ርእይቶይ ብዛዕባ መጽሓፍ ኣቶ ሑሩይ ተድላ ባይሩ – ብ በረኸት ካሕሳይ.
'Eritrea and Ethiopia: A front row look at issues of conflict and the potential for a peaceful resolution ('ንጹር ጠመተ ኣብ ጉዳይ ግርጭታት ኤርትራን ኢትዮጵያን: ተኽእሎ ሰላማዊ ፍታሕን) ዘርእስታ መጽሓፍ ብ ኣብ ስቶክሆልም፣ ስዊድን ዚቕመጥ
‘Eritrea and Ethiopia: A front row look at issues of conflict and the potential for a peaceful resolution (‘ንጹር ጠመተ ኣብ ጉዳይ ግርጭታት ኤርትራን ኢትዮጵያን: ተኽእሎ ሰላማዊ ፍታሕን) ዘርእስታ መጽሓፍ ብ ኣብ ስቶክሆልም፣ ስዊድን ዚቕመጥ ገዲም ተጋዳላይ ሑሩይ ተድላ ባይሩ ብቋንቋ እንግሊዝ እተጻሕፈት ኢያ። ብኣገላልጻ ጸሓፊ፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ሰፋሕ ብዙሕ ጻዕሪ እተገብረላ ኮይና፡ንጉዳያት ተርእዮታት ግጭታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ 1941 ክሳብ 2011 ዘጠቓለለት፡ ንሰላማውን ዕጥቃውን ቃልሲ ውድባት ኤርትራ ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያን፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ መን ዓብለለ ብዝብል ቁሩቁስ ዘካየደኦ ዘይሓላፍነታዊ ኵናት-ሓድሕድን ብመጽናዕቲ እትድህስስ ኣብ ናይ ሓቂ ነዊሕ ውልቃዊ ተመክሮን ዕቱብ ትንተናን እተመርኰሰት ኢያ። ዑምቀትን ትሕዝቶን እዚ ህያውን ሓቅነቱ ዘይተጀለሐን መጽሓፍ፡ ላዝኡ ከየጥፋእኩ፣ ግዜይን ዓቕመይን ከም ዘፍቀደለይ፣ ይሕግዝ ኢዩ ዝብሎ ገለ ኣገደስቲ ንክትዕ ካብ ዝቐረቡ ሕቶታት፣ ፍሉይ ርእይቶ-ሓሳባትን (perspectives) ከምኡ’ውን ብጥንቃቐ ዝተቐመጡ ርጡባት ዝመስሉ መደምደምታታት ጸሓፊ፣ ብነቐፌታዊ ጽሑፍ መልክዕ ነቲ ትንተናን ግንዛበን ንምግምጋም ብማለት ብቋንቋ ትግርኛ ርእይቶይ የቕርብ ኣለኹ።
እዛ 308 ገጻት ዝሓዘት ብሓያሎ ኣሳእልን ሓደ-ሓደ ሰነዳትን እተሰነየት መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ቀረባ ግዜ ተሓቲማ ንህዝቢ ተዘርጊሓ ኣላ። ኣቐድም ኣቢሉ ‘ውን ትካል ምሕታም መጽሓፍቲ The Red Sea Press ድሮ ሓጺር ጹሟቕ ትሕዝቶ መጽሓፍ (blurb) ኣቶ ሑሩይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዘርጊሑ ስለዝነበረ ብምክትታል፡ ንኸንብባ ኣዚየ ተሃንጠኹ፡ ከመይሲ እቲ ኣርእስቲ ሓያልን ኣገዳስን ኮይኑ ተሰሚዑኒ። እዛ መጽሓፍ “ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ተርእዮታት ግጭት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢዮጵያን ትድህስስ፣ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሕብረተ-ሰብ ዝጸንሐ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ምፍሕፋሓት ብምምርማር ኢያ።’’ ኩሉ ካብ 1941 ክሳብ 2011 ዝተኻየደ ግጭታት — ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ይኹን ዶባዊ ግጭት ናይ 1998-2000 ከምኡ`ውን ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልሲ ኣንጻር ዲክታቶርነት ኣብ ኤርትራ “ንማእከላውነት ናይዚ ዚካየድ ዘሎ ተርእዮታት ተረጋግጽ።”
ካብ ዘገርም ነገር፡ሓንሳብ፡ ብፍላይ ኣብ ምዕራፍ ሓደ ብዛዕባ ተራ ስድራ-ቤት ባይሩ ዑቕቢት (ኣቦን ኣቦ ሓጎን ጸሓፊ) ኣብ እምቢታን ቃልሲ ምዕቃብ መሬታዊ ክልን መንነትን (A family of irredentists) ኣብ እዋን መግዛእቲ ጣልያን ኢሉ ኣጉሊሑ ገሊጽዎ ዘሎ ጸሓፊ ከተንብቦ ምስ እትጅምር ካብ እትግምቶ ንላዕሊ ፍጻሜታት ወይ ዛንታታት ክቕልቀሉ ይጅምሩ እሞ ነታ መጽሓፍ ኣቐምጣ ኣይመጻካን። ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ጸሓፊ ካብ 1946-1959 ዘተኮረ እኳ እንተኾነ፡ ንዕኡ ተኸቲሉ ከኣ ኣዝዩ ብዙሕ ቅድሚ ሕጂ ዝተነግረን ዘይተነግረን ኣርእስታት፡ጉዳያትን ፍጻሜታትን ብኻልእ ሓድሽ ጠመተ ወይ ኣቀራርባ ዝመስሉ ጉዳያት ፖለቲካዊ ተሞክሮታት ኤርትራ ናይ 1940ታት ይትንትን። ጸሓፊ ነቲ ዝነበረ ኣተሓሳስባ፡ ድራኸ ከምኡ ‘ውን ዕላማ፡ወዘተ ብመንጽር ዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት እቲ እዋንን፡ ተራ ናይ ባዕዲ ሓይልታት፣ ብፍላይ ድማ ኣሉታዊ ግደን ጽልዋን ምትእትታው ወተሃደራዊ ምምሕዳር ብሪጣንያ ኣልዒሉ ይመራመር ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣገላልጻ፡ ጸሓፊ ሕብእብእ ብዘይብሉ መገድን፡ ናይ ከም በዓል ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ መጽሓፍ ‘ኣይንፈላለ’ ተወኪሱ እንዳ ጠቐሰን እናኣነጻጸረን፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ከም ልሙድ ተወሲዱ ‘ማሕበር ፍቕሪ ሃገር’ ብ ሓልዮት ኢትዮጵያ ተመስሪቱን ይምወልን ነይሩ ንዝብል ተረድኦ ብመርትዖታት ኣሰኒዩ በዲህዎ ኣሎ። ‘ማሕበር ፍቕሪ ሃገር’ ኣብ 1941 ብነጻ ድሌት ንምስሊ ብዙሕነት ኣካናውና ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ብዘንጸባርቕ ኣገባብ ብተበግሶ ደቂ-ሃገር ዝቖመ (ብክርስትያንን ኣስላምን፡ወዘተ) — ኣመሳስርትኡ ከኣ እቲ ስም ማሕበር ከም ዘመልክቶ ኡኩብ ድምር ናይቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ሕሉፍ ጽልኢ መሪር ፋሽሽታዊ መግዛእቲ ጣልያን ዝነበሮም ድሕረ-ባይታ ተቓለስቲ ሓርበኛታት ደቀባት (irredentists)፣ ከም ኣቦ ሓጎ ጸሓፊ ዝኣመሰሉ ኢዮም ነይሮም ኢሉ የረድእ። ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ካብ 1941 ጀሚራ ንባዕላ ኣብ ትሕቲ ጽግዕተኝነት ብሪጣንያ ሰለዝነበረት– ኣብ ምምስራት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ምንም ክትጸልወሉ ዘኽእላ ዓቕሚ ይኹን ዝምችእ ሃዋህው ኣይነበራን፡፡
ካልእ “ዋዕላ ቤት-ጊዮርጊስ ብሽርሒ ‘ማሕበር ኣንድነት ተበታቲኑ” ንዝብሉ ዝጸንሑ ልሙዳት መወከሲ መጽሓፍቲ ምስ ካልኦት ሓበሬታት ኣብ ጭብጥታት ዝተሞርከሰ መጽናዕትን ምርምርን ጸሚዱ እንደኣወዳደረን እንደኣዛመደን (compare and contrast) ክሙጉቶም ይጸንሕ እሞ፡ ተመሊሱ ድማ “እቲ ሓቂ ከምኡ ዲዩ ነይሩ ደኣ?” ኢሉ ሕቶ ወስ የብል። ኣብዚ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ኤርትራ ንምውሳን ሉኡኻት 4 ሓያላን ናይ ኪዳን ሓይልታት ንኤርትራ ኣብ ኣብ ዝመጽሉ እዋን፣ ሓደ ኮይንና ንግጠሞም ኢሉ ዝተጸውዐ ናይ ምምኽኻር መኣዲ ዘተ፡ ካልኣይ ዋዕላ ኣብ ሕዳር 1946 እሞ ድማ ዝፈሸለ፡ “ብሰንኪ ገለ ካብ መንጎ መስረትቲ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ዝነበሩ ድሒሮም ግን ማሕበር ትግራይ ትግርኚ ዝመስረቱ ዘልዓልዎ ሕቶ: መደብ ምፍጣር ሃገረ ትግራይ – ትግርኚ ኢዩ” ዝብል መርገጽ እምንቶ ጸሓፊ።
ብሪጣንያ ንናህሪ ህቡብነተን ሰዓብነትን ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ንምቑጻይ ኢላ — ልክዕ ከምቲ ብማህተማ ጋንዲ ዝምራሕ ዝነበረ ምንቅስቓስ ኮንግረስ ፓርቲ ህንዲ ንምኽታም መግዛእቲ ዝጠልብ ንምጉዝዛይ ኢሎም ኣልራቢጣ ኣልኢስላሚያ ናይ መሓመድ ዓሊ ጂናሕ ኣብ ምፍጣር ዝተዋስአት ኣብ ኤርትራ `ውን ከምኡ ገበረት– ሓድነት ክርስትያን ኣስላም ኣብ ውሽጢ ማሕበር ፍቕሪ ሃገርን ኤርትራን ንስባር ኢላ ። ምስዚ ኣተኣሳሲሩ ጸሓፊ፣ “ዋላ እኳ ብሪጣንያ ከምቲ ኣብ ህንዲ ዝገበርዎ፣ ኣልራቢጣ ኣልኢስላሚያ ኣብ ኤርትራ እንተፈጠሩ፣ እንተኾነ ግን ናይ ኤርትራ ቅዳሕ ፓኪስታን ክፈጥሩ ምንም ኣይከኣሉን።” ትልሚ ብሪጣንያ ሕንፍሽፍሽ ፈጢርካ፣ ነቲ ዝድንፍዕ ዝነበረ ንቕሓት ሃገራውነት ንምድኻም ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት፣ ብነሓሰ 1946 ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ ቅትለት ኣብ ልዕሊ 50 ንጹሃት ኤርትራውያን ክርስትያናት ብሱዳናውያን ወተሃደራት ኣብ ኣስመራ፡ ብሰላሕታ ኣቐዲሙ ዝተወጠነ እከይ ተግባር ብሽርሒ ብሪጣንያ ምንባሩ ይበርሃልካ። “ነቲ ዝተፍጸመ ህልቂት ብምቅዋም ተደላ ባይሩ ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ናይ ስራሕ መዝነቱ ምስ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ብሪጣንያ ለቒቑ። ምስዚ ተረኽቦ ጃምላዊ ቅትለት ተኣሳሲሩ ገለ መንእሰያት ብዘበገስዎ ነብሰ ምክልኻል፤ ከም ግብረ-መልሲ ኣብ ኣስመራ ምትእኽኻብ ክገብሩ ተገደዱ። ይኹን ‘ምበር እዚ ምንቅስቓስ በብቕሩብ ናብ ምሉእ ውህደት ምስ ኢትዮጵያ ዝጠልብ ማሕበር ኣንድነት ተለወጠ” ኢሉ የረድእ።
“መደብ ወይ ዕላማ ናይ ምንቅስቓስ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር፤ ኩነታዊ ሕብረት ዝጠልብ — ርእሰ-ምምሕዳር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መቓን ንግስነት ኢትዮጵያ ኮይኑ; ክሳብ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ወይ ሓራካ (ማሕበር ሸውዓተ) ብ 1958 እትምስረት፡ ዋላ ሓንቲ እኳ ካብተን ቅድሚኣ ዝነበራ ፖለቲካውያን ማሕበራት ወይ ሰልፍታት ቅጽበታዊ ነጻነት ሃገር ዝጠልብ መደብ ዝነበራ ኣይነበረትን” ምኽንያቱ፡ “ካብኣተን ንሰለስተ ገዘፍቲ መምዘኒ ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ መለክዒ ከም: 1. ሓድነት ህዝቢ ምሕላው ፡ 2. ቃልሲ ጸረ- ህልውና ባዕዳዊ መግዛእት ምክያድን 3. ዘይኩነታዊ (unconditional) ፡ ቅጽበታዊ ሉኡላውነትን ነጻነት ሃገርን ምሉእ ብምሉኡ ጠለባት ዘረጋግጽ ካብ መንጎአን ኣይነበረን” ኢሉ ጠቒስዎ ኣሎ። ከምዚ ኢሉ ከኣ ኣብ ኤርትራ መንግስታት ብሪጣንያን ከምኡ’ውን ኢጣልያን ዕላማታቶም ንምውቃዕ ዘኽእሎም ባይታ ንምርካብ በብወገኖም ብግብሪ ይሰርሑ ኣብ ዝነበርሉ 1940ታት “ነተን ደሓር ሰልፍታት ቀጽሪ ናጽነት ዝተሰምያ ይምውልወን ነበሩ። ንኣብነት፣- ብወገን ኢጣልያ ንሰልፊ ሓዳስ ኤርትራ – ሻራ ኢጣልያን፣ ማሕበር ኤርትራውያን ኢጣልያውያን ከምኡ’ውን ብሪጣንያ ነተን ናታ ሞግዚትነት ንዓሰርተ ዓመት ይሃሉ ዝብላ ዝነበራ ከም ሊበራላዊ ገስጋሲ ስልፊን ኣልራቢጣ ኣልእስላምያን ይምውላን የተባብዓን ነበራ” ካብዚ ሓሊፋ፣ ብዓሊ ርዳይ ዝምራሕ ኣልራቢጣ ኣልኢስላሚያ ምዕራባዊ ቆላ– ሰንሒት፡ባርካን ሳሕል ናብ ሱዳን ክጽንበራ ዝብል ኤርትራ ናይ ምንጻልን ምምቃልን (partition) መደብ ዘለዎ ሰልፊ ኣብ ምምስራት `ውን ብግብሪ ደገፈት።
ናብ ርእይቶይ ክምለስ፡ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኩናት ዓለም ኣብ 1945፣ ንመጀመርታ ግዜ ፖለቲካዊ ምትእኽኻብ ኣብ ኤርትራ ፣ ኣብ እዋን መሰል ርእሰ-ውሳኔ ወይ ምኽታም መግዛእትነት (decolonisation) ኢዩ ተቐልቂሉ። እዚ ተርእዮ ማዕበል ሃገራውነት ኣብ ኤርትራን መብዛሕትአን ኣብ ትሕቲ ብሪጣንያን ምዕራብን ዝነበራ ካልኦት ግዝኣታት ሓድሽ ኣምር ይኹን ‘ምበር፣ ሃገራውነት ዳርጋ ልሙድ መለለዩ መንፈስ (ethos) ናይቲ እዋን ብምንባሩ ከስፋሕፍሕ ጀሚሩ። እዚ ከኣ ሃገራውነት ፍሉይ ዘመናዊ ተርእዮ (a distinctively modern phenomenon) ይገብሮ። በዚ ከኣ ብምምስራት ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓራካ) ኣብ 1958 ዝፈለመ ኤርትራዊ ሃገራዊ ንቕሓት ክፍጠር ከም ዝተኻእለ ይበርሃልካ።
ጸሓፊ ብዛዕባ ምውራድ መዝነት መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ኣብኡ ኣብ 1956 ኣመልኪቱ፣ ብገዛእ ፍቓዶም ምንባሩ ይገልጽ። ብመጀመርታ ግን ንዝወከሎም ህዝቢ ኤርትራ ብምኽባር ኣብ ሲነማ ካፒቶል፣ ኣስመራ ጸዊዖም ንውሳኔ ስንብትኦም ዝምልከት ቃል ኣስሚዖም። ናይ ደጃዝማች ተድላ ባይሩ ድሌታዊ ስንብታ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን ዝተገንዘቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣”ካቢነ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ንተድላ ባይሩ ስንብትኡ ክስሕብ ክልምንዎ መምርሒ ተዋህቦም፣ ይኹን ‘ምበር ድሕሪ ናይ 2 መዓልታት ልመና ተሰናበቱ።` እቲ ምኽንያት፣ መንግስቲ ሃጸይ ሃይለስላሴን ተሓበበርቶምን ንውዕላት ፈደረሽን ዝጥሕስ ብተደጋጋሚ ዘይተደልየ ተግባራት ይፍጽሙ ስለዝነበሩ፣ ብሰላም ሓቢርካ ናይ ምንባር ዝነበረ ተኽእሎ መኺኑ።” ካብኡ ነቲ ብኣስፋሃ ወልደሚካኤል ዝምራሕ ዝነበረ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ምሕዋስ ዝድግፉ፣ ተድላ ደጋፊ ፈደረሽን ይቃለሶም ነበረ።” ብድሕሪኡ ድማ ናብ ስደት ምስ ኣምርሑ ካብ 1966 ጀሚሮም ምስ ስድራ- ቤቶም ኣብ መሳርዕ ሰውራ ኤርትራ ምስ ተሓኤ ተሰሊፎም፣ ኣባል መሪሕነት እቲ ውድብ ኮይኖም ከም ዘገልገሉ ይፍለጥ።
ኣመዓባብላ መስርሕ ውሽጣዊ ምፍሕፋሓትን እምነ-ኩርናዕ ኣንፈታት ምምቕቓልን ኣብ ጀብሃን ፍጻሜታት (ኩናት ሓድሕድ?)
ጸሓፊ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ጀብሃ) ብ 1967 ኣብ ዝተጸንበረሉ፣ እቲ ውድብ ኣብ ዲቕ ዝበለ ሃይማኖታዊ፣ ኣውራጃዊ፣ ቀቢላ ዝመሰረቱ ድሕረትን ምክፍፋላትን ጠሊቑ ጸኒሕዎ። ካብዚ፣ እቲ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ምክፍፋልን ምግምማዕን ብምስዓብ ናይ ኣሉታዊ ውድድር፣ ምንጽጻግን ጽልእን መንፈስ ሒዙ ኣዕናዊ ሳዕቤን ከም ዘኸተለ የዘኻኽር። ንኣብነት፡-
- ኣብ 1965 ላዕለዋይ ባይቶን (ሃገራት ዓረብ ዝመደበሩ) ሰውራዊ መሪሕነትን (ከሰላ ዝመደበሩ) ጀብሃ (ተ.ሓ.ኤ) ኣብ ናይ ኣልጀርያ ኣብነት ምርኩስ ብምግባር፣ ሃይማኖታዊ ከምኡ’ውን ገለ ቀቢላዊ ሰረታት ዝሓዘ ኣውራጃዊ ምክፍፋል ዘለዎ ኣገባብ ተጠቒሙ፣ ንተ.ሓ.ኤ ኣብ ሓሙሽተ ወተሃደራዊ ክፍልታት ድሕሪ ምምቃሉ ውጽኢቱ ኣብ ሰውራዊ ስርሓት ብኣሉታ ተንጸባረቐ። ኣብቲ፡ “ጉዕዞይ ናብ ደማስቆስ፣ ሶርያ ኣብ 1967-68” ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ጸሓፊ “ኣብ ደማስቆስ ሓደ ነገር ተዓዚበ፡ ንሱ ከኣ ንጉዳይ ርእሰ-ማል ወይ ሃብቲ (resources) ተ.ሓ.ኤ ብዝምልከት መን ይቆጻጸሮ ብዝብል ክርክር ኣብ መንጎ ኣባላት ላዕለዋይ ባይቶ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ምስ እድሪስ መሓመድ ኣደምን እድሪስ ግላውዲዮስን ነቓዕ ተቐልቀለ።”
- ኣብ 1969 ዘይሕጋዊ ጉባኤ ኣዶብሓ ተኻይዱ፣ ካብኡ ድማ ቕያዳ ኣልዓማ (ግዝያዊ ጠቕላሊ መሪሕነት) ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ብዘይተመርጹ 38 ኣባላት ቆመት። ይኹን ‘ምበር ነቲ ድሮ ይጉህር ዝነበረ ፍልልያት ኣብ መንጎ ኣባላት ላዕለዋይ ባይቶ ዑስማን ሳልሕ ሳበን (ወዲ ቀይሕ ባሕርን ተደናጋጺ ሳልሰይቲ ክፍልን) ምስ እድሪስ መሓመድ ኣደምን እድሪስ ግላውዲዮስን (ባርካን ሰንሒትን) ኣባላት ቅያዳ ኣልዓማ ግዜ ከይወሰዱ ንሹዱሽተ ደቂ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ኣባላቶም ብዘይ ሕጊ ብምእሳር ነቲ ጋግ ኣውራጃዊ መልክዕ ከም ዝሕዝ ከም ዝገበርዎ ይዝከር። ብተወሳኺ ቕያዳ ኣልዓማ ካብ ሃይማኖታውን ብሄራውን መበገሲ ንወልዳይ ግደይን ኪዳነ ክፍሉን ከም ዝቐንጸለት ይፍለጥ፣ ኣብዚ ብፍላይ እኳ ጸሓፊ ምስ ኪዳነ ክፍሉ ዝነበሮ ጥቡቕ ሰውራዊ ዝምድናን ምልእኣኽ ደብዳቤታትን ዘርዚሩ ገሊጽዎ ኣሎ።
መርገጽ ጸሓፊ ብዛዕባ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ዝተኻየደ ንዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ውግኣት ድሕሪ ቀዳማይ ጉባኤ ጀብሃ ኣብ መወዳእታ 1971 “ናይ ስዉእ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ጌጋ ኢዩ – ንሱ ኢዩ ውግእ ኣዊጁ ኣብ ልዕሊ ተ.ሓ.ኤ። በዚ መሰረት ከኣ ጀብሃ ኣብ ነብሰ ምክልኻል ኢያ ተጸሚዳ ነይራ” ይብል። ከም ምክትል ዋና ጸሓፊ መጠን ንሱ (ጸሓፊ) ንጀብሃ ወኪሉ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከኣ ንህዝባዊ ሓይልታት ነቲ ውግእ ንምቁራጽ ኣብ ደቡብ የመን ከምዝተፈራረሙ፣ ብድሕሪኡ እቲ ካብ ሃገራት ዓረብ ዝተለገሰ ዕጥቅን ስንቅን ካልእን ክወስዱ ከምዝኸኣሉ ይሕብር። ምትእትታው ሃገራት ዓረብ ኣብ ጉዳይ ሰውራ ኤርትራ
መብዛሕትአን ስርዓታት ሃገራት ዓረብ ምስ ጀብሃ (ተ.ሓ.ኤ) ጠጠው ኢለን ድጋፍ ዝልግሳ ዝነበራ፣ ብፍትሓውነት ናይ ገድሊ ኤርትራ ተደሪኸን ኣሚነን ዘይኮናስ፣ ንውድባት ኤርትራ ከም ጂኦ- ፖለቲካዊ ረብሕአን ንምሕላው፣ ከምኡ’ውን ንምስፍሕፋሕ ዓረባውነትን (በዓስነትን) እስላምነትን ገለ ‘ውን ከም ናይ ማሕበርነት መሳርሒ ንምጥቃም ምንባሩ ኢዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ኣቶ ሑሩይ፣ “ኣብ ግንቦት 1975 ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ውሽጢ ሓራ መሬት ኤርትራ ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናይ መንግስቲ ዒራቕ (ሰልፊ በዓስ) ልኡኽ፡ ኣቡ ዓላእ ዝበሃል ዒራቓዊ ኣብኡ ተረኺቡ፡ ድጋፋቱ እንዳንበልበለ ገባርን ሓዳግን ኮነ። ብሰክረታሪያት ጉባኤ ኣባል ኣምራጺት ሽማግለ ኮይኑ ዘይተመዘዘ ክንሱ ግን ብሰንኪ ምእዙዝነት ናይ ስልጣን ጉጅለታት፡ ንገዛእ-ርእሱ ኣገዲዱ ብምምዛዝ ንውጽኢት ጉባኤ ጸሊዎ ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ዘይደልዮም `ውን ከምዘይምረጹ ገበረ።” በዚ ከኣ ሑሩይ ኣብ ጉባኤ ከምዘይተመርጸን፣ ኮይኑ ግን ድሕሪ ጉባኤ ካብ ከሰላ ናብ ካርቱም ብነፋሪት እናተመልሱ ከለዉ፡ ኣቡ ዓላእ ንሑሩይ ኣብ ዒራቕ መጺኡ ከሎ ብኣቐዲሙ ኣብ ስልጣን ዝነበረ በዓል-ስልጣን ንዝተዋህቦ ናይ ምትሕብባር ዕድል እሞ ከምዚ ኢሉ ኣዘዘኻኽሮ። “ዕዳኻ ምኽፋል ካብ ማራኽነት ስነ-ሓሳብ ዝሓሽ ምዃኑ ኣስተምሃረኒ” ይብል። ናይ ሊብያ ልኡኽ ብወገኑ `ውን “ንዓኻ ካብ መሪሕነት ንምልጋስ ዕማም ተዋሂብኒ፡ ንስኻ ግዳይ ኣህጉራዊ ውዲት ኢኻ።” ከይሓፈረ `ውን ”ንምዃኑ ከመይ ገይርካ ብሰላም ካብ ሜዳ ክትከይድ ፈቒዶምልካ” ኢልዎ ንሑሩይ።
ተርእዮታት ግጭት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ፈተናዊ (tentative) ፍታሕን
ኩሎም ዝተኻየዱ ግጭታት ኣብ ዝሓለፉ 70 ዓመታት ክሳብ ሕጂ ማለት ኢዩ፡- ንታሪኻዊ ባህግን ድሌትን ምጉንጻፍ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ካብ መግዛእቲ — ከምኡ ‘ውን ንድሌት ኢትዮጵያ ንምርካብ (ምጥቃም) ኣፍደገ ባሕርን ምስ ዝግንዘብ ጥራይ ኢዩ “ሓደ-ሰብ ንህሉው ናይ ውግእ ኩነታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን” ተረዲኡ “ፈተናዊ (tentative) ፍታሕ ናይቲ ግጭት” ከም ሓሳብ ከቕርብ ዝኽእል። ጸሓፊ ምስዚ ቀጺሉ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዶብ ሽግር ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ምኽንያቱ ክልተ ግዜ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕጋውነት ስለዝለበሰ፡- ሓንሳብ ኣብ 1952 ኣብ እዋን ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብድሕሪኡ ከኣ ኣብቲ ኣብ 1993 ብተዓዛብነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ረፈረንደም።
ሽሕ እኳ ኣብዛ መጽሓፍ ክሳብ ሕጂ ዳርጋ ንኣውንታዊ ኣስተዋጽኦ ጸሓፊን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ፍጻሜታትን እንተገለጸት፣ ንውልቃውን ውድባውን ድኽመታትን ፍሽለትን ኣብቲ ባዕሉ ሑሩይ ዝተዋስኣሉ ተሞክሮታት ቃልሲ፣ ንድሕሪት ምልስ ኢሉ እንተዝእመን እሞ፣ ሓላፍነት ወሲዱ፣ ከምዚ ዘይምግባረይ ጌጋ ነይሩ ወይ የጣዕሰሊ እንተዝብል፣ እዛ መጽሓፍ ዝያዳ መበርከተት ነይራ ምበልኩ። ካልእ ነቲ ኣብ መንጎ ጀብሃን (ተ.ሓ.ኤ.) ህዝባዊ ሓይልታትን ዝካየድ ዝነበረ ውግኣት “ኩናት ሓድሕድ“ ኢሉ ካብ ምስማዩ ምቑጣቡ — ኣብ ክንድኡ ግን “ኩናት ጉጅለታት“ ምባሉ። ነዚ ኣመልኪቱ ጸሓፊ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ኩናት ጸግዒ ወሲዱ ምስ ሓደ ወገን ኣንጻር እቲ ሓደ ወጊኑ ብንጥፈት ስለዘይተዋስአ እኳ ዝብል ምኽንያት እንተቕረበ፣ ብወገነይ ቅቡል ኮይኑ ኣይረኸብክዎን። ምኽንያቱ፣ እቲ ተሓኤ ኣንጻር ገለ ክፍልታት ህዝቢ ኤርትራ ተካይዶ ዝነበረት ውግኣት ከ እንታይ ኢልና ኢና ክንሰምዮ። ንኣብነት፡- ብፍላይ እኳ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ተጻብኦታት ኣብ መንጎ ህዝቢ ቆሓይንን ጀብሃን (ተ.ሓ.ኤ.) ኩናት ሓድሕድ እንተዘይተባሂሉ እንታይ ደኣ ኢዩ ኵናት ሓድሕድ። ካብዚ ኣርእስቲ ከይረሓቕኩ፣ ከምዝፍለጥ ህዝባዊ ግንባር ኣብ 1980 ወይ 1981 ንጉዳይ ሰላማዊ ፍታሕ ኤርትራ ኣብ ዝምልከት ዘተ ኣብ ምብራቕ ጀርመን ምስ ተዓደመ፣ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ብረፈረንደም ክረጋገጽ ዝብል እማመ ኣቕሪቡ። ኣብ ጽባሕ ሓርነት ኤርትራ ከኣ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎም ደቂ ሃገር፣ መብዛሕትኦም መራሕቲ ዝተፈላለያ ጉጅለታት ጀብሃ ነበር፣ ብዘይካ እቶም ኣብ ድሮ ሓርነት ሃገር ምስ ደርግ ብስም ራስ-ገዝ ዝሰማምዑ ዝነበሩ ገለ `ውን ብውልቃውን ውድባውን መርገጺ ምኽንያት ኣይሳተፍዎ `ምበር፡ ዳርጋ ብምሉኡ ህዝቢ ኤርትራን ሃገራዊ ወረቐት መንነት (ታሴራ) ብህዝባዊ ግንባር ተዋሂብዎ እወ ንናጽነት! ኢሉ ስለዘድመጸ ሰውራ ኤርትራ ይኹን ውድባቱ ንህዝቢ ኣይውክላን ምባል ብዝኾነ መለክዒ ርትዓዊ ኣይመስለንን። ዳሕራይ ከኣ ይተረፍ ህዝባዊ ግንባር ወይ ጀብሃ ብዓባየን ኣይኮናን እዘን ዘለዋ እኳ ሃገራውያን ዝብላ ይኹና፣ እስላማውያን፣ ቀቢላውያን ወይ ኣውራጃውያን ንውክሎ ህዝቢ ኣሎና ኢና ዝብላ።
እዛ መጽሓፍ ካብ ዘስደምም ክቱር ዕምቆታን ስፍሓታን ተበጊሰ መሃሪት፡ ወጣሪትን በዳሂትን ኮይና ረኺበያ። ምኽንያቱ ጸሓፊ ኣነጻጸሪ መጽናዕቲ (comparative study) ተጠቒሙ መሰረታዊ ፍልጠት ብዛዕባ ናይ ዝተፈላለዩ ግንዛበታት ብምንጽጻር ገለ ነቐፌታዊ ትንታነታት እንዳሃበ ንታሪኻውን ፖሊቲካውን ሸነኽ ክንርዳእ ከም ንደሊ ስለዝገብረና። መብዛሕትኦም ኣግለስቲ (revisionists) ታሪኽ ከም ሕሉፍ ፍጻሜን ከም መምሃሪን ዘይኮነስ ንሓደ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነት ኤርትራን ደንበ ተቓውሞን ከም መረዳእታን ደጋፊን ክኸውን ስለዝደለይዎ ዝኾነ ካብዞም ዝቐረቡ ኣብኦም ዘይቅቡላት ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ጽቡቕ ነገር ግን እቲ ሕሉፍ ዝሓለፈ ብምዃኑ ምእንቲ ህሉውን መጻእን ተባሂሉ ክልወጥ ዝከኣል ኣይኮነን። ስነ-ፍልጠታዊ ኣገባብ እንተተጠቐምካ `ውን ንዝተፈላለዩ ርእዮተ-ዓለም ምስ ትትንትኖም ኣብ ዝተፈላለየ መደምደምታ ክትበጽሕ ከምዝከኣል `ምበር፡ ንዕኡ ዝጻረር ናይ መወዳእታ ሓቀኛ መደምደምታ ከተቕምጥ ኣይከኣልን። ስለዚ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ክትዕ፣ ወድዓውነት ዘይኮነ ባዕላውነት ዘለዎም ረቛሒታት ኢዮም ብዓብላልነት ዝውስኑዎ።
ካልእ ካብ ቀንዲ ብልጫታት እዛ መጽሓፍ ፤ ንእተሓላለኹ ተርእዮታት ወይ ፍጻሜታት ናይ ዝሓለፉ 70 ዓመታት ካብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ዓቢን እገዳስን ክፋል ብቕደም ተኸተል ትገልጽ ኮይና ነፍሲ-ወከፍ ምዕራፍ ድማ ነብሱ ዝኸኣለ ኢዩ። እዚ ክብል ከለኹ ግን ኣቶ ሑሩይ ነቲ ከርሰ-ነገር ትሕዝትኡ ብረቂቕን ተሪርን ብዝኾነ ታሪኻዊ ሃሪ ኣየተሓሓዞን ማለተይ ኣይኮነን። በዚ ከኣ ንላዕለዋይ ደረጃ ተማሃሮን ንተመራመርትን ከም ኡ’ውን ንውልቃውያን ተጠቀምትን ምንጪ ሓበሬታን ፍልጠትን ኣብ ምዃን ብዘይካ እዚ ‘ውን፡ ከም መወከሲ ኮይና ኣብ ናይ ሕትመትን መጽናዕታውን ትካላት ከተገልግል ትኽእል ኢያ።
በረኸት ካሕሳይ – ዓዲ እንግሊዝ
AHMED SALEH !!! October 16, 2016
Long time ago I heard Huruy was one of the selected individuals to do high profile research on Eritrean history
at time of ELF . And I am sure his book which took long time to publish will help us to gain broad knowledge
of our history .
At this moment I can only say ; Well done and congratulation . And I hope others follow to share information
that helps our people to understand about their new born country .
We can not undue the past but we can learn to identify precisely our strength and our weakness . Western
countries learned from destructive mistakes of the past to come with alternative solutions that guarantee
for future security and stability . After 30 years political struggle we bent our head down instead we raise our head high with pride . What ever life brings there is always hope .
The most powerful example of HOPE is written in Sinai sahara desert wall , IZI KHEMAN KIHALF IYU . Oh GOD .
ተወልደመድህን October 16, 2016
Well done and congratulation ኖ ኣነ ከምኡ ኣይብልን።ምክንያቱ ንሕና ኤርትራውያን ንሳቐዮ ዘሎና፡ዝተሳቀናዮንመጽእ ክሳቕየና ዝደሊ ታሪኽን ዘይምፍላጥ ኢዩ።ስለዚ እቲ ታሪኽ ኤርትራዊ ክፈልጦ እንተኾይኑ ስለምንታይ ብሃገራዊ ቋንቋ ዘይጽሕፎ።እንግሊዝ ኣንቢቡ ዘይክእል ብዙሕ ኤርትራዊ’ሎ።ስለዚ ስለምንታይ ታሪኽና ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ መኻዕበቲ ሰልዲ ዝከውን።ከም መኦኣል ሕሩይ ኣብ ቲ ታሪኽ ለለ ዝበሉ ዜጋ ዝመሃረሉ’ዮም ከቅርቡ ዘለዎም ቅድሚ ረብሓ።ንሱ ግን ምሁር ወይ ፈላጥ ንምምሳል ወይ ገንዘብ ንምእካብ ብእንግሊዝ ኤርትራዊ ብዘየንብቦ ጽሒፉዎ።ልክዕ ከምቲ ናይ ዓንደብርሃን’ዩ።ጥር ኢልካስ ኣነ ከምዚ ይኽእል፡ብእንግሊዝ ይጽሕፍ ብእንግሊዝ ኣዛረብ ፈላጥ ክበሃል’ዩ።
Bereket T. October 16, 2016
Some folks are so dumb, they have to be watered twice a week. Are you one of them?
If the answer is yes then you probably have to be watered seven times a week!
Mr H.T.Bayru’s book is probably meant to the wider readers of Ethiopians as with its title “Eritrea & Ethiopia” – a front row look at issues of conflict and the potential for a peaceful resolution.
Indeed, very well done and congratulations to respected Mr H.T.Bairu for his great positive contribution to peace between Eritrea and Ethiopia and it is well over time from senior Eritreans.
Bereket T. October 16, 2016
Mr T/medhin
Rather than just criticizing the ones who are doing their best of what is your actual contribution to peace and to new Eritrea? Don’t also forget that some of our diaspora children who are the next cream future future of Eritrea don’t/can’t read tigrigna but most read English as international language.
Try to see things from the wider world of today and of tomorrow, and be more productive than destructive.
AHMED SALEH !!! October 16, 2016
Dear Bereket
The problem of some people lies on sanity of twisted mind for being a victim of perception .
I am not fond of any politician but I admire their tireless contribution to Eritrean causes . It
is up to us if we can see through anybody else eyes fairly or stay arrogant to see things as
we want it to be . Open minded people should give due credit for sharing his knowledge .
Eritreans write books in other languages beside Tigrigna but It is mind blogging attitude to
brush off their intellectual mindset . If somebody writes in Arabic is going to get negative responses & if he writes in English get the same responses . It doesn’t resonate to make any sense . WECHO INTE GHELBETKAYA WECHO AYNET ATAHASASBA AYNIGHBERA .
The whole point is how to acquire knowledge nothing else excuses can be applied in this regard . Unless some elements want to suppress our past history from reaching to public
awareness . And as you said the young generation in diaspora barely speak their native
languages including Tigrigna . That is the fact we bear witness even in our family members .
AHMED SALEH !!! October 16, 2016
For clarification , comment meant to support Bereket argument .
Bereket T. October 16, 2016
Dear Ahmed
Thank you for your positive response and understanding.
I haven’t read the book yet and really I can’t wait to buy it and read it in my free times. I would also like to ask Mr Bereket Kahsay the writer of this article to inform us as to where we can get and buy the book. I live in Amsterdam – Holland with my young family. Once again, I sincerely feel and hope that Mr H.T.Bairu is trying to reach and share his (whether positive or negative) knowledge and experience with the wider audience or readers of the young generation as well as the Ethiopian public. Thanks again Mr Ahmed Saleh and lets please contribute positively.
ተወልደመድኅን October 18, 2016
ሕጂ’ውን ኣብ እንግሊዝ ኣነ እፈልጥ ዝብል ውድድር ይ ኣቱ የለኹን።ንስካ ብእንግሊዝ ቋንቋ ባኦዲ ዝሰልጠንካ ኢካ።በዚ ከም ትበልጸኒ’ውን እፈልጥ።ኣነ ግን ቋንቋ’ደ ኣለኒ።ትግርኛ ከኣ ይበሃል።ኣዚ ቋንቃ’ዚ ከምዚ ዘለዎ እንተቀጺሉ ድሕሪ ሚኢቲ ዓመት ክድምስስን ብካልእ ቋንቋታት ክተሓላለኹዎ’ዮም።ስለዚ ካብ ሎሚ ንዝኾነት መልእኽቲ ብቋንቋ’ደ እንተገብርናዮ ዝሄሸ’ዩ በሃላይ ኢየ።ኣብዚ መጽሃፍዚ ዘሎኒ ርእይቶ ርግጽ ስልጣን ካብ ዝለመዱ ክመጽእ ዝኽእል መልእኽቲ ንሰላምን ንፍትሒ ዝእምት ዘይኮነ ተመሊሱ ሽግር ዝጽውዕ ክኸውን ይኽእል።ግን ጽቡቕ መጽሃፍ’ዩ ትብለና እንተሊኻ፡ብትግርኛ ምጽሃፍ ክልተ ትርጉም ይህልው፡ቋንቋ ኣደና ይዕምብ ይምዕብል።ቀጺሉ ከኣ ንሕና መብዛሕትና ከማካ እንግሊዝ ክንሽምድድ ዘይከኣልና ነንብቦ’ሞ እቲ ናይ ነዊሕ ኦኣመታት ተቐቢቱና ዚነበረ ሃቂ ማለት ታሪኽን ባህልን ካብ ዝህቡዎ ቀዳማይ ኣገዳሲ ንእትርገብሮ ካብቲ ታሪኽን ባህልን እናተበገስካ ጽቡቕ ክትሰርህ ክትምዕብል ይህግዙ ስለዝኾኑ’ዩ።ስለዚ እቲ ታሪኽ ኣንቢብና ገለ ሰላማዊ፡መገዲ ምዕብልና ምፈጠርና።ብዘይካኡ ታሪኽና ንሕና ደኣ ክንፈልጦ ኣሎና’ምበር ካልእ ክፈልጡዎ የብሎምን።ስለዚ በዚ መሰረት ብቋንቋ’ደ ምጽሓፉ ብዙሕ ረብሓታት ኣሎና።እዚ ሃገራዊ ረብሃታት’ዚ ገዲፍና ረብሓና ጥራይ ደሊና ብካልእ ቋንቋን ንካል ኦት ደረስቲ እንተገዲፍናዮ ግን ክሳራ’ምበር ረብሃ ስለዘይብላና’የ ዝወቐሰኩ።ኣዚ ከ ርእይቶ’ዩ።ኣብ ወጻኢ ዚነብሩ ደቅና ቋንቋ ትግርና ኣይፈልጡን’ዮም’ዶ ኢልካ።ጽቡቕ እቲ ኣብ ሃገር ዘሎ ክድንቁር ዝተፈርደ ህዝቢ ከም እንስሳ ተኾኪቡን ተኣሲሩን ዝከይድ ዘሎ ዘገድስ መጽሃፍ ታሪኽ መስሊኑ’ምበር ኣብ ወጻኢ ዘለው ሀሁ መምሃሪ እንተኾይኑ ይቕረታ።ወደሓንካ
Meretse Asmelash October 18, 2016
ሰናይ መዓልቲ ንኹልና
ሪእቶ ንርእቶ።
ብሓው ተወልደመድህን ንዝወረደ ሪእቶ ኣመልኪቱ —ሓው በረከት ( Bereket T.) ሪእቶይ ካብ ናትካ ይፍለ ክብል ዘቀመጦ ሓሳብ ነቢበ። ብሪኢቶይ ክልቲኡ ሪእቶታት፡ ነብሱ ዝከኣለ ሓቅታት ዘሎዎ ኾይኑ ተሰሚዑኒ። ንኣብነት ተስፋዬ ገብረኣብ ናይ ብዙሓት መጻሕፍቲ ደራሲ ኣብ “የደራሲው ማስተወሻ” እትብል መጽሓፉ ንገዛውቲ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ኣወዳዲሩ ክጽሕፍ እንከሎ — “ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፡ ኣብ ዝኮነት ገዛ ምስ ኣተካ፡ ወይ ብየማንካ ወይ ብጸጋምካ መጻሕፍቲ ዝቅመጣ ከብሒ ትርኢ ፤ ኣብ እስመራ ግን ኣብ ኹለን ዝኣተክዎን ገዛውቲ ብዘይካ ናይ ገዛ ቆሳቁስ ዝሓዘ ኣንጸባራቂ ከብሒ ምንም ኣይረኣኩን” ይብል
ትዕዝብቱ ተወሳኪ ትርጉም ዘድልዮ ኾይኑ ኣይስምዓንን። እዚ ዝኾነሉ ምክንያት ብዙሕ ስለ ዝኾነ ኣብኡ ገጸይ ኣይስጉምን። ሕብረተሰብና ንባዕሉ ከማዕብሎ ዝግበኦ ባህሊ ዝርስዕ ዘሎ ኾይኑ ይስመዓኒ። ታሪክ ከም ዝምስክሮ ቛንቛ እንግሊዝን ግእዝን ኣብ ዓለም ሓደ ዕድመ ኢዩ ዘሎዎን። መሓዙት ኢየን። ፍልልየን ግን ንርኤ። ቛንቛ ብተዛረብቲ ወይ ነበረ ያ ነብረ ዝብል ወግዒ ዘይኮነስ ብጸሓፍቲ ፣ ብመጸሓፍቲ ኢዩ ዝሞብል። ልክዕ ምስ ተጻሕፈ ነበብቲ ይደሊ። ከምዝመስለኒ ተስፋዬ ገብረኣብ ዝበጽሖ እንተኔሩ እቲ ጉድለት ኣብ ክልቲኡ ሸነክ ኣሎ (ጸሕፍቲ–ነበብቲ)
ካልአይቲ ኣብነት– ቅድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ምስ ሓደ ጸሓፊ ተራኪብና ኣብ መንጎ ዕላልና እስኪ በጃካ ሓደ ባኮ መጻሕፍቲ ውሰድ በለኒ። ከመይ’ባ ይሽየጥ ኣሎ? ይከይድ ዶ ኣሎ? ንሕቶይ ዘይተጸበክዎ መልሲ– ብትግርኛ እንታይ ዝብል ምስላ ኣሎ መሲልዃ “ተመዖ ተመርዖ ይብልዃ – ከም ዝሕግዙዃ” ናብ ትግርኛ ተርጉማ ተርጉማ ኢሎምኒ ግደፍ መክሰብስ መሕተሚኣ እዃ ዝርክበላ ኣይመስለንን። ብርግጽ ሽዑ ዝሃብክዎ ሪእቶ ኣይነበረን ፤ ብዘይካ ግዲ የሎን ቀስ ኢሉ ክሽየጥ ኢዩ። ኣብ’ዚ ዘጉህየካ ነገር እንተሃልዪ እታ መጽሓፍ ሓጻር፣ መሳጢት ታሪክ ዝሓዘለት፣ ክውን ታሪክ፣ ምንባራ ክንሳ ኣንበብቲ ግን ክሓጽርዋ ክትርኢ እንከሎኻ ክሳብ መኣስ ኢና ክንድቕስ ዝብል ስምዒት የላዕለልካ።
ብዝኾነ ኣነ ንክልቲኤን መጻሕፍት ገዚኤየን። ንንባብ ግን ነታ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ኣቐዲመ። እቱይ’ምንታይ ቀዳማይ “ላምስ ብእግራ ክቀርባ ብእግራ ትሓክክ” ከይኾነኒ። ካልኣይ ንሱ ይቀለኒ ፡ ስልሳይ —
መጻሕፍቲ ዝጽሕፉ በቲ መጽሓፍ ቀዳማይ ተረባሒ እዚ ሕብረተ-ሰብ ኢዩ ኢሎም ቕድም ከቀምጡ ኣሎዎም። ትግርኛ ከንብቡ ንዝኽእሉ ዝዕለም ዝበለ ብቛንቛ ትግርኛ ፣ እንግሊዝ – ንተዛረብቲ እንግሊዝ – ዓረብ ንተዛረብቲ ዓረብ……እንተዘይ ኮይኑ ብቛንቛ እንግሊዝ ጽሒፍካ ንነበብቲ ትግርኛ ነቢብኩምለይ’ዶ ክትብል ዝከኣኣል ኣይመስለንን።
ደቅና ዝጥቀምሉ ቛንቛ ከኣ ኣይንዘንግዕ ፡ ኣእምሮና ነስፍሕ። ብጣዕሚ ጽብቅቲ ሓሳብ ግን ኣበይ እሞ ኣሎዉ?
Simon G. October 19, 2016
መጽሓፍ ምንባብ + ኤርትራዊ = ኑክሌራዊ ጸዓት (ብ ቐትሪ ሰኺርና: ብዘይ መስተ)!
ኣነ ዝገረመኒ ኣብ ሱዳን ምስ ኣተኹ: ዓበይቲ ሓጄታት ጋዜጣ ኣብ ሎሪ ከንብባ ምስ ረኣኹ፥ ከመይ ድሑራት ከምዝኾና ከስተውዕል ጀሚረ ኔረ።
የግዳስ: የዕሩኽተይ መን ኣሎ ከማና! ክብሉኒ ምስጀመሩ: ናብታ ዝነበርኩዋ: መሰረት ዘይብላ: ብትምክሕቲ ዝተመልአት ባዶ ሓንጎል ድቕድቕ! ባቃ።
ድሕሪ ዕስራ ዓመት: ዓፍራ ሒዝካስ ደው!!!
ተወልደመድኅን October 19, 2016
ምሳኻ ኣሰማማዕ፡እዚ ሃገራዊ ጽል ኢ ዘይኮነ ሕማምና ክንፈልጥ ኣሎና ስለዝበልካ።
Meretse Asmelash October 19, 2016
Simon G.
Greetings, good to hear from you.
ብትምክሕቲ ዝተመልአት ባዶ ሓንጎል ድቕድቕ! ባቃ።
…the belief system that we create is like an iron box we put ourselves in”. When that happens usually it is too hard to escape from it because we believe we are better off inside the box. In it we feel we are secure. Secure indeed by isolation. I may be damn wrong but once we continue to inhabit in a such closed box we certainly are vulnerable for all kind of social diseases. Eventually fear will dominate and we will lose our humanly dream. Because of fear I think many of us are leading our own life against our inner feelings. I don’t how when and how will this change but I believe we have to change. Our wrong egos are pulling us backwards and it is hard to feel the pain in the heart.
Berhane October 16, 2016
ፈለማ ንኣያ ሕሩይ፣ እንኳዕ ሓጎሰካ እብል።
ኣብ ሓደ መጽሓፍ ታሪኽ ክትጽሕፍ ዘሎ ከቢድ ስራሕን ሃለኽለኽን ዝወስዶ ግዜን እሞ ኸኣ ብማዕዶ ኰንካ ኣብ ግምት ብምእታው እየ። ነዛ መጽሓፍ ከምብባ ገና ከም ብዙሓት ሰባት ዕድል ኣይረኽብኩን፤ ስለዚ ዝጽሕፎ መልሲ ኣዝዩ ውሱን እዩ።
ብርግጽ ዝኾነ መጽሓፍ በቲ ቋንቋ እቶም ዝብዝሑ ሰባት ክጸሓፍ ከሎ ንደራሲ ውን ነቲ ዝደልዮ ሸቶ ክ ወቅዕ ይኽእል እዩ። ኮይኑ ግና እዚ ኩሉ ግዜ ቀሊል ኣይኮነን። መብዛሕትና ንመጽናዕቲ እንጥቀመሎም ቋንቋታት እቶም ዝለዓለ ትምህርቲ እተመሃርናሎም ባዕዳውያን ቋንቋታት እዮም። ንኣብነት ከም፥ ጣልያንኛ፣ እንግሊዝኛ፣ ዓረብኛ፣ ኣምሓርኛ፣ ገለ ውን ውሑዳት ይኹኑ እምበር ብፈረንሳይኛ ሽወደኛ ጀርመንኛ ሩስያኛ ውን ኣለዉ።
እቶም ነዚ ከቢድ መጽናዕቲ ግዜን ንዋትን እምሮን ወፍዮም መጽሓፍቲ ዝጽሕፉልና ምስጋና ይግበኦም። እቶም ናይ ምትርጓም ዓቕሚ ሞያን ፍልጠትን ዘጥረኹም ድማ ኣብ ትርጉም ሓግዙ። ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝበዝሔ ሰብ ዘምበባ ወይ ብድምጺ ከም ድምጸ-መጽሓፍ ኮይና ኣብ ብዙሓት ሰባት ዝተባጸሔትን ብዙሕ ኣድናቖት ዝረኽበት፣ ስጋብ እዚ ሕጂ ኣዋን ውን ከም ባርዕ መሮር ኣብ ኩሉ በጺሓ ዘላ እታ መምህር ዳን ኮነል ዝጸሓፋ፣ ብጋዜጠኛ ሩት ሃብተማርያም ዝተተርጎመት መጽሓፍ ምዃና ትፈልጡ ዶ? እዛ መጽሓፍ ኣብ ኤርትራ ብዩኤስቢ ፍላሽ፣ ብጽሑፍ ብፒድኤፍ ፋይል፣ ብድምጸ-መጽሓፍ ድማ ብኤምፒ ሰለስተ (MP3) እያ ኣብ ምሉእ ሃገር ተባጺሓ።ንእግሪ መገደይ ንመምህር ዳን ኮነልን ንጋዜጠኛ ሩት ሃብተማርያምን ከመስግን ይፈቱ።
እዛ መጽሓፍ ናይ ዳን ኮነል ብቋንቋ ትግረ እንተ ትትርጎም እሞ ኸኣ ልዕሊ 85 ካብ ሚእቲ ህዝቢ ኤርትራ መንበባ ወይ ምሰምዓ ኔሩ ማለት እዩ። ስለዚ እቶም እትጽሕፉ በርትዑ እቶም ክትርጉሙ እትኽእሉ ድማ ሃየ እግሪ እግሪ ደረስቲ ብምኻድ ነቲ ስራሕ ንቋደሶ።
Wedi Hagher October 17, 2016
I thought he would look critically at his father’s role in seeking unity with Ethiopia, instead of talking only about his resignation when it was too late, because he was the master mind of the group that handed over the country to Ethiopia. It’s shocking to see Tedla Bairu kissing the King’s shoes.
.
Hurui went to Iraq and met leaders of Baath Party such as AbuAla and from there he is on record saying that the Tigrigna speaking Highlanders in Eritrea are more Arabs than other ethnic groups in the country.
.I understand that it’s not easy for Hurui to objectively assess what went wrong in early fifties, partly because of his young age at the time and his families involvement in a political crime that costed Eritrea thousands of innocent life.
No doubt Hurui is an intellectual who has contributed his share in national struggle, but he is also a very controversial and a divisive figure.
AHMED SALEH !!! October 17, 2016
Wedi Hagher
“Huruy went to Iraq and said Tigrigna speaking highlanders are Arabs” .
Very hard to believe the real Wedi Hagher post such kind of comment . We are entitled to express our point of view but lately I notice contradicting comments that started to confuse me . I hope somebody else mostly our NEFAHITO is using his pen -name .
ኣርዓዶም October 17, 2016
ናብ ቝንቝ ትግርኛን ኣምሓርኛን ክትርጎም`ውን ኣለዋ፡ ምኽንያቱ ህዝቢ ብዝርድኦ ቝንቝ ኢዩ ክነብብ ዝደሊ፡ ናይ`ዚ ሕጂ ገይርዎ ዘሎ ኣገባብ ግን ምናልባት 20 ካብ 100 ሰባት ኢዮም ክነብዋ፡ እዚ ከማን ምስ ክንደይ ጎድለታት፡ ብሓጺሩ ከም ቝንቝ ኣደ ዝመስልዎ የለን፡ ስለዚ ሕጂ`ውን ዝያዳ ጻዕሩ ብምድፋእ ናብ ትግርኛን ኣምሓርኛን ተተርጎማ ዝያዳ ክብሩ ምሓለወ፡
ኩሉ ብነቐፌታ ከም ዝህብትም፡ ነቐፍቲ`ውን ኣብኡ ኢዩ ክረክብ ዝኽእል።
Meretse Asmelash October 17, 2016
ዝከበርካ በረኸት ካሕሳይ
ግዜካ ኣጥፊእካ ንኣንበብቲ ክጠቕም ይኽእል ኢዩ ዝበልካዮ ጽማቕ ሓበሬታ “ኤረትራን ኢትይጵያን” እትብል መጽሓፍ– ብሑሩይ ተድላ ባይሩ ዝተጸሕፈት ምቅራብካ ምስጋና ይብጻሕካ። ግሩም ስራሕ ፤ ደስ ዘብል።
ቀጺለ ዝህቦ ርእይቶ ምላእ ንምልእ ንተራክን ትረክኡን ዝምልከት ምዃኑ ኣቀዲመ ክገልጽ ይፈቱ። ብዝበለጸ’ዃ እታ መጽሓፍ ድሕሪ ምንባባ ዝወሃብ ክኸውን ኔርዎ። እንተኾነ ግን ክሳብ ገዚእኩም ተንብብዋ ተባሂሉ ንምጥዓም ዝቀረበ ሓበሬታ “ተጽግበኒ ቕጫስ ኣብ መጎጎኣ ከላ ይፈልጣ” ዝብል ፈሊጥ ዝዕድም ይመስል።
ሱቕ ጥዑም እንዳበልና ክሳብ ክንደይ ክንከይድ? ደራሲ ኣቶ ሑሩይ ተድላ ባይሩ ሳንጣ ኣቡኡን ኣቦሓጉእን ከይተረፈ ኢዩ ጎርጉሩ ጺሒፉ። ጽቡቕ! ስለ ዝጸንሖ። ንሱ ዘይኾርዓሉ መንከደኣ ክኾርዓሉ? ስለ ዝሓደሮን ዝወዓሎን እውን ክግለጽ’ውን ንቡር ኢዩ። ዘይንቡር ወይ ሰናይ ዝገብሮ ግን እታ መነጸር ፍርዲ ናብ ናይ ካልኦት ጌጋ ጥራሕ ምስ እትነጻጸር ኢዩ?
ተስፋ ይገብር ካብቲ ብዙሓት ተጋደልቲ ንክፈልጡካ ነብስካ ዘቃላዕካሉ ግዜ፣ ብፍላይ ኣብ መጨርሽታ 1974 ዓ. ም ዘካየድካዮም ስውራት ርክባት ምስ ሻዕቢያ ምክንያቱ ብንጹር ክትገልጽ- ነዚ ዘልዓለኒ ምክንያት ኣብ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ዘይመምረጺካ ምክንያት ክትገልጽ ዘቀመጥካዮ ሓበሬታ–ንዘይነበሩን ጓኖትን ሓቂ ዘምስሎ ትሕዝቶ ኣሎዎ፡ ንዝነበረ ግን ዓይኒ ምንቛር ኢዩ። ካልኣይ ሃገራዊ ጉብኤ ፡ ኹሉ ዘማልኤ ጎደሎ ዘይነበሮ ኢዩ ኔሩ ኣይኮንኹን ከኣ ዝብል ዘሎኹ።
–ተስፋ ይገብር ኣብ መጽሓፍካ ሓላፍነት ምስ ተሓደግኹ፡ ከይወዓልኩ ከይሓደርካ ናብ ምምስራት ውድብ ኣትየ። ጽቡቕ ዝገብር ዘሎኹ መሲሉኒ ግን ነብሰይን ነብሲ ካልኦትን ኣታሊለ ዝብል ነብሲ ነቀፈታ ክህልዎ
–ተስፋ ይገብር 1990 ድሮ ናጽነት ኤርትራ መንበር ኣቦይ ክደሊ ንብጾተይ “ደሓን ወዓሉ” ከይበልኹ ምስ ግንባር ተጸጊዔ ቀዳማይ ሓዊ ሽግ ዮሃና ክሪኢ በቂዔ ዝብል ነፍሲ- ነቀፈታ ክህልዋ
— ስልጣን ህግደፍ ግደፍ ንካብ ግዳም ንባዕሎም እውን ስለ ዘይኸሎም ገዲፎዮ ወጺኤ። ከይ ወዓልኹ ከይሓደርኹ ሓንቲ ጽሕፍቲ (ብእንግሊዝ) ምስ ጸሓፍኹ ከኣ ኹለን ተቃውማ ንዓ ናባይ ፣ ንዓ ናባይ ኢለን ተባኢሰናላአይ። ግን ኣነ ኣይ ዓሸኹን ናተይ ምስራሕ ይሕሸኒ ኢለ (ግን ከም ተመነኹዎ ኣይኮነን) ክትብል
–ተስፋ ይገብር ካብ ኣስመራ ምስ ወጽእኩ ናይ ተቓውሞ ውድባት ናይ መስመሪ ጉብኤ ይቀራርባ ስለ ዝነበራ — ይፍታሕ ይበለለይ ኣነ ምስ መንግስቲ ኢትይጵያ ብታሕቲ ታሕቲ ርክባት ድሕሪ ምግባር ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ኣኬባ ናይ ተቓውሞ ውድባት ከም ኣቦ መንበር ክምረጽ ተገይሩ። ነዚ ዓቢ ምስክር ከኣ ቅድሚ ምምራጸይ “ከም ሓደ መራሕ መንግስቲ ተቖጺረ” ኣብ Bole International Airport, Addis Abeba, Ethiopia ቐይሕ ምንጻፍ (red carpet) ከምዝንጸፈለይ ተገይሩ። ይቕረታ እዚ ኹሉ ሰብ ዝፈልጦ ሓቒ ስለዝኾነ ክዘሎ ኣይመረጽኹን። እንሆ ከኣ ሎሚ ንህዝቢ ኤረትራ ይቅረታ ይሓትት ዝብል ክርከቦ። ተጋጊየ ድየ ሑሩይ? ምስክር ቪድዮ ኣሎ
መጽሓፍካ እዚ ዓይነት ነብሰ ነቀፈታ ምስ ዝጎድላ ግን ጸገምካ ኪኖ ጸገምካ ኪኖ ሓፋሽ ኤርትራ ይመስል። ምክንያቱ ክዳንካ ኣጽሪካ ክዳን እንዳማትካ ግን ጋዕጋዕ ኔሩ ሕጂ’ውን ኣሎ እናበልካ ምምዳር “ንዓይ ንኣንጭዋስ ኣብ ሎቖታ” ክንብል ክንደፋፋእ ኢና።
ተወልደመድኅን October 19, 2016
ጽሑፍካ ልቢ ገይረ ነቢበዮ።ግን ኣይኮነን ሃደ ሰብ ኣብ ስልታን ምድላይ፡ዳርጋ ስልጣንን ኣብ ፖለቲካ ምውሳእ ካብ’ወላድየይ ዝተረከብኩዎ’ዩ ዝብል፡ኣብ ዝኮነ ባህሪ ወዲ ሰብ ካብ ብዛዕባ ሕማቑ ክዛረብ ወይ ነብሱ ክነቅፍ፡ብዛዕባ ጽቡቑ ክስንድ፡ሽም ዘውህቦ ክትርኽ’ዩ ዝደሊ።ስለዚ ክከውን ዘይክእል ኣይትጸበ።ብፍላይ ንሕና ኤርትራውያን ካብዚ ባህር’ዚ ርሑቕ ኢና ዘሎና።ንሱ ስለዝኾነ’ዩ ሽግር ዝመላለሰና ዘሎ።
Simon G. October 20, 2016
Hi Meretse the great!
The ex-Halewa Sewra guy goes by the name “Foro” is adding very critical point to your list as well.
Just saying.
Lula October 17, 2016
I have not read the book yet but most of the books written by former Jebha combatants is one sided. They do not write critically about Jebha. It is my hope that Hurui may have done better otherwise it becomes another one-sided and biased “”memoir” of no historical use.
The Jebha leaders and remnant groups tell us all EPLF crimes, as it should be, but they never say a word about Jebha crimes, few examples, burning of Tigre text books, the murders on Falul, Ubelites, the Kunama, the Gifa of highland christian peasants, the murders of the Sryet Addis, the burning of the lower Seraye villages ….
If you guys care about “national unity”,, then the young Eritreans need balanced history
Simon G. October 19, 2016
ሰላማት ኣሰናውያን!
መቸም እታ መጽሓፍ ስለዘይረኣናያ ጥራይ ዘይኮነስ እንተረኣናይ ‘ውን ብእንግሊዝ ስለዝኾነት መብዛሕቲና ከነንብባ ‘ውን ብዙሕ ድሌት የብልናን። ብጽል ኢ ኣይኮነን: የግዳስ ዓቕሚ የለን።
ከምዝመስለኒ: ኣቶ ሕሩይ ነቶም እንግሊዝ ኣንቢቦም ዝርድ ኦም ኢሉ ‘ዩ ጽሒፉዋ። መብዛሕቲና: ገሌና ነንብብ ግን ትርጉሙ ዘይርደኣና: ወይድማ እንግሊዝ እንታይ ከምዝብል ዘይንፈልጥ ኢና።
ስለዚ ኣቶ ሕሩይ መተሓሳሰቢ ጌሩላ ይኸውን።
ነቶም ትግሪኛ ነንብብ ማለተይ ‘ዩ። ከምዝመስለኒ ግን ብኽፋእ ዘይኮነስ: ኣቶ ሕሩይ ብዙሕ ኤርትራዊ እንግሊዝኛ ኣንቢቡ ዝርድኦ መሲሉዎ ‘ዩ ዝኸውን። ከምቲ ኣብ ከብዲ ጽጉብ የለን ጥሙይ ዝበሃል። ክንደይ ከምዚ ኸማይ “ጁጅ ማንጁጅ” ከምዘሎ ዘንጊዑ መስለኒ።
እቲ ባህልናን ቋንቋናን ክብረቱ ክሕሉ፣ መጀመርታ ብ ቋንቋና ክንጽሕፍ ክንጅምር ኣለና። ደሓር ናብ ካልእ ቋንቋታት ተተርጉሞ።
ብዝዕባ ታሪኽ ኳ ኢና ንዛረብ ዘለና። ብዛዕባ ተክኖሎጂ ኔሩ ተዝኸውን ሸለል ምበልናዮ።
With respect!
ተወልደመድኅን October 19, 2016
ሕጂ’ውን ኣድነቖተይ ወሰን ኣብሉን።እዚ ማለት ርእይቶይ ስለዝደገፍካ ዘይኮነ፡ክዕቀብ ዘለዎ ኣሸሓት ኦኣመታት ዝገበረ ቋንቋ ምስ ፊደላቱ እንኮለና ናብ እንግሊዝ ኣቢሎም ዝስደዱ እሞኸ ታሪኽ ዋናታቱ ክፈልጥዎ ዝግበኦም ምእንቲ ካልኦት ክፈልጡዎ ዝሰርሁ ታሪካውያን ኣይብሎምን።ካብዚ ኣቶም ታሪኽ ክትቀስም ኢልካ ምፍታን ውን ኦኣገብ’ዩ።ቅድም ታሪኽና ብቋንቋና እሞ ከኣ ኖኣና ትምህርቲ ዝህብ ክኸውን ኣለዎ።ብፍላይ ነቲ ኣብጸገምን ታሪኽ ምፍላጥ ሲኢኑ ኦውንውን ዝብል ዘሎ ወዲ ውሽጢ ሃገር ዘርብሕ’ዩ ዘድሊ።