Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዕጡቕ ተቓዋሚ ኤርትራ ኣብ ረሀይ ዓባይ ዝተባህለ ቦታ ከባቢ ኣቑርደት ኣብ ልዕሊ ኣሃዱ ስለያ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ሓደ ካፕቴን ዝርከቦም 4 ሰለይቲ ናይቲ ስርዓት ከምዝቐተለ ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ ብሓጺር ኣሰዋውዓ ምደፍኤ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዕጡቕ ተቓዋሚ ውድብ ኤርትራ፡ ኣብ ረሀይ ዓባይ ዝተባህለ ካብ ኣቑርደት ንወገን ምብራቕ ዝርከብ ቦታ፡ ኣብ ልዕሊ 10 ዝኣባላታ መስርዕ ኣሃዱ ስለያ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ብ 12

ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ ብሓጺር ኣሰዋውዓ ምደፍኤ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዕጡቕ ተቓዋሚ ውድብ ኤርትራ፡ ኣብ ረሀይ ዓባይ ዝተባህለ ካብ ኣቑርደት ንወገን ምብራቕ ዝርከብ ቦታ፡ ኣብ ልዕሊ 10 ዝኣባላታ መስርዕ ኣሃዱ ስለያ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ብ 12 ለካቲት ሰዓት 8፡00 ምሸት ኣብ ዝፈጸሞ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ ሓደ ካፕቴን  ዓሊ ኢብራሂም ዝተባህለ መራሒኣ ዝርከቦም 4 ሰለይቲ ሃገራዊ ድሕነት ስርዓት ኢሳይያስ ብምቕታል 3 ከምዘቚሰለ፡ ኣርባዕተ ተዓጻፊ ካላሽን ምስ ምሉእ ዕጥቁ ከምዝማረኸ ኣብ ዝለኣኾ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ምደፍኤ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺኡ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ስጉምቲ፡ እቲ ውድብ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብ ከባቢ ጋሽ ባርካ፡ ኮለኔል ዶማ ብዝተባህለ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተማእኪሎም ህዝቢ ኣብ ምግፋዕን ምጭዋይን ተዋፊሮም ናብ ዝርከቡ ሰለይቲ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ድሕሪ ዘመሓላለፎ መጠንቀቕታ እዩ ተወሲዱ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እቶም ክልተ ግዜናይ መጠነቀቕታ ደብዳበ ዝተዋህቦም ሓሱሳት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ እዞም ዝስዕቡ እዮም፥

  1. ኣብ ተሰነ ዝርከብ (ኮኔሬል ዶማ) ናይ ግንባር አዛዚ ሃገራዊ ድሕነት
  2. ምክትሉ (ሜጀር ገ/ሂወት ሃንስ) ብወዲ ሾጋዕ ዝፍለጥ
  3. አብ ግርማይካ ወኪል ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት ገሬ
  4. አብ ሃይኮታ ወኪል ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት ዑመር
  5. ቅድሚ ሕጂ አብ አቑርደት ኤሜግሬሽን ዝሰርሕ ዝነበረ ሕጂ አብ ሃገራዊ ድሕነት ከም መራሒ መስርዕ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ካፒተን ዓሊ ኢብራሄም እዮም ።

ብኻልእ ወገን፡ ድሕሪ `ዚ ፍጻሜ ማለት ንጽባሓይቱ 14 ለካቲት 2016 ዓ.ም ካብ ምደፍኤ ወጻኢ ዝኾኑ ካልኦት ዕጡቓት ደለይቲ ፍትሒ፡ አብ ሞንጎ (እንገርነን ሓጋዝን) ብዘጻወዱዎ ነታጒ፡ መንነቱ ዛጊት ዘይተፈልጠ ሓላፊ  ጸጥታ ስርዓት ኢሳይያስ ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ቶዮታ ድሕሪ ምሕምሻሻ ፡ እቲ ሓላፊ ምስ ኣውቲስትኡ ከም ዝሞቱ ናይ ዓይኒ መሰካክር ብምጥቃስ ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ ሓቢሩ።

አብቲ ዕለት `ቲ ምሸት ሰዓት 7:00 አብ (ማይ ሽግሊ) ዝተብሃለ ቦታ አብ ልዕሊ ሓንቲ ጉጅለ ስለያ (ህ.ግ.ደፍ) ብ ዝተገበረ መጥቃዕቲ አዛዚ ናይታ ጉጅለ ዝነበረ ቀያሕታይ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ የማነ ከምዝሞተ እቶም ካልኦት ኣባልት ድማ ተበታቲኖም ከምዘምለጡ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

ኣብ ጽባሕ ናይዚ ስርሒት ኣሃዱታት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ናብቲ ቦታ ብምምጻእ አብቲ ከባቢ ዝርከቡ ጓሶት ከም ዝአሰረን ከምዘበሳበሰን `ዉን ኣገንዚቡ።

በዚ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ተወዓዊዑ ዘሎ መጥቃዕትታት ደለይቲ ፍትሒ፡ ርዒዱ ዝርከብ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብቲ ዞባ ብዝርከቡ ሓለፍቱ ካብ 17 ክሳብ 19 ኣብቲ ከባቢ ቀጻሊ ኣኼባታት ከካይድ ከምዝቐነየ ድማ ተፈሊጡ።

ዕጡቓት ተቓወምቲ ምደፍኤ፡ ብ 22 ታሕሳስ 2015 `ውን ንሂምቦልን ባርካን ኣብ ዘራኽብ `ሃላይ ቁሩሕ` ኣብ ዝበሃል ጎቦ ኣብ ሓለዋ ተዋፊሩ ንዝነበረ ናይ ክፍለ ሰራዊት 18ተን ስልያ ግንባርን ዕቁር ሰራዊትን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ጉድኣት ኣውሪዶም ከምዝነበሩ እቲ ውድብ ኣብ መግለጺኡ የዘኻኽር።

ምንቅስቓስ ደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ ኣብ ምወዳእታ መግለጺኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መተሓሳሰቢ፡ ሰለይትን ልኡኻትን ናይቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዱዎ ዘለዉ ግፍዕን ስቓይን ደው እንተደኣ ዘየቢሎም፡ ስጉምቲ ብምውሳድ መቕጻዕቱ ክቕጽል ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መግለጺ ንምንባብ፡ ንባብ ቀጽሉ፦

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • sara February 22, 2016

    This is the beginning of the change we are expecting. People awarness must raise. Dictatorial regime is in its edge to collapse.

  • Merhawi February 22, 2016

    This was what we expect ,if this will continue many people can join the struggle . Because young people want see action before they join the struggle.but I want to undermine the fighters to make care and identification to whom the have to attack which means our target must be to the idiot spies and generals who kill and oppressed innocent people.

    • AHMED SALEH !!! February 23, 2016

      I second to your idea . Our people’s main enemy are members of HGDF
      SELEYA (security intelligence ) that terrorized whole nation .
      Any attempt to target these mafia group sends strong message for every
      selfish coward who stand against his people interest .

  • tuam February 22, 2016

    ዝከበርኩም ጽሓፍትን ኣዳለውትን እዚ መግለጺ መደፍኤ ክትብሉ ከለኩም ኣየናይ መደፍኤ ምኻኑ እንተተነጽርዎ ግሉጽነት ምሃለዎ። ምክንያቱ ውድብ መደፍኤ ኢና ዝብሉ ጉጅለታት ቡዙሓት እዮም።ሓደ ኣብ ኡዳንዳ መደበሩ ዝገበረ ክልተ ኣብ ሱዳን ኣሎኩ ዝብል ሰለስተ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልተ ጉጅለ ዝተመቅለ ነብሲ ወከፍ ጉጅለ ካብ ሹዱሽተ ዘበዝሑ ኣባላት ዘለውዎ። ካልኦት እውን ኣብ እስራኤልን ስዊዘርላንድን ዘለዉ ኣለዉ። ስለዚ እዚ ሓበረታ ንጹሩነት የብሉን።

  • tuam February 22, 2016

    እዚ ክብል ከለኩ ንህዝቢ ዘደናግር ሓበሬታ ምኻኑ ስለዝፈልጥ እየ።
    ዝከበርካ ሓው ኣማኑኤል ኢያሱ ብእተቅርቦ ሓቀኛ ሓበሬታታት ኣድናቆት ዝረከብካ ጋዜጠኛ ኢካ። እዛ ኣውጺእካያ ዘሎካ ሓበሬታ ግን ግግይትን ኣብ ሓንቲ ንእሹተይ እንዳሻሂ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብሰለስተ ሰባት ዝተደርሰት ድርሰት ድኣ እንበር ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ፍጻሜ ኣይኮነን። ብወገነይ ስም ዝርዝር ናይ እቶም ንሰለስተ መዓልታት ደሪሶም ዝለኣኩልካ ሰባት ቅሮቅሕ ዝክእል ካብኡ ንላዕሊ እውን ሓበሬታ ክህበካ እክእል እየ እሞ ንሕዝብና ከይነደናገ በቲ ደመኛ ስርዓት ህግደፍ ከኣ ከንነዓቅ’ሲ ኣስተውዒልና ሓበሬታታት ንዘርግሕ።

  • Filmon February 22, 2016

    This can’t be a solution for our problems, do you think it could be a solution? This is old fashion system and we saw it on pfdj. Any power that came through the struggle wasn’t success, instead we saw that way of struggling put people into misery, persicuation…. now this will again lead Eritreans into unwanted situation. Personal i’m not happy with the news you putted on your website, because that’s not something good for us, we paid 100,000s for nothing, if we allow to happen this again it will be more devastating,putting bombs on roads?????? …… it can take a life of innocent people and we don’t want ……

    • AHMED SALEH !!! February 23, 2016

      Filmon
      I understand your objection based in fear from violence . But the fight
      seems against particular armed government soldiers whose aim is to serve
      and protect the junta that bled innocent lives .
      They broke our heart enough sometimes with tears of sadness and nothing wrong to observe people take matters in their hand .Somehow ,somewhere,
      someone always expected to call for action like Wedi Ali (RIP) group
      courageous deeds .

  • ኣርዓዶም February 22, 2016

    ኣብ ኢትዮጵያ ምድፍኤ ብመን ዝምራሕ ኢዩ ዘሎ !!
    ኣሰና ካበይ ኣምጺኽሞ እዚ ሓበሬታ፡ ብልክዕ ውድብ ምድፍኤ ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝወጸ ዝሓለፈ 2015 ኣፕሪል ኣፍሊጡ ነይሩ። እዞም ብስም ምድፍ ኤ ዝሽቕጡ ዘለዉ ውልቐ-ሰባት ግን ምድፍ ኤ ካብ ኢትዮጵያ ምውጽኦም ፈሊጦም፡ ብስም ውድብ ክኸስቡን ሰብ ከደናግሩን እምበር፡ መንእሰያት ምድፍኤ ካብ ኢትዮጵያ ካብ ዝወጹ ዳርጋ 9 ወርሒ ኣለዎም።

    ስለዚ እዚ ናይ ሸቐጥ ጽሑፋት ውልቐ-ሰባት፡ ዋላኵ ስርዓት ህግደፍ፡ ክፈርስ ኣዝዩ ድልየትን ድልየት ጥራይ ዘይኮነ`ውን ቓልሲ እንተ ሃለወ፡ ኣልዕል ኣቢልካ ሰባት ምድንጋርን፡ ብስም ውድብ ክትረብሕ ምድላይን ግን ዓገብ ዓገብ። ጽባሕ ዘተሓታትት ከምዘለዎ ድማ፡ ክፈልጡ ይግብኦም። ሓቒ ተኮይኑ`ውን ሓላፍነት ናይ`ዚ ዝብሃል ዘሎ፡ ክሳብ ሕጂ ብውለቐሰባት ዝተገብረ ተዘይኮይኑ፡ ብመልክዕ ውድብ ከምዘይኮነን፡ ውድብ ምድፍኤ ሓላፍነት ክወስደሉ ከምዘይክእልን፡ ይግምት።

  • Tes February 22, 2016

    This is the way to liberate from the oppressor. Yes there will be callateral damage but there is no other option but to fight. People are dying quitly every day. It is much better to die fighting than slow and painful death under PFDJ.

  • Gebru Tekhlay February 22, 2016

    Now ,that Papa Isaias started to provoke Ethiopia ,the Ethiopians will be more open to heloing Eritrean freedom fighters ,We are waiting for the real independence.

  • hp February 22, 2016

    ዑጡቅ ሓይሊ ክህሉ ግድን ኢዩ።
    ኣየናይ ውድብ ንዝብል ኣርማ ተመልከቱ። ብዝተረፈ፡ብርዒ ኢውን ትዋጋእ ኢያ።

  • Berhe Tensea February 23, 2016

    This is the best news coming out of Rritrea, Few years back, it was very dangerous to move around Agordet and Barentu, by night;
    There was a constant ambushes of military vehicles while crossing bridges..
    The people in those areas are not allowed to fire their weapons in wedding and for any reason, so that not to confuse the mesakin agheglot.
    Every one in those area knows that many armed groups are active ,
    There is no alternative other than the use of force.

POST A COMMENT