Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምሕጽንታ ንተኻፈልቲ ሀገራዊ ጉባኤ

ዒድ ሙባረክ ብአጋጣሚ በዓል ዒድ አል-አድሐ አልሙባረክ ብሐፈሻ ንኹሉ ኤርትራዊ ብፍላይ ድማ ንኹሉ አብ እስልምና ዝአምን ህዝቢ ርሑስ በዓል ዒድ አል-አድሐ ክገብረልና እናተመነኹ አብ መላእ ዓለም ዘለኹም አሕዋትን አሐትን ኤርትራውያን ልባዊ ሰላምታይ ይብጻሕኩም ይብል። ካብዚ ቀጺለ

ዒድ ሙባረክ

ብአጋጣሚ በዓል ዒድ አል-አድሐ አልሙባረክ ብሐፈሻ ንኹሉ ኤርትራዊ ብፍላይ ድማ ንኹሉ አብ እስልምና ዝአምን ህዝቢ ርሑስ በዓል ዒድ አል-አድሐ ክገብረልና እናተመነኹ አብ መላእ ዓለም ዘለኹም አሕዋትን አሐትን ኤርትራውያን ልባዊ ሰላምታይ ይብጻሕኩም ይብል።

ካብዚ ቀጺለ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ወሪድዎ ዘሎ ሽግር ምግላጽ ዘድልዮኳ እንተዘይኮነ፡ ሎሚ ህዝብና ካብ ጭካኔ ስርዓት ኤርትራ ንምህዳም ገዝኡን ንብረቱን ጠንጢኑ ካብ ስድርኡ ተፈላልዩ መዕለቢኡ ጥፊእዎ ሂወቱ ከድሕን ንግዳም ካብ ዝውሕዝ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ አሎ፡ መንእሰያትና ዘጋጥሞም ሽግራት ንዓለም ዘዛረበ ጉዳይ ስለዝኾነ ሐበሬታ ዘድልዮ ጉዳይ አይኮነን።

ብመንጽር ናይዚ ህዝባዊ ህልቂት’ዚ ድማ ንዲክታተርያዊ ስርዓት ወጊድካ አብ ሀገርና ሰላምን ፍትሕን ንምምጻእ ቃልሲ አብ እነካይደሉ ዘለና እዋን፡ ሽግራትና ንምፍታሕ ብሐባር ክንላዘብ አብ ድሮ ጉባኤ ዋዕላ ንዴሞክራስያዊ ለውጢ ስለዘለና፡ ምሕጽንታ ጽሑፈይ ንተጋባእቲ ዋዕላ ከምዚ ዝስዕብ ከቕርብ ሕልናይ የገድደኒ።

ሎሚ አብቲ ዓቢ ኤርትራዊ ታሪኻዊ ሐላፍነት ክንሽከመሉ ዝጥለብ ዘሎ ዘመን ስለዘለና፡ ህዝቢ ባዕሉ ሐላፍነቱ ወሲዱ ፍትሐዊ ዲሞክራስያዊ መሰላቱ ንምውሐስ፡  ሐዱሽ ስርዓት ንምትካእ ብዝተፈላለየ መልክዕ ንቃለስ አለና፡ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ. ምእንቲ ንስልጣኑ ክጥዕሞ ንህዝብና ነንሕድሕዱ ከምዘይተአማመን ከምዝገበሮ ንኹልና ብሩህ እዩ፡ ስለዝኾነ ድማ እዚ ዋዕላዚ ዝጽበዮ ዘሎ ዕማም ታሪኻዊ ሐላፍነት ስለዝኾነ፤ ንኹሉ አነ ተወጺዔ እየ ዝብል ኤርትራዊ ከተአማምን ዝኽእል ሽግራቱ ክገልጽን ዝተበከሉ መሰላቱ ክትንተንን ክዕቀበሉን መሰሉ ስለዝኾነ ናይ ለውጢ ምስክር ከርኢ አለዎ፡

እዚ ማለት ድማ አብ ሀይማኖታት ዘተኮረ ንካህናትን መሻይኽን አብ እስርቤት ከርተት ይብልሉ አብ ዘለው እዋን፡ ቤተ ክርስትያናትናን መሳጊድናን ዝተጋህሰሉ እዋን፤ አብ ርእሲ እቲ ሐፈሻዊ ኤርትራዊ ህልቂት ብፍላይ ናብ ብሄራዊ ህልቂት ዘተኮረ ብሄራዊ ወጽዓታት፡ መሰል እምነት ጴንጠኮስታል ጀሆቫ ዝአመሰሉ ፍሉይ ዝግበር ዘሎ ዓመጻት ሎሚ እዋኑ ስለዝኾነ ሽግራትና ከይሐባእና ዓው ኢልና ብዘይነሐፍነት ግሉጽነት ዝመልኦ ህዝባዊ ሀገራዊ ልዝብ ከነካይድ አለና ይብል፡ ጉዳይ ብሄራት ኤርትራ ብሐፈሻ ብፍላይ ድማ ጉዳይ ብሄረ ጀበርቲ አብ ዘተ ክወርድ እንከሎ ንዕኡ መዕለቢ እንተተገይርሉ  ነቲ ጉዳይ ሐድነትናን ስኒትናን የጠንክሮ’ምበር ከዕንቅፎ አይክእልን እዩ፡ ብሐፈሽኡ ዋዕላ ክበሀል እንከሎ ሀገራዊ ዕርቂ ማለት ስለዝኾነ ናይ ኩሉ ህዝቢ ረብሐ ዘንጸባረቐን ናይ ኩሉ ህዝቢ ወጽዓ ዘለለየን ምስዝኸውን እዩ ውጽኢቱ ብቐጥታ ንህዝቢ ኤርትራ ዘዕግብን ንኹሉ ኤርትራዊ ዘስምርን ዝዕድምን ክኸውን ዝኽእል ዝብል እምነት አለኒ።

ምኽንያቱ ድማ ናይ ሎሚ ኤርትራዊ ምትእኽኻብ ብዓይነቱ ፍሉይ ስለዝኾነ፡ ንሽግራትናብግሉጽ  ከይዘተናሎም እንተሐሊፍና፡ ንሕናውን ብቕዓትናን ተአማንነትናን አየመስከርናን ማለት እዩ፡ ካብኡ ሐሊፉ ድማ ዕድመ ናይ ህግደፍ ንኽናዋሕ ንገብር አለና፡ ካልአይ ነቲ ብሀንቀውታ ዝጽበ ዘሎ ህዝብና አብ ጎንና ከይስለፍ ተስፋ ሙቕራጽ ጥራሕ ዘይኮነስ አብ ልዕሌና ዘለዎ ተአማንነትውን ዓቢ ብኩራትን ክሳራን ከምዘምጽአልና ጽቡቕ ጌርና ክንግንዘብ ይግበአና፡

ከምኡውን እዞም ሕጂ ባዕሉም እናተአኻኸቡ ጸረ ስርዓት ኤርትራ ዝለዓሉ ዘለው መእንእሰያትናውን አብቲ ዘካይድዎ ዘለው ቃልሲ ከነተባብዖም እንተኾይንና ናይ ሎሚ ዋዕላ ብዙሕነትን መሰላት ህዝቢ ዘውሐሰ ስእሊ ሒዙ ክወጽእ ግድን እዩ።

እዚ ክብል ከለኹ ድማ ውድባውን ውልቃውን ረብሐ ሐዲግና ሸቶና ህዝብናን ሀገርናን ንምድሐን ክኸውን ይግባእ።

 

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ

ዓወት ንሀገራዊ ጉባኤ

ውድቀት ንዲክታተያዊ ስርዓት እሰያስ

 

ዓብደልዓዚዝ አንዋር ጀርመን፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT