Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ

    ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ መራሕ ብርጌድ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (ወዲፍላንሳ)፡ ናይ ሓደ ስዉእ ብጻዩ ብሽክሊት ምስ ፈተሾ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘሎ ፈሊጡ። ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ንሓደ ኣባል መሪሕነት ምስ ኣዕለሎ ድማ፡ “ብዛዕባ’ዚ ምስ ዝኾነ ሰብ እንተ ተዛሪብካ ሞት

 

 

ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ

መራሕ ብርጌድ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (ወዲፍላንሳ)፡ ናይ ሓደ ስዉእ ብጻዩ ብሽክሊት ምስ ፈተሾ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘሎ ፈሊጡ። ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ንሓደ ኣባል መሪሕነት ምስ ኣዕለሎ ድማ፡ “ብዛዕባ’ዚ ምስ ዝኾነ ሰብ እንተ ተዛሪብካ ሞት ከም ዝስዕበካ ፍለጥ” ኢሉዎ።

                                          ሓደ ኣባል ብርጌድ 58 ነበር

 

ኣብ ሳልሳይ ወራር ኣብ ግንባር ዓሰብ ብጅግንነት ዝተሰውአ፡ ዕሽው ኢሉ ዝመስል፡ ግን ከኣ ወተሃደራዊ ክእለቱ ዘመሰከረ ብጻይ’ዩ ነይሩ። እቲ ዕላል፡ ኣብ 1994 ካብ ባጽዕ ነስመራ ብስራሕ ጕዳይ ገይሸ ኣብ ዝመጻእኩሉ ናይ ክራማት ግዜ፡ ኣብ ከባቢ ገዛ ባንዳ ዘጋጠመ ኾይኑ፡ ጕዳይ ሰልፊ ምስ ኣልዓልና’ዩ ዝጅመር። ኣባል ሰልፊ ኔርካዶ ኣይነበርካን? ዝብል ሃንደበታዊ ሕቶ ምስ ኣቕረበለይ፡ ዕላሉ ክስምዕ ስለ ዝደለኹ ኣባል ከም ዘይነበርኩን፡ ብዛዕባ ኣባልነት ሰልፊ ብዙሕ ከም ዘይግደስን ገለጽኩሉ። “ንስኻን ከምዚ ከማኻን ሕጂ ተማሂርና ኢና ኢልኩም ትሓስቡ ትኾኑ። ካብ በዓል ንስኻ ግን ንሕና ንሓይሽ፡” በለኒ በተን ስሙራት ኣስናኑ እናሰሓቐ። ሓቂ ዘረባ ብዛዕባ ሰልፊ ዝነበረኒ ዕላል ጸንቂቐ ስለ ዝነበርኩ ካብኡ ብዙሕ ኣይተጸበኹን።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ ብፍጥረቱ ዋዕዋዕ በሃላይን ተጫራቓይን ብምንባሩ ንዘረባኡ ብዙሕ ትርጉም ከይሃብኩ፡ “ብሕጂ እንተ በለጽካና’ምበር ክሳብ ሕጅስ ኣየርከብካናን ዘለኻ፡” ክብል ኰለፍኩዎ ብግደይ ክምስ እናበልኩ። “ማርያም ኣደይ ኢለ ቁምነገር’የ ዝዛረበካ ዘለኹ። ሓንቲ ክላበወካ ግን ንዝኾነ ሰብ ኣዕሊለላ ስለ ዘይፈልጥ ከም ምስጢር ሓዛ፡” በለኒ ገጹ ኣሲሩ። ብዛዕባ ምዕቃብ ምስጢር ጸገም ከም ዘየሎ ምስ ሓበርኩዎ፡ “በል ንዓይ ኣባል ሰልፊ ነይሩ ኢሉ ዝሓስበኒ ሰብ ክህሉ ይኽእልዶ? ፍጹም! ንስኻ’ውን ከምኡ ትግምት ኔርካ ትኸውን። እቲ ቀንዲ ዘረባ ግን ኣባል ሰልፊ ነይረዶ ኣይነበርኩን ዘይኮነ፡ ብኸመይ ኣገባብ ወይ ብልሓት ኣባል ክኸውን ከም ዝኸኣልኩ’ዩ። ንኣብነት በዓል ንስኻ ሕጂ ምስጢራዊ ሰልፊ ምንባሩ ሕጂ ምስ ሓፋሽ’ዩ ተገሊጹልኩም። ኣነ ግን ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ነቲ ሰልፊ ብናይ ገዛእ ርእሰይ ብልሒ ፈሊጠዮስ ኣባል ክኸውን ድማ ክኢለ፡” ክብል ኣብ ሓደ ልብኻ ዝሰቅል ዕላል ሸመመኒ።

እቲ ዕላል ኣብ ውሽጢ መኪና ኮፍ ኢልና ቢራ እናሰተና ነካይዶ ስለ ዝነበረና ሰብ ከይሰምዓና ወይ ከይዕንቅፈና ዝብል ስግኣት ኣይነበረናን። ብዝኾነ፡ ነዚ ዳሕረዋይ ቃላቱ ምስ ሰማዕኩ ተገዳስነተይ ሰማይ ዓሪጉ ገጸይ ናብኡ ጠውየ ዕላሉ ክቕጽል ብሃንቀውታ ተጸበኹዎ። ከም ሓቂ ምስኡ ኣይሰራሕኩን፡ ካብ ዝተራኸብናሉ ዕለት ጀሚርና ግን ኣብ ሓጺር ግዜ ጽቡቕ ስለ ዝተቐራረብና ይኣምነኒ ነይሩ፡ ኣነ‘ውን ኣሚነዮ። ኣብ ርእስ’ዚ ምስ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ክራኸብ ዕድል ስለ ዝነበሮ፡ ብዙሕ ናይ ሜዳ ይኹን ናይ ኣስመራ ዕላላት ከምጽኣለይ ከሎ፡ ኣነ ድማ ትምህርቲ ጠቀስ ነገራት አዕልሎ ነይረ። እቲ ሰብ ብደገ ክትርእዮ ከለኻ ግርህ ኢሉ ዝመስል ክነሱ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ጐራሕ ወይ በሊሕ ስለ ዝነበረ፡ ዝኾነ ሰብ ከስተውዕለሉ ዘይከኣለ ነገራት ኣቐዲሙ ክዕዘቦ ይኽእል ነይሩ። ኣብቲ መጀመርያ ካልእ ዝውጥጥ ነገራት ስለ ዘይብሉ’ዩ ዝኸውን ዝብል ግምታት ስለ ዝነበረኒ ንብልሑ ዓቢ ግምት እህቦ ኣይነበርኩን።

ጽን ኢለ ክሰምዖ ስለ ዝጀመርኩ፡ “በል ኣነ ኣብ መጀመርያ ሰብዓን ሸሞንተን’የ ተሰሊፈ። ታዕሊም ወዲአ ኣብ ሓይልታት ምስ ተመደብኩ ድሮ ምዝላቕ ኣርኪቡ ኣብ ግንባር ናቕፋ ምዕራድ ኮይኑ። ሓቂ ዘረባ ሽዑ፡ ትሩፍ ደጊም! ኢለ ዳርጋ ተስፋ ቈሪጸ ነይረ። ካብ ፍርሒ ዝተበገሰ ዘይኮነ ግን ምስ ክንድ’ቲ ዝኣክል ሓሽከት ሰራዊት፡ እሞ መዓት ኣጽዋር ሒዙ ንድሕሪት ዝደፍኣና ዝነበረ ሓይሊ ክንገጥም ንኽእል ዲና? ኢለ ምሕሳብ ካን ሕርብት ኢሉኒ። ምኽንያቱ ኣብ ጐላጉል ሰምሃር ዝትኰስ ዝነበረ ከበድቲ መዳፍዕ፡ ፋሉላት ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት ኴንና ንሰምዖ ኔርና ኢና። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምዝላቕ ስለ ዘርከበ ፖለቲካ ከይጸገብና ኢና ናብ ሓይልታት ተወዚዕና። ብድሕር’ዚ ግን ከም በዓል ንስኻ ነይሮም ቀለም ዝጸገቡ ንኡስ ቡርጅዋ ዝብሉዎም፡ ዝተናውሐ ኵናት ክምህሩና ምስ ጀመሩ፡ ‘ኣታ እሞ ክንዕወት ንኽእል ኢና’ባ’ ብምባል ገጥ ኢለ። ብፍላይ ሓደ በራኺ ንብሎ ኣብ ጋንታና ፖለቲካ ዝምህረና ዝነበረ ሰብ ኣዝዩ ፍሉይ ነይሩ። ንሱ ክምህር ከሎ ሃመማ ክዝምቢ ከሎ ኢኻ ትሰምዖ። በራኺ እንተ ምሂሩካ ትኽ ኢላ ናብዛ ሓንጐልካ’ያ ድርግም ትብል። ብዝኾነ ዝበዝሕ ግዜ ምስኡ አዕልል ስለ ዝነበርኩ፡ ብዙሕ ነገራት ክፈልጥ ክኢለ፡ ከም ሰብ መጠን ድማ ፈትየዮ። ናብ ቁምነገረይ ክምለስ ግን ኣብ ሓይልታት ዳርጋ ክልተ ዓመት ምስ መላእኩ ናይ ሓላፍነት ሕማም ክሕዘኒ ጀሚሩ። ብርቱዕ ሕማም ከኣ ኣይኮነን ቅልል ኢሉ’ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ዘጃህር ወተሃደራዊ ጥበብ ወይ ትብዓት’ኳ እንተ ዘይነበረኒ፡ ንሓደ ካባይ ዘይሓይሽ ኣልገፊፍ ምኽትል መራሕ መስርዕ ኢሎም ሓላፍነት ምስ ኣሰከሙዎ ግን  ካን ሓሚመ።

“ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣነን ካልኦት ብጾትን ምስ በዓል መምህር ድፋዕ ክንኵዕት ደም ክንርህጽ፡ ኣካዳሚ ክንመሃር ድማ ተኸኽ ኢልና እናወዓልና ከለና ቍሊሕ ዝብለና ሰብ ንረክብ ኣይነበርናን። በንጻሩ ኣኼባ ናይ ሓይሊ ክግበር ከሎ ጨረምረም ክብሉ ሞዅ ዘብሉና ዝነበሩ፡ ብገለ ስራሕ ክትደልዮም ከለኻ ኣውላይ ታውላይ ኢሎም ሽርብ ዝብሉ ሰባት ሓለፍቲ የቀባጥሩሎም ነይሮም። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ሓደ ምሸት ጦፍ ተላኢኸ ክምለስ ከለኹ፡ ወርሒ ስለ ዝነበረት መታን ኣቋራጭ ክኾነለይ ከይተረድኣኒ ናብ ሓደ ጽብብ ኢሉ ስንጭሮ ኣምሪሐ። ኣብ መንጎ ድምጺ ዝሰማዕኩ መሲሉኒ ብረተይ መዚነ ጽን ክብል ፈተንኩ። ‘ጸላኢ ድሕሪ መስመርና ክሓልፍ ዘይሕሰብ’ዩ፡ ስለያ ደኣ ኮይነን፡’ ኢለ እናሓሰብኩ ኣብርዅ ኣቢለ ምጽንጻን ቀጸልኩ። እቲ ክሰምዖ ዝጀመርኩ ቃላት ትግርኛ ኮይኑ፡ እቶም ሰባት ድማ ገለ ደቂ ጋንታይ ገለ ድማ ደቂ ሓይለይ ምዃኖም ካብ ድምጾም ከለልዮም ኣይጸገመንን። ነገራቱ ደንጽዩኒ ኣብ ሓንቲ ደንጐላ ተጸጊዐ ኣእዛነይ ኵር ኣበልኩ። እቲ ኣብ ኣእዛነይ ዘቃልሕ ዝነበረ ቃላት፡ ብፍላይ ኣብቲ መጀመርያ ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ኣኼባ’ዩ ከይብሎ ውሱናት ሰባት፡ እሞ ከኣ ብጸላም ዘይእመን ኮይኑኒ። ገለ ስዉር ጸረ ውድብ ምንቅስቓስ’ዩ ዝኸውን ከይብሎ ክንድኦም ዝኣኽሉ ሓለፍቲ ዝዋስኡሉን ተራ ኣባላት ዝተሓወሱዎን ዘይሕሰብ ነይሩ።

“ከምኡ እንተ ዝኸውን ነይሩ እቶም ዝምቡላት ወይ ንኡስ ቡርጅዋ ዝብሃሉ ምተሓወሱዎ ነይሮም። እዚ ድማ ኣብ ህግሓኤ ብተኣምር ዝከኣል ኣይኮነን፡ ናብ ዝብል መደምደምታ በጻሕኩ። ፍርሕን ውራመን ተሓዋዊሱኒ ልበይ ህርመታ ወሰኸት። ሓደ ነገር ከየጣለልኩ ካብቲ ቦታ ከልግስ ስለ ዘይደለኹ ግን ዝመጽአ ይምጻእ ኢለ፡ ኣብታ ደንጐላ ተላሒገ ዝቕጽል ዘረባ ክሰምዕ ኣእዛነይ ምጽላው ቀጸልኩ። ኣብ መንጎዚ፡ መራሕ ጋንታና ዝነበረ ብዙሕ ዘይፈትዎ ዝነበርኩ ወዲሸቃ ንብሎ ዝነበርና፡ ድሒሩ ዝሃደመ ስመይ ጠቒሱ፡ ‘ኣርበጂ ምስ በዓል መምህር ይጸጋጋዕ ስለ ዘሎ ኵነታቱ ባህ ኣይበለንን። ስለዚ ኣብ ምክትታል ክንገብረሉ ኣድላዪ ይመስለኒ፡’ ክብል ሰማዕኩዎ። ሃንደበት ካብ መሬት ናብ ሰማይ ዝተናጠርኩ ኮይኑ ተሰምዓኒ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝምቡላት ተባሂሎም ንሓለዋ ሰውራ ዝተሰደዱ ብርክት ዝበሉ ብጾት ስለ ዝነበሩና፡ ‘ኦሮማይ! ከእትዋኒ’የን፡’ በልኩ ብውሽጠይ ፍርሐይ እናዛየደ። ብኡነት እብለካ’ለኹ ብድፍረት ዝመጽአ ምኵሕ’የ ነይረ፡ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ግን ከም ሽዑ መዓልቲ ፈሪሐ ኣይፈልጥን። ነቶም ናብ ሓለዋ ሰውራ ዝኸዱ’ሞ ዘይተመልሱና ብጾት እናዘከርኩ፡ ከምዛ ንጽባሒቱ ናብ ሓለዋ ሰውራ ወሪደ ኣብ ስንጭሮ ብሌቓት ዝርሸን ኮይኑ ጥራይ ተሰሚዑኒ ብራዕዲ ኣንፈጥፈጥኩ።

“መራሕ ጋናታና ብዛዕባይ ዝነበሮ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ጽቡቕ ገይረ እፈልጥ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ሓደጋ ከእትወኒ ከም ዝኽእል ከም ውዱእ ወሰድኩዎ። መበገሲ ናይ ዘይምቅዳውና ካልእ ዘይኮነ ካብ ቅንኢ ዝተበገሰ ምዃኑ ኣይስሕቶን’የ። ኣብ ስራሕ ይኹን ኣብ ኵናት ቀዳምነት እስራዕ ስለ ዝነበርኩን ዝንቀፍ ጠባይ ስለ ዘይነበረንን ኣብ ጋንታና ዓይንኻ ትደፈን ዝብለኒ ሰብ ኣይነበረን። ንሱ ግን ዋዛ እናምሰለ ወጋኢ ቃላት ይድርብየለይ ነይሩ’ዩ። ኣነ ድማ ኣድጊ ዝገበረካ ጠይቂ ግበሮ ብምባል እናሰሓቕኩ ከሕምሞ ይኽእል’ዩ ዝበልኩዎ ዓጸፌታ ቃላት እድርብየሉ ነይረ። ልዕሊ ዅሉ ግን ኣብ ልዕሊ በዓል መምህር ዝጠቅምን ዘይጠቅምን ነቐፌታ ከውርድ ከሎ፡ ኣይድግፎን ነይረ ጥራይ ዘይኮነ፡ ‘ዝኾነ ነቐፌታ ብፍላይ ቀሊል እንተ ኾይኑ፡ ቅድሚ ኣብ ኣኼባ ምውራዱ ብውልቂ ክእረም ኣለዎ ይብሃል ስለ ዝነበረ፡ ንመምህር ብውልቁ ክትእርሞ ፈቲንካ ኔርካ ዲኻ?’ ኢለ እዓግቶን እቃወሞን ነይረ። ከምኡ መግበርየይ ድማ ዝፈልጦ ነገር ስለ ዘይነበረንን፡ ንመምህር ከኣ ብጅግንነቱን ብብልሑን እፈትዎ ስለ ዝነበርኩን ጥራይ’ምበር ካልእ ምኽንያት ኣይነበረንን። በንጻሩ እዚ መራሕ ጋንታ ከም ጠባይ ግናይ፡ ኵሉ ግዜ ምስ ተጸወገ፡ ተንኰለኛ፡ ኣብ ድፋዕ ምዅዓት ይኹን ኣብ ካልእ ስራሕ ሳሕዳይ ስለ ዝነበረ፡ መራሕ ጋንታ ከይኮነ ከሎ’የ ከም ሰብ መጠን ጸሊአዮ። በዝን ክንድዝን ዝምድናና ህልኽ ስለ ዝተወሰኾ ኣኺሉና ዓይንን ሓመድን ኴንና። እታ መራሕ መስርዕ ብፍሉይ ኣጋጣሚ ረኺቡዋ’ምበር ትግብኦ ኣይነበረትን’ዮም ዝብሉ’ቶም ዘርከቡሉ ብጾት።

“ኣብ ግዜ ከበባ ናቕፋ እታ መስርዕ ናብ ድፋዕ እናኣተወት ከላ፡ ብገመድ ዝተጠናነገ ፈንጂ ረጊጻ ንሓኪም ጋንታን መራሕ መስርዕን ወሲኽካ ፍርቃ ተላሒሳ። ካብቶም ተወጊኦም ኣብ ሕክምና ዝበጽሑ ሰለስተ እግሩ ዝቝረጽን ዝስንክልን ስለ ዝኾኑ ኣብታ ጋንታ ሓሙሽተ ሰባት ጥራይ ተሪፎም። ኣብ መወዳእታ መምህር ንኡስ ቡርጅዋ ስለ ዝኾነ ንወዲሸቃ ግዝያዊ መራሕ መስርዕ ገይሮሞ። እታ መስርዕ ድማ ሽዑ ዝተወዝዑ ሓደስቲ ተወሲኾማ ዳርጋ ምሉእ ቍጽራ ክትሕዝ ክኢላ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ከለዉ መስርዕ ብሓደስቲ ስለ ዝተዓብለለት ወዲሸቃ ከም ድላዩ ክቈጻጸራ ዕድል ረኺቡ። እቲ ግዜ ኣይሓገዘን ምዝላቕ ስለ ዘርከበ፡ ምስቲ ዝነበረ መስዋእትን ናይ ተብተብ ኵነታትን ግዝያዊ መራሕ ጋንታ ተመዲቡ። ኣነ ልክዕ ኣብዚ ግዜ’ዚ እየ ተወዚዐ። ኣብ ውድብ ህግሓኤ፡ ሓንሳብ ሓላፍነት እንተ ሒዝካ ነቲ ኣገባብ፡ ወይ ንስኻትኩም ሲስተም ትብሉዎ ስለ ተጽንዖን ድርብ ሰብነት ሒዝካ ስለ ትጐዓዝን ትም ኢልካ ኢኻ ትድይብ። መራሕ ጋንታና ዝነበረቶ እንኮ ብልጫ እታ፡ ‘ብስም ክንገብሮ ዘለና፡’ እናበልና ንጨርቀላ ዝነበርና ምስ ሓለፍቲ ናይ ምጽግጋዕን ምሕሽዅሻዅን ጥበብ ምምላኽ ጥራይ‘ያ። ካብኡ ተረፈ ኣብ ወተሃደራዊ ይኹን ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ትሕቲ ሰቡ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

“ብኸምዚ ኣገባብ ኣብ ስልጣን ዝደየበ ሰብ፡ እሞ ኸኣ ምሳይ ስኒት ዘይብሉ፡ ከጥፍኣኒ’ዩ ኢለ ኣብታ ሓጻር ህሞት ሐሕማቑ ጥራይ ክሓስብ ጀሚረ። ክትገልጾ ኣብ ዘጸግም ራዕድን ሽበራን ጥሒለ ከለኹ፡ ‘እወ ግን እንታይ ይመስለካ ወዲሸቃ፡ ኣርበጂ ከምዚ ትብሎ ዘለኻ ምስ በዓል መምህር እንተ ቐረበ ካብ ጕድለት ንቕሓት ተበጊሱ ምዃኑ ክርድኣና ኣለዎ። ቀዳማይ ነገር መምህር ኣብ ሳልሳይ ክፍሊ ይምህሮ ስለ ዘሎ፡ ምስኡ ጽግዕግዕ ምባሉ ብሰንኪ ጕዳይ ትምህርቲ’ምበር ብኻልእ ምኽንያት ክኸውን ከም ዘይክእል ኣብ ግምት ክነእቱ ይግብኣና። ብተወሳኺ ገለ ጭቡጥ ነገር ከይረኸብና ንከም በዓል ኣርበጂ ዝኣመሰሉ ተዋጋእቲ ክንከስሮም ወይ ካብ ሓፋሽ ክንንጽሎም ቅኑዕ ኮይኑ ኣይስምዓንን። ኣብ ርእስ’ዚ በዓል ኣርቢጂ ርሂጸበላዕ ስለ ዝኾኑ፡ ቀሪብና ክነረድኦምን ክንጕስጉሶምን ከም ዘለና ክንፈልጥ ይግባእ፡’ ዝብል ጉርንን ዝበለ ናይ መራሕ ሓይልና ድምጺ ሰማዕኩ። ሽዑ ልክዕ ከምዚ ዓቢ ጽዕነት ዘራገፈ ሰብ ኣበርቲዐ ኣተንፈስኩ። ሞራለይ ሰፊፈያ ከም ዘይነበርኩ ድማ ናብ ልበይ ተመሊሰ ዘረባ ከይሓልፈኒ ኣእዛነይ ኩር ኣበልኩ። ኣብ ጥቓኦም ተጸጊዐ ከለኹ ግን ብርክት ዝበሉ ሰባት በብኣፎም፡ ‘እንታይ ይመስለካ፡ ሓንሳብ’ሞ…፡ ኣብዚኣ’ሞ፡’ እናበሉ ጭራሕ ምራሕ ክብሉ ስለ ዝጀመሩ ናይ በዓል መን ድምጺ ምዃኑ ምፍላዩ ጸጊሙኒ። ኣብ መንጎ’ዚ መራሕ ሓይሊ፡ “ሓንሳብ ጸጥታ ንሓሉ፡” ዝብል ገናሒ ድምጺ ምስ ኣስምዐ መሬት ዳግማይ ጸጥ በለ። እንታይ ተኣማሚኖም ኣብ ጸላም ድላዮም ይዛረቡ ከም ዝነበሩ ክሳብ ሕጂ’ዩ ዝገርመኒ።

“ኣብ መጨረሽታ፡ ‘ዓንተቦ ክውድእ ዕድል ስለ ዘይሃብኩምኒ’ምበር ብስም ናብ መምህር ቀሪቡ ኣይኮንኩን ነቲ ጕዳይ ዘልዓልኩዎ። ኣርበጂ ንመምህር ዝትንክፍ ነቐፌታ ክወርድ ከሎ ከም ስርዓት’ዩ ዝከላኸለሉ። ስለ’ዚ ብነብሱ ፈትዩዎ ጥራይ ዘይኮነስ መምህር ወዲቡዎ ከይህሉ ክንጥንቀቕ ከም ዝግብኣና ንምሕባር’የ፡’ ዝብል ቃላት ወሰኸ  መራሕ ጋንታ። ድምጹ ቀጢን ኮይኑ ብፍላይ ሓደ ሓደ ግዜ ሓውሲ ናይ ጓል ዝጥዕም ስለ ዝነበረ ክፈልዮ ኣይጸገመንን። ‘መራሕ ሓይሊ ድማ ትቕብል ኣቢሉ፡ እዚ’ውን ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩልካ’ዩ ወዲሸቃ። ኣርበጂ ኣምር ናይ ቃልሲ ኣይተረድኦን ዘሎ፡ ምስ ደሞክራስያውያን ኣይተጸግዐን እንተ በልካኒ ክቕበለካ እኽእል’የ። መሳርሒ ናይ ንኡስ ቡርጅዋን ተበለጽትን ክኸውን ዝኽእል ሰብ ግን ኣይመስለንን። ደሓር ከኣ እዚ ሰብዚ ካብ ዝውዛዕ ክልተ ዓመት ከም ዘይመልአ ክንግንዘብ ኣለና። ስለዚ፡ ኣብ ጋንታ ዓቢ ጽልዋ ስለ ዘለዎ፡ ቀስ ኢሉ ምስ ደሞክራስያውያን ባእታታት ዝጽጋዓሉ መንገዲ ክንፈጥር ጥራይ’ዩ ዘለና፡” ምስ በለ ናብ ካልእ ዛዕባ ብምሕላፍ፡ “ንኣባልነት ብዝምልከት እከለን እከለን ቅቡላት ኮይኖም ኣለዉ፡ በዛዕባ ሕጹያት ንዛረቦ ነገር እንተ’ልዩ ድማ፡ እከለ ካብ ናብ ደይቡዶ ወሪዱዶ፡ እከለ ድማ …’ ዝብል ገለ ክርዳኣኒ ዘይከኣለ ቃላት ሰማዕኩ። ኣልግብ ኣቢሎም ድማ ኣብ ሰልፊ ክጽንበሩ ዘለዎም ሰባት ጠቐሱ። ስመይ ግን ኣይተጠቕሰን።

“ነገራቱ ግር ኢሉኒ ምስ ነብሰይ እናተመራመርኩ ከለኹ፡ ‘ብዘይካ’ዞም ዝተጠቕሱ ዝቐረቡ ሓደስቲ ሕጹያት የለዉን። እቲ ሰልፊ ግን ምስ ዕብየት ውድብ ማዕረ ክኸይድ ስለ ዘለዎ ምስ ኵነታት መስዋእቲ ብቑዓት ሓደስቲ ኣባላት ብምልላይ ከም ሕጹያት ክነቕርብ ከም ዘለና ክንፈልጥ ይግባእ፡’ ዝብል መደምደምታ ዝመስል ዘረባ ምስ ሰማዕኩ፡ ከም ገለ ደርገፍ ክብል ከይሰምዑኒ እናፈራሕኩ ሰላሕ ኢለ መንገደይ ቀጸልኩ። ካብቲ ቦታ ቍሩብ ፍንትት ምስ በልኩ ድማ ጕያ ወሲኸ ናብ ቤትጽሕፈት ሓይሊ ሰጐምኩ። መልእኽተይ ነቶም ኣብኡ ዝጸንሑ ምልክት ኣረኪበ ድማ ተመሊሰ ከም ዘለኹ መታን ክሕብር ናብታ ከም ቤትጽሕፈት ጋንታ ንወስዳ ዝነበርና ንእሽቶ ኣንደር ኣምሪሐ። ወዲሸቃ ከም ዘይጸንሓኒ እናፈለጥኩ’የ ናብኡ ከይደ። መራሕ መስርዕና ምስ ካልኣዩ ከዕልል ምስ ጸንሓኒ ኣባል ሰልፊ ከም ዘይኮነ ተጋሂዱለይ። ከም ዝመጻእኩ ድሕሪ ምሕባሩ ድማ በዓል ደሓን ክመስል ገፈፍ እናበልኩ ናብ ደቂ መስርዐይ ቀጺለ።

“ነዚ ክገልጸልካ ዝጸናሕኩ ምስጢር ምስ ፈለጥኩ፡ እንታይ ስለ ዝተረኽበ’ዩ ኢሎም ብዓይኒ ጥርጣረ መታን ከይጥምቱኒ ምስ መምህር ብቕጽበት ዘይኮነ ብቐስታን ብጥንቃቐን ክርሕቆ መደብ ሓንጸጽኩ። ስለዚ፡ ‘መርመራ ቀሪባ’ንድያ፡ ክንተሓታተት’ባ፡’ ዝብል ምኽንያት ብምፍጣር ምስ ካልኦት ከማይ ኣብ ደርቢ ሓረስታይን ሸቃላይን ዝምደቡ ብጾት ክውዕልን ወጃዕ ክብልን ጀመርኩ። ድዉይ ተጣባባይ ኮይኑ’ቲ ነገር፡ ንኸምስል ናይ ስነፍልጠት ይኹን ናይ እንግሊዝኛ ጥራውዝተይ ተተዀልኵለ ናብቶም መማህረተይ ዘለዉዎ ቦታ እናኸድኩ፡ ‘ዌር ኢዝ ዘ ካት? ዘ ካት ኢስ ኢንሳይድ ዘ ሃውስ፡ ጸዓዱ ዋህዮታት ንምንታይ ይጠቕሙና? ከም ሰራዊት ካብ ጸላእቲ ይከላኸሉልና ወዘተ፡’ ክብል እውዕል ነይረ። ናይ ነዊሕ ዕላማይ ግን ምስጢር ናይዛ ፍሉያት ሰባት፡ ለይቲ ለይቲ ካብ ሓፋሽ ተመዅሊዮም ዝእከቡላ ዘለዉ ጕጅለ ፈሊጠ ክጽንበራ ጥራይ’ዩ ነይሩ። ናይ ኣጋጣሚ ነገር ኮይኑ ኣኼባ ኣይተገብረን’ምበር እቲ ዝኣምነሉ ዝነበርኩ መምህር ከም ገለ ነቐፌታ እንተ ዝቐርበሉ፡ ‘ኣብዚኣ ተወሳኺ ኣላትኒ፡’ ብምባል ኣፍኵስ ኣቢለ ፈይ ከብለሉ መዲበ ነይረ። ምኽንያቱ ከም ዝበልኩኻ ከም ውትህድርና ገይረ ዝፈትዎ ስራሕ ስለ ዘይነበረኒ፡ እንተ ወሓደ ከም መራሕ መስርዕ ተመዚዘ፡ ‘ንስኻ በዚ፡ ንስኻ ድማ በዚ፡’ ኢለ ክእዝዝ ኣመና እህንጠ ነይረ። ስለዚ፡ ንበዓል መምህር ካብ ዘይምንቃፍ ካብ ኮነ ዝዕንቀፍ ዘለኹ፡ ወላ ሕልናይ ዘይቅበሎ ነገር ይኹን ከጭፍጭፎ ኣብ ውሳኔ በጺሐ።

“መርመራ ምስ ሓለፈ፡ ነገር ገጢሙለይ ጽቡቕ ነጥቢ ኣምጺአስ ኣብ ተርታ ካብ መበል ሻሙናይ ናብ ሳልሳይ ተርታ ስለ ዝተናጠርኩ፡ ተንኰለይ ዘይተረድኣ ጋንታ ብምልእታ፡ ‘ኣርበጂ ደኣ ትምህርቲ ከረው ኣቢሉ ሳላ ዝሓዛ ብልጫ መንጢሉዋ! እንታይ ትዛረብ ኣለኻ? ንበዓል ላውንቸር ገምጢሉዎም’ንድዩ፡’ ክሳብ ትብል ገይረያ። ተመሊስካ ሕስብ ክተብሎ ከለኻ ክትኣምኖ’ዩ ዘሸግረካ። ብዘይ ሓሰብኩዎ ሸነኽ ዝመጽአ ነገር ንብዙሓት ሰባት ከታልልን ከእምንን ኣኽኢሉኒ። እዚ ግን ቀቀሊሉ’ዩ። ኣብ መበል ካልኣይ ወርሒ እቶም ዝፈልጦም ሰባት በብሓደ ክስወሩ ምስ ረኣኹዎም ዝብሃል መታን ክሰምዕ፡ ዝሸይን መሲለ ሰብ ከየስተውዓለለይ ብሰላሕታ ናብታ ዝእከቡላ ቦታ ኣምሪሐ። እቲ ሽዑ ዝሰማዕኩዎ ምስጢር ድማ፡ እቲ ውድብ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ፡ እንታይ እንተ ገበርካ ቦታ ወይ ተሰማዕነት ከም ትረክብ ብንጹር ክግንዘብ ኣኽኢሉኒ። እቲ ነገር ብሓጺሩ ሕልናኻ ዝበለካ ዘይኮነ ካድራትን ሓለፍትን ዝበሉዎ እናቘለብካ ክትደግምን ክትፍጽምን ከም ዘለካ፡ ሓደ ኣባል ሰልፊ ጌጋ ምስ ዝፍጽም ኣብ ቅድሚ ኣባላት ዘይኮኑ ሰባት ክትነቕፎ ከም ዘይብልካ፡ ከም ገለ ብኣባላት ምስ ዝንቀፍ ድማ ክትከላኸለሉ ከም ዝግብኣካን ካልእ ክሕዞ ዘይከኣልኩ ንጕዳያት ሰልፊ ዝምልከት ሓብጀርቀጀርን ፈሊጠ። ብዓቢኡ ኸኣ በዓል መን ክውቅዑ ከም ዘለዎም ተገንዚበ። ‘እሞ ኣርቢጂስ ሰኣን እዚኣ ኢኻ ነዛ መራሕ መስርዕ ስኢንካያ ዘለኻ!’ ብምባል ድማ ክኸፍሎ ዘለኒ ሕልናኻ ናይ ምሻጥ ጕዳይ ብዘየገድስ፡ ብዝኾነ ኣገባብ ሓላፍነት ክረክብ ዘኽእለኒ ውጥን ኣጽኒዐ ወዳእኩ። ናይ ሕልና ምሻጥ ጕዳይ ሕጂ ክሓስቦ ከለኹ’ዩ ዝስቈረኒ ዘሎ’ምበር፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ምስቲ ዝነበረኒ ንኡስ ዕድመን ምስቲ ዝነበረኒ ክቱር ናይ ሓላፍነት ሕማምን ፈጺሙ ይዓጠኒ ኣይነበረን ክብለካ እደፍር።

“ኣብ መበል ክልተ ቕነ፡ ብገለ ኣጋጣሚ ናይ ሓይሊ ኣኼባ ምስ ተገብረ ኣብ ልዕሊ መምህር ነቐፌታ ክቐርብ ከም ሕሱም ተጸበኹ። ንዕድለይ ድማ ሓደ ድሒሩ ንሱዳን ዝሃደመ ኣባል ባህሊ ዝነበረ፡ ብሓደ ዘይጠቅም ናይ ግጥሚ ድዩ ተዋስኦ ጕዳይ ናብ መምህር ነቐፌታ ስለ ዘቕረበ ጥዒሙለይ። ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲኣ ምስ በለ፡ ሓውካ ተወሳኺ ኣለኒ ብምባል ለጢጠ ሓደግኩዎ። ሽዑ ብዘይካ’ቲ ዝበልኩኻ ኣብ ሓላፍነት ናይ ምድያብ ዕላማ ዝረኣየኒ ነገር ኣይነበረን። መምህር[1] ብዅነታተይ ተገሪሙ ግዲ ኾይኑ ኣትኵሩ ጠሚቱኒ። ሓውካ ግን ቅጭጭ ኣይበለንን። ኣብ ወርሑ ናይ ጋንታ ኣኼባ ምስ ተገብረ፡ መምህር ኣብ ኣካዳምያዊ ይኹን ፖለቲካዊ ትምህርቲ ከም ቀደሙ ይነጥፍ የለን ዝብል ነቐፌታ ወረደ። ነቲ ኣጋጣሚ ከምልጠኒ ስለ ዘይደለኹ ኣላታን የብላን ምስቶም በጻብዕ ዝቝጸሩ ሰባት ኮይነ ሆ! ብምባል ንመምህር ኣይብላዕ ኣይስተ ገበርኩዎ። ነዚኣ ምስ ገበርኩ ከም ሕልመይ ልክዕ ኣብ መበል ክልተ ወርሒ ምኽትል መራሕ መስርዕ ተመዚዘ። ሽዑ ገደፎ! ዓለም ዝጨበጥኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ኣይደንጐኹን ኣብ መበል ሽዱሽተ ወርሒ መራሕ መስርዕ ኮይነ። ድሕሪኡ’ሞ ኸኣ እንታይ ኢልካሉ ኢኻ! እቲ ሜላ ስለ ዘጽናዕኩዎ ከም ብርቱዕ ውሕጅ ትም ኢለ ንሰማይ ጥራይ ከንቃዕርር ጀሚረ። ሕሰቦ፡ ኣብ ሰማንያን ሓደን ምኽትል መራሕ መስርዕ ዝነበርኩ ናደው ክፈርስ ከሎ መራሕ በጦሎኒ በጺሐስ ምስ በዓል ውጩ እመያየጥ ኣለኹ። መንግስቲ መዓርግ ኣብ ዝህበሉ ግዜ ኸኣ ካብ ምሉእ ኮሎኔል ንታሕቲ ኣይጽበን’የ። እዚ ክብለካ ከለኹ ግን ሕልናይ ሸይጠ፡ ንሰባት ከም መሳልል ረጊጸ ዝበጻሕኩዎ ምዃኑ ፍለጥ።”

“እዚ ዅሉ ጌርካ ክተብቅዕ ሕጂ ተመሊስካ ክትሓስቦ ከለኻ ቍሩብ እንታይ ይስምዓካ?” ክብል ሓተትኩዎ ኵሉ ነገር ተሓዋዊሱኒ።

“ንመምህር፡ ወላ ይሰዋእ ክሳብ ሕጂ ከም ሓደ ብጹእ መምህረይ’የ ዝጥምቶ። ኣነ ግን ካብ ክነብር ክስዋእ ምሓሸኒ። ስለምንታይ እንተ በልካ፡ ንመምህር ክዝክሮ ከለኹ ነብሰቕትለት ፈጽም ዝብል ሓሳብ’ዩ ቅጅል ዝብለኒ። ብፍላይ መስተ ኣብ ዘብዝሓሉ ግዜ ኣብ ሕማቕ ኵነታት’የ ዝወድቕ። ብኡ’የ ድማ ሽጕጥ ምሓዝ ዘቋረጽኩዎ። መምህር ፈላጥ ከሎ ከም ዘይፈልጥ፡ ክኢላ ኸሎ ከም ዘይክእል፡ ኮታ ንሓፋሽ መሲሉ ዝኸይድ ትሑትን ኣመና ቅኑዕን ሰብ’ዩ ነይሩ። ትኽ ዝበለ መንገዲ ጥራይ ሒዙ ስለ ዝኸይድ ግን ክህሰ ኽኢሉ። እቲ ግርም ዝብለካ፡ እታ ንመምህር ኣብዚ ዅሉ ሽግር ዘእተወቶ ቀንዲ ምኽንያት ኮንቱር ትብል ነጥቢ’ያ። ንሱ ኵሉ ግዜ ልዕሊ ሰብ ሰጕሙ ከም ዝጸንሕ ብዙሓት ደቂ ሓይልና ይፈልጡ’ኳ እንተ ነበሩ ኣነ ግን ድሒሩ’ዩ ተረዲኡኒ፡” ምስ በለኒ፡ “ከመይ ማለትካ’ዩ?” በልኩዎ ኣብ መንጎ ኵልፍ ኣቢለ።

“ሓደ ግዜ ብዛዕባ’ዚ እዞም ምሁራት ኮንቱር ማፕ ትብሉዎ ምስ ሓደ ካልኣዩ እናዕለሉ ከለዉ፡ ‘ኣብ ውሱን መድረኽ’ኳ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ምህናጽ ከድልየና’ዩ። እንተ ወሓደ ካብ መራሕ መስርዕ ንላዕሊ ዘሎ ሰብ ኮንቱር ክመሃር ኣለዎ፡’ ክብል ኣዕሊሉ። ከም ሓቂ ድማ ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝኾነ ሰብ ክሓስቦ ዘይክእል ዘረባ’ዩ ነይሩ። እቲ ምስኡ ዘዕልል ዝነበረ ሰብ ተንኰለኛ ስለ ዝነበረ ግን ቅንይ ኢሉ፡ ‘መምህር እዚ እነካይዶ ዘለና ወተሃደራዊ ሜላ፡ ኣብ ተሞክሮ ጥራይ ዝተመርኰሰ ስለ ዝኾነ፡ ብዘይ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ብላሽ’ዩ ኢሉኒ፡’ ክብል ካብ ኣፉ ዘይወጽአ ዘረባ ኣሸክም ኣቢሉዎ። መስኪናይ መምህር! ከምዛ ዝሓንከሰት ላም ዝረኸቡ ኣዛብእ ዝልዝል ዝልዝል ኣቢሎም ናብ ሓለዋ ሰውራ ከም ዝለኣኽ ገይሮሞ። እዚ ክብለካ ከለኹ፡ ነቲ ፍጻሜ ብዕላል’የ ሰሚዐዮ። ምኽንያቱ ሽዑ ንእሽቶ መውጋእቲ ኣጋጢማትኒ ኣብ ሕክምና ብርጌድ ስለ ዝነበርኩ ነቲ ኣኼባ ብኣካል ክሳተፎ ኣይከኣልኩን። መምህር ነታ ባቡር ቀዲሙዋ ዝኸይድ ንጹህ ተቃላሳይ’ዩ ነይሩ። ከም ብዙሓት ካልኦት ተቓለስቲ ድማ ግዳይ ብልሑ ኾይኑ።

“ብዛዕባኡ ክሓስብ ከለኹ ድቃስ ለይቲ’የ ዝስእን። ብኡነት እብለካ ኣለኹ፡ ኵሉ ግዜ ድቃስ የብለይን። ምኽንያቱ በቲ ሓደ ብህይወት እንተ ዝህሉ ነይሩ እናበልኩ ንህላወኡ እምነ፡ በቲ ሓደ ድማ እንተ ዝህሉ ነይሩስ ከመይ’ለ ገጹ እናረኣኹ ክነብር? እናበልኩ ወትሩ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ምንባር እጸልኦ። ኮታ ከም ሰብ መጠን ንማለቱ እንቀሳቐስ ኣለኹ’ምበር ንቡር ህይወት ኣለኒ ክብል ኣይደፍርን። ሕራይ መምህር ብሰንክና ኣይተሰውአን ይኸውን፡ እቲ ኣብ ልዕለኡ ዝፈጸምናዮ ገበን ግን ካብኡ ፈልየ ኣይጥምቶን’የ። ስለ ዝኾነ፡ ድሕሪ መምህር ምንባር ንዓይ ህይወት ኣይኮነን። ኣነ ይኹን ካልኦት ንዓይ ዝመስሉ ምስሉያት፡ ንተቓለስቲ ንዕንቅፍ ኔርና’ምበር፡ ኣፍና መሊእና ንሓፋሽ ንቃለስ ኔርና ክንብል ግቡእ ኣይኮነን። ነቲ ዕላል ክምልኣልካ ግን፡ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ነዊሕ ከይጸንሐ ድሕሪ ምምላሱ ብመጠኑ ኣዕሊሉኒ ነይሩ። ሞራሉ ዘይትንከፍ ተሪር ሰብ’ኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ሰውራ ብኸምኡ ክቕጽል እንተ ኾይኑ ናበይ’ዩ ኽበጽሕ? ዝብል ኣተሓሳስባ ይሳቐ ከም ዝነበረ ኣብ ገጹ ይንበብ ነይሩ። ካብ ሓለዋ ሰውራ ድሕሪ ምምላሱ፡ ኣብ ክንዲ ከም ቀደሙ ኣብ ፖለቲካን ኣካዳሚን ንጡፍ ዝኸውን ብምእኩል ደረጃ ምስ ተኣዘዘ ጥራይ ክሰርሕ ጀሚሩ። ቅድሚ’ቲ ኣቐዲመ ዘዕለልኩኻ ነቐፌታ፡ ‘ስማዕ’ስኪ መምህር፡ ስለምንታይ ኢኻ ከም ቀደምካ ኣካዳሚ ይኹን ፖለቲካ ብተበግሶኻ ዘይትምህረና ዘለኻ?’ ክብል ምስ ተወከስኩዎ፡ ‘ድሕሪ ሓለዋ ሰውራ ምብጽሐይ፡ ኣብዚ ውድብ ተበግሶ ወሲድካ ንብጾትካ ክትምህር ይኹን ክተረድእ እንተ ፈቲንካ፡ ኣነነት ከም ዘሎካ ወይ ብሓፋሽ ተፈላጥነት ክትረክብ ትገብሮ ዘለኻ ናይ በለጽ ተግባር ገይሮም ስለ ዝርድኡዎ፡ ኣብ ክንዲ ብተበግሶይ ሰሪሐ ኣብ ሽግር ዝኣቱ፡ ብሓለፍቲ ተኣዚዘ ጥራይ ክሰርሕ ኣለኒ ኣብ ዝብል ውሳኔ በጺሐ፡’ ክብል ገሊጹለይ።

“እዚ ግን ጽቡቕ ኣይሃቦን። ካልእ ትርጉም ስለ ዝተዋህቦ ተመሊሱ ዘውቅዖ ኮይኑ። ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ጐደሎ ዘይብሉ ጅግና ስለ ዝነበረ ግን ምስቲ ዅሉ ኣንጻሩ ዝተኻየደ ጽዑቕ ጐስጓስ ክብድሁዎ ኣይከኣሉን። ኣብ መጨረሽታ ክስዋእ ግዲ ደልዮሞ፡ ወተሃደራዊ ስለያ ኣመኽንዮም ምስ ሓደ ንኡስ ቡርጅዋ እናበሉ ዘቈናጽቡዎ ዝነበሩ ምሁር ብተደጋጋሚ ናብ ድሕሪ መስመር ጸላኢ ክልእኩዎ ጀሚሮም። ብዕድል ግን እቲ ዅሉ ፈንጂ ከይረኸቦም ግቡኦም ፈጺሞም ብተኣምር ይምለሱ ነይሮም። ሽዑ ድሮ ኣባል ሰልፊ ኮይነ ስለ ዝነበርኩ ድማ መራሕ ጋንታ ዝተካእኩዎ ዕሽው ኢሉ መራሕ ሓይልና ከይሓፈረ፡ ‘ኣንታ እንታይ ፍጥረት’ዮም እዚኣቶም! ኣይስውኡ ኣይስልሙ! ነዚ ዅሉ ፈንጂ ጸላኢ ጥሒሶም ከመይ ኢሎም ይምለሱ’ለዉ!’ ክብል ብኣንክሮ ኣዕሊሉኒ። ብኡነት’የ ዝብለካ! ተጋዳላይ ኣብ ልዕሊ ብጾቱ ማዕረ ክንድኡ ዝበጽሕ ዶብ ዝጠሓሰን ዝኸሓነን፡ ጽልእን ቅርሕንትን ከተኣናግድ ከም ዝኽእል ሽዑ ተሰዊጡኒ። ካብ መጠን ንላዕሊ ስለ ዘስደመመኒ ሰብነተይ ከም ቅጽበት ቀዝሒ ወሪሩዎ። መጀመርያ ብጥርጣረ ንዝጥምቱዎም ሰባት ስለምንታይ ንበይኖም ይሰዱዎም ከም ዝነበሩ ምርድኡ ሓርቢቱኒ ነይሩ። ካብዚ ዝብለካ ግዜ ንደሓር ግን ተጋዳላይ ዝብል ስም ካብ ዝተሰከሙ ብጾት ክሳብ ክንድኡ ዝኣክል ኣራዊታዊ ጭካኔ ከም ዘሎ ፈሊጠስ ክጥንቀቕ’ውን ጀሚረ ።

“ብዝኾነ ዘረባ ኣንዊሐልካ ኣይትሓዘለይ፡ ሻድሻይ ወራር ኣብ ምውድኡ መምህር ግደፍ እናተባህለ፡ ንሓደ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ጸላእን ተወጊኡ ዝተረፈ ማንጁስ ንብሎ ዝነበርና ኣባል ቤትትምህርቲ ሰውራ ነበር ከድሕን ክብል፡ ኣብ ኣፍልቡ ተሃሪሙ ተሰዊኡ። ማንጁስ’ውን ሽዑ’ኳ እንተ ደሓነ ኣብ ወፍሪ ባሕረ ነጋሽ ንመምህር ስዒቡዎ። ጭርሖኡ፡ ‘ድሕሪ መምህር እንታይ ዝኸውን ህይወት’ዩ፡’ ትብል’ያ ነይራ። ስለዚ ነዝን ወድዝን ተዘክሮታት ስለ ዘገናዝብ፡ ኣብ ቀጻሊ ስቓይን ናይ ሕልና ነውጽን ከም ዘለኹ  ክገልጸልካ እፈቱ፡”  ኢሉ ኣበርቲዑ ኣተንፈሰ።

 

 

*          *          *

 


[1] ኣርበጂ፡ ኣብዛ ህሞት’ዚኣ ድምጹ ክቕየርን ንብዓቱ ቍጽርጽር ክብሎን ጀመረ። ድምጹ ክቕየር ምስ ረኣኹዎ፡ ኣነ ባዕለይ ስዉኣት ኣሕዋተይን ኣዕሩኽተይን ዘኪረ ክነብዕ ቍሩብ ተሪፉኒ። ምናልባሽ ሓደና እንተ ዝጅምር ተተሓሒዝና ምነባዕና ኔርና ንኸውን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
69 COMMENTS
  • ER ITRAWIT January 4, 2014

    Really sad sad story I just cried and cried when I read or listen this kind of Gedeley story what our family told us and what we are learning our story is semayen mereten yehzen yehzen Eritreawnetka yeslaka.

    • belay nega January 4, 2014

      “what our family told us and what we are learning our story is semayen mereten yehzen yehzen Eritreawnetka yeslaka.”

      አቦኺ ዝወላዲኺ አጋግዩኒ እንዳበልክስ: እስቲፋኖስ ዝጓና ዝብሎ ዘሎ ሓቅነቱ ብኸመይ ተረጋግጺ?

      • Rahwa January 4, 2014

        ነጋ በላይ
        ኣቡኣ እዉን ገና ብዛዕባ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ዘይተረድኦ ይከዉን። እዛ ምስኪን ፍጥረት ግን እቲ ሓቂ ነቢባ ትፈልጦ ኣላ። ከምቲ ዝበልካዮ እስቲፋኖስ ጋና ኪከዉን ይኽእል፣ ግን ብመጠኑ ዘይንፈልጦ የፍልጠና ኣሎ ካባይን ካብ ኣቦኣን ጀሚርካ። ስለዛስ ብዓይኒ ጋንነት ኣይንርኣዮ።

        • ER ITRAWIT January 5, 2014

          Rahwa,
          Ab hagerna zelo srat da men emo zeyfelto beyen eyom ztefu kbele ywle alo enber telamat sheyetey seb.

      • Tesfit January 4, 2014

        Abo’a ayegageyan…eti zfelTon zmeslon negirwa. Estifanos gn abu slezitesatefe eti guday blk’E yfelTo’yu.
        HijiKe berihulkado Wedi Nega nebsi?

        • waEro January 4, 2014

          Good explanation.

        • belay nega January 4, 2014

          ” Estifanos gn abu slezitesatefe eti guday blk’E yfelTo’yu.
          HijiKe berihulkado Wedi Nega nebsi?”

          ካብ ንናደው እዝ አብ ምድምሳስ ዝተሳተፊ ተጋዳላይ: ሙሉእ ዕድሚኡ አብ ክፍልታት ዘሕለፎ ሰብ: ብዛዕባ ኩይናት አፍዓበት ንኽዛረብ ከምዘጸብቀሉ አይትረስዕ

      • ER ITRAWIT January 5, 2014

        belay nega,
        Please have some respect to you own people don’t come here Ktweraze after all you are Tegadalay you self or tell us if you were one of them KILLING you own brother and sister in hbetey mesre.
        What my family and all Eritrean people have so much hope and love to the Tegadeletey. we still have but we are learning they were Devil too so are you one of them? shame shame shame

      • ER ITRAWIT January 5, 2014

        belay nega,
        I didn’t say my dad agageune read properly don’t rush to give negative comment even do you are negative person nobody knew seteyetey dem ab wshetey kemzneberu hene ka kfde eu!!!!!!!!!!!!

        • belay nega January 5, 2014

          ERITRAWIT

          “hene ka kfde eu!!!!!!!!!!!!”

          As an Eritrean American, I am against any violence.Here a tip to you though:
          ደም ሰብ: ወርሓዊ ጽግያት አይኮነን
          ቅድሚ ክትቀትል ምህቃንካ: ንሞት ምድላው ክምዘድሊ ከአ አይትረስዒ

          • ER ITRAWIT January 6, 2014

            belay nega,
            Ketaley traye konka aytnebren eka kemtktele ka flet eka.

  • Sala January 4, 2014

    ንምዃኑ እዚ ሰልፊ ዝበሃል ንህዝቢ ኤርትራ እንታይ ፈይዱ? ብፍላይ ህዝቢ ትግርኛ፡ ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ዳንደ ተቐይሩ። ደቁ ባሕሪ እናጠሓሉ ዝስዕስዕ ዳንደ እወ።

  • ተወልደመድህን January 4, 2014

    መስደመም ኣደናቒ ጽዋ፡

  • Temesgen Atsbaha January 4, 2014

    Very disturbing and sad!! That is why we are where we are!! We killed the best sons & daughters of Eritrea in such a way to only come home with those that committed such worst crimes as heroes. Huhhhhhhhhhhh ??? Why are we learning about this now? May be I am the only one new to such a story? This was earthly HELL!! OMG!!!

  • Feseha Woldu January 4, 2014

    I am another “Memhir” who was a victim of this evil system. I was a highschool teacher and dept. head before I joined EPLF in 1976. At that time I was very naive. My college education did not help me to learn enough about my Eritrean brothers and sisters. I was subjected to a lot of abuse until I became disabled (lost sight of left eye and my left leg badly injured). By the way, no body sould feel sorry for me. I am writing this to coroborate that what happened to “Memher” was happening to a lot of innocent Eritreans. After the injury in the battle of Dongolo,1977, and after finishing my medical treatment, they tried to take me to a place that they said was going to be my burial place. Like a miracle, heavy war stared near Karora(town close to the border with Sudan) and the Sudanse army came to defend their border and saved me from being taken to the place that designatged to be my burial place. To the writer of this tragic but very important story, I really thank you for takig the time and effort to write this.

    • Desbele January 4, 2014

      Why don’t you write article(s) about this? You had such a sad experience but you decided to keep it to yourself instead of telling your story the public. That’s not good!

    • ER ITRAWIT January 5, 2014

      Feseha Woldu,
      Brother please write what happened to you we are hear to listen you agony.

  • Almaz Gual Asmera January 4, 2014

    ኣቶ (ተጋዳላይ) እስቲፋኖስ፡ ዋላ ይዶንጒ እምበር ኣሰር እቶም ሰብ ሕልና፡ ከም ብዓል ኣቦና ተስፋይ ተምነዎ፡ እንዳሰዓብካ ሰራውር ናይዛ ሰራምን ገበንኛን ኢድ ሕግ-ግደፍ ብምትንታንካ ዝምስገን እዩ። ሕዝቢ ብተጋደልቲ ካብ ዝጉሃየሉ ብዙሕ ነገራት፡ እቲ ሓቀኛ ምስልኹምን ውዕሎኹምን ኣይገለጽክምሉን። ከም መላእኽቲ ርእዩ ከኽብረኩም ከሎ፡ ሕቡእ ሰይጣንዊ መልክዕ ከምዘሎኩም እንተዝፈልጥ ክሳብ ክንድዚ ኣይምተገርሀን። እቶም ሰብ ታሪኽ ሚንስተራትን ጀነራላትን ኣብ ዒራዒሮ ዝሓልቁ ዘሎዉ ይኹን ብድሕሬኦም ዝስዓበ ኩሎም ንጹሓት (ኣሰር መምህር ዝሰዓቡ መምህራት) ብኸመይ መገዲ ሕዝቢ ኪልዓል ይጽበይዎ ከምዝነበሩ ከምሰብ ይድንጽወኒ እዩ? ከይዘራእካዶ እኽሊ ይሕፈስ እዩ?
    ኣብ በረኻ ኣገቢልኩሞ ዝመጻእኩም ኣሰለት ተመን፡ ነጻነት ጥራይ ኣይኮናን ኣምጺእና ጨካን ገበልውን ተሰኪምና መጺእና ምባል ይግባእ ኔሩ። ከምኡ ስለዘይተገብረ ኸኣ ሕጂ ከቢድ ዋጋ የኽፍለና ኣሎ። ሕጂውን እዚ ሰብኣይ በዛ መልክዓ ዝቐየረት ሚስጥራዊት ሰልፊ እዩ ትልኽ ዝብሎ ዘሎ። ገረብ ብሓኽላ እኳ እዩ ነገሩ። እዚ ግዜኻን ጉልበትካን ወፊኻ ትምህሮ ዘሎኻ እምበኣር ዕርቓን ናይዚ ኣመልኛ ገበል ትቐልዖ ስለዘሎኻ ንሕዝቢ ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ዓብዪ ዕጥቂ እዩ። ሰይፊ ዘልዓለ ብሰይፊ ኢዩ ዝጠፍእ፡ ኣማውታ እዚ ኣረመኔ ከም ዓርኩ ቓዛፊ ኣብ ትሕቲ ቢንቶ ኪድረበ ምዃኑ ግሁድ እዩ። ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ እዩ። ኣምላኽ ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ፡ ቀጽል።

  • petros January 4, 2014

    Very sad story!

    “Memhir” and other genuine EPLF fighters were victims of the venom injected by DIA during our armed struggle. Unfortunately, the evil-minded anti Eritrea individual is still using the same technique to destroy the nation.

    Thank you Stephanus for sharing the story.
    Keep it up.
    Petros

  • ተወልደመድህን January 4, 2014

    ዝከበርኪ ኣልማዝ ጓል ኣስመራ፡…..ኣነ ካብቶም ሕሉፍ ዝነቅፍ ሰብ’የ።ምኽንያቱ ኣብታ ናተይ ንእሽቶ ተመኩሮይ ብዙሕ ሕማቅ ሰሚዐን ርእየን።ስለዚ ኣነ እቲ ሕማቕ መሃሪ፡እቲ ጽቡቕ መወግዒ’ዩ በሃላይ ኢየ።ስለዝኮነ ነቶም ናይ ዝናን ቅያን ዝጽሕፉ ኣይንእድን። ግን ገድሊ ክበሃል ከሎ ኩሉ ጸያቒ ኣይኮነን፡ከመሓይሽ ክንደይ ዝተኾልፈ ኣሎ።ኣብዛ ሓጻር መልእክቲ ጥራሕ ብመምህር ቀሪቡ ኣሎ።ኣብ ሃንቲ ጋንታ ብትረት ርእይቶኡ ዝገልጽ ካብ ሃለወ ዘይክወን ኮይኑዎም’ምበር ካልእ’ውን ኔሮም ኢዮም።ስለዚ….ሕቡእ መልክዕ ከምዘለኩም እንተዝፈልጥ…..ዒብ ክበሃሎ ዝግባእ ዘረባ’ዩ።ዓሳ ብርእሱ ኣንድሕሪ ጨንዩ ጭራኡ ከኣ ምጭናው ዘይተርፍ ስለዝኾነ ኣብ መሪሕነት ዝተበላሸወ ህግ ናብ ተራ ተጋዳላይ ወሪዱ።ኣብ ዘበን ቃልሲ፡ኣብቲ ገጠራት ኤርትራ ኣብቲ ብተጋደልቲ ዝመሃደር ቦታታት ተጋዳላይ ልዕሊ፡ሕጊ ( ንገባር ዘመሃድር ሕጊ ኣይነበረን።እቲ ተጋዳላይ ከም ድሌቱ የኽብደልካ የፍኩሰልካ )ማለት እቲ ሕጊ ተፈጥሮ ማለተይ።ንሰብ ክርሽን ወይ ከም ቆሎዕ ብበትሪ ክዘብጥ፡ከንበርክኽ ……ካልእን።ስለዚ ነቲ እህ እናበለ ዝሞተን፡ነቲ እህ ሕጂ’ከ እንታይ ክንር ኢ ኢና እናበለ ዚ ኣተወን ኣይትተንክፊ።……ካልእ ክብለኪ ግን፡ ኢሳያስ ይኹን ህግደፍ’ኮ ኣብዝባን ተጋዳላይ ኣይኮኑን ተጻዒኖም ዘለው።ቅድም ህዝቢ ኣስመራ’ዩ ሰማይ ሰቒሉዎም፡ቀጺሉ ከኣ መቐጸልታ’ቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎን ምስቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ፍትወት ህግደፍን ኢሳያስን ዝተኣስሰሩ ናይ ወጻኢ ኢዮም። ስለዚ ጓል ኣስመራ ካብ ኮንኪ ክሳብ ትማሊ ህግደፍ ዝነበርኪ ኮትኮኒ ትኽእሊ።ተጋዳላይ ከኣ ንነጻነት ደኣሉ ተቃሊሱ’ምበር ንፍትሕን ዲሞክራስን ኣይተቃለስን።ምኽንያቱ ኣቲ ክቃለስ ዝወጸ ሰሚዒት ሃገራውነትን ደልዩ’ምበር ኩሉ ብትምህርቲ በሲሉ፡ፍትሒ፡ማኦርነት፡ዲሞክራሲ ብግቡእ ተረዲኡ ኣይኮነን።ኣነ ዝጸላእኩ፡ቅድሚ’ቶም ዝተጋደሉን ን ኢሳያስ ዝፈልጡ ተጋደልቲ ወጠምጠም ዝብሉ ህዝቢ ኣስመራ’ዮም።ኩናት ባድመ ክጅመር እቲ ዝግበር ዘሎ ተፊኡዎም ኣይኮነን ንመኦኣል ጴጥሮስ ይኹን ንመዓል ሃይለ ድሩዕ።ግን ኩነታት ህዝብን መናሰይን ርእዮም ከምዘይስምዑ ፈሊጦም።ሽዑ ብ ኣካል ኔርኪ ኣንተኾንኪ ዝነበረ ፈከራን ጃህራን ትዝክርዮ ትኾኒ።ንሕና ኣብ ወጻኢ ከለና ክንደይ ንሰምዕ ኔርና።ስለዚ ነገራት ፈላሊና ኣንተረኣናዮ ይሓይሽ።

    • Awualom January 4, 2014

      ሓዉና ተወልዲኖ፣
      ኣብ ገለ ክፋል ርእይቶካ ዝሰማማዕ እኻ እንተኮንኩ እታ፣
      “ተጋዳላይ ከኣ ንነጻነት ደኣሉ ተቃሊሱ’ምበር ንፍትሕን ዲሞክራስን ኣይተቃለስን”
      እዛ ኣበሃህላ ብብዙሓት ተጋደልቲ ትደጋገም ኢያ፣ ናጽነት ማለት ባንዴራ ምስቃል ማለት ጥራይ ድዩ? ናጽነት ብዘይ ፍትሕትን ዲሞክራስን ደኣ እንታይ ዓይነት ናጽነት ኢዩ። ስለዝስ እዛ ኣበሃህላ ክትእረም ዘለዋ ኮይኑ ይስምዓኒ። ርእይቲካ ከኣ እሰምዕ።

      • ተወልደመድህን January 5, 2014

        ዝኸበርካ ኣውዓሎም።…ቅድሚ ኩሉ ኮለል ከንብል ከይንውዕል ክንረዳዳእ ይላበወካ።ኩሉ ንወዲ ሰብ ዝተኦኣደለ ዚተዓደልና ሰባት ስለዝኾና ንዝኮነ ጉዳይ ኣእምሮና ከፊትና እንተሪኢናዮ ክንርዳዳኣሉ ዘይንኽእል ኣገባብ የለን።…….“ተጋዳላይ ከኣ ንነጻነት ደኣሉ ተቃሊሱ’ምበር ንፍትሕን ዲሞክራስን ኣይተቃለስን” እዚ ከብለኒ ዝከኣለ ካብቲ ናብ ቃልሲ ዝተሳተፈ ኣካልን፡ሜዳ ክወጽእ ከሎ ዚነበሮ ብቖኣትን ፍልጠትን ተበጊሰ’የ።ኣብ 1975 ሰባት ክቃሱ ዚኸዱ ዚነበሩ፡ኣብ 80ታት ዝተቃለሱን ኣብ 82-83 ምሳይ ዝነበሩ ብፍላይ ኣብዞባዊ ሰራዊት ዝነበሩ ኣረኣእያኦም ብግቡእ ተዓዚበዮ’የ።ፍትሕን ዲሞክራስን ብፍልጠትን ብሱል ኣረኣእያን’ዩ ዝህነጽ።ከምቲ ናይ ኣቦታትና ኣገባብ ከኣ ቅንዕናን ተገዳስነት የትርሮ።ሜዳ ዚወጸ ሃይሊ ግን 85% ካብ ትምህርትን ፍልጠትን ኣገባብ ሕግን ዚረሓቐ’ዩ።እቲ ናብ ነጻነት ዘሰጋገረ ግፉፍ’ሞ ዘይሕሰብ’ዩ ብዛዕባ ፍትሕን ዲሞክራስን ክዛረብ( ይጸርፍ ኣይኮንኩን ዘለኹ) ገሊኡ ከኣ ንዝጸንሖ ናይ ኣቦታቱ ባህሊ ንዒቑ ካልእ ዘይፈልጦ ናይ ሃለፍትን ካድራትን’ዩ ሓንጎሉ ርቕሕ ኢሉ።ስለዚ ፍልጠት ካብዘየለ ዝነበረካ ተገዳስነትን ገርሃዊ ቅንዕናን ብካልእ ፕሮፖጋንዳ ካብ ተመዝሃቐ፡ዲምክራሲ ፍትሒ ክትከል ኣይከኣልን።ዘይምብሳልን፡እኹልን ነጻ ዝኽነ ፍልጠት ዘይምቕሳም፡ምትእምማን ዘይምህላው ከኣ ኣንጻር ዲሞክራሲ’የን።በረካ ዝወጹ ተጋደልቲ ኤርትራ ሓራ ምእንቲ ክገብሩ ተቃልሲም፡ኣብ ውሽቶም ብዲሞክራሲ ብፍትሒ ይኸዱ ምህላዎም ኣይፈልጡዎን ኔሮም፡እንተደለዩዎ’ውን ህግ ፍጥር ክብል ተመንዚዑ’ዩ።ኦሮማይ መቓብር ለሚደሞ፡ማሙቕ’ዎም ኢዩ ኔሩ።እዚ ኣቶ እስቲፋኖስ ዝገልጾ ዘሎ እኩል’ዩ።…..ነጻነት ማለት ባንዴራ ምስቃል ጥራሕ ከምዘይኮነ ይ ኣምን።እታ ባንዴራና ንብላ ብዙሓት ዝተሰው ኡላ ‘ኳ ተደርብያ ኢሳያስ’ዩ እዚኣ ባንዴራኹም ዝበለና ዘሎ።ነጻነት ብዘይፍትሒ’ውን ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን።ግን ሕጂ’ውን ኩሎም ዝተጋደለ እቲ ጸገም እናፈለጥዎ ክሳራን ክመጽእ ስለዝኽእል ኣብ ነጻነት ጥራሕ ንብጻሕ ኣናበሉ’ዮም ተቓሊሶም።ብከምዚ ነጻነት ዚረኣዩ ኣለው።ገለ ከኣ ነጻነት ከየረኣዩ ምስ ቅሑር ልቦም ተሰዊኦም።ስለዚ ኣነ ዝተሰውእሉ ዕላማ ኣብ ግቡኡ ኣይበጽሀን።ወዲ ስውእ ኣብ ቀላያትን ኣብ ምድረበዳን ሞይቱ፡ስድራ ስው ኣት…..ብዙሕ ምጸብጸብኩልካ፡ግን ፍለጥ ቅድሚ ነጻነት መንነት ከይሓዝና ኢና ንቃለስ ኔርና።ሎሚ ግን መንነት ሒዝና፡ወላ በዳሊ ስርዓት ኮይኑ ገሌና ኦኣድና እንተገደፍና፡ገሌና ክሳብ ሎሚ ኦኣድና ኣይንእቶ’ምበር መሬትን ቦታን ሒዝና ኢና።ሎሚ ንመሬት ኣይኮነን ቃስልና ንፍትሕን ንፍትሓዊ ስሮኣትን’ዩ፡ቀደም ግን ምስ ኩሉ ጸገም ፍትሓዊ ኣገባብን ዲሞክራስን ኣብቲ ጽብብ ዝበለ ክተኣታቶ ኔሩዎ።ወላ ምዕቡል ኣይንበሎምበር ገለስ ክግበር ኔሩዎ።ግን ዲሞክራስን ፍትሓዊ ኣገባብ ክተክል ዘይደሊ መሪሕነት ካብ ሃለወ፡ትሑት ዞኣቕሙ ተጋዳላይ ካብ ሃለወ ኣይተረኽበን።ሎሚ መሬት ኣሎና፡ፍትሒ ጥራሕ’ዩ ዘይብልና።

        • ተወልደመድህን January 5, 2014

          መቐጸልታ……..ገገለ ሰባት ትምህርቲ ኔሩ፡ ይብሉ።ኣብዚ ኣቶ ኣስቲፋኖስ’ውን ጠቒሱዎ ኣሎ። ግን ኣብ ሜዳ ዚነበረ ኣመሃህራ ምጽሃፍን ምንባብን ንምፍላጥ ወይ ኣካላዊ ቁጽሪ ምድማር ምጉዳል’ዩ።እዚ ቀዳማይ ብልጭ ኡ ነቲ ዘይምሁር ኣካል ምጽሓፍ ምንባብ ኪኢሉ ፕሮፖጋንዳ ውድብ ብቀሊሉ ባዕሉ ኣንቢቡ ክርዳእ ማለትዩ።ኣብ ሕማቕ ዝተተኽለ ኣረኣእያ ከኣ ነቕ ዘብሎ የለን።ኣብ ሜዳ ግን ኩናት ኔሩ፡ብዓቢኡ ከኣ እቲ ጸገም ዝነበረ ውሽጣዊ ኩነታት ፖለቲካ ኔሩ።ነዚ ንምርዳእን ቅርጹጹ ምላሽ ንምሃብ ዝሕግዝ ትምህርቲ ኣይነበረን።ምኽንያቱ ኣብቶም ኣብ ውሽቲ ዘለው ከይተንከፈ፡ወላ’ቶም ዝምህሩ ናብዚ ጉዳይዚ ክ ኣተው ዘይክእሉ ናይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ’ዮም ኔሮም።ስለዚ ኅልናካ ዝከፈት ትምህርቲ ኅልናካ ኣብዝዓጹ ኮንካ ክትመሃሮ ኣይከኣልን ስለዝኾነ እቲ ትምህርቲ ካብ ምንባብ ምጽሃፍ ሃሊፉ ካልእ ዘፍልጥ ኣይኮነን።

          • Awualom January 5, 2014

            ተወልዲኖ
            ኣዝየ የመስግነካ ስለቲ መግለጺኣክ።

  • Berhe January 4, 2014

    ዝኸበርካ ኣቶ እስቲፋኖስ~
    ብጣዕሚ የቐንየልና ስለቲ ኣዝዩ ሓባሪ ዝኾነ ጽሑፉኻ። ከምቲ ዝበልካዮ ሕጂ እዉን ኣብ ተግባር ዘሎ ኢዩ። ንተጋደልቲ ካብቲ ዘጽልኦም ጠባያት ከኣ እዝን ወዲ ከምዝን ኢዩ፣ ኣብ ሜዳ ዝሰርሕሉ ዝነበሩ ኣገባብ ኣብ ሲቪላዊ ህይወት ኪደግምዎ ገና ይፍትኑ ኣለዉ።
    ካብቲ ዝበልካዮ
    ” ኣነ ይኹን ካልኦት ንዓይ ዝመስሉ ምስሉያት፡ ንተቓለስቲ ንዕንቅፍ ኔርና’ምበር፡ ኣፍና መሊእና ንሓፋሽ ንቃለስ ኔርና ክንብል ግቡእ ኣይኮነን”
    ሕጂ እዉን እዞም መምሰልቲ ኢዮም ሃገር ዝሕምሱ ዘለዉ። ጅግና ኣይንነብርን ኢዩ መመሰሊ ግን ቀደም ተሓቢኡ ነይሩ ሕጂ ከኣ ከም ሓርበኛ ብስም ስዉኣት እነመሓሉ፣ ስምን ተግባርን ስዉኣት የከሳምሱ ኣለዉ፣ ይገርም ኢዩ።
    ብተወሳኪ እዉን. . .‘ድሕሪ ሓለዋ ሰውራ ምብጽሐይ፡ ኣብዚ ውድብ ተበግሶ ወሲድካ ንብጾትካ ክትምህር ይኹን ክተረድእ እንተ ፈቲንካ፡ ኣነነት ከም ዘሎካ ወይ ብሓፋሽ ተፈላጥነት ክትረክብ ትገብሮ ዘለኻ ናይ በለጽ ተግባር ገይሮም ስለ ዝርድኡዎ፡ ኣብ ክንዲ ብተበግሶይ ሰሪሐ ኣብ ሽግር ዝኣቱ፡ ብሓለፍቲ ተኣዚዘ ጥራይ ክሰርሕ ኣለኒ ኣብ ዝብል ውሳኔ በጺሐ፡’ ክብል ገሊጹለይ።
    እዚ ኢዩ ሃገርና ከይትምዕብል ሓሊኩ ሒዝዋ ዘሎ። ኣይሰርሑ ኣየስርሑ ኣብ ሓላፍነት ኮፍ ኢሎም ስለዘለዉ። መቸም ንስካን ከማክን ዝኣመሰልኩም ነቲ ወሃ ዘበለ ኣሰራርሓ ኣሎኒ ኢሉ ዝመኻሕ ዝነበረ ዐርቓኑ ብምዉጻእኩም ጋንታ ንሕና ንሱ ቅሩብ ይስወጦም ይከዉን።
    እስቲፍ ሓዉና ካባክ ብዙሕ ክንጽበ ኢና፣ ምፍላጥ ጽቡቕ ኢዩ፣ ናይ 2014 ሰብ ኪትበሃል ከኣ ተስፋ ይገብር። ኣምላክ ምሳካ ይኩን።

  • Sennai Ogbu January 4, 2014

    ዝኸበርካ ጻሓፊ፣ ስለ ተበርክቶ ጽሑፋት ካብ ልቢ የመስግን።

    ብዙሕ ሕቶታት ኣሎኒ። ግን ጽሑፋትካ ቀጻሊ ኢለ ይጽበይ ስለ ዘለኹ፣ ዋሕዚ ከየበላሽወልካ ይጽናሓለይ።

    እዛ ዛንታ፣ ሓደ ነገር ኣብሪሃትለይ ይመስለኒ።

    ኣብ ሰውራ ኤርትራ፣ “ጥይት ትሓርይ እያ” ዝበሃል ዘረባ ምኽኑይ ትገብሮ።

    ምኽንያቱ፣ ውግእ ንብዙሕ ክፋሉ፣ ብ ናይ ‘ምዕሩይ ተኽእሎታት’ “ፕሮባቢሊቲ” ዝቕየድ ተርእዮ እዩ፣ ብድሕሪት ውዱብ ሸርሒ ተዘይሃልዎ።

    ከምዚ ናይ ሰውራ ኤርትራ ዝበልዖም ምሁራት ኣብ ግምት ተእቲኻ እሞ፣ ናህና ኣንጻር ፕሮባብሊቲ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ናይ ዓለም ናይ ውግእ
    ታሪኻት፣ ብመጀመርታ ግዳያት ዝኾኑ ዘይተማህሩ ተራ ወተሃደራት ምዃኖም ስለ ዘመልክት።

    የቐንየልና ሰሰናዩ።

    • Rahwa January 4, 2014

      ሰናይ፣
      ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ሕጊ ኣይሰርሕን ኢዩ፣ ሕጊ ፕሮባቢሊትይ የለ ሕጊ ግራቪትይ፣ ከይገርመካ ማይ ንላዕሊ ኢዩ ዝዉሕዝ፣ ዕድመ ብህግደፍ ዝተምርሓን ዝምራሕ ዘሎን መንግስቲ። Though there is no Rule of paradox but it is pertaining in our beloved country, very sኣድ. Thanks to Temelso and the like, your articles can be a good indicator for the present and future Eritrea under the leadership of these criminal gangs.

      • Desbele January 4, 2014

        You are funny Rahwa.

1 2 3 5

Post a Reply to Tamrat Tamrat Cancel Reply