Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኣስመራ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ እንዳማርያም ንዝርከብ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ቤትምህርቲ ትምህርቲ ከረክቡዎ ንዘቕረበሎም ትእዛዝ ንዝነጸጉ ሓሙሽተ ካህናት ኣሲሩ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ህድግለነ ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ነቲ ብ 1946 ዓመተ ምህረት ማለት ቅድሚ 71 ዓመታት ብ ደጃዝማች ሓረጎት ኣባይ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ደብረጽዮን ቅድስተ ማርያም ኣስመራ ዝተመስረተ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ቤትትምህርቲ ከረክቡዎ ንዘቕረበሎም ትእዛዝ ንዝነጸጉ

እቲ ህድግለነ ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ነቲ ብ 1946 ዓመተ ምህረት ማለት ቅድሚ 71 ዓመታት ብ ደጃዝማች ሓረጎት ኣባይ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ደብረጽዮን ቅድስተ ማርያም ኣስመራ ዝተመስረተ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ቤትትምህርቲ ከረክቡዎ ንዘቕረበሎም ትእዛዝ ንዝነጸጉ ሓሙሽተ ካህናት ቅድሚ ዓሰርተ መዓልታት ኣሲሩዎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቶም ነቲ `ገንዘብን ንብረትን ቤትምህርቲ ኣረክቡና`ዝብል ትእዛዝ ናይቲ ዓማጺ ስርዓት `ሎሚ ኣይነረክብ ጽባሕ` ኢሎም ብምንጻጎም ተመቚሖም ዘለዉ ኣባላት ሰበኻ ጉባኤ፡ ቀሺ ስምኦን ሃይለ ሃብተገርግሽ፡ ቀሺ ጴጥሮስ ተኽለ ሃብቱ፡ ቀሺ ኣማኑኤል ሃይለ ሃብተገርግሽ፡ ከምኡ `ውን ዛጊት ኣስማቶም ከነረጋግጾ ዘይከልኣልና ክልተ ኣባላት ሰበኻ ጉባኤ እዮም።

ብመሰረት `ቲ ሓበሬታ፡ በቲ ኣረሜናዊ ስጉምቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝነደሩ ጳጳሳት ገዳም ደብረቢዘንን ብሓፈሻ ወለዶ ክህነት ተዋህዶ ቤተክርስትያንን፡ እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ኣባላት ሰበኻ ጉባኤ ንዝወሰዱዎ ተባዕ ስጉምቲ ብምንኣድ፡ `ኣብ ቃልኩም ጽንዑ፡ ንሕና ውን ዋላ ማእሰርቲ እንተመጸ ኣብ ጎንኹም ኣለና፡` ኢሎም ደገፎም ይገልጹሎም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ፈለማ ነታ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ኣስመራ እትካየድ ዝነበረት ሰሚናርዮ ተባሂላ እትፍለጥ ቤትምህርቲ፡ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ወርሒ ድማ ኣብ ኣኽርያ ንእትርከብ ቤትምህርቲ እስልምና ኣል-ዲያእ ናይ ምቊጽጻረን ትእዛዝ ምስ ኣመሓላለፈ ንዝተቓወሙዎ ኣካየድተን ድሕሪ ምእሳሩ፡ ብፍላይ እቲ ኣብ ቤትምህርቲ ኣዲያእ ዝወሰዶ ስጉምቲ ማዕከናት ዜና ዓለም ዘዛረበ ህዝባዊ ናዕቢ ከምዘለዓዓለ ይፍለጥ።

ቤትምህርቲ እንዳማርያም፡ ኣብ ዘበነ መግዛእቲ እንግሊዝ፡ ጃንሆይን ደርግን ብዘይዕንቅፋት ን ልዕሊ 70 ዓመት ኣገልግሎት ክህብ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ እዋን ናጽነት ኤርትራ ከምዚ ዝኣመሰለ ተጻብኦ ኣጋጢሙዎ ኣካየድታ ኣብ ምቑሕ ኣትዮም ምህላዎም  ብተመሳሳሊ ዘነድር ኣነዋሪ ተግባር ክንሱ፡ ህዝቢ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ይኹን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብዓውታ ዓገብ ዘይምባሉ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ዝገለጹ ምንጭታት፡ እቲ ንኹሎም ትካላት ኤርትራ ሰባቢሩ ሃገር ከምእትድነስ ገይሩ ዘሎ ስርዓት፡ ነተን ኣብ ጽላል ሃይማኖታዊ ትካላት ትልኽ ዝብላ ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ ክቆጻጸረን ክቐትለንን ምፍታኑ መቐጸልታ ዘመተ ዕንወት ሃገርን ምድኻም መንፈስን ህዝቢ ኤርትራን ምዃኑ ተገንዚቡ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓባር ክቃወሞ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሮም።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Kokhob Selam December 15, 2017

    Take home statement,

    “እቲ ህድግለነ ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ነቲ ብ 1946 ዓመተ ምህረት ማለት ቅድሚ 71 ዓመታት ብ ደጃዝማች ሓረጎት ኣባይ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ደብረጽዮን ቅድስተ ማርያም ኣስመራ ዝተመስረተ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ቤትትምህርቲ ከረክቡዎ ንዘቕረበሎም ትእዛዝ ንዝነጸጉ ሓሙሽተ ካህናት ቅድሚ ዓሰርተ መዓልታት ኣሲሩዎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።”

    KS

  • Danilo December 15, 2017

    ዘገርም እዩ።እቲ ዝያዳ ዘገርም ግን ልቢ ጎበዝ ካብ ደረቱ ናብ ኩሊቱ ሙውራዳ እዩ።

    • Tesfom December 21, 2017

      Danilo! ከምበዓል ንስኹም ሰርፊ ዝዕጣቕኩም ምስተኣከብኩም ናብኲሊት ትቕየሩ። ጽንሕ ኢልኩም ድማ ሽንቲ ትቕየሩ። ከማኹም ይብዛሕ።

  • k.tewolde December 15, 2017

    Home,my childhood playground,I am an alumni of the school,holler if you are one.It is sad what is going on there. ITI GEZANA ABI HIDMO TQUAN QUINCHI BELIO’OMO.

  • amanuel December 16, 2017

    There will be no protest inside or outside of eritrea by coward orthodox christians. They are in exodus leaving the country for libya to become slaves. Iseyas knows how to play the ball and will continue to further weaken the people and control. Improverish every one, drieve to exile the young, the educated and business people….. Then sleep 10 hours per night undisturbed. This is exactly what we fought for and sucrificed for 30 yrs.

  • Simon G December 16, 2017

    ጠንቀንቀም ክብል ካብ ስራሕ ቀልጢፈ ወጸልኩም ሎሚ።
    መቸም ደሞዝ ተቐቢለ ንድየ! ናብ ሬድ ሲ ሬስቶራንት ኣብ ኦክላንድ ‘ኸደለኩም።
    ድሕሪ ሰለስተ ኮሮና: ዕላል ይዕምር። ኣየ’ወ ዕላል ማለት!
    =================================================
    ሰሚዕኩም ዶ ቤትምህርቲ እንዳ ማራያም ህግደፍ ክራስዮ: ይብል ሓደ ዝዓመረ።
    ሓደ ትቕብል ኣቢሉ: ክላእ! ግደፈና ያኸ: ተዋህዶ ‘ሞ እንታይ ክትገብራ፧?
    መቸም ‘ዘን ሰገነይትን ከረንን ቦራዕራዕ ክትብላ መዓት ኢኽን: ድማ ይብሎ ሓደ።
    ኣታ ጉፉፍ: ካቶሊክ ዘይብል ኣግሂድካ? ተሰሚዓቶ መስለኒ ሓደ።
    ተዋህዶ ፍርንጭትክን (pardon my french, ድማ ይብል) በቲኽክን ካብት ሸጣ ዘመናት ኮይኑ። ዘረባ ጥራይ? ደርጎሓልና።
    ኩላ ሰብ ኣስቅጥ ኣይተብልን!
    ሓቂ ክትመርር!
    ወይ ጉድ።

    • Danilo December 16, 2017

      ኣንታ SIMON G,ከመይ ዝበለ ኣጋጣሚ ኣጋጢሙካ ክንሱስ “ኩልኽን ሓምሊ ንሓምሊ” ዘይበልካዮም።እንተቲ ብዛዕባ ፍርንጭት ግን ነሕዋትና ኣስላም ዲኣ! ጀመርቲ ንሶም ዛዘምቲ ንሶም ኣንጻር ዓመጽ።lets be realistic, if we are losers time will be for successor.

  • Nuredin December 17, 2017

    አጆካ ህዝበይ ብኩሉ ማአዚን ተበገስ ሀንቲ መአልቲ ጊን አለካ ራህዋ

  • dermasi yaekob December 20, 2017

    ደርማስ ወዲ ኣስመራ:- እቲ ገሪሙና ደሎስ ንሕና ኤርትራውያን እዛ ሃገር ክትመጽእ ከላ ንጹሃት መንእሰያት ኣሕዋትና፣ ኣሓትና፣ ኣቦታትና፣ኣዴታትና፣ኣባሓጎታትና፣ዓባዮታትና፣ዲያቆናትና፣ካህናትና መነኮሳትና፣ኢታያትና፣ሓጂ፣ሸኽ፣ፓስተር ከይተረፉ ኩሉ ሂወቱ ዝኸፈለሉ ዓዲ እዩ።ኣጋጣሚ ዀይኑ ግዳ እቲ ንናጽነት ኢልና ሂወት ዝዀፈልናዮ ብዘይዕጸፍዝመረተ ሓለንጊ ንግረፍ ኣሎና። እዚ ድማ ዕድ ንኮለኔል ሰመረ በይን፣ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ሓለፍቲ ሃይማኖታዊ ጉዳያት፣ ሜጀር ጀነራል ጽገ ( ኣባሉቃስ )፣ኮለኔል ግርማይ ዘርኣይ ካብ ናይ ኦርቶዶክስ፣ ኮሎኔል መሓመድ ስራጅ፣ ስዒድ ስራጅ ካብ እስልምና ሃይማኖት፣ ኣቶ ተስፋይ ተኽለ ካብ ካቶሊካዊት፣ መምህር ሃብተ ተስፋጽዮን ካብ ፕሮቴስታንት ደቂ ሃይማኖት እና ብሃልቲ ከለዉ። ናይ ኤርትራ ሃይማኖት ክርስትና ወይ እስልምና ሃይማኖት ጽቡቕ ክንረክብ ኢልኩም ኣይትጸበዪ። እዞም ዝጠቐስኩልኩም ሰባት ናይ ፕረሲደንትኩም ኮራኩርን መሳለጥያታት እዮም። እታ እንኮ እትህያው ኣምላኽና ካብሱሮም ግሕጡ የጥፍኣልና። ሰላም ክነግስ ኣብ ሃገርና።

Post a Reply to Danilo Cancel Reply