Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህቡባት ደረፍቲ ሃገርና ምስ ውጹዕ ህዝብኹም ወግኑ

ኣብዚ እዋን ሓጋይ፡ ገለ ካብቶም ህቡባት ደረፍቲ ሃገርና፡ ዜነብ በሽር፡ ዳዊት ተኽለሰንበት (ዳዊት ሽላን)፡ መለኪን ኣቶንበን ዮውሃንስ ትካቦን ካብ ኤርትራ ናብ ኣሜሪካ መጺኦም፡ ንደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ብምዝንጋዕን ብምልሃይን፡ እቲ ስርዓት ሞራላዊ፡ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ደገፍ ከም

ኣብዚ እዋን ሓጋይ፡ ገለ ካብቶም ህቡባት ደረፍቲ ሃገርና፡ ዜነብ በሽር፡ ዳዊት ተኽለሰንበት (ዳዊት ሽላን)፡ መለኪን ኣቶንበን ዮውሃንስ ትካቦን ካብ ኤርትራ ናብ ኣሜሪካ መጺኦም፡ ንደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ብምዝንጋዕን ብምልሃይን፡ እቲ ስርዓት ሞራላዊ፡ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ደገፍ ከም ዝረክብ ይገብሩ ኣለዉ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • belay nega July 17, 2013

    “ህቡባት ደረፍቲ ሃገርና ምስ ውጹዕ ህዝብኹም ወግኑ”

    መን እዩ እቲ ውጹዕ?
    For your information this guys they know what they are doing,they are sticking with the better evil.They cannot afford to cooperate with under nationalists “WIN TO LOOSE” oriented.

    • Samuel kahsay July 17, 2013

      በላይ ብላይ ህግደፍካ እንታይ ጸላኢ እድልይዋ ባዕላ መቍቅብራ ትፍሕር ኣላ ተመሊስካ ዳሕራይ ኣጋግዮምና ክትብል ኢካ

  • Mesinas July 17, 2013

    ድምጻውያን ሃገርና!

    ድምጻውያን ኤርትራ ዓቢ ንእሽቶኹም
    ንስኻትኩም እኮ ጓሶት ህዝቢ ኢኹም
    ብምልኪ ክሳቐ ኣብ ማሕዩር ህዝብኹም
    ፍንጭራዕ ክትብሉ ልግዐኡ ሰቲኹም
    ብጓይላን ደበላን ተጥፍእዎ ኣለኹም!

    ብሕሱም ኣራዊት ህዝቢ ተዘሪዑ
    ብርኪ ከይሰበሩ ደቁ ተመንዚዑ
    ብጥሜትን ጽምእን ምዕጉርቱ ጠልቂዑ
    ኣብ ክንዲ ጽን ኢልኩም ቃንዛኡ ትሰምዑ
    ፈቐዶ ጽንብላት ዜርኩም ተጣቕዑ!

    ህዝቢ ኣብ ቀይዲ ከሎ ከይዕንገል ሰሪሑ
    ንግሆ ምስ ቆረሰ ዘይረክብ ምስሑ
    ቆፎኡን መሶቡን እንከሎ ጥርሑ
    መዘምራን ህግደፍ ብሓሶት ክትረብሑ
    *ጦብያ ናይ መላኺ ኣብ መድረኽ ክትነፍሑ *ኣእምሮ ዝቐረጾ ጽቡቕ ነገር
    ሽሻይ ኣሎ ትብሉ ከም ሑጻ ምብዝሑ!

    ንብዓት ማይ ወዲኡ ህዝቢ ደም ነቢዑ
    ኣእዛኑ ኣጽሚምኩሞ ከበሮ ክትወቕዑ
    ውሑዳት ሰብ ዕጫ በይንኹም ክትበልዑ
    ኣብ ጸላም እንከሎ ህዝቢ ተወጺዑ
    ብርሃን ኮይኑ ኢልኩሞ ባና ተወሊዑ!

    ካብ ሓደጋ ጥሜት ከድሕና ንነብሲ
    ንቑጽ ባኒ ኣብ *ውጩ ጠሚዑ ክዃሲ *ብማይን ብበርበረን ዝስራሕ ጸብሒ ድኻታት
    ኣብታ መረበቱ ኣብ ጸላም የምሲ፡
    ጐርዞ ግን ኣብ መድረኽ ምልኪ ክትውድሲ
    ሓሊፉሉ ኢልክዮ ሽሻይ ኮይኑ ራሕሲ!

    “ፍረ ጻማ ናይ ዓወት ትክክል’ዩ እቲ ዘረባ
    ጻማና’ዩ እዚ ራህዋ ንንበሮ ብዓጀባ
    ዘይውዳእ ሓጐስ ዘይረግፍ *ሕዮባ *ጻዕዳ ዕምባባ ዘሎዎ ገረብ
    ትሃንና ነውጽእ ነኹድደሉ’ዚ ከብከባ!”

    ይብለና’ሎ ህግደፍ ብልሳን ኣባጊዕ
    ልብና ኣጐምጅዩ ቀልብና ኪዘርዕ
    ኣብ ጥሙይ ከብድና ከስዐና ከጉስዕ
    ተላሃዩ ኢሉና ክንዘልል ክንስዕስዕ!

    ብሕሰም ህዝብኹም ካብዘይ ትድንግጹ
    ከምቶም ፈንፊኖሞ ናብ ስደት ዝወጹ
    ወይ ከምቶም ልቢ ኣዕብዮም ስቕታ ዝመረጹ
    ኣፍኩም ዘይትሕዙ ሓሶት ካብ ተድምጹ!

    ድምጻውያን ሃገርና ሓቂታት ንገሩ
    ንውልቀ መላኺ ኣይትቀባጥሩ
    ደጊም ነቒሉ እዩ ናብታ መቓብሩ
    ብኣረጊት *ባልዋ ኣብ ራዕዲ ኣይትንበሩ *ኣርሓ መፍለስ
    ከምቶም ሓርበኛታት ወትሩ ክትዝከሩ
    ህዝቢ’ዩ ነባሪ ምስ ህዝብኹም ሕበሩ!

    ስቓይና ክድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

    ካብ ሓውኹም መሲናስ 19/07/2013

  • shinto July 17, 2013

    you are rubbish. you collaborate with the enemy and you insist others to be like you.
    you rubbish will know sooner or later every body is on the side of the brave PFDJ.

  • shinto July 17, 2013

    I personally disagree with most of the items given by the author, because all his opinions are intended to mislead the innocent and to drive him to unending troubles instead of working for his country.

  • Samuel Girmay July 17, 2013

    ኣብ ስያትል እቶም ደናጉላ ህግደፍ ፈስቲቫል ኣብ ምድላው ገዛ ገዛ ይኣትዉ ኣለዉ ብርቱዕ ተቃዉሞ ከምዝብድሆም ይዛረቡ ኣለዉ፡፡
    ከም ቀደም ይመስለክን ዉሑጅ ይወስደክን ሎሚ ተስፋ ቆርጸን ብሃይማኖት በውራጃ ክሰርዑ ዘይገብርዎ ነገር የለን፡ እቲ ዘገርም ነባራት ተቃወምቲ በሃልቲ ምስኦም ኮይኖም ከዳኵሩ እንከለዉ እዩ ፡፡

  • NEW HOPE ERITREA July 17, 2013

    ዳርጋ ኩሉ ህዝቢ ብደርፍን ስሚዒትን ስለ ዝወጸስ ፣እንደገና ደሪፎምን ጸሪፎምን ከቃልሱና ኣለዎም እምበር ፣መምርሒ ስለ ዘይነበረናን ዘይብልናን ___እቲ መፍትሒኡ ደርፊ እዩ ።ብናይ ኤርትራ ሃገርና ዝመጸ ደርፍን ጸርፍን ብጣዕሚ ወሳኒ እዩ ፣ስለዚ ደረፍትን ጸረፍትን ኣይትጥፍኡና።

    ኣየገድስን ዝገበሮ ገበን
    ክኸውን ኣለዎ ወዲ ትግራይ ተምቤን
    ህዝበ ትግርኛ ዘይኮነ ____ይትሓጎም

    እዚኣ ዘቃናበርኩዋ ሃገራዊት ደርፊ ጸርፊ ዝይደገፈ ዓጋመ እዩ። እምባሕ ጥራይ ንበል ደቂ ሃገር !!!!

    • NEW HOPE ERITREA July 17, 2013

      ¨ሕልቕቲ ደርሆ ዶ ብ $100.000ዶላር ትግዛእ
      ዳሕራይ ዝገድድ,እንቋቝሖ ኣይትወልድ ስጋኣ ኣይብላዕ¨
      ንኤርትራዊ እንታይ እዩ ኤርትራዊ ዘብሎ ?
      ሓውሲ ሃገር´ዩ እምበር ሓደ ዘርኢ እኳ ዘየሎ
      ¨ህዝበ ትግርኛ¨ዓብሊሉ ብሓሶት ዝሰለሶ ዘማሰሎ
      ናይ ምህዞ መንነት ሙዳዳ፣ ሻዕብያ ዝፈጠሮ
      ጠፊኡና እኮ ጠባያትና በየናይ ሚዛን ከም ንሰፍሮ ፧
      ንኤርትራዊ እንታይ እዩ መግለጺኡ፧
      የዋህ ኣተሓሳስብኡ ፧
      ኣምሓራይ ምጽልኡ፧
      ትግራዋይ ምክፋኡ ፧
      እንጀራ በረበረ ምውሓጡ ሰሊዑ፧
      ግዓት ግዒቱ ምዅምስዑ
      ቡልቱግን ኣራንችን ኣማሪጹ ምጅምዑ
      ዘይበሰለ በለስ ኣኪሉ ምፍርፍዑ፧
      ላዛኛ ምቍምጣዑ፧
      ወይስ ኣንጭዋ ጎዚዩ ምብላዑ ፧
      ይገለጸሉ ህዝብና መንነት ጠባይ ኤርትራዊ
      ሕያውነቱ ድዩ፧ ምዃኑ ,___ለዋህ ሕልናዊ ፧
      ብስምዒትን ,ደርፍን ምእታዉ ድዩ ኣብ ሓዊ፧
      ኣብ ሬሳ ደቁ ምስዕስዑ ድዩ ,ኣብ ክንዲ ዘእዊ፧
      ብዘይረብሕ መግለጺ ብ¨መኻልፍ¨ስለ ዝረዊ ፧
      ወይስ ህዝቡ ክዕመጽ ስብእነቱ ስለ ዝደዊ ፧
      ብስምዒት ጥራይ ዝህድዱና ሓሰውቲ ነብያት
      ታሪኽ ዝምህዙ ሓቅነት ዘይተንከፎ ሳይንስ ሃላያት
      ብኸንቱ ሞት ዝውዳእ ፣ጀሚሩ___ብኣውያት
      ኣነስ ደኺሙኒ፣ሞት ኣዝማደይ፣ጥፍኣት ዉርዙያት
      መፍትሒ ዘይብሉ ዘልኣለማዊ_ _ _ምኽንያት
      ምዕናወይ´ዩ፣ቻው ሰብ መቐለ ፣ሽዋ፣ክፋነወኩም ብብኽያት
      ነጊርናካ ኣይትበሉኒ፣ኣነ ኣይውስኖን ጉዳይ ሃገር ጉዳይ ኣሕዋት
      ብዝሓ ህዝቢ ኣይዓጀቦን ብደም ቆለውዕ ምጽዋት
      ጉዱ ካሳ ኮይነ፣ሰማዒ ዘይብለይ፣ብሓንጎሎም ዕጹዋት
      ዋላ ትንፈር ጤልያ ዝብሉ ልበ ኣልቦ ሪታርድድ ስሑዋት
      ሓፋሽ ይጸንት፣ንሶም ብባድዋይዘር ኣይሙዉታት ኣይህሉዋት
      ኩሉ ንኣይ ´ዩ ፣ሕልና ዝሃበኒ ጎዲኡኒ ኣምላኽ ናይ ለውሃት !!!
      The always brilliant ,keeping it real ,New Hope Eritrea ,C.C

  • Samuel July 18, 2013

    Wedi Tkabo and Dawit Shlan their fathers are from Tigray so ayegerimin eyuu sikay nay Ertrawyan entenawhu,

    • belay nega July 18, 2013

      Samuel

      Unlike you and your leaders the two singers are Eritreans 24/7

  • Samuel July 18, 2013

    Belay,
    tinfer aytinfer tiel eya maletka sile zekone niskawen aytegermenan eka

  • Hermon July 22, 2013

    I really miss one great legend in music. And he is YEMANE BARIYA.
    Imagine what kind of song would he come up with at 2013 with this all immigration, human right abuse and poverty?
    We want singers who can sing the truth. yes only the truth like yemane bariya did.
    አይበተኽኩን ልጓም አይነፈጽኩን ሃሊሌ
    እንተ ሃቅውን ሃሶት አይሓለፍኩን ዘሊሌ
    ዉረደለይ ኢዬ ዝበልኩ ዝባነይ ቖሲሌ
    ኢሳያስ ውረድ
    ዉረደለይ ኢዬ ዝበልኩ ዝባነይ ቖሲሌ
    ህግደፍ ውረድ
    ዉረደለይ ኢዬ ዝበልኩ ዝባነይ ቖሲሌ
    ኢሳያስ ውረድ
    ዉረደለይ ኢዬ ዝበልኩ ዝባነይ ቖሲሌ
    ህግደፍ ውረድ
    ዉረደለይ ኢዬ ዝበልኩ ዝባነይ ቖሲሌ

Post a Reply to Samuel Cancel Reply