ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ
ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ መራሕ ብርጌድ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (ወዲፍላንሳ)፡ ናይ ሓደ ስዉእ ብጻዩ ብሽክሊት ምስ ፈተሾ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘሎ ፈሊጡ። ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ንሓደ ኣባል መሪሕነት ምስ ኣዕለሎ ድማ፡ “ብዛዕባ’ዚ ምስ ዝኾነ ሰብ እንተ ተዛሪብካ ሞት
ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ
መራሕ ብርጌድ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (ወዲፍላንሳ)፡ ናይ ሓደ ስዉእ ብጻዩ ብሽክሊት ምስ ፈተሾ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘሎ ፈሊጡ። ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ንሓደ ኣባል መሪሕነት ምስ ኣዕለሎ ድማ፡ “ብዛዕባ’ዚ ምስ ዝኾነ ሰብ እንተ ተዛሪብካ ሞት ከም ዝስዕበካ ፍለጥ” ኢሉዎ።
ሓደ ኣባል ብርጌድ 58 ነበር
ክብርኣብ፡ ብዓቕሙ ትምህርቲ ዝጸገበን ከኣ ኣዝዩ በሊሕ ሰብን’ዩ። ድሕሪ ታዕሊም ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተመዲቡ ኣገልጊሉ። ኣይደንጐየን ናይ ሕክምና ኮርስ ወሲዱ ኣብ ሓጺር ግዜ ከም ንፉዕ ሓኪም ስለ ዝተመስከረሉ ናይ በጦሎኒ ሓኪም ክኸውን ክኢሉ። ማርክሳዊ ጽሑፋት ኣንቢቡ ስለ ዝነበረ ድማ ጕዳይ ሰልፊ ንዑኡ ሓድሽ ኣይነበረን። ብኸመይ መንገዲ ኣባል ክኸውን ከም ዝኸኣለ ክዛረብ ከሎ፡ “ድሕሪ ምዝላቕ፡ ናይ ሰባት ምትእኽኻብ ክዕዘብ ጀሚረ። ኣብ ሓጺር ግዜ ድማ ምስጢራዊ ሰልፊ ወይ ናይ ገለ ሰባት ጕጅላዊ ምትእኽኻብ ከም ዘሎ ክፈልጥ ኣይጸገመንን። ሓደ መዓልቲ፡ መራሒ በጦሎኒ ከይፈለጠ ገለ ሰባት ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተጸዊዖም። እዚ ክኸውን ከሎ ምስኡ ስለ ዝነበርኩ፡ ‘ኣነ ኸይፈለጥኩ ክንድ’ዚኦም ዝኣኽሉ ሰባት ካብ ተጸውዑ፡ እከለ (ምኽትሉ) ኢድ ኣለዎ ማለት’ዩ፡’ ክብል ሰሚዐዮ። እዚ ፍጻሜ’ዚ ድማ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዘዋህለልኩዎ ሓበሬታ ዝያዳ ዘረጋግጽን ዘደልድልን ነይሩ።
“ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ኣባል ምዃኑ ዝፈልጦ መሃይም ዓሶ ሓሚሙ ደቂሱ። ኵነታቱ ተዓዚበ ግን ንእግረ መንገዱ ክስልየኒ ከም ዝተላእከ ፈሊጠ። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ወላ ክንዲ መርፍእ እንተ ረኺቦምልካ ንኡስ ቡርጅዋ ስለ ዝብሃል ከካብዱዋ ከም ዝቃለሱ ይርድኣኒ ነይሩ። ከሎ ገና ፈሊጠዮ ጸኒሐ ስለ ዝተጠንቀቕኩ ግን ክረኽበለይ ኣይከኣለን። ስኢኑ ትም ኣይበለን ግን ዝኾነ ነገር ከቕርብ ስለ ዝነበሮ ኣይጸገሞን ንሓንቲ ዕላል መዝሚዙዋ። ንሱ እናሰምዓና ኸሎ በጋጣሚ ሓንቲ መጋቢት ዝነበረት ጽቡቕ ትቐርበኒ ጓል፡ ‘ኣታ ክብርኣብ፡ እዚ እከለስ እንታይ ከም ዝደለየኒ ምንኣስ ኣደይማርያም ኣናበለ ሞዅ ኣቢሉኒ’ምበር፡’ ምስ በለትኒ፡ ‘ፍቕሪ ሓበሻ’ዩ ዝኸውን ብዙሕ ኣይትጨነቒ፡’ ክብል መሊሰላ ብዙሕ ከይተገደስኩ። እዚ ወዲ ነዛ ጕዳይ ነኺሱዋ ጸኒሑ ኣብ ኣኼባ፡ ‘ክብርኣብ ሓበሻ ትንዕቕ ኢኻ፡ ምኽንያቱ ንእከሊት ከምዚ ክትብላ ሰሚዐካ፡’ ብምባል ኣብ ልዕለይ ወላ ሓንቲ መበገሲ ይኹን መሰረት ዘይብሉ ነቐፌታ ኣቕሪቡ።
“ግምታተይ ልክዕ ከም ዝነበረ ብኡንብኡ ተረዲኡኒ። ኣባላት ሰልፊ ዘይነበሩ ስለ ዝበዝሑ ግን ደሓን ይእተዉ ነዚ ወዲ ኣይብላዕ ኣይስተ ገይሮሞ። እቲ ጕዳይ ድማ ብፍሽለቱ ተደምዲሙ። ኣነ ግን ኣይደቀስኩን ምስቲ ሓላፊ ሰልፊ ምዃኑ ፈሊጠዮ ዝነበርኩ ሰብ ብኻልእ ስራሕና ምስ ተራኸብና ልቡ ንኽፈልጥ፡ ‘እዚ እከለ ዝብሃል ሰብስ ከምዚ ኢሉ ክነቕፈኒ ቍሩብ ኣይሓፍርን፡’ ክብል ዘረባ ጀመርኩሉ። ንሱ ድማ ከም ትጽቢተይ፡ ‘ክላ! እከለ ደኣ ኣየናይ ንቕሓት ኣለዎ ኢልካዮ ኢኻ! ትርጉም ኣይትሃቦ፡’ ብምባል ክከላኸለሉ ፈቲኑ። ኣነ ግን ‘ጽቡቕ ኣለኻ። ኣነ‘ውን ከምኡ ስለ ዝኾነ‘የ ገሪሙኒ ዘሎ። እዚ ዘረባ’ዚ ናቱ ዘይኮነ ናይ ካልኦት ምዃኑ’ዩ ዝርድኣኒ። ብሰብ ተላኢኹ ከም ዝመጽአ ፍሉጥ ነይሩ። ብዝኾነ ክረኽበለይ ዘይምኽኣሉ ጽቡቕ ኣጋጣሚ’ዩ። ክረክብ ኣለኒ ስለ ዝበለ ግን ነዚኣ ገይሩ፡’ ምስ በልኩዎ ሰኸኽ ኢሉ ተሪፉ። ካብታ ዕለት’ቲኣ ንድሕሪት ዝበዝሑ ካብኣቶም ብዛዕባ ሰልፊ ይፈልጥ’ዩ ዝብል ጥርጣረ ስለ ዘሕደሩ፡ ከይፈተዉ ክነግሩኒ ተገዲዶም። ‘ኣብ ሰልፊ በዓል መን ኣለዉ ትብል?’ ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረቡለይ ድማ ዳርጋ ንብምሉኣቶም ክረቝሓሎም ክኢለ። ብኸምዚ ድማ ኣባል ኮይነ። ድሕሪኡ ሓደ ፍጹም ኣበር ዘይነበሮ ሰብ ኣባል ከም ዘይኮነ ፈሊጠ።
“ኣብቲ ልሙድ ኣኼባታት ገምጋም ምስ ተገብረ፡ ‘በዓል እከለ ኣባላት ዘይኮኑ ደኣ መን’ዩ ኣባል ክኸውን?’ ዝብል ሕቶ ኣልዓልኩ። እቲ ምሳይ ጽቡቕ ዝምድና ዝነበሮ ሓላፊ፡ ‘ሓቁ’ሎ ክብርኣብ፡’ ብምባል ስለ ዝደገፈኒ እቲ ወዲ ብኡንብኡ ኣባል ኮይኑ። እቶም ዘይጠቕሙ፡ ኣዝየ ዝንዕቆም ዝነበርኩ ኣባላት ኮይኖም ዝጸንሑኒ ሰባት ነቲ ወዲ ሓንቲ ኣበር ከውጽኡሉ ስለ ዘይከኣሉ ተጠማሚቶም ትም ክብሉ ተገዲዶም። ኣብ ሓጺር ግዜ ድማ ነቶም ቅድሚኡ ኣባላት ዝነበሩ ሓዲጉዎም ብሓላፍነት ሰማይ ተሰቒሉ። ስለዚ፡ ካብ ተሞክሮይ ክግምግሞ ከለኹ፡ ካብ ኣብ ክፍልታት ካብኡ ናብኡ ኣብ ሓይልታት ዝነበረ ኵነታት ይሓይሽ ክብል እኽእል። ካብኡ ተረፈ፡ ኣብ ምስጢራዊ ሰልፊ ደሞክራሲ ነይሩ ኢልካ ክትዛረብ እምብዛ ኣሸጋሪ’ዩ። ካብዚ ብዘይፍለ ክጠቕሶ ዝደሊ ጕዳይ ነቐፌታ ነብሰ ነቐፌታን ዝርግሐ ሓበሬታን’ዩ። ንዝኾነ ኣባል ሰልፊ፡ ወላ ርኡይ ጕድለት ይፈጽም ኣብ ናይ ግንባር ኣኼባ ክትነቕፎ ቅቡል ኣይነበረን። በጋጣሚ ሓፋሽ ክትነቕፎ እንተ ጀሚራ ድማ በቶም ከም መዝሓል ጥይት ዘገልግሉ ዝነበሩ ተራ ኣባላት ግንባር፡ ኣብ ተሪር መሬት መታን ከይወድቕ ብዝከኣለካ መጠን ፍርናሽ ኣንጺፍካ ኣዋድቓ ክተጸብቐሉ ክትክእል ኣለካ። ብሓጺሩ፡ ሓንሳብ ኣባል ሰልፊ ክትከውን እንተ ኽኢልካ፡ ብቕዓት ይሃልኻ ኣይሃልኻ፡ ምሁር ኩን ደንቆሮ ብዘየገድስ ከም ፍሉይ ሰብ ስለ እትጥመት ብዙሕ ሓለፋታት ኣለካ። ስለዝኾነ፡ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር ክልተ ዓይነት ኣተሓሕዛ ሰባትን ጕዳያትን ከም ዝነበረ ይርድኣኒ።
“እዚ ክብለካ ከለኹ ግን ኣብ ገለ ኣሃዱታት እቶም ኣባላት ሰልፊ ንባዕሎም ሕንፍሽፍሽ ክኣትዎምን ከም ሳዕቤን ድማ ነቲ ሓፋሽ ኣብ ሓሸውየ ከእትዉዎን ተራእዮም ነይሮም’ዮም። ንኣብነት መስፍን ሓጐስ ወላ’ኳ የማናይ ኢድ ናይ ኢሳያስ እንተ ነበረ፡ ሳሕቲ ዝፈላልዮም ነገር ይርከብ ግዲ ነይሩ፡ ንዑኡ ዝድግፉ በቲ ሓደ፡ ናይ ኢሳያስ ኣጫፈርቲ ድማ በቲ ካልእ ተጐጂሎም፡ ነቲ ሓፋሽ ኣብ ነንሓድሕዱ ሕምስምስ ኣእትዮምሉ ከም ዝነበሩ ትዝክሮ ትኸውን። ኣብ ሕክምና፡ መጓዓዝያ፡ ኢደ ስርሓት፡ እንዳ ስንቂ ዝነበረ ተርእዮ ሓደ መርኣያ ናይዚ’ዩ። ብፍላይ ኣብ ኢደ ስርሓት ክሳብ ብጥይት ናይ ምቅትታል ደረጃ ዝበጽሑሉ እዋን ነይሩ። ኣብዚ ስብሓት ኤፍረም’ውን ኣብ ደጀን ጽልዋኡ መታን ከሕድር፡ ብፍላይ ኣብ ሕክምናን መጓዓዝያን ሰባት ሒዙ ነይሩ’ዩ ዝብል ዕላላት ኣሎ። ናብቲ ከባቢ ክገይሽ ከሎ’ውን ሃንደበታዊ ሴሚናራት የካይድ ከም ዝነበረ ናይ ዓይኒ መሰካኽር ይዛረቡ’ዮም። ኢሳያስ፡ ብፍላይ ኣብ ሕክምና ንብርሃነ ገረዝግሄርን ንዶክተር ኣሰፋውን ክሕዝ ከሎ፡ ኣብ መጓዓዝያ ድማ በዓል ሼኽ ዛይድን ካልኦት ኣስማቶም ክዝክሮም ዘይከኣልኩ ሰባትን ነይሮሞ’ዩ ዝብሃል። መጓዓዝያ ስለ ዝነበርካዮ ብዛዕባ’ዚ ልዕለይ ኣፍልጦ ኣለካ ዝብል’ዩ ግምተይ።
“ብዝኾነ፡ እቶም ንኢሳያስን ጕጅለኡን እናጣቕዑ ኣብ ሓፋሽ ሕንፍሽፍሽ ዘእተዉ ዝነበሩ ሰባት፡ ነቶም ቀንዲ ኣንጻሮም ዝነበሩ ካድራት ካብ ሓላፍነቶም ከም ዝወርዱን ከም ዝብለሉን ድሕሪ ምግባሮም፡ ኣገልግሎቶም ስለ ዝወድኡ ከም መታወኒ ክድርበዩ ተራኦም በጺሑ። ኢድ ሸናሒት ጸናሒት ከም ዝብሃል ድማ ናብ ተራ ሰባት ተቐዪሮም መስሓቕ ሸራፋት ኮይኖም ተሪፎም። እቲ ነገር ክሳብ ክንድ’ዚ ሕልኽልኽ ዝበለ’ዩ ነይሩ። እዚ ዅሉ ክኸውን ከሎ፡ ኢሳያስ ነቲ ኣብ ደጀን ዝነበረ ኵነታት ክከታተሉ ንሃይለ ምሕጹንን ወዲካሳን መዚዙዎም ከም ዝነበረ ዝዛረቡ ሰባት ኣለዉ። እዚ ሓበሬታ’ዚ ብዘይ ወግዓዊ መንገዲ ብኣባላት ሰልፊ ዝወሃብ ዝነበረ’ዩ። ካብዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ነብሱ ዝኸኣለ ስዉር ቃልሲ ከም ዝነበረ ንርዳእ። እዚ ዅሉ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ጕዳይ ዝርድኦም በላሕቲ ሰባት ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። ብትብዓት ዝዛረቡ ግን በጻብዕ ዝቝጸሩዮ’ም ነይሮም። ከም ሓቂ ድማ ክትቃወም ዘፍቅድ ኵነታት ኣይነበረን።
“ከም ኣብነት ሓደ ኣባል ኢደስራሓት ኣባል ሰልፊ ነበር ዝተዛረቦ ንመልከት። እቲ ወዲ ኣዝዩ በሊሕን ተሪርን ስለ ዝነበረ፡ ሓደ ግዜ ኢሳያስ ንዝሃቦ መግለጺ ከምዚ ክብል ብጋህዲ ተቓዊሙዎ። ‘እዚ ዝሃብካዮ መግለጺ ኣይርድኣንን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ሰባት ንሃገር ክብሉ ደሞም እናፍሰሱ ከለዉ ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ክውቅዑ ንርኢ ኣለና። ናበይ ንጐዓዝ ከም ዘለና ዘብርህ ንጹር ሕንጻጽ የሎን። ሎሚ ሓደ ነገር ጽባሕ ካልእ ኢና ንሰምዕን ንርእን ዘለና። ብኸምዚ ክንጐዓዝ ንኽእል ድማ ኣይመስለንን።’ ኢሳያስ ነዚ ምስ ሰምዐ፡ ‘ነዚ ዝበልካዮ ደጊምካ እንተ ሓሰብካሉ ዝሓሸ’ዩ፡’ ኢሉዎ። እቲ ብጻይ ድምብርጽ ኣይበሎን። ‘ሓሲበን መምየን ዝተዛረብኩዎ ስለ ዝኾነ ዳግም ዝሓስበሉ ኣብነት የብለይን። ካብ መስዋእቲ ንላዕሊ ኸኣ ዝመጽኣኒ ነገር የሎን፡’ ክብል ብትብዓት መሊሱሉ። ሽዑ ካብ ኣባልነት ሰልፊ ከም ዝድስክል ካብ ምግባር ሓሊፎም ዝገበሩዎ ነገር’ኳ እንተ ዘይነበረ፡ ድሒሮም ምስ ኣኽተቱዎ ግን ብኡንብኡ ተሰዊኡ ተባሂሉ።
“ብዘይካ’ዚ ኣብ ናይ ሰልፊ ጨናፍር ዝነበረ ኣሰራርሓ ካብ ቦታ ናብ ቦታ፡ ካብ ሓላፊ ናብ ሓላፊ ይፈላለ ስለ ዝነበረ፡ ብሓደ ስሩዕ መምርሒ ይኸይድ ኣይነበረን። ኣብ ሓደ ቦታ ቅኑዓት ሓለፍቲ እንተ ነይሮም ብመጠኑ ጽፉፍ ኣገባብ ትርኢ ኢኻ። ኣብ ካልእ ቦታ ግን ብሰሪ ጕድለት ኣሰራርሓን ጥቕመይ ጥቕምኻን ነገራት ይበላሾ ነይሩ። ኣብ ሓደ ቦታ ንኣብነት፡ ሓደ ምሁር ሰብ ብዛዕባ ሰልፊ ከም ዝፈልጥ ዝገልጽ ሓበሬታ ናብ ሓለፍቲ ምስ በጽሐ፡ ናብ ሰልፊ ክኣቱ በጺሑዎ ካብ ዝነበረ ደረጃ ይውረድ ተባሂሉ ንታሕቲ ወሪዱ። እዚ ሕጂ ምስ ምንታይ ይቝጸር? ድንቍርና ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። በንጻሩ ካልኦት ዘይጠቕሙ ከም ማሕዮ ክለኣኣኹ ጥራይ ዝውዕሉ ዝነበሩ ሰባት ናብ ገበርትን ሓደግትን ተቐዪሮም ኣባላት ሰልፊ ክኾኑ ተዓዚብና ኢና። ካብዚ ዝተበገሰ ድማ፡ እቲ ነገር ኣብ ድሕሪ ናጽነት ከይተረፈ ብጋህዲ ስለ ዝተሰርሓሉ ኣብ ኣተዓዳድላ መዓርግ ዝምቡዕ ኣሰራርሓ ተራእዩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ቀንዲ መማዪት ኮሚቴ ኮርፖራል ዝዓደለቶም ሰባት፡ ሓለፍቲ ሰልፊ ናብ ዝነበሩ ኣዝማዶም፡ ደቂ ዓዶም ወይ ኣዕሩኽቶም ከይዶም ስለ ዝጠርዑ ኣብ ጽርግያ ካፕተን ዝተዋህቡ ነይሮም። በንጻሩ ምሉእ ኮለኔል ዝግብኦም ሰብ ዘይረኸቡ መሳኪን ወይ ንጹሃት ተጋደልቲ ካፕተን ተባሂሎም። ኣብዚ ግሁድ ዝኾነ ናይ ወገንን ዝምድናን፡ ዓርከርይ ዓርክኻ ዝሰረቱ ብልሽውና ከም ዝተራእየ ጭቡጥ ኣብነታት ኣሎ። ኮሚቴታት ዓው ኢለን ተቓዊመን ከብቅዓ ግን ኣበይ ከይበጽሓ ተባሂሉ ግዲ ኾይኑ ጸማም እዝኒ ተዋሂቡወን። ስለዚ እዚ ዅሉ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ጋሕማጥ ምሕደራ ድማ ኣብቲ ሰልፊ ካብ ዝነበረ ግዕዙይ ኣሰራርሓ ዝተበገሰን ከም ዝኾነ ብንጹር የግህደልና።
“ንፖለቲካ፡ ስነሓሳብ ይኹን ንዝምድናታት ወጻኢ ኣብ ዝምልከት ሕቶታት ምስ እንዕዘብ፡ ኣባላት ግንባር ዘይፈልጡዎ ኣብ ሰልፊ እንመሃሮን እንካትዓሉን ጕዳያት ነይሩ’ዩ። ንኣብነት ገና ምስ ህዝባዊ ወያኔ ኣብ ግርጭት ቅድሚ ምእታውና፡ ‘ወያኔ፡ ንትግራይ ሓራ ምውጻእ ይቃለስ ስለ ዘሎ ጸላኢና’ዩ። ስለዚ ክንጥንቀቐሉ ኣለና፡’ ዝብል ምስጢራዊ መግለጺ ይወሃብ ነይሩ። ኣብ ሶቬት ሕብረት ዝነበረና መርገጺ’ውን ከምኡ። ነቲ ሓፋሽ ግን ወላ ምስ ተገራጨና ከምኡ ዓይነት መግለጺ ተዋሂቡዎ ኣይፈልጥን። እዚ ኾይኑ ከብቅዕ፡ እቲ ኣብ ግንባር ዝነበረ ዝበዝሕ ተጋዳላይ፡ ኣብ ጅግንነት፡ ብጻያዊ ሓልዮት፡ ማእቶት፡ ነቐፌታ ነብሰነቐፌታ ነቶም ኣባላት ሰልፊ ሓዲጉዎም ስለ ዝኸደ፡ እቲ ሰልፊ፡ ንግንባር ክመርሕ ዘይኮነ ደድሕሪ ሓፋሽ ጐተት ይብል ከም ዝነበረ ተጋሂዱ። ከም ሳዕቤን ከኣ በቲ ዝድለ መጠን ከድምዕ ስለ ዘይከኣለ፡ ኢሳያስ ከደስክሎ ተገዲዱ። ስለዚ፡ ብኣጠቓላሊ ክርእዮ ከለኹ፡ ምናልባሽ ውድብ ህሓሓኤ ክምስረት ከሎ ኣብ ውድባዊ ጥርናፈ ኣገዳስነት ነይሩዎ ይኸውን። ሽዑ እንተ ኾነ’ውን፡ ካብ ንውድባዊ ረብሓ ዝያዳ ንናይ ውልቀ ሰባት ስልጣን ወይ ህቡብነት ሰሪሑ ዝብል ግምት’ዩ ዘለኒ።
“እቲ ውድብ፡ ድሒሩ ከምቲ ብጻይ ሙሴ ዝበሎ ናብ፡ ‘መንዲል ናይ ውልቀ ሰባት’ ስለ ዝተቐየረ፡ ሓይሊ ነገሩ ኣብ ውሽጢ ውድብ ከጋጥም ንዝኽእል ምፍንጫል ወይ ናይ ስልጣን ውድድር ንምቝጻይ ተባሂሉ ዝቕጽል ዝነበረ ኮይኑ ጥራይ ይስምዓኒ። ምኽንያቱ ከምኡ እንተ ዘይከውን ክሳብ 1989 ከይደስከለ ኣይምጸንሐን ነይሩ። ከም ገምጋመይ እቲ ሰልፊ ድሕሪ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ወይ ቀቅድሚ ምዝላቕ ክድስክል ነይሩዎ ምበልኩ። ካብኡ እንተ ሓለፈ ኸኣ ድሕሪ ሻዱሻይ ወራር ኣድላይነት ኣይነበሮን። ልዕሊ ዅሉ ግን ብሓቂ ንረብሓ ሓፋሽ ነይሩ እንተ ዝኸውን ወግዓዊ ኾይኑ ክቕጽለሉ ዘይክእል ኣብነት ኣይነበረን። ኣብ መጨረሽታ’ውን ኢሳያስ ብረብሓኡ’ዩ ኣፍሪሱዎ፡” ክብል ነቲ ነዊሕ ዕላሉ ደምደሞ።
* * *
Abraham Haile January 17, 2014
The discrete Party serves only to the leader of the party. What ever explanation given either to individual fighters, members or to Eritrean people; the aim was to mislead the Eritrean People and in particular the fighters. I can only give my conclusion on EPLF as follows:-
1. According to the party leaders; EPLF leaders WERE formality and it’s leaders were chosen by the party leaders who always say YES SIR, LEADER OR ISAIAS.
2. As to the real fighters who join the revolution on principle for Eritrean Independence are the winners of the show down with Elite leaders.
3. The Party leaders lost their plot when the flux of the people with full blown National devotion made difficult for the party leaders to divert people’s attention.
4. The final outcome suits the so called leader Isaias as he starts to dismantle all the infrastructure which helped us to defeat the Colonizers and starts to built a new formation from scratch as it was a must for him to start a new era with new structure if he is going to survive the temptation of some party leaders to reform.
Finally, whether we accept that we won the independence through the determination of the gallant fighters who gave their lives for us and the devotion of the Eritrean people at large or otherwise; I definitely say that all EPLF fighters, people and individual leaders of the front (not members of the party), were cheated by the party and happen to believe that they were on the drive seat of the EPLF. Well, it did happen and no one can change that, we can only to learn lessons from it and hoping history will not repeat it self. Some times I hear the chosen leaders try to defend the party under the cover in the name of history. well, they were not the real leaders and can only follow the guideline by the show leaders. If your are a false leader chosen by your masters, how can you claim that you were one of them. I think they still try to believe that they were the real actors with out audience. Let us headvtowards unity to find remedy to our problems leaving the history for historian.
We all have an obligation to devote for our people and with clear guidance to follow in order to establish a new democratic state. People mighty power will take over in due time.the time looks ripe and let us do it together.
Long live Eritrea and be peace upon its people.
belay nega January 17, 2014
“who always say YES SIR, LEADER OR ISAIAS”
አሜን ከተብል አሜነ ምባል የድሊ ስለ
belay nega January 17, 2014
correction
አሜን ከተብል አሜነ ምባል የድሊ
motbinore January 17, 2014
Why are we talking about the past why can we talk about what’s happening now? Isias is always the same he never change from day one & he is doing what he does best eliminating Eritreans. The past is gone & nobody cares about secret selfi.
ተወልደመድህን January 18, 2014
ነገር ክትሓናኹል ኣይትፈትን ሓውና።ብዘይ ናይ ትማሊ ንቕድሚት ኣይስጎምን።ኣብ ናይትማሊ ኮለለ ንበል ዝበለ ሰብ የለን።ታሪኽን ኣማኦኣባብላ’ቲ ሎሚ ዝሳቕየና ዘሎ’ዩ ዝትረኽ ዘሎ።ቀጺሉ ከኣ ንጸላኢካ ንምውዳቕ ክልተ ነገር’የን ዘለዋ።ንሰን ከኣ ቀዳመይቲ፡ብሓይሊ ሰራዊት ኣዕጢቕካ ደም ምፍሳስ፡ካልኣይቲ ከኣ ጉዱን ግብሩን ከሺሕካ ተዋርዶ፡ካብ ሃፋሽ ክሳብ ዝንጸል ትድህሎ።ስለዚ ንስካ ተቃዋሚ ኣናመሰልካ ብዛዕባ ሕሉፍ ክዝረብ ካብዘይደለካ ብድግማ ኢሳያስ ክትምልስ ትደሊ ኢካ።ስለዚ ኣብዚ ጽሑፍዚ ክልተ ነገር ይምህረና።ሓደ ሕሉፍ ከመይ ኢሉ ክሳብዚ ዘሎናዮ ከምዝበጽሓ፡ካልኣይ ከኣ እቶም ከም መላእክቲ ከም መውጽእቲ ሃራን ናይዚ ናጽነትዚ ሃንደስቲ ተባሂሎም ናቶም ዝናን ቅያን ጥራሕ ክንሰምዕ ዝጸናሕና ኣዚ’ዩ ግብሮም፡ከምዚ ገይሮም’ዮም ኣብዚ በጺሖም’ሞ ተጠንቐቕ ጽባሕ’ውን ከምዚ ኦኣይነት ክመጹ ስለዝኽእሉ ከይትገራህ’ዩ ዝሕብረና።ስለዚ ሞራላዊ ይኹን ሕጋዊ ብቖኣት ዘይብሎም ሃግሒግካ ንምልጋሶም ዝሕግዝ ጽሑፍ’ዩ።……ግን ሓደ ነገር ኣሎ።ዘይምፍላጥ ይኹን ክፍኣት ወይ ህልኽ ኩሉ ግዜ ንናትና ጽቡቕ ዝወጽእ ጽሑፍ ምስተቃወምና፡ንጸሃፊ ይኹም ምዕዶ ንዝሃበ ምስ’ናሸና ኢና።ምናልባት ባርነት ጽቡቕ ገይርና ዝፈተና ኮይኑ’ዩ ዝስመኦኣኒ።ባርያ ኩሉ ግዜ ነታ ሕይወት ባርነት ጥራሕ’ዩ ዝፈቱ፡ካብታ ሕይወት ኣቲ ኣ ክወጽእ ኣይደልን።ስለዚ ባርነት ኣብ ድንቁርና ምንባር ደድሕሪ ሰባት ምስዓብ ከም ጽቡቕን ውህስነት ገይርና ወሲድናዮ ደኣ ከይንከውን።ከምቲ ምስላ ኣቦታትና ባርያሲ ሃጋዚኣ ትጸልእ ይብሉ።ስለዚ ኩሉ ንጽቡቕና ካብ ተቃወምና ባርነት ነፍቱ ባሮት’ምበር ነጻ ዘይኮና ሰባት ምኳና ዘምስክር ደኣ ከይከውን።
belay nega January 18, 2014
ተወልደመድህን
ሕሉፍ ብዓወት ስለ ዝተደምደመ ሞሳምበር ወቀሳ አየድልዮን እዩ::እቲ ዓቢ ጸገምና ሕጂ ንሓቂ ንጎሲ አለና: ኢትዮጵያውያን ንደርግምበር ንዓና አይሰዓርኩሙናን ይብሉ አለው::
ተወልደመድህን January 18, 2014
ዝኸበርካ በላይ፡ሕሉፍ ብዓወት ከምዝተደምደመ ትዛረብ ኣሎኻ።ርግጽ’ዩ ኣብናጽነት ስለዝተበጽሀ’ዩ።ዝከሓድ ኣይኮነን።እቲ ሕቶ ግን ከመይ ኢልና ኣብዚ በጺሕና።ዘይምቕዳም’ምበር መልክዕ ጉያ ኣየድልን ዝብል ምስላ ትጥቀም እንተሊኻ ትጋገ ኣሎኻ።ነቲ ምቕዳም ዘመልክዖ እቲ ቅድሚ ጉያ ዝተወስደ ልምምድ’ዩ።ኣብቲ ልምምድ ኣንፈት ዘይብሉ ክወዳደር ኣይክእልን።ኣብ ጉያካ ኣገባብን ኩሉ ናይ ኣእምሮን ናይ ኣካልን ኣወሃሂድካ፡ኣዚኣ ክገብር ኣሎኒ ኢልካ የማነ ጸጋም ጠሚትካ ኣክያይዳኻ እንተዘይለኪዕካ ክትቅድም ኣይትክእልን።ኩሉንተናካ እንተዘይማዕሪጉ ነቲ ጉያ ብዓወት ክትዛዝሞ ኣይትኽእልን።ስለዚ ንስካ ነቲ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ሕይወት ሰባት ዝበልዐ ነጻነት ሪኢኻ ተደዓዒስካ።እንዳ ኢሳያስ’ውን ነቲ ዝገበሩዎ ክሳራን ብሰንኪ ጉድለቶም ዝተናውሃ ጸገም ከይረኣዩ፡በታ ነጻነት ኣምጺኢእና ብምባል’ዮም ላሕ ከብሉና ዝጸንሑ፡ንሕና ናጽነት ዘምጻኣና ብምባል’ዮም ከኣ ሃገር ንድሕሪት ገጻ እናንቆልቆለት ቅጭጭ ዘይበሎም።ስለዚ ኣነ ክብለካ እቲ ጽቡቕ ዝበሃል ኣብ መወዳእታ ኣይኮነን።እቲ ክሳብ መወዳኣታ ንምብጻህ ዝተወስደ ኣገባብ’ዩ እቲ ቀንዲ።እቲ ኣገባብ ጽፉፍ እንተነይሩ እቲ ዝስዕብ’ውን ጽፉፍ ቅኑዕ’ዩ።እቲ ኣከያይዳ ዚሃብ ኦ ዘይቅኑዕ ነገር ኣንተኔሩ ከኣ ጸገም ክመጽእ ይኽእል።ንሕና እዛ ዳሕረወይቲ’ያ ኣጋጢማትና።ኣብቲ ጉዕዞ ብዙሕ ዘይፈለጥናዮ ኣሎ።ነቲ ጸገም’ቲ ዘይምፍላጥ’ዩ ከኣ ን20 ኦኣመት ነንሕድሕድና ምትእምማን ሲኢና ጸገምና ምፍላጡን ምፍታሑን ተጸጊምና መጻወቲ ኢሳያስ ኮይና ጸኒሕና።ልክዕ’ዩ እቲ ጸገም ሕቡእ ብቀሊል ዘይፍለጥ’ዩ።ኣብቲ ጉኦዞ ቃልሲ ብዝተፈላለዩ ሽርሒ ጠፊኦም ክሳብ ትማሊ ብወገንነትን ተወቒሶም መጻወቲ ፖለቲካ ዘይፈልጡ ዜጋታት ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣለው።እቲ ሎሚ ዝትረኽ ዘሎ ከኣ እንታዎት ምኳኖም እናብረሆ ይመጽእ ኣሎ።ስለዚ እቲ ናይ ትማሊ ጉዕዞ ብዙሕ ዓንቂፉ፡ብዙሕ ነገራት ንድሕሪት ጎሰስ ከምዝብል ገይሩ፡ካብ ኡ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 70ታት ክመጽእ ዝግበኦ ንዒይስራ ዓመት ዘጢጡ፡ህይወት ሰለስተ ወለዶ በሊዑ።ኣዚ ክከውን ዘይነበሮ’ዩ።ድሕሪ ዒይስራ ኦኣመት ከኣ ናጽነታና ክንጎናጸፍ ዘኽ ኣለና ዝተፈላለዩ ረቛሒታት ኣለው።በካያይዳ’ቲ ዝንበረ ኩነታትን ኣረኣእያ ሰባትን ግን ካልእ ምመጸ ኔሩ።……..ስለዚ ናጽነት በጺሕና ኢና’ሞ ኩሉ ጉድ ኣብ ኡ ከሎ ንግደፎ ብድፍኑ ኣይበሃልን።ሓደ ምሁር ኤርትራዊ፡ሎሚ ኣብ ላዕሊ ኮይና ከመይ ኢልና ናብዚ መጺእና ኢልና ታሪክና ነጽነዓሉ’ዩ።ታሪኽካ ምምርማርን ብዛዕባኡ ምዝራብ ከኣ ነውሪ ኣይኮነን፡ሕማቕካን ጌጋካን መርሚርካ ነቲ ግጉይ ብሕባር ኮኒንካ ተኣማሚንካ ንቅድሚት ትብለሉ’ምበር ንድሕሪት ትምለሰሉ ኣይኮነን።ስለዚ ኣይትሃዋውሶ።…….ብዛዕባ ኢትዮጵያውያን ዝብሉዎ…..ሓደ ነገር ኣሎ።ኢትዮጵያ ክበሃል ኦኣዲ 80 ሚልዮን ህዝቢ’ያ።እቲ 80 ሚልዮን ኩሉ ደርጊ ኣይኮነን።እቲ ኢትዮጵያዊ ምኳኑ ኣሚኑ ዝዋጋእ ዝነበረ ደርጊ ጥራሕ’ዩ።እቲ ኣምሓራ’ውን ናቱ ፖለቲካዊ ጸገም ስለዝነበሮ ብምሉኡ ኣይተካፈለን።ኣምሓራ ከኣ 26% ናይ ኢትዮጵያ ኢዩ።እቲ ካልእ ህዝቢ ትግራይ ጸገሙ፡ህዝቢ ኦሮሞ ጸገሙ፡ህዝቢ ሶማሌ ናቱ ጸገም፡ዓፋር ናቶም ጸገም……..ስለዝነበሮም ኣቲ ጸገም ተጓዲሉልና’ዩ።ስለዚ ነቲ ስልጣን ሒዙ ዚነበረ ስሮኣት ደርጊ ስዒርናዮ ክንብል ንኽእል።ክንስዕሮ ከሎና ከኣ፡ናይ ውሽጡ ጸገም ጽቡቕ ገይሩ ስለዝበልዖ’ዩ።ስለዚ ሎሚ ኣብናጽነት በጺሕና ክንብል ነጻን ሓቀና ኣተሃሳስባ ክንሕዝ ኣሎና።እዚ እንተዘይሂዝና ጥውይዋይ ኣተሃሳስባ ናብዝወስደና መንገዲ የብሉን በላይ።
MightyEmbasoyra January 18, 2014
Ato ተወልደመድህን,
Very good answer and it is so polite as well. BTW, Ato Belay knows the answers but I believe he is testing you how deep you will answer it. I always see his comments as open ended and invites for more discussion – and it is a good thing. Of course, I could be wrong.
belay nega January 18, 2014
ተወልደመድህን
አበሃህላይ እቲ ነጻነት ዝባሃል ይሕመቅ ይጸብቅ ኣንቋዕ ረአናዮ::ኣንቋዕ ነጻነት ከመይኮን ምመሰለት ኔራ አይበልናምበር: ጉዳይ ኤርትራስ ብዙሕ ነገር አብ ግምት ዘየእተወ ነዊሕ ሱር ዘለዎ:: እዩ
Maekele January 18, 2014
ዓወት is relative there is no absolute ዓወት.
ER ITRAWIT January 18, 2014
motbinore on,
“The past is gone & nobody cares about secret selfi” well I don’t agree with you that is our ugly history and we should know what really happened Gedeley time. I believe Isaias using the same method with different name nay ezeneie ……. how many people disappear from their doorstep I don’t know about you I feel sick when I read something like this probably what they gave us nay swat frame could be false day and place. so if you have a tree with problem don’t try to fix on top it will be worth try from the root.
wedi Keren January 19, 2014
may you do not care about selfi but others might care therefore you should accept rga majority’s voice, unless you are ready and don’t have objection if the same Dictator is duplicated again. (ምሕረት ይኣዝዝ)
Events January 19, 2014
motnibore,
It is also the past that is responsible for our destruction .what ever the tegadeltis did in meida has not brought the desired outcome .anybody can fight ,the point is knowing what one stands for and opposing it´s own leadership ,otherwise instead of a revolutionary it becomes a yes sir soldier.knowing the outcome i think we need to be ashamed to narrate about tghe gedli that brought destruction.
Hagerawi January 17, 2014
There is no such thing that the secret party was for misleading the fighters. What is the point a secret party in the armed struggle unless to mislead people. The selected members party were servants of Issayas. The brainwashed that did not know what they were doing. Issayas is the well known deceiver like Machiaveli.
samuel January 17, 2014
bzebene wbe ztsememe wbe elu ynebr zbehal ezi eu
Belat tewelde January 18, 2014
If you want to do the right thing in the future you must know the past says a philosopher whose name I forgot. This is a lesson for the Eritrean youth so that you will not repeat the tragic mistakes of the past. There may be some youngsters who never understand what history is. Every People or nation has its own history bad or good and it is very important that the New generation study the history of the nation. History, culture and society are entertwined With each other and one can not be separated from the other. We can never borrow other people’s hsitory but keep Our own.
Events January 19, 2014
Belat,
You are right about the purpose & advantage of history ,but this was the history that brought negative outcome literally A to Z . it should be narrated as a mistaken way of struggling,not romanticized.
thank you
belay nega January 19, 2014
“but this was the history that brought negative outcome literally A to Z”
If [GHEDLI] the base of [ERITRAWINET] is nagative from A to Z,what are we up to?
MightyEmbasoyra January 18, 2014
Keep it up Ato E. Temelso!
After reading all these very sad but true articles about the history of isayas’s criminal architecture, we shouldn’t be surprised by his current crimes. Amazing.
How is that one looney guy destroying the whole country and exterminating its people? Are we waiting until no more Eritrea?
How is that just one person out of millions can’t came up with the solution?
belay nega January 18, 2014
Dear Mighty
“How is that just one person out of millions can’t came up with the solution?”
The solution is too sour to be swallowed.
MightyEmbasoyra January 18, 2014
Ato Belay,
I think we would dilute the sourness of the solution, had we know what it is.
Care to share?
belay nega January 18, 2014
Dear Mighty
“I think we would dilute the sourness of the solution, had we know what it is.
Care to share?”
The Red Sea is too big to dilute it’s sourness.
There is no a single Eritrean organization,which is in a position to challenge the gov of Eritrea politically or military.Whatever our gov is suffering from is the conspiracy [effort] of the Ethiopian gov.To this end we have only two choices,either to challenge them or to obey them.
MightyEmbasoyra January 18, 2014
Ato Belay,
That’s true about the Ethiopians’ issue but isayas is helping them from Eritrean side. I don’t believe isayas is working for Eritrea and he never worked for it before either. I agree with Dawit Mekonen’s theory on isayas but not how he presents it.
I am not really sure if you really approve isayas’s performance. If you do, that’s a surprise.
Teclay January 18, 2014
Good narration,but mention the names,specially if it is not a treat to their life
But what i don`t understand is, so far we have been hearing only a about the EPLF misdid ,what about the countless educated highlanders who were slaughtered by ELF and BEAS party, history must be told from day one of 1961when the GODAMEGNA Ghedli started
MightyEmbasoyra January 18, 2014
Ato Teclay,
I would assume the reason many articles about the EPLF’s past crimes is that because HGDF is still in power and doing exactly the same thing, if not more. However, if you have anything to write, I am sure the forum would be interested as well.
Khalighe January 19, 2014
“about the countless educated highlanders who were slaughtered by ELF and BEAS party, history must be told from day one of 1961when the GODAMEGNA Ghedli started”
Teclay
The main source of such stories is Iseyas. It’s not difficult to know how many Eritreans were attending Addis Abeba University at the time (in mid sixties) and where are they now, just to find out how many of those who went to ‘meda’ were “slaughtered by ELF” as reported by Iseyas and echoed by others. When the right time comes, all ‘meda’ crimes should be investigated to find out the whole truth. It’s important to know the facts, and name names etc., instead of just numbers, to determine the extent of crimes committed in the name of a just cause and bring to justice all perpetrators.
ahmed saleh January 20, 2014
They were BAAAS in GEDLI TIME and they were JIHADISTS who kill our people after independence . Now believe it or not ;
According Issayas theory , 2 + 2 = 0
belay nega January 21, 2014
Teclay
“what about the countless educated highlanders who were slaughtered by ELF and BEAS party,”
ምውት አይክሰስን እዩ
Khalighe January 19, 2014
“GODAMEGNA Ghedli ”
Teclay
Those of you who have a problem with Ghedli, better say it loudly … you have a problem with Eritrea too.
ahmed saleh January 20, 2014
Only who are not proud of their Eritrean official identity might complain . But for many of us we owe
to those people who sacrificed for our identity recognition .
Teclay January 19, 2014
Have you been naive like me?
I used to believe all educated persons are wise,specially the doctors almost like prophets ,,,at the end of Dergi era Eritrean doctors eg Dr Bereket, Dr Habte W, Do.Jordan etc were giving interviews in VOA, one after the other,then i said to my self the Ghedli must be wright if all this Drs believe on it. Then i joined university and i understood that my professors do not know every thing.eg in fresh man my chemistry professor,world class Atomic scientist didn`t know the valence of electrons very and he brought to us another teacher and he sat down with us for 4 hours in 2 days.then i concluded that the Drs are also like us not prophets.
But i still surprised,how our good Drs expected Eritrea to be a democratic country with 9 ethnic groups,2 religions.if Cuba ,Cambodia,Zimbabwe etc which had better ground than us could not establish a democratic country. How on earth can a rebel lieder suddenly changed to Angle? if you have any access to these Drs would ask them in behave of me pls
Mesinas January 19, 2014
ክቡር ሓው እስቲፋኖስ ተመልሶ፡ ሰላም ምሳኻ ይኹን። እተን “ምስጢራዊ ሰልፊ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝወረቕካየን ሰለስተ ምዕራፋት ጽሑፋትካ ብጽሞና ነቢበየን። በቲ ብቐጻሊ ተበርክቶ ዘለኻ ጽሑፋት ድማ ካባይ ጀሚርካ ብዙሓት ንማሃረሉ ስለ ዘሎና ዝለዓለ ምስጋናይ ከቕርበልካ እፈቱ። እንተኾነ ሓደ ጸገም ፈጢሩለይ! እዚ ተዘንቱዎ ዘለኻ ሓቅታት ማለት፡ ምስቲ ዝነበረኒ ጽቡቕ ስእሊ ታሪኽ ገድልና ሰውራ ኤርትራ ብምርጻሙ፡ ሕማቕ ስምዒት ፈጢሩለይ። ከምቲ ጃንዳ ህግደፍን ደገፍቶምን ዝገልጹዎ እንከን ዘይብሉ! ኣየ ዘበለ ታሪኽ’ዩ ኢለ ክኣምን ምሓሸኒ ድማ እብል።
ከመይሲ፡ እቲ ዝሕበነሉን ዝኾርዓሉን ዝነበርኩን ዘለኹን መዳርግቲ ኣልቦ ታሪኽ ኣእላፍ ጀጋኑ ሰማእታትና፡ ብውሑዳት ገበነኛታት ክባላሾን ስሙ ክብረዝን ክርእን ክሰምዕን ከለኹ፡ ምንም’ኳ ልዕሌኻ ማለት ልዕሊ’ቲ ብኣካል ዝተሳተፎ ተጋዳላይ ክቕንዞ ዘይግብራዊ እንተመሰለ፡ ብሓቂ ግን የሐመኒ ኣሎ። ምኽንያቱ፡ ጽሑፋትካ ብሓቂ ተገንዚበዮ እንተልየ፡ ኣብ ገድሊ “ምስጢራዊ ሰልፊ” እትጽዋዕ ጀጋኑን ምሁራትን ዘጽነተት መርዛም ሓማት ተመን ከም ዝነበረት ክሰምዕ ከለኹ እግረም። ስለዚ፡ ክቡር ሓው፡ ንመጻኢ ክትእምት እንተዄንካ ካብ ሕሉፍ ክትፍልም ከም ዘሎካ እኳ ግቡእ እንተኾነ፡ ኩሉ ሐሕማቑ ታሪኽ ገድልና ክንዝርዝር ግን ንነብስናን ታሪኽናን ምድዋንዶ ኣይከውንን!? ክቡር ሓው እስቲፋኖስ፡ ካብ ተራ ውዕሎ ሓይልታት ወጻኢ፡ ኣብቲ መልሕቕ ማለት ኣብ መሪሕነት ጥራይ ብምትኳር ንእከይ ተግባራት ደማሒ (መላኺ) እነቃላዓሉ ካልእ መገዲ የለንድዩ? የቐንየለይ።
ካብ ሓውኻ መሲናስ 19/01/2014
ተወልደመድህን January 19, 2014
ክቡር ሓውና መሲናስ ንሕቶኻ ባዕሉ ኣቶ እስቲፋኖስ ምላሽ ክህበሉ ይምኖ።ግን ናተይ ርእይቶ ከምዚ’ዩ………..ታሪኽ ብፍላይ ታሪኽ ቃልሲ ጽፉፍ ዝበሃል ታሪኽ የለን።ሰብ’ውን ከም ሰብ መጠን ጽፉፍ ሰብ፡ኣብ ሕይወቱ ጌጋ ከይፈጸመ ክንዲ ሰብ ዝኾነ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን።ታሪኽ ህግ ታሪኽ ውልቀ ሰብ ኣይኮነን።ህግ ማለት ዝተፈላለዩ ክእለትን ካብ ዝተፈላለየ ደርባዊ መበቆል ዘለዎም ምሁራት፡ረሂጸ በላዕ፡ወዲ ሃረስታይን ካልእ ብሕታዊ ኣተሃሳስባ ማለት ምስ ማዕበያ ዝተኣሳሰረ ዘማዕበልዎ ሕማቕን ጽቡቕን ጠባይ ዝሃዙን ዝፈጠሩዎ ገፊሕን ሰፊሕ ዝርጋሐ ዚነበሮ ውድብ ደኣምበር፡ህግ ንኩሎም ተጋደልቲ ዝሰርሖምን ዝፈጠሮምን ኣይኮኑን።ህግ ዝፈጠሮምን ዝሰርሖምን እንተዝኾኑ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ተኣሳሲሩ ዝከይድ ሃደ ኦኣይነት በደልን ስራሕን’ዩ ዝስራሕ።ኣብዚ እቲ ኩሉ ታሪኽ ወይ ዘሕብን’ዩ ወይ ከኣ ዘጽርፍ ይከውን።እቲ በ ኣእላፍ ዜጋታት ዝተሰርሐ ውድብ ግን ሓደ ኦኣይነት ታሪኽ የብሉን።ምኽንያቱ ገሊኡ ታሪኽ ናይ ውሱናት ሰባት ባህርን ኣተሃሳስባን’ዩ።ካብዚ ናይ መሪሕነት ጉድለት ኣሎ፡ናይ ነፍሲ ወከፍ ተራ ተጋዳላይ ሕማቕ ባህርን፡ዘይብቑዕ ኣረኣኣያን ኣሎ።ባንጻሩ ጨለ ስራሕ ሰሪሖም ታሪኽ ክዝክሮም ዝግበኦም ኣለው።ደረቃት ተረዳዲኦም ዘይክእሉ ሃፍ ኢሎም ሰብ ናብ ምውጻዕ ዘድህቡ ኣለው፡ለወሃት ክሳብ መጨረሽታ ኣብ ምርድዳእ ጥራህ ዚ ኣምኑ ኣለው።…….ስለዚ ታሪኽ ገድሊ ኤርትራ ንክልቲኡ ዝሃቖፈ’ዩ።ርግጽ ክልቲኡ ባህሪ ጽቡቕ ባህርን ሕማቕ ባህሪ ወይ ጽቡቕ ኣተሃሳስባ ወይ ሕማቕ ኣተሃሳስባ ዚነበሮም ተጋደልቲ ስለዝነበሩ ንባህሮም ዝውክል ስራሕ ሰሪሖም፡።ሚስጢራዊት ሰልፊ በቲ ግቡእ መልክዓ ሰሪሃ ክትከውን እንከላ ሕማቕ ንምእላይ ኢዩ( ሚስጢራዊት ሰልፊ ምፍጣር ቅኑዕዩ ኣይበልኩን )።ኩሉ ግዜ ግን ምቁጽጻር ክህሉ የድሊ።ኣዚ ኣገባብ ሚስጢራዊ ሰልፊ ትሑት ኦኣቕሚ ዘለዎ ኣንተተጠቂሙሉ ዘምጸኦ ክሳራ ከቢድዩ።ኣብ ህግ ንኪኢላ ኣልጊሶም ነቶም ክእለት ዘይብሎም ኣኪቦም’ዮም ሰሪሖማ ሚስጢራዊት ሰልፊ ።እዚ ዕድልዚ ዘጋጠሞም ወደጄ ልቤ ከኣ ኣብርእሽቲ ተጋዳላይ ልዕሊ ኩሉ ኮይኑ ዝስመዖ መሊሶም ወሲኾምሉ ከም ዊንታኦም ሰሪሖም፡ብዝከዱዎ ገበን ፈጺሞም።ስለዚ መሪሕነት ንስልጣኑ ክብል ዝሰርሖ ጌጋ ኣሎ።ናይዚ ጉዳይዚ ግዙእ ኮይኑ ካብቲ ክፍጸም ዝተሃሰበ ንላዕሊ ነቲ ጉዳይ ናብ ጌጋ ዝመርሀ ል ኡኽ ኣሎ።ነዚ መልእኽቲዚ ተቀቢሉ ነቲ ነገራት ኣኽፊኡ ዝተግበሮ ኣሎ።ኣብዚ ኣሰራርሃዚ ክንደይ ሰባትዮም ነቲ ነገር ኢዶም ዚመልስሉ።ኣብ ውሽጥዚ ጉዳይዚ ሕማቕ ኣናረኣዩ እታ ዝሞቱላ ኦለት ጥራህ ዝጽበዩ ቆዘምት’ውን ኣለው።ስለዚ ፈቲኻ ጸሊእካ ነዚ ክልተ ገጽ ዘለዎ ታሪኽ ቃልሲ ተቀበሎ።ርግጽ ጥዑይ መሪሕነት ኔሩ ኣንተዝከውን ክሳብ ታሕቲ ነገራት ኣይምተጨማለቐን፡እቲ ካብ ውልቀሰባት ዘጋጥም ዘይጽቡቕ፡ ጉዳይ ባህሪ ምበልና ኣቲ ዘጋጥም ከኣ ውሑድን ቅልል ዝበለ ምኾነና።እዚ ግን ከምቲ ዓሳ ብርእሹ ምሽታት ምስጀመረ ጭራኡ’ውን ዝሽትት፡ኣብ ኣመራርሃ ዘይነጽሀ ጉዳይ መሃውሩ ክሳብ ታሕቲ ተራ ተጋዳላይ ሰዲዱ።ተራ ተጋዳላይ ነቒሑ ኔሩ ኣንተዝከውን ኣዚ ጪእ ታሪክዚ ነዊሕ ከይከደ ምተቃወሞ ደው መበሎ።እዚ ግን እንተስ ብፍላጥ ኣንተስ ብዘይምፍላጥ እቲ ዝተሓተውን ኣባላ ሰልፊ ኮይኑ ዚይዳ ብጾቱ ሕልፈታት ዝረከበ ኮይኑ ተሰሚኦኡዎ ጌጋ ፈጺሙ።ስለዚ ታሪኽ ቃልሲ ከምቲ ዝኾነ ሰብ ኣብ ውሽጢ ልቡ ብርሃንን ጸልማት ዝርከቡ፡ጽቡቕን ሕማቕን ዚሃዘዩ።ካልእ ኣማራጺ የለን፡ነቲ ዘሎ ክመዘሎ ምቅባሉ፡ዝኹነን ምኹናን ክነኣድ ዝግበኦ ምን ኣድ።
Belat tewelde January 20, 2014
ክቡር ሓው መሲናስ፡ ስለቲ ተገዲስካ ርእይቶ ምሃብካ ከመስግነካ እፈቱ። ከም ዝበልካዮ ኣብ ዝኾነ መስርሕ ናይ ማሕበር፡ ሰልፊ፡ መንግስቲ፡ ሰውራ ወልቀሰብ ከይተረፈ እወታን ኣሉታን ኣሎ። ስለዚ፡ ታሪኽና ከምቲ መሪሕነት ህግሓኤ ወይ ህግደፍ ከም ድሌቱ ጥራይ ዝውርቖ ውዳሴ ማርያም ኮይኑ ክተርፍ የብሉን። መሪሕነት ህግሓኤ በቲ ዝፈጸሞ እወታዊ ዕማማት ክሙገስ ከሎ፡ ብጕድለታቱ ወይ ገበናቱ ድማ ክሕተት ግድን ይኸውን። ዛጊት ከምኡ ስለ ዝጸንሐ እዩ ድማ ህግደፍ ዕምሩ ከናውሕ ክኢሉ። ርግጽ’ዩ እቲ ሓፋሽ ገበን የብሉን። ካብ ተኣዚዙ ግቡኡ ምፍጻም ዝኣበሶ ነገር የሎን። ግቡኡ ፈጺሙ መሰሉ ዝሓተተ ድማ ተረጊጹ፡ ተጨፍሊቑ፡ ጸኒቱ ድማ። ስለዚ፡ ምዝንታው ታሪኽ በቲ ሓደ ነቲ ግዳይ ዝኾነ ኣካል ምዝካር ክኸውን ከሎ፡ በቲ ካልእ ድማ ሓድሽ ወለዶ ካብዚ ተማሂሩ እቲ ገበናት ከይድገም መምሃሪ ክጠቅም ዝኽእል ይመስለኒ። ኣብ መደምደምታ ንዝኾነ ነገር ክትፈልጥ ክልቲኡ መዳይ ናይቲ ሰልዲ ክትፈልጥ ዕድል ክትረክብ ኣለካ። ካብኡ በለ፡ ነቲ ጸጽቡቑ ክፈልጥ ዝደለየ ሳላ ህግደፍ ዝተሳእነ የሎን። ምኽንያቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓርበኛታት ዘውረዶ ዘስካሕክሕ ገበናት ኣብ ውሻጠ ሸጕጡ፡ ነቲ ዝፈጸሙዎ ተኣምራታዊ ታሪኽ ጥራይ ካብ ምዝንታው ዓዲ ኣይወዓለን። ስለዚ፡ ነቲ ጕዳይ ሚዛናዊ ንምግባር እቲ ካልእ ገጽ ታሪኽ ህግሓኤ ማለት እቲ ኣብ ልዕሊ ጀጋኑ ዝወረደ በደል ምትራኽ ቅኑዕ ኮይኑ ይስምዓኒ። ኣንባባይ ድማ ኣማራጺ ይረክብ። ታሪኽን ሓቅን ኵሉ ግዜ መሪር እዩ ሓው መሲናስ። በቲ ዘሕብንታሪኽ ጀጋኑ ኵራዕ፡ መራሕቲ ውድባት ኣብ ልዕሊ ደሞክራስያውያን ብዘውረዱዎ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ድማ ሕዘን። ምሕዛን ጥራይ ዘይኮነ ድማ ንመጻኢ ከይድገም ኣበርቲዕካ ተቃለስ!ስለቲ ተገዳስነትካ ዳግማይ ምስጋናይ ተቐበል።