Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምእንቲ ድሕነትን ትንሳኤን ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ይኹን!!

ሕልቀትን ህላወን ትንፋስ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ሰዓት’ዚ ከቢድ ትርጉም የብሉን። እቲ ብሕማም ተኻኢሉ ዝቐነየ ኢሳይያስ፡ ዋላ ብጥበብ ሓካይም እንተዝጻናሕ ’ውን ንኤርትራ ናይ ምምራሕ ተኽእሎኡ ድሮ ሞይቱ፡ ኣብቂዑ እዩ። ንተረኽቲ፡ ምናልባት ታሪኹ የገድሶም ይኸውን። ንህዝቢ ኤርትራ

ሕልቀትን ህላወን ትንፋስ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ሰዓት’ዚ ከቢድ ትርጉም የብሉን። እቲ ብሕማም ተኻኢሉ ዝቐነየ ኢሳይያስ፡ ዋላ ብጥበብ ሓካይም እንተዝጻናሕ ’ውን ንኤርትራ ናይ ምምራሕ ተኽእሎኡ ድሮ ሞይቱ፡ ኣብቂዑ እዩ። ንተረኽቲ፡ ምናልባት ታሪኹ የገድሶም ይኸውን። ንህዝቢ ኤርትራ ግን ውሕስነት መጻኢኡ እዩ ዘገድሶ። እቲ ሕማም ንኢሳይያስ ወሲዱዎ ‘ሎ። ኢሳይያስ ከ ንሕማሙ ወሲዱዎ ‘ዶ ኾን ይኸውን? ኣብዚ ህሞት’ዚ፡ ኣብ ኣእምሮ ህዝቢ ኤርትራ ብድርብ ተሳኢሉ ዘሎ ዓብን እዋናውን ሕቶ እዚ እዩ።

ንሞያን ጥፍኣትን ኢሳይያስ በዛ ሓንቲ ሕጡበ-ጽሑፍ ምስጋሩ ዝከኣል ኣይኮነን። ጨጨፍ ታሪኹ ንደረስቲ መጽሓፍ ገዲፍና፡ ብድብድቡ ክርአ ኸሎ፡ ሓርነታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ መሪሑ ዘዐወተ ህቡብ መራሕን ተጋዳላይን ምንባሩ ዝኽሕዶ የልቦን። ስልጣን ክብሕት ክብል፡ ነዛ ናይ ደምን መብጽዓን ሃገር ኣብ ማዕሙቕ ውድቀት ኣስጢሙ፡ ኣቦ ሃገር ክኸውን ዝነበሮ ዕድል ብምብኻን፡ ዓዊል ታሪኹ ከምዝኾነ ‘ውን ከምኡ፡ ዝስሕቶ የልቦን።

ገለ ከናሕስዩሉ፡ ገለ ድማ ኣዝዮም ከማርሩዎ ምዃኖም ዘጠራጠር ኣይኮነን። ኢሳይያስ፡ ነቲ ናጽነት ንምምጻእ ዝተጠቕመሉ ዕድል፡ ናጽነት ኣብ ምብኻን ስለዘውዓሎ፡ ብንሕስያ ዘለዎ ኣዘራርባ፡ ካብ ዜሮ ተበጊሱ ናብ ዜሮ ከምዝተመልሰ ምግላጹ ሚዛናዊ እዩ። ኢሳይያስ ብዙሕ ዕድላት ‘ኳ እንተነበሮ፡ ንኽልተ ካብኣተን ጥራይ እዩ ተጠቒሙለን። እቶም ምስ ኢሳይያስ ሓደ ዕድል ዝተጠቕሙ፡ ካልኣይ ዕድል ዘባኸኑ መዛኑኡ ኸ፡ ነዚ ገጢሙዎም ዘሎ ሳልሳይ ወርቃዊ ዕድል ከባኽኑዎ ዲዮም ከሰስኑዎ? ደጊም እቲ ፈተነ ናታቶም  እዩ። ናይ ሎሚ ኣተኩሮና ንሳቶም እዞም ሰብ ሳልሳይ ዕድል እዮም።

እቲ ተደጋጋሚ ከቢድ መስዋእቲ ተጻዒኑዎ ክንሱ ምቕሉልነቱ ዘየጠጥፍአ፡ ብቓልሲ ዝረኸቦ ናጽነት ተስፋ ኣቝሪጹ ኣማቲኡዎ ክንሱ ቅብጸት ጸይኑ፡ ተስፋ ነኺሱ፡ ዝተጻንሐ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጻማ ዓቕልን ምእዙዝነትን ይግብኦ እዩ ‘ሞ፡ ኣሽንባይ ዶ ዕድል ዝረኸበ፡ ዕድል ዘምለጦ ኳ ምእንቲ ድሕነትን ሰላምን እዚ ለዋህ ህዝቢ ኩሉ ይኹን ክብል ምተገብአ።

ኩሉ ኤርትራዊ፡ ብሕልፊ ድማ እቶም ነዚ ኣብዚ ሰዓት’ዚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ተሃዋሲ ኩነታት ብቐረባ ትከታተሉዎን ትኸተሉዎን ዘለኹም ሰብ ሳልሳይ ዕድል፡ መራሕቲ ህግደፍ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ካልኦት ኣገደስቲ ባእታታትን፡ ቅድሚ ኹሉ ንምርግጋእን ሰላምን ኤርትራን ህዝባን ብምስራዕ፡ ድሕነት ሃገርን ውሕስነት መጻኢ ወለዶታት ኤርትራን ዘረጋግጽ ሓድሽን ትስፉውን ፖለቲካዊ መስርሕ ብምኽፋት፡ ነዚ ወርቃዊ ኣጋጣሚ’ዚ መደምደምታ ናይቲ ከይተጸበናዮ ዝወረደና ውድቀት፡ መፈለምታ ናይቲ እናተመነናዮ ዝሃደመና ትንሳኤ ክገብሩዎ ብንጹህ ልቢ ኣውንታዊ ተራ ክጻወቱ ኣለኩም።

በዚ መሰረት፡ ንድሕነትን ትንሳኤን ኤርትራን ህዝባን ቀዳምነት ብምሃብ፡ ነዞም ካብ ልቢ ዝወጹ መዘኻኸሪታት ልብኹም ከፊትኩም ክትቅበሉዎም የድሊ።

– ምልክን ስስዐ ስልጣንን ጠንቂ ፍሽለት ኤርትራ ኮይኑ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንምረትን ቅብጸትን ብምቅላዕ፡ ንሃገርና ኣብ ሓደጋ ውድቀት ከምዘገምገማ ብምግንዛብ፡ ምእንቲ ናይ ስልጣን ውድድር ነቲ ላሕሊሑ ዘሎ መሓውር ኤርትራ ነኺእኩም ንሃገርና ኤርትራ ከይትርዅምሹዋን ንዝኸፍአ ሓደጋ ከይተቃልዑዋን ልዑል ጥንቃቐ ክትገብሩ፡

– ጸጋታት ሃገር ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ምንጪ ፍሕፈሐን ግጭትን ‘ውን ከይከውን ንምጥንቃቕ፡ ካብ ብሕታዊ ምዝመዛ ክትከላኸሉሉ

– ቀጻልነት ምልኪ ንምርግጋጽ ንህዝቢ ኤርትራ ንምቍጽጻሩ ዘይኮነ፡ ሰላምን ርግኣትን መሰረት ቀጻሊ ፖለቲካዊ ህይወት ምዃኑ ብምእማን ንህዝብን ሰራዊትን ከተረጋግኡ

– ዕብለላን ተነጽሎን ዜጋታት ወጊድ ብምባል፡ ኤርትራ ኩሎም ኤርትራውያን ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ ህይወት ብማዕርነት ዝዋስኡላ፡ ዘበርክቱላን፡ ዝረብሑላን ብቕሳነት ዝነብሩላን፡ ጸምባሪትን ሓቝፊትን ሃገር ክትከውን ከምዘለዋ ዘእምን ጭቡጥ ፖለቲካዊ ሃዋህው ክትፈጥሩ

– ኩሉንትናዊ ብዙሕነት ኤርትራውያን ጽባቐን መሰረት ሓድነትን ሓይልን ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ብምእማን፡ ንስኒትን ውህደትን መላእ ሕብረተሰብና ብዝለዓለ ክትሰርሑ

– ኤርትራ ዓዲ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን፡ መሰልን ሓርነትን ከም እትኸውን ንምግባር ንልዑላውነትን ተሳታፍነትን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘረጋግጽ፡ ዘየማትእ ንጹር ፖለቲካዊ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ከተርሕዉ ይግባእ።

ኣብ ኤርትራ ነዞም ዝተጠቕሱ ናይ ድሕነትን ትንሳኤን ተግባራት ዘአንግድ ፖለቲካዊ ሃዋህው ከምዝተፈጥረ ከርእዩ ካብ ዝኽእሉ፡ ምጥርጣር ኣወጊዶም ምትእምማን ዘስፍኑ ገለ ኣፈናዊ ምልክታት፡ ነዞም ዝስዕቡ ስጉምታት ምጥቃስ ይከኣል።

1ይ – ንኹሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ብዘይቅድመ ኩነት ብህጹጽ ነጻ ምልቃቕ

2ይ – ንኹሎም ኤርትራውያን ዘሳትፍ ህጹጽ ሃገራዊ ዋዕላ ብምክያድ፡ ንጹር ናይ ግዜ ሰሌዳን ዕድመን ዘለዎ ንኹሎም ሸነኻት ሕብረተሰብና ዝሓቍፍ ሃገራዊ መሰጋገሪ ባይቶ ምጥያስ

3ይ – መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ፡ እቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም ብምምሕያሽ ክትግበር ዘለዎ ተኽእሎ፡ ወይ ከኣ ሓድሽ ቅዋም ምንዳፍ ዘለዎ ኣድላይነት ተኻቲዑ ውሳኔ ከምዝህበሉ ምግባር

4ይ – ንዕርቅን ስኒትን ኤርትራውያን ዝሰርሕ ነጻ ኮምሽን ምምስራት

5ይ – ግዝያዊ ሃገራዊ ባይቶ ብዝሓንጸጾ ሕግታት ምቛም ሰልፍታት መሰረት፡ ኣብ ወገንን ሃይማኖትን ዘይተመርኮሰ፡ ንዕብለላን ተነጽሎን ዘይዕድም፡ ብዙሕነት ሰልፍታት ዘአንግድ መድረኽ ምትእትታው

6ይ – ነጻ ቤት ፍርድን ነጻ ጋዜጣን መራኸቢ ብዙሃንን ምፍቃድ

7ይ – ሕጋውነትን ኣድላይነትን ሃገራዊ ኣገልግሎት ብግዝያዊ ሃገራዊ ባይቶ ከምዝውሰን ምግባር

7ይ – ዝተጸገነ ወይ ከም ብሓድሽ ዝተነድፈ ቅዋም ዝትግበረሉን ሃገራዊ ህዝባዊ ምርጫ ዝካየደሉን ግዜ ብወግዒ ምእዋጅ፡

8ይ – ኤርትራ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተመርኮሰ ኣህጉራዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ንምምስራት ዘለዋ ባህጊ ብወግዒ ብምግላጽ፡ ገኒኑ ዝጸንሐ ኣህጉራዊ ተነጽሎ ኤርትራ ዘብቅዓሉ፡ ተጻዒኑዋ ዘሎ ኣህጉራዊ እገዳታት ዝለዓለሉ ወግዓዊ ጠለብ ምቕራብ

( እዚኣቶም መበገሲ ጥራይ እዮም፡ ኣንቱም ለባማትን መስተውዓልትን ኣንበብቲ ‘ውን ኣብዚ መድረኽ ርእይቶ ሓሳብ ወስኹሎም)

በዞም ዝተጠቕሱ ኣፈናዊ ስጉምታት ዝጅምር መሰረታዊ ለውጢ ዘውሕስ፡ ሓድሽ መስርሕ ፖለቲካዊ ህንጸት እንተተኸፊቱ፡ ሃሲሱ ዝጸንሐ ተስፋ ህዝቢ ኤርትራ ደረጃ ብደረጃ ክምለስ፡ እቲ ንቡር ስኢኑ ዘሎ ዋሕዚ ስደትን ንሱ ዝወለዶ ውርደትን ኤርትራውያን ደው ክብል፡ ክብረት ህዝብና ተመሊሱ ሃገርና ድሕነታ ኣረጋጊጻ ኣብ ጎደና ትንሳኤ ናብ ምዕባለን ብልጽግናን ዘይትምርሸሉ ምኽንያት የልቦን።

ነዚ ኣብ ምፍታን ግን፡ እቲ ብዘይመራግእቲ ዘሕደሮ እምነትን ሕድገትን ጥልመት ኣስዒቡሉ፡ ልቡ ብምረት ሰምቢሩ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ኣፍን ግብርን ምፍላይ ከምዘየጸግሞ፡ ካብ ምእማን ምጥርጣር ከምዝቐሎ ክርሳዕ የብሉን። ስለዚ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ምእማን፡ ካብቲ ቀዳማይ ኣብዚ ካልኣይ ከምዝብርትዕ፡ ቅኑዕን ሓያልን ጻዕሪ ከምዘድሊ ብዘየማትእ ምግንዛብ ኣድላዩ እዩ።

ኣብዚ ሰዓት’ዚ እዚ፡ ናይ ድሕነትን ትንሳኤን ወርቃዊ ዕድል ተፈጢሩ ‘ሎ። እቲ ኣውንታዊ ምላሽ ዘድልዮ ሕቶ እምብኣር ነቲ ዕድል’ዚ ንምጥቃም ድሉውነት ኣለና ዶ ዝብል እዩ።  ኩልና ኤርትራውያን ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን፡ ቂምታን ቅርሕንትን ወጊድና፡ ሕድገትን ምትሕልላይን፡ ቅንዕናን ልቦናን ብምዝውታር፡ ብሓባራዊ ጻዕሪ ሓባራዊ ረብሓ ከነመዝግብ፡ ብሩህ መጻኢ ክንጓናጸፍ ዓቢ ተኽእሎ ኣለና። ንጠቐመሉ።

ኣብዚ ሃገርና ዘሕለፈቶ ዘይቅሱን ዓመታት፡ እሱር ጥራይ ኣይተሓለወን፡ ኣሳሪ ‘ውን ተሓልዩ እዩ። እሱር ጥራይ ኣይሞተን፡ ኣሳሪ ‘ውን ሞይቱ እዩ። እሱር ብግዳነቱ እንተተበሳጨወ፡ ኣሳሪ ‘ውን ብተግባሩ ኣይተሓጎሰን። ልዕሊ ኹሉ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኤርትራውያን ሰኣን ስኒትን ልዝብን ምክሕሓድን ካብ ዝኸሰርናዮም ነገራት እቲ ዝዓበየ፡ እቲ ከም መግለጺ መንነትና እንሕበነሉ ዝነበርና ክብርታት እዩ። ልዕሊ’ቲ ዝገጠመና ነገራዊ ዕንወት፡ ድሕነትን ትንሳኤን ዘድልዮ ድማ፡ እዚ ስነኣእምሮኣዊ ሓይሊ እዚ እዩ። ፍሽለት ካልኦት ኣንቢብና ከይንደግሞ ተማባጺዕና ክንስና ኣብ መወዳእትኡስ ካብ ናይ ገዛእ ርእስና ተመክሮ ጥራይ ኢና ተማሂርና። እዚ ድማ ክሳራ እዩ። እቲ ዝዓበየ ክሳራ ግን ወዲቕካ ዘይምትሳእ እዩ። “ንዳግማይ ትንሳኤ ሕልናን ልቦናን ኣለና ዶ?” ንዝብል ሕቶ “ከመይ ደኣ! ከመይ ደኣ! ከመይ ደኣ!” ዝብል ምሉእ ርእሰ-ምትእምማን ዘለዎ ዓንተር መልሲ ክህልወና ይግባእ። ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውርደት ፈፈው ዝብለሉ ዘሎ ጽንኩር ዘበን፡ ሕልናዊ ዕግበት እምበር ስስዕቲ ስልጣን፡ ሃብቲ ዘብህጎ ዘብ ክህሉ ኣይግባእን። በዚ መንፈስ’ዚ፡ ልብን ቀልብን ኣዕቢና እንተነቒልና ዕዳና ከፊልና ካብ ጣዕሳ ክንድሕን፡ ክንዕወት፡ ሃገር ከነድሕን ዓቢ ተኽእሎ ኣለና ‘ሞ ኣምላኽ ይሓግዘና። ነዞም ሰብ ሳልሳይ ዕድል፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ ነቲ ሓላል ህዝቢ ኤርትራ ዕድሉ ዘየሕልፍ ዕድለኛ ይግበሮ። ኣሜን!

ራህዋን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

24 ሚያዝያ 2012

aseye.asena@gmail.com

Review overview
56 COMMENTS
  • Gebela April 24, 2012

    Dear Amanuel,

    Thank you for your wisdom, it is time to think indeed. We went from bad to worse. The structure you gave is not an easy thing. It needs, cool mind, vision and what we should contribute to this unfortunate country of ours. People should read and add to what you have said.

    For the sake those who do not read tigrinya properly, please put the translation in English as soon as possible, so that they also be in the same wave length.

    May God Bless you, and allow you to direct people in the right direction.

  • yafet.tesfay@yahoo.com April 24, 2012

    anteyu serekti kabey hager ekyum kea dea temahaderewa neskyum dea hagerekyum shetkyum zemesaekyum si amahaderti ketekonyu tesfa alekyum eritrea b eritriawi eya temahader kemzi natkyu kalei zegenet anamedekyum temahderewa keymeselokyum

  • Aya-Anbesa@yahoo.com April 24, 2012

    ኣታ ኣማኑኤል እምበር ዶ ሓቀኛ ተጋዳላይ ኢኻ ኔርካ። ካብዞም ባዕሎም ብጥይት ኢዶም ሃሪሞም ካብ ዂናት ናብ ሕክምና ዝሃድሙ ኢኻ ኔርካ መስለኒ።

Post a Reply to Gebela Cancel Reply