እንተኢልኩም መልሱ ቀሊል’ዩ። ዝኾነ ስሱዕ፣ ዝኾነ ድሉል፣ ብኣውራኡ ዝኾነ ናይ ፖለቲካ እዙዝ!!

ብዛዕባ ብተመኩሮ ከምዝተራእየ ግዳያት ብከመይ ከምዝጥቅዑኸ፦

“ዓሻ ወዲ-ቀሽስ ኣምላኽ ሓወቡኡ ይመስሎ” ክብል ብምስላ ኣሰንዩ ነበረ ነስረዲን ንክቐትሎ ዝመጾ ዶ/ር በረኸት ብሃረ ርታ ዝተቐበሎ። ከምቲ ትረኻኡ ክልቲኦም መተዓብይትን ኣብ ሙሉእ ሂወቶም መጓዕዝትን ኢዮም። ስለዚ ጽንተትና ብ ዘይጥርጠር ሰብን ኣገባብን ማለት ብመገዲ ሕ/ሰባዊ ዝምድናታትና ከም ኩሉ ዓይነት ስጋዊ ዝምድናታት፡ ዓርኪ መሓዛ፡ ስድራ-ቤታዊ ጥምረት፡ ዝኣመሰሉ ጥቡቓት ርክባት ንሓደጋ ከምዘቃልዑና ነበረ ከረድኣና ዝፈተነ። ስድራ ተጓንያ!!!

ትዕዝብቱ ሓቂ ምበልናዮ። ምኽንያቱ ሰብ ካብ ሰብ ተነጺሉ ኣይነብርን ብምዃኑ። ሰብ ብሰቡ ድማ ደረጃታቱ ምፍላይ ጉቡእ ባህሪ ሰብ ስለዝኾነ። ግናስ “ሰብካዶ ንጥፍኣትካ ክንድኡ ይዕጠቕ ኢዩ?” ትብሉ እንተሊኹም ዘመነ-ህግደፍ ልክዕ ዘመነ-ኣካሑዳ ተቐይራትሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ከምቲ ዝኣመንካያ ድሙ ክትበልዕ ክትብል ተመን ተምጻኣልካ፡ ሰብ ንክነብር ሰብ ክበልዕ ከምዘለዎ ኢና ንርኢ ዘለና። ዝኾነ እንስሳ ናቱ ዘርኢ ከምዘይበልዕ ንካታዕ እንተዄንና ብነገር ዓሳ ክንርታዕ ንኽእል። የግዳስ ዓቢ ዓሳ ንንእሽቶ እንተወሓጦ ቅንጣብ ከየዛርበና ይኽእል። ሰውራ’ውን ከምታ ደቃ ትበልዕ ድሙ ይ ምሰል ነይሩ’ዩ። እንተኾነስ ሽዑ ነቲ ኣንጻር ገዛእቲ ይኽፈል ንዝነበረ መስዋእቲ ድኣምበር ነቲ ምእንቲ ዝፋን ውልቀ-መ ላኺ ንምዕቃብ ተባሂሉ ካባና ናባና ዝወረደ ቅዝፈት ንምጉልባብ ኣይነበረን። ዝኾነ ኮይኑ ብጭቡጥ ንምዝራብ እቲ ኣባ ልነት ስዉር ፖለቲካዊ ውደባ ካብ ዘበርከቶ ሃገራዊ ዕማም፡ ዘማዕበሎ ምልክን ዘባደሞ ሃገራውነትን ከምዝኸፍእ ደሚቑ ልና እንሆ። ኮይኑ ከኣ ሎሚ ወዮ ገስረጥ ፖሊሲ ስዉር ሰልፊ ቁጠባናን ሰብኣውነትናን ኣልሚሱ ሰብ ብተስፋ ናይ ምኢ ትን-ሓምሳን ሽሕ ናቕፋ፡ ብመብጽዓ ናይ ኣብ ሰማይ ዘሎ ደመና፡ ብፎርማሊን ወይ ብመሰሉ ክሳብ ሰብካ ምኽምባል ብ ዝዓይነቱ ውርደተኛ ትእዛዝ ፖለቲካ ኢሳይያስ ሰብና ይበርስ ኣሎ።

ከምኡ ዝተደልየሉ ምኽንያትን ምስጢሩን ከድኣ እንታይ’ኮን ይኸውን?

ገሊኦም መምሰልቲ፡ ገሊኦም መመኽነይቲ፡ ካልኦት ሰብ ስዉር ዓላማ ኣለዉ’ንድዮም፡ ብዙሕ ምስምሳት ከኣ ይስማዕ ኣ ሎ። ዋላ’ኳ እንተዘይከኣልዎ ገሊኦም’ሞ ነዚ ግሁድ ጽንተት ልክዕ ምስ ምጽሃይን ምጉልጓልን ዝኣመሰለ ዓይነት ምጽራይ ከምስልዎ ይፍትኑ። ኣብ ዓለም ከም ኩሊት፣ ጸጉሪ፣ ደም፣ ዝኣመሰለ ኣካላቶም ሸይጦም ዝነብሩ ሰባት ከምዘለዉ፡ ስለዚ ኣብ ኣስመራ ዝተሸጠ ኣካላት እንተተራእየ’ውን ከም ንቡርን ብምርጫ ከምተገብረን ክመስል ብዙሕ ተጠቢቡ። ሰብ ብ ፍታዉ ንሰቡ ዘወፍዮ ክፋል ኣካላቱ ንቡር ምዃኑ መዓስ ጠፊእና! ግናስ እቲ ንቡር ኣብ ሃገርና ኣንፈቱ ይስሕት ምህላዉ ኢዩ ዘዛረበና። ከምቲ መሸጣ ቆጽለ-መጽሊ ንቡር ኮይኑ ዘሎ፡ ኣብ ሕክምናታት ከኣ “ካብ ብሃንደበት ዝመተ መንእሰይ ዝተወፈየ” እናተባህለ ዝሽየጥ ዕዳጋ ኣካላትና ዓሚሩ ከይንሰምዕ ምሒር ንስከፍ! ከምገለ ኣውያት ዜጋታትን ክስማዕ ድ ማ ኩሉ ነገር ሓሶት ንምምሳል ዘይብልዎን ንምቕባሩ ዘይፍትንዎን ነገር የብሎምን እዞም ውዱባት ህግደፍ ደቂ እኖና።

ዓላማ’ዚ ኩሉ ዝግበር ዘሎ ዕንወት፡ ሃገርና ልክዕ ከምተን ህዝበን ዝስደድ ዘሎ ‘ሕዙኣት’ ሃገራት ስለዝተቖጽረት’ያ። ትማ ሊ ናጻን ምዕብልትን ሃገር ክንርኢ ዝተመነና ህዝቢ ሎሚ ንናይ ወጻኢ ፖሊሲ ብዝሓንገረ መራሒ ብሃገራ ተቐፊዳን ዝሰ ምዕ ሰባ ክጉያሕን ይርአ። ሓቁ ንሱ እናኾነ ኢሳይያስ ዝበለጸት ሃገር ክሃንጽ ሓያል ጥሙሕ ከምዘለዎ ተመሲሉ ዝነፍስ ፖለቲካ ድማ ኣሎ። ስለኡ ብሰሩ ወዮ ሃገራዊ ጽንተት ከም ወግዓውን እዋናውን ምርጫ ዓይነት ቃልሲ ጃንዳ ህግደፍ ኣ ብ ተጸብጸበሉን ምስጢሩ ኣብ ዘተገልሃሉን ብልሽውና ከም ንቡር ተጸብጺቡ ክሳብ እቶም ኣብቲ ቤት-ማእሰርትታት ዘለ ዉ እዙዛት ፈጸምቱ ከይተረፉ ንግዳያት ንምፍርራህን ብኡ ተመኹልዮም ጉቦ ንምብላዕን ብዘይ ስኽፍታን ብጋህድን “ክ ትውጋኣ ኢኻ” ብማለት ሞቶም ከምዘርድኡዎም ክስማዕ ብልሽውናን ጥልመትን ግዳም ወጺኡ ንኤርትራውነት ዝፈታት ን ሕቶ ኮይኑ ምህላዉ እሙን ኮይኑ እንሆ። እቶም ግዳያት ከይተረፉ መን ከምዝኽምብሎም ካብ ምግማት ዓዲ ከምዘይ ውዕሉን “ዝቐደመ ኣይኽፋእ” ካብ ዝብል ዝኽቱም ስምዒት ገለ ዕምሪ እንተወሰኹ ብላዕ ከምዘስንቑን በጺሕናዮ። እናለ እቲ ክፉእ ምሒር እንተሓሊፉ ንቡር ከምዝቑጸር በቲ “ኣንታ ወዲ ሓወይ፡ ሎሚኸ ኣይገበርካላን” ካብ ዝብል ዋዛ ቃል ግዳይ ኣቶ ኣላይ ክንርድኦ ንኽእል። ኣላይ ብሂወት እንተልዩ ድማ ንናይቲ እዋን ጥሉቕ ስምዒቱ ካብ ቃሉ ክስማዕ ክሳብ ክንደይ ከምዘቐንዙ ክገልጸልና ኢዩ።

ምናልባሽ ድማ “ኣብዚ እዋናዊ ርሱን ኩነት፡ ሃገር ኣብ ትበኽየሉ ዘላ እዋን “ተራ መንእሰያት እንታይ ክኸውን ኣለዎ?” ክ ትብሉ ትኽእሉ። ንሱ’ሞ ህግደፍ ያኢ ብሓድሽ መሃያ ክድብሶም ይመባጻዕ ብምህላዉ ብዓሻ ተስፋ ክሳብ ኣቡኡ ብዘፍለ ጠ ሰውራ ናይ ሸፋቱ ስለዝነበረ ከምዚ ኣብ ሃገረ-ሶርያ ኣብ ቤተ-ክርስትያናትን ቤተ-መዘክሩን እንርእዮ፡ ንምስልታት ሰ ውራ ከብርስዎ ከምዘለዎም ተዓሊሞም ዝተሰዱ ከምዘለዉ ዝገልጹ ኣለዉ። ብኡ ዝጀመረ ተስፋ-ቆረጽነት ብስም ኣብ ኢቲዮጲያ ተገይሩ ተባሂሉ ግንድማ ክንዲ ጥምረት’ቶም ተቓወምቲ ንዘይሰጥሙ ክሳብ ምንዳድ ባንዴራ ተበጹሑ ኣሎ።

“ንኣድጊ ፈሪሆም ንጠይቂ” ይብልኹም ከምኡ ክርአ። እስከ ክሓቶም። እቲ ባንዴራ ኣቦሓጎታቱ ‘ፈትዩ’ ባንዴራ ኣቦታቱ

ዘንደደ መንእሰይ ምርጫኡ እንተኾይኑ ቃል-ቃል የብላ! ግናስ ትሕዝቶን ፍልልይን ክልቲኤን ባንዴራታት ይፈልጥ ዲዩ? ይፈልጥ እንተኾይኑ መልእኽተን ብግብሪ ብዘይምትርጓሙ ከምዘይዓገበ ክቑጣዕ ንቡር ምኽንያት ቃልሲ ከምዝኾነ እን ተኣሚኑ ንለውጢ ምቕላስን ናይ ባዕሉ ክትህልዎ ምውጣንን’ምበር ኣብ ባዶ ኢድ ካብ ምንዳድ ባንዴራ እንታይ ተጠቒ ሙ? ንምዃኑ ብተዘዋዋሪ መገዲ መሳርሒ ናይቲ ‘ይቃወሞ’የ’ ዝብሎ ስርዓት ከምዝኾነ ተረዲእዎዶ ይህሉ? እንተ’ቲ “ን ህግደፍ ስለዝተንከፍናሎም ኣጉሪዖም” ዝብል ምስምስ’ሞ ወሸለ’ንዶ ኣይረፋትቱዋን ንህግደፍ!

ግናስ ነገር ንእስነትን መዘናን ብገለ ክኢላታት መሳትኹም ትርር ዝበለ መልሲ ኣጓኒፍኩም ይኸውን’ምበር ብወገነይ ከም ዜጋስ ክሳብ ክንድኡ ክንረሓሓቕ ከኣ ኣይፍታወይን ኢዩ። ከምኡ ዘበለኒ እኹል ምኽንያት ኣለኒ። ብውሑዱ ኣነ ወላድን ኣቦን ኢየ። እንተኾነስ ኣነ ወላዲ ክኸውን ግድን ድማ ንስኻትኩም ውሉዳት ኩኑኒ መናእሰያት ሓደራኹም ኣይትዓሽዉ!

ዕላልና ብዛዕባ’ቲ ብሰነድ ሞት እሱራት ዝተገልጸ መስርሕ ሃገራዊ ጽንተት ኢዩ። ሰብና ኮነ ተባሂሉ ኣብ ኣገልግሎትን ቤ ት ማሕቡሳትን ይዳጎን ኣሎ። ከምሳዕቤኑ እዚ ህንዱስ ቅትለት ምስተቓልዐ ብናይ ሓሶት ምስክር ሞት ክድበስ ይፍተን ኣሎ። ዝኾነ ኮይኑ ስርዓት ህግደፍ ብፍላይ ድማ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ገይሩ ከምዘይገበረ ከም ሓደ ወረጃን ተፈታውን ኣብ ህዝቢ ክስኳዕ ክፍትን ምሒር ይዕሾ ከምዘሎ ፍሉጥ ኮይኑስ ከኽፋኣሉ። እታ ዘገልግላ ትመስሎ ዓለም ‘ውን ከምቲ ንሱ ዝሓስቦ ኣይክተገልግሎን ኢያ።

ብምኽናያት ገልገለ-መስቀለ – ድሓን ተቐልቀለ፡ ድሮ ሓንቲ ነፊራ ኢያ’ሞ ዕስራን ኣርባዕተን ናይ “እንኳዕ ኣብጻሓካ ክቡ ር ፕረሲደንትና” ሰላምታ ዕሱባቱ ይጽብጽብ ይህሉ ፕረሲደንት ኢሳይያስ። በቲ ካልእ ድማ ንሱ ኣብ ዓዲ ሃሎኡ ዓስኪ ሩ ብሙሩጽ ወርቃዊ ቃላት ዝተጻሕፈ ሰነድ “ሃገራዊ ምስክር ሞት” ኣዳልዩልና ኣሎ።  ——  ንኺድ ጥራይ!!

ወዲ ከበደ ምስጢር ከይዛረብ ከምዘጠንቀቖ ዝገለጸ ተራኺ ኣስዒቡ ‘ንጥፈታት ልብን ሳንቡእን ደው ምስበለ መይቱ!’ ዝ ብል ምስክር ሞት፡ ንገለ ምስ ሞተ ይጻሓፈሉ፡ ንገሌና ድማ ቅድሚ ምማትና ይጻሓፈልና” ምባሉስ ስምዒትኩምዶ ፈሓ ሒርኩም ሓቀይ?

በሉ ሰነድ ሞትና ብደውና ድሮ ተሰኒዱ ይጽበየና ካብሃለወ ሃየ ፈዘዝ-መዘዝ ከይበልና ጉድጓድና ንጋደም ወይ ንኣባይና ነቐድሞ!

ሰናይ ሓድሽ ዓመት!!

ጎደፋ፡

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT