ምብጻሕ ዶክተር ዳኒኤል ረዘነ ኣብ ቦስቶን (ማሳቹሰትስ)!
መስከረም (September) 28: 2015 ********* ዶክተር ዳኒኤል፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ሰነ 23፡ 2015 ኣብ ከተማ ጀነቫ ብመርማሪት ኮሚሽን ሕቡራት መንግስታት ብዛዕባ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝቐረበ ጸብጻብን ውጽኢቱን፣ ከምኡ `ውን፡ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ሰነ 26፡ 2015 ንደገፍ
መስከረም (September) 28: 2015
*********
ዶክተር ዳኒኤል፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ሰነ 23፡ 2015 ኣብ ከተማ ጀነቫ ብመርማሪት ኮሚሽን ሕቡራት መንግስታት ብዛዕባ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝቐረበ ጸብጻብን ውጽኢቱን፣ ከምኡ `ውን፡ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ሰነ 26፡ 2015 ንደገፍ ጸብጻብ መርማሪት ኮንሚሽን ብኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ዓቢዪ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ናይ ቀረባ ዓይኒ ምስክርነት መግለጺ ንምሃብ ብኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ሲቪካዊ ማሕበር (ኤኣሲማ) ብዝተገብረሉ ዕድመ መሰረት ብረቡዕ፡ መስከረም 16፡ 2015 ኣብ ኣዳራሽ ኤኣሲማ፡ ቦስቶን ብምሉእነት ኣቀራርባን ብስለት ቋንቋን ዝልለ ኣዕጋቢ ሰሚናት ኣቕሪቡ።
ዶክተር ዳኒኤል ንትሕዝቶን ውጽኢትን መርማሪት ኮሚሽን ብዕምቈት ብምትንታን፡ ነቲ ቃልሲ ንፍትሒ ኣብ ኤርትራ ዓቢዪ ደገፍ ከም ዝኾነን፣ መሰረታዊ ፍታሕ ግን ብቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝመጽእ ገሊጹ። ቀጺሉ፡ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ ኣብ ምቅርራብን ምውህሃድን ዝተኻየደ ሓያልን ድኹምን ጐድኒታቱ ብግልጺ ኣብሪሁ። ብተመሳሳሊ መንፈስ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ 29፡ 2015 ኣብ ከተማ ኒዮርክ ንኽካየድ ተመዲቡ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ብኣብነት ሓጋዚ ኪኸውን ተስፍኡ ገሊጹ።
ጸብጻቡ ድሕሪ ምዝዛም ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረቡሉ ሕቶታት ብኽፉት ኣእምሮ መልሲ ብምሃብ፣ ንዝቐረቡሉ ሃነጽቲ ርእይቶታት ጽን ኢሉ ድሕሪ ምስማዕ፣ ኣብዚ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ኣብ ኣዚዩ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ኩነታት ተገምጊሙሉ ዘሎ ተኣፋፊ ህሞት፡ ብዘይካ ብራኢ ፍትሕን ብዕላማ ድሕነት ሃገርን ተጠሚርካ ብሓድነት ምቅላስ ካልእ ፍታሕ ከም ዘየለ ተላቢዩ፡ ብውዕዉዕ ተሳትፎ ንዝተኻየደ ምኣዲ ዘተ ኣመስጊኑ፡ ሰሚናር ብሕጉስ መንፈስ ተዛዚሙ።
ኤኣሲማ
ቦስቶንን ከባብን
Ala September 29, 2015
Job well done brother Daniel Rezene,
May the young Eritrean generation follow in your and your friends sturdy and courageous footsteps. Thank you for taking the responsibility to carry the torch of justice.
Wedi Mai Abashawul September 30, 2015
Mr Warsay. Dr Daniel is an Eritrean.
Kelit September 30, 2015
im very happy to read this news. Go Dani Go. we realy love you
k.tewolde October 1, 2015
One community at a time. That’s what it takes. Let’s show the world what we are made of.
mm October 6, 2015
Dear Dr. Daniel
I know the PFDJ owned Meskerem Net has been targeting you. What can we expect from PFDJ. All I can say to you is AN ERITREAN IS A PERSON: WHO SUFFERS WHEN AN ERITREAN SUFFERS,A PERSON WHO STANDS AND MAKE HIS MARK AGAINST TYRANNY,AGAINST INJUSTICE, AGAINST THE SYSTEMATIC ANAHILATION OF ERITRIAN SOCIETY AND ERITREAN IDENTITY. TO ME YOU ARE TRUE ERITRIAN. I don’t care what your blood ancestry is. You are my brother who suffers and cries with me. You are a true a champion of justice. An Eritrean who stands up against PFDJ at a great personal coast. I hope I will see you one day in a free Eritrea, God willing. You are a generation of Emanuel Eyasu, you guys are torch bearers of hope, justice, and fidelity. My generation has been and still fighting Isayas. I am hopeful I will go home with you guys waving the flag of free Eritrea in a near future.
thank you
god bless