Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ራኢታት ቢተው። – 3ይ ክፋል

26-07-13። 4. ረብሓታት ኣብ ዓሰብ ካብ ዝርከብ ትካላት ክትኮረሉ ዝግባእን። ኣብርእሲ ካብዝሓለፈ ገምጋመይ ዘቕረብኩዎ ተወስኺ ካብ ትካላት ኣብ ዓሰብ ዝርከብ ክትኮረሉ ዝግባእ (እዚንመጻረ ይት ኮሚተዘይተዋህበ ዝምልከቶ ኣካል ክጥቀመሉ ዘቕርቦ ርኢቶ ኢዩ)። እቲ ዝቐደመ ግን ብጽሑፍ ንመጻረይት ኮሚተ

26-07-13።

4. ረብሓታት ኣብ ዓሰብ ካብ ዝርከብ ትካላት ክትኮረሉ ዝግባእን።

ኣብርእሲ ካብዝሓለፈ ገምጋመይ ዘቕረብኩዎ ተወስኺ ካብ ትካላት ኣብ ዓሰብ ዝርከብ ክትኮረሉ ዝግባእ (እዚንመጻረ ይት ኮሚተዘይተዋህበ ዝምልከቶ ኣካል ክጥቀመሉ ዘቕርቦ ርኢቶ ኢዩ)። እቲ ዝቐደመ ግን ብጽሑፍ ንመጻረይት ኮሚተ ዝተዋህበ ኢዩ።

4.1፡ መዓርፎ ነፈርቲ ዓሰብ።

እዚመዓርፎነፈርቲ‘ዚምስቲናይደርጊፖሊሲኡናይውግእስግኣትካብቀይሕባሕሪከምኡ‘ውንኣብማእከላይምብራቕዝተፈጥረናይዒራቕኩነታትክብለጸሉደርጊዝሓሰቦምስቲንዳንካልያከምናይመወዳእታመጣልዒካርታኣብጉዳይኤርትራንምሓዝእቲናይሓያላንመንግስታትብፍላይኣመሪካኣብኩዌትዝወሰድዎስጉምቲንሓይሊኣመሪካዓሰብከምመዓርፎሰራዊትክጥቀሙሉንማይክወስዱንዝሓተቶምኣነጻጺርካክርአእንከሎኣብዚወቕቲ‘ዚምጅማሩንናይነዊሕመደባትዝኣመተከምዝነበረ።

 

እቲ ገንዘብ /ባጀት/ ዝነበረ ፕሮጀክት ናይ መንገዲ /ጽርግያ/ መስርሒ ዝተዋህበ ከምዝነበረ። ብሃንደበት ከይተሓሰበ ኣብ 6 ወርሒ ብህጹጽ ዝተሰርሐ ካብ ወርሒ 11/90 – 5/91፡ ዝተፈጸመ ምንባሩ። ኣብ ዳንካልያ ውግእ ካብ 2/91 – 5/91 ንሓደ ወርሒ ጥራይ ወርሒ 5/91 ከምዝተጠቕመሉ እዚ‘ውን ሙሉእ መፈጸምታ ከይበጽሀሐ ብሃታሃታ ዝተመረቐ ኣብ ኣገልግሎት ውግእ ከምዝውዕል ዝተገብረ።

 

  • ንሕና ነዚ ብኸመይ ኣብረብሓና ነውዕሎ ብቀዳምነት ፡ እዚ መዓርፎ ነፈርቲ‘ዚ 3.5 ኪ.ሜተር ዝንውሓቱ ኢንተርናሽናል መዓርፎ ነፈርቲ ካብ ናይ ኣስመራ ዝዓበየ ኢዩ። (ኣስመራ 2.8 ኪሎ ሜትር ስለዝኾነ።
  • እቲ ተሪፎም ዘለዉ ስራሓት ናይ ሲግናል (መብራህቲ) ወሰንወሰን ብዙርያ በቲ ፕላን መሰረት ዝነበረ ጋራጅ፡ ገዛውቲ ኣየርፖርት ዘድሊ ዝነበረ ፈሪሱ ሓድሽ ምስቲ ኣሰራርሓ ኣየርፖርት (መዓርፎ ነፈርቲ) ዘድሊ ገሊኡ ድሮ ዝተጀመረ ከምዝፍጸምን ከምዝስራሕን ምግባር።

-እዚ ምስዝፍጸም ካብዚ ሕጂ ዘለዎ ናይ ኢቲዮጲያ ኣየርላይን ጥራይ ምዕራፍ ወይ ምዕንጋል ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈር ቲ ክኸውን ከምዝኽእል። ብፍላይ ምስ ህሉው ኩነታት ሶማል ጂቡቲ ርግኣት ዘይምህላዉ በዚ መስመር‘ዚ ዝጓዓዛ ነፈር ቲ ኣብ ዓሰብ ከዕርፋ ዘድልየን ጠለባተን ከምዝምልሽ ጌርካ ምድላው የድሊ።

–       እዚ ከኣ ናብ ሰሜን፡ደቡብ ከምኡ‘ውን ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ፡ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብን ማእከላይ ምብራቕን፡ ርሑቕ ምብራቕን ዝበርራ ከገልግል ይኽእል። ከምኡ‘ውን ረፋይነሪ ብጉቡእ ምስዝሰርሕ ካብዚ መ ዓርፎ ነፈርቲ‘ዚ ነዳዲ ናይ ነፈርቲ ንመሸጣ ከነቕርብ ይካኣል። ካብዚ ነዳዲ‘ዚ ዝለዓለ ረብሓ ናይ ወጻኢ ሸርፊ (ዶላር) ክርከብ ይካአል

–       እቲ ዝበለጸ መሐንበሲ ቦታ 6 ኪሎ-ሜተር ካብ ዓሰብ፡ 5 ኪሎ-ሜተር ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ሞንጎ ስለዝር ከብ ኣዝዩ ተፈታዊ ይገብሮ።

–       እወ፡ ክኢላታት መጽናዕቲ ገይሮምእቲ ካብዚ ክርከብ ዝኽእል መኽሰብ ወይ ረብሓ ብደቂቕ መጽናዕቲ ክገብርሉ የተሓሳስብ። ነዚ መዕርፎ ነፈርቲ‘ዚ ዘድሊ ኣቓልቦ ክወሃቦ ይግባእ።

4.2፡ ማይክሮዌቭ ዓሰብ

ማይክሮዌቭ ዓሰብ ኣገልግሎቱ ኣብ ዓሰብን ውሽጢ ኢቲዮጲያን ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን። ዝግልገላ ኬኒያ፡ ሶማል፡ ጂ ቡቲ፡ የመን፡ ኢቲዮጲያ፡ ኤርትራ ከምኡ‘ውን ሱዳን ከገልግል ከምዝኽእል ይዝረበሉ። ነዚ ብደቂቕ መጽናዕቲ ጌርካ ዝተ ረጋገጸ ኣገልግሎት ምፍላጥ። ካብዚ ኣገልግሎት ክራይ ዝኣቱ ምግማቱ። እቲ ምኽፋት ማይክሮዌቭ ዓሰብ ምስቲ ዓሰብ ዘ ለዎ ስራሓት ምእንጋድ መራኽብ ትወሳኺ ካብ ክራይ ዝኣቱ ገንዘብ ረብሓ ናይ ሃገር ስለዘለዎ ንክርአ የተሓሳስብ። እቲ ፕሮጀክት ምስ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ዝኽፈል ክራይ ሳተላይትምስ‘ዚ ኣታዊ‘ዚ ምንጽጻር።

4.3፡ ትካል ዓሳ ዓሰብ።

ብነርወጂያን ዝተመደበ 40 ሚሊዮን ዶላር ኣመሪካ ባጀት ወይ ፕሮጀክት፡ ብመንግስቲ ኢቲዮጲያ ዝጸደቐ መሰረት ኣባይ ዝተባህለ ነቲ ፕሮጀክት ሓላፍነት ዝተዋህባ ካብ ኣ.ኣበባ ዓሰብ መጺኣ ሓቢራ ዝነበረት ናብ ምስሌነ ኤርትራ ኣ.ኣበባ ዘመ ሓላለፍናያ።

እዚ ፕሮጀክት‘ዚ ናይ ምምሃር፡ ናይ ምግፋፍ፡ ናይ ምዕሻግ፡ ናይ ንግዲ ወዘተረፈዝሓቖፈ ስለዝነበረ፡ ነዚ ፕሮጀክት‘ዚን ካልእ ፕሮጀክትን መጽናዕቲ ጌርካ ነዚ ሕጂ ኣብ ዓሰብ ጥራይ ተሓጺሩ ዘሎ መሸጣ ዓሳ ካብ 10 ኩንታል ኣብ መዓልቲዘይሓልፍ ዘሎ ክሳብ ውሽጢ ኢቲዮጲያ ደሴ ኣ.ኣበባ ወዘተረፈ ከምዝባጻሕ፡ ካብዚ ሓሊፉ‘ውን ትካል ምዕሻግ ኣብ ዓሰብ ዝትከለሉ መንገዲ‘ዚ ፕሮጀክቲ‘ዚ እውን ስለዝሕብር፡ መሸጣ ዓሳ ናብ ወጻኢ ነዚ ዝኣመተ ረብሓታት ከምዘለዎ የገንዝብ።

4.4፡ ትካል ጨው ዓሰብ

እዚ ትካል‘ዚ ብዘይካ‘ቲ 1, 400, 000. ኩንታል ንመሸጣ ንኢቲዮጲያ ዓመታዊ ዘድሊ፡ ማለት 1, 200, 000. ኩንታል ንህ ዝቢ ንመግቢ ዘውዕሎ፡ 200, 000, ኩንታል ንትካላት ፋብሪካ ቆርበት ወዘተረፈ ዝውዕል።ጠለብ ዓመታዊ ኢቲዮጲያ ብሕሳብ 32 ብር ንኩንታል 44, 800, 000. ብር ኣታዊ ዝርከቦ።

ካብዚ ሓሊፉ ናብ ወጻኢ መሸጣ ጨው ሃሰስ ምባል፡ ነዚ ትካል‘ዚ ብመሳርሒ /ጥበብን/ ክእለትን ካብዘለዎ ናብ ዘመናዊ ቀይርካ ዓመታዊ ናብ ወጻኢ ዝኸይድ ዝሽፍን ኮይኑ ምህርቱ ክዓቢ ከምዘለዎ። በዚ ሕጂ ዘለዎ 10,000 ቶን ኣብ ወርሒ ነቲ ጠለብ ናይ ኢቲዮጲያ ጥራይ ዝሽፍን ስለዝኾነ፡ ካብዚ ንላዕሊ ከፍሪ ወይ ምህርቲ ክርከቦ ስለዝኽእል፡ ናይ ምዕሻግ ጨው‘ውን ነዚ ከባቢና ክሽፍን ዝኽእል ዘለዎ ተኽእሎ መጽናዕቲ ጌርካ ፕሮጀክት ምቕራብ የድሊ።

4.5፡ ሓሊብ (ገፈፍቲ ዓሳን መጐዓዝያ ሰብን መራኽብን)

እዚ ትካል‘ዚ ብኮርያዊያን ዝተጀመረ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ካብ 87 – 91፡ ገና ዘይተወዳ ጅምር ስራሕ ናይ ገለ 3 ዝኾና መራኽብ ናይ ገፈፍቲ ዓሳ (2)ናይ ሰብ መጐዓዝያ (1) ኣብ መስርሕ ዝርከባ ንምፍጻም ቁሩብ ዝተረፈን ይርከባ። ከምኡ‘ውን ቤት ትምህርቲ ናይ ኢደ-ጥበብ፡ ሓጺን፡ ዕንጸይቲ፡ ኤለክትሪክ፡ ነቪ ወዘተ ከገልግል ዝኽእል ህንጻታትን ቤት- ዕዮን ዝተዳለወ ገና ዘይተወድአ ናይ ሓመድ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተነጽፈ ዘለዎ።

እዚ ከም መዓስከር ሙሉእ መደብ ዝነበሮ ከም መተካእታ ናይ ዓሰብ ዝሕሰብ ከምኡ‘ውን ንጂቡቲ፡ የመን፡ ወዘተረፈ ከም- ወተሃደራዊ መዓስከራት ናይ ቀረባ ክህድድ ዝዓለመ ይመስል።

ብቐዳምነት ዝተጀመረ ፕሮጀክት ሓሊብ ምስ መንግስቲ ኮሪያ፡ ኢቲዮጲያ ምርድዳእ ከም ዝቕጽል ወይ ናይ ኣተሓሕዛኡመንገዲ ምግባር የድሊ።

እቲ ናይ ገፈፍቲ ዓሳ መጐዓዝያ ሰብ ጠለብ ንዓና ዘድሊ ኣዝዩ ውሱን ክኸውን ይኽእል። እንተኾነ ከም ፕሮጀክት መፈጸምታ ኣብጺሕካ ነቲ ናይ መሸጣ ናይ ከባቢና ምዕላምን ምሕሳብን ዘድሊ ይመስለኒ።

ልዕሊ ኩሉ ከም ወተሃደራዊ መዓስከር ናይ ባሕሪ፡ ምድሪ፡ ኣየር፡ ነቲ ከባቢ ከገልግል ይኽእል ዝብል ግምት ኣለኒ። ምስቲ ድሌት ናይ ሓዋሩ፡ ንገምገም ባሕሪ ዝመጽእ ኣባይ /ጸላኢ/ ናይ ኢቲዮጲያ ይኹን ዓፋር ወዘተረፈ።

4.6፡ ናብ ወጻኢ ዝላአኽ ንግዲ

ካብ ውሽጢ ኢቲዮጲያ ካብ ዝርከብ ቡን፡ ቆርበት፡ ኣባጊዕ፡ ወዘተረፈ ዕዳጋ ኣብ ዓሰብ ብምኽፋት፡ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ናብ ወጻኢ ንምልኣኽ ዘሎ ተኽእሎ ሃሰስ ምባል መደብ ምግብር።

5፡ ፕሮጀክት።

5.1፡ ወደብ ዓሰብ ምዕባይ።

ወደብ ዓሰብ ናይ ምዕባይ /ምስፋሕ/ ብዪጎዝላቪያ ዝተጀመረ ምስ መንግስቲ ዪጎዝላቪያ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢቲዮጲያን እቲ ዝተጀመረ ፕሮጀክት ከምዝቕጽል ምግባር። ብዙሕ ንብረት ከም ናይ ኮንስትራክሽን ኣብ ወደብ ዝተራገፈ ከምዘሎን ምእርናብን ምቁጽጻርን ከድሊ ኢዩ።

እቲ ምዕባይ ናይ ወደብ ምስቲ ናጻ ወደብ ምዃኑ፡ ካብ 70% ናይ ኢቲዮጲያ ኣታዊ በዚ ወደብ ዝነበረ ካብ ጁቡቲ 15% ብዘይውሕድ ክውስኽ ስለ ዝኽእል፡ 85% ናብዚ ምዝዛው ስለዘይተርፍ፡ ነቲ ኣብ ዓመት 354 መራኽብ ዝዕንግል ዝነበረ 15% ብዝወሓደ ክውስኽ ስለዝኽእል፡ ምዕባይ ወደብ ግምት ምሃብ የድሊ። ብዝወሓደ ናብ 400 መራኽብ ዓመታዊ ክዓቢ ኢዩ።

5.2፡ ናይ ፈረንታዮ መሳርሒ። (ዘመናዊ መሳርሒ)

ናይ ኣየር-ፖርት /መዓርፎ ነፈርቲ/ ናይ ወደብ ዓሰብ ምዕባይ ፕሮጀክት ኣብ ግምት ምእታው። ዓቢ ዘመናዊ መሳርሒ ናይ ፈረነታዮ ከባቢ ኣየር ፖርት ይርከብ። እዚ ፈረነታዮ‘ዚ ዓብን ዘመናውን ኩሉ ነገር ዘማልእ ባዕሉ ኩሉ ነገር ዝፍጽምን ኣብ ዳግመ-ህንጻ ሃገር ዓቢ ግደ ክጻወት ስለዝኽእል፡ እቲ ናይ ወደብ ዓሰብ ምዕባይ ዘየሀውኽ ምስ ዝኸውን እቲ ጽርግያ ካብ ዓሰብ ንባጽዕ ተቐላጢፍካ ዘይስራሕ ምስዝኸውን፡ እዚ መደባት‘ዚ ንግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዝምልከት ኮይኑ፡

ዘለኒ ርኢቶይ፡-

  • እዚ መሳርሒ‘ዚ ብዘይስራሕ ካብ ከባቢ ዓሰብ ዝጸንሕ፡ ናብ ዘድሊ ቦታ ከምዝመጽእ ጌርካ ዓቢ ግደ ኣብዳግመ -ህንጻ ናይ ትሕተ-ቅርጺ ሃገር ክጻወት ስለዝኽእል ግምት ምሃብ።
  • ብደቂቕ ካአ መጽናዕቲ ናይ ክኢላታት የድሊ። ኣብ ምግዓዝ ይኹን ናይ መደባትን ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ንምስናይ፡
  • ብፍላይ ምዕባይ ወደብ ዓሰብ መንገዲ ባቡር ካብ ባጽዕ ኣስመራ -ምዕራብ ኤርትራን ምህናጽ ጽርግያታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝቕድም ምስ ዝኸውን እዚ መሳርሒ‘ዚ ኣድላይ ኢዩ።

6፡ ምምሕዳር ዓሰብን ሰራዊትን፡

ዓሰብ ከምክፉት በሪ ናይ ህዝቢ ኢቲዩጲያ ንቁጠባ ኢቲዮጲያ ወሳኒ ተራ ዘለዎ፡ ዝበዝሕ ናብ ኢቲዮጲያ ዝኣቱ በዚ ወደብ‘ዚ ክኸውን ምስ ናጻ-ወደብምዃኑ፡ ምስ ህሉው ኩነታት ጂቡቲ መስመር ጂቡቲ ዲረዳዋን ኣ.ኣበባን ሕማቕ ምህላዉ ንቀጻሊ‘ውን እናኸፍአ ዝኸይድ እንተዘይኮይኑ ክመሓየሽ ተስፋ ዘይብሉ፡ ዓቕሚ ባቡራት  በዚ መስመር‘ዚ ዝተወሰነ ምዃኑ፡ ብዓሰብ-ኣ.ኣበባ ግን ብደረቕ ጽዕነት 20,000. ቶን ፈሳሲ 2000 ቦጥ ምስተሳሓብተን ዓቕሚ ምህላዉ፡-

–       መዓልታዊ ዓቕሚ መጎዓዝያ እኹል ኢዩ እንተዘይተባህለ፡ ነቲ ምስ ጂቡቲ መስመር ዘሎ ንኣሽቱ ባቡራት ኩነታ ት ዘይምርግጋእን ኣነጻጺርካ ዝሓሸ ምዃኑ።

–       ነዚ ናይ ካሶኒን ቦጥን ዓቕሚ መጐዓዝያ እውን ክውስኽ ተኽእሎ ስለዘሎ ማዕረ‘ቲ ዝራገፍ ከምዝጻዓን ንምግባሩ ውጥን ወጻኢ ምስ ዝሰርሓሉ ተመራጺ መስመር ስለዝኾነ፡ ነቲ ብዓቢ ሓላፍነት ተሰኪሙ ናይ ኤርትራ ቁጠ ባዊ ረብሓታት ኣብ ስነ-ቁጠባዊ መጽናዕቲ ዝምርኮስ ካብ ወደብን ትካላትን ብሕጂ ክምዕብል ዝድለይን ወይ ትጽቢት ዝግበረሎም ከም ናይ ዓሳ፡ ጨው ወዘተረፈ ክእለት ዘለዎ ብዛዕባ ቁጠባ ፍልጠት (ብምህሮ) ዘለዎ ኣመሓዳሪ ክምደብ ይምረጽ።

–       ኣብዚ ዝግበር ንእሽቶ ጉድለት ወይ ጌጋ ንሃገራዊ ረብሓ ብሚሊዮናት ስለ ዝትንከፎ እዚ ከኣ ነቲ ዓመታዊ ባጀት ናይ ኤርትራ ብቀሊሉ ዝጸሉ ስለዝኾነ፡ እቲ ዝበዝሐ ባጀት ኤርትራ ክሳብ ሕርሻ፡ ኢንዱስትሪ ሕውየት ገይሩ ንቡር ዝምለስ፡ ነዚ ናይ ረፈረንዱም ግዜን፡ ቀዳማይ ሓሙሽተ-ዓመት ውጥን ቁጠባን፡ ምንግስቲ ኤርትራ ካብ ዓሰብ ብውሕልነት ረብሓታትና ምስ ዝእከብን ሃሰስ ምስ ዝበሃልን ብቀሊል ዝጥመት ከምዘይኮነ፡-

ኣብነት ንምቕራብ፡ በቲ ዝነበረ ጥራይ ምስዝርአ፡

-ቀረጽ…………..    400 ሚሊዮን ብር እዚ ናጻ ወደብ ሕድገት ንኢቲዮጲያ።

– ወደብ ……….    360 ሚሊዮን ብር እዚ ረብሓና ይኹን።

-ማሪታይም……     150 ሚሊዮን ብር እዚ ረብሓና ይኹን።

– ሪፋይነሪ……..     150 ሚሊዮን ብር እዚ ረብሓና ይኹን።

– ጨው ……….     50 ሚሊዮን ብር እዚ ረብሓና ይኹን።

– ዓሳ…………….    50 ሚሊዮን ብር እዚ ረብሓና ይኹን።

– ካልእ ትካላት..    ከምኡ………።

በዚ ምስ ንምልከቶ ናይ ናጻ ወደብ ጥራይ ገዲፍና 400 ሚሊዮን ብር ሕድገት ንኢቲዮጲያ። እቲ ካልእ ኩሉ ናባና ምስ ዝኣቱ ናይቲ ዝተፈልጠ ጥራይ 710 ሚሊዮን ብር ዓመታዊ ኣታዊ ክህልወና ኢዩ ማለት ኢዩ። እዚ ከኣ ምስቲ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ማይክሮ-ዌቭ፡ ዓሳ፡ ካልእ ወዘተረፈ ኣታዊታት ናብ ሓደ ቢሊዮን ብር  ዓመታዊ ክበጽሕ ተኽእሎ ስለዘለዎ፡ ነዚ ረብሓታት‘ዚ መጽናዕቲ ዝገብር ብቁጠባዊ ዓይኒ ፍልጠትን ብውጥን ዝመርሖ ኣካልን ኣብ ዓሰብ ክህሉ ርእይቶ የቕርብ።

በጻሕቲ ዓሰብ ካኣ ካብ መላእ ዓለምን ኢቲዮጲያን ኢዮም።

ሰራዊት ኣብ ዓሰብ ዝምደብ ከምኡ‘ውን ክፍልታት።

ተጋደልቲ ከም ኣብ ካልእ ቦታታት ኤርትራ ብናጻ ብዘይደሞዝ ክሰርሑ ክሕሰብ የብሉን። እዚ ወደብ‘ዚ ንህዝቢ ኢቲዮጲ ያ ዘገልግል ወደብ ኢዩ። ኩሉ ስራሕ ከኣ ካብቲ ተራ ወታሃደር ሓለዋ ብሎኮ ወይ ትካል ዝውዕል ክሳብ ዝለዓለ ኣካል ዝተዋፈረ ሸቃላይ ወይ ኣገልጋሊ ናይ ህዝቢ ኢቲዮጲያ ኢዩ። እዚ ከኣ ኣብ ቅድሚ 90% ተቐማጢ ህዝቢ ኢቲዮጲያ መዓልታዊ ዝኣትዋ ዝወጻ መካይን ጽዕነት ደረቕን ፈሳስን ካብ 500 መካይን ዘይውሕዳ ካብ 4-7 መራኽብ ዓለም መዓልታዊ ዝኣትዋ ዝወጻ ኢየን። ምስ ከምዚ፡ ኣብ ከምዚ ኩነት ብዘይ ደሞዝ ጸገም ክፈጥር ኢዩ። መስተ፡ ሽሂ፡ መግቢ፡ ዙረት ምስቲ ከተማ ዝኸይድ ምዝንጋዕ ወዘተረፈ፡ ሰራዊትን ክፍልታትን ክደልዩ ኢዮም።ነዚ ከምፍታሕ ዘድልዮ ዘለኒ ርኢቶ፡-

  1. መነባብሮ ምምሕያሽ፡ ማዕረ‘ቲ ነባሪ ህዝቢ ምብጻሕ፡ ነዚ ከኣ ፍሉይ ባጀት ምምሕያሽ የድልዮ።
  2. ናይ ምዝንጋዕ መደባት፡ ብባህሊ፡ ሙዚቃ፡ ቪዲዮ፡ ተለቪዠን፡ መስተ፡ ስፖርት፡ ወዘተረፈ ከምዝስነ ምግባር። ስሩዕ መደባት ምግባሩ።
  3. ደሞዝ ሙሉእ እንተዘይተኻእለ፡ ናይ ጁባ ገንዘብ /ፖኬት ማኒ/ ከድሊ ኢዩ።
  4. ኣብ ጂቡቲ፡ ኢቲዮጲያ፡ ዶብ ዝምደብ ሓለዋ ዶብ ካኣ ፍሉይ ሓለፋ ወይ ደሞዝ ከምዘድሊ፡ ምኽንያቱ ናይ ጂቡቲ ይኹን ናይ ኢቲዮጲያ ደሞዝ ስለዘለዎም።

እዚ ምስዘይግበር፡ ሰራዊትን ክፍልታትን ናቶም ውልቃዊ – ረብሓታት፡ ድሌታት፡ ዝረኽቡሉ መንገድታት ሃሰ

ስ ክብሉ ኢዮም። ኣብ ዓሰብ ድማ ብዙሕ መንገዲ ስለዘሎ፡ ኣብ ዘይተደለየ ሕማቕ ሳዕቤናት ከይኣትዉ፡ ነዚ

ግምት ዝሃበ ፍሉይ ባጀት ናይ ተጋደልቲ ኣብ ዓሰብን ከባቢኣን ምምዳብ ከድሊ ኢዩ።ነዚ ከኣ ዝምልከቶ ክፍ     .ሊ ፍሉይ መጽናዕቲ ካብ ዝተጨበጠ ኩነታት ዓሰብን ከባቢኣን ናብ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ከቕርብ ይላቦ።

ብዛዕባ‘ዚ ምስ መስፍን ሓጎስ ተዛሪበሉ ኢየ። ንሕና ትሕዝቶ መግቢ፡ መስተ ስለዝነበረና ብዘይጸገም ሓሊፍናዮ ኢና።

ይቕጽል፡

ጎደፋ፡

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • TwoWayStreet July 26, 2013

    Godefa thank you for this historical document. It clears the air from rumors. The points that I take from this document is that:
    1. Bitew was not afraid to give his opinion (right or wrong)
    2. His suggestions were in the interest of Eritrea and its people
    3. Repeatedly admits that he is not an expert, and suggests the use of advisers and experts in various areas
    4. He even suggested the appointment of a mayor or Assab administrator who is capable of making decisions based on economic factors.
    5. His suggestion on giving salary and/or pocket money to soldiers(Tegadelti) around Assab to prevent corruption before it even began was very wise.

    What Eritrea needed was leaders(genius or not) who respect the idea/opinion/suggestion of others, leaders who decide after a heated dialogue with peers and subordinates, leaders who seek expert opinion, leaders who believe in prevention rather than containment, leaders who initiate research, leaders who are not above the law.

  • bdu July 26, 2013

    My take from Bitew’s papers is mixed. First I want to applauded him for his long term vision and his consistent opposition to things he thought were not in the interest of Eritrea. However his fault is he should have stopped on suggestions. The relationship between and Eritrea was in a very delicate situation and he should have waited for response from the government than taking actions by himself. Even if he shouldn’t agree with decisions made by the government he shouldn’t have taken matters into his hands.

  • marsa July 26, 2013

    We all know how bitweded love his country, every thing he did was for the benefit of Eritrea ,
    To bad he did not know his boss was the opposite way.

  • poor bekitai July 27, 2013

    is that all about our reaction to events like that happened to Bitew and others? such people have sacrificed every thing that they own to us, their people. including their sacred life. is not this true? is there any body who can claim he did more than people like Bitweded, petros, sherifo and duru’e and others? are we sure what was written against them is right? people like them and us, told that they were thugs, they were betrayals, they were symbols of defeatism, they were under nationalists and the like. are we there to simply swallow what one side says about the other side? will this be healthy to our future political culture? do not you think it will institutionalize for crimes like what happened to these people like Sherifo? are we this much fools as a people to be cheated by a group of people who claim they are the justice icons? are we sure these people in .power are as pure as saints and are against injustice and imprisonments? which court proved that these people were betraying the Eritrean people? which judge followed the process for the case of these people? i am not saying these people are innocent. but i am not sure wether they were criminals or not? who is issaias to tell us these people were criminals? they had the same contribution in the struggle like him. even they could have been more than that of him . but how do we allow one person to be a judge, a court system, minister of justice, minister of defense? and how do we mistrust Petros and Trust Isaias? aren’t they the same to us? if we are people with out any sympathy to some one who fought for us , it is a big risky to our nation? so who is going to sacrifice his life and opportunitie for us as a people if betray him at times of injustice? it is a bad experience in our history. is the people of Eritrea like what is seeing now? to die for some body who dies for you is logical. is the people of Eritrea brave enough to claim his rights as what we always utter? isn’t what happened to the imprisoned hereos a symbol of our cowardness? so can we say we are coward as a people? or..

  • H.K July 28, 2013

    Dear Godefa,
    Thank you for this historic document. From this document I have seen the following things very clearly:
    1- Bitew was not only a nationalist and who works relentlessly for Eritrea but he was a good leader who know how and where to take a decsion. He had guts because he was honest!! Unlike the walking dead who are working with DIA.
    2- Bitew was a visionary in all terms unlike the ” Leader/Mafia Boss/Shifta ” of Eritrea.
    3- In order to say this is right or worng you should put yourselves in Bitew’s place in that particular moment. Salaries, food of Tegadelti, the situation of the local people and what not!! So, I see all he did was right for the way he sees it in that particular time.
    Unfortunately, Bitew was working with the wrong people!! He was Eritrean working for Eritrea but time is telling us after 22 years not even one of his vision has been done!! What a pitty!! Eritrea has jailed and killed its honest children and has remained with her step sons who does not need any thing good for its people!!!
    God save Eritrea from here Bastards!!!

  • ahmed saleh July 30, 2013

    I think after reading Godefa’s account some anti Eritrean
    revolution group understand our heroes principled stand
    and stop preaching unnecessary far from true garbage theories.

  • guday hager July 31, 2013

    It is a pity we as eritreans come in to conclusion listening to one side of history.the jailed patriots are nither betreyals nor under nationalists but heros like the nowadays leaders of eritrea.regarding betweded he is self less leader put hid country first before any thing.during his time the situation of eritrea and ethiopia was tens.his decition may hamper the relation of ethiopia and eritrea and ethiopia may not agree to let the eritrean government to have a right to self detemination through referendum.as such it is possible we might not see the country of eritrea as independent as now and push the government of ethiopia and eritrea in to endless war before eritrea could known as a country.the eritrean government well aware that betwededs idea is right and clear as eritreaas core agenda of its future.even any one can agree the so called patriots we call them more than the current leaders in eritrea G 15 didn’t oppose his arrest and didn’t rise any issue regarding betweded.the current leaders are gone far arresting leades and individuals incomunicado and I don’t think in the interest of eritrea and eritreans but we sholud have to bring the hot issues before the case of individuals .freedom to the oppressed people of eritrea.

Post a Reply to marsa Cancel Reply