Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Breaking News: ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዳዕሮ ቃውሎስ 400 ኣባይቲ ኣፍሪሱ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ትማሊ 1 ሚያዝያ ዕጡቓት ወተሃደራት ብምውፋር ኣብ ዳዕሮ ቃውሎስ 400 ኣባይቲ ከምዘዕነወ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ፈለማ ንህዝቢ ናይቲ ዓዲ ናብ ኣስመራ ገጹ ንኸይወጽእ፣ ካብ ኣስመራ ‘ውን ናብታ ዓዲ ንኸይኣቱ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ትማሊ 1 ሚያዝያ ዕጡቓት ወተሃደራት ብምውፋር ኣብ ዳዕሮ ቃውሎስ 400 ኣባይቲ ከምዘዕነወ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ፈለማ ንህዝቢ ናይቲ ዓዲ ናብ ኣስመራ ገጹ ንኸይወጽእ፣ ካብ ኣስመራ ‘ውን ናብታ ዓዲ ንኸይኣቱ ብምዕጋት እዩ ነቲ ናይ ዕንወት ተግባር ፈጺሙዎ።

ብሰንኪ ‘ዚ ኣዕናዊ ተግባር’ዚ እቶም ኣባይቶም ዝፈረሶም ግዳያት ገለ ምስ ቤተሰብ ክጨቓጨቑ ከለዉ ሓያለ ስድራቤታት ብዘይመጽለሊ ኣብ ጎልጎል ተዛሕዚሐን ኣለዋ።

ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብታ ዓዲ ንዝርከብ ንዕንወት ዝሓረዮ ኣባይቲ ብቐይሕ ቀለም ድሕሪ ምምልካቱ ህዝቢ ዳዕሮ ቃውሎስ ታቦት ኣውጺኡ ተቓውሞ ኣርእዩ ስለዝነበረ፣ ነቲ ህዝቢ ድሂሉ ናይ ዕንወት ተግባሩ ንምቅላል ንወንንቲ ናይቲ ንዕንወት ዝሓጸዮ ኣባይቲ “200 ሽሕ ናቕፋ መቕጻዕቲ ክትከፍሉ ኢኹም” እናበለ ከፈራርሖም ከምዝወርሐ እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።

እቶም ህዝቢ ዳዕሮ ቃውሎስ ፈለማ ብዘርኣዮ ተቓውሞን ናይ ህዝቢ ዓዲ ቐይሕ ናዕብን ዝሰግኡ ብጀነራል ፍሊጶስ ወልደየወሃንስ ተኣዚዞም ነቲ ናይ ምፍራስ ዘመተ ዘተግበሩ ዕጡቓት ወተሃደራት ብታንክታት ተዓጂቦም ከምዝወፈሩ ‘ውን እቶም ምንጭታት ኣገዚቦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • oromay April 2, 2015

    War between armed regime and unarmed people. Never heard of in human history!

  • AHMED SALEH April 2, 2015

    Outukat serawit general Filipos bitankitat teajibom ab DAERO KAULOS
    zitefexeme metkaeti teawitom biselam ni Asmera temelisom .
    AWET NI HAFASH NAY EZOM FESHFASHAT SHEFATUN TEHABABERTOMN
    NAY TARIKH AYNI MISKR HIZBINA ALO MAALTIKHUM ZERKIBELKUM
    NIKHULU NENATU GHIZYE KEM ZELOWO DIMA AYTIRESEOU NIBLEKUM
    ZIHALFE TEMOKRONA INTE RESIEKUMO KHOINKUM
    MILS ILKUM INTE TIHASBULU YIHISHEKUM
    INTE ZEYKONE NATKUM NEGHER DILYLY IYU AB ABI SHIGR ZEITIWEKUM
    SILEZI ATUM KORAKHUR AYNIKHUM ABRHU AYNIKHUM YIBRAH KAB HIGI
    HGDF GHIZYAWI IMBER NIZELALEM NEBARI AYKONEN

  • Berhe April 2, 2015

    nsu Gezawti kefrs hizbike entay kgebr

    YERHIWO GOYTA.

  • Gebriela gaul HazHaz April 2, 2015

    A government is dysfunctional or not fit to govern a nation when it exploits its own people for sake of its own survival and amusement. The current whole picture in Eritrea is desperately bleak. There is no government in Eritrea. Even to call it a “regime” implies a system. In actual fact Eritrea is the state of Esayas Afewerki, the state is the mad man. Lets hope the next destruction or demolition would be on the mad dog himself and in a very near future. Amlak Yerhiwo Soon.

  • Emba Denden April 3, 2015

    Ertrawyan yfterelna. Gibrina eyu himaq edategebre tsibuq alo hager nibil hizbi. Meriruna hager gedifna wetsiena kinisina ayfalun nabra kemehaysh eye nibil newramat hizbi kabteqeyerna ezi ekua kiwihdena.

  • redae April 3, 2015

    demolition of houeses is not a problem from demolition of people.He founded shabiya,For This Mission and Never stopped
    and he will continue as long as we eritreans let hjm do whatever he wants

  • ኣርዓዶም April 3, 2015

    400 ገዛውቲ ክፈርስ ከሎ ማለት ልዕሊ 1200 ስድራ-ቤታት ተመዛቢለን ኣለዋ ማለት ኢዩ። እዚ ድማ ብሰንኪ ጽበት ኣባይቲ ዘኸተሎ፡ ስድራቤታት ደቖምን ደቒ ደቖምን ኣብ ሓንቲ ቤት ተጨቓጭቖም ምንባር፡ ኣብ`ቲ ባህሊ ዳርጋ ከም ልሙድ ኢዩ ተወሲዱ ዘሎ። በዚ ምኽንያት ብገምጋም ሓንቲ ቤት ንልዕሊ 8-9 ስድራ ተቐምጥ ተነይራ፡ በዚ ኣረሜናዊ ተግባራት ህግደፍ ብዝሒ ዝተመዛበሉ ብግምት ልዕሊ እዚ ዝጠቐስክዎ ኣሃዛት ክከውን ይኽእል ማለት ኢዩ። ብሓጺሩ ልዕሊ 1200 ስድራ-ቤታት ተመዛቢለን ማለት ኢዩ።

    ህግደፍ፡ ሰብ ኣሲሩን ቐቲሉን ኣስዲዱን ምውዳእ ምስ ኣበዮ፡ ሎሚ ኣብ`ቲ ብኽንደይ ድኻምን ጥምየትን ጨቖቕ ኢሎም ዝሰርሕዎ መንበሪ ቤቶም ብምእታው፡ ኣሻሓት ስድራቤታት ኣዘኽቲሙ ይርከብ። ህዝቢ ረዳኢ ስኢኑ ኢልካ ዝሕለፍ ነገር ኣይኮነን። እቲ ዝብሃል እኵ ሎምስ ተወዲ ኡና፡ ግን ከ ክሳብ ህግደፍ ካብዚ ኣረሜናዊ ተግባራትን ካብ ገጽ መሬት ኤርትራ ተሓጊሒጉ ዝድርበ፡ ገና ንሕና`ውን ከነቓልዖምን ክንቓለሶም ኢና።

    እዚ ዝገብሮ ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባራት፡ ንዓለም ከነፍልጥ ኣብ ነንነብረሉ ሃገራትን ከተማታትን ጭርሖታትና ጽሒፍና ጥርዓና ከም ቐድም ከነቕርብ ይግባእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ሕብረ ኢሮፔን ዝገብሮ ዘሎ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ክንቓወምን ቓልና ከነስምዕን ይግባእ።

    ከም ዝፍለጥ ሕብረት ኢሮፔን ንህግደፍ ሚልዮናት ዝግመት ገንዘብን ንብረትን ክህቦ ምዅኑ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ፡ እዝስ ምስ ምንታይ ይቑጸር ! በቲ ህግደፍ ሃገርን ህዝብን የሳድድን ይቐትልን ገዛውቲ የዕኑን፡ በዚ ድማ ኣጆኻ ዝብልዎ ሰባት ተሃልዮም፡ እቲ ዝተርፈና ዘሎ፡ ሰብና ዝኣከብና ኣኪብና ኣብ ቕድሚ ቤት ጽሕፈታቶም፡ ዝዓነወ ገዛውትን ዝተኣስሩን ዝተሰዱን ስእልታት ኣሰኒና ቓልና ከነስምዕ ይግባእ።

    ክቡራት ኣካየድቲ ኣሰና፡ ነዚ ሓሳብ ዝመጸኒ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ`ቲ ድርብ ስራሕኩም የእቲኹም ኣቓልቦ ክትህብዎን፡ ህዝቢ ዝጥርነፈሉ ኣገባብ ናብ ዝምልከቶም ኣካየድቲ ክተመሓላልፍዎ ተስፋ ይገብር።

    ዓውት ንኹሉ ደላይ ሰላም ፍትሒ
    ዕንወት ንዲክታተር ህግደፍ

    ኣርዓዶም

  • Tesfa April 3, 2015

    Wait and see, I am pretty sure Isaias will ask the Daero Kawlos residents to refund him the expense for the demolition.

  • Hagerawit April 3, 2015

    Bejakhatkum nIsaias entedea hizkumo keytketluwo, qdm ab H’gi qeribu bza’Eba ezi zgebro zelo gf’I klefalef alewo.

  • wedi Ken April 3, 2015

    Can someone please tell them that this is post-1991 & they are destroying Eritrean family homes not trenches of Derg’s soldiers. Looks like they don’t understand that they are already in KETEMA!! My God, what a thick head!

POST A COMMENT