Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምቁዋም ኣንጻር መን!

መርፍእ ከነላግበላ ዶስ ክንናቆረላ ኢሉ ዝሓትት ምስ ራእኩ :ሓስመት መመቀሪ ኣብ ክንዲ ዝኸውን መዓርዓሪ ኮይኑ ኢሉ ዝራገም ተደሚሩዎ:እዋእ ዓይኒ እታ መርፍእ ኣብ ክንዲ ምድላይ : ሃስው ካብ ምባል ዶ ዓዲ ዶ ይወዓል ክብል ተገዲደ::እምበኣር ኩቡራት

መርፍእ ከነላግበላ ዶስ ክንናቆረላ ኢሉ ዝሓትት ምስ ራእኩ :ሓስመት መመቀሪ ኣብ ክንዲ ዝኸውን መዓርዓሪ ኮይኑ ኢሉ ዝራገም ተደሚሩዎ:እዋእ ዓይኒ እታ መርፍእ ኣብ ክንዲ ምድላይ : ሃስው ካብ ምባል ዶ ዓዲ ዶ ይወዓል ክብል ተገዲደ::እምበኣር ኩቡራት ኣንበብትን ሰማዕትን ናይ ሎሚ ጹሑፈይ ምቁዋም ኣንጻር መን ኣብትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ሃሰስታን : ርግታን ዳህሰሳን: ግምገማን : ነቲ ዝቀውም ኣካል ሽፋን ምድላይ ዘርኢ ጹሑፍ ብዓቅመይ ክድህስስ ዘዳለኹዎ ኢዩ::
እምበኣር ኩቡራት የሕዋትን ኣሓትን ኢዚ እዋን ኣብ ዓይነቱ ሓደ ኡኳ ተኮነ ውህበቱ ካብ ካልእ እዋን ፍሊይ ዝበለ ኢዩ::ገሊና ኤርትራውያን ኣብክንዲ ኣኽበርቲ መንነት ዓደልቲመንነት ተቀይርና::እዚ ቅድመሳዕበኑን ጠንቁን ምዝራብ ነቲዘህሰሶ ሕብሪ ምርኣይ ከድልየናኢዩ::ኢዚ ድማ ኢዩ ንተቃወምቲ ተቃወምቲ ኣንጻር መን ተቃወምቲ መን የሕምቆም: ህግደፈውያን ዶስ ኣግኣዘናውያን ክብል ዘገደደኒ::ኤርትራዊ ነዚ ርድኢት ሒዙ ዝጋዓዝ : ኢቲ ክሪኦ ተደፊኑዎ ዘሎ ናጽነት መን ኣምጺኡዋ ዝብል ሕቶ ኢዩ::
ህ.ግ ዶስ ህዝቢ ኤርትራ? ኣብዝብል ጋእታ ፈጢሩሉ ይርከብ ኣሎ::ኣቀዲምና ክንፈልጦ ዝግበኣና ነገር ህ.ግ  ካብ ህዝቢ ኤርትራ ነጺልካ ምርኣይ ጌጋ ኢዩ::ከም ውድብ ዘይኮነ ከም ህዝቢ ክንርኦ ተፈትና ማለተይ ኢየ:: ብኻልእ ኣዘራርባ ርዲኢትና ህ.ግ  ባዕዳውያን ኢዮም  ንብል ኣለና ማለት ኢዩ::ህ.ግ ከም ኣካልን ውላድ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮኑን ንብል እንተደኣ ሃሊና ኮይና ማለተይ ኢየ:: ነዚ ሙጉት ከኣ ዝቅበል ከስዐ ክህልወና ኣይክእልን ኢዩ:: እቲ ከነስምረሉ ዝግበኣና ህዝባዊ ግንባር ኣካል ጥራሕ ዘይኮነ ውላድ ህዝቢ ኤርትራኢዩ::ከም ውድብ ጌጋታት ክህሉዎ ይኽእል ኢዩ::ንሱ ግን በይኑ ከምናጽነት ኤርትራ ዘምጸአ ገርካ ምርኣይ ከኣ ካብቲ ኻልእ ብዘይፍለ ጌጋ ኢዩ::እቶም ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎምን ገለ ጉሩሃትን ፈራሓትን ናብ ህ.ግ ዝቀርቡ ዘለው መሲሉዎም ናብ ህግደፍ ቀሪቦም ሓሲር ምስ ተነጽፈሎም ኣኺሉ ዝመስሎም ንነብሶም ከምደቂ ገዛ ቆጺሮም ኣብ ካንሸሎ ኮይናም ዝኣቱ ይሑሉው ኣለው::
ህ.ግ ውድብ ኢዩ::ታሪኹ ድማ ታሪኽ ኤርትራ ኢዩ::ህ.ግ መን ኢዮም ተባሂለ ተዝሕተት ኣነ : ህ.ግ ንዓይ ኤርትራውያን:ንናጽነትዝተቃለሱ ከም ካልኦት ውድባት: ኢዚ ማለት ን ተ.ሓ.ኤ ገሊለያ ውይ ፈሊየ ክሪኣ ስለ ዝደለኹ ኣይኮነን::ኢዚ ድማ ኩሉ ክርደአለይ ይላቦ::ሓድጊ ዝገደፈ ከም ዝሞተ ክቆጽሮ ኣይክእልን::ተ.ሓ.ኤ ኣደ ኢያ ህ.ግ ድማ ውላዳ::ምስቲ ኣርእስተይ ክወሃሃድ ስለ ዘለኒ ድማ ናብ ህ.ግ ክድህብ ንሕጂ::ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ከኣ ከሎም ንናጽነት ኤርትራዝተቃለሱ ኢዮም ስውኣትን ህልዋትን :: ህ.ግን ዓይኤስያስ:ሃይለ:ማሕሙድ:ጀርማናኖ:
ቢተወደድ:ዑስማን:ሳልሕ ወዘተ … ኢዮም::ነዚኦም ትፈሊ ሚሔን መንፊትን ድማ ድሕረ ረፈረንደም ዝተተኽለት ሳንዱቅ ስለዘላ ምስቲፍርዲ ክማጎት ይግባይ ክሓትት ኣይክእልን:: ኦ…የሕዋት ኢዚ ህዝቢ ድምጹ ኣይ ኣስመዕን ዲዩ:እወ ንናጽነት ኣይበለን ዲዩ:ብ ዓብላሊ ድምጺ 99% እው ኡኮ ኣድሚጹ ኢዩ::ኣይ ኣድመጽናን ተኾይኑ እቲሞጎት ነዚ ክንቅይሮ ኣይንኽእልን ኢና::ሕጂ ዝስማዕ ዘሎ ነፈጻን ጃጃነትን ስለምንታይ??ምስ ደቂ ኣቦኻዶ ምስ ደቂ ሓትነኻ ዝብል ምርጫ ከድናግረና ዘኽእሎ ኢቲ ግዜ ምንዋሑ ዲዩስ ዕድልምጽባቡ::ኢዛ ሃገር ኣሸሓት ሙሩጸ ሙሩጻት ኡኮ ወሲዳ ኢያ:: ሕምቀትና ሕልናና ክንሸየጥ ተሓቲቱን ብሽውሃት ክንግዛእ ኣይግበእን:: እምበኣር ህ.ግ  ኤርትራዊ:ኤርትራ ድማ ኤርትራዊት ኢያ::
ኢዚ ሕጂ ዘጃጅወና ዘሎ ነቲ ኣነ ኢየ ህ.ግ ንሶም ኢዮም ሸየጥቲ ሃገር ዘስምዕ ካባ ከልብሰና ዕድል ኣይንሃቦ ጥራሕ ዘይኮነ:ንክሓልሞ ሽግ ዳሜራ ኣብ ዝናኽሰሉ : ናይ ክብሪ ዑዱም ኢልና ከነቅርቦ ኣይግባእን::ኢቲ ፍርዲ ድሕረ ናጽነት ደኣ እምበር ቅድመ ናጽነት ዝነበረ ኣብ ሕቶ ክኣቱ ውን ኣይግባእን::ቃልሲ ንናጽነት ኣድሚጽናሉ ኢና ብ ኣርባዕተ ነጥቢ ተዘዛዚሙ ኢዩ::ንዲሕሪት ኣይንመለስ:: ኢዚ ድማ ኢዩ ምቁዋም ኣንጻር መን! ሃሰስታን : ርግታን : ዳህሰሳን: ግምገማን ዘድሊዮ ኡዋን ኢዩ ኢዚ እዋን ዘበለኒ::
ኢዚ ዚስዕቦ ሕቶ ድማ ኣብዚ ቅንያት ምስ’ዚ ሓዲሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ጎሮበት ሃገረ ኢትዮጵያ ዝኾነ ኣቢ ኣሕመድን ናይ ሰላም ካርድ :ንቡዙሕ ክደናገር ዝደሊ ደኣ እምበር ንቡዙሕ ከደናግር ዝኽእል ኡኳ ተዘይኮነ ኮፍ ኢልካ ምዝራብ : ምልዛብ ተጸሊኡ ኣይመስለኒን:ግን ከኣ ኢዚ ዝተኸፍለ ዋጋ ዝወሰዶግዜ ዘስዓቦ ክሳራ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ኢቲ ምርጫ ኩሉ ኤርትራዊ ብዘይ ቅድመ ኩነት ዶብ ክሕንጸጽ ኣለዎ ክብል ኢዩ ዝግባእ::እቶም ኣብ ደገ ዘለና ተቃወምቲ ልዕለ እቶም ኣብ ውሽጢ ዘለው ተበለጽቲ ካብ ናይ ዶብ ምሕንጻጽ ተጠቀምቲ :ንሕና ኢና:: ኢዚ ከኣ ኢዩ ጾር ህዝቡ ዝተሰከመ ተቃዋማይ ዘስምየና:: ንኽብሪ ስውኣት ደበስ ንህዝብና ሞሳ ውን ሰለዝኾነ::ብኻልእ ኣዘራርባ ጽልኢና ኣብ ልዕሊ ዘሎ ምሕደራ ማለት ጽልኢ ኣብ ልዕሊሃገርን ህዝብን ክመስል የብሉን::እዞም ንመግዛእቲ ንናፍቅ ሰባት ግዜ ደርጊ ኮነ ሃይለስላስ:ወላውን ጣልያንን:ኢንግሊዝን : ዕድመ ባዕዲ እምበኣር : ረፈረንደም ኣግሂዱዎ ኢዩ እሞ:ነዚ ዘሎ ሽግር ለጠፍ ኣይትኹኑዎ::
ኢቲ ዘገርም ነገር ስለምንታይ ኢትዮጵያ ዝተሓላለኸ መንገዲ ይመርጹ ኣለው ኢልና ክንሓትት ኣለና ይመስለኒ?
ንስላም ስለዝደልዩ ዲዮም?
ኢቲ መልሲ ናይ ሰላም ምድላይ ኣይኮነን::እንታይ ደኣ ኣብ ዝተናወሐ ጸቅጢ ምንባር  ድኺምቲ ኤርትራ ዝተበታተነ : ሕብረተሰብ ዘለዋ ሃገር ምርኣይ ስለዝበሃጉ ኢዮም::ብ ኣንጻሩ ተኾይኑ ብልዝብ ስለዘይተኻእለ ደይኮነን ናብ ኩናት ኣምሪሕና ::እዚ ማለት መንግስቲ ህግደፍ ብጽእ ኢዩ ማለት ኣይኮነን::ሕጂ ድማ በቲክንቅየደሉ ኢና ዝበልናዮ ውሳኔ ክኽበር ዘይ ግብኦ ስለምንታይ? እዚ ምድንጏይ ንጉጅለ ህግደፍ ሓገዝ ደኣ እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ኣይጠቅሞን ሙኻኑ ጎሮበትና ዝኾነት ኢትዮጵያ ክትፈልጥ ይግባእ::ብዘይ ወዓል ሕደር ዶብ ይተሓንጸጽ : ብድሕሪኡ ከምሻቡ ህዝቢ ክጫኖ መኻኑ ዘይ የማትእ ሓቂ ኢዩ::ዶብ ስማዊ ክኸውን ክልቲኡ ወገን ጉልባቡ ቀሊዑ ኢጂጊኡ ሰፍሲፉ ንትግባሪኡ: ቁርብነት ኢዱ ከርኢ ጻዊዒት ተቃወምቲ ክኸውን ይግባእ::ለባጭ ሙኻን ብደም ስውኣት ምቁማር እምበር ምቁዋም ኣይ የስምዕን::
ኢዚ ዘስዕቦ ስንስለታዊ ሕቶታት ክንርኦ ንፈትን:: ከምዝመስለኒ ጎዳጉዲ ክበዝሕ ምስ እትሪኢ ፍግረ ሜሬት ከኸትል ምኻኑ ከነስተውዕል ይግባእ::ኢዚ ድማ backup plan ካለኣዊ መደብ ኣዳሊናን ተዳሊናሉን ክንጸንሕ ኣድላይ ስለዝኾነ
ድሕረ ዶብ ምሕንጻጽ’ከ?
ድሕረ ቅዋም ምንዳፍ’ክ?
እዚ ክሳብ ዝኸውን እንታይ ክንገብር ይግባእ?ዝብሉ ሓያሎ በድሆታት ዝሓቆፋ ሕቶታት ኣለዋ::ንኣብነት reconciliation(ዕርቂ) ክፍተሽ ካብ ዝግበኦ ሓደ ኢዩ::ዶብ ተሓንጺጹ ምስተሰምዐ ድሕሪ ቡዙሕ ጃህራን  ኮቦሮን:እዚ ናይ ዶብ ዘስዓቦ ዕንወት ክሳብ ንሃንጾ ግዜ ከድልየና ኢዩ ክብል ሙኻኑ ከሉና ተዳሊናሉ ክንጸንሕ ይግባእ ወይ ምቱኹታኽ ወይ ካልእ ምስምስ ምቅራብ ከም እገዳ ኣለና ወዘተ… ስለዚ ህዝቢ what is next ክብል ይግባእ::
ገለ ካብቲ ዳህሳስ ክንገብረሉ ዝግበኣና :ንሕና ተቃወምቲ ዶብ ክሕንጸጽ ቁዋም ክትግበር ጸውዕና:
ኢዚ እንተደኣ ተፈቲሑ ብድሕሪኡ ክንቃወም ዲና?
ኢቲ ስክፍታ ዘሎ: ኢቲ ሙቁዋም ከም ባህሊ ዶስ ከም መትከል?
ምቁዋም ብስሚዒት ዶስ ቢርዲኢት?
ነዚ ኣብ የእሙሮና ብ ኸመይ ኣስፍርናዮ ንርከብ?
ዲሕሪ ዶብን:ቁዋምን ኢዚ ሕጂዘሎ ስርዓት ኣብ ሃገርና ብ ኸመይ ክንርኦ ኢና?
ምስ መጸ ነርክበሉዝበሃል መልሲ ኣዕጋቢ ኣይኮነን ኩቡራት የሕዋት::
ክብዚ ኣርእስቲ ቡዙሕ ከይ ረሓቅኩ ነዚ ኣርእስቲ ክፍትሽ ዝደረኸኒ ምኽንያት ከብርህ ኣፍቁዱለይ::
ቡዙሕ ግዜ ሓቲተ ዘዕግብ መልሲ ዘይ ረኸብኩሉ ሑቶታት ኣሎ:: ገለ ካብኡ ድማ (ሽም ይመርሕ ጡዋፍ የብርህ ዝብል) ምሳለ ኣቦታት ተጠቂመ ካብ ካልእ ብሽምካ ክትፍለ:ንፍትሒተኾይኑ ሽም ቃልስኻ ፍትሐኛ ክትከውን ንደሙክራሲተኾይኑ ሽም ቃልስኻ ደሙክራሲያዊ ክትከውን : ንሓርነት ተኾይኑ ሽም ቃልስኻ ንሓርነት ደቂ ሰባት ክትኣምን ወዘተ… :: ኩሉና ከም ንፈልጦ ኣብ ዝሓለፈ ኡዋን ቃልሲ ንናጽነት ኣብ ዝነበረሉ ኡዋን ኩለን ውድባትና  ኣስማተን (ተ.ሓ.ኤ: ህ.ግ.ሓ.ኤ ን ካልኦትን ) ኣስማቶም ንሓርነት እምበር ንናጽነት ኣይነበረን ::ቃልሶም
ን ናጽነት ክንሱ ሽሞም ግን ንሓርነት እምበር ንናጽነት ይጽውዕ ኣይነበርን::ከምዝፍለጥ ሓርነትን ናጽነትን ከልተበበይኖም ትርጉም ኣለዎም::ኢቲ ቃልሲ ንሓርነት ተደኣ ተባሂሉንምንታይ ደኣ ንቃለስ ኣለና!እቶም ቃልሲ ትማል ንናጽነት ቃልሲ ሎሚ ንሓርነት ንብል ሰባት ኢዚ ሕቶ ንዓና ኢዩ?ቃልሲ ትማልን ሎምን ጽባሕን ንጻረ የድልዮ ኣሎ::ብሃውሪ ምኻድ ልሙድ ባህሊ ኮይኑ : ድልየትካ ሽም መሪጽካ ምኻድ ዕድመን ዕድልን መንእሰይ የባኽን ከምዘሎ ክንፈልጥ ይግባእ::ኢዚ ማለት ኣስማት ወሳኒ ኢዩ ሽምካ : ዕላማኻ ስለዝኾነ ኣፍካን ግብርኻን በበይኑ ክኸውን ኣይግባእን::እዚ ክብል ዝደረኻኒቀንዲ ምኽንያት ንቡዙሓት ሓቲተ ዝሃቡኒ ምላሽ ንሕና ጸላኢ ካብ መሬትና ምውጻእ ኢዩ ነይሩ እቲ ሕልሚና:እምበር ንኣስማት ሓሲብናሉ ብዙሕ ግዲ ገርናሉ ኣይነበርናን::ኢዚ ድማ ኢዩ ነርክበሉ ኢና ዕላማና ንናጽነት ጥራሕ ኢዩ ነይሩ ዝብሉ ቡዙሓት ክሳብ ሕጂ ዘይየስተውዓሉሉ ከም ዘለው ውን ይፈልጥ::እዚ ከደናግረና ዘምጻኩዎ ዘይኮነ ደሓን ነርክበሉ ኢና ክንብል ኣይግበኣናን ክብል ስለ ዝደለኹ ኢዩ::ኪኒዮ ስግር ዳህሰሳ :ተፍቲሽ ክንገብር ይግባእ::ኣብዚ ኣርእስቲ ቡዙሕ ዝበሃል ኡኳ ተሃለወኒ ንሕጂ መስተውዓልቲ ንኹን ቅድመ ምዝላልና መዕለቢና ክንርኢ ይግባእ::
ናብ ኣርእስተይ ክምለስ ድሕሪ ቁዋም :ድሕሪ ዶብ እንታይ ዝመስል ስርዓተ ምቁዋም ንነድፍ ኣለና?ኣበይ ኢዩ እቲ ዕርድና ክንፈልጥ ውን ይግባእ::
ግምገማን ስርርዕን ኣብ: ብውሕዱ ከሰማመዓካ ዝኽእል  ናይ ሓባር ረቃሒ ጠሊልካ ምስራሕ ክፍተሽ ኣለዎ::ተፈትኑ ኢዩ ኢልካ ኢድካ ካብ ምሃብ ንቆጠብ::
ሕጂ ውን ኢዚ ዘስዕቦ ሕቶ ኣብ2008 ኣብ ፓልቶክ ዝጋዋሕ ዝነበረ ናይ ክልተ ካብሚእቲ (2%) ኢንፊጂን ምኾነትና ዶ ነይራ ኢለ ክሓትት ግዜ ኣይወሰደለይን:ንምድንጋር ከይመስል ደኣእምበር : ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ ሓዊ ምንዳድ ዝነበረ ቃንዛ ኣብቲሽዑ ኡዋን ክትፍውሽ ከቢድ ኡኳ ተነበረ ::ልክዕ ኢዩ 2% ጥቅሙ ኣብ ጁባ ህግደፍ ሰፍ ዘይብል መኽሰብ ተሃለዎ ንተቃወምቲ ኸ ጥቅሙ ብዘይ የማትእ ዑዙእ ምኾኖ ነሩ ይብል :: ኢዚኣ ዝሰሓትናያ ንመስል::ኢዚ ከብለኒ ዘኽኣሎ ቁሩብ ከብርህ::
2% ጥቅሙዶ ጉድኣቱ ይበዝሕ ንርኣዮ::
ነቲ ዝስንከለ ብሕማም ከይተደነስ:ነቲ ዝን ዝበለ ሕልንኡ ከይ ረሽሽ ገና ክሚስታ ከይተረኣዮ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ክትሪኦ ከለኻ  ዘመዝገቦ ዓወታት ክትዝርዝሮ ይቀልል ::በቲ ዘሎ Resources ተጠቂምካ ነቲ ታህዋስ ከይራእካ ክትፈርድ ይድርኸካ ይኸውን:ግን 2% ካፍልካ ሓርነት ክትእውጅ ዝነበረ ተኽእሎ ከም ዘቅሃምናዳህሳስ ዘዘውትር :ንቅሓት ዝውንን ተነባይ ወይ ባዓል ራእዪ(visionary ) ኣይተረኽበን::
ኢዚ ሳሬት ዓለባኣ ዝዘርገሐትሉ ኩርና ብቀሊሉ ዕላማ ኮይኑ [2%]ነዚዓማጺ ዝኾነ ስርዓት ንህዝብና ዝጭፍጭፎ ዘሎ ብገንዘብና ህዝብና ክንጭፍጨፍ ኣይግበኣናን ብዝብል ቁኑዕ ሕልና ዝውንን ኣካል:ዝተጋገዮ ዝመስል ግን ከኣ ኣብ ገሊኡ ጉድኣት ዘስዓበ ኢዩ ነይሩ::ኢዚ 2% ምኽፋል ምድጋፉ ዕቃበታት ኡኳ ተሃለውኒ:ንሱ ከፍልካ ሓርነት ንምእዋጅ ዝነበሮ ተኽእሎ ኣዚዩ ሉዑል ኢዩነይሩ መበሊየይ:
1/ኢዚ ስርዓት ኩሉ መሓውራት መራኸቢ ብዙሃን ዓጺዩሉ ኣብ ዘለወሉ ኡዋን ንሕና ነቲ ንደልዮ ዕላማን ሓቤሬታን ከፊልና :ሰብ ሰሊኹ በቲ ቋንቆኦም እንዳ ተዛረበ ደረጃ ንቅሓት መንእሰይት ኮነ ስድራበት ንኸይይዋሳእ ዕድል ኣቅሂምና::
2/ ኢዚ ህዝቢ ከምዚ ተፈላልዩዎ ዘሎ ኣይምተፈልየን 2% ዝኸፍል ደጋፊ :ደጋፊ ድማ ወዲ ፍሉይኣውራጃ :በዓል ትካል/ገዛ/:ፍሉይ እምነት ወዘተ…::መንኢዩ ናቱ መን ኢዩ ዘይናቱ ክፈልጥ ኣኽኢሉዎ::ኢዚ ስርዓት ህ.ግ ዝመስሎ ጉጉያ ውን ፈጢሩ::ብልክዕ ህ.ግ (ሃይለ ዱሩዑን:ማሕሙድን :ቢተወደድን :ካልኦትን ዶስ ሓጎስ ክሻን የማነ ማንኪንካልኦትን)ዝብሉ ገጋታት ውን ፈጢሩ::
ኢዚ ከፊልና ነቲ ስርዓት ሰሰሊኽና ክንቃለሶ ተኽእሉኡ ኣዝዩ ልዑል ኢዩ ነይሩ::ብ ኣንጻሩ ሕጂ 2% ተዘይከፊልካ ተቃዋማይ :! ተኸፍልካ ድማ ደጋፋይ እንዳ ተባህለ ምስ ሓኸለ መዓናጡ ከይሕወስ ተገዚቱ : ኣብ ናይ ጽባሕ ዘይኮነ : ንህዝብና ኣብ ናይ ሎሚ ከይንርኢ ብርሃን ተጋሪቱዎ ይርከብ::ኢዚን ካልእን ተደማምትሩ ውህበት ኣኽረርት ዓዲሉና:: ኣብዚ ናይ ሎሚ ጹሑፍ ከም ኣብነት ብኣግኣዝያን ዝፍለጥ ምንቅስቃስ ንርአ::
ኣግኣዛውያን ንገለ ዝባህረሩዎ ተጻዋርነት ዘይየዕበየ ሰብ ልቡክምለስ መታን ገለ ሓቅታት ፈይ ከብለሉ::መጀመርታ ቅድመ ብሽራት ትቅበል ተጻዋርነት ኣዕቢ ኢየ ዝብለካ:ንቃንዛ ብተጻዋርነት እምበር ብ መድንዘዚ ክትሓልፎ ኣይትድለ ሳዕበን ክህሉዎ ስለዝኽእል::
1- ንደሙክራሲ ንቃለስ ተደኣሃሊና ኮይና ንኩሉ ዝኸውን ሕቆክህልወና ይግባእ::መሰል ናይሓሳባትካ ምግላጽ ክንኣምነሉ ኣለና::ንሕና ንዝመጸ ርእቶ ክንብድሆ ክንጽዕር ደኣ እምበር ብዝኾነ ርእቶ ነጽላና ኣልዒልና ካብቲ ኣሬባ ክንሃድም ኣይግበኣናን::
እምበኣር ናብቲ ዛዕባይ ክምለስ::ካብቲ ንመራሒ ኣግኣዝያን ብቀረባ ዝፈልጡዎ ሰባት ዝረኸብኩዎ ሓቤሬታ ከምዚ ይመስል:: መራሒ ኣግኣዝያን መስራቲኣን ዝኾነ ንግዝይኡ ተስፋጽዮን ንበሎ::ተስፋጽዮን ኣብዚ ኣነ ዝነብረሉ ከተማ Bay-area Oakland  ይነብር ከም ዝነበረ ድሕሪ ምፍላጠይ ሓቤሬታ ክእክብ ተገዲደ::መስራቲ ኣግኣዝያን ዝኾነ ተስፋጽዮን::መጅመርታ ተስፋጽዮን ሽሙ ከም ዘይኮነ ፈሊጠ::
ቀጺለ ኣወጻጽኡ ካብ ኤርትራ! ቅድመ ኩሉ ተስፋጽዮን ታሪኹን ሕማቅ ግብሩን ነዊሕ ኢዩ ተዓዊቱሉ::ኩሉ ክዝርዝሮ ኣይደሊንምኽንያቱ :ኣሰካፊ ምስ ባህሪ ሕብሬተስብና ዘይ ከይድ ስለዝኾነ:: ቁሩብ ንመረዳእታ ዝኸውን ግን ከብርህ::
ናይ ሕጂ ተስፋጽዮን ተጋደላይ ህ.ግ ኢዩ ነይሩ::ከም ወተሃደር ናይምጥያስ ዕድል ረኺቡ ተጣዪሱ::ቀጺሉ በቲ ናይ መጣየሲዝተዋህቦ ገለ ውሱን ገንዘብ ሒዙ ናይ ሕትመት ትካል ክኸፍት ይሓስብ እሞ ነቲ ዝነበሮ ገንዘብ ስለዘይኣኽሎ ካብ መንግስቲ ገንዘብ ይልቃሕ: በቲ ገንዘብ ድማ  ትካል ኣብ ከባቢ ኣስመራ ይኸፍት::ተስፋጽዮን ኢቲ ትካል ከምቲ ዝድለ ስለ ዘይ ከደሉ ዕዳ መንግስቲ ክከፍል ድማ ስለዝነበሮ  ካብ ገለ ሱንኩላን ዝተጣየሱ ተጋድልቲ ወለድ ገረ ገንዘብኩም ክመልስልኩም ኢሉ ብዝብል ካብኡም ገዘብይልቃሕ: ብቲ ገንዝብ ድማ ዕዳ መንግስቲ ይሽፍን ነበረ : ቀጺሉ ንትካሉ ሽይጡ : ገንዘብ ሱንኩላን ከይመለሰሎም ናብ ዓዲ እንግሊዝይስደድ:: ብድሕረ እዚ ናብ ሑቡራት መንግስታት  ብ መርዓ ይምጽእ እሞ:  ኣብዚ ዝተፈላለየ ገበናት ይፍጽምሓድ ካብኡ Domestic violation:ከም ዝነበረ ይፍለጥ:ኢዚከኣ ምስቲ ካልእ ተድማሚሩ ናይ Deportation ምስጋግ ዕድል የጋጥሞ: ናይ ኢንግሊዝ ዘግነት ውይcitizen ሰለዝነበሮ ናብኡ ይሱጎግ::ከም ዝስማዕኩዎ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ድማ ብ ገበናት ከም ዝተኸሰ ይፍለጥ::ኣብዚ ውን ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢድ ስለዝነበሮ ምጥፍፋእ ገሩ ከም ዝነበረ ይፍለጥ::ኢዚ ዘምርሖ ሕቶ እምበኣር
ስለምንታይ ኣግኣዝያን ዝብል መርዚ ኣብዚ እዋን::ስለምንታይ ከ ኢዩ ኢዚ ኩሉ ስክፍታ?
ተስፋጽዮን ኣብ ኩሉ ዝዝርግሖ ቪድዮ ዘረብኡ ተዋቃዓይ : ኣብላዕሊ ዝበላ ኣብ ታሕቲ ክፍርሳ ኢዩ ዝረአ:ኢዚዘርእዮ እምበኣር foundation ዘይብሉ ምንቅስቃስ ሙኻኑ ኢዩ::
ተስፋጽዮን ልዕሊ 4 ሑዱር ሕማማትዝውንን ሰብ ውን ኢዩ:ብከኒና ዝጋዓዝ ሰብ: ድሕረይ ሳዕሪ ኣይ ትብቆላ ዝዓይነቱ ኣካይዳ ውን ኢዩ::ሰለዝኾነ ድማ ኢዩ ኢት ዝበዘሐ ህዝቢትግርኛ ኮነ ክርስትያን ክስዕቦ ዘይከኣለ::እዚ ቀደም ውን ተፈቲኑ ኢዩ ትግራይ ትግርኛ ኣይሰለጠን::እንትርፎ እቶም ገራሃት ካልእ ክስዕቦ ኣይክእልን::
እዚ ዘግህዶ ሓቂ እምበኣር ደረጃ ንቅሓትናን ጽንዓትናን ኢዩ::ሙዕሩይ ዝኾነመስሬት ዘይቡሉ ከስርሕ ኣይከልን ኢዩ::ንከምዚ ዓይነት ቡዙሕ ቱኽረት ሂብካ ኢዞም እምነት ዶስ ኢዞም ቢሄር ዘስምዕ ፍርሓት ክጎብአና ኣይግበኦን:: ንጸላኢኻምንዓቅ ዘይኮነ ጸላኢኻ ምፍላጥ ይግባእ::ጸላኢና ኣብዚ ኣርእስቲ ንቅሓት ዘይ ምውናን ኢለና ክነስምረሉ ይግባእ::
እዚ ድማ ናብ ግምገማን ንቅሓትን ክንርኢ ይድርኸና ኢዩ::
ነቲ ድኽመትና ክንፍትሽ ጸላኢና ዝኾነ ስርዓት  ገለ ካብ ሱግሙ ንምዘን::
ኢዚ ሕጂ ንርኦ ዘለና  ብዝሒ ባዓላትን ንዑኡ ዘማዕርጉ ስነጥበባዊ ስርሓትን ብፍላይ ደርፊን ድራማታት ቱኽረት ሂቡ ይሰርሓሉ ኣሎ :እዚ ከኣ መብዛሕቲኡ መንእሰይ ሕጂ ጂሆ ተታሒዙ ይርከብ ::ኢዚ መንእሰይ ንደርፊ ክብል:ማእዝኑ ከም ዝስሕት ኣዳዕዲዑ ፈሊጡዎ: ነዚ ድማ ዘይእደን ግዜን ገንዘብን ኣፍሲሱሉ ክሰርሓሉ ይርከብ ኣሎ::
ካብ ዚ ናቱ ሱግሚ ንመሃሮ ተሊዩ ነቲ ኣብ ብሬታዊ ቃልሲ ዘዕወቶ ዳህሲሱ ኣምጺኡዎ::ኣብ ብሬታዊ ቃልሲ እንታይ ኣስሪሑና ዝብል ብልክዕ ዘስትውዓለ ኢዩ ዝመስል::ንሕና ድንበተቃወምቲ እዚ ግምገማ ድህሰሳን ከም ኣምር ክነተኣታትዎን ክንዝውትሮን ይግባእ::እዞም ብጽላሉ ዝተለኽፉ ላንጋ ላንጋ ኪዱዎም ግን ንዕኦም መሲልኩም ስበኹ ንበሎም::ነቲ ሓቂ ሒዝኩም ነቲ ዝኣተኹሙዎ ሓድሽ ገዛ ባርኹዎ::ኣብ ውሽጦም ኮይንኩም ነቲ ሓቅታት ኣብርሁዎ ክንብሎም ይግባእ ::
ኣብ መወዳእታ እምበኣር ንመን ኢና ንቃወምን ምስ መን ኢና ንቃወምን ምስ መን ኢና ንቃለስን ንመን ኢና ንቃሎሶን ክንፈልጥ ዳህሳስን ግምገማን ሃሰስታን ርግታን ነቲ  ጉዕዞና ክንፍትሽ ኡኹል ምጣነ ግዜ  ረኺብና ኣለና እሞ ንስራሓሉ::
ሓውኹም መሓመድ እስማዒል
ኦክላንድ ካሊፎርንያ
ሰነ 2018

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • meretse June 8, 2018

    Forgive me if I am mistaken: your article deserves rewriting.

    • Simon G. June 9, 2018

      Thanks for saving my time Meretse!
      መሓመድ እስማዒል:
      ዘይከውን ጥውይውይ ኣይትበል። ህግደፍ ‘ዩ ጸላኢ ኤርትራ። ኣትሪርካ ርገጽ።
      don’t try to excuse, just say it. Damp HGDF. The owner of the barber shop, K-Fly, you work is adamant hgdf. Tell him to fuck himself up and quit from that place.
      Quit and detach from that place. He is an ignorant nHNa-nSu.
      If not, don’t try to write this jibrish articles.

      • k.tewolde June 9, 2018

        Take it easy Simon,if you are a basketball fan congrats for your hometown GSW,they brought their brooms to the house.That said,I am all ears to whoever wants to speak regardless of their position,however,this writer takes you on a roller coaster ride and leaves you hanging upside down somewhere in the line wondering,is this the destination? at this juncture of the journey,at this season of Eritrean politics,at this critical stage of our nation..you better have a clear stand and know how to articulate that.I wonder how many of us out there possess this outlook? could this be one of the reason why the tyrant sleeps 9+ hours in his resort?

        • Simon G. June 10, 2018

          Hey kt,
          Sorry, I maybe a little harsh on this. The writer’s articles are so long and confusing, at lease to me. It would have help him if he makes it shorter and also make himself clear on where he stands.
          If they don’t know where they stand, better not to write.
          BTW, thanks on the GSW! 🙂

  • Mohammed ismael June 11, 2018

    Simon G and k. Tewolde
    የቀንየለይ ስለቲ ርእቶኹም ብ ጣዕሚ የመስግን::እዚ ዝብሎ ዘለኹ ሓደ መዓልቲ ክረኣየና ኢዩ::ምናልባት ግዜኡ ሰለዘይኮነ ኢዩ ዝኸውን::
    ስለምንታይ ኢልካ ምሕሳብ ነዘውትር ጥራሕ ኢየ ዝብል?

  • Mohammed Ismail June 12, 2018

    Thank you all.

Post a Reply to meretse Cancel Reply