Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምሕደራ ባጤራ ናቕፋን ማሕበረ-ቁጠባዊ ስምብራቱን[1]

ምሕደራ ባጤራ ናቕፋን ማሕበረ-ቁጠባዊ ስምብራቱን[1] ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.) መቸስ፡ ባጤራ እንታይ ኢዩ ኢለ እንተዝሓተኩም፡ “ምስራኣናዮ ንፈልጦ”፡ ኣርእየና’ሞ ክንነግረካ ከምትብሉን ኣይጠራጠርን ኢየ። ባጤራ ዳኣ፡ እዚ “ናቕፋ፣ ዶላር፣ ዩሮ፤ የን፣ ቅርሺ፣ ሪያል፣ ዲናር፣ ፐሶ፣ ራንዲ፣ ፓውንድ ኢስተርሊንግ፣ ክሮና፣ ወ.ዘ.ተ.”

ምሕደራ ባጤራ ናቕፋን ማሕበረ-ቁጠባዊ ስምብራቱን[1]

ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)

መቸስ፡ ባጤራ እንታይ ኢዩ ኢለ እንተዝሓተኩም፡ “ምስራኣናዮ ንፈልጦ”፡ ኣርእየና’ሞ ክንነግረካ ከምትብሉን ኣይጠራጠርን ኢየ። ባጤራ ዳኣ፡ እዚ “ናቕፋ፣ ዶላር፣ ዩሮ፤ የን፣ ቅርሺ፣ ሪያል፣ ዲናር፣ ፐሶ፣ ራንዲ፣ ፓውንድ ኢስተርሊንግ፣ ክሮና፣ ወ.ዘ.ተ.” ዝባሃል ‘ወረቐት ወይ’ውን ሓጻውን’ ዶ ኸ ኣይኮነን’ውን ትብሉ ትኾኑ። እወ፡ ኣይተጋገኹምን፡ እዚኦም ኩሎም ኣስማት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ባጤራታት ኢዮም። ባጤራ ግን እቲ ‘ወረቐት ወይ’ውን ሓጻውን’ ዘይኮነስ፡ እቲ ብድሕሪኦም ዘሎ ሳይንሳዊ ሓሳብ/ጥበብ ኢዩ። ወዲ-ሰብ ንኣሻሓት ዓመታት ክጥቀመሉ ዝጸንሐን ዘሎን ጥበብ ኮይኑ፡ ኣብ ታሪኽ ወዲ-ሰብ እቲ ዝበልጸ ሳይንሳዊ ምህዞ (the greatest invention ever) ኢዩ እንዳተባህለ ኢዩ ዝግለጽ። ኣብዚ ነዊሕ ታሪኻዊ ጉዕዞ፡ ዓይነት ናይቶም ከም ባጤራ ዘገልግሉ ነገራት ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንዳተለወጡ መጺኦም፡ ሕጂ ናብ ‘ነገራዊ-ዘይኮነ ባጤራ ወይ’ውን ኤለክትሮኒካዊ ባጤራ’ ምጥቃም ተበጺሑ ኣሎ። እቲ ብድሕሪ ባጤራ ዘሎ መሰረታዊ ሳይንሳዊ ሓሳብ/ጥበብ ግን ኣይተለወጠን።

ባጤራ፡ ነንሕዶም ዝመላልኡ፡ ግን ካኣ ዝተፈላለዩ፡ ሰለስተ መሰረታውያን ዕዮታት ይዓዪ – (1) ከም መተዓዳደጊ (መገዛዝኢ) (medium of exchange)፣ (2) ከም መኻዕበቲ/መዋህለሊ ሃብቲ (store of value)፣ (3) ከም መገለጺ ዋጋታት/ሒሳብ (unit of account)። እዞም ዕዮታት እዚ’ም፡ ንምዕባለ ሃገርን ንማዓልታዊ ሂወት ሓደ ሕብረተ-ሰብን ደረክቲ ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ ብግቡእ ክዓሞም ዝኽእል ጥዕንኡ ዝሓለወ ባጤራ ኣብታ ሃገር ክህሉ ኣለዎ። ምቑጽጻርን ምምሕዳርን ባጤራ ሓላፍነት ናይ ‘ማእከላይ ባንኪ’ እታ ሃገር ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ማእከላይ ባንክታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስታት እተን ሃገራት ስለዝኾና፡ እቲ ምቑጽጻርን ምምሕዳርን ባጤራ’ውን መንግስቲ ኢዩ ዝገብሮ። ኣብ ኤርትራ፡ ከም ማእከላይ ባንኪ ኮይና ተገልግል፡ ‘ሃገራዊ ባንኪ ኤርትራ’ እያ። ንሳ ካኣ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ/ስርዓት ኤርትራ ስለዝኾነት፡ ብትእዛዝ መንግስቲ ኢያ ናቕፋ ትሓትም። ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት (ከም ባዓል ኣመሪካ፣ ናይ ምዕራብ ኣውሮጳ ሃገራት፣ ወ.ዘ.ተ.)፡ እቲ ማእከላይ ባንኪ፡ ‘ነጻ ወይ ሓውሲ ነጻ’ ትካል ኮይኑ፡ ካብ ናይ መንግሲቲ ጸቕጢ ዝተላቐቐ ስለዝኸውን፡ ብናይ መንግስቲ ትእዛዝ ባጤራ ኣይሓትምን ኢዩ።

ዓቐንን ዑደትን ሓደ ባጤራ ምስቲ ዓቕምን ኣፍራይነትን ቁጠባ እታ ሃገር ከሳኒ ኣለዎ። እንተዘይኮነ፡ ብብዝሒ ባጤራ ሓቲምካ ኣብ ዑደት ምውዓል፡ ኣብታ ሃገር ‘ዝቕባበ’ (Inflation) ኢዩ ዘስዕብ። ‘ዝቕባበ’ ካኣ ካብቶም ንዓቕምን ጥዕናን ባጤራ ናይ ሓደ ሃገር ዝሃስዩ ኩነታት ሓደን እቲ ቀንድን ኢዩ። መንግስታት፡ ካብ ብቀረጽ ግብሪ/ፈሰስ ካብ ህዝቢ ብዝእክብዎ ገንዘብ ዓመታዊ ባጀቶም እንድሕርዳኣ ዘይሽፍኑ ኮይኖም፡ ነቲ ሃጓፍ፡ ባጤራ ብምሕታም ኢዮም ዝሽፍንዎ (monetizing the debt)። ከም ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት፡ ኣፍራይነት ትሑት እንተኾይኑ፡ እቲ ናይታ ሃገር ቁጠባ ብዙሕ ስለዘየፍሪ፡ መንግስቲ ካብ ቀረጽ ግብሪ/ፈሰስ እኹል ገንዘብ ክእክብ ኣይክእልን ኢዩ። ካብ ናይ ዓለም ናይ ገንዘብ ዕዳጋ’ውን ገንዘብ ክልቃሕ ስለዘይክእል፡ እቲ እንኮ ምርጫ፡ ባጤራ ሓቲምካ መንገስታዊ ወጻኢታትካ ምሽፋን ኢዩ ዝኸውን። እዚ ካኣ፡ ብሰንኪ እቲ ዝስዕብ ዝቕባበ፡  ናይ ምዕዳግ ዓቕሚ እቲ ባጤራ ምንቁልቋል የኸትል። ኣብ ብንቡር ዝዓዪ ቁጠባታት፡ ደሞዝ ብመንጽር ኣፍራይነት ኢዩ ዝተመን። ኣፍራይነት እንተዓብዩ፡ ደሞዝ ይዓቢ፤ ኣይፍራይነት እንተጎዲሉ ካኣ ደሞዝ ይጎድል። እቲ ንሓደ ደሞዝተኛ ዘገድሶ፡ ብደሞዘይ ከንደይ ክገዝእ ይኽእል ዝብል ስለዝኾነ፡ ኣብ ጊዜ ዝቕባበ፡ ደሞዙ ብመጠን እቲ ዝቕባበ እንተዘይዓብዩ፡ ሓቃዊ ደሞዙ (ናይ ምግዛእ ዓቕሙ) ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንደንቆልቆለ ኢዩ ዝኸይድ። ብናቕፋ ንዝኽፈል ደሞዝ ኣብ ኤርትራ ኣመለኪቱ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ ደሞዝ ኣይተቐየረን። ንዓሰርተ ወይ ዕስራ ዓመት ወይ እውን ልዕሊኡ ይኸውን ደሞዝ ኣብ ቦታኡ እዩ ዘሎ።” ኢሉ’ውን ነይሩ። ዝለዚ፡ ኣብ ኤርትራ ነዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ናብራ “ካብ ለዘበንሲ፡ ዓሚ ይሓይሽ” እንዳተባህለ ኢዩ ክሕለፍ ተጸኒሑን ዘሎን ማለት ኢዩ። ስለምንታይ?

ከም ኣባሃህላ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ እንተኮይኑ፡ ምንጪ ናይቲ ጸገም “ናይ ዋጋታት ምውቕቓዓትን (speculations) ናይ ደገ ሽርሒን” ኢዩ። ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ “ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ብዘይምቍጽጻር ክጋልብ ዝጸንሐ ዝተፈላለየ ኣካይዳታት፡ ብቐንዱ ናይ ደገ ሸርሒ እዩ። እዚ ኹሉ ምዝባዕ (Distortion) ዘተኣታቱ ዘሎ ኸኣ፡ ካብ ደገ ዝለኣኽ ሓዋላ እዩ።” ይብል’ሞ፤ ቅጽል ኣብሉ ካኣ፡ “እዚ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ዓሰርተ ገለ ዓመታት ክግበር ዝጸንሐ፡ ውዱብ ገበን እዩ። እታ ሃገር ከይትቐስን ምእንቲ፡ ሓዋላ ምእንቲ ከይትጥቀመሉ፡ክዕገትክሕነቕ ኣለዎተባሂሉ ስለ ዝተሰርሓሉ፡ ነቲ ናብ ውሽጢ ቍጠባ ሃገር ክኣቱ ዘለዎ ሓዋላታት ዝሓንቕ መርበባት ተዋዲዱ። ነዚ ናይ ስለያ ትካላት እየን ዝመርሓኦ። ብደገ ደገ ካልእ ክረኣየካ ይኽእል ይኸውን። ኣብ ውሽጢ፡ መን የካይዶ? – መን ይመርሖ? እንተ ኢልካ ግን፡ ኣብ ደገ ዘሎ እዩ ዝመርሖ።” እውን ይብል። እስከ፡ እዚ ኣባሃህላ እዚ ማዕረ ክንደይ ኢዩ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ዝሳነ ንርአ። ቅድሚ ናብቲ ናይ ባሓቂ “ሓዋላ” ድዩ ቀንዲ ምንጪ ናቲ ዝባሃል ዘሎ ምዝንባዕ ዝብል ሕቶ ምፍታሽና ግን፡ መጀመሪያ፡ “ስለምንታይ ኢዮም ኣብ ደገ ዘለዉ ኤርትራውያን ሓዋላ ዝሕውሉ (ገንዘብ ናብ ኤርትራ ዝሰዱ) ዝብል ሕቶ ብውድዕነት ምምላስ ኣገዳሲ ኢዩ እብል።

ዋላኳ ንብዙሕ ምኽንያታት ክኸውን እንተኻኣለ፡ እቲ ዝበዝሐ ኣብ ደገ ዝነብር ኤርትራዊ ግን፡ ንኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ንዝተጸገሙ ቤተ-ሰቡ ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝገብሮ ሓዋላ ኢዩ። እቲ ንዝተጸገመ ቤት-ሰብ፣ ዘምድ ኣዝማድ፣ ጎሬበት፣ ወዲ-ዓዲ፣ ወ.ዘ.ተ. ምሕጋዝ ሰናይ ስነ-ምግባርን ሓደ ካብቶም ዘኽርዑ ባህልና ዋላኳ እንተኮነ፡ ስለምንታይ ኢየን ኣብዚ ጊዜ እዚ ብዙሓት ኤርትራውያን ስድራ-ቤታት ነብሰን ዘይካኣላን ተጸበይቲ ዝኾና ዘለዋን? ዝብል ሕቶ ምፍታሹ ኣገዳሲ ኢዩ። ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ ዝብል ገድፍካ፡ እቲ መልሱ ትንታነ ዘድልዮ ኣይኮነን – ስራሕ ዘይምህላውን (ሽቕለት-ኣልቦነትን) ዋላ እቶም ስራሕ ኣለዎም ዝባሃሉውን  እኩል እቶት ዘይረኽቡ ምዃኖምን ኢዩ። መብዛሕትኡ፡ እቲ ዝሕውል’ውን  ትርፊ ረኺቡ ዘይኮነስ፡ እዚ ኩነታት እዚ ኣገዲድዎ፡ ገለ ክልተ ሰለስተ ስራሕ እንዳሰርሐ፣ ገለ ካብ ኣፍ ደቁ ኣንዳ ኣሕደገ፣ ገለ እንዳተለቀሐ፣ ገለ ናይ ጥረትኡ ገንዘብ እንዳሽረፈ፣ ወ.ዘ.ተ. ኢዩ ንዝተጸገመ ቤተ-ሰቡ ገንዘብ ዝሰድድ። ቤተ-ሰቡ ነብሶም ዝኸልሉ ኩነታት እንተዝነብር፡ እቲ ዝሕወል ገንዘብ’ውን ብኡ መጠን ንጎደለ። ስለዚ፡ እንድሕርዳኣ ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ ናይ ብሓቂ፡ “ሓዋላ” ኢቲ ምንጪ ናይቲ ጸገም ኢዩ ኢሉ ዝኣምን ኮይኑ፡ እቲ መፍትሒ ኣብ ኢዱ ኢዩ ዘሎ – ሽቕለትን ኣፍራይነትን ዝፈጥር ኩነታት ኣብ ኤርትራ ብምፋጣር፡ ኩሉ ኤርትራዊ ሰሪሑ ከነባብሮን ቤተ-ሰቡ ክኣልየሉን ዘኽእል  እኩል ኣታዊታት (ደሞዝ) ከምዝረክብ ምግባር ኢዩ። ብዛዕባ ከመይን ብኸመይን ዝብሉ ዛዕባታት፡ ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ስለዝበልኩን ስለዝጽሓፍኩን፡  ሕጂ ምድጋም ከይከውን፡ ናብቲ ቀንዲ ዛዕባ ናይ’ዚ ጽሑፍ፡ “ሓዋላ ዲዩ ከ እቲ ናይ ባሓቂ ቀንዲ ምንጪ ናይቲ ጸገም?” ዝብል ሕቶ ብምምላስ ሳይንሳዊ ፈተሻ/ትንታነ እንተተገብረሉ ጽቡቕ ኢዩ እብል።

ናይ ሓደ ባጤራ ዋጋ ብኻልእ ባጤራ ክትመን ከሎ “ሸርፊ” (Exchange Rate) ይባሃል። ሸርፊ ካኣ፡ ጥቅልል ብዝበለ ክረአ ከሎ፡ (1) ብሕጊ ‘ጠለብን’ ‘ቀረብን’ ኣብ ናጻ ዕዳጋ ወይ ካኣ (2) መንግስቲ ብዝድንግጎ መጠን ኢዩ ዝውሰን። ኤርትራ: እዚ ኣብ ካላኣይ (2) ዘሎ ኣገባብ ኢያ ትጥቀም። ኣብነት ንምጥቃስ፡ ‘ሓደ ዶላር ብ 15 ናቕፋ’ ክሽረፍ ኣለዎ ኢሉ መንግስቲ ኤርትራ ብዝደንገጎ መሰረት፡ ኣብ ወግዓውያን ናይ መሽረፊ ትካላት ይሽረፍ። በዚ መሰረት ካኣ፡ ሸርፊ ሓንቲ ናይ ኣመሪካ ዶላር ኣብ 15 ናቕፋ ተሸኺላ ንነዊሕ እዋን ጸኒሓ ማለት ኢዩ። ይኩን’ምበር፡ ‘ሓደ ዶላር ብ 15 ናቕፋ’ ዝብል ዋጋ፡ ምስቲ ብሕጊ ‘ጠለብን ቀረብን’ ኣብ ናጻ ዕዳጋ ክውሰን ዝኽእል ዝነበረ ዋጋ ክነጻጸር ከሎ፡ ኣዝዩ ዝተሓተ ስለዝኾነ፡ ውሕዳት ኣቕረብትን (ሸየጥትን) ብዙሓት ጠለብትን (ገዛእትን) ዶላር ብምፍጣር፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ባጤራ ዕዳጋ ምዝንባዕን ሃጓፋትን ኢዩ ከኸትል ጸኒሑ። ኣብ ከምዚ ዓይነት መጠን ሸርፊ፡ ነቲ መንግስቲ ዝገብሮ ቀዋሚ መጠን ሸርፊ ንምክልኻል፡ ባንኪ ኤርትራ ናይ ወጻእ ሸርፊ ብምግዛእን ብምሻጥን ኣብ ናይ ወጻእ ሸርፊ ዕዳጋ ጣልቃ ክትኣቱ እዩ ዝግባኣ ዝነበረ። ኮይኑ ግን፡ ባንኪ ኤርትራ ንተንቀሳቓሲ ሕሳብ ዘለዎም ግብረ ዋኒናት (ኣምጻእትን ለኣኽትን) ናይ ወጻእ ሸርፊ ኣገልግሎት ኣይትህብን እያ’ውን።  ጣልቃ ብምእታው ነቲ ዕዳጋ ከረጋግእዎ ስለዘይካኣሉ ካኣ፡ ጎኒ ጎኒ ዝኸይድ ናይ ወጻእ ሸርፊ ጸሊም ዕዳጋ ከም ዝህሉ ገይሩ። ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዘሎ መጠን ሸርፊ ምስቲ ብዕሊ ዝግበር መጠን ሸርፊ ክወዳደር ከሎ ኣዝዩ ላዕሊ እዩ። እተን ፕረዚደንት ኢሳያስ “ናይ ከትሪ ባንክታት” ኢሉ ዝኸሰን ዘሎ “ሓዋላ ዘሽርፋ ትካላት”፡ ኣካል ናይዚ ብኸምዚ ዓይነት ዝተፈጥረ “ጸሊም ዕዳጋ” ኢየን። እዚ’ተን ካኣ፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለም (እንኮላይ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ) ዝዝርጋሕ መርበባት ኣለወን። ብዝሓት’ውን ምስ ትካላት ህግደፍ ዝተኣሳሰራ (እንተስ ብትኩል (Vertical) እንተስ ብጎድኒ (Horizontal) ዝተኣሳሰረ ዝምድና) ምዃነን ይእመን። ንምዃኑ  ኸ፡ ብኸመይ እየን ዝሰርሓ?

ሓደ ኣብ ወጻኢ ዝነበር ኤርትራዊ: ገንዘብ ናብ ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ስድራ-ቤቱ ክሰድድ እንተድልዩ፡ ናይ ወጻኢ ባጤራ ናብዘን “ሓዋላ መሽረፍቲ” ዝበልናየን ትካላት (ኣብቲ ዝነብሮ ዓዲ ዘለዋ ይኹና ኣብ ካልእ ከባቢ) ይሰድድ፤ ንሳተን ካኣ ነቲ ዝተሰደለን ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣብ ኢደን ምስበጽሐ፡ በቲ ዝተሰማምዕሉ ሸርፊ መጠን፡ ብናቕፋ ሕሳብ ንስድራ-ቤቱ ይህባሉ። እታ ተሽርፍ ዘላ ትካል፡ ወይ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ መሻርክቲ ትካል/ውልቀ-ሰብ ክሕልዋ ኣለዎ፡ ወይ ካኣ  ካብ ደገ፡ ናብን ካብን ኤርትራ ናቕፋ ተሰኪሙ ዘባጻጽሕ መርበብ ክህልዋ ኣለዎ። እቲ ቀንዲ ክማላእ ዘለዎ ግን፡ ቀጻሊ ዝኾነ ናይ “ናቕፋ” ምንጪ ክህልዋ ኣለዎ። እዚ ብኸመይ ይማላእ ዝብል ሕቶ ምምላስ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ኢዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ መሽረፊት ትካል፡ ብዝኾነ ዓቐን ናቕፋ ትጀምር ንበል። ኣብ ቀዳማይ ዙር ዝርሓ፡ ነተን ዘለዋኣ ናቕፋ ብኸምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጥቕሰ ኣገባብ፡ ናብ ናይ ወጻኢ ባጤራ ትልውጠን እሞ ንበል። ኣብ ካልኣይ ዙር ዝርሓ፡ መጀመሪያ ነተን ናይ ወጻኢ ባጤራ ናብ ናቕፋ ክትልውጠን ኣለዋ። ነዚ ንምግባር ክልተ ተኽእሎታት ኣሎ – (1) ነቲ ዝኣከበቶ ናይ ወጻኢ ባጤራታት ብናቕፋ ምሻጥ (ናቕፋ ሂቡ ናይ ወጻኢ ባጤራ ዝገዝእ ትካል ክትረኽብ ኣለዋ)፣ ወይ ካኣ (2) ነቲ ናይ ወጻኢ ባጤራታት ናብ ኣቑሑት ብልዋጥ (ኣቑሑት ብምግዛእ)፡ ነቲ ኣቑሑት ናብ ኤርትራ ኣእቲኻ ብናቕፋ ሸጥካ ናቕፋ ምእካብ። ብኸምዚ ዓይነት ኣገባባት ዝተኣከበ ናቕፋ፡ ኣብ ካላኣይ ዙር ስራሓ፡ መሽረፊ ሓዋላ ትጥቀመሉ’ሞ፡ እቲ ስራሕ ብከምዚ ዓይነት “ዕንኪላሎ (cycle)” ቀጻልነት ይረኽብ።  ከምዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ቻርት ዘመልክቶ፡ እተን ናቕፋ ሂበን ናይ ወጻኢ ባጤራታት ክገዝኣ ዝኽእላ ትካላት፡ ብመዛሕትኡ፡ ናይ ህግደፍ ትካላት ኢየን። እቲ ናቕፋ       ናይ ወጻኢ ባጤራታት        ኣቑሑት       ናቕፋ ዝልውጥ መስርሕ ብመርበብ “ኮንትሮባንዳ” ዝግበር ኢዩ። ኤርትራውያን፡ ኣብ ዓዶም ዘድልዮም ኣቑሕት ከፍርዩን፡ እቶም ከፍሪይዎም ዘይክእሉ ኣቑሑት ካኣ ብወግዓዊ “ምምጻእን ምልኣኽን (import export) ኣብሎም ካብ ደገ ከምጽእሉ ዝኽእሉሉ ኩነታት ብምፍጣር፡ ናይ ኮንትሮባንዳ ንግዲ ክትቖጻጸሮ ይካኣል ኢዩ። እዚ ካኣ ኣብ ኢዲ መንግስቲ ኤርትራ ዘሎ ኢዩ።

ይኩን’ምበር፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ እቲ ጸገም ናይ ወጻኢ ሽርሒ ኢዩ  ብምባል ኢዩ ንኻለኦት ሓላፍንተ ከሰክም ፈቲኑ። ከምዚ’ውን ይብል፡ “—ኣብ ደገ እንድሕሪ ዝሽረፍ ኰይኑ፡ ሓደ ድኳን ዝኸፈተ ሰብ፡ ዶላር ወይ ዩሮ፡ ወይ ርያል ተቐቢሉ፡ ከመይ ገይሩ ናቕፋ ከቕርብ ይኽእል? እቲ ብማዕረ ማዕሪኡ ዝኸይድ ጥበብ፡ ካብ ናቕፋ ተዘቚቝ፡ ክሻታት ተመሊኡ ናብተን ባንክታት ይኸይድ።”  ከምዝፍለጥ፡ ኣብ ኤርትራ ናቕፋ ዝሓትም ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካኣ ኣብ ማዓላ የውዕሎ (ንዑዳት ይዝግርሖ)። ስለዚ፡ ዝኾነ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ወጻኢ ዝኾነ ትካል/ሰብ፡ ናቕፋ ሰሪሑ ወይ ገለ ሸይጡ ጥራሕ ኢዩ ክረኽቦ ዝኽእል። እሞ ዳኣ፡ እቲ ናቕፋ እዳዛቖቐ ብክሻታት መሊኡ ብቀጻሊ ናብተን ባንክታት ዝሰድድ ዝባሃል ዘሎ መን ኢዩ? ከመይ ገይሩ ኸ፡ ነቲ ናቕፋ ብቐጻሊ ይረኽቦ?  ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ ነዘን ሕቶታት ብውድዕነትን ብግቡእ እንተዝምልሰን፡ እቲ ጸገም ኣብ ደገ ዘይኮነስ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ምዃኑን፡ እቲ መፍትሒ’ውን ኣብ ኢዱ ከምዘሎ ንተገንዘበ ነይሩ። ብግደ ሓቂ ኸ፡ ከምኡ ምዃኑ ስለዘተገንዘቦ ዲዩ? መልሲ፡ ንኣንበብቲ እሓድጎ።

እቲ ካልእ ጉዳይ፡ ብዛዕባ ናይ ዕድጊ ኣቕሚ ሃገራዊ ባጤራ (ናቕፋ) ዝምልከት ዝተባህለ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ናይ ምዕዳግ ዓቕሚ ሓደ ናቕፋ (Purchasing Power)፡ ብኩነታት ኣፍራይነት ዜጋትትን (Labor Productivity) ብቕዓትን ኩነታት ገንዘባዊ ምሕደራ መንትግስትን (Monetary Policy and Money Management) ኢዩ ዝጽሎ። ንናይ ናቕፋ ናይ ምዕዳግ ኣቕሚ ዝቐትሎ ዘሎ፡ ብሰንኪ ምስ ኣፍራይነት ዘይማጣጠን ብብዝሒ ናቕፋ ምሕታም ዝሳዓበ ዝቕባበ (Inflation) ኢዩ:: ዝቕባበ ናይ ምቑጽጻር ሓልፍነት ካኣ ናይ መንግስቲ ኢዩ። እንተ እቲ፡ ዕድጊ ዓቕሚ ሃገራዊ ባጤራ፡ ብመንጽር ናይ ወጻኢ ባጤራ፡ ኣብ ሚዛን እንታይ ኤርትራ ኣፍርያ ንደገ ትሸይጥን (Export) እንታይ ከ ካብ ደገ ትገዝእን (Import) ኢዩ ዝምርኮስ። ብመንጽር እዚ ከረአ ከሎ፡ ሓያል ሃገራዊ ባጤራ ንቑጠባዊ ምዕባለ ሃገር ጽቡቕ ኢዩ ማለት ግን ኣይኮነን።

በቲ ካልእ መልክዑ ክጥመት እንከሎ፡ ኩነታት ሸርፊ ንኣብ ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዊ ብቐጥታ ኢዩ ዝጸልዎ። ብኽልተ ነገራት ካኣ ይትንከፍ – ኩነታት ዋጋታት ኣቑሑ ብናቕፋ ኣብ ኤርትራን ኩነታት ሸሪፍን (ሓደ ናይ ወጻኢ ባጤራ ከንደይ ናቕፋ ይሽረፍ)። ኣብ ኤርትራ ዋጋታት ኣቑሑ ኣይጎደለን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እንዳወሰኸ ኢዩ ክኸይድ ጸኒሑ። ብሰንኪ ዝተገብረ ምቕያር ናቕፋ ዝሰዓበ ኣርጎጽጎጽ፡ ዋለ እቲ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዝግበር ሸሪፊ ጎድሉ ኢዩ ጸኒሑን ዘሎን። ስለዝኾነ ካኣ፡ ዝኾነ ሓዋላ ዝሰድድ ኤርትራዊ፡ ካብቲ ቅድም ኢሉ ዝሕውሎ ዝነበረ ናይ ወጻኢ ባጤራ፡ ኣኻዕቢቱ እንተዘይ ሓዊሉ (ሰዲዱ)፡ ነቶም ዝሕውለሎም ዝነበረ ስድራ-ቤቱ፡ እኩል ናቅፋ ክሰደሎም ኣይክእልን ኢዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኣብ ኣመሪካ ዝነብር ኤርትራዊ፡ ንቤተ-ሰቡ  ወርሒ ወርሒ $100.00 (ሚኢቲ ናይ ኣመሪካ ዶላር) ይሕውለሎም እንተነይሩ፡ ሕጂ ዕጽፊ ወይ’ውን ካብኡ ንላዕሊ እንተዘይ ሰዲድሎም፡ ናይ ወርሒ ወርሒ ወጻኢታቶም ክሽፍነሎም ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ፡ ካብ ዘምጸአ ኣምጺኡ ወሲኹ ክሰድድ ኢዩ ዝግደድ።

[1] እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ኩነታት “ባጤራ ናቕፋ” ኣመልኪቱ ብዕለት 10 ጥቅምቲ 2017 ዝሃቦ ቃለ-መሕትት፡ ስነ-ቁጠባዊ ትንታነን ሚዛንን ንምግባርን ንምቕማጥን ዝተጻሕፈ ኢዩ። ማሕበረ-ፖለቲካዊ ትንታነ፡ ኣብ ካልእ ጊዜ ክስዕብ ኢዩ።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • Dawit October 21, 2017

    Once we get rid the mad dog DIA. we will have a new Eritrean currency with a Christian Habesha peasant in the front and on the back page we will have our Christian Habesha churches logos or symbols of the new Eritrean currency.
    The present one with the most ugly Halima, Fatuma Afghan mujahideen taliban looking women and with the so-called “liberators” the criminal shefatu/bandits should be destroyed all together and dumped to the garbage place.

    • k.tewolde October 21, 2017

      Axum and Lalibela logos,is that what you mean Mr. currency curator.?

      • AHMED SALEH !!! October 21, 2017

        Yes , his words speak by itself .
        Halima and Fatima are foreigners for
        him because he seems a product of Tigray-Tigrigni extremist ideology .

        • Berhe Tensea October 26, 2017

          Welcome back Ahmed after some absence , may be you needed to take a break from the mad dogs or great grandsons of Bashai Lema .
          The Tigray Tigrigna issue the designs of Iseyas and his Tgrawot bt blood friends,
          Iseyas come to the Eritrean revolution to cause damage and spy only,
          His main plan to cause conflicts and to kneel down the revolutionaries.
          As the Eritrean revolution become unstoppable ,he decided to continue after getting undeserving promotion from ELF.
          He later back stabbed the ELF.
          The whole issue of the agazian is to fulfill the grand dram of Iseyas to reunite Eritrea with Ethiopia.
          Iseyas is working overtime to empty Eritrea and humiliate Eritreans by turning them to beggars, and impoverished, and hungry people.
          Iseyas has avenged the inferiority complexion and insults suffered by inconsiderate Eritreans for many years.
          Note- Iseyas and his friends were encouraging Eritreans to insult Tigrayans, just to appear Eritreans and dispel suspicion.
          Iseyas dream is to see a united Ethiopia, to fulfill his and grandparents dreams.
          Iseys even can not say “we Eritreans in evey address to the people except saying izi hizbi .
          Iseyas will not give a damn about Eritrea, what he wants is its resourceslike Haile sellasie who dreamed about Eritrean lands and not its people.
          Death to Bashai Lema, and his ignorant puppets who work day and day out against their own best interest.

        • Berhe Tensea October 27, 2017

          Ahmed Salieh, Welcome back although you are encountering few ignorants who are working against their own very interest , by defending the Bas`hai Lema grandson on daily basis, keep up the fight.
          There will be always people who will work against themselves, their family and poor people..
          One day Sealin was confronted by an official to change his policies to avoid from angering the masses. Stalin answer was full of laughter , and said ” don’t bther ny these herd, as they will believe what we feed them through or mass media.
          Isu who copy some of Stalin methods also is not bothered by the ignorant majority , who are forgotten by the worlds advancement on many fields .
          Bigots and racist must eliminated from this site, as soon as possible.
          Death to Bashai Lema grandson who is working hard to reunite Eritrea with Ethiopia and his confused puppets , who are crying to join Tigray to fulfill Isu’s grand dream.

      • Berhe Tensea October 27, 2017

        You are 100% You can also add Kola Tembien region as well brother.

        • Berhe Tensea October 27, 2017

          K Tewelde You are 100% right, thank you.

  • Berhe Tensea October 21, 2017

    Thank you very much for your constructive information. The Nakfa at this time a worthless currency with a very law purchasing power.
    The Nakfa is the currency of Bashai Lema grandsons.
    Thank you very much

  • Stefanos Temolso October 21, 2017

    It is the habit of this stupid man to blame others for his own crimes. As long as he is not accountable he can say whatever he likes. But the day of reckoning will come. Then he will make a U turn and will try to tell a different and misleading story.

  • AHMED SALEH !!! October 21, 2017

    Poor Eritreans in diaspora became his next victims
    to blame for his government failures . Our people
    have benefited from money sent by citizens outside
    the country . But this leader couldn’t recognize our
    efforts to help our family except for his selfish interest
    Typical ” HASAD .SEB ” behavior .

  • Natnael October 21, 2017

    ኣብ ቤትካ ዛኣተወ ገበል ብቕልጡፍ እንተዘይቀቲልካዮ ሳዕቤኑ (ክሳርኡ) ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳተኾመረ እዩ ዝበዝሕ። ፍረ ስቕታና ከኣ እዝንና ኣድኒኑ ፣ ኣገቲሩናን ኣኾርምዩናን እነሄለ !! እቲ ኢድና ይኳለሱሉ ፣ ጥግራይ-ትግርኚ እውን ይሃንጹሉ። እቲ ኣፍና ግን ብኹለንተናኡ ስቕ ኢሉ !

    • Danilo October 21, 2017

      ብርግጽ፡እቲ ኣብ በትና ዘሎ ገበልን ኣብ ማዕዶና ዘሎ ሓርገጽን ኣለሊና ንቃለሰሉ እዋን ሕጂ ኢዩ።

  • k.tewolde October 21, 2017

    kleptocracy is on the rise globally from middle east to the far east and the west..this intricately woven network which serves the few and keeps the vast majority struggling and in destitution has no boundaries or borders,the elements are related from Eritrea to Ethiopia and beyond,the rest is a facade to keep us divided and in the dark.To keep things in perspective I suggest you pick up the book written by Sarah Chayse titled ‘THE THIEVES OF THE STATE’,it is eye opening.The head of the state owning the nation’s 11 banks in Somethingstan,unbelievable! The conquistadors back home and their relatives south of the border ain’t different.This is not about ELF,EPLF,EPRP….moslem,pagan,christian,jalabiya and kemish. In order to fight and win against your enemy,you have to know who he is.

    • Geje October 21, 2017

      You wrote, “The conquistadors back home and their relatives south of the border ain’t different.”
      This applies even more to the enslaved Jebha Shaebia leadership, the Janjawids, their mafia gangs and the Arab slave Abids who hated themselves, history, identity and languages and still conspiring to recreate us like their Arab masters in the image of the retard Wahabis, Gadhaffis, Sadams, Turabis and Hafezes. A volunteer slave with a lazy mind ashamed of his own identity and history can not lecture Eritreans about their own “history”. My proud ancestors say: “ንፋለጥ እሞ ንማለጥ” ፤ ይብሉ።

      • AHMED SALEH !!! October 22, 2017

        Hello our south border neighbor . I like your name .

        • k.tewolde October 22, 2017

          You identified him positively brother Ahmed.They can’t handle the truth,can they.You are exposed,enjoy the loot for now.your fate is predetermined already,you can’t enslave people forever.Pick up and read the book Geje,it is an instant replay of you and your likes.

          • Seifu October 22, 2017

            K.Tewolde. we hate you so much for being an animal beast and instrumental for your terrorist murderer evil Muslim Arab bosses. How much do you get paid for your dirty prostitution like business. Drop dead dikha foreigner animal beast.

        • Seifu October 22, 2017

          Hello our unwanted and unknown Arab nomads invader. We hate your name, religion and your half man half woman nature.

  • AHMED SALEH !!! October 22, 2017

    Geje , Seifu , Yitebarekh , Dawit ……………………………. represents TWISTED HEART ( LIBI TUWUYWAY ) .
    Your negative insulated comments reflect your corrupted and evil state of mind .

  • amanuel tesfai October 23, 2017

    Isaias Afewerki he is a monster in the world
    I hope he is going out very soon from land of Eritrea and people of Eritrean

  • amanuel tesfai October 23, 2017

    person lake Isayas monster in the world

Post a Reply to Geje Cancel Reply