Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ርኢቶይ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢን ንኣባላት መሪሕነታት ባይቶን ፈጻሚ ኣካልን

ዝኸበርኩም ኣባልት መሪሕነት ባይቶን፡ ፈጻሚ ኣካልን፡ ከምኡ መላእ ኣባላትን ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ)፡ ልባዊ ሕውነታዊ ሰላምታይ ኣቐድመልኩም። ኣብዚ ፍሉይ ሓላፍነታዊ መድረኽ ኤርትራዊ እነብር ስለዘለኹ፤ በቲ ከም ህዝቢ ወሪዱና ዘሎ ዘየላቡ ኣሰቓቒ እዋንን፡

ዝኸበርኩም ኣባልት መሪሕነት ባይቶን፡ ፈጻሚ ኣካልን፡ ከምኡ መላእ ኣባላትን ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ)፡ ልባዊ ሕውነታዊ ሰላምታይ ኣቐድመልኩም። ኣብዚ ፍሉይ ሓላፍነታዊ መድረኽ ኤርትራዊ እነብር ስለዘለኹ፤ በቲ ከም ህዝቢ ወሪዱና ዘሎ ዘየላቡ ኣሰቓቒ እዋንን፡ ማዕረ-ማዕረ እዚ ከኣ፡ በቲ ጠንባስ ህልው ኩነታት መሪሕነት ኤሃባዲለን፡ ኣብ ዘየቅስን ድርብ ሻቕሎት ሰጢመ፡ ብድሩት ዓቅመይ ከይተሓጸርኩ፡ ናይ ርኢቶን ምሕጽንታን መዘኻኸርን መልእኽተይ ክሰደልኩም ፍቐዱለይ።

መባእታ

ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን፡ ኣይኮነን ንዓና ንድለይቲ ለውጢ ዜጋታት፡ ንኹሎም ለባማት ጎረባብትናን ንዓለምናን ከይተረፈ፡ ኣሰካፍን ኣዛራብን ጉዳይ ካብ ዝኸውን ኣይደንጎየን። ህዝብና ኣብ ዘመነ ህግደፍ ዘጋጥሞ ዘሎ ጭቆና፡ ኣብ ታሪኽ መዳርግቲ ዘለዎ ኣይመስለንን። ቅድም ቢሉ ከምዝተነግረ፡ አብ ኤርትራ፡ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ዕለተ ሞት ምዃና፡ ዘይፈልጥ የብልናን ክብል እደፍር። … “መድረኽ ለውጢ በሲሉን ሓሊፉን ክነሱ፡ ስለምንታይ ድኣ ኢና፡ ጥዑይ ኣእምሮን ሕልናን ወኒንና፡ ንድሕነትናን ንሓባራዊ ረብሓናን፡ ሓቢርና ክንሰርሕ ዘይከኣልና፧(?) … እቲ ሕልናን ኒሕን ልቦናን ኤርትራውያንከ ናበይ ተሰወረ፧” ዝብል ቀጥታዊ ሕቶ፡ የናውጸካ። ብዘይ ቃል-ዓለም፡ ሕመቕ ኤርትራዊ፡ ሎሚ በዚሑን ቅርዓት ወጺኡን እዩ። ከምቲ ለባማት ኣቦታትና፡ “ዘይሓልፈሉ ኣቦስ፡ ቦኽሪ ውላዱን እናት ግራቱን ይሓምቅዎ”“ “ዝበልዎ፡ ህዝብና ብህግደፍ ተጠሊሙ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እቲ ንዳግማይ ለውጢ ተስፋ ዝሃቦ’ውን ተስፋ የቑርጾ’ሎ። በቲ ኻልእ መዳይ ግን፡ ሎሚ ነቲ ካብ ነዊሕ እዋን: ተሓቢኡ ዝነብረ ገበናትን ኣደናገርቲ ሓሶትን መሪሕነት ህግን ህግደፍን፡ ኣብ ምእካብን ምስናድን ምቅላሕን ምብጻሕና፡ ሓደ መገዲ ፍታሕ ከም ምርካብ እዩ። ሕጂ’ውን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መሪር ጭቆናን ብርሰትን (ኤርትራዊ ኣብ ሸላታት ኤርትራ፡ ሲና፡ ላምባዱዛ፡ መዓስከር ስደተኛታት፡ …) እናሃለወ፡ ጉእዞ ቃልሲ ሓርነትን መሪሒነታቱን፡ ስለምንታይ ተደጋጊፍካ ምቅላስ ጌና ኣይተዓወተን፡ ብልክዕ ተመርሚሩን ተሰኒዱን፡ እቲ ፈራዲ ህዝቢ፡ ምኽንያቱን “እነመን ነበሩ!” ኪብለሉን ዘለዎ፡ ኣገዳሲ እዋን እመስለኒ።

ዝኸበርኩም መሪሕነት ባይቶን ፈጻሚ ኣካልን ኣባላቱን፡ ዝኸበርኩም መራሕቲ ውድባትን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 2ተ ዓመታት፡ እቲ ተጋባእን ደላይ ለውጢን ህዝቢ ኤርትራ ዘምበረልኩም ተስፋ፡ ከምቲ ዝድለን ዝግብኦ ውጽኢትን ከምዘይሓፈስኩም፡ እዋኑ ንባዕሉ መርትዖ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ተሃዋሲ ኩነታት ሃገር፡ ንዲሞራስያዊ ለውጢ ዝኣወጃ ውድባትን ባይቶን፡ ከም መደበን ከይሰርሓ ክንድዚ ክጸንሓ፡ ምስ ገበን ክቑጸር ዝኽእል እዩ። እቲ ዝበሃል ዘይምኽኑይ ምኽንያታት፡ “ሓደ ካብቲ ከስርሕን ከረዳድእን ዘየኽኣለ፡ እቲ ናይ ጉባኤ ሕጋዊ ሰነዳት (governing documents)፡ ብንጹር ቃላት ስለዘይተነድፈ (clear-cut provisions) እዩ” ዝብል እዩ። እዚ ግን ብቁዕ ምኽንያት ኣይብሎን። ከመይ ኣብ ዝኾነ ሕጋዊ ሰነድ፡ ብንጹር ቃላት ዝተነድፈ ዳርጋ ውሑድ እዩ። ግን እቲ ህልውና ንጹር ዕላማ’ቲ ትካልን ተወፋይነት (ተጸምዶ) መሪሕነትን፡ ነቲ ዘጋጥም ዘይንጹር ቃላት (ዓናቅጽ)፡ ይገልጾን የብርሆን። እቲ ናይ ብዙሓት ተረድኦ ግን፡ ጠንቒ ናይቲ ኣብ ኤሃባዲለ ከስርሕ ዘይከኣለ ፍልልያት፡ ካብቲ ኣብ ውድባት (ኪዳን) ዘሎ ዘይምትእምማንን፡ ዘይብሱል ዲሞክራስያውነትን፤ ንመዝነት (ስልጣን) ከም ኣገልግሎት ንረብሓ ህዝቢ፡ ክርኢ ዘይምኽኣልን፤ “ኣነ/ውድበይ እንተዘይመሪሑ፡ … ኩሉ ይበተን” ብዝብል ጸረ-ዲሞክራስያዊ መከትል ምኻድን: ዝፈላልየካ ነገራት ምኽዓትን፤ ንድሕነት ሃገርን ንሃገራዊ ዲሞክራስያዊ መትከላትን፡ ከም ሃገራዊ ሓባራዊ ረብሓ ቀዳምነት ክትህቦም ዘይምኽኣልን፡ ዝኣመሰሉ ጉድለታት ዝተወልዱ ይመስሉ። ብተወሳኺ፡ ነዚ ድኽመት እዚ፡ እቲ ኣብ ጉባኤ ኣዋሳ ዝተገብረ፡ ሕረያ ናብ መሪሕነት ባይቶ፡ እኹል መጽናዕትን ቅጥዕን ከየማልአ ምምጻኡ፡ ዘኣመሰለ ዘጋደዶ ይመስል።

ዝኸበርኩም መሪሕነታት፡ ብርግጽ ጉዕዞ ፖሊትካዊ ቃልሲ ስለዝኾነ፡ እዚ ናይ መውዳእታ መድረኽ ቃልሲ ኣይኮነን፤ ግን እቲ ዘይምኽኑይ ፍልልያት፡ ከም ምኽኑይ ተወሲዱ፡ ከይተፈትሐ ናብ ኣሳናዳኢ ሽማግለ ን2ይ ጉባኤ ሊሒሙ፡ እቲ ሕማም ከይቕጽል፡ ብዓቢይ ሓላፍነትን ሕልናን ክትሰርሑ ንምሕጸነኩም ኣሎና። ኣብ ዓውደ-ፖሊቲካ ንዝህሉ ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት ተጻዊርካ፡ ነቲ ቅዱስ (noble) ሓባራዊ ሃገራዊ ዕላማ ኤሃባዲለን፡ ደራኺ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራን፡ ቀዳምነት ሂብካ፡ ኣብ ዓወት ምብጻሕ፡ ዓቅምኹምን ሓላፍነትኩምን ምዃኑ ከዘኻኽረኩም ጥራሕ እደሊ። እቶም ኃያል ስነ-ምግባር እምበር፡ “ኣብዚ ዩኒቨርሲቲ እዚ ተማሂሮም” ዘይትብሎም ለባማት ኣቦታትና እንኪምዕዱ፡ “ልብን ሳዕርን እናሓደረ’ዓቢ” ዝብሉዎ፡ ንሎሚ ካብ ትማሊ ዝበለጸት ምግባራ፣ ወትሩ ተሓዲስካ ምብጋስ፡ ግቡእ መርኣያ ህልዋን (ወይ ምዕባለ) ምዃኑ እዩ ዝግለጽ። ብወገነይ፡ ናብቲ ሽግር ወይ ፍልልይ ኣትየ ብዝርዝር ክዛረብ፡ ብቕዓት ኮነ ኣፍልጦ የብለይን። ግን ነዚ ኣብ ቅድሚ ኤሃባዲለ ዘሎ ኣሰካፊ ጉዳይ ኣመልኪተ፡ “ሓጋዚ ዶኾን ይኸውን” ዝብሎ ሓፈሻዊ ሓሳበይ ወይ ርኢቶይ፡ ወስ ከብል።

  1. ዘይምስምማዕ (ሽግር) ዝህሉ፡ ንስለ ክፍታት ጥራሕ እዩ፦

ሽግር ወይ ፍልልይ፡ ኣብ ዝሰርሕ ኣካል ዘጋጥም፡ ናይ ጥዕና ምልክት ምዃኑ ይፍለጥ፤ ዘጋጥም ድማ፡ ንክፍታሕ ምእንቲ እዩ፤ እቲ ፍታሕ ንኹሉ ብዝበለጸ ስለዘርብሕ ይምረጽ። ብተወሳኺ፡ ወላ’ዃ ባህርታት ናይቲ ፍልልያት ወይ ሽግራት ክፈላለ እንተኸኣለ፡ ከምኡ፡ ንፍልልይ ወይ ሽግር፡ መጀመርያ ብትሕዝቶ ክትመዝኖን፡ ብኸመይን ኣበይናይን ትገልጾ’ውን ወሳኒ’ዃ እንተኾነ፡ ግን ኣባላት ጨንፈርን መሪሕነታት ቦይቶን ፈጻሚ ኣካልን፡ ጸገማት/ፍልልያት ከምዘሎ፡ ፈሊጥኩምን ኣፍሊጥኩምናን ኣሎኹም። ሽግር ከምዘሎካ ብቕንዕና ምፍላጥ ድማ፡ ሓደ ደረጃ ናይቲ ፍታሕ ምጭባጥ ምዃኑ፡ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ብርግጽ ብፈሊጥ ዝህነጽ ወይ ናይ ዕላማ ፍልልይ ወይ ሽግር፡ ካብቲ ካልእ ፍሉይን፡ ዘይወትርግ መገዲ ኣፈታትሓ ዝኽተልን እዃ እንተኾነ፡ ሓባራዊ ዕላማኡን ግን ፍታሕ እዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ሚዛን (ወይ ደፋኢ ሓይሊ) ናይ ፍታሕ፡ ምውሓስ ክብሪ ሰብን ዕላማን እቲ ትካልን ማእከሉ ይገብር። ኣብዚ ክጥቀስ ዘለዎ ቀንዲ ነገር፡ እቲ ጉዳይ ወይ ትካላዊ ኣከያይዳ ብቐንዱ፡ ብምኽንያት “ጭቖና ህዝቢ ኤርትራን መፍቲሒኡን” እዩ። በዚ መንጽር’ዚ፡ እቲ ንኤሃባዲለ “ንኸይሰርሕ ከልኪሎሞ” ዝበሃሉ ዘለዉ ፍኽሰት ፍልልያት፡ ምስቲ መሰረታዊ ብርሰት ዘጋጥሞ ዘሎ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ፈጺሙ ዘይመዛዘን እዩ። እዚ ድማ ዘይብቑዕ / ዘይምኽንያታዊ ፍልልይ ዝገብሮ።

 

  1. ዕላማን ዕማምን (ተልእኮን) ሓላፍነትን (ስልጣንን) ኤሃባዲለ፡

ፍልልያት ወይ ሽግራት፡ ካብ ሓደ ባዶ ሃዋህው (abstract) ኣይውለዱን እዮም። እንታይ ድኣ፡ ኣብ ሓደ ዕላማን ራእይን ዘለዎ፡ ካብ 2ተ ንላዕላኢ ዝባላቱ፡ ትካል ወይ ማሕበር ዘጋጥሙ እዮም። ኤሃባዲለ፡ ብመስርሕ ዋዕላ ኣቃቂ(ኣዲስ ኣበባ) ሓሊፉ፡ ኣብ ጉባኤ ኣዋሳ ዝተወልደ፡ ንብዙሕት ኤርትራውያን ፖሊቲካውያንን ዘይፖሊቲካውያንን ናይ ለውጢ ውድባትን ማሕበራትን ውልቀሰባትን ዝሓቖፈ፡ ናይ ፖሊቲካን ሃይማኖትን ሕብረ-ብሔራትን ብዙሕነትን ምክብባርን ዝኣምን፡ ልዕሊ ኹሉ ግን፡ ናይ ዕላማ ሓድነት ወይ ሕብረት ዘለዎ፡ ኤርትራዊ ትካል ወይ ጽላል እዩ። ሓፈሻዊ መሰረታዊ ዕላማ ኤሃባዲለ ከኣ፡ በዘን ክልተ ዓረፍተ ነገር ክግለጻ ይኽእላ፦ 1) ነቲ ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝገደደ፡ ዘይዲሞክራስያዊ ጮቛኒ ጸረ-ሰላምን ማዕርነትን ዝኾነ ዲክታቶራዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ሓቢርካ ምእላይ፤ 2) ኣብ ቦታኡ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ቅዋማዊ ስርዓት ምእንቲ ክተክል፡ ንመሰጋገሪ መድረኽ፡ ንኹሉ ዜጋ ዘሳታፍን ሰላም ዝሰፈኖን፡ ጥጡሕ መድረኽ ምርግጋጽ። መሪሕነት ኤሃባዲለ ድማ፡ ከም ሓደ ኣካል ናይቲ ትካል፡ ዕላማኡ ንምትግባር ዝተፈላለየ ዕማማትን (tasks / functions) ሓላፍነታትን (responsibilities, powers) ተዋሂብዎም ይሰርሑ።

ብሕጋዊ ትንተና፡ መሰረታዊ ዕላማን (purpose)፡ ስራሕ ወይ ዕማምን (task or function)፡ ሓላፍነት ወይ ስልጣንን (responsibilities or powers)፡ ተነጻጺሎም ዘይከዱ ወይ ዘይትግበሩ፡ ኣዕኑድ ናይ ሓደ ትካል እዮም። ከምዚ ብምባልና፡ ጽኑዕ ምእትእስሳሰርን ሓድነትን ናይ ዕላማን ዕማም መዝነትን፡ ናይ ኤሃባዲለ ክነመልክት ንኽእል። ዕላማ (purpose)፡ ነቲ ኣብቲ ምሉእ ሰነድ ዘሎ ሓፈሻዊ ዕላማን መንፈስን ራእይን ናይቲ ቲካል (ኤሃባዲለ) ማለት ድኣ’በር፡ ኣብቲ ሓደ ፍሉይ ዓንቀጽ ተዘርዚሩ ዘሎ ዕላማ (aim) ማለት ጥራሕ ኣይሕጸርን። ስለዚ፡ ኣብ ዝርዝራት እቲ ሕጊ (ዓንቀጽ) ንዘጋጥሙ ኣሻመውቲ ወይ ዘየሰማምዑ ቃላት፡ እቲ ኣብ ምሉእ ሰነድ ዘሎ፡ ሓፈሻዊ ንጹር ዕላማን ራእይን (teleological method of interpretation) እቲ ትካል ክንበብን፡ ከምኡ፡ ነቲ ትካል ንኸይሰርሕ ኣብ ምሕንኳል ዘይኮነስ፡ እንታይ ደኣ፡ ውጺታዊ ኣብ ምግባርን ዝጠመተን ጉዕዞ (principle of effectiveness)፡ ምዝውታር ሓጋዚ ይኸውን። ካብዚ ክልተ ዓይነት ጠመተ ወጻኢ ዝኸይድ ግን፡ ምስቲ ህልውናን መንፈስን እቲ ትካል (ኤሃባዲለ) ብቐንዱ ኣይቓዶን። ከመይ፡ ኤሃባዲለ ስለምንታይ ከምዝተመስረተ፡ ንባዕሉ ዕላማ ስለዝኾነ፤ ስለቲ ዕላማ’ቲ ክሰር ድማ ናይ ግድን ስለግባእ። እዚ ድማ፡ ብዲሞክራስያዊ መገዲ ብሕቱ ዘይኮነስ፡ ተኣማንነት ኣብቲ ዕላማ’ቲ ትካልን፡ ርትዓዊ ንባብ ህልው (እማናዊ) ኩነታትን ከማል ይግደድ።

መደምደምታ (ኣጠቓላሊ ሓሳብ)፡

ነቲ ጸረ-ኤርትራ ዝኾነ ህግደፍ ንምጉሓፍን፡ ዲሞክራስያዊ ቅዋማዊ መንግስቲ ንምትካልን፡ ዘራኽበካን ዘቃልሰካን መሰረታውያን ናይ ሓባር ዕላማ ካብሃለወ፡ ካልእ ብናእሽቱ ጉዳያት፡ እሞ ህዝቢ ኤትራ ኣብ ዝበርሰሉ ዘሎ ግዜ፡ ክሳብ ክንድዚ ካብቃልሲ ጠጠው ምባልን፡ ንናይ ቃልሲ ወኒ ህዝቢ ምዕጋትን፡ ተሓታትነት ኣለዎ። ከመይ እቲ ጉዳይን ሓላፍነትን፡ ካብ ህዝብን ንህዝብን ስለዝኾነ (principle of delegation for social purpose/interest)፤ ብባህሪኡ፡ ማሕበራውን (ሞራላውን) ተሓታትነት ኣለዎ (principle of social/political accountability)። እዚ ንኤርትራውያን ኮነ ንፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣሕፋሪ ዝኾነ ተርእዮ’ዚ፡ ኪቕጽል ኣይግባእ።

ህግደፍ ስም ኣይኮነን፣ ዓሌት’ውን ኣይኮነን፤ ህግደፍ ልዕሊ ኹሉ ኣተሓሳስባ እዩ፣ ካብ ኣተሓሳስባኡ ዝውለድ፡ ፋሽሽታዊ ተግባራት ዝፍጽምን ዝውንን ጉጅለ እዩ። ንተግባርን ኣከያይዳን እምበኣር፡ ኣተሓሳስባ እዩ ዝወልዶ። እቲ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ፡ “ለውጢ” ዝኣወጀ ኣካል (ፖሊቲካውን ሲቪካውን ውድብ)፡ ገዛእ ርእሱ ኣባል መድረኽ ለውጢ ምዃኑን፡ ምስ ደላይ ለወጢ ውጹዕ ህዝቢ ዘተኣሳስሮ፡ ገለ ጭቡጥ ነገር ክገብርን ክህልዎን: ኣብ ትካላዊ ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ጽኑእ ምዃንን፡ የድሊ’ሎ። ብሓጺር ኣገላልጻ፡ መድረኽ ለውጢ ገዲፉና ኣብዝተዓዝረሉ እዋን፡ ኣብ ህላዌ ደምበ ተቓውሞ፡ ናይ ኣተሓስባ ለውጢ ኣብ ተግባር ከርኢ ይድለ ኣሎ። “We cannot solve our problems with the same thinking [behaviour] we used to created them”, ስነፍልጠታዊ ምኽሪ እቲ ብ1921 ናይ ሰላም ሽልማት ዝተቐበለ፡ ሊቅ ኣልበር ኣይንስታይን (Albert Einstein)።

እግዚኣብሔር ይሃበለይ

ክብርኣብ ይሥሓቕ(ዶ/ር)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
31 COMMENTS
  • Dawit Meconen December 10, 2014

    Dr. Kbreab Esaq,

    The witnessed fiasco of the organization is a forgone conclusion for from the get-go it has never been the author of its own creation,existence nor of the grand political agenda associated with its name. All was concocted in its name by woyane for its own (woyane’s) ulterior motive. Herein lies, therefore, the underlying reason why it has remained marasmus physically and idiotic intellectually.

    The PFDJ, whom you professed to hate, you ought to have discovered the truth for yourself, is an exact mirror image of the organization of whom you are lamenting, and as such is a mirage organization whom isaias created for his own ulterior motive.

    I hope you have understood my point, which is, isaias and woyane are collaborating through subterranean means, through these two mirage Eritrean organizations, to bring about the demise of our home land, the Home of the Braves.

    However, let me assure you, in the end, these con artists, isaias and woyane, will meet the fait of their predecessors, haile selase and mengistu despite the Deqemhare trained commandos and the wodogebas.

  • halofom hagos December 10, 2014

    I am unable to read it

  • THE NOBLE TEACHER December 10, 2014

    It reminded me Enda shweden´s bible story ,how the Unwise man built his house on sand & when the wind blew it was destroyed ….which is the same thing that is happenning when it comes to Eritrea. A good number Eritreans (excluding those who roamed the struggle (Meida)are regretting in hindsight why they followed the bandits hateful message while there was never a country called Eritrea ,except a colony that was sliced from Abyssinya, administered by Italy…and Gedli was serving the pan arabist & in case of EPLF ,the royal abbysinian agenda & now Eritrean people are done being confused ….but still afraid to face the cruel reality..” THE GEDLI BANDITRY ,A FACTORY OF DATE RAPE & DESTRUCTION WAS NOT ONLY UNNECESSARY ,BUT ALSO COUNTER PRODUCTIVE. Their Children are being lost while those former bandits & Agitators are in Germany & some in North America Europe & Saudi Arabia raising their kids..feeling out repentance form …going back to Eritrea to sleep with barely legal age girls for the price of McDonald’s big meal .No opposition is trying to save their kids..just opposing PFDJ’s Guayla…It is not this organization’s total fault ,they have no issue to run on .Hatred is never a strategy. There is no more ” we are better than feudal Ethiopia”

    R.I.P ERITREA
    Uncle TNT

    • Dawit Meconen December 11, 2014

      Lets grant you that our fight against Ethiopia was based on simple hared but What about our crushing victory we scored despite Ethiopia’s all out support from the successive super power surrogates, Would you also attribute out victory to hatred?

      I bet you would answer the question affirmatively. But I wouldn’t be surprised; it seems mother nature has forgotten to endow you with some basic human quality that would have enabled you to reason effectively.

      But again, aren’t you the offspring of the people who, without any scruple called themselves Habesha, a word they could not pronounce, and when the star of Arabs dimmed, you scrambled for a Jewish identity? But now that era of inventing fake identity out of the thin air and getting away with it is terminated by DNA.

      It is about time that you reconcile with your true identity, the Oromo identity whom you have been denigrating for ages pretending to be that you are not. Accept yourself and start living a happy life.

      • Asghedom Woldeghiorghis December 11, 2014

        Dawit Meconen , dawit Meconen
        only dawit meconen

      • THE NOBLE TEACHER December 12, 2014

        Dear Mekonnen ,stated

        “What about our crushing victory we scored despite Ethiopia’s all out support from the successive super power surrogates, Would you also attribute out victory to hatred?”..

        Would the same logic you present also apply to ISIS or the NAZIS or COMMUNISM….Those that win are not always with noble Agenda..just well organized thugs like the Eritrean bandits ,aided/coercely aided by people that stood against their advantage.

        With respect Uncle TNT.

          • THE NOBLE TEACHER December 13, 2014

            This one I honestly did not get ,please explain ,I truly want to know which rule I broke..I quit putting long comments.

  • tegistei December 11, 2014

    President iseyas afowerki entay eyyu geyru .miskinay . natsinet eritrea be 99.8 % referendum . hara hager eritrea teibehal zeigebere merahhei.
    merdeeee ab kulu eyyu zelloo ab hiywet seeb; hadishh zeinna meiballeee tesaeinu allo; tegadeltei keea kulukumm neifeltekumn feleitnakumnn einnaa;1.fethhhh meriaaaaa 2.feiqerey wedeieee.3. entrffo zemedkumm hawkum, habteikum,addeikum, abokum, akkokum, hateinekum, deqqommnn ente zeykoynuu kallee ertraweiii koyneuu zeyseimeiakumm endeikkumm; reinakum kab 1991-kisab 1998. meggifahhteii kebeddi , michhoott nay qutebbaa eikumm; ne warsayy lekeimkumwo ; besenkikumm ; PRESIDENT ISEYAS DEEA ENTAY GEYRU HAGER YEIHANSSA ALLOO .BRAVO .

    • Wedi meriet December 11, 2014

      Tigistei
      You are really clever. I know you wrote it to make us angry but you have no chance of getting a reply.
      Good joke though.
      Have a good day.

      • ogbai December 11, 2014

        Sister Tegisti this is the token staff for others. You are checking us good try. We got you!
        Nusu deA ShebeTu Eka Zeyqeyere: Etom mesarhtu EndyoM Telimomo.HashKa!Edmiu deA yehxero’mber Entay ybahal Elkumo. Enttetegagye aythazuley deA.

    • Brhane December 11, 2014

      Wezoro blebamkin ay tigageya 99.98 hizibi eritrea ab sanduki ewe ninatsinet zeetewo eye. Ember issaias kemzi kemay hati wereket tiray eyu kedmtsi zifkedlu. Mnalbat kabzom hadesiti kutubat nay isaaias tikoni ab gzie midmatsi zineberki ay timeslin eki.

    • ERITRAWIT December 12, 2014

      Tigstie,
      Isaias Gele da Ab Moon zekemetekum Eritrawyan keythlew ezey comment ntkey nay tna aykonene.

  • wedi fre December 11, 2014

    Dear Dr. Kibreab,

    Thank you for your noble and constractive idea.
    We are sick and tired of the people who consider WIDIB as an end and not as a means for change or startng a revolution.
    Any WIDIB that is not standing by the JUSTICE seekers is part of HIGDEF!!!

    God Bless you.

  • Wedi meriet December 11, 2014

    Bravo Doctor.
    I have a question though!
    What is your input in all that?
    You know we are not going farword, what did you do to put it right?
    To coment on people’s work is the easiest thing to do.
    All we see is talk and writting.
    I think we are lost before we start.
    Why don’t we commit and lift our stick & start using it?
    No one is going to give us fethi unless we get it ourselves. Obviosly to get fethi it require paying a price.

  • ogbai December 11, 2014

    ደክተር ክብራብ ዘቕረብካልና ማዕዳን ህጹጽነት ጉዳይ ሃገርና ንምድሓን፡ ኩሉ ዝካኣል ክንገብር መድረኽ ይሓተና ከም ዘሎ ምብርህካ እንዳመስገንኩ፡ ብወገነይ ክምቲ ኣስዒቦም ዋሃብቲ ርእይቶታንውን ከምዝጠቐስዎ፡ እቲ ቀንዲ ጸገምና ኣለሊና ግቡእ መፍትሒ ተኸቲልና ብሓባር ክንጋዓዝ ዘይምኽልና፡ ንናይ ግዳም ሓይልታት ይኹን ናይ ውሽጣውያን ኣንቀድዓውቲ፡ ተመካሕቲ ንውጡር ዝኾነ ኣተሃላልዋና መዛሚዞም፡ ጠማዚዞም፡ ኣብ ዝገደደ ወጥሪ ሸሚሞና ይርከቡ ኣለው።
    “ኣዲኣ ገዲፍስ ሓትናኣ ትናፍቕ” ከምዝባሃል፡ ኣብ ኣርባዓታት ብነጻ ብዘይ ገለ ምፍሳስ ደም ነጻነትና
    ከነረጋግጾ ዘነበረና ዕድል ከይተጠቐምናሉ ተሪፍና። ኣብ ኢድካ ነይሩስ ልማኖ ከምዘባሃል ከኣ ናብ ዓወደ ብረታዊ ቃልሲ ኣምሪሕና። ክንድይ ጊዜን ክንደይ ህይወትን ኣህሊኽና። እቲ ውሽጣዊ ጎንጺ ኣብ ሜዳናውን ኣትዩ ከም ሕሱም ብዙሕ ህይወት ተኸፊልዎ እዩ።
    እቲ ‘ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትና ትናፍቕ’ ዝብል ሓረግ ብግቡእ ከይተኣልየ እንከሎ ብዕበጦ ዓብጥጦ ብዝተረኽበ ዓወት ሰኺሮም ንውሽጣዊ ጸገማትና ግብእ ፍታሕ ከይገበሩ። ብልዕጡጥ ብዱዕ ዘንባሌታት ተሓቒኖም ንብዙሓት ካብቲ ጸበሎም ኣስትዮም ኣስኪሮም፡ ንኺድ ጥራሕ ናብይ ንዘብል ብዘይገድስ። እነሆ ታሪኽ ናይ ኣርባዓታት ይድገም ኣሎ፡ ነቲ ጌና ደሞም ዘይንቐጸ ስውኣትና፡ ናይ ኣኽብሮትን ንዘላቒ ሰላመ ኤርትራና ከይተገደሰ ገለ ምልክት ናይ ዕርቂ ከይገበረ ኣብ 1991 ሸውሃትና ናይ ልዝብን ዘትን ማኣድና ረጊጹ እዩ ሓሊፉ። ንኹሉ ነገር ጀማርን ወዳእን፡ ወሳንን ንሱ ጥርሕ ጌሩ ንነብሱ ብምቕራብ። ኣብ 1991 ጉድይ ሃገርና ኣብ ናይ ቀዳማይ ምዕራፍ መደምደታ ሃገራዊ ናጽነትና ከንረጋግጽ እካ እንትበቒዕና። ነዘስተውዕል ነቲ ዘተዳመናሉ ውሽጣዊ ግርጭት ብጎንጻዊ መልክዕ ከምተፈትሔ ከምተወድኤ ጌርካ ብምቕራብ ናይ ሸፈጥ ሸፈጥ’ዩ ምኻኑ ክርሳዕ ዘይብሉ ብዱሆ እዩ ክባሃል ይካአኣል። ጌና ፖሎቲካዊ ፍታሕ ግብእ ኣፈታታሓ ግርጭታት ከይተጠቐምካ ዓቢጥካ ዓባቢጥካ መን ኣሎ ከማይ ዘምጸኦ ሽግር፡ ሕጂውን ፈኸም ክብል ይርከብ ኣሎ።
    ‘ኣደስ ዝሓብኤት እንተሓብኤት ሓበላ ዓይኒ ነይትሓብእ’ ከምዝባሃል ስለዝኮነ። ነቲ ከም ጸሓይ ብርሃን ዝኾነ ጌጋታት ሸፋፊንካ፡ሳዓቡኒ ጥርሕ ናብይ ብዘያገድስ፡ ምፍትሒ ኮይኑ ክርከብ ኣይካኣለን። እነሆ ኸኣ ኣብ ጸለመ ወዲ ጸለመ፡ ማይ ቀጠነ ዝዓይነቱ ቁዘሜታት ተሸሚምና ንርከብ። ባዓል ሓትነይ ኢትዮጵያ ገለውን ዓባይና ዘብሉ ኣይሳኑን እዮም፡ ከምኡውን እታ ስግር ማዕዶ ዘላ ሓትነና ቓንቓይ ዘይትዛረቡ እንትይ ክትኮኑኒ፡ ሓትነይ ከኣ ትብሉኒ እንድለት ንሃሉ ኣይንሃሉውን ብዙሕ ትግደስልና ኣይትመስልን። እታ ዓባይና እንብላውን ኣብ ዕጽው ኣፍደገ ባሕር አእቲኹም ትንፋስ ዝኸላኽሙኒ ምኻንኩም ኣይትረስዑ፡ ኮለል ድኣ ንባሃሃል ትብለና ኣላ።
    ወዲ ሰብ ሓዳሩ እንተድኣ ውጺኡ ብርኪ ተኺሉ ነብሱ ኪኢሉ ንቕድሚት ዘለዎ ውሽጣዊ ጸገማቱ ምስ ጊዜን ኩነታትን ኣዛሚዱ እንድፈትሔ ክስጉም ይግባእ። ነዚ ኩሉ ዕድላት’ዚ ረጊጡ ዓጽዩ መን ከማይ ዝብል ዘሎ፡ መላኺ ስርዕት ኣብ ኣስመራ ኣቐሚጥካ፡ ናብ ካልኦት ሓሜታት ጥራሕ ተሓጺርካ ምትራፍ መፍትሒ ኣይኮነን ክብልውን እደፍር። ብዓል ዓባይናዶ ሓትኖታትናዶ እንብለን ወይ ዝብላና ምስ ርብሓ ናተን እንተኣቀደማ እንታይ በደለን ጌርን ክባሃልውን ይካአኣል እዩ። እቲ ሽግር ብዓቢኡ እቲ “ንእሽቶ ሞሶሊን” ናይ ኣስመራን፡ ዓይኒ ብለይ ስኒ የብለይ ምስ አያይስ ሕቕቕ እንዳበሉ፡ እ ም ባ ሕ ዘብሉ ዘለዎ ሳዓብቱን ቀዳሞት ተሓተቲ ምኻኖም ታሪኽ ክንስሕቶ ዘይብልና ሓቂ እዩ። ኣብ ድንበ ተቓውሞ ምስ እንስግር ከኣ ብዙሕ ሸንኮለል ዝብሉ ብዝኾን ዋጋ ስልጣን መንዚዕኻ ዋላ ናይ ብዓል ሓትኖታት ኢድ ነሳሲእካ ስልጣን ንምጭባጥ ዘመጣጠሩ ከምዘለዉን በቲ ይኹን በዚ ጉሁድ ሓቂ እዩ። በቲ ሓደ ሸነኹ ከኣ እቲ ዝበዝሕ ሕዝቢ ነቲ ፖሊቲካዊ ቁርቁስ ክከታተሎ ኣይጸንሔን ኽባሃል ይካኣል። ብውሕዱ ካብዘን ዘለዋ ወድባት ቅኑዕ መስመር ዝኽተላ የለዋን ማለት ኣይኮነን፡ ኮይኑ ግን ጥብቕ ኢሉ ብንቕሓት ዘከታተል ጉዱሳት ሃገራውያን ኣለዉዶ ኢለ ጥርሕ ምሕላፍ ክመርጽ ይሓይሽ። ገለ ሓቅታት ንምድህሳስ ዝግደስ እንተሎ ግን ገል ኣብነት ዝኸውን ክጠቅስ ፍቐዱለይ። ኣብ 2001 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘተኻየደ ኣኼባ ተቓወምቲ ንኢድ ምትእትታው ስርዓት እትዮጵያ ረጊጹ ዝወጸ ውድብ ሰውራዊ ባይቶ ዝፍለጥ ዘነበረ። ኣብቲ ዝተገብረ እድ ምትእትታው ቀንዲ ሮቓሒታት ኢድ ስርዕተ እትዮጵያ ከምዘነበረ የመልክት፡ ብወግዒውን ቅሪርታቱኡ ናብ’ቲ ስርዕት ከምዘቕረበን “ሎሚ ጉምብሕ ጉምብሕሕ፡ ጽባሕ ከኣ በጠበጥ ኣየዋጻኣናን እዩ” ከም ዝነበረ ይንገር። እስከ ሕጂውን ነቲ ከምዚ ዛኣመስለ ትብዓት ዝመላኦ ዝተኻየዶ ቃልሲ ዘተዋህቦ ናይ ኮንቱ ጸለም ንወስን ሓዲግና ጉድይ ሃገርናን ህዝብናን ብቐረባ ምስ ጭቡጥ ብቕዕ ምኽንያታውን ዓይኒ ኣእምሮን ዝተሰነየ ጌርና ንከታተል ኹሉ መገዲ ናብ ገነት ኣይክመርሓናን እዩ። ከምኡውን ኣብ ደገ ኮይና ኩሉ ነገር ከነማልእ ኣዝዩ ኣሽጋሪ ምኻኑ ፈሊጥና፡ እቲ ሕጂ ክንገብሮ እንክእል ዘበለ ንግበር። ጉዳይና ብዓላትና ንሓዞ ተወሳኺ ሓገዛት ካብ ደገ ኣይድልየናን ምባልውን ዕሽነት ከይመስል፡ከቢድ ተፅፆዕኖ ዘለዎ ክኸውን ግን ኣይምረጽን። ምኻንያቱ ካብ ጥቕሙ ጉዳቱ ስለ ዝበዝሕ። ካብ መን ስለምንታይን፡ ንልዕላውነት ሃገር ዘትንክፍ ተንጺሩ ክይከውን ብንጹር ክቕመጥ ይግብእ ክብልውን ፍቐዱልይ። ንጹርን ኣብ ናይ ማዕረ ሓባራዊ ረብሓን ህዝብታት ዝተመርኮሰ ክኸውንክምረዝ ኣለዎ። መእተዊ ዝኾውን ባይታ ምፍጣር ዳኣምብር ዝተረፈ ዓዲ ምስ ኣተኻ ዝግብር ጉድይ ምኻኑውን ክንዝንግዕ የብልናን።
    እስክ ንሕጂ ብዘለና ኩውንነት ንሳነ
    ‘ንእሽቶ ሞሶሊኒ’ክሳብ ዝጋሓፋ ናብ ዕነ
    ንበራበር ይትረፍ ርእስኻ ምድናነ
    ኩሉ ብፍትሕን ሕግን ክዳነ
    ህዝብና ክስሕቕ ክሕጎስ ክዛነ
    ጸላእትና ይጥፍኡ ለማ ቕነ
    ፈትውትና ክብዝሑ ለዘብነ
    ሰላምን ፍቕርን ኣብ ኤርትራና ይኹነ
    ኢድናውን ንዘርግሕ ንብል ኣቡነ ኣቡነ \ኣቦና\።

  • THE NOBLE TEACHER December 11, 2014

    “ወያነ ትግራይ ይኹን ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ,ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ሒዙ ኣስመራ ጸላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣየንግስን እዩ”

    ንኣሽቱ ኣሕዋተይን ደቀይን፣

    ኣብ ኤርትራ ክልተ ለባማትን ኣርሒቕና ንሓስብን ኣነን ፕረሲደንት ኢሳያስን ኢና ዘለና።ምናልባሽዶ ፕረሲደንት ተምቤንነት ኣነ ድማ ማይቅነጣልነት (ዓድዋ)ዘር ኢ ስለ ዘለና ይኸውን ፧ ኣይመስለንን ምኽንያቱ ኩሉ”ህዝበ ትግርኛ” ,ካብ ተጋሩ ዘይቦቖለ የለን።
    ይፈልጥ እየ ከም ኤርትራውያን እቲ ሓንጎልና ንኸተሓሕዝ ክእለት እናሃለዎ ግን ስምዒትን ናይ ሕልሚ እንጀራን ዝኾነ ኣተሓሳስባና ዓቕሊ ይኸል ኣና እሞ ነገር ከነታሓሕዝ ኣይንኽእልን። ከምቲ ዝበልኩኹም ኣነን ባባ ኢሳያስን ግን ክልተ ብዕላማ ዝኸዱ ስለ ዝኾንና ነገራት ኣጋጢምና ከም ቆቓሕ ንጭምት ኢና።
    ጠቅላይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ (ወዲ ጓል ሰራይት)ኣብ 1991 ምስ ፓውል ሄንዝ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ,”ኢሳያስ ንነጻነት ኣይህወኽን እዩ፣ሓቢሩ ንምንባር እውን ጸገም የብሉን ፣እቲ ህዝቢ ኤርትራ ግን ሓንቲ ለይቲ እውን ኣየሕድሮን” ዝዓይነቱ መልሲ ሂቡ። ወያነ ,ኢሳያስ ዕላምኡ ምልእቲ ኢትዮጵያ ሒዙ ነቲ ከባቢ እናገዝኤ ዓቢ ሓይሊ ንምዃን እዩ ዕላምኡ (ሎሚ ተዘሪግዎ ይመስል እምበር)።ነዛ ግንባር ጤል ዘይትኸውን ሓውሲ ቀበሌ ሃገር,ጡብ ማማ ኢትዮጵያ እንተዘይጦቢባ ተመሲሓ ከም ዘይትድረር ዝፈለጠ ኢሳያስ፣ ብኡ እዩ ኣይንትሃወኽ ባጤራ ንምውጻእ ዝብለና ዝነበረ፣__መታን ክንጸግብ ድማ …እዚ ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ዘድሊ ኣይኮነን፣ፌደሬሽን ዋላ ኮንፌደሬሽን ኴንና ክንነብር ንኽእል ኢና ኢሉና።…….
    ሓደ, ህዝቢ ኤርትራ በዚ ኣይትሓጎሰን።ወያነ ድማ ኩሓልቲ መሲለን መንቆርቲ ከይንብሎ ዓድኹም ሒዝኩም ድኣ ኣምሓድሩ ኢሎምና።…መታን ተጣዒስና ከይንምለስ ድማ ጣፍን ቡንን እንዳሃቡ ፋንፎሮነስ ምዃንና ስለ ዝፈልጡ ድማ ጌጋ እናሰራሕና የጣቕዑልና ኔሮም።ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጨቆነ ኦሮሞን ህዝቢ ትግራይን ጎንደርን እንከሎ፣ነቲ ናህና ጽሉል ኣተሓሳስባ ፣ካብ ዘይነበረ ጭቆናን መሰል ምጕዳልን ከም ዝነበረና ኣምሲሎም ካባና ንላዕሊ ተቐንዘዉ፣ምኽንያቱ ንሕና እንተተሓዊስናዮ እቲ ቅዱስ ዕላማ ምዕባሊኦምን ቴክኖሎጂኦምን ከም ንዝርገሎም ስለ ዝፈለጡ,ካባና ንላዕሊ ወያነ ተሃወኹ “ንጻነትና” ክንረክብ። ።ህዝቢ ኤርትራ ዓርሱ ብዓርሱ ዶ ፣ላይ ኮሎኒ ሕቶ እዩ ….ዝብል ናህና ጽውጽዋይ ካባና ንላዕሊ ጸውዮሞ።እዚ ኩሉ ንባባ ኢሳያስ ገጢሞሞ ስለ ዝኾኑ እዩ።ኣጀንድኡ ኢትዮጵያውን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ፣ኣምሓራ ይኹን ኦሮሞ ከም ኮንዶም ተጠቒሙ ኣብ ዙፋን ኮፍ ክብል ዝደለየ ብርቱዕን መስተውዓልን ሰብ ምዃኑ።።እዚ,ካብ ተምቤን ስለ ዝውለድ ወይ ዓባዩ ሜስ ስለ ዝሸጣ ዝብሃል ነበረያ ነበረ ኣይምልከቶን።ከም ኩሉ ኩሩዕ ወዲ ባሕረ ነጋሽ, ኢሳያስን ቤተሰቡን ቀንዲ ኢትዮጵያውያን እዮም ።ከም ማሕበር ኣንድነት ናይ ድምበዛን ይኹን ካርነሽም ዘይፍለዩ።ግን ደቂ ሓንቲ ጡባ ገጢሞሞ ናይ ለባማት ጌሮም ቆልቋል ዘይብላ ዓዲ ኪድ ሓምብሰላ በልዎ ።ድሓር ነቲ ዘምሓድርዎ ዝነበሩ ባድመ ፣ብምኽንያት ሓይሊ ኤርትራ ኣትዩ ሽዱሽተ ፖሊስ ተጋሩ ቀቲሉ ባድመ ተቖጻጸረ፣ብናይ ኤርትራዊ ሓንጎል ወያነ ንድሕሪት ገጾም ወሪሮምና።
    ህዝቢ ኦሮሞን ኣምሓራን ግን ከማና ከም ህዝቢ ኤርትራ ሕሱራት ኮንዶም ኮይኖም ን ኣጀንዳ ኢሳያስ ክዋግኡ ኣይመረጹን ተመሊሶም ድኣ ተገልበጥዎ ፣ቀታል ቆለውዕ ኢሎም_ ምኽንያቱ ነታ ናይ ውግእ ጀት ኤርትራ, ቆለውዕ መቐለ ብርሳስን ደብተርን ጌሮም ከውድቕዋ ምስ ፈተኑ ብክላስተር ቦምብ ጌሩ ፓይለትና ቀቲልዎም።_ኣዴታትና ድማ እንቋዕ ጥራይ ኣይሮፕላንና ደብዲበን ብድሓን ተመልሳ ኢለን እልል በላ።
    ብሓጺሩ ጽልኢ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘለና ንሕና ህዝበ ትግርኛ እምበር ኢሳያስ ከም ዘይኮነ ብሓፈሻ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብሕልፊ ድማ ንወያነ በርሃሉ።ወያነ ግን ኢሉ ኢሉ እዚ ህዝቢ እዚ ሓደ ምዃኑ ከም ዘይተርፎን ንህቢ ትግራይ ጽልኢ ንዘይምስናቕ,ዓቢ ሓሶት ሓሰዉ ኣክችዋሊ ክልተ ዓበይቲ ሓሶት፣
    1)ሻዕብያ እዩ እምበር ህዝቢ ኤርትራ ኣይጸልኣካን, ሓውካ እዩ።
    2)ሻዕብያ ንሽሕ ሃመማ ሓንቲ ፍሊት ኢሉካ ፣ሓሶት !!! ንሕና ህዝቢ እምበር ሻዕብያ ከምኡ ክብል ኣይዝከረንን ።ሻዕብያ ከም ትኪ ኣብ ቅድመይ እንተዝጠፍእ ሓዘን ዘይስምዓኒ ሰብ እኳ እንተኾንኩ ፣ንሰብ ይኹን ንውድብ ዘይናቱ ኣይህቦን እየ።
    …ሕጂ እቲ ጉዳይ በርቲዑ ንሰብ ርእሱ ጽርውርው ከየብሎ ከሕጽሮ ።…ኢትዮጵያ ነቶም ብሳልስቲ ኣዲስ ኣበባ ከእትውዎም ኣብ ውግእ ዶብ ብዙሕ ህዝብን ሰራዊትን ዝቐተሉሎም ሰባት ከም ስደተኛታት ኣጸጊዖም ጥራይ ዘይኮነስ ልዑል ትምህርትን ንወጻኢ ሃገራት ንኽወጹ እውን እናቀላጠፉ ,ዘመድ ዘለዎ ድማ ከም ማንም ኢትዮጵያዊ ኣብ ኢትዮጵያ እናሰርሔ ክነብር መሰል ሂቦሞ ።…እቲ ብኢትዮጵያ ጌሩ ወጻኢ ዝወጸ ኤርትራዊ,ብሕልፊ ኣብ ስመርርር ፓልቶክ/Smerrr paltalk net ዝሳተፍ ,ንዝኾነ ሓጥያት ምስ ዓጋመን ተምቤንን ህዝቢ ትግራይን ዘዛምድ ዝበልዓሉ ጻሕሊ ዝሰብር ህዝቢ መሊኡ, ያዕ ዝብል ዓቢ ሰብ ድማ ኣይሰማዕኩን።ሕሉፍ ሓሊፍናስ እዘን “ዓጋመ” ንዓና ዝመጸ ስፖንሰርሺፕ ንሳተን ወጻኢ ይኸዳሉ ኣለዋ ዝብሃል ጠቐነ ብብዙሓት ኤርትራዊ ተቓዋማይ ተሰምዔ፣እዚ እቲ ንኢሳያስ ዝቃወም እዩ።እቲ ዝምሃር ዘሎ ይኹን ኣዝማዱ እውን ኣፍና መሊእና “ኣታ እዞም ኢትዮጵያውያን ብሕልፊ ድማ ተጋሩ ጎረባብትና ሰላም ዝደልዩ ረዳእትና እዮም” ዝበለ የለን።ካብቲ ህግደፍ እቲ ተቓዋማይ ን”ዓጋመ” ይጥርጥርን ሕዱር ጽልኢ ከም ዘለዎ በጨቕ ዝብሎን ።ነዚ መንፈስ ዘለዎ ተቓዋሚ ህዝብን ውድብን ሒዞም ንኢሳያስ ገልቢጦም ንዕኡ ኣብ ዙፋን ከቐምጡ IDIOTS ክኾኑ ኣለዎም።በዚ ምኽንያት እዩ ውድቕቲ ኤርትራ ክርእዩ እኳ ድሌቶምን ጥቕሞምን እንተዘይኮነ ካብ ንህዝቦም ጸላኢ ኮፍ ዘብሉሉ፣ምስ ኢሳያስ ጠላዕ ምጽዋት ይሕሾም።
    መንእሰያት ኤርትራ ካብ ሙሉእ ኤርትራ ማዕረ ክንድዚ ኣርሒቕና ንሓስብን ከም ህዝበ ትግርኛ ዘይኮነስ ከምቲ ትግራዋይ ንሓስብ ኣነን ፕረሲደንት ኢሳያስን ጥራይ ኢና ፣ኢሳያስ ማንም ካብ ቦትኡ ሰንቲሜተር ዝደፍኦ ዘይረኸበ።ኣነ ድማ ሓንሳእ ወያነ ሓንሳእ ዓጋመ እናተብሃልኩ መንእሰያት ከድሕን ዝፍትን ዘለኹ።

    ዓወት ንለባምን መስተውዓልን ከምዚ ናተይ ሓሳብ !!!
    ውድቀት ንብዕራይ ወለደ ሓተላ ኣተሓሳስባ ደቂ ባንዳን ራቢጣን !!!
    ሓወቦኹም ምሕረቱ ሃብተ

  • THE NOBLE TEACHER December 11, 2014

    SIMON. G complained…
    I QUOTE HIM…………………………………….
    TNT:
    ኣታ ወዲ: ዘይትኽልየና። ማለክ ‘ያ ኡስታዝ ምሕረቱ? ከምዝርኤካ ዘለኹ: እስኻ ብማማ ኢትዮጵያ ክትሓምም ደሊኻ። ኣከለጉዛይ ክትብል ‘ኳ ጸሓይ ዓሪቡካ። እንታይ ኢና በዲልና? ንምዃኑ: ኣብ ሸሸማኔ ዲኻ ዓቢኻ? Just saying.” END OF QUOTING HIM

    My truthful reply

    SIMON G:

    መሊስካ ኣንብቦ ፣ኣነ ነቶም ብዘይከውን ዝጠፍኡ ኣሕዋትና ደቂ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ወዲ ተምነዎ ብምውካስ እየ ዝሓዝነሎም ዘለኹ።እግሪ መገደይ ድማ ናይ ሕርካም ምኽሪ ይህብ ኣለኹ።ኣነ ወዲ ድምበዛን ኣካል ጉዛይ እየ ፣እቶም ገዛ ኣከለ ኣብ መረታ ሰበነ ተሪፎም ንሕኛ ቤት ጉዛይ ንገሽናሽም ኣቲና።ነገራት ኣይትጠዋዊ።ነቲ ዝብሎ ኣነ ኣይናስሓሉን እየ ፣ጌጋ ምዃኑ እንተዘይ ኣሚነሉ፣እዞም ኣሕዋቶም ዝፈትዉ ናይ ስጋ ኣዝማደይ ዝኾኑ ኣከለጉዛይ ድማ የኽብሮም ፣ግን ነቲ ንፋጦም ድማ ጽረግዎ ይብሎም ።ከም ናተይ ርእየ እየ ዝመኽሮም።ኣነ ሜክሲኮ ዓደይ ኢለ እንዳነበርኩስ ኣብ ምንታይ ተጋጪና እየ ምስ ደቂ ደቡብ ዝጻባእ።ሓደራ መሊስካ ኣንብቦ።ንደቂ ሓማሴን ይኹን ጀበርቲ ወይ ሰራየ ያዕ ክብል ከለኹ ድኣ ዓገብ ዘይትብለኒ ።ነቲ ዝበልክዎ ናይ ደረውህ ግራዝማቻት ኢና እሞ ክት ኣይትበሉና ጠባይ ናይቲ ኣውራጃ ብጣዕሚ ዘጥቅዓካ ትመስል።ናተይ ዘኽብሮም ሰባት ኤልሳ ጭሩም ሜሮምን እስጢፋኖስ ኣባ ሙሴ ቆለውዕ ዘድሕኑ ዘለዉ ካብቲ ቅዱስ ኣውራጃ እቲ እዮም። ሓደራኻ ብዝመስል ውቐሰኒ ፣ኤርትራዊ እንከለኹ ናይ ኢትዮጵያዊ emotion ከም ዘለኒ ዘይቃወሞ ወቐሳ እዩ።ንደቂ ፋሉቕን ጫሉቕን ክፈላሊ ግን ኣይጓየን።

  • THE NOBLE TEACHER December 11, 2014

    ክቡራት ኣሕዋት,
    እዛ ትስዕብ ምኽሪ ሓዘል ርእይቶ እያ ንሓው SIMON.G /MIGHTY & EDUCATED EMBASOYRA እንታይ ጌርናካ ኢና ኣከለጉዛይ ኢላ ቀጭ ቀጭ ተብሎ ዘላ፣እስከ ንስኻትኩም ፍረድዋ_____

    I QUOTE ME,

    megos,
    ኣብ ርእሲ እቲ ዝበልካዮ ካብ ሙሉእ ኣከለጉዛይ ነብሶምን ወገኖምን ዝሸጡ ብቍጽሪ ኣይብዝሑ እምበር ምዓስ ክስኣኑ ኮይኖም ? ንሳቶም ከም ደቂ ኣከለጉዛይ ክጣበቑ ምንም ሓይሊ ዘይብሎም ኢዮም።ከምቲ ወዲ ተምነዎን ሓው ታደሰን ሓው የማነ እውን ዝበልዎ ደቂ ኣከለጉዛይ ካብቲ ካልእ ንላዕሊ ብጥርጣረ ተራእዮምን ኮነ ኢልካ እውን ብሕልፊ ካብቶም ቀለም ዝጸገቡ(educated) ሻዕብያ (ኢሳያስ)ምስ ካልኦት ሰበስልጣን ደቂ ማእከል ኮይኑ ዝያዳ ግፍዒ ኣይፈጸመሎምን ክንብል እንተዄንና ነቲ ኣብ እንዳጋይሽ ዘሎ ብጫ ሓርማዝ ኣይንርእዮን ኣለና ከም ምባል እዩ።ሓንቲ ናተይ መምርሒት ዘላ እከይ ዝገበረ ይግበሮ እከይ እዩ።ግን ኣብዚ ናይ ደቂ ደቡብ ደንጋጺ ዘይረክብ ዘሎ (ኣነ ብዘየገድስ ይድንግጸሉ)እቶም ናቱ ኢና ዝብሉ__ሕሉፍ ብጻይነት እናርኣዩ ፣ eg.ሽም ወዲ ትኹል ሓልዮምን ወረ እንተ ኣልዓልካዮ ዝሓርቁን ናይ ዘማች ይኹን ፍሒራ ሓጥያት ክግለጽ ግን ዘይናይወዲ ኣውራጅኦም ስለ ዝኾነ ሓቢሮም ምሳሮም ዘብልሑ ደቂ እቲ ከባቢ ማእለያ ዘይብሎም ካብቲ ጓሳ ክሳዕ እቲ ብዓል PHD እዚ ዓይነት ዘየድሊ መሊሱ ነቶም መሳኪን ካልኦት ደቂ ኣከለጉዛይ ዝሃስን ኣውያቶም ንኸይስማዕ ድማ ጸማም እዝኒ ዝህቦ እዚ እዩ።ሕጂ ኣነ ምሳኻ ኣለኹ ግን ሰረወታይ ይኹን ብሌነታይ ብኸምኡ ኵውጻዕ ከሎ ድማ ከምቲ ንደቂ ኣከለጉዛይ ትካላኸለሎም ዘለኻ ተኻላኸለሎም ነቶም ግፍዔኛታት ደቂ ኣከለጉዛይ ድማ ዓገበኛታት ኢልካ ቅድሚ ሰብ ወንጅሎም እሞ ህዝቢ ክስዕበካ እዩ። ንዓኻ ኣይኮንኩን ፐርሶናሊ ዝኸሰካ ዘለኹ ፣ግን ብሓንቲ ፋብሪካ ከም ዝተሰርሑ ኣብ ኬንያ ይኹን ካናዳ ኣሜሪካ ዝርኤ ጠባይ ማእለያ ዘይብሎም ደቂ እታ ኣውራጃ Akeleguzai እዩ። ኣነ ኣንኳይ ነቲ ዝፈልጦን ናይ ታሪኽ ሓወይ ዝኾነን Akeleguzetai ነቲ ኣብ ካርተሊና ጥራይ ዝፈልጦ ዓፋር ይኹን ኩናማ ጠጠው ይብለሉ፣ኢለሉ ድማ ኣብቲ ግዚኡ። ኣብ ስድራዊ ይኹን መርዓ ዝኾነ ኣውራጃ ጓሉ ክህብ ክኸልእ ምስ ዝደልዮ ክጽጋዕ መሰሉ እዩ።እቲ ኣብ ማሕበራዊ ናብር ኡ ዘርእዮ ጠባይ ወደያይ ወዲ ሳንዳይ ግን ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ክ ኣቱ ከሎ ዝገደደ እዩ ነቲ ውጹዕ /VICTIM መሊሱ ዘኽስሶ።ኣነ ንሰራየን ሓማሴንን ስለ ዝውለደሉ ኣፈይ መሊኤ ይገንሖ ፣ነዛ ተጠንቂቔ ንነበርቲ ደቂ ደቡብ/Akeleguzais ዘቕርባ ግን ዓሰርተ ዕጽፊ ኮይና ተሕምሞም ብዙሓት እዮም ።ግን ኣነ መንእሰያት እቲ ሓጥያት ናትና ናይ ኣቦታቶም ክፈልጥዎ ስለ ዝደሊ ክገልጾ እየ።ምንም እኳ ማንም ሰብ በውራጅኡ ይኹን ሃይማኖቱ ክምዘን እንተዘይብሉ ፣ኣብ ሓቂ ክመጽእ ከሎ ግን ናይ በዚሓ ሓባር ጠባይ ዝምዘነሉ መልክዕ ድማ ኣሉ።”ናይ ደረውህ ግራዝማች እየ እሞ ክት ኣይትበሉኒ “ዝብሉ ደቂ እቲ ኣውራጃ ኣዲኦም ትቝጸሮም ኣነ ግን መን ይሕጎስ መን ይጉሂ ኢለ ኣይጽሕፍን።ገዛና እናተቓጸለ ዘይተኾስተረ እኳ ኢለ ኣይሻቐልን እየ።ነዚኣ ክትርድኣ ተስፋ ይገብር።
    ንኢሳያስ ዝሕልዉ ካብቲ ግፍዒ ክትፈልዮም እኳ ዘጸግም እንተኾነ THE PIMPS WITH REAL POWER SEEM TO BE THE CENTERISTS ደቂ ማእከል/ ሓሻካ (which is also my Awraja)..but truth is truth…END OF QUOTING ME