Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ

    ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ መራሕ ብርጌድ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (ወዲፍላንሳ)፡ ናይ ሓደ ስዉእ ብጻዩ ብሽክሊት ምስ ፈተሾ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘሎ ፈሊጡ። ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ንሓደ ኣባል መሪሕነት ምስ ኣዕለሎ ድማ፡ “ብዛዕባ’ዚ ምስ ዝኾነ ሰብ እንተ ተዛሪብካ ሞት

 

 

ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ

መራሕ ብርጌድ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (ወዲፍላንሳ)፡ ናይ ሓደ ስዉእ ብጻዩ ብሽክሊት ምስ ፈተሾ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘሎ ፈሊጡ። ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ንሓደ ኣባል መሪሕነት ምስ ኣዕለሎ ድማ፡ “ብዛዕባ’ዚ ምስ ዝኾነ ሰብ እንተ ተዛሪብካ ሞት ከም ዝስዕበካ ፍለጥ” ኢሉዎ።

                                          ሓደ ኣባል ብርጌድ 58 ነበር

 

ኣብ ሳልሳይ ወራር ኣብ ግንባር ዓሰብ ብጅግንነት ዝተሰውአ፡ ዕሽው ኢሉ ዝመስል፡ ግን ከኣ ወተሃደራዊ ክእለቱ ዘመሰከረ ብጻይ’ዩ ነይሩ። እቲ ዕላል፡ ኣብ 1994 ካብ ባጽዕ ነስመራ ብስራሕ ጕዳይ ገይሸ ኣብ ዝመጻእኩሉ ናይ ክራማት ግዜ፡ ኣብ ከባቢ ገዛ ባንዳ ዘጋጠመ ኾይኑ፡ ጕዳይ ሰልፊ ምስ ኣልዓልና’ዩ ዝጅመር። ኣባል ሰልፊ ኔርካዶ ኣይነበርካን? ዝብል ሃንደበታዊ ሕቶ ምስ ኣቕረበለይ፡ ዕላሉ ክስምዕ ስለ ዝደለኹ ኣባል ከም ዘይነበርኩን፡ ብዛዕባ ኣባልነት ሰልፊ ብዙሕ ከም ዘይግደስን ገለጽኩሉ። “ንስኻን ከምዚ ከማኻን ሕጂ ተማሂርና ኢና ኢልኩም ትሓስቡ ትኾኑ። ካብ በዓል ንስኻ ግን ንሕና ንሓይሽ፡” በለኒ በተን ስሙራት ኣስናኑ እናሰሓቐ። ሓቂ ዘረባ ብዛዕባ ሰልፊ ዝነበረኒ ዕላል ጸንቂቐ ስለ ዝነበርኩ ካብኡ ብዙሕ ኣይተጸበኹን።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ ብፍጥረቱ ዋዕዋዕ በሃላይን ተጫራቓይን ብምንባሩ ንዘረባኡ ብዙሕ ትርጉም ከይሃብኩ፡ “ብሕጂ እንተ በለጽካና’ምበር ክሳብ ሕጅስ ኣየርከብካናን ዘለኻ፡” ክብል ኰለፍኩዎ ብግደይ ክምስ እናበልኩ። “ማርያም ኣደይ ኢለ ቁምነገር’የ ዝዛረበካ ዘለኹ። ሓንቲ ክላበወካ ግን ንዝኾነ ሰብ ኣዕሊለላ ስለ ዘይፈልጥ ከም ምስጢር ሓዛ፡” በለኒ ገጹ ኣሲሩ። ብዛዕባ ምዕቃብ ምስጢር ጸገም ከም ዘየሎ ምስ ሓበርኩዎ፡ “በል ንዓይ ኣባል ሰልፊ ነይሩ ኢሉ ዝሓስበኒ ሰብ ክህሉ ይኽእልዶ? ፍጹም! ንስኻ’ውን ከምኡ ትግምት ኔርካ ትኸውን። እቲ ቀንዲ ዘረባ ግን ኣባል ሰልፊ ነይረዶ ኣይነበርኩን ዘይኮነ፡ ብኸመይ ኣገባብ ወይ ብልሓት ኣባል ክኸውን ከም ዝኸኣልኩ’ዩ። ንኣብነት በዓል ንስኻ ሕጂ ምስጢራዊ ሰልፊ ምንባሩ ሕጂ ምስ ሓፋሽ’ዩ ተገሊጹልኩም። ኣነ ግን ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ነቲ ሰልፊ ብናይ ገዛእ ርእሰይ ብልሒ ፈሊጠዮስ ኣባል ክኸውን ድማ ክኢለ፡” ክብል ኣብ ሓደ ልብኻ ዝሰቅል ዕላል ሸመመኒ።

እቲ ዕላል ኣብ ውሽጢ መኪና ኮፍ ኢልና ቢራ እናሰተና ነካይዶ ስለ ዝነበረና ሰብ ከይሰምዓና ወይ ከይዕንቅፈና ዝብል ስግኣት ኣይነበረናን። ብዝኾነ፡ ነዚ ዳሕረዋይ ቃላቱ ምስ ሰማዕኩ ተገዳስነተይ ሰማይ ዓሪጉ ገጸይ ናብኡ ጠውየ ዕላሉ ክቕጽል ብሃንቀውታ ተጸበኹዎ። ከም ሓቂ ምስኡ ኣይሰራሕኩን፡ ካብ ዝተራኸብናሉ ዕለት ጀሚርና ግን ኣብ ሓጺር ግዜ ጽቡቕ ስለ ዝተቐራረብና ይኣምነኒ ነይሩ፡ ኣነ‘ውን ኣሚነዮ። ኣብ ርእስ’ዚ ምስ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ክራኸብ ዕድል ስለ ዝነበሮ፡ ብዙሕ ናይ ሜዳ ይኹን ናይ ኣስመራ ዕላላት ከምጽኣለይ ከሎ፡ ኣነ ድማ ትምህርቲ ጠቀስ ነገራት አዕልሎ ነይረ። እቲ ሰብ ብደገ ክትርእዮ ከለኻ ግርህ ኢሉ ዝመስል ክነሱ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ጐራሕ ወይ በሊሕ ስለ ዝነበረ፡ ዝኾነ ሰብ ከስተውዕለሉ ዘይከኣለ ነገራት ኣቐዲሙ ክዕዘቦ ይኽእል ነይሩ። ኣብቲ መጀመርያ ካልእ ዝውጥጥ ነገራት ስለ ዘይብሉ’ዩ ዝኸውን ዝብል ግምታት ስለ ዝነበረኒ ንብልሑ ዓቢ ግምት እህቦ ኣይነበርኩን።

ጽን ኢለ ክሰምዖ ስለ ዝጀመርኩ፡ “በል ኣነ ኣብ መጀመርያ ሰብዓን ሸሞንተን’የ ተሰሊፈ። ታዕሊም ወዲአ ኣብ ሓይልታት ምስ ተመደብኩ ድሮ ምዝላቕ ኣርኪቡ ኣብ ግንባር ናቕፋ ምዕራድ ኮይኑ። ሓቂ ዘረባ ሽዑ፡ ትሩፍ ደጊም! ኢለ ዳርጋ ተስፋ ቈሪጸ ነይረ። ካብ ፍርሒ ዝተበገሰ ዘይኮነ ግን ምስ ክንድ’ቲ ዝኣክል ሓሽከት ሰራዊት፡ እሞ መዓት ኣጽዋር ሒዙ ንድሕሪት ዝደፍኣና ዝነበረ ሓይሊ ክንገጥም ንኽእል ዲና? ኢለ ምሕሳብ ካን ሕርብት ኢሉኒ። ምኽንያቱ ኣብ ጐላጉል ሰምሃር ዝትኰስ ዝነበረ ከበድቲ መዳፍዕ፡ ፋሉላት ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት ኴንና ንሰምዖ ኔርና ኢና። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምዝላቕ ስለ ዘርከበ ፖለቲካ ከይጸገብና ኢና ናብ ሓይልታት ተወዚዕና። ብድሕር’ዚ ግን ከም በዓል ንስኻ ነይሮም ቀለም ዝጸገቡ ንኡስ ቡርጅዋ ዝብሉዎም፡ ዝተናውሐ ኵናት ክምህሩና ምስ ጀመሩ፡ ‘ኣታ እሞ ክንዕወት ንኽእል ኢና’ባ’ ብምባል ገጥ ኢለ። ብፍላይ ሓደ በራኺ ንብሎ ኣብ ጋንታና ፖለቲካ ዝምህረና ዝነበረ ሰብ ኣዝዩ ፍሉይ ነይሩ። ንሱ ክምህር ከሎ ሃመማ ክዝምቢ ከሎ ኢኻ ትሰምዖ። በራኺ እንተ ምሂሩካ ትኽ ኢላ ናብዛ ሓንጐልካ’ያ ድርግም ትብል። ብዝኾነ ዝበዝሕ ግዜ ምስኡ አዕልል ስለ ዝነበርኩ፡ ብዙሕ ነገራት ክፈልጥ ክኢለ፡ ከም ሰብ መጠን ድማ ፈትየዮ። ናብ ቁምነገረይ ክምለስ ግን ኣብ ሓይልታት ዳርጋ ክልተ ዓመት ምስ መላእኩ ናይ ሓላፍነት ሕማም ክሕዘኒ ጀሚሩ። ብርቱዕ ሕማም ከኣ ኣይኮነን ቅልል ኢሉ’ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ዘጃህር ወተሃደራዊ ጥበብ ወይ ትብዓት’ኳ እንተ ዘይነበረኒ፡ ንሓደ ካባይ ዘይሓይሽ ኣልገፊፍ ምኽትል መራሕ መስርዕ ኢሎም ሓላፍነት ምስ ኣሰከሙዎ ግን  ካን ሓሚመ።

“ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣነን ካልኦት ብጾትን ምስ በዓል መምህር ድፋዕ ክንኵዕት ደም ክንርህጽ፡ ኣካዳሚ ክንመሃር ድማ ተኸኽ ኢልና እናወዓልና ከለና ቍሊሕ ዝብለና ሰብ ንረክብ ኣይነበርናን። በንጻሩ ኣኼባ ናይ ሓይሊ ክግበር ከሎ ጨረምረም ክብሉ ሞዅ ዘብሉና ዝነበሩ፡ ብገለ ስራሕ ክትደልዮም ከለኻ ኣውላይ ታውላይ ኢሎም ሽርብ ዝብሉ ሰባት ሓለፍቲ የቀባጥሩሎም ነይሮም። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ሓደ ምሸት ጦፍ ተላኢኸ ክምለስ ከለኹ፡ ወርሒ ስለ ዝነበረት መታን ኣቋራጭ ክኾነለይ ከይተረድኣኒ ናብ ሓደ ጽብብ ኢሉ ስንጭሮ ኣምሪሐ። ኣብ መንጎ ድምጺ ዝሰማዕኩ መሲሉኒ ብረተይ መዚነ ጽን ክብል ፈተንኩ። ‘ጸላኢ ድሕሪ መስመርና ክሓልፍ ዘይሕሰብ’ዩ፡ ስለያ ደኣ ኮይነን፡’ ኢለ እናሓሰብኩ ኣብርዅ ኣቢለ ምጽንጻን ቀጸልኩ። እቲ ክሰምዖ ዝጀመርኩ ቃላት ትግርኛ ኮይኑ፡ እቶም ሰባት ድማ ገለ ደቂ ጋንታይ ገለ ድማ ደቂ ሓይለይ ምዃኖም ካብ ድምጾም ከለልዮም ኣይጸገመንን። ነገራቱ ደንጽዩኒ ኣብ ሓንቲ ደንጐላ ተጸጊዐ ኣእዛነይ ኵር ኣበልኩ። እቲ ኣብ ኣእዛነይ ዘቃልሕ ዝነበረ ቃላት፡ ብፍላይ ኣብቲ መጀመርያ ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ኣኼባ’ዩ ከይብሎ ውሱናት ሰባት፡ እሞ ከኣ ብጸላም ዘይእመን ኮይኑኒ። ገለ ስዉር ጸረ ውድብ ምንቅስቓስ’ዩ ዝኸውን ከይብሎ ክንድኦም ዝኣኽሉ ሓለፍቲ ዝዋስኡሉን ተራ ኣባላት ዝተሓወሱዎን ዘይሕሰብ ነይሩ።

“ከምኡ እንተ ዝኸውን ነይሩ እቶም ዝምቡላት ወይ ንኡስ ቡርጅዋ ዝብሃሉ ምተሓወሱዎ ነይሮም። እዚ ድማ ኣብ ህግሓኤ ብተኣምር ዝከኣል ኣይኮነን፡ ናብ ዝብል መደምደምታ በጻሕኩ። ፍርሕን ውራመን ተሓዋዊሱኒ ልበይ ህርመታ ወሰኸት። ሓደ ነገር ከየጣለልኩ ካብቲ ቦታ ከልግስ ስለ ዘይደለኹ ግን ዝመጽአ ይምጻእ ኢለ፡ ኣብታ ደንጐላ ተላሒገ ዝቕጽል ዘረባ ክሰምዕ ኣእዛነይ ምጽላው ቀጸልኩ። ኣብ መንጎዚ፡ መራሕ ጋንታና ዝነበረ ብዙሕ ዘይፈትዎ ዝነበርኩ ወዲሸቃ ንብሎ ዝነበርና፡ ድሒሩ ዝሃደመ ስመይ ጠቒሱ፡ ‘ኣርበጂ ምስ በዓል መምህር ይጸጋጋዕ ስለ ዘሎ ኵነታቱ ባህ ኣይበለንን። ስለዚ ኣብ ምክትታል ክንገብረሉ ኣድላዪ ይመስለኒ፡’ ክብል ሰማዕኩዎ። ሃንደበት ካብ መሬት ናብ ሰማይ ዝተናጠርኩ ኮይኑ ተሰምዓኒ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝምቡላት ተባሂሎም ንሓለዋ ሰውራ ዝተሰደዱ ብርክት ዝበሉ ብጾት ስለ ዝነበሩና፡ ‘ኦሮማይ! ከእትዋኒ’የን፡’ በልኩ ብውሽጠይ ፍርሐይ እናዛየደ። ብኡነት እብለካ’ለኹ ብድፍረት ዝመጽአ ምኵሕ’የ ነይረ፡ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ግን ከም ሽዑ መዓልቲ ፈሪሐ ኣይፈልጥን። ነቶም ናብ ሓለዋ ሰውራ ዝኸዱ’ሞ ዘይተመልሱና ብጾት እናዘከርኩ፡ ከምዛ ንጽባሒቱ ናብ ሓለዋ ሰውራ ወሪደ ኣብ ስንጭሮ ብሌቓት ዝርሸን ኮይኑ ጥራይ ተሰሚዑኒ ብራዕዲ ኣንፈጥፈጥኩ።

“መራሕ ጋናታና ብዛዕባይ ዝነበሮ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ጽቡቕ ገይረ እፈልጥ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ሓደጋ ከእትወኒ ከም ዝኽእል ከም ውዱእ ወሰድኩዎ። መበገሲ ናይ ዘይምቅዳውና ካልእ ዘይኮነ ካብ ቅንኢ ዝተበገሰ ምዃኑ ኣይስሕቶን’የ። ኣብ ስራሕ ይኹን ኣብ ኵናት ቀዳምነት እስራዕ ስለ ዝነበርኩን ዝንቀፍ ጠባይ ስለ ዘይነበረንን ኣብ ጋንታና ዓይንኻ ትደፈን ዝብለኒ ሰብ ኣይነበረን። ንሱ ግን ዋዛ እናምሰለ ወጋኢ ቃላት ይድርብየለይ ነይሩ’ዩ። ኣነ ድማ ኣድጊ ዝገበረካ ጠይቂ ግበሮ ብምባል እናሰሓቕኩ ከሕምሞ ይኽእል’ዩ ዝበልኩዎ ዓጸፌታ ቃላት እድርብየሉ ነይረ። ልዕሊ ዅሉ ግን ኣብ ልዕሊ በዓል መምህር ዝጠቅምን ዘይጠቅምን ነቐፌታ ከውርድ ከሎ፡ ኣይድግፎን ነይረ ጥራይ ዘይኮነ፡ ‘ዝኾነ ነቐፌታ ብፍላይ ቀሊል እንተ ኾይኑ፡ ቅድሚ ኣብ ኣኼባ ምውራዱ ብውልቂ ክእረም ኣለዎ ይብሃል ስለ ዝነበረ፡ ንመምህር ብውልቁ ክትእርሞ ፈቲንካ ኔርካ ዲኻ?’ ኢለ እዓግቶን እቃወሞን ነይረ። ከምኡ መግበርየይ ድማ ዝፈልጦ ነገር ስለ ዘይነበረንን፡ ንመምህር ከኣ ብጅግንነቱን ብብልሑን እፈትዎ ስለ ዝነበርኩን ጥራይ’ምበር ካልእ ምኽንያት ኣይነበረንን። በንጻሩ እዚ መራሕ ጋንታ ከም ጠባይ ግናይ፡ ኵሉ ግዜ ምስ ተጸወገ፡ ተንኰለኛ፡ ኣብ ድፋዕ ምዅዓት ይኹን ኣብ ካልእ ስራሕ ሳሕዳይ ስለ ዝነበረ፡ መራሕ ጋንታ ከይኮነ ከሎ’የ ከም ሰብ መጠን ጸሊአዮ። በዝን ክንድዝን ዝምድናና ህልኽ ስለ ዝተወሰኾ ኣኺሉና ዓይንን ሓመድን ኴንና። እታ መራሕ መስርዕ ብፍሉይ ኣጋጣሚ ረኺቡዋ’ምበር ትግብኦ ኣይነበረትን’ዮም ዝብሉ’ቶም ዘርከቡሉ ብጾት።

“ኣብ ግዜ ከበባ ናቕፋ እታ መስርዕ ናብ ድፋዕ እናኣተወት ከላ፡ ብገመድ ዝተጠናነገ ፈንጂ ረጊጻ ንሓኪም ጋንታን መራሕ መስርዕን ወሲኽካ ፍርቃ ተላሒሳ። ካብቶም ተወጊኦም ኣብ ሕክምና ዝበጽሑ ሰለስተ እግሩ ዝቝረጽን ዝስንክልን ስለ ዝኾኑ ኣብታ ጋንታ ሓሙሽተ ሰባት ጥራይ ተሪፎም። ኣብ መወዳእታ መምህር ንኡስ ቡርጅዋ ስለ ዝኾነ ንወዲሸቃ ግዝያዊ መራሕ መስርዕ ገይሮሞ። እታ መስርዕ ድማ ሽዑ ዝተወዝዑ ሓደስቲ ተወሲኾማ ዳርጋ ምሉእ ቍጽራ ክትሕዝ ክኢላ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ከለዉ መስርዕ ብሓደስቲ ስለ ዝተዓብለለት ወዲሸቃ ከም ድላዩ ክቈጻጸራ ዕድል ረኺቡ። እቲ ግዜ ኣይሓገዘን ምዝላቕ ስለ ዘርከበ፡ ምስቲ ዝነበረ መስዋእትን ናይ ተብተብ ኵነታትን ግዝያዊ መራሕ ጋንታ ተመዲቡ። ኣነ ልክዕ ኣብዚ ግዜ’ዚ እየ ተወዚዐ። ኣብ ውድብ ህግሓኤ፡ ሓንሳብ ሓላፍነት እንተ ሒዝካ ነቲ ኣገባብ፡ ወይ ንስኻትኩም ሲስተም ትብሉዎ ስለ ተጽንዖን ድርብ ሰብነት ሒዝካ ስለ ትጐዓዝን ትም ኢልካ ኢኻ ትድይብ። መራሕ ጋንታና ዝነበረቶ እንኮ ብልጫ እታ፡ ‘ብስም ክንገብሮ ዘለና፡’ እናበልና ንጨርቀላ ዝነበርና ምስ ሓለፍቲ ናይ ምጽግጋዕን ምሕሽዅሻዅን ጥበብ ምምላኽ ጥራይ‘ያ። ካብኡ ተረፈ ኣብ ወተሃደራዊ ይኹን ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ትሕቲ ሰቡ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

“ብኸምዚ ኣገባብ ኣብ ስልጣን ዝደየበ ሰብ፡ እሞ ኸኣ ምሳይ ስኒት ዘይብሉ፡ ከጥፍኣኒ’ዩ ኢለ ኣብታ ሓጻር ህሞት ሐሕማቑ ጥራይ ክሓስብ ጀሚረ። ክትገልጾ ኣብ ዘጸግም ራዕድን ሽበራን ጥሒለ ከለኹ፡ ‘እወ ግን እንታይ ይመስለካ ወዲሸቃ፡ ኣርበጂ ከምዚ ትብሎ ዘለኻ ምስ በዓል መምህር እንተ ቐረበ ካብ ጕድለት ንቕሓት ተበጊሱ ምዃኑ ክርድኣና ኣለዎ። ቀዳማይ ነገር መምህር ኣብ ሳልሳይ ክፍሊ ይምህሮ ስለ ዘሎ፡ ምስኡ ጽግዕግዕ ምባሉ ብሰንኪ ጕዳይ ትምህርቲ’ምበር ብኻልእ ምኽንያት ክኸውን ከም ዘይክእል ኣብ ግምት ክነእቱ ይግብኣና። ብተወሳኺ ገለ ጭቡጥ ነገር ከይረኸብና ንከም በዓል ኣርበጂ ዝኣመሰሉ ተዋጋእቲ ክንከስሮም ወይ ካብ ሓፋሽ ክንንጽሎም ቅኑዕ ኮይኑ ኣይስምዓንን። ኣብ ርእስ’ዚ በዓል ኣርቢጂ ርሂጸበላዕ ስለ ዝኾኑ፡ ቀሪብና ክነረድኦምን ክንጕስጉሶምን ከም ዘለና ክንፈልጥ ይግባእ፡’ ዝብል ጉርንን ዝበለ ናይ መራሕ ሓይልና ድምጺ ሰማዕኩ። ሽዑ ልክዕ ከምዚ ዓቢ ጽዕነት ዘራገፈ ሰብ ኣበርቲዐ ኣተንፈስኩ። ሞራለይ ሰፊፈያ ከም ዘይነበርኩ ድማ ናብ ልበይ ተመሊሰ ዘረባ ከይሓልፈኒ ኣእዛነይ ኩር ኣበልኩ። ኣብ ጥቓኦም ተጸጊዐ ከለኹ ግን ብርክት ዝበሉ ሰባት በብኣፎም፡ ‘እንታይ ይመስለካ፡ ሓንሳብ’ሞ…፡ ኣብዚኣ’ሞ፡’ እናበሉ ጭራሕ ምራሕ ክብሉ ስለ ዝጀመሩ ናይ በዓል መን ድምጺ ምዃኑ ምፍላዩ ጸጊሙኒ። ኣብ መንጎ’ዚ መራሕ ሓይሊ፡ “ሓንሳብ ጸጥታ ንሓሉ፡” ዝብል ገናሒ ድምጺ ምስ ኣስምዐ መሬት ዳግማይ ጸጥ በለ። እንታይ ተኣማሚኖም ኣብ ጸላም ድላዮም ይዛረቡ ከም ዝነበሩ ክሳብ ሕጂ’ዩ ዝገርመኒ።

“ኣብ መጨረሽታ፡ ‘ዓንተቦ ክውድእ ዕድል ስለ ዘይሃብኩምኒ’ምበር ብስም ናብ መምህር ቀሪቡ ኣይኮንኩን ነቲ ጕዳይ ዘልዓልኩዎ። ኣርበጂ ንመምህር ዝትንክፍ ነቐፌታ ክወርድ ከሎ ከም ስርዓት’ዩ ዝከላኸለሉ። ስለ’ዚ ብነብሱ ፈትዩዎ ጥራይ ዘይኮነስ መምህር ወዲቡዎ ከይህሉ ክንጥንቀቕ ከም ዝግብኣና ንምሕባር’የ፡’ ዝብል ቃላት ወሰኸ  መራሕ ጋንታ። ድምጹ ቀጢን ኮይኑ ብፍላይ ሓደ ሓደ ግዜ ሓውሲ ናይ ጓል ዝጥዕም ስለ ዝነበረ ክፈልዮ ኣይጸገመንን። ‘መራሕ ሓይሊ ድማ ትቕብል ኣቢሉ፡ እዚ’ውን ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩልካ’ዩ ወዲሸቃ። ኣርበጂ ኣምር ናይ ቃልሲ ኣይተረድኦን ዘሎ፡ ምስ ደሞክራስያውያን ኣይተጸግዐን እንተ በልካኒ ክቕበለካ እኽእል’የ። መሳርሒ ናይ ንኡስ ቡርጅዋን ተበለጽትን ክኸውን ዝኽእል ሰብ ግን ኣይመስለንን። ደሓር ከኣ እዚ ሰብዚ ካብ ዝውዛዕ ክልተ ዓመት ከም ዘይመልአ ክንግንዘብ ኣለና። ስለዚ፡ ኣብ ጋንታ ዓቢ ጽልዋ ስለ ዘለዎ፡ ቀስ ኢሉ ምስ ደሞክራስያውያን ባእታታት ዝጽጋዓሉ መንገዲ ክንፈጥር ጥራይ’ዩ ዘለና፡” ምስ በለ ናብ ካልእ ዛዕባ ብምሕላፍ፡ “ንኣባልነት ብዝምልከት እከለን እከለን ቅቡላት ኮይኖም ኣለዉ፡ በዛዕባ ሕጹያት ንዛረቦ ነገር እንተ’ልዩ ድማ፡ እከለ ካብ ናብ ደይቡዶ ወሪዱዶ፡ እከለ ድማ …’ ዝብል ገለ ክርዳኣኒ ዘይከኣለ ቃላት ሰማዕኩ። ኣልግብ ኣቢሎም ድማ ኣብ ሰልፊ ክጽንበሩ ዘለዎም ሰባት ጠቐሱ። ስመይ ግን ኣይተጠቕሰን።

“ነገራቱ ግር ኢሉኒ ምስ ነብሰይ እናተመራመርኩ ከለኹ፡ ‘ብዘይካ’ዞም ዝተጠቕሱ ዝቐረቡ ሓደስቲ ሕጹያት የለዉን። እቲ ሰልፊ ግን ምስ ዕብየት ውድብ ማዕረ ክኸይድ ስለ ዘለዎ ምስ ኵነታት መስዋእቲ ብቑዓት ሓደስቲ ኣባላት ብምልላይ ከም ሕጹያት ክነቕርብ ከም ዘለና ክንፈልጥ ይግባእ፡’ ዝብል መደምደምታ ዝመስል ዘረባ ምስ ሰማዕኩ፡ ከም ገለ ደርገፍ ክብል ከይሰምዑኒ እናፈራሕኩ ሰላሕ ኢለ መንገደይ ቀጸልኩ። ካብቲ ቦታ ቍሩብ ፍንትት ምስ በልኩ ድማ ጕያ ወሲኸ ናብ ቤትጽሕፈት ሓይሊ ሰጐምኩ። መልእኽተይ ነቶም ኣብኡ ዝጸንሑ ምልክት ኣረኪበ ድማ ተመሊሰ ከም ዘለኹ መታን ክሕብር ናብታ ከም ቤትጽሕፈት ጋንታ ንወስዳ ዝነበርና ንእሽቶ ኣንደር ኣምሪሐ። ወዲሸቃ ከም ዘይጸንሓኒ እናፈለጥኩ’የ ናብኡ ከይደ። መራሕ መስርዕና ምስ ካልኣዩ ከዕልል ምስ ጸንሓኒ ኣባል ሰልፊ ከም ዘይኮነ ተጋሂዱለይ። ከም ዝመጻእኩ ድሕሪ ምሕባሩ ድማ በዓል ደሓን ክመስል ገፈፍ እናበልኩ ናብ ደቂ መስርዐይ ቀጺለ።

“ነዚ ክገልጸልካ ዝጸናሕኩ ምስጢር ምስ ፈለጥኩ፡ እንታይ ስለ ዝተረኽበ’ዩ ኢሎም ብዓይኒ ጥርጣረ መታን ከይጥምቱኒ ምስ መምህር ብቕጽበት ዘይኮነ ብቐስታን ብጥንቃቐን ክርሕቆ መደብ ሓንጸጽኩ። ስለዚ፡ ‘መርመራ ቀሪባ’ንድያ፡ ክንተሓታተት’ባ፡’ ዝብል ምኽንያት ብምፍጣር ምስ ካልኦት ከማይ ኣብ ደርቢ ሓረስታይን ሸቃላይን ዝምደቡ ብጾት ክውዕልን ወጃዕ ክብልን ጀመርኩ። ድዉይ ተጣባባይ ኮይኑ’ቲ ነገር፡ ንኸምስል ናይ ስነፍልጠት ይኹን ናይ እንግሊዝኛ ጥራውዝተይ ተተዀልኵለ ናብቶም መማህረተይ ዘለዉዎ ቦታ እናኸድኩ፡ ‘ዌር ኢዝ ዘ ካት? ዘ ካት ኢስ ኢንሳይድ ዘ ሃውስ፡ ጸዓዱ ዋህዮታት ንምንታይ ይጠቕሙና? ከም ሰራዊት ካብ ጸላእቲ ይከላኸሉልና ወዘተ፡’ ክብል እውዕል ነይረ። ናይ ነዊሕ ዕላማይ ግን ምስጢር ናይዛ ፍሉያት ሰባት፡ ለይቲ ለይቲ ካብ ሓፋሽ ተመዅሊዮም ዝእከቡላ ዘለዉ ጕጅለ ፈሊጠ ክጽንበራ ጥራይ’ዩ ነይሩ። ናይ ኣጋጣሚ ነገር ኮይኑ ኣኼባ ኣይተገብረን’ምበር እቲ ዝኣምነሉ ዝነበርኩ መምህር ከም ገለ ነቐፌታ እንተ ዝቐርበሉ፡ ‘ኣብዚኣ ተወሳኺ ኣላትኒ፡’ ብምባል ኣፍኵስ ኣቢለ ፈይ ከብለሉ መዲበ ነይረ። ምኽንያቱ ከም ዝበልኩኻ ከም ውትህድርና ገይረ ዝፈትዎ ስራሕ ስለ ዘይነበረኒ፡ እንተ ወሓደ ከም መራሕ መስርዕ ተመዚዘ፡ ‘ንስኻ በዚ፡ ንስኻ ድማ በዚ፡’ ኢለ ክእዝዝ ኣመና እህንጠ ነይረ። ስለዚ፡ ንበዓል መምህር ካብ ዘይምንቃፍ ካብ ኮነ ዝዕንቀፍ ዘለኹ፡ ወላ ሕልናይ ዘይቅበሎ ነገር ይኹን ከጭፍጭፎ ኣብ ውሳኔ በጺሐ።

“መርመራ ምስ ሓለፈ፡ ነገር ገጢሙለይ ጽቡቕ ነጥቢ ኣምጺአስ ኣብ ተርታ ካብ መበል ሻሙናይ ናብ ሳልሳይ ተርታ ስለ ዝተናጠርኩ፡ ተንኰለይ ዘይተረድኣ ጋንታ ብምልእታ፡ ‘ኣርበጂ ደኣ ትምህርቲ ከረው ኣቢሉ ሳላ ዝሓዛ ብልጫ መንጢሉዋ! እንታይ ትዛረብ ኣለኻ? ንበዓል ላውንቸር ገምጢሉዎም’ንድዩ፡’ ክሳብ ትብል ገይረያ። ተመሊስካ ሕስብ ክተብሎ ከለኻ ክትኣምኖ’ዩ ዘሸግረካ። ብዘይ ሓሰብኩዎ ሸነኽ ዝመጽአ ነገር ንብዙሓት ሰባት ከታልልን ከእምንን ኣኽኢሉኒ። እዚ ግን ቀቀሊሉ’ዩ። ኣብ መበል ካልኣይ ወርሒ እቶም ዝፈልጦም ሰባት በብሓደ ክስወሩ ምስ ረኣኹዎም ዝብሃል መታን ክሰምዕ፡ ዝሸይን መሲለ ሰብ ከየስተውዓለለይ ብሰላሕታ ናብታ ዝእከቡላ ቦታ ኣምሪሐ። እቲ ሽዑ ዝሰማዕኩዎ ምስጢር ድማ፡ እቲ ውድብ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ፡ እንታይ እንተ ገበርካ ቦታ ወይ ተሰማዕነት ከም ትረክብ ብንጹር ክግንዘብ ኣኽኢሉኒ። እቲ ነገር ብሓጺሩ ሕልናኻ ዝበለካ ዘይኮነ ካድራትን ሓለፍትን ዝበሉዎ እናቘለብካ ክትደግምን ክትፍጽምን ከም ዘለካ፡ ሓደ ኣባል ሰልፊ ጌጋ ምስ ዝፍጽም ኣብ ቅድሚ ኣባላት ዘይኮኑ ሰባት ክትነቕፎ ከም ዘይብልካ፡ ከም ገለ ብኣባላት ምስ ዝንቀፍ ድማ ክትከላኸለሉ ከም ዝግብኣካን ካልእ ክሕዞ ዘይከኣልኩ ንጕዳያት ሰልፊ ዝምልከት ሓብጀርቀጀርን ፈሊጠ። ብዓቢኡ ኸኣ በዓል መን ክውቅዑ ከም ዘለዎም ተገንዚበ። ‘እሞ ኣርቢጂስ ሰኣን እዚኣ ኢኻ ነዛ መራሕ መስርዕ ስኢንካያ ዘለኻ!’ ብምባል ድማ ክኸፍሎ ዘለኒ ሕልናኻ ናይ ምሻጥ ጕዳይ ብዘየገድስ፡ ብዝኾነ ኣገባብ ሓላፍነት ክረክብ ዘኽእለኒ ውጥን ኣጽኒዐ ወዳእኩ። ናይ ሕልና ምሻጥ ጕዳይ ሕጂ ክሓስቦ ከለኹ’ዩ ዝስቈረኒ ዘሎ’ምበር፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ምስቲ ዝነበረኒ ንኡስ ዕድመን ምስቲ ዝነበረኒ ክቱር ናይ ሓላፍነት ሕማምን ፈጺሙ ይዓጠኒ ኣይነበረን ክብለካ እደፍር።

“ኣብ መበል ክልተ ቕነ፡ ብገለ ኣጋጣሚ ናይ ሓይሊ ኣኼባ ምስ ተገብረ ኣብ ልዕሊ መምህር ነቐፌታ ክቐርብ ከም ሕሱም ተጸበኹ። ንዕድለይ ድማ ሓደ ድሒሩ ንሱዳን ዝሃደመ ኣባል ባህሊ ዝነበረ፡ ብሓደ ዘይጠቅም ናይ ግጥሚ ድዩ ተዋስኦ ጕዳይ ናብ መምህር ነቐፌታ ስለ ዘቕረበ ጥዒሙለይ። ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲኣ ምስ በለ፡ ሓውካ ተወሳኺ ኣለኒ ብምባል ለጢጠ ሓደግኩዎ። ሽዑ ብዘይካ’ቲ ዝበልኩኻ ኣብ ሓላፍነት ናይ ምድያብ ዕላማ ዝረኣየኒ ነገር ኣይነበረን። መምህር[1] ብዅነታተይ ተገሪሙ ግዲ ኾይኑ ኣትኵሩ ጠሚቱኒ። ሓውካ ግን ቅጭጭ ኣይበለንን። ኣብ ወርሑ ናይ ጋንታ ኣኼባ ምስ ተገብረ፡ መምህር ኣብ ኣካዳምያዊ ይኹን ፖለቲካዊ ትምህርቲ ከም ቀደሙ ይነጥፍ የለን ዝብል ነቐፌታ ወረደ። ነቲ ኣጋጣሚ ከምልጠኒ ስለ ዘይደለኹ ኣላታን የብላን ምስቶም በጻብዕ ዝቝጸሩ ሰባት ኮይነ ሆ! ብምባል ንመምህር ኣይብላዕ ኣይስተ ገበርኩዎ። ነዚኣ ምስ ገበርኩ ከም ሕልመይ ልክዕ ኣብ መበል ክልተ ወርሒ ምኽትል መራሕ መስርዕ ተመዚዘ። ሽዑ ገደፎ! ዓለም ዝጨበጥኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ኣይደንጐኹን ኣብ መበል ሽዱሽተ ወርሒ መራሕ መስርዕ ኮይነ። ድሕሪኡ’ሞ ኸኣ እንታይ ኢልካሉ ኢኻ! እቲ ሜላ ስለ ዘጽናዕኩዎ ከም ብርቱዕ ውሕጅ ትም ኢለ ንሰማይ ጥራይ ከንቃዕርር ጀሚረ። ሕሰቦ፡ ኣብ ሰማንያን ሓደን ምኽትል መራሕ መስርዕ ዝነበርኩ ናደው ክፈርስ ከሎ መራሕ በጦሎኒ በጺሐስ ምስ በዓል ውጩ እመያየጥ ኣለኹ። መንግስቲ መዓርግ ኣብ ዝህበሉ ግዜ ኸኣ ካብ ምሉእ ኮሎኔል ንታሕቲ ኣይጽበን’የ። እዚ ክብለካ ከለኹ ግን ሕልናይ ሸይጠ፡ ንሰባት ከም መሳልል ረጊጸ ዝበጻሕኩዎ ምዃኑ ፍለጥ።”

“እዚ ዅሉ ጌርካ ክተብቅዕ ሕጂ ተመሊስካ ክትሓስቦ ከለኻ ቍሩብ እንታይ ይስምዓካ?” ክብል ሓተትኩዎ ኵሉ ነገር ተሓዋዊሱኒ።

“ንመምህር፡ ወላ ይሰዋእ ክሳብ ሕጂ ከም ሓደ ብጹእ መምህረይ’የ ዝጥምቶ። ኣነ ግን ካብ ክነብር ክስዋእ ምሓሸኒ። ስለምንታይ እንተ በልካ፡ ንመምህር ክዝክሮ ከለኹ ነብሰቕትለት ፈጽም ዝብል ሓሳብ’ዩ ቅጅል ዝብለኒ። ብፍላይ መስተ ኣብ ዘብዝሓሉ ግዜ ኣብ ሕማቕ ኵነታት’የ ዝወድቕ። ብኡ’የ ድማ ሽጕጥ ምሓዝ ዘቋረጽኩዎ። መምህር ፈላጥ ከሎ ከም ዘይፈልጥ፡ ክኢላ ኸሎ ከም ዘይክእል፡ ኮታ ንሓፋሽ መሲሉ ዝኸይድ ትሑትን ኣመና ቅኑዕን ሰብ’ዩ ነይሩ። ትኽ ዝበለ መንገዲ ጥራይ ሒዙ ስለ ዝኸይድ ግን ክህሰ ኽኢሉ። እቲ ግርም ዝብለካ፡ እታ ንመምህር ኣብዚ ዅሉ ሽግር ዘእተወቶ ቀንዲ ምኽንያት ኮንቱር ትብል ነጥቢ’ያ። ንሱ ኵሉ ግዜ ልዕሊ ሰብ ሰጕሙ ከም ዝጸንሕ ብዙሓት ደቂ ሓይልና ይፈልጡ’ኳ እንተ ነበሩ ኣነ ግን ድሒሩ’ዩ ተረዲኡኒ፡” ምስ በለኒ፡ “ከመይ ማለትካ’ዩ?” በልኩዎ ኣብ መንጎ ኵልፍ ኣቢለ።

“ሓደ ግዜ ብዛዕባ’ዚ እዞም ምሁራት ኮንቱር ማፕ ትብሉዎ ምስ ሓደ ካልኣዩ እናዕለሉ ከለዉ፡ ‘ኣብ ውሱን መድረኽ’ኳ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ምህናጽ ከድልየና’ዩ። እንተ ወሓደ ካብ መራሕ መስርዕ ንላዕሊ ዘሎ ሰብ ኮንቱር ክመሃር ኣለዎ፡’ ክብል ኣዕሊሉ። ከም ሓቂ ድማ ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝኾነ ሰብ ክሓስቦ ዘይክእል ዘረባ’ዩ ነይሩ። እቲ ምስኡ ዘዕልል ዝነበረ ሰብ ተንኰለኛ ስለ ዝነበረ ግን ቅንይ ኢሉ፡ ‘መምህር እዚ እነካይዶ ዘለና ወተሃደራዊ ሜላ፡ ኣብ ተሞክሮ ጥራይ ዝተመርኰሰ ስለ ዝኾነ፡ ብዘይ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ብላሽ’ዩ ኢሉኒ፡’ ክብል ካብ ኣፉ ዘይወጽአ ዘረባ ኣሸክም ኣቢሉዎ። መስኪናይ መምህር! ከምዛ ዝሓንከሰት ላም ዝረኸቡ ኣዛብእ ዝልዝል ዝልዝል ኣቢሎም ናብ ሓለዋ ሰውራ ከም ዝለኣኽ ገይሮሞ። እዚ ክብለካ ከለኹ፡ ነቲ ፍጻሜ ብዕላል’የ ሰሚዐዮ። ምኽንያቱ ሽዑ ንእሽቶ መውጋእቲ ኣጋጢማትኒ ኣብ ሕክምና ብርጌድ ስለ ዝነበርኩ ነቲ ኣኼባ ብኣካል ክሳተፎ ኣይከኣልኩን። መምህር ነታ ባቡር ቀዲሙዋ ዝኸይድ ንጹህ ተቃላሳይ’ዩ ነይሩ። ከም ብዙሓት ካልኦት ተቓለስቲ ድማ ግዳይ ብልሑ ኾይኑ።

“ብዛዕባኡ ክሓስብ ከለኹ ድቃስ ለይቲ’የ ዝስእን። ብኡነት እብለካ ኣለኹ፡ ኵሉ ግዜ ድቃስ የብለይን። ምኽንያቱ በቲ ሓደ ብህይወት እንተ ዝህሉ ነይሩ እናበልኩ ንህላወኡ እምነ፡ በቲ ሓደ ድማ እንተ ዝህሉ ነይሩስ ከመይ’ለ ገጹ እናረኣኹ ክነብር? እናበልኩ ወትሩ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ምንባር እጸልኦ። ኮታ ከም ሰብ መጠን ንማለቱ እንቀሳቐስ ኣለኹ’ምበር ንቡር ህይወት ኣለኒ ክብል ኣይደፍርን። ሕራይ መምህር ብሰንክና ኣይተሰውአን ይኸውን፡ እቲ ኣብ ልዕለኡ ዝፈጸምናዮ ገበን ግን ካብኡ ፈልየ ኣይጥምቶን’የ። ስለ ዝኾነ፡ ድሕሪ መምህር ምንባር ንዓይ ህይወት ኣይኮነን። ኣነ ይኹን ካልኦት ንዓይ ዝመስሉ ምስሉያት፡ ንተቓለስቲ ንዕንቅፍ ኔርና’ምበር፡ ኣፍና መሊእና ንሓፋሽ ንቃለስ ኔርና ክንብል ግቡእ ኣይኮነን። ነቲ ዕላል ክምልኣልካ ግን፡ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ነዊሕ ከይጸንሐ ድሕሪ ምምላሱ ብመጠኑ ኣዕሊሉኒ ነይሩ። ሞራሉ ዘይትንከፍ ተሪር ሰብ’ኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ሰውራ ብኸምኡ ክቕጽል እንተ ኾይኑ ናበይ’ዩ ኽበጽሕ? ዝብል ኣተሓሳስባ ይሳቐ ከም ዝነበረ ኣብ ገጹ ይንበብ ነይሩ። ካብ ሓለዋ ሰውራ ድሕሪ ምምላሱ፡ ኣብ ክንዲ ከም ቀደሙ ኣብ ፖለቲካን ኣካዳሚን ንጡፍ ዝኸውን ብምእኩል ደረጃ ምስ ተኣዘዘ ጥራይ ክሰርሕ ጀሚሩ። ቅድሚ’ቲ ኣቐዲመ ዘዕለልኩኻ ነቐፌታ፡ ‘ስማዕ’ስኪ መምህር፡ ስለምንታይ ኢኻ ከም ቀደምካ ኣካዳሚ ይኹን ፖለቲካ ብተበግሶኻ ዘይትምህረና ዘለኻ?’ ክብል ምስ ተወከስኩዎ፡ ‘ድሕሪ ሓለዋ ሰውራ ምብጽሐይ፡ ኣብዚ ውድብ ተበግሶ ወሲድካ ንብጾትካ ክትምህር ይኹን ክተረድእ እንተ ፈቲንካ፡ ኣነነት ከም ዘሎካ ወይ ብሓፋሽ ተፈላጥነት ክትረክብ ትገብሮ ዘለኻ ናይ በለጽ ተግባር ገይሮም ስለ ዝርድኡዎ፡ ኣብ ክንዲ ብተበግሶይ ሰሪሐ ኣብ ሽግር ዝኣቱ፡ ብሓለፍቲ ተኣዚዘ ጥራይ ክሰርሕ ኣለኒ ኣብ ዝብል ውሳኔ በጺሐ፡’ ክብል ገሊጹለይ።

“እዚ ግን ጽቡቕ ኣይሃቦን። ካልእ ትርጉም ስለ ዝተዋህቦ ተመሊሱ ዘውቅዖ ኮይኑ። ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ጐደሎ ዘይብሉ ጅግና ስለ ዝነበረ ግን ምስቲ ዅሉ ኣንጻሩ ዝተኻየደ ጽዑቕ ጐስጓስ ክብድሁዎ ኣይከኣሉን። ኣብ መጨረሽታ ክስዋእ ግዲ ደልዮሞ፡ ወተሃደራዊ ስለያ ኣመኽንዮም ምስ ሓደ ንኡስ ቡርጅዋ እናበሉ ዘቈናጽቡዎ ዝነበሩ ምሁር ብተደጋጋሚ ናብ ድሕሪ መስመር ጸላኢ ክልእኩዎ ጀሚሮም። ብዕድል ግን እቲ ዅሉ ፈንጂ ከይረኸቦም ግቡኦም ፈጺሞም ብተኣምር ይምለሱ ነይሮም። ሽዑ ድሮ ኣባል ሰልፊ ኮይነ ስለ ዝነበርኩ ድማ መራሕ ጋንታ ዝተካእኩዎ ዕሽው ኢሉ መራሕ ሓይልና ከይሓፈረ፡ ‘ኣንታ እንታይ ፍጥረት’ዮም እዚኣቶም! ኣይስውኡ ኣይስልሙ! ነዚ ዅሉ ፈንጂ ጸላኢ ጥሒሶም ከመይ ኢሎም ይምለሱ’ለዉ!’ ክብል ብኣንክሮ ኣዕሊሉኒ። ብኡነት’የ ዝብለካ! ተጋዳላይ ኣብ ልዕሊ ብጾቱ ማዕረ ክንድኡ ዝበጽሕ ዶብ ዝጠሓሰን ዝኸሓነን፡ ጽልእን ቅርሕንትን ከተኣናግድ ከም ዝኽእል ሽዑ ተሰዊጡኒ። ካብ መጠን ንላዕሊ ስለ ዘስደመመኒ ሰብነተይ ከም ቅጽበት ቀዝሒ ወሪሩዎ። መጀመርያ ብጥርጣረ ንዝጥምቱዎም ሰባት ስለምንታይ ንበይኖም ይሰዱዎም ከም ዝነበሩ ምርድኡ ሓርቢቱኒ ነይሩ። ካብዚ ዝብለካ ግዜ ንደሓር ግን ተጋዳላይ ዝብል ስም ካብ ዝተሰከሙ ብጾት ክሳብ ክንድኡ ዝኣክል ኣራዊታዊ ጭካኔ ከም ዘሎ ፈሊጠስ ክጥንቀቕ’ውን ጀሚረ ።

“ብዝኾነ ዘረባ ኣንዊሐልካ ኣይትሓዘለይ፡ ሻድሻይ ወራር ኣብ ምውድኡ መምህር ግደፍ እናተባህለ፡ ንሓደ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ጸላእን ተወጊኡ ዝተረፈ ማንጁስ ንብሎ ዝነበርና ኣባል ቤትትምህርቲ ሰውራ ነበር ከድሕን ክብል፡ ኣብ ኣፍልቡ ተሃሪሙ ተሰዊኡ። ማንጁስ’ውን ሽዑ’ኳ እንተ ደሓነ ኣብ ወፍሪ ባሕረ ነጋሽ ንመምህር ስዒቡዎ። ጭርሖኡ፡ ‘ድሕሪ መምህር እንታይ ዝኸውን ህይወት’ዩ፡’ ትብል’ያ ነይራ። ስለዚ ነዝን ወድዝን ተዘክሮታት ስለ ዘገናዝብ፡ ኣብ ቀጻሊ ስቓይን ናይ ሕልና ነውጽን ከም ዘለኹ  ክገልጸልካ እፈቱ፡”  ኢሉ ኣበርቲዑ ኣተንፈሰ።

 

 

*          *          *

 


[1] ኣርበጂ፡ ኣብዛ ህሞት’ዚኣ ድምጹ ክቕየርን ንብዓቱ ቍጽርጽር ክብሎን ጀመረ። ድምጹ ክቕየር ምስ ረኣኹዎ፡ ኣነ ባዕለይ ስዉኣት ኣሕዋተይን ኣዕሩኽተይን ዘኪረ ክነብዕ ቍሩብ ተሪፉኒ። ምናልባሽ ሓደና እንተ ዝጅምር ተተሓሒዝና ምነባዕና ኔርና ንኸውን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
69 COMMENTS
  • Mhretab January 4, 2014

    Wel done anchiback.

  • Almaz Gual Asmera January 4, 2014

    ዝኸበርካ ተወልደመድህን ስለ ርኡቶኻ የመስግነካ። ኣነ ዘልኩ ሕዝቢ ሓቀኛ ታሪኽ ደቁ ኪፈልጥ ዕድል ኣይረኸበን። ሓበሬታ ሓይሊ ስለዝኾነ በቶም ቅኑዓት ተጋደልቲ ዝተበገሰ ናይ ለውጢ ፈተነታት ካብ ሕዝቢ ደገፍ ኣይረኸበን። ንሰብ ሓቀኛ ሓበሬታ እንተነፊግካዮ ብተግባር ኣልሚስካዮ ማለት እዩ። ግንባሮም ንጥይት ኪህቡ ዘይፈርሑ ጀጋኑ ኣብ ውሽጦም ሰይጣውንቲ ከምዘሎውዎም ምሕባር ንምንታይ ይፈርሑ? ን ኣስታት 20 ዓመታት ኣዕጋቢ መልሲ ዘይተረኽቦ ሕቶ እዩ። እዛ ሚስጥራዊት ሰልፊ ንጀጋኑ ብሕቖኦም ትቕንጽል ዝነበረት ሰራም ምንጪ ኩሉ ሕሰም እዞም ሕጂ ኣፎም ዝኸፍቱ ዘሎዉ በጻብዕ ዝፍቐዱ ሰብ ሕልና ጥራይ ድዮም ዝፈልጥዋ ኢልካዶ ትግምት? ፈለጥታን ኣባላታ-ነበርን ብዙሓት እንተኾይኖም፣ መልክዓ ቀይራ ሕዝቢ እንዳጽነተት ከላ እንታይ የጣብዉ ኣሎዉ? ካብኦም ስማዊ ቃልሲ ንገብር ኣሎና ዝብሉውን ኣሎዉ። መስደመም እዩ። ንነጻነት ጥራይ እዮም ተቓሊሶም ዝበልካዮ ግን ገዚፍ ጌጋ እዩ። ነጻነት ብዘይ ሓርነት “ኣምሓርኛ ዝዛረብ መንግስቱ ብትግርኛ ዝዛረብ መንግስቱ” ምቅያር ኣሽምባይዶ ኣሽሓት ብሉጻት ደቂ ሕዝቢ ደም በጊዕ እኳ ኪፈሶ ኣይግባእን እዩ።

    • ተወልደመድህን January 4, 2014

      ብዓይኒ ጽልእን ናብ ኣነዶ ንስኻ ከይንወሰዶ ምልልሽና ሓደራ ይብለኪ።……እዛ ሚስጥራዊት ሰልፊ ንጀጋኑ ብሕቖኦም ትቕንጽል ዝነበረት ሰራም ምንጪ ኩሉ ሕሰም እዞም ሕጂ ኣፎም ዝኸፍቱ ዘሎዉ በጻብዕ ዝፍቐዱ ሰብ ሕልና ጥራይ ድዮም ዝፈልጥዋ ኢልካዶ ትግምት?………ብዙሓት ይፈልጡዋ ኔሮም ኢዮም።ግን 1) ምትእምማን ኣይነበረን።2)ዘይምብሳል ኔሩ 3) ኩሉ’ኮ ካብቲ ሰብ’ምበር ሕጊ ምኽባር ዘይፈልጥ ኅብረተሰብ’ዩ ወጺኡ።ስለዚ ንዝተሸመየ ይስዕቡ ኔሮም።እዚ’ዩ ቅኑዕ ዝበለ መራሒ ይስዕቡ ኔሮም።እቲ ብውሽጢ ውሽጢ ዝሰርሕ ዚነበረ ከኣ ኣምልኾ ንምምስራት’ዩ።ዕሽነት፡ሕመቕን ዘይምብሳልን ከኣ ንኹሉ ኣትሪሩ፡ነቲ ዓይኑ ዘንቖሓ ስሚ ኮይኑ መን ክዛረብ።ብዓሻ ኣይትወጻዕ ይብሉ ኣቦታትና።ገለ ከኣ ምቕታል ምቕታልስ ምሁር ይቕተለኒ ከኣ ኢሎም’ዮም።ካልእ ኩሉ’ኮ ምእንቲ ንቑሕ ወይ ካብ ኣውራጃነት ነጻ ተባሂሉ ክረአ ንዞኣበየሉ ኣገባብን እምነትን ኪሒዱ ልቡን ቀልቡን ኣካሉን ንህግ ኣረኪቡ’ዩ።ስለዚ ኣረኣኣያ ኢሳያስ ዝዕንድረሉ ርእሲ ካልእ ኣይርእን ኣይሃስብን ብዘይካ ኢሳያስ ዝብሎ።……ንነጻነት ጥራይ እዮም ተቓሊሶም ዝበልካዮ ግን ገዚፍ ጌጋ እዩ።…..ዝብል ኣይሰማማዓሉን’የ።ምኽንያቱ ርግጽ ነጻ ኣተሃሳስባና ክነማዕብል፡ብነጻ ከምቲ ንድለዮ ክንነብር ይኹን ….ካልእ ናይ ነጻ ህዝቢ መሰላት ኣይተጎናጸፍናን።ስርዓት ደርጊ ብዓብይ ኣፉ ወጺኡ ብመስኮት ካልእ ደርጊ ዚመስል ኣተሃሳስባን ኣሰራርሓን ዘለዎ መጺኡ።ግን ህዝቢ ኤርትራ ከም ኩሎም ህዝብታት ህዝቢ ኤርትራ ተባሂሉ።ቃልሲ፡ምሁራትን ካብ ብልጭልጭ ዝብል ከተማታት ኤውሮፓ ነጻነትን መሰል ህዝቢ ኣሚኖም ዝወጹዎ’ዩ።ዝበዝሑ 85% ከኣ ኣብ ሰማይ ብዙሕ ጽቡቕ ነገር ዝሃነጹ ደቂ ሃረስቶት፡ደቂ ሸቃሎ ንባዕላቶም ሸቃሎን ሃረስቶትን፡ኣብ ከተማ በጋሚንዶ ዚነበሩ ሸቓጦ፡ተመሃሮን፡ጓሶት ብስሚዒትን ጠበንጃ ምህዛል ዘፍተወሎም፡ምስ ስድራ ዝተጋጨዩ፡ናብራ ስክሕክሕ ዝበሎም፡ጓል ዘጥነሱ ዝሰረቑ…..ስለዚ እዞም ኩሎም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዝመራሕቱ ንሳቶም ዝካድራቱ ነቲ ፍትሕን መሰልን ዝብል ከመይ ይርእዩዎ ኢልካ ዝርከብ ምላሽ በቲ ናቶም ጎናይ ኣተሃሳስባ ጥራህ’ዮም ዝርእዩዎ።እዚኣቶም ዝኮነረላት፡ኣዚኣቶም ዚጀነራላት ከኣ ኣዚ ዘሎናዮን ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ ውርደት ክረአ ግድን’ዩ። ሎሚ ዘርእዩዎ ዘለው ጸፋዕፋዕን ብስልጣን ምብዕላግን ናይ ሎሚ ዘይኮነ ናይቲ ክሳብ ሎሚ ዘለውዎ ዘብጸሀ ኣተሃሳስባ’ዩ።እቲ ዚመጽእ’ውን ዝሓዝናሉ የብልናን።ግን ካብ ህግደፍ ዝሃይሽ ክኾነልና ይምነ።ስለዚ ነጻነት ሃገርን ፍትሃዊ ጉዳይ(ዲሞክራሲ ወይ መሰል ደቂ ሰባት ) በበይኑ ክልተ ዓይነት ክብደትን ክልተ ኦኣይነት መምዘንን ዘለዎ’ዩ።

      • Almaz Gual Asmera January 4, 2014

        ግንባሮም ንጥይት ኪህቡ ዘይፈርሑ ጀጋኑ ኣብ ውሽጦም ሰይጣውንቲ ከምዘሎውዎም ምሕባር ንምንታይ ይፈርሑ? ንኣስታት 20 ዓመታት ኣዕጋቢ መልሲ ዘይተረኽቦ ሕቶ እዩ። ምላሽ ናይዛ ሕቶዶ ምሓገዝካኒ፣ ተ/መድህን ሓወይ። ቅንጣብ ናይ ርእይቶታት ሒዝና ከይንህወትት ምእንቲ እምበር ዘጻልእ የብልናን። ደይ ኩላትና ቡዱላት ኢና። ሕዝቢ ግን ከም ሕሱም ገቢሩ ብደቁ፣ ብገንዘቡ፣ ብሃብቱ፣ ብጉልበቱ…ዘይኢዱ ረኺቡ። እቶም ኣብ ግንባሮም ዝተወቕዑ እኮ ደቂ ሕዝቢ እዮም ኣብ ሳሕል ኣይተሰርሑን። ሕጂውን ንሕዝቢ ቅኑዕ ሓበረታ እንተሂብና ካብ ሓይሊ ሕዝቢ ዝሕይል የሎን። ሓይሊ ፈጣሪ ጥራይ እዩ ካብኡ ዝሕይል።

        • ተወልደመድህን January 5, 2014

          ዝኸበርኪ ጓል ኣስመራ……እቲ ሕቶ ኣነ።ውን ዝሃቶ ሕቶ’ዩ።ንጸላኢ ማይ ሰማይ ዘበለ ተጋዳላይ ኢድ መራሕቱ ተወጣዊጡዎ ከጽቕጥ ምር ኣየይ፡ህዝቢ ኣኤርትራ ኣደደ ስደትን ውርደትን እናኾነ ህጣሞም ምጥፋኣ ኖኣይ’ውን ዘሰንበደ እምበር’ዶ ንፍትሕን ነጻነትን ተቃሊሶም ዝብሎ ሕቶ’ዩ።ተመሊሰ ነቲ ሰራዊትን ኣገባብ ኣመኦኣባብሉኡን ኣመጻጽ ኡን ምስ ገምገምኩ ከኣ ንሕቶይ ምላሽ ይህበሉ’የ።እቲ ምላሽ ብዝሕን ኦኣቐንን ዘይኮነ ብቕዓትን ክእለትን ስለዘየሎ’ዩ።ድሕሪኡ ከኣ ምትእምማን ናይ ጸገምካ ምዝርራብ ስለዘየለ’ዩ።ዝነበረ ምዕቡል ሃይሊ፡ምስቲ ብቖኣት ዘይብሉ ትደባሊቑ፡ነቲ ምሁር ገለ ክገብር ዝኽእል ዓብሊሉዎ፡ጸይቅን ክፍ ኣት መዓል ኢሳያስ ዕድል ረኺቡ’ዩ። ክ ካልእ ክብለካ ዝደሊ፡ግጉይን ቅኑዕን ክወዳደሩ ከለው፡ቅንዕናን ሃቅን ጥልቕ ኢልካ ምምርማር ዘድልዮ ነባሪ ስለዝኾነ ቀልጢፉ ዘይረአ’ዩ።ነዚ ደቂ ሰባት ቀልጢፎም ኣይርእዩዎን፡ኣይርደኦምን።ግጉይ ኣዘራርባን ኣተሃሳስባን ብሪቕሪቕ ዝብሉን ካብ ወርቂ ንላዕሊ ዝምዘኑ ቃላት ኣምሪሑ ስለዝመጽእ ሓቂ ኮይኑ ስለዝስማዕ ብቕልጡፍ’ዮም ሰባት ዝቕበሉዎ።ስለዚ ብከምዚ ኣጋግዩ ስልጣኑ ዘጣጠሐ መሪሕነት ክሳብ ሎሚ ስልጣኑ ከይበላሸዎ ጥራሕ’ዩ ሰሪሑ።ነገራ ናብ ጥቕምካ ጥራሕ እንተውዒልካዮ ከኣ ክሳብ ዝኾነ ዝከውን ትዕወት ኢኻ።ሰልዚ ተጋደልቲ ስለምንታይ ይፈርሁ ዘይሓብሩ ንዝብል ሕቶኺ፡ይፈርሁ ኣይነበሩን ግን ኩሎም ናብቲ ሓቒ ኣቢሎም ይጓዓዙ ኣይነበሩን።ኣብታ ንጸላኢ ምድምሳስ ክሰማምዑ ኣባ ካልእ ግን ይፈላለዩ።ገሊኦም ናይቲ ስርዓት ዋና ኣካየድቲ፡ገለ ከኣ ዓቕምን ፍልጠትን ዝጎደሎም ስለዝነበሩ ከምዘይቅየር ይፈልጡ፡ገለ ምስዘስቱኹ መሕሰሚ ነፍሶም ምኳኑ ፈሊጦም።ኣብ ማእከልካ ዘሎ ጸገም ንምልጋስ ከኣ ኩሉኻ ነቲ ጸገም ክትፈልጦን ክትዘራረበሉን የድሊ።ምዝርራብን ምትእምማን ኣንተዘየልዩ ጸገም ኣይፍለጥን ምሕባር ኣይርከብን።ናይ ኩሉ ጠንቒ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ ጉድለት ብቕዓትን ክእለትን’ዩ።ብከምዚ ሰልፊ ብውሽጢ ውሽጢ ወዲቡ ንገለ ኣስሪሑ ይቕንጽል፡ካልእ ዘይደከሙ ዘይፈለጡ ኣተባቢዑ የስርሕ።ኣብ ህግ ምትብባዕ ትብል ቃል ምትላል’ያ።ገሊኦም ምምሃር ዝመስሎም ኣሎ፡ግን ምትብባዕን ሞራል ብምሃብ ከኣ ገዞም ዘፍርሱ ኣይስእኑን።………..ኣብዚ ግን ክልተ ነገር ኣሎ።ንነጻነት ተቃሊሶም ከብቕዑ ብሕቡእ ይኹን ብዝተፈላለ ኣገባብ ዝጸንሖም ጸገም ክዛረብሉን ክውድቡን ኔሩዎም ተጋደልቲ፡ህዝቢ ከኣ ኣብ ክንዲ ንዝተሸመዩ ጥራሕ ምጥቓዕ ከስተውዕል ኔሩዎ።ድሕሪ ነጻነት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘለው ናይ ፍትሒ ይኹን ዲሞክራሲ ወይ ፍትሓዊ ስሮኣት ምህላውን ዘይምህላውን ከየስተውዓሉ ናብ ሃርገፍገፍን ንብረት ምትሃዝን ካልእን ኣትዮም።ነዚ ንምስላጥ ከኣ ናብቲ ስሮኣት ተጎዝጉዞም፡እዚ ኦድልዚ ዝረከበ ህግደፍ ከኣ መመሊሱ ሰዊዱ ንዝነበረ ፍርሂ ፍርሂ ወሲኹ ምትእምማንን ከሊኡ ሕብረት ከይህሉ ንህዝቢ ፈላልዩ።እዚ ከኣ ድኽነት ኣተሃሳስባ’ዩ።

  • araya January 4, 2014

    You have done a great job,, God bless you,, it is a great story, beyond that the way you express the idea makes it more attractive,,, keep it up,,,

  • Kabbire January 4, 2014

    ኣዝዩ ዘገርምን ዘሕዝንን ዛንታ እዩ። እወ ገድሊ እንዳበሉ፣ ንኽንደይ ለዋህ ሰብ ንገደል ዝወተፉ። ” ሓራ ክነውጽኣኩም ኢና፤ ደሞክራስን ማዕርነትን ክነስፍን ኢና። ፊውዳል ሃይለሰላሴ ድሑን ጨካንን እዩ፣ ” ኢሎም ይሽቅጡ ኔሮም። ኣብ ግዜ ገድሊ ይኹን ኣብዚ ሕጂ እዋን ግና ንኤርትራ ናብ ስርዓት ባርነት ቀይሮማ ጥራይ ዘይኮነስ ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ሃገራት ዓረብ ከም ጤልን ግመልን ይሸጡን ይልዉጡን ኣለዉ ።

    ንስርዓት ጀብሃን ሻዕብያን ምስ ረኣኻ፣ ዋእ! ሃጸይ ሃይለስላሴ መልኣኽ ድዩ ኔሩ ትብል። ኣብ ምሉእ ታሪኽ ዘመነ ሓበሻ ካብ ምድረ ሓማሴን ሰብ ናብ ጨናዊ ዓረብ ክሽየጥ እዝጊ ነየርአየና፣ እንትርፎ ብግዜ እቲ ጨካን ኣሕመድ ግራኝ ቅድሚ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት።
    ሎሚ እሞ ተዋርዲና ተናዒቕና፤ መንግስትና ኣያታትናን ኣቦታትናን ንጨናዊ ዓረብ ይሸጡና ኣለዉ። ኣቤት ውርደት።

    • Kabbire January 4, 2014

      ኣዝዩ ዘገርምን ዘሕዝንን ዛንታ እዩ። እወ ገድሊ እንዳበሉ፣ ንኽንደይ ለዋህ ሰብ ንገደል ዝወተፉ። ” ሓራ ክነውጽኣኩም ኢና፤ ደሞክራስን ማዕርነትን ክነስፍን ኢና። ፊውዳል ሃይለሰላሴ ድሑርን ጨካንን እዩ፣ ” ኢሎም ይሽቅጡ ኔሮም። ኣብ ግዜ ገድሊ ይኹን ኣብዚ ሕጂ እዋን ግና ንኤርትራ ናብ ስርዓት ባርነት ቀይሮማ ጥራይ ዘይኮነስ ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ሃገራት ዓረብ ከም ጤልን ግመልን ይሸጡን ይልዉጡን ኣለዉ ።

      ንስርዓት ጀብሃን ሻዕብያን ምስ ረኣኻ፣ ዋእ! ሃጸይ ሃይለስላሴ መልኣኽ ድዩ ኔሩ ትብል። ኣብ ምሉእ ታሪኽ ዘመነ ሓበሻ ካብ ምድረ ሓማሴን ሰብ ናብ ጨናዊ ዓረብ ክሽየጥ እዝጊ ነየርአየና፣ እንትርፎ ብግዜ እቲ ጨካን ኣሕመድ ግራኝ ቅድሚ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት።
      ሎሚ እሞ ተዋርዲና ተናዒቕና፤ መንግስትና ኣያታትናን ኣቦታትናን ንጨናዊ ዓረብ ይሸጡና ኣለዉ። ኣቤት ውርደት።

  • belay nega January 4, 2014

    እስቲፋኖስ

    እንቋዕ ደአ እዚ ኩሉ ዝበልካዮ አካይዳ ብአንጻሩ ኮይኑስ: ሰውራ ጠፊኡ “ነጻ ኤርትራ ከመይኮን ምመሰለት ኔራ” አይበልናምበር
    መምዘኒ ቃልስስ [the end justifies the means] ምዃኑ ካብ ማንም ሰብ ንላዕሊ ንስኻ ትፈልጥ
    መልሲ ዘድልዮ ጉዳይ ግን አሎ:: ሕጂኸ ናበይ?

  • MightyEmbasoyra January 4, 2014

    It is so sad real story to read. A lot of those educated heroes are murdered (purposely sending them to die = murdering them). As a result, we have left with those useless and ignorant so called generals/colonels and they are ruining the country and exterminating its people.

    • Suleiman Salim January 4, 2014

      Do you think of yourself as an intelligent person? ha ha ha ha! Arrogance is not good. My advice to you: don’t be arrogant.

      • MightyEmbasoyra January 5, 2014

        Salim,
        You are still alive? Poor soul. I wouldn’t dare to tell you to grow up – because that is impossible in yours and alikes cases.

  • david January 4, 2014

    እስጢፋኖስ፤ እቲ ወሓዛይነት ታሪኽ ብአግባብ ስለትኸዶ ዘለኻ ንአንባባይ ርውየት አለዎ። አብቲ ውሽጢ ስዕሊ ታሪኽ ከአ ብዙሓት ነፍሳት ከምዘለው ብግልጺ ንኽረአዩ ይሕግዝ’ሎ። አብ ዓለምና ንምንታይ ጌጋታት ይበዝሑ እንተይልና፤ እቶም ጌጋታት አብቃልዕ ንኸይወፁ ስለ ዝሕብኡ፤ ጌጋ እንዳተደጋገመ ይነብር። እዙይ’ውን ታሪኽ ብታሪኽነቱ ምፍላጥ ሓደ ነገር ኮይኑ፤ እቲ ዋና ዕላምኡ ግን ንኸይድገም ሰባት ክመሀርሉ ስለዝሕግዝ’ዩ። እቲ አንደበት አጸሓሕፋኻ’ውን አዝዩ ጽፉፍ’ዩ። በርትዕ።

  • Mahtem_Mariam January 4, 2014

    who could be that memhir or arbg? More descriptions would certainly be beneficial. Nevertheless, great job Mr. Temelso and please keep it up.

  • semere January 4, 2014

    No doubt, many of our brothers and sisters Tegadelti knew about “mistirawi selfi”. But they knew the prize of challenging it. The cream of intellectuals, technocrats and pro-nation democrats were exterminated in a cruel manner by Isayas and members of “mistirawi selfi”. I was one of those in Diaspora who dashed home to celebrate our independence in August 1991. I still remember my brother who fought for 27 years told me: “keep your mouth shut. We are not in democracy yet”. By then taken up by the euphoria of freedom, I was irritated and could not swallow his warning. It took time to digest the words of my brother.
    In any case, our history has to be rewritten to identify the real tegadelti who brought our independence. I am convinced that not all tegadelti were members of “mistirawi selfi”. The real criminals like Isayas prolonged the independence war unnecessarily to 30 years sacrificing thousands of our innocent tegadelti. Isayas wanted to seat at the chair before independence; and sad enough he managed. He prolonged the war for his “personal interest”, neither for the nation nor people. If this is not “crime against humanity” what is it then?

    • Suleiman Salim January 4, 2014

      anta denqoro Hawna, naSnet Eritrea beAl Issaias Afeworki Abraham kem zemS’wo ktfelT aloka:: kem beAl Issaias Afeworki Abraham z’ameselu meraHti ‘nte zeyhlwuna kem hzbi felesTin Hadig-medig koyn’na mterefna nierna:: teredi’uka do ?

      • semere January 5, 2014

        Salim
        Denoqro tray iyu nkali seb denqoro zbil. So I don’t waste my time with people like you.

        • ahmed saleh January 6, 2014

          Do me a favor , would someone sponsor S . Salim in to nearest psychiatrist institution to seek mental treatment .
          Charge the bill on Mighty Embasoira and Semere expenses .

  • negash January 4, 2014

    Dear, I am not Sure if it is the same person but due to the same information I have escaped my country. A relative cornel had told me even worse than this. My relative is still In Asmara doing the same

Post a Reply to Tamrat Tamrat Cancel Reply