Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምጉት ስርዓት ህግደፍ፡ “ዋላ ትንፈር ጤል’ያ”

ስርዓት ህግደፍ፡ ንልዕሊ 17 ዓመታት መመላእታ፡ “ወራራት ጭፍራ ወያነ ብምምካት ልኡላውነትና ኣረጋጊጽና” ክይበለ ዝወዓለላ መዓልቲ የላን እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እቲ ብሰበብ ባድመ ተባሂሉ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተወልዐን ንሰለሰተ ዓመታት ዝቀጸለን ደማዊ ኩናት፡ ካብ ክልቲኡ

ስርዓት ህግደፍ፡ ንልዕሊ 17 ዓመታት መመላእታ፡ “ወራራት ጭፍራ ወያነ ብምምካት ልኡላውነትና ኣረጋጊጽና” ክይበለ ዝወዓለላ መዓልቲ የላን እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እቲ ብሰበብ ባድመ ተባሂሉ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተወልዐን ንሰለሰተ ዓመታት ዝቀጸለን ደማዊ ኩናት፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ህይወት ኣሽሓት ቀዚፉ፡ ንብረት ኣዕንዩ፡ ምምዝባል ኣኸቲሉ፡ ቢልዮናት ገንዘብን ኣባኺኑ፡ ልምዓታዊ መደባት ኮሊፉ፡ ስድራቤታት በታቲኑን’ዩ። ክሳብ ለይቲ ሎሚ ድማ ዳግማይ ኩናት ንምውላዕ ምትኩታኽ እምበር ካብ ክልቲኦም መራሕቲ ልቦና፡ ሰላምን ሓልዮት ህዝብን ኣይተራእየን። ክልቲኦም ኣብ ስልጣን ዘለዉ መራሕቲ፡ ብቀንዱ ህግደፍን ወያነን ማለት’ዩ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰራዊት ኣብ ዶባቶም ኣስፊሮም፡ ናይ ዘሕምቆ ኣለኒ በትረይ ሃበኒ ፈኸራ፡ “ካብ ስልጣንካ ክግልፈካ’የ፡ ጸረ ሰላም ኢኻ፡ ኣይፈትወካን’የ፡ ገጽካ ክሪኤካ ኣይደል’የ” ጥራሕ’ዮም ዝብሉ ዘለዉ። እስከ ኣብቲ ኩናት መን ተዓዊቱ መን’ከ ከሲሩ ዝርዝር ከይኣተና፡ ናብ ኩነታት ስርዓት ህግደፍን ኣብ ዶባዊ ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኣመዝጊበየ ኢሉ ዝጀሃረሉ ዓወታት ንመልከት። ኩናት ይንኣስ ይዕበ ክሳራ ከምዘለዎ ንምርድኡ ኣየጸግምን። ኣብ ዘድሊ እዋን፡ ንኽብርኻን መሬትካን መስዋእቲ ክትከፍል ከምዘለካን ’ውን ርዱእ’ዩ። ዘዕውተካ ወተሃደራዊ ስልትን ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ከይትኸስርን ግን ልቦናን ብልሓትን ዝሓትት’ዩ።

ኣብቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኩናት፡ ስርዓት ህግደፍ ከምዝተዓወተ’ዩ ወትሩ እዝንና ዘጽምመና። ብርግጽ ግን ካብቲ ኩናት፡ ህግደፍ ዓወትን መኽሰብን ረኺቡ ድዩ? እታ ናይ 30 ዓመታት በሰላ ኩናት ከየሕወየት ናብ ዳግማይ ኩናት ዝኣተወት ኤርትራ’ኸ ፋይዳኡ እንታይ’ዩ? እቲ መዕቀኒ ዓወትን ውድቀትን’ከ እንታይ’ዩ? መልሲ ናይዚ ሕቶታት፡ ንሰማዕትን ኣንበብትን ዝግደፍ’ኳ እንተኾነ፡ ስርዓት ህግደፍ ዘውዲ-ንግስነቱ ከይትንከፍ እምበር፡ ብሕሰምን ስደትን ህዝቢ ኤርትራ ቅንጣብ ሓልዮት የብሉን። እቲ ሓቂ እዚ ስለዝኾነ፡ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ናይ ሰለስተ ዓመት ትርጉም ዘይብሉ ኩናት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ስዕረት ንስርዓት ህግደፍ ድማ ዓወትን መናውሒ ስልጣኑን’ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ እዋን’ቲ ኩናትን ክሳብ ሎሚ ዝቅጽሎ ዘሎን ናይ ቀምሽ ኣደይ ሓንኩሉኒ ሓንካስ ምኽንያታት፡ “ኣብ ኩናት ስለዘለና ቅዋም ከነዳሉን ምርጫ ከነካይድን ኣይንኽእልን ኢና፡ ዶብና ስለዘይተሓንጸጸን ብኢትዮጵያ ዝተጎብጠ መሬትና ከይተመልሰን እቲ ዶብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክቅጽል’ዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንምምብርካኽን ንምድኻምን ተጻብኦ ስርዓት ወያነን ሽርሕታት ኣመሪካን ኣለና” ብምባል፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ጠንቂ ብልሹው ምምሕዳር፡ ስደትን ድኽነትን ህዝብና ንኻልኦት ክጥቅንን ምስ ኩናት ከተኣሳስሮን ክፍትን ጸኒሑን ኣሎን።

“ጸርፊ’ሞ ዝገደፍና የብልናን እንተ’ተን ኣሓ’ሞ ተዘሚተንየን” ከምዝብሃል፡ ብሰበብ ዶባዊ ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣስታት 20 ሽሕ ዝተመርጹ ዜጋታትና ከሲርና። እዚ ክሳራ’ዚ ምስቲ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት ዝተኸፍለ መስዋእቲ ናይ 65 ሽሕ ተጋደልቲ ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ገዚፍ ቁጽሪ’ዩ። ኣብቲ ኩናት፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ብኸቢድ ዝሰንከሉን ብሰንኪ ስንክልንኦም ተጸበይቲ ካልኦት ክኾኑ ዝተገደዱ ምህላዎም’ውን ዓቢ ክሳራ’ዩ። ብዘይካ’ዚ፡ እዞም ኣብቲ ኩናት ዝተሰወኡ ዝኣልዩዎም ዝነበሩ ስድራቤታትን ህጻናትን ዘኽቲሞም ምትራፎም’ውን ሕቡእ በሰላን ሰለሎን’ዩ። ብሰንኪ’ቲ ኩናት፡ ልዕሊ 240 ሽሕ ኤርትራውያን ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ገለ ድማ ናብ ሱዳን ሃዲሞም። ካብ ምምዝባል ንላዕሊ፡ ልዕሊ 70 ሽሕ ኣረጋውያን ፡ ህጻናት፡ ሕሙማትን ነብሰ ጾራትን ዝርከብዎም ኤርትራውያን፡ ሕብሪ ዓይንኹም ደስ ኣይበለናን ተባሂሎም፡ ንብረቶም ተዘሚቶም፡ ክብረቶም ተደፊሮም ስድራቤታት ብምብትታን ብኣጻምእን ዞባ ኩናትን ካብ ኢትዮጵያ ከምዝባረሩ ኮይኖም ብዙሓት’ውን ተኣሲሮም። ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ከም ጻሕታሪትን ዘራጊት ሰላምን ተቆጺራን ኣብ ሶማል ንኣልሸባብ ትሕግዝ ከምዘላ ተኸሲሳን እገዳ ተገይሩላን። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ’ቲ እዉጅ ኩናት ምጅማሩ ኣብ ሰሜን ደንከል፡ ከባቢ ዓዲ ምሩግን ኣብ ምዕራብ ከባቢ ባድመን መሬት ኤርትራ ገቢቱ፡ ንሓረስቶት ኣከላቢቱን ኣባሪሩን’ኳ እንተነበረ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ እዋኑን ብሕጋዊ ኣገባብን ንማሕበረሰብ ዓለምን ህዝቢ ኤርትራን ስለዘየፍለጠ፡ እቲ ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ ዘቅረቦ ኣውያትን ጥርዓንን ሰማዒ ኣይረኸበን። ስርዓት ህግደፍ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክቱር ጽልእን ንዕቀትን ስለዝነበሮ፡ “ካብ ባድመ ወጺና ማለት ጸሓይ ብምዕራብ በሪቃ ማለት’ዩ፡ ፈኸስራ ወያነ ቀዳድ ገረወይና’ዩ” ብምባል፡ ዓቅሙ ክመዝን ስለዘይክኣለ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንግንባራት ዛላምበሳ፡ ቡሬን ባድመን ኣፍሪሱ፡ ዓሰርተታት ኪሎ ሜተራት ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ተቆጻጸረ። ተሰካሚ ናይ’ዚ ኹሉ ኣደራዕን ስዕረትን ድማ ህዝቢ ኤርትራ’ምበር ንስርዓት ህግደፍ ብኣሉታ ኣይተንከፎን። መደልደሊ ስልጣኑ ድማ ኮይኑ።

ውጽኢት ናይቲ ኩናትን እቲ ሓቅን እዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቅሰ ክንሱ’ዩ ድማ ስርዓት ህግደፍ፡ ሎሚ’ውን፡ “ወራራት ጭፍራ ወያነ ብምምካት ልኡላውነት ኤርትራ ኣረጋጊጽና” ዝብለና ዘሎ። ብቋንቋ ስርዓት ህግደፍ፡ ዓወት ማለት፡ ድሕሪ እዉጅ ኩናት ጠጠው ምባሉ፡ ልዕሊ 120 ሽሕ ኤርትራውያን ኣብታ ጸላኢት ህዝቢ ኤርትራ ትብሃል ኢትዮጵያ፡ ኣብ መዓሰከራት ስደተኛታት ከርፋሕ ናብራ የሕልፉ ምህላዎም ምርኣይ’ዩ። ብቋንቋ ስርዓት ህግደፍ፡ ምርግጋጽ ልኡላውነት ማለት፡ ካብ ዶብ ጅቡቲ ክሳብ ዶብ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ዘዳውብ መሬት ኤርትራ ርብዒ ሚልዮን ሰራዊት ኣስፊርካ ምፍጣጥ፡ ዓቢ ክፋል መሬት ኤርትራ ብነተጉቲ ሓጺርካን ካብ ጥቅሚ ወጻኢ ጌርካን ጡርምባ ኩናት ምህራምን ምፍጣጥን’ዩ። ብቋንቋ ስርዓት ህግደፍ፡ መንእሰያ ምምልማል ማለት፡ ካብ ትምህርቶም ኣመዛቢልካን ናብ ስደት ከምዘምርሑን ምቅሳብ’ዩ። ብቋንቋ ስርዓት ስርዓት ህግደፍ፡ ቁጠባዊ ልምዓት ማለት፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዘይብሉን ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦን ሃብቲ ሃገር ምብኻንን ልኡላውነት ንውልቃዊ ረብሓ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ምእታውን’ዩ። ብቋንቋ ስርዓት ህግደፍ፡ ሓልዮት ህዝቢ ማለት፡ ክልተ ካብ ሚእቲ ኣይከፈልካን፡ ኣብ ኣኼባን ጓይላን ኣይተሳተፍካን ካብ ኣገልግሎት ደቅኻ ሓቢእካ ኢልካ፡ ምእሳር፡ ብገንዘብ ምቅጻዕ፡ ዝሕረስ መሬትን ኣብያተ ሸቀጥን ምግባት’ዩ። ብቋንቋ ስርዓት ህግደፍ፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ማለት፡ ኤርትራዊ ዝምእምኦ መራሒ ከይመርጽ ምሕራም፡ ዝርኣዮን ዝሰምዕን ከይዛረብ ኣፉ ምዕባስ፡ ንመራሕቲ ሃይማኖት ምእሳርን ንትካላት ሃይማኖት ምቁጽጻርን’ዩ። ብሓጺሩ፡ ብቋንቋ ስርዓት ህግደፍ፡ ሃገር፡ ሰላም፡ ምምሕዳር፡ ልምዓት፡ ፍትሒ ማለት፡ ብሓደ ውልቀ መላኺ ሰብ ምምእዛዝን ንሱ ባህ ዝበሎ ምፍጻምን’ዩ።  “ሰበይቲ ቀሽስ’ያ ሰብኣያ መግደፍ ይረክብ እምበር መንደፍ ይረኽቦ ኣይትብልን’ያ” ከምዝብሃል፡ ስርዓት ህግደፍ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ሓሓሊፉ ዝርአ ፖለቲካዊ ምፍጣጥን ቅልውላውን ከም ዓወት ቆጺሩ፡ ለይትን መዓልትን ናይ እንቋዕ ኮኑ፡ ይርከብዋ ድኣ ዝዓይነቱ ናይ ሓጎስ መግለጺታት’ዩ ዝህብ ዘሎ። ስርዓት ህግደፍ፡ ብዛዕባ ጽቡቅ ህዝቢ ኤርትራ ከይሓሰበ፡ ብዛዕባ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክቁርቆር ኣይክእልን’ዩ። ገዛእ ህዝብኻ እናጨፍጨፍካ፡ ብዘይ ፍርዲ ኣናኣሰርካ፡ ኣብ ገዛኻ ዘሎ ግዕዘይ ከየጽረኻ፡ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምዝራብን ቀንጠብጠብ ምባልን ምስሉይነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብላዕ ዘይበልዎስ ጽብሑለይ በለ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ዝፈልሓ ደም ሰለዘለዎ፡ ካልእ ደም ምፍሳስን ሞትን ይምነ’ሎ። ስርዓት ህግደፍ፡ ምልካዊ ስልጣኑ ንምቅጻልን ገበናቱ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንምኽዋልን፡ “ዋላ ትንፈር እምበር ጤል’ያ” ዝብል ፍልስፍና ይኽተል ኣሎ፡፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘይምርግጋእን ሓድሕድ ኩናትን ምስዝላባዕ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጥራይ ኣይኮነን ዝጉዳእ፡ ንህዝቢ ኤርትራ’ውን ብኣሉታ’ዩ ዝጸልዎ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ጎረቤትካ ሕማምን ቅልውላውን እንከሎ ብሩፍታ ደቂስካ ክትሓድር ኣይትኽእልን ኢኻ። ስርዓት ህግደፍ፡ ድርቅናን ትምክሕትን ገዲፉ፡ ስደት፡ ኣውያትን ሕሰምን ህዝቢ ኤርትራ ፍታሕ ክገብረሉ፡ ምስ ኤርትራውያን መኣዲ ዘተን ዕርቅን ባብ ክኸፍት ይግባእ። ብህዝቡ ዝግደስን ልኡላውነት ሃገር ኣውሒሰን ዝብል መንግስቲ፡ ህዝቡ ዝሓቁፍ፡ ዝሕብሕብ፡ ብመጻኢ ወለዶ ዝሓስብ፡ መልሓሱን ግብሩን ዝሳነ እምበር፡ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ዝሃበን ሰብኣዊ መሰሉ ዝሓተተን ዜጋ ብምእሳር፡ ብምህዳን፡ ከም ገበነኛ ብምቁጻርን ብስቃይ ናብ ስደት ክነፍጽ ዘገድድ፡ ንብረት ህዝቢ ዝዘምት፡ ስድራቤታት ዝበታትን፡ ብሕሰም ካልኦት ዝድሰት ስርዓት፡ ብዘይካ ሓጥያተኛን ጨካንን ካልእ ስም ክወሃቦ ኣይክእልን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ እታ ትነፍር ጤል ከምዘይኮነት ክሳብ ዝኣምን ድማ ብህዝቢ ኤርትራ ፉንፉንን ጓናን እምበር፡ ቅቡልን ሓላይን ክቁጸር ኣይክእልን’ዩ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 17 መስከረም 2017

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde September 18, 2017

    I agree Tsilal,however this is not a newly acquired language by Hgdef,it is a language that was spoken fluently for decades by those who served us this bitter concoction and the people got used to it, became the only flavor their palate can recognize= lies after lies………decades of lies.Yep! when someone can’t tell the difference between a goat and a bird, Roger! we got a problem.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply