Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምንቅስቃስ መንእሰያት ንዲሞክራሰያዊ ለውጢ ስዊዘርላንድ ዝኽሪ 18 መስከረም ምስ ክብርቲ ሓፍቲ ኤልሳ ጭሩም ብሓባር ይዝክር

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 17 መሰከም.2011 ምንቅስቃስ መንእሰያት ንዲሞከራስያዊ ለውጢ ስዊዘርላንድ ዓስራይ ዓመት ዝኽሪ እቶም ምሕደራዊን መንግስታን ኣካዪዳ ንኽቅየር ዝሓተቱን ላዕለዎት ሓለፍቲ ከምኡውን ነዚ ጻዊዒት‘ዚ ናብ ህዝቢ ዘብጽሑን ተባዓት ሰብ ሞያ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ደለይቲ ለውጢን ዝተኣሰርሉ

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 17 መሰከም.2011 ምንቅስቃስ መንእሰያት ንዲሞከራስያዊ ለውጢ ስዊዘርላንድ ዓስራይ ዓመት ዝኽሪ እቶም ምሕደራዊን መንግስታን ኣካዪዳ ንኽቅየር ዝሓተቱን ላዕለዎት ሓለፍቲ ከምኡውን ነዚ ጻዊዒት‘ዚ ናብ ህዝቢ ዘብጽሑን ተባዓት ሰብ ሞያ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ደለይቲ ለውጢን ዝተኣሰርሉ ክሳብ ሕጂ‘ውን ኣበይ ከምዘለዉ ዘይተፈለጠሉን ንምዝካር ኣብ ከተማ ዙሪክ ክብርቲ ገባሪት ሰናይ ሓፍትና ኤልሳ ጭሩም ኣብ ዝተረኽበትሉ ብሓባር ዘኪሩ።

ኣብቲ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ሓፍትና ኤልሳ ድኻማ ከይጸብጸበት ካብ ከተማ ለንደን በሪራ ናብ ከተማ ጀነቫ፡ መሊሳውን ካብ ጀንቫ ናብ ከተማ ዙሪክ ንኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ናይ ባቡር ጉዕዞ ወሲኻ፡ ምሳና ክትውዕል ምብቃዓ ልባዊ ምስጋና ብስም ኩሎም መንእሰያት ነብጽሕ። ኣብዚ ዓቢ ናይ ዝኽሪ ኣጋጣሚ ብሓብትና ኤልሳ ዝቀረበ ሰፊሕ እዋናዊ መግለጺታትን ሓበሬታታትን ንኹሉ ተሳታፋይ ኣመና ዝሰሓበን ናይ ቃልሱ መንፈሱ ዘለዓዓለን ሙዉቅ ናይ ምርድዳእን ነጻ መድረኽ ተዘክሮታት ምግላጽን‘ውን እዩ ነይሩ። ብተወሳኪ ኤልሳ ዘቅረበቶ ሃብታም ተሞክርኣን ኣበርክቶ ማሕበራ፡ ማሕበር ሰብኣዊ ሓልዮት ኤርትራ፡ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ክሳብ እዚ ሕጂ ዘካይዶ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ቃልሲ ሰብኣዊ ምሰል ኣብ ኤርትራ ክኽበርን ልዕልና ሕጊ ክነግስን፡ ከምኡውን ኩነታት ኣብ ፈቀደኡ ኩርናዓት ዓለም ብሰንኪ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሕሉፍ ውለቀ ምልኪ ስርዓት ፋሕ ኢሉ ዝርከብ ኤርትራዊ ስደተኛ መብርሂ ሂባን ካብ ተሳትፍቲ ከኣ ዝቀረበላ ሕቶታት ኣዕጋቢ መልስታት ሂባትሎምን።

ብዘይካዚ እውን ካብ ሓያለ መንእሰያት ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ካብ ዘጋጥሞም ዝነበረ ኣደዳ ማእሰርቲን መግረፍቲን ኣብቲ፤ እዋንቲ ካብቶም ብቀዳምነት ትጣበቀሎምን ኪሳብ መውዳእታ ነጻ ንኪወጹ እጃማ ዘበርከተትን ተበርክት ዘላን ሓንቲ ካብቶም ተባዓት ዜይግነታዊ ሓላፍነት ዝስምዓ ዜጋ ኤልሳ ጭሮም ምኻና፡ ብዝገበረትሎም መዘና ኣልቦ ሓገዛትን ሞራልን ብልቢ ከመስግኑዋ ዕድል ብምርካቦም ሓጎሶም ገሊጸም። ብምቅጻል‘ ውን ሓደ ለበዋ ንኩሉ ኣብ ስድት ዝርከብ መንእሰይ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣቅሪቦም፡

 “ ኦ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ኣብ ከልበትበት ስደት እትርከብ ኤርትራዊ መንእሰይን  ብፍላይ፡ብሓፈሻ ንኩሉ ዜጋ፡ እዚ ዘሎናዮ ናብራ ስደት ክሳብ መኣስ እዩ ኢልና እስከ ንሕሰብ? ዘሎናዮ ኩሉ ዓይነታት መስገድላት ካልእ ሰብ ክሕብረና ኣይንጸበ። ንሕና ብዋጋናን ዋጋ ካልኦትን ኣይንጻወት። እዚ ናይ ጋይነናት ስርዓት ደቂባት ኣጥፊኡ፡ እንሆ‘ውን ሕጂ ብርስቲ መሬትናን ጸጋታቱን ይጣላዕ። እሞ ሃየ እቲ ወርቃዊ ግዜ ሕጂ እዩ ሕቶታትና መልሲ ዝረኽብሉ። ሃየ ብድምጽና፡ በእዳውና፡ ብእግርና ነድምጽ። ስቅታና እንተቀጺሉ ግን፡ ዘልኣለማዊ ስቅታውን ታርኡ ኣለዎ። ንዝበኾሩን ንተበለጸትን ኣይነማዓዱ፡ እንታይ ድኣ ስራሕን ርትዒን ንምሃሮም። ታሪኽ ሰብ ሑቡእ ኣጀንዳ ከነቃናጁ፡ ስኑድ ታሪኽና ኣይነብርስ። ዘገምታዊ ለውጢ ይኣክል፡ ሕጂ እዋናዊ ለውጢ ነበግስ! “ ክብሉ ሓባራዊ ጻዊዒቶም ብሓባር ኣቃሊሖም።

ለውጢ ይበግስ፡ ፍትሒ ክምለስ፡ ምልኪ ኪድመሰስ !!!!!!

ምንቅስቃስ መንእሰያተ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ስዊዘርላንድ

ጨንፈር ዙሪክ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • tegadalay October 1, 2011

    they look jegunanat they look sad they jast show their faice because they promise job or payment because they need to live so they have to tell some lies when they where thinking evry thing is ok in disporia then when they find out it is difficalt they have to join the opposition or any organization who can help them

Post a Reply to tegadalay Cancel Reply