Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምሕደራ ወዳኑ

ምሕደራ ወዳኑ ባንዴራ ኣንበልቢለ ኣፈይ ዘይከፍተሉ ነጻ ሃገር ኮይነ ከም ሰብ ዘይኮርዓሉ ወደባት ወኒነ ንግዲ ዘይነግደሉ ኣብ ገዛእ መሬተይ ባርያ ዝኮነሉ ዝነኣሰት መሰል ከብደይ ዘይጸግበሉ ነዚ ድዩ ኣሻሓት ሂወት ተኸፊሉ ።   ምስ ምሉእ ኣእሙሮይ ምህሮ ተሓሪመ ናይ ጃምላ ትምህርቲ ብሓይሊ ተዓሊመ ብነጻ ከይዋሳእ ኣፈይ

ምሕደራ ወዳኑ

ባንዴራ ኣንበልቢለ ኣፈይ ዘይከፍተሉ

ነጻ ሃገር ኮይነ ከም ሰብ ዘይኮርዓሉ

ወደባት ወኒነ ንግዲ ዘይነግደሉ

ኣብ ገዛእ መሬተይ ባርያ ዝኮነሉ

ዝነኣሰት መሰል ከብደይ ዘይጸግበሉ

ነዚ ድዩ ኣሻሓት ሂወት ተኸፊሉ ።

 

ምስ ምሉእ ኣእሙሮይ ምህሮ ተሓሪመ

ናይ ጃምላ ትምህርቲ ብሓይሊ ተዓሊመ

ብነጻ ከይዋሳእ ኣፈይ ተለጒመ

ክሳብ መዓስ እዩ ከምዚ ተጸሚመ ።

 

ብናይ ዶብ ምሕንጻጽ ጅሆ ተታሒዘ

ዓቕሊ ጸቢቡዎ መንእሰይ እንዳዋሓዘ

ለባምዶ ስኢንና ምኽንያት ዝሓትት

ዓዲ እንዳ ባደመ ዓይንና ንዕምት ።

 

ናይ ህግደፍ ባርነት መን ክወዳደሮ

ካብ ባዕዲ ዝሓስም ዘዝዉር ኣእምሮ

ብዘይካ ተበላጺ መንዩ ዝጻወሮ

ንመን ዘይበጽሖ ንመን ዘይመረሮ ።

 

ክንዲ ብነጻነት ትነብር ቀሲንካ

ሕጂዶ ትስደድ ሃገር ነጻ ኣዉጺእካ

ስራሕ ተዘይትኽላእ ተዘይ እሰር ኢድካ

ምስ ክእለትን ገንዘብን ዕድል ተሓሪምካ ።

 

ወፍሪ ዝጸምኣ ዓድኻ እንከላ

ብመግዛእትን ውግእን ዝኣተዋ ሰለላ

ኣይተዓደለትን ደቃ ክሰርሑላ

ብሒቶማ ጭፍራ ተመን ቶኽላ ።

 

ጥሜት ብጉኑኑ ምዕባሌ ክትሰብኽ

ትሕቲ ቅርጺ ሰሪሕና ክትብል ዘይትሓንኽ

ነጻ ንግዲ ዘይብሉ እንታይ ክዓብስ

ቱሪዝም ብዘይ ንግዲ ከመይሉ ክብገስ ።

 

ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ህንጸት ከልኪልካዮ

ብኡኡ ዝማሓደር ናብ ሽግር ኣእቲኻዮ

ነጻ ጉልበት መንእሰይ ናይ ጊላ ጌርካዮ

ብርትዓዊ ድኳናት ህዝቢ ቀሺሽካዮ

ዓቕሚ ኪኢላታት ከንቱ ኣባኺንካዮ ።

 

መጓዓዝያ ወኒንካዮ ብሊሎ ብሓራት

ህዝቢ ቋሪንካዮ ብስም ኣገልግሎት

እቶት ኣልቦ ኮይኑ ካብ ደገ ዝምጽወት

ዓዲ ኣቃሊዕካዮ ንጃምላ ሽግራት ።

 

ኣይካኣልንዩ ብዘሎ ክቕጽል

ነብስና ኣይንቐሽሽ ኣይንበል ዕንኪሊል

ሃገር ብዘይ ቅዋም ከመይላ ክትትከል

ንሱዩ መሰርት ናይ ሰብአዊ መሰል ።

 

ቀደም ዝንበረ ንኩሉ ቁጽጽር

ካብ ድኳን ናብ ድኳን ነጋዲ ክግብር

ንግዲ ተኸልኪሉ ከሎ ተሎኪቱ

ብዘይ ፍቓድ ኣቕሑ ከመይሉ ይኣቱ ።

 

ግብሪ ዘይከፈለ ኣቕሑ መሊኡ

ገመልያ ሰሪቕካስ ያኢ ተሓቢኡ

ኣየ ናትኩም ምሕደራ ምሕደራ ሸፋቱ

ቅድሚት ኣየበግስ ዓዲ ነየእቱ ።

 

ባዓል ሽቱ ምቱ ባዓል ሽላ ራዉያ

ብናትኩም ምሕደራ ዓድና ተሃስያ

ዝነበረ ክብረት መሬት ተደርብዩ

ጭፍራ ናይ ወዲኒስ ዓድና ክትኣልዩ ።

 ሃብተ ክፍለ

ካይሮ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
29 COMMENTS
  • TaESA February 18, 2014

    seleiman,
    1. “SebAwi rhrahe zgodelo atehahza nAshtu menEseyat” entay melet ymesleka? wey dma bkhemey ttrgumo?
    2. eti “hagerawi agelglot”zbelkayo ewn nay gize gedeb kgberlu.
    3. “hagerawi agelglot dew kbl” ilka tezaribka, sle bezi mkhnyat ezi, “chekan atehahza menEseyat kemzkhone” tAmnelu alekha malet iyu.
    4. eti riEyo zblo zelekhu bQuntar iyu. b 1 wey 2 gega aykonen seb Adu zgedf zelo. entay deA 1 qnEti etbehal akayda mengsti slezeyele iyu.”HGI wey QWAM” sle zeyel maletey iyu.

    terediEkani ktkewn tesfa ygebr.

    hlnakha nQnuE kmerHaka ena tetesfekhu iye

  • Suleiman Salim February 18, 2014

    ጣዕሳ

    ክቡር ሓወይ ኣነ እዚ እየ ዝብለካ ዘለኹ፡

    ሃገራዊ ኣገልግሎት ፋይዳኡ ኣብ ቦትኡ ሃልዩ ነዊሕን መሪርን ኣድካምን ማህሰይትን መስዋእትን ዝሓትት እውን ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ኣድላዩ ስለ ዝኾነ ግን ክተቋርጾ ወይ ናይ ጊዜ ገደብ ክትገብረሉ ኣይትኽእልን ኢኻ። ምቁራጽን ገደብ ምግባርን ማለት ንህላወ ኤርትራ ኣብ ሕቶ ምእታው እዩ። ንሕና ከም በዓል ኢትዮጵያ ብዝሒ ህዝቢ ስለ ዘይብልና ሚልዮን ዝኾኑ ወተሃደራት ብደሞዝ ቆጺርና ንሰማንያ ሚልዮን ዝኾኑ ክፋል ህዝቢ ድማ ዕረፍቲ ክንህብ ኣይንኽእልን ኢና።

    ንጊዚኡ ኣማራጺ ስለ ዘይብልና በዚ ዘሎ ኣሰራርሓ ” ንሃገር ምሕላውን ምህናጽን ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት እዩ ” ጥራሕ ኢና ክንከይድ ንኽእል። እንድሕር ንሃገራዊ ኣገልግሎት ወይ ናይ ጊዜ ገደብ ጌርና ወይ ድማ ፈጺምና ጠጠው ኣቢልና ንሃገርና ብሮቦታትን ብደቂ ባንግላደሽን ክነካይዳ ንኽእል ኢና ትብል እንተ ኮይንካ ብዝያዳ ርእይቶኻ ክሰምዕ ድሉው እየ። ዘረባ ከይናዋሕና ፡ ካልእ ኣማራጺ እንተ ኣሎካ ንገረና።

    ካብ ሓውኻ ሱለይማን ሳልም ( ንፈተውቱ ከም ሱሊ ዝፍለጥ)

  • TaESA February 19, 2014

    suleiman,
    eritrawi “eti ab eritrea” zelo bflay dma eti demu kkhefl dlwu zneberen dlw zelon emo ab berekhatt zbeli zelo hanti meAlti hasibkalu do tfelT? ay kab nabra, Erfti, wladn….. kab kulu terifu zkhrtt zelo, etom qolu zelwom dma deqom key yeEbeyu deqom dma ab mklkhal zbelhu zelewu kemey ymeslekha?
    ab kndi hindawyan memahran b dollar tqotsr dma eto mhurat eritrawyan adom gedifom zsdedu zelewu, kabto nay hndawyan bzbeletsen bzhashen kmhrun kkhkmun ykhElu iyom. ezi kabti bahri bmanka iyu.
    atsebiqka hsebelu

    • Suleiman Salim February 19, 2014

      ጣዕሳ

      ይሓስበሎምን ይሓልየሎምን እንዳ በልኩኻስ ከመይ ጌርካ ሓንቲ መዓልቲ ትሓስበሎም ዶ ትብለኒ? ኣይ ኣሕዋተይን ኣዝማደይን ደቂ ሃገረይን ኣይኮኑን ድዮም? ኣነ ንሃገር ሓልዩ (ዓቒቡ) ንመንእሰያት ድማ ዘዕርፍ ተለዋጢ ሓሳብ እንተ ኣቕረብካ ዝሓሸ ይብል። ክንየው እዚ ምስ ዎያነ ኮይንካ ናይ ኣይሰላም ኣይ ውግእ ኩነት ከም ዝቕጽል ምግባር ነቲ ሻቕሎትካ የግድዶ እምበር ኣየማሓይሾን እዩ። ስለ’ዚ ናብ ልብኻ ተመለስ፡ ብቐጥታን ብተዛዋዋሪ መንገድን መሳርሒ ናይ ጸላኢ ኣይትኹን ኢለ ክመኽረካ ይፈቱ።

  • Bilen February 19, 2014

    TaEsa,

    well said!!
    enqaE abti mangedi qnEnan metsaEka.

  • Tekle February 19, 2014

    Suleiman Salim nska kab mieda eritra b 1983/84 hadimka b adi tilian ghierka n Holland zateka ika heji dma ab London ab biet tzhfet PFDJ tserh aleka sk ilka nkichaka hseb halay hezbi eritra aykonkan medenageri nakawn gize allo weto hgdef

Post a Reply to TaESA Cancel Reply