Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምስማዕን ምውህላልን ትምህርቲ እዩ።

መበገሲ ጽሑፈይ ብክልተ ገዳይም ተጋደልቲ ዝነበሩ፣ ተስፋይ ተምነዎን ኣድሓኖም ገረማርያምን ዝቐርብ ዘሎ በበይኑ ታሪኻዊ ኣገላልጻ ዝምልከት እዩ። ክልቲኦም ተጋደልቲ ብ 1972 ናብ ህዝባዊ ግንባር ብሓንቲ መዓልቲ ዝተሰለፉ እዮም። ኣብ ታሪኻዊ መግለጺኦም ዘሎ ፍልልዮም ብዘየገድስ፣ ንሃገራዊ

መበገሲ ጽሑፈይ ብክልተ ገዳይም ተጋደልቲ ዝነበሩ፣ ተስፋይ ተምነዎን ኣድሓኖም ገረማርያምን ዝቐርብ ዘሎ በበይኑ ታሪኻዊ ኣገላልጻ ዝምልከት እዩ። ክልቲኦም ተጋደልቲ ብ 1972 ናብ ህዝባዊ ግንባር ብሓንቲ መዓልቲ ዝተሰለፉ እዮም። ኣብ ታሪኻዊ መግለጺኦም ዘሎ ፍልልዮም ብዘየገድስ፣ ንሃገራዊ ናጽነት ስለዝተቓለሱ ንእስነቶም ስለዝወፈዩ የኽብሮም።

ኣነ ብ-1981 ስለዝተወለድኩ ብክልቲኦም ዝግለጽ ዘሎ ታሪኽ ንዓይ ብዕድመ መሰታይ ውን ኣይኮነን። ናይ 9 ዓመት ቅድሚ ምውላደይ ዝነበረ እዩ። ስለዝኾነ ኣይፈልጦን እየ። ስለዚ ቕድሚ ምውላደይ  ዝነበረ ታሪኽ ብዓቕልን ምስትውዓልን ክከታተሎ ይፈቱ።

ስለዚ እቶም ብዕድመ ዘየርከብናሉ፣ ንዘይንፈልጦ ታሪኽ ብስምዒት ተበጊስና፣ ኣበይ ነይሩ ዝብሉ ዘየድሊ መግለጺ ምሃብ ገዲፍና፣ ናይ ሓደ ከም ቕኑዕ ናይቲ ካልእ ከም ጌጋ ምውሳድ ሚዛናዊ ስለዘይኮነ፣ ዘየድሊ ጸግዒ ሒዝና ኣብ ክንዲ ምምዛን፣ ንዘይሓላፍነታዊ ባህርያት ኣወጊድና፣ ብህድኣትን ዓቕልን ጽን ኢልና “ ምስማዕን ምውህላልን ትምህርቲ እዩ”።

ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር፣ ተጋድሎ ሓርነት ይኹን ናይ ካልኦት ውድባት፣ ናይ ኣሽሓት ሃገራውያን ውህሉል ታሪኽ እዩ። ሰራሕ ታሪኽ ህዝቢ’ዩ ከምዝበሃል: ብዘይተሳታፍነት ህዝቢ ዝዕወት ቃልሲ የለን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ንብረታዊ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ምኻኑ ኣሚኑ ኣብ ጎኒ ሰውርኡ ተሰሊፉ። ህዝባዊ ቃልሲ ብምክያድ ድማ ጽንዓቱን ተወፋይነቱን ኣመስኪሩ። ህዝቢ ንዝኣመነሉ ዕላማ ብኹሉ ዓቕሙ ኩቡር ዋጋ ከፊሉ’ዩ ናጽነት ኣረጋጊጹ። ስለዚ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ 30 ዓመታት ክንብል ኮሎና: ታሪኽ ኩሎም ተጋደልትን ህዝብን: ክቡር ዋጋ ህዝብን ሃገርን ስለዝኾነ: ነቲ ኣወንታዊ ታሪኽ ኣኽቢርና: ንኣሉታዊ ጸሊም ታሪኽ ብዕምቖትን መጽናዕትን ፈሊጥና ንከይድገም ከም መምሃሪ ክንወስዶ: ካብ ዝነበሩ ዝወዓሉ ሰብ ታሪኽ ጽን ኢልና ምስማዕን ምውህላልን ትምህርቲ እዩ።

እቶም ኣብ በበይኑ ግዜን ቦታን ቀጥታዊ ናይ ታሪኽ ተዋሳእቲ ዝነበሩ ናይ ዕድመ ጸጋ ዘለዎም ካልኦት ኣካላት ታሪኽ ክመጹ ክገልጹ ስለዝኽእሉ: ንዝወዓሉዎ ነቲ ዝፈልጥዎ ሓቂ ከድምቑ፣ ንጉጉይ ታሪኻዊ መግለጺ ክነቕፉ፣ ብጭቡጥ ብመርትዖ ዝተሰነየ  መኣረምታ ከቕርቡ ብሕልና ቅኑዕ ብታሪኽ ድማ ግዴታ እዩ። ኣበይ ነይሩ ምባል ግና ኣብ ክንዲ ምውህላል ምንጻግ ስለዝኾነ ኣየርብሓናን’ዩ። ኣየተባብዕን ‘ውን ‘ዩ።

ታሪኽ ኣብ ኩሉ መዳያት ብደቂ ሰባት ዝፍጸም መዓልታዊ ተግባርን ፍጻሜታትን ስለዝኾነ: ዘየቃርጽ መስርሕ ናይ ወለዶታት ቃልስን ውጽኢቱን እዩ። ፍልልዩ ብግዜን መድረኻዊ ምዕባሌኡን እዩ። ናይ ታሪኽን ስነ ሕብረተ-ሰብ ተመራመምርቲ ከምዝገልጽዎ: ታሪኽ ሓደ ኣካል ስነፍልጠት ስለዝኾነ: ኣብ መጽናዕትን ምርምምርን ዝተሰነየ መስርሕ እዩ ይብሉ። ገለ ካብ ናይ ታሪኽ ኣገደስቲ ኣዕኑድ ዝጥቕሱዎ ድማ: ታሪኽ ብግዜን ቦታን: ብፈጸምቱን ናይ ኣፈጻጽማ ኣገባቡን መርዖታቱን ተሰንዩ ክቐርብ: ከም ቀንዲ መለለዪ ናይ ታሪኽ መትከላት ከምዝውሰዱ ይሕብሩ።

ስለዚ ዝኾነ ሰብ ኣብ ታሪኽ ውልቃውን ሓባራውን ኣስተዋጽኦ ስለዘለዎ: ውልቀሰብ ኣካል ናይ ታሪኽ እዩ። ብኣበርክትኡ ፍልልይ ክህልዎ ባህርያዊ እዩ። ምኽንያቱ ሓደ ፈላስፋ ሊቕ ብዘለዎ ፍልጠት ሓዲሽ ምህዞ ንህዝቡ የበርክት። ህዝቢ ድማ ተጠቃሚ ናይ ፍልጠቱ ክኸውን ግድነት እዩ። ከም ኣብነት ምህዞ ተክኖሎጂ ዓለምና መራኸቢታትን ነፈርትን ተጠቀምቲ ኮይና ኣለና። ስለዚ ተራ ውልቀሰባት ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ዓቢ ቦታ ኣለዎም።

ብኣንጻሩ ድማ ኢሰያስን ካልኦት ዘይፍትሓውያን ብዝሃንጽዎ ምልካዊ ምምሕዳራዊ ትካል: ኣብ ህዝብን ሃገርን ኣዕናዊ ተግባራት ስለዝፍጽሙ: ጸሊም ታሪኽ ወላ እንተኾነ ኣሉታዊ መዳይ ታሪኽ ናይ ህዝቢ ስለዝኾነ: ጸሊእካዮ ትጉሕፎ ታሪኽ ኣይኮነን። ምኽንያቱ  ናይ 2ይ ኩናት ዓለም ብምልካዊ ምምሕዳር ሂትለር ዝተፈጸመ ጸሊም ታሪኽ፣ ኣብ ቤተመዘክር ጀርመን ብመጻሕፍትን ፊልምታትን ዝተሰነደ ስለዝኮነ፣ ናይ ጀርመን ታሪኽ ኣይኮነን ዝብል ናይ ታሪኽ ተመራማሪ ዘሎ ኣይመስለንን። ፍልልዩ ተሓታትነቱ ነቶም ፈጸምቱ እዩ። እቲ ገበናት ድማ ንዳሕረዋይ ወለዶ ዝውክል ስለዘይኮነ ከም መምሃሪ ጥራይ የገግልግሎ። ስለዚ ካብ ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋን ቀጥታዊ ኣካል ታሪኽን ሰባት ብህድኣትን ምስትውዓልን ጽን ኢልካ ምስማዕን ምውህላልን ትምህርቲ እዩ።

የቐንየለይ

ዓወት ንደለይቲ ፍትሒ

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና

የሴፍ መንግስተኣብ

02/06/2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • MightyEmbasoyra June 2, 2013

    ጽቡቕ ምኽሪ።
    የግዳስ ከክፍኡ “ጸሊም” ጸጽቡቑ ድማ “ጻዕዳ” ምባል ዘይንገድፎ። እዚ ናይ ጻዕዳ ጸብለልትነት ንምርኣይ ዝተጀመረ’ዩ።

  • ማሊሻ June 2, 2013

    ግርም ብሱል ርኢቶ ።
    ኣብ ታሪኽ ዓለምን ፣ ኣብ ነዊሕ ዛንታ ሰብን ብጭብጢ እተረጋገጸ ሓቂ እንተሎ እዚ እዩ። ዝኾነ ይኹን ሕብረተሰብ ወይ ህዝቢ ፣ ንሕሉፍ ናይ ዘመናት ታሪኹ ዝጸልእ ፣ ውርሻኡ ዝንዕቕ ፣ መረበቱ ወይ ትውልዲ ዓዱ ዝኽሕድ ፣ ቋንቋታቱ ብባርዕ ዘልምስ ፣ ቅርስታቱ ዘፍርስ ፣ ባህልታቱ ስርዓቱ ዘድፍር ፣ ደቂ ሩባኡን ጎዶቦታቱን ዘየኽብር ፣ ይትረፍ መሪሕነት ክጭብጥን ሃገር ክኣልን ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ሉኣላዊት ሃገርን መሬትን ውን ከቶ ኣይግበኦን እዩ።

    እዚ ከምዚ ዓይነት ነፍሰ ሙት ፣ ሕልና ዕሩብ ፣ ኣእምሮ ዕሱብ ጉጅለ ወይ ጭፍራ ፣ እንትርፎ ከም ጊላ ከዳሚ ወይ ዓብድ ናይ ባዕዲ ፣ ብናይ ገዛእ ርእሱ መንነትን ኣብራኽን ደው ክብል ብፍጹም ዝሕሰብ ኣይኮነን ።

  • ማሊሻ June 2, 2013

    ግርም ብሱል ርኢቶ ።

    ኣብ ታሪኽ ዓለምን ፣ ኣብ ነዊሕ ዛንታ ሰብን ብጭብጢ እተረጋገጸ ሓቂ እንተሎ እዚ እዩ። ዝኾነ ይኹን ሕብረተሰብ ወይ ህዝቢ ፣ ንሕሉፍ ናይ ዘመናት ታሪኹ ዝጸልእ ፣ ውርሻኡ ዝንዕቕ ፣ መረበቱ ወይ ትውልዲ ዓዱ ዝኽሕድ ፣ ቋንቋታቱ ብባርዕ ዘልምስ ፣ ቅርስታቱ ዘፍርስ ፣ ባህልታቱ ስርዓቱ ዘድፍር ፣ ደቂ ሩባኡን ጎዶቦታቱን ዘየኽብር ፣ ይትረፍ መሪሕነት ክጭብጥን ሃገር ክኣልን ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ሉኣላዊት ሃገርን መሬትን ውን ከቶ ኣይግበኦን እዩ።

    እዚ ከምዚ ዓይነት ነፍሰ ሙት ፣ ሕልና ዕሩብ ፣ ኣእምሮ ዕሱብ ጉጅለ ወይ ጭፍራ ፣ እንትርፎ ከም ጊላ ከዳሚ ወይ ዓብድ ናይ ባዕዲ ፣ ብናይ ገዛእ ርእሱ መንነትን ኣብራኽን ደው ክብል ብፍጹም ዝሕሰብ ኣይኮነን ።

  • Truly, truly i say to you. June 3, 2013

    ህዝቢ ኤርትራ’ኮ ሽዕበት ኣይኮነን!

    “ኣገዳሲ ሓበሬታ – ካብ “ማሕታ ኔት” መርበብ ሓበሬታ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ብዛዕባ መልስታት ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ንመግለጺታት ኣቶ ተስፋይ ተምነዎ ብራድዮ ወጋሕታ”

    ብመጀምርያ ሓቀኛ’ዩ ዝበልካዮ ታሪኽ ኪትትርኽ ኪትጅምር እንከለኻ ነቲ ቅድሜኻ ተባዕ ስጉምቲ ወሲዱ ዓቕሙ ዝፈቕዶ ዘበርከተ ሓርበኛ ብምዝላፍ ኣይኮንካን ዝጅመር! ንሓደ ሓቀኛ ይኹን ሓሶት ፍጻመ ዝተረኸ ሰብ ከኣ ዝንቡዕ (ጥምዙዝ) ኣይብሃልን’ዩ! ንስኻ’ሞ ቅኑዕ’ዩ ዝበልካዮ ትትርኽ፡ ብድሕሪኡ ዝንቡዕድዩ ኣይዝንቡዕን ነቲ ሰማዒ ታሪኽ’ዩ ዝግደፍ። ንስኻትኩም ግን ካብቲ ዕቡይ መላኺ ዝወረስኩሞ ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ግዲ ኣልዩኩም፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ሽዕበት (ማይ ዝጸገበ ስቡሕ መሬት) ቈጺርኩም ዘዝዘራእኩምሉ ኣብቊሉ ከፍሪ ትደልይዎ ኣለኹም። ንነገራት ከይመመየ ዝበልኩሞ ዝቕበለኩም እንስሳ ጌርኩም ስለ ዝሓሰብኩሞ፡ ‘እቲ ዝተባህለ ጌጋ’ዩ! እዚ ንሕና ንነግረካ’ዩ እቲ ቅኑዕ! ንኣና ስምዓና!’ ኢልኩም ብምጅማርኩም ጥራይ ሓቂ ይኹን ሓሶት ብዘየገድስ፡ ሰብ ንቓልኩም ከይሰምዕ ኣቐዲምኩም ሽውሃቱ ዓጺኹሞ ኣለኹም። ‘ናይ እከለ ጌጋ’ዩ ናተይ ግን ቅኑዕ’ዩ!’ እናበልኩም ክትዋናጀሉ ስቓይን መከራን ህዝቢ ኤርትራ ከተናውሑ ትፍትኑ ኣለኹም። ገለዶኾን እዚ ብዘይካ ናይ ስልጣኑ ካልእ ሓለዋን ሓልዮትን ዘይብሉ መላኺ፡ ካብ ገንዘብ እቲ ከብዱ ኣጥምዩ ዝገዝኦ ዘሎ የዋህ ህዝቢ ግናዕ ፈይ ኣቢሉልኩም ኮይኑ’ዩ? ሕጂ ንሓቀኛ ታሪኽ ከተዛናብዑ ተላዒሊኩም? እዚ ሕቶ’ዩ። ውንጀላ ኣይኮነን።

    ካልእ፡ ትረኻ ገዲም ተጋዳላይ ሓርበኛ ተስፋይ ተምነዎ፡ መመላእታን እርማትን’ምበር ምብዳህ ኣየድልዮን’ዩ! ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ኸኣ ስሙ ከም ዝሕብሮ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ’ምበር ታሪኽ ውልቀ ሰባት ስለ ዘይኮነ፡ ፍሉያት ጠበቓታት ኣይደልዩዎን እዮም። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ጠበቓ ሰውራኡን ሃገሩን’ዩ! ስለዚ፡ ተረኽቲ ኩኑ ኣመሓላለፍቲ ትረኻ፡ ፈነወኹም ቅድሚ ምጅማርኩም ኣቀራርባኹም ከተማዓራርዩ እዩ ዝግባኣኩም! ልኡኻትን ዕሱባትን ውልቀ መላኺ እንተዘይ ኴንኩምውን ብመጀመርያ ንተባዕ ገዲም ተጋዳላይ ተስፋይ ተምነዎ፡ ነታ ብውሕሉል ኣቀራርባ ሕቡእ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ንህዝቢ ዘአንገደት ደርማስ ፈነወ ማዕበል፡ ራድዮ ወጋሕታን ንህዝቢ ኤርትራን ይቕሬታ ሕተቱ! እዚ እንተዘይጌርኩም ግን ካብቲ ነቲ መዘና ኣልቦ ገበናቱ ሰኣን ይቕሬታ ሓቲቱ ምሕረት ብምልማን መገዲ ህይወት ዝጓዓዝ፡ ብትዕቢትን ድርቅናን በቲ ዝሓዞ ናይ ጥፍኣት መገዲ ናብ ጸድፊ ዝጓዓዝን ዘሎ ዉልቀ መላኺ ዝፈልየኩም ነገር ኣይክህሉን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ዝግባእ ንቅሓት ወኒኑ’ዩ! “ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን!” ከይኮነኩም ነገሩ ተጠንቀቑ! ትዕቢትን ዘለፋን ንመላኽን ሰዓብቱን ኣይጠቐመን! “መለበምን ኣይግበርካ መለበምን ኣይኽላእካ እዩ!” ካብ ጉዕዞን ውድቀትን ዕቡያት ተመሃሩ!

    ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

    10-05-2013 ካብ ሓውኹም መሲናስ

  • Kalighe June 3, 2013

    “Whether you like it or not akeleguzay is nearer to agame than hamasean, qeih bahri, barka or any other awraja in Eritrea.”

    aba-chegora

    Whether you like it or not there is nothing which makes Hamasien a special region, nor there any problem with Akele been Eritreans.
    All this nonsense is just in the mind of a few who want humiliate others with no reason. When I was a kid in Asmara, “tifozos” of Hama club used to shout at Ambasoira team: ‘Ayzokhum nayna !!’.
    Back then, it was said that Ethiopia was playing a divisive role even in football. What about now ?. Eritrea is a small country, with a lot of problems, mostly created by some of it’s citizens (wrong attitudes).
    As for Tigreyans (agame or not) they have a better country to be proud of. Although our problems are mostly internal, there is also a hate monger among Tigreyans who visit our forums. Despite that we need to keep our mind and heart open, and focus on our problems.

  • T.G.Yohannes June 3, 2013

    constructive Idea:
    our capacity and the way we see the world differs from individual to individual. Thus, the way we display facts and analyse things is different. I am really pleased for your recognition of Tesfay Temnewo’s and Adhanom gebremeariam’s life sacrifice for our beloved country and for their initiatives to share us some information which has been kept covered deep underground. However, I would suggest a constructive criticism while correcting each other for common growth and for the benefit of our society and country. I would also remind my father Tesfay and Adhanom to sit together and show us their political tolerance which is a pre-requisite for building a democratic country. I do understand the different point of view that could arise in political and nation building whilst sacrificing our life for the same vision that is to build a democratic and well developed country. however, ”democracy is not a commodity.” It will need us to develop political tolerance, constructive criticism, recognition of others point of view, the habit of negotiation, following the rule of law, transparency, education etc… Therefore, parallel to our struggle to save the our country we need to help each other as to share our experience and knowledge and to narrow our difference.
    T.G. yohannes

  • ahmed saleh June 3, 2013

    Eritrean revolution for independence is the legacy and history of our people which made us unique
    and proud until independence . But the negative images afterwards either in political and social
    matters has to do with our own negligence . Therefore since the faults are directed on Eritreans ,
    I guess we better question ourselves ‘ WHAT IS WRONG ? ” and learn from past mistakes .

  • yared hagos June 3, 2013

    yea btamio waha zebele reato eu yegedas seb natu redeat tray zeykone nkulu ab gemet keatu kekeal alewo .abhahelay tesfay temnewo ezi zeblo zelo negerat haki emnte nerus slementay ab gizue tezaribu kemtom zhalefu geganu zeykone .esu temnewo eti sebay edu ab azekti aetu techemaliku sleznebere hji edu kehenses abana abzi hadish weledo eye zebel.
    atum ahewateye reaun astewelun gedefwo negdefo ezi nay aregutot koyokan tesaerneten bahri ehe elna wen aynesmaeyo beka nay baelna atehasaseba tray ngber nkid nhtet teray beka eti tarik abu alo natna tarika bawenta tebegisu nab selam ngesgeges beka .chaw

  • yared hagos June 3, 2013

    tesfay temnewo man of the year kebhal seameas sheke baweta sehike bdem ztechemaleke aregit tegadalay tenberkaki emun agelgali eseyas eu nerun hgien 100% so kid elna tray nesagugo .ezie esu kem tarike akribwo zelo ndeku ymharom ab kedan deku y hanseso wo dhanka

  • 2pac22 June 3, 2013

    ዝከበርካ ነዚ ስነጽሑፍ ዘቅረብካ ሓው፣ ሓሳባትካ ቡሱልን ለባምን ማሃርን ሙካኑ ከራጋግጸልካ ይደሊ። አንተ ኮነ እዚ ዘለናዮ መድረክ ታርክ ኢዩ ኢልካ ዶ ታአምን፣ ንሕና ኤረትራውያን ሃገራውያን ከም ህዝብን ሃገርን ንጸንተሉ ኣብ ዘለናሉ ዘመን ህላወና እነውሕሰሉ መሰረታዊ ፍታሕ ኣብ ክንዲ ምንዳይ ኣብ ታሪክን ትሪኪትን ግዜና ነሕልፎ ምህላውና ከይታሓሳስበኒ ኣይትርፍን። ስለዚ ንሓሳብካ ኣይቃዎሞን እየ። ዝትርክ ይተርክ ንሕና መንእሰያት ኢጃምና ኢጃም ህዝብን ሃገርን ካብዚ ፋሽሽታዊ ምልኪ ምድሓን ይኩን ምበልኩ የቀንየለይ፡፡

POST A COMMENT