Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሪሞ: ካብ ምህሮስ ኣእምሮ

ኣማኑኤል ሳህለ ናይ ሰብ ሓንጎል: ብዙሕ ክፍልታት ወይ ውሻጠታት ዘለዎ ይመስል። ኣብቲ ክፍልታት ድማ እተፈላለየን እንሓንሳእ ነንሕድሕዱ ዝጻረርን ዘይቃዶን ኣምራትን እምነታትን ርእይቶታትን ምቕማጥ ወይ ምውጋን ዚከኣል ኮይኑ ይስመዓኒ። ከምኡ እንተ ዘይከውን ደኣ ከመይ ኢሉ እዩ ገለ

ኣማኑኤል ሳህለ

ናይ ሰብ ሓንጎል: ብዙሕ ክፍልታት ወይ ውሻጠታት ዘለዎ ይመስል። ኣብቲ ክፍልታት ድማ እተፈላለየን እንሓንሳእ ነንሕድሕዱ ዝጻረርን ዘይቃዶን ኣምራትን እምነታትን ርእይቶታትን ምቕማጥ ወይ ምውጋን ዚከኣል ኮይኑ ይስመዓኒ። ከምኡ እንተ ዘይከውን ደኣ ከመይ ኢሉ እዩ ገለ ምሁራትን ተመራመርትን ምስቲ ዘይኣምኑሉን ምስቲ ብስነሞገታዊ መገዲ ኪሓስቡ ኸለዉ ኣእምሮኦም ኪቕበሎ ዘይክእልን ነገራት ተሳኒዮም ዚነብሩ?

ከምቲ ኣብ ሓንቲ ኮምፕዩተር: ዚፕ: ፎልደር: ፋይል ወዘተ. ዘሎ እሞ: እተፈላለየ ሰነዳት ወይ ሓበሬታታት ድማ ዚሕዝ: ሓንጎል ወድሰብ ድማ: ነቲ እተመከሮን: ኪምከሮ ዚውዕልን: ነቲ ዝህቦ ግብረመልስታትን ዚምዝግቦ ርእይቶታትን ኣመለኻኽታን: ነቲ ዚርዕሞ እምነታትን መትከላትን፤ ነቲ ዝመሳሰል ኣብ ሓደ ፋይል: ነቲ ዘይመሳሰልን ነንሓድሕዱ ዚጻረርን ድማ ኣብ ካልእ ፋይል ብምድርዳር: ናይ እተመቓቐለ ባህርያት (schizophrenia) ምልክታት ሕማም ከየርኣየ: ማሕበራዊ ናብራኡ ኪቕጽል ይኽእል እዩ።

ኤርትራ ብዙሓት ምሁራትን ተመራመርትን ኣለዉዋ: ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገርን ኮይኖም ድማ ብጽሑፍ ኮነ ብኻልእ ንጥፈታት ናይ ምንቕቓሕ ኣስተዋጽኦ ይገብሩ ኣለዉ። ኣነ ሕጂ ክዛረብ ደልየ ዘሎኹ: ብዛዕባኦም ዘይኮነስ: ብዛዕባቶም ተማሂሮም ከብቅዑ: ከምታ ብርሃን ዘይትህብ ሽምዓ ንርእሶም ጸልሚቶም ንከባቢኦም ዘጸልምቱ ምሁራን ወይ ተመራመርቲ እዩ።

እስከ ንሓደ ካብዚኣቶም ከም ኣብነት ንውሰዶሞ: ሪሞ ዚብል ስም ድማ ንሃቦ።

ንሪሞ ሓንጎሉ ከፊትካ እንተ ትርእዮ: ብስእላዊ ኣዘራርባ: ኣብ ውሽጡ ዘገርም ነገራት ምረኣኻ። ኣብ ገለ ክፋላት ሓንጎሉ: ጸሊምን ጻዕዳን ኣዳኖት ኮይነን ብሓደ ኮፍ ኢለን ከዕልላ፤ ኣብ ገሊኡ: ድፍረትን ስንፍናን ብሓደ ኪዝትያ፤ ኣብ ገሊኡ: ናጽነትን ባርነትን ብሓደ ኾይነን ከውግዓ፤ ኣብ ገሊኡ: ደሞክራስን ውልቀመላኽነትን ብሓደ ከዅድዳ፤ ኣብ ገሊኡ ጥልመትን ተኣማንነትን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዘን ኪዛወራ: ኣብ ገሊኡ: ሓቅን ሓሶትን ጭርጭር ዓበደ ኪጻወታ: ኣብ ገሊኡ ድማ ስነመጎትን ስምዒትን ሓሸውየ ኪብላ ምረኣና። ንኹለን ከኣ ሕደ ዋጋ እዩ ዚህበን: ብሓደ ዓይኒ ኸኣ ይርእየን።

ንሪሞ ግን እዚ ተርእዮዚ ባህርያዊ እዩ። ዚገርሞውን ኣይኮነን። ከምዚ ዝበለ ሓንጎል እንተ ዘይህሉዎሞ: ምሁር ኮይኑ (ገለ ልዕሊ ዓቕሙ ዝኾነ ጸገማት እንተ ዘይሃሊዩዎ) ኣብ ኤርትራ ኪቕመጥ ወይ ኪነብር ኣይምኸኣለን። ሪሞ ነቲ ሓንጎሉ ብኸምዚ መገዲ ኪጎዓዝ ኣላሚዱዎ እዩ። ጎራሓትን ተበለጽትን ንዓለም ኪወርሱዋ እዮም።

ሪሞ ኣብ ኣመሪካ እዩ ተማሂሩ: ብሕጊ ናይ ዶክቶር መዓርግ ኣለዎ። ኣብ ሜዳ ኣይነበረን: ኣብቲ ኤርትራዊ ስቓዩ ዝረኣየሉ ከተማታት ኤርትራውን ኣይነበረን። ሳዋ ኣይከደ: ባኒ ኣይተሰርዐ: በርሚል ከረውረው ክትብል ኣይረኣየ: መብራህቲ ንሽድሽተ ወርሒ ክትጠፍእ ከላ ለይቲ ደርገፍገፍ ኣይበለ: ካብ ገዛ ኣይተሰጐ: ኣይተገፈ: ኣይተጸርፈ: ኣይተሰደደ። ሰብ ንሃገር ገዲፉ ኣብ ወጻኢ ኪዕቆብ ምስ ጀመረ እዩ: ሳምሶናይቱን ላፕቶፑን ሒዙ ናብ ኤርትራ ዝኣተወ።

ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ብሉ ናይል እዩ ኣትዩ። ኣብእ ድማ ደርሆኡ ምስ በልዐ: ነቶም ኣብ ኣመሪካ ዘለዉ ብጾቱ: ዓዲ በሽ በሽ እያ ኾይና ዘላ: ጣፍ ተሳኢኑ ኸኣ ይበሃለለይ ብምባል ኢመይል ገይሩ። ንሱ ኣብ ብሉ ናይል ደርሆ ኪበልዕ ከሎ ግን: ሓደ ሚእቲ ሜትሮ ካብቲ ዝነበረሉ ቦታ ርሕቕ ኢሉ: ህዝቢ ባኒ ተሰሪዑ ከም ዝነበረ ኣየስተብሃለን። ከመይ ገይሩ ከስተብህል: ልቡ ብፕሮፓጋንዳ ህግደፍ ተዓዚሙ እንዲዩ ነይሩ።

ሪሞ: ናይ ሓደ ሰብ ዛንታ የዘክረኒ። ቀደም እዩ: ኣቦኡ ንኺመሃረሉ ገንዘብ ከፊሉ ንዓዲ ጥልያን: ናብ ሚላኖ ይሰዶ። ኣብ ሚላኖ ኣብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ እናተማህረ ኸሎ: ንኣቦኡ ሓንቲ ደብዳበ ይጽሕፈሉ። ኣብቲ ደብዳበ ከምዚ ዚብል ሓበሬታ ይጽሕፍ፤ ኣቦ! እዛ ወርሒ ናይ ሚላኖስ ልክዕ ከምዛ ወርሒ ናይ ዓድና እባ እያ….። ኣቦኡ ነዚ ምስ ኣንበበ፡ ዋይ ኣነ: ቅርሸይ ንብላሽ!! በለ ይብሃል።

ኣብ ውሽጢ ሓንጎል ሪሞ: እተሓላለኸ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ድራኸታት ኣሎ። ናይ ኣእምሮኻ ምዕሻው ዝንባሌታት ኣሎ: ናይ መንነት ጭንቀታትውን ኣሎ። ምስ መንግስቲ ምሽራው እውን ምስ ሃይማኖቱ ዚገራጮ ኣይኮነን: ምስ ህግደፍ ዚደናገጹ ካህናት ኣለዉዶ ኣይኮኑን? እሞ እንታይ ደኣ ዘይገበረ?

ሪሞ: ኣዒንቱ ጨፊኑ ነቲ ጻዕዳ ጸሊም ኪብሎ ምስ ጀመረ: ነቲ ስነ-ሞገቱ ዛጊት ቫይረስ ኣእቲዩሉ እዩ። ንሓደ ነገር እንተ ኣሚንካዮ: ናይ ምእማን ሎጂክ ወይ ናይ ምእማን ስነመጎት ዚብሃል መስርሕ ንኣእምሮኻ ይብርዞ እዩ። ሽዑ ሓደ ምስ ምሉእ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኡ ዘሎ ሰብ፡ ጸሊም ሰሓብ ዋዒ: ጻዕዳ ግን ነጻጊ ዋዒ ምዃኑ ብሳየንስ ስለ ዚፈልጦ: እዚ ነገርዚ ጸሊም እንተ ዚኸውን ደኣ ስለምንታይ ዘይረስን? ብምባል ነቲ ኣእምሮኡ ንግዜያዊ ዕግበት ሸይጡዎ ዘሎ ሪሞ ይውከሶ።

ሪሞ ድማ በቲ ናይ ምእማን ስነሞገት ገይሩ: ከም ዘይረስን ዝገበሮስ ንሕና እኹል ዋዒ ንኸይረክብ ስለ ዝኸልከልናዮ እዩ ብምባል ንኣእምሮ ወድሰብን ንምዕባለ ሳየንስን ዚፈታተን መልሲ ይህብ። ናይ እምነት ስነሞጎት ሸንኮለል እዩ። ሪሞ: በቲ ዝሃቦ መልሲ ቀሲኑ ህግደፋዊ ንጥፈታቱ ይቕጽል።

ህግደፋዊ ንጥፈታቱ ኪቕጽል ከሎ ዝዛረቦ ዘረባን: ዘርእዮ ባህርያትን: ዚኽተሎ መትከላትን ዝሓስቦ ትልምታትን ኣለዎ። ሓደ ካብኡ ድማ: ንህዝቢ ምድንጋርን: ንኣእምሮ መንእሰያት ምርማስን: ዓወንወን ከም ዚብሉ ምግባርን እዩ። ነዚ ድማ በቲ ዝህቦ ኣስተምህሮን: በቲ ዝልግሶ ምኽርታትን: በቲ ዝጽሕፎ ጽሑፋትን: ዝህቦ መልስታትን:: በቲ ዘንጸባርቖ ክሕደትን ጥልመትን: ብሓፈሻ በቲ ዘዘውትሮ ናይ ምእማን ስነመጎትን ይገሃድ።

ሪሞ በቲ ናይ ምእማን ስነመጎት ገይሩ ብዛዕባ ሓድሓደ ፍጻመታት ርእይቶኡ ኪህብ ከሎ: ብዛዕባቶም ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉን ጌና ዚጥሕሉ ዘለዉን መንእሰያት ኤርትራ ዘሕዝን ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ: ተሓተትቲ: እቶም ዘሳግሩ ዘለዉ ከሓድትን: እተን ዝቕበላ ዘለዋ ናይ ሲኣይአ ዕሱባት ዝኾና ሃገራት ከም ዝኾና እዩ ዚሕብር። ደሓር ድማ: ናይ ሓቂ ኤርትራዊዶ ዓዱ ገዲፉ ዓዲ ጓና የፍትወሉ ኾይኑ? ይብል። እቶም ኣብ ወጻኢ ዚቕመጡ ደቁ: ካብቶም ዝጠሓሉ ስለ ዘይኮኑ: ብዛዕባ ስቓይ ወድሰብ ድምብርጽ ኣይብሎን እዩ።

ካብ ኩሉ ዘገርም ግን: ኣብ ኤርትራ ደሞክራስን ፍትሕን: ከምኡውን ማሕበረሰብኣውን ቁጠባውን ምዕባለ ከም ዘሎ ገይሩ ኪዛረብ ከሎ እዩ። እንታይ ኮን ይኸውን ምስጢሩ? ንጸሊምሲ ጻዕዳ ይበሎ: ዕዉር እውን ኪኸውን ስለ ዚኽእል። እህህታ ህዝቡ ዘይሰምዕ እንተ ኾነውን: ጸማም እዩ ዝኸውን ኢልካ እዩ ዚሕለፍ። ግን ነቲ ኩነታት ሃገሩ ብሓፈሻ ዚመዝን ኣእምሮ የብሉን ዲዩ? ንምንታይ ዲዩ ደኣ ተማሂሩ?

ግን ከኣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ እዩ። ሪሞ: እተመቓቐለን እተኸፋፈለን ሓንጎል እዩ ዘለዎ። ንኽልተ ተጻረርቲ ኣምራት ወይ ሓሳባት ዘቐምጥ ሓንጎል ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ሓንጎሉ: ሓሶትን ሓቅን: ጸሊምን ጻዕዳን: ውርደትን ክብረትን መሓዙት እዮም። ብዛዕባ ደሞክራስን ዒራዒሮን ኪሓስብ ከሎ ኣብ ውሽጢ ሓንጎሉ ናይ ምምዛን ጸገማት ኣይፍጠርን። ኣብ ሓንጎሉ: እቲ ኣብ መንጎ ምዕባለን ባኒ ምስራዕን ዘሎ ፍልልይ ኣዚዩ ሃሳስ እዩ።

ናይ ሪሞ ሓንጎል: ኣብ ኲናት: ሰላም ክርእይ ይኽእል። ኣብ ስቓይ: እልልታ ኪሰምዕ ይኽእል። ነቲ ሓንጎሉ ኣልሚዱዎ እዩ። ስለዚ ኸኣዩ ኣብ ኣመሪካ ምስ ኦባማ: ኣብ ኤርትራ ድማ ምስ ውልቀመላኺ ተሳኒዩ ኪነብር ዚኽእል።

እንታይ እዩ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኤርትራን ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልይ ኢልካ ምስ እትሓቶ: ንሳቶም ነቲ ደሞክራሲ ከም ግቡእ ኣይጥቀሙሉን ስለ ዝኾኑ እምበር: ፍልልይ የልቦን ብምባል ዘስደምም መልሲ ይህበካ። እቲ ኣብ ሓንጎሉ ዚርከብ: ንምምማይን ምጽጻይን ምንፋይን ዘገልግል ነዃላት ተተርቢዑ እዩ። እቲ ኣብ ውሽጢ ሓንጎሉ ዚርከብ መጥሓን ኣይተወቕረን: ስለዚ ነቲ ኩነታት ከይጠሓነ እዩ ናብቲ ቦኽራ ዝሰዶ።

ዘይተወቕረ ነየጥሕን: ዘይተማህረ ነየድሕን ከይንብሎ: ተማሂሩ እዩ። ግን ከኣ ካብ ምህሮስ ኣእምሮ ኢልና ክነፋኑዎ ዝሓሸ እዩ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • weygud2015 August 21, 2015

    Yemesgeneka memehr mecheam beza nay lomi ab werehi hade muhur debehal nab libu temelisu nesebat xhubuqh neger kimeher tesefa yegeber

  • ogbai August 21, 2015

    That is way, they said “Mes Muhurat Menbar xegem Bzeay muhrat menbar Xegem” Zetebahele Haw Memher Sahele Nnegerat zegenazbu Kemzi Kemaka ybzhu Etom Muhuratwen Hijiwen kneqhu tesfa ygeber. Etom kab mhrosS AAmeru zebelkayomwen Kbezhulna tesfa Egeber. Your wisdom, your reasoning is very much appericaited. Keep coming with more advice that is the best thing to do. Hijiwen kemaKa ybzuhu. God bless, Thank you for your contribution.

  • ኤድመንተን August 21, 2015

    ኣየ ትምህርቲ ከፊልካ ደይርከብ.

  • asmara August 22, 2015

    Dhri memhr emo entay kinibl edmen tienan yhabka eyu zbahal

  • ጎደፋ፡ August 22, 2015

    “ካብ ምህሮስ ኣእምሮ’ ኢልና ክነፋኑዎ ዝሓሸ እዩ”።
    መምህር፡ ምህሮ ናብ ነገራዊ ሓይሊ ምስ ዝቕየር ኢዩ ምህሮነቱ ዝፍለጥ። ምሁር ድማ ስለ’ቲ ጠባዩ ንነገር ተሃንዲፉ ኣይኣቱን ኮይኑስ ተጠርጣሪ ኢዩ። ዘቕረብካዮ ኣብነት ብዘለዎ እናነኣድኩ ከም ተመኩሮና ድማ ካብ ኣስተዋጽኦ ምሁራትና ተስፋ ኣይቆረጽናን ኴንናስ ጻውዒትካ ነቲ ደሪቑ ዘሎ መንደቕ ካሻስቱሩስ ልባቶም ከምዝፍንቅሎ እናተኣማመንኩ ስለ’ቲ ብጋህዲ ተቕርቦ ዘለኻ ኣስተምህሮ ብዓቕመይ “እዛ ሃገርሲ ብርግጽ ሰብ ኣለዋ” ኢለ እናተኣማመንኩ ኣዝየ አመስግነካ! ከምቲ ህግደፋውያን ዝበልዎ ድማ ንኺድ ጥራይ!

  • Daniel Mehari August 22, 2015

    Well said Memhr.

  • kemal Ali August 25, 2015

    Welcome back Ustaz Amanuale grande Asmarino.

  • brhane August 26, 2015

    አስከ አቶም ሙሁራት ኢና አንዳበሉ ዝደንቆሩ ኤርትራውያን የንብቡዋሞ ገለ ኣብልቦም ተተመልሱ።ግርም ምኽሪ መምህር!!!!!!!

Post a Reply to asmara Cancel Reply