Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰራዊት ኤርትራ፡ “ሕቶ ወዲ ዓሊ ሕቶና’ዩ” ብምባል፡ ከቢድ ሕቶታት ስለዘልዓለ፡ እቲ ስርዓት ኢሳይያስ ን ብሪጋደር ሳልሕ ዑስማን ኣኸቲሉ ናብ ምሉእ ሰራዊት ከካይዶ ጀሚሩዎ ዝነበረ ጎስጓስ ከምዝተቖጽየ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ብ21 ጥሪ 2013 ኣብ ፎርቶ ዝተኻየደ ምንቅስቓስ ሰራዊት ድሕሪ ምቝጻዩ፡ ብሪጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳን፡ ሜጀር ጀነራል ፊሎጶስ ወልደየውሃንስን ተሰንዩ ናብ ሰራዊት ዑደታት ንኸካይድ ዝተገደደ፡ ምስ ኮለኔል ወዲ ዓሊ ነቲ ምንቅስቓስ ዝመርሕ ዝነበረ ‘ሞ ዝተታሕዘ

እቲ ብ21 ጥሪ 2013 ኣብ ፎርቶ ዝተኻየደ ምንቅስቓስ ሰራዊት ድሕሪ ምቝጻዩ፡ ብሪጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳን፡ ሜጀር ጀነራል ፊሎጶስ ወልደየውሃንስን ተሰንዩ ናብ ሰራዊት ዑደታት ንኸካይድ ዝተገደደ፡ ምስ ኮለኔል ወዲ ዓሊ ነቲ ምንቅስቓስ ዝመርሕ ዝነበረ ‘ሞ ዝተታሕዘ ብሪጋደር ጀነራል ሳልሕ ዑስማን ናይ መጀመርያ ዑደቱ ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ በቶም ናቱ ሰራዊት ‘ዩ ተጀሚሩ።

ብመሰረት ምንጭታት፡ ንሱ “ ናይ ፎርቶ ስርሒት ተጋጊና ኢና ኣጋጊናዮምና እዮም” ኢሉ ዘረብኡ ብምጅማር፡ “ወዲ ዓሊ ኣብ መትከሉ እዩ ተሰዊኡ” በለ፡ ቀጺሉ፡ “ ኣነ ግን ንመን ንሕሾ ኢለ ክስዋእ ኣይመረጽኩን፡ ነቶም ዝጋገዩና መን ከቃልዖም” ብምባል፡  ነቶም ዝጠለሙ ንኹሎም ከቃልዕ ሙኻኑ እዩ ሓቢሩ።

ይኹንእምበር ሰራዊት ከበድቲ ሕቶታት ብምልዓል፡ “ሕቶ ወዲ ዓሊ ሕቶ ኩላትና እዩ፡ እቲ ሕቶ ሕጂ’ውን ኣብ ቦትኡ ዘሎ፡ ብምባል ብትብዓት ሓቲቱ። ሜጀር ጀነራል ፊልጶስን ብሪጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ከኣ ኣዝዮም ስለዝሰንበዱ፡ ብዘይ ዝኾነ መልስን ዘረባን ኣብ ሓጺር እዋን ነቲ ኣኼባ ኣቋአኢጾም ናብ ኣስመራ ተመሊሶም። ንኢሳይያስ ከኣ፡ “በዚ ንገብሮ ዘለና ባዕልና ካልኣይ ናዕቢ ኢና ነልዕል ዘለና፡ እዚ ዑደት ክግበር የብሉን” ኢሎሞ። ኢሳይያስ ብወገኑ፡ ርእይቶኦም ተቐቢሉ ነቲ ኣብ መላእ ኤርትራ ናብ ኩሉ ክፍለ ሰራዊታት፡ ክግበር ወጢኑዎ ዝነበረ ናይ ጎስጓስን ፕሮፖጋንዳን ዑደት ደው ደው ከምዝበል ገይሩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
65 COMMENTS
  • NEW HOPE ERITREA May 22, 2013

    ¨¨ከፊኡኒ ናፊቐያ ኣምጽኡለይ ነደይ
    ባርያ ናጽነት ምዃን እንታይ ክዓብሰለይ¨

    ኣይደልያንየ ካብ ቅድመይ ኣርሕቕዋ
    ካብ ቀደሙ ከይትፍጠር ተበዪኑ ´ንድዩ ተጻሒፍዋ
    ብሽፍታዊ ገበን፣ ብሸቐጥ ደም፣ዘዔወቱዋ
    ተካል ባንዴርኣ፣ናይ ዛር ቆለ ንየው በልዋ
    ዘይበልዎ ዝገብር ወዲ ማይቅነጣል ዓድዋ
    ዝምርቕ ኣምሲሉ ብፌርማ ረጊሙዋ
    ካንሰር ምዃና ፈሊጡ ቀልጢፉ ቀንጢብዋ
    ካብ ሕቝፊ ኣዲኣ መንዚዑ ንሸፋቱ ሂብዋ
    ክኸሶ እየ__ ምስ ከድኩ ኣብታ ንሱ ዘለዋ።

    ሰበይትኻ እናወቓዕካ የለን ጾታዊ ማዕርነት
    ሰይጣውንቲ እናምለኽካ ኣይእቶን ገነት
    ኣብ ሲናይ መቐመጫኻ እናተጋህሰ የለን ስብእነት
    ከመይ ኢልካ ድኣ ብ ሸፋቱ ይርከብ ራህዋ__ነጻነት ፧
    ሳላሳ ዓመት ተኾስቲርካ ዶ ትገዝእ ባርነት
    ራህዋ ደርቢኻ ዶ ይሕቈፍ ክሳራ ስእነት
    ካብ ኩሉ ዝኸፍኤ እዩ ናይ ሓንጎል ድኽነት
    ዓለም ኣይትጋገዩ፣ንሕና ኤርትራውያን__ንኹንኩም ኣብነት።

    ናፊቐዮም እኒ ኣበበ እኒ ኣለሚቱ ስኳር
    ኤርትራ ህዝባችን ነው ወንድም ኣካል
    ኢሎም ደሞም ዘፍሰሱለይ_ሂወተይ ንምስትኽኻል
    ሽፍትነት መረጽኩ በረኻ ምሕካል
    ውጽኢቱ እንሆለ፣ኮንዶም ግብጺ ኴንካ ምውካል
    ኩሊተይ ይሽየጥ ኣብ ካይሮ ሆስፒታል
    እዚ እዩ ትርፉ፣ኣእምሮ ዘይምዕዳል።

    ጣልያን ነጊሩኒ እዩ ከም ዘይኮንኩ ትግራዋይ
    ምግቢ ኣስቃጥላ ምስ ደርበየለይ ጥሜተይ ንምሕዋይ
    ሲ ቫቤነ በልኩ ____ብዘይ ምጥውዋይ
    ሙሶሊኒ ፈትዩኒ ጸባ ኣቺ ኣስትዩኒ ከም ባምቢኖ ማማይ
    ማኛ ቀሊቡኒ ከም ከልቢ ቦቢ ተቐይረ ኦሮማይ
    ህዝበ ትግርኛ ተባሂለ ደቂ ኣኽሱም ዓዲግራት ባይ ባይ
    ንስኹም ማዕብሉ ኣነስ ተቛጺረ እየ ምስ ናይ ኣይሂ ማይ።

    • Kabbire May 23, 2013

      ገለ ሰባት ግጥሚ ክጽሕፉ ኸለዉ ቃላት ምስኳዕ ዝመስሎም ኣሎ። ናትካ ተውህቦ ግን ቃላት ምግጥጣም ጥራይ ዝይኮነስ ሓሳባትን እዋናዊ ኩነትን ብዝቐለለ ምግላጽ እዩ። ከምዚ ናትካ እቶም ዝነፍዑ መማህራን ጥራይ እዮም ዝኽልዎ።

      “ሽፍትነት መረጽኩ በረኻ ምሕካል
      ውጽኢቱ እንሆለ፣ኮንዶም ግብጺ ኴንካ ምውካል
      ኩሊተይ ይሽየጥ ኣብ ካይሮ ሆስፒታል
      እዚ እዩ ትርፉ፣ኣእምሮ ዘይምዕዳል።”

    • gidewon May 24, 2013

      “ዘይበልዎ ዝገብር ወዲ ማይቅነጣል ዓድዋ
      ዝምርቕ ኣምሲሉ ብፌርማ ረጊሙዋ
      ካንሰር ምዃና ፈሊጡ ቀልጢፉ ቀንጢብዋ
      ካብ ሕቝፊ ኣዲኣ መንዚዑ ንሸፋቱ ሂብዋ
      ክኸሶ እየ__ ምስ ከድኩ ኣብታ ንሱ ዘለዋ።”

      Pure talent!

  • NEW HOPE ERITREA May 24, 2013

    Kabbie & Gidewon…

    Thank you for being gracious.

  • Biniyam hagos May 25, 2013

    New hope ata togar misakum dea mistom ab alem zikefe timet zelewom kinnebr. Ata srah yeblkan diu come to eri I will send you to demhit the real hope of tigray. Misom yhsheka

Post a Reply to NEW HOPE ERITREA Cancel Reply