Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምስጓጒ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ብምቅዋም 25 ሽሕ ህዝቢ ዝተሳተፉ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊኣ ብ ቴላቪቭ ተኻይዱ።

ትማሊ ቀዳም 24 መጋቢት 2018፡ ነቲ መንግስቲ እስራኤል ዝወጠኖ ምስጓጒ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ብምቅዋም ኣስታት 25 ሽሕ ህዝቢ ዝተሳተፉ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ቴልኣቪቭ ከምዝተኻየደ ማዕከናት ሓበሬታታት እስራኤል ገሊጸን። መርበብ ሓበሬታ haaretz ብዘመሓላለፎ ዜና መሰረት እቶም ሰላማዊስ

ትማሊ ቀዳም 24 መጋቢት 2018፡ ነቲ መንግስቲ እስራኤል ዝወጠኖ ምስጓጒ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ብምቅዋም ኣስታት 25 ሽሕ ህዝቢ ዝተሳተፉ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ቴልኣቪቭ ከምዝተኻየደ ማዕከናት ሓበሬታታት እስራኤል ገሊጸን።

መርበብ ሓበሬታ haaretz ብዘመሓላለፎ ዜና መሰረት እቶም ሰላማዊስ አልፊ ዘካየዱ ሓተቲ ዑቕባ፡ ` ደምናን ደሞምን ፍልልይ የብሉን፡ ንሕና `ውን ደቂ ሰብ ኢና` ዝብል ጽሑፍ ዝርከቡዎም ጭርሖታት ብምቅላሕ እዮም ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ራቢን ኣብ ዝተባህለ ቦታ ቴልኣቪቭ ኣካይዶሞ።

ብመሰረት ውጥን መንግስቲ እስራኤል እቲ ስደተኛታት ናይ ምስጓጒ ስጉምቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ማለት 1 ሚያዝያ እዩ ክጅምር ተመዲቡ ነይሩ። እንተኾነ፡ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ እስራኤል ብዘመሓላለፎ ስጉምቲ ተደናጒዩ `ሎ።

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ሓተቲ ዑቕባ ብምትሕብባር ምስቶም ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት ኣብ ዝነበሩሉ ደቡባዊ ዞባ ቴልኣቪቭ ዝርከቡ እስራኤላውያን ተቐማጦ ዝተወደበ እዩ።

እቶም ንስደተኛታት ብምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ምክያድ ዝተሓባበሩ እስራኤላውያን ከኣ፡ `ንሓደ ማሕበረሰብ ምስቲ ካልእ ማሕበረሰብ ዘተፋንን ስጉምቲ መንግስቲ እስራኤል ኣይንቕበሎን ኢና። ምስጓጒ ስደተኛታት ናብ ዘይውሑስ መጻኢ ኣብ ዞባና ንዘሎ ኩነታት ኣይክፈትሖን እዩ` ብምባል ነቶም ስደተኛታት ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም።

ሓያለ ፍሉጣት ስነጥበበኛታት መራሕቲ ሲቪካውያን ማሕበራት እስራኤል ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝተሳተፉ `ውን እቶም ማዕከናት ዜና ይገልጹ።

ብዘይካ`ዚ ሓደ ኣብ ቴልኣቪቭ ዝነበር ኣሳፍ ራጅዋን ዝተባህለ ጠባቓን ተነጣጣፍን ፡ ነቲ መንግስቲ እስራኤል ዝወጠኖ ናይ ምስጓጒ ስጉምቲ ብምቅዋም ን 21 መዓልታት ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ከምዘካየደ መርበብ ሓበሬታ haaretz ይጠቅስ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ ቓል፡ `ነቲ ስደተኛታት ናይ ምስጓጒ ስጉምቲ ኣማራጺ ፍታሕ ከምዘለዎ ህዝቢ እስራኤል ዝፈልጠሉ ሰዓት ኣኺሉ እዩ። እቶም ስደተኛታት ኣብቲ እንዳ ጓሓፍ ሃገር ኮይኑ ዘሎ ደቡብ እስራኤል ኣብ ክንዲ ስድርበዩ፡ ናብ መላእ እስራኤል ፋሕ ኢሎም ከምዝነበሩ ክግበር ኣለዎ` `ውን ኢሉ።

ጠበቓ ራጅዋን ባት ያም ኣብ ናይ ዝተባህለ ከባብያዊ ምምሕዳር ከም ሓላፊ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ዝሰርሕ ዝነበረ ኮይኑ፡ `እቶም ስደተኛታት ዝነበሩሉ ዘለዉ ደቡብ ቴልኣቪቭ ክሕደስ ምእንቲ `የ፡ ካብቲ ምቹእ ህይወተይ ዕረፍቲ ብምውሳድ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ዘካይድ ዘለኹ` ከምዝበለ ኸኣ ቲ መርበብ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

ኣቐዲሞም ማሕበር ሓካይም፡ ከምኡ ውን ፓይሎታት እስራኤል ነቲ መንግስታዊ ናይ ምስጓጒ ስጉምቲ ብምቅዋም ነቶም ስደተኛታት ከምዝደገፉዎም ይፍለጥ።

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Grar March 26, 2018

    Thank you the people of Israel for standing up against the Natanyahu administration.

    When will the Arab masses in the cities and streets of the Arab world, such as Tripoli, Cairo, Khartoum, Rihyad, Abu Dhabi. Qatar, Kuwait city, Tunis, Beirut …. stand up and demand justice for Eritrean, Durfur, and many black-Muslims who are being enslaved, snatched their body organs, raped, murdered, robbed their money, branded by hot iron and molten plastic, killed … by Arab police and the Arab mafia gangs and deported from Arab nations?

Post a Reply to Grar Cancel Reply