ሰብ ኒሕን ሓቦን!
ኣበለኻ ኤርትራዊ ዜጋ ፡ ታሪካ ሕድሶ፡ ውራይካ ኣሳላስል እለዮ ቀልሶ፡ ገዲፍኻዮ ኣይትእቶ ጽባሕ ትምለሶ፡ ጸበባና ነርሁ ኣፍዴጌና፡ነርሑ፡ ብቕንዕና፡ልቢ፡ ንስራሕ፡ምዝሰርሑ፡
ኣበለኻ ኤርትራዊ ዜጋ ፡ ታሪካ ሕድሶ፡
ውራይካ ኣሳላስል እለዮ ቀልሶ፡
ገዲፍኻዮ ኣይትእቶ ጽባሕ ትምለሶ፡
ጸበባና ነርሁ ኣፍዴጌና፡ነርሑ፡
ብቕንዕና፡ልቢ፡ ንስራሕ፡ምዝሰርሑ፡
ኣባጊዕና ይብላዓ ኣኽላባት ይነብሑ፡
ናትናዩ ነገሩ ጸሊሙ ቀይሑ፡
ጉዕዞ ንሓርነት ከብቅዕ፡ሕሰሙ፡
ሰላምና ክትሰፍን፡ ዘመን ጠጥዕሙ፡
ሞሳ ሱዋአትና ዱሑሩ ቅዱሙ፡
ኒሕና ንታዓጠቅ ከጥዕመልና ሺሙ፡
ዘይቀንእ ኣይወለድ ሰናይ ቅናኢ፡
ንዕቤት ንጹቡቕ ንመጻኣኢ፡
ንመሰል ንኽብሪ፡ ኣባታዊ፡ ወግዒ፡
ታሪኽ ነዊሕ ጉዑዞ ህያው ምስክርና፡
ገድልን፡መስገደልን ሕልኽላኽ፡ሰጊርና፡
ሞባእ ንሰላምና ቡሉጻት፡ከፊልና፡
ናጽነት ሓርነት፡ ዜማዊ ቃናና፡ሰብ ያታ”ሰብ ዝና፡
ኣብ 1991 ማዕርፎ፡ብረታዊ፡ ቃልሲ፡
ስዕረቱ ጸላኣኢ፡ጠጠው፡ኢሉ ተኹሲ፡
ብጉቡእ ክኹስኮስ ዝተተኽለ፡ፈልሲ፡
ዮሃና ኣሰና ኤርትራዊ መልሲ፡
ወራዩ ክጽንብል፡ ክዕጠቅ፡ከሳሲ፡
ናይ፡ ዮሃና ሰቲ ተነስነሰ፡ ጌና፡ከይነቐጸ፡
ዉፉር ከይ ኣተወ ከይተማራረጸ፡
ፋሕ ዝበለ ዉራይ ኣይ መርዓ ኣይ ሕጸ
ውግእ ወረ ውግእ፡ከይ፡ሓወዬ ቑስሉ፡
ንሱሙ ናጽነት፡ ጻማ ዘዬብሉ፡
ሕድሪ ሰማእታትና ተጠሊሙ ኹሉ
ዱቦላ ኾይኑዎ፡ ህብብና ብገርሁ፡
ዓይኑ እንዳ ራአዬ ምእማኑ ፈሪሑ፡
ህልቂት ድሕሪ ህልቂት ኣመና በዚሑ፡
ፋሕ ብትን ስድራ ቤት ገዝኡ፡ራሕሪሑ፡
ዘኽቲሞም ቆሉዑ ኣይ ድራር፡ ምሱሑ
ክንደይ ኢልካ ክጽብጸብ፡ ማዓቱ ሕሰሙ፡
ሓደ ድሕሪ ሓደ ድሕሩ ቅዱሙ፡
ንአዳም፡ገረሞ ዓለም፡ኣስደሚሙ፡
ሕጁ፡ግን! ይአክል፡ ይአክል፡ ንትባዕ፡ንመሰልና፡
ንፍጹም፡ሓርነት ማዕርነት ዕቤትና፡
ንሰላም እፎይታ፡ ቅሳነት ራህዋና፡
ጸገማትና ንፍታሕ ከዬእተና ጓና፡ ብህዝባዊ፡ቃና፡
ቅራና ቅራና ንጹቡቅ ምርሓና፡
ሕደግ ተሓዳደግ ሓድነት ሕቆና፡
ኪኖ ጸልማት ብርሃን ኣብ ዳራ ዓወትና፡
ሰሱኑ ሰሱኑ ሽሕን፡ዋልታን፡ኩኑ
ዋሕስ ሓድነኩም ህዝብኹም፡ኣድሕኑ
ተአከቡ ኣይትባታተኑ፡ በሲሉ፡ሎ! ኹሉ፡ኣኺሉ እዋኑ፡
ድምጽና ይቃላሕ ነጋሪትና፡ንህረም፡
ብቁኑዕ ልቦና ቃል ኪዳና ኣይንጥለም፡
በቢ ታ! ዝዓቕምና እንከይ፡በልና ሰለም፡
ታሪኽ ንወለዶ፡ብዘይ ድምሰስ ቀለም፡
ሓቦ ንበል፡ኣብ ኣጋ ምጉሑ፡
ሃገራዊ እጃም ኩሉ ሰስራሑ፡
ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ኣፍዴጌና ነርሑ፡
እኖሆዶ! ረኤ ፈገግታ ብርሃኑ ኣብቲ ስግር ማዕዶ፡
ውደባና ነጽፍፍ ንሰርሖ ንኸዶ፡ ብብልሓት ብእንዶ፡
ከይዳጋገም ታሪኽ ዝሓለፈ ሙዑዶ፡ መሊሱ፡ከይገዶ፡
ኣብ ኣጋ መወዳእታ ሎሚ ዘይ፡መከተ፡
ንመሰሉን ክብሩን ዘይመጎተ፡
እንዳ ሰምዔ እና ራአዬ እንዳ ጠመተ፡
ሃገሩ እንዳ ዓነወት ህዝባ እንዳ ጸነተ፡
ብታሪኽ ዘሕትት ነብስና ንሕተተ፡
ካብ እንታይ ጌሮም እንታይ ጌረ፡
ኣይ እከብ ኣይ ሕፈስ ወረ ወዲ ወረ፡
ብተግባር ንፈተን ንታዓጠቅ ስረ፡
ጠጡዑሙ ጽባሕ ካዚ ዝመረረ፡
ኤርትራ ናይ ዜጋታታ ብእመት ብስድሪ፡
ሓንቲ ብጺሒትና ብዘይ ኣድልዎ፡ምቕሊ
ጸላእ ሰናያትና ዝመቅል ዝፈሊ፡
ኣይንፋላለ ጸላኢና ይፈለ ንማላላእ ተረፍ ዝጎደለ፡
ንሓርነት ጉዑዞ ፍቲሒ ዘማእኸለ፡ ሕጊ ዘጣለለ፡
ሓደ ኢና ደቂ ሓንቲ መሬት፡
ትውልድና ኤርትራዊ ሰረት፡
ተጋዲልና ንመሰል፡ናጽነት፡
ሃገርና ናይ ሓባር ናይ ግልና እምነት፡
ኣስላማ ክስታናይ፡ መታሕት ከበሳ፡
ከም ቶም፡ ኣቦታትና ሓድነትካ፡ ኣንግሳ፡
ንሓልዋ ኣይኒቆራርሳ፡ ካብ ሓጥአት ኣበሳ፡
ጽባሕ ከይ ኮነና ዘይወጽእ ጣዕሳ፡ ዓሕታ ዘይመልሳ፡
ኣብ ሂወት ዘሎ ሞት!
ኣብ ሞት ዘሎ ሂወት!
ትብዓትን፡ ብቕዓን፡
ሓሞትን ምረትን፡
ቀንዱ ነገሩ ሲኒትና እንዳአሉ
ምልኪ ኣብ ቃሬዛ ይውረድ መቓብሩ
እምነትና ባህልና ዝተራኻኸሰ፡
ባይታ ነጽፍፈሉ ዎሎዶ ከይ ህሰ፡
ሰማእታትና፡ይዘከሩ!
ቃልኪዳና፡ንሓሉ፡
ብዳዊት ክ/ተስፍሚካኤል
USA,
k.tewolde October 14, 2015
Love the poem Dawit, keep it coming.
Berhe Tenesea October 22, 2015
Lovely poem. Thank you very much.
Justice will prevail sooner or later. Those who are in power illegally will be brought to justice and will pay dearly
My wish is that these people must feel feel the pain and suffer, at the hands of the mesakin people.
They must face and feel the container, and underground prisons at a very high tempreture, and the cold nights
They must treated with unforgiving cruelty .
There will be no mercy at all.
our suffering people deserve to feel the enjoyment of sweet revenge.
All of us must work hard for the day of judgment.
death to cruel mafia group,