Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብዚ ቐረባ መዓልታት ጀሚሩ መውጽኢ ቪዛ ምሃብ ደው ኣቢሉዎ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብዚ ቐረባ መዓልታት ጀሚሩ መውጽኢ ቪዛ ምሃብ ደው ኣቢሉዎ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። እቶም ምንጭታት እቲ ስጉምቲ ስለምንታይ ከምዝተወስደ ቁርጺ ምኽንያት 'ኳ እንተዘይሃቡሉ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ሕብረተሰብና እናዓበየ ምስ ዝመጽእ ዘሎ መንጸግቲ መምርሒታት

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብዚ ቐረባ መዓልታት ጀሚሩ መውጽኢ ቪዛ ምሃብ ደው ኣቢሉዎ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቶም ምንጭታት እቲ ስጉምቲ ስለምንታይ ከምዝተወስደ ቁርጺ ምኽንያት ‘ኳ እንተዘይሃቡሉ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ሕብረተሰብና እናዓበየ ምስ ዝመጽእ ዘሎ መንጸግቲ መምርሒታት ናይቲ ስርዓት ዝተኣሳሰረ ክኸውን ከምዝእል ኣሚቶም።

ብመሰረት ሓበሬታኦም፣ እቶም ኣብ መብል 28 ዙርያ ክሳተፉ ዝግብኦም ሓደስቲ ተዓለምቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት በቲ ዝድለ ቁጽሪ ናብ ሳዋ ኣይወረዱን። ካብቶም ውጽኢት መርመራ ኣብ ሳዋ ኢኹም ትንገሩ ዝተባህሉ ኣባላት መበል 27 ዙርያ ‘ውን ብተመሳሳሊ ብዙሓት ናብ ሳዋ ኣይከዱን።

ኣብ ርእሲ’ዚ እቶም ናብ ምዱብ መሳርዕ ሓይልታት ምክልኻል ክምለሱ ዝተኣዘዙ ኣብ በርጊሳዊ ህይወት እናሃለዉ በብኸተማኡን በብዓዱን ተዓሊሞም ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ኮይኖም ተሰሪዖም ዝጸንሑ ድማ ኣብያ ገይሮም ኣለዉ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተኻየደ ጽዑቕ ግፋ ነዚኣቶም ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ‘ውን ተፈሊጡ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • Justice September 14, 2014

    @Mike, I don’t think Gov. officials need Visa to travel out of the country. They have a different passport: Diplomatic Passport. I might be wrong tho Eri is weird place at the moment.

Post a Reply to Justice Cancel Reply