Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ መላእ ስዑዲ ዓረብ ንዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ብጸቕጥን ምፍርራሕን ናይ ደገፍ ወረቐት ኣብ ናይ ምፍራም ወፍሪ ተጸሚዱ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ጀዳ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ፣ ቀትሪ ምድሪ ቶኽሲ ከፊቱ ኣብ ልዕሊ 11 ንጹሃት መንእሰያት ጃምላዊ ቅትለት ዝፈጸመ ህድግለነዘይብለኡ ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣  ኣብ መላእ ስዑዲ ዓረብያ፣ ማለት ጀዳ፣ ርያድ፣ ደማም፣ ጣይስ፣ የንቡዕ፣

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ፣ ቀትሪ ምድሪ ቶኽሲ ከፊቱ ኣብ ልዕሊ 11 ንጹሃት መንእሰያት ጃምላዊ ቅትለት ዝፈጸመ ህድግለነዘይብለኡ ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣  ኣብ መላእ ስዑዲ ዓረብያ፣ ማለት ጀዳ፣ ርያድ፣ ደማም፣ ጣይስ፣ የንቡዕ፣ መካ፣ ጀዛን፣ ገዛ ገዛ እናኣተወ ነቶም ናብ ቤትጽሕፈቱ ምምልላስ ዝተሓሰሙ ኤርትራውያን፣ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ካብ ዓለም እናኣነጸሉ ዲፕሎማስያውን ገንዘባውን ደገፋት ዓለም ከምዝንፈገና ይገብሩ ስለዘለዉ፣ ደገፍቲ መንግስቲ ምዃንኩም ፈርሙልና እናበለ፣ ብጸቕጥን ምፍርራሕን ኣብ ጠፋሽ ፊርማታት ናይ ምእካብ ወፍሪ ተጸሚዱ ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ካብ ጀዳ ሓቢሮም።

እቶም ምንጭታት እቲ ምልካዊ ስርዓት ብመንገዲ መሓዮታት መጋበርያኡ፣ ሰብኡት ንስራሕ ምስወፈሩ ገዛ አዛ እናካሕኵሐ፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ፈቐዶ እንዳሻሂ ከም ለማኒ ኣእዳው ጢል እናበለ ዘካይዶ ዘሎ ተራእዩ ዘይፍለጥ ዓቕሊ ጽበታዊ ጎስጓስ፣ እቲ ስርዓት ክሳብ ክንደይ ወዲቑን ሓሲሩን ከምዘሎ ዘርኢ ዘጸይን ተግባር ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ኣብ ቀጻሊ ኣስማት ናይቶም መጋበርያ ናይዚ ጽዩን ስራሕ ኮይኖም ዘለዉ መቃጠርቲ ብዝርዝር ክገልጹ ምዃኖም ‘ውን ኣሚቶም።

ምስዚ ኣብ ዝመሳሰል ዜና፣ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እስራኤል ‘ውን ነቲ ኣቐዲሞም ብዝተፈላየ ምኽንያት ናብ ቤትጽሕፈቶም ዘርጠብ ዝበለ ሰብ ከም ቅድመ ኩነት ዘፈርሙዎ ዝነበሩ  ናይ ደገፍ ወረቐት፣ እቲ ዝሓሰቡዎ ቁጽሪ ስለዘይመልኣሎም ደገ ወጺኦም ናይ ፌርማ ለመና ተታሓሒዞሞ ከምዘለዉ ኣረዲኦም።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና፣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ህዝቢ ብምኽንያት ሕማማት ብኣብ ኣፍ ጾሙ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት፣ ብልቡ ካብቲ ንሶም ዘውረዱሉ መዓታት ክመሓር ኣብ ዝጽልየሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስትና ንድግፍ ኢና ኢሎም ህዝቢ ብጸቕጢ ከፈርሙ ዝረኣዩ ኤርትራውያን እቲ ስርዓትን ልኡኻቱን ቁሩብ ሕፍረትን ኣሳሕኮን ከምዘይብሎም ገሊጾም።

እቲ ዋላ ምስናይ ቀጻሊ ጥፍኣቱ፣ ብደረት ዘይብሉ ሕድገታት ህዝቢ ኤርትራ ዝበሽቀጠ ምልካዊ ስርዓት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ተወዲኡዎ ይኣክል ኣብ ዝብለሉ እዋን፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወጻኢ ሃገር ኮታ ሰሊዑ ፌርማታት ኣብ ምልማን ምውራዱ ዕለተ ውድቀቱ ከምዝእኸለ ዝምስክር እዩ። ናይ መወዳእታ ተስፍኡ ሬርማ ካብ ኮነ፣ ነቲ ሃገር ዘጸምለተ ስርዓት ኣይፋል ኢሉ፣ ንለመና ፌርማኡ ‘ይርዳእካ’ ክብሎ ኣለዎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • dictator April 30, 2016

    Let us not sign the papers.. dictator must go..

  • Mokie April 30, 2016

    The totalitarian regime is trying to get a complete picture of who is with Higdef and who is against them, by asking people to compile a questionnaire with some personal details at the bottom of the document. Most probably, those who refuse to comply with the orders will be profiled. This process is being confused by many with the often mentioned request to support the government against human right organization who are exposing the brutality of the regime. Higdef cannot show these documents to international bodies because that will prove that they are forcing people to do whatever they want. What actually seems to be happening is that they are in the process of creating a hug database.

  • Berhe Tensea May 1, 2016

    The dictator is trying to intimidate those who are easy targets that reside in undemocratic countries , who depend on residence visas and use his passports.
    I really feel sorry for people who are forced to sign for Satan’s attempt to survive longer to terrorize our people.
    Death to Iseyas and his puppets.

  • Mike May 1, 2016

    ኣቲ ኩላትና ንፈልጦ መንግስቲ ኤርትራ ድዩ ዋላስ ኣብ ኣእምሮኩም ትቀርጽዎ መንግስቲ እዩ ።ሓንቲ ግን ትጋገይዋ እሞ ከኣ እንዳፈለጥኩም መንግስቲ ኤርትራ ፈርሙለይ ኢሉ ክልምን ባህሉ ኣይኮነን ዝውዕሎ ውን ኣይኮነን ።ስለዚ ኣብቲ ትጽሕፍዎ ነገራት ዝእመን ተምጺኩም መርሓባ ምናልባት ሱዕዲ ኣብ እስራኤል ዝቅመጡ እንታይ ይብልኩም ።ዓለምና ሳላ ተክኖሎጂ ጸቢባ እያ ሓዶት ውን ምስኣ እያ ትጸብብ ምናልባት ግን ተጋጊኩም ከይትኮኑ ብዛዕባ ወያነ ትጽሕፉ ኢልኩም ኮይትኮኑ።ንሶም እዮም ናት ሓስትን ምልማንን ባህሊ ዘለዎም ኢለ እየ ግን ንስኩም ዋላ ተሓሰኩም ንወያነ ትቅድምዋ ኢለ ኣይሓስብን ንሳስ እኮ ቁሩብ ሓቂ ተምስል ጸግዒ ስለ ዘለዋ ።ንስኩም ግን ጸግዕኩም ባዕላ ወያነ ከይንዋሓልኩም ማዓልቲን ቅንያትን ኣውድኣመት እዩ ምሕሳው ተቆጠቡ።

    • Fisehaye May 1, 2016

      Kwam zeyblu mengsti aykonen sereat eyu zebehal kale meakeni yeblun

    • Berhe Tensea May 1, 2016

      Mike,
      Are you sleeping and in deep dream. You are trying to defend a criminal mafia style regime that can’t
      be defended.
      In trying to defend the worst enemy of the people you are only exposing your self as a person who is too ignorant and foolish to understand,
      May be as a child your mother was shaking your little head or tefeghiekha nerka tekhown.
      please try to reason logically and feel the pain of the Eritrean mother and the martyrs, who passed for the sake of their people, land, animals, and its monkeys like you.

    • Tedla May 1, 2016

      Are you one of those criminals who are trying to defend themselves ?

  • Sam May 1, 2016

    Is collecting Firma a big deal?
    Who is gonna check the geniunity
    I think the dictator will do it my him self.
    The real fight starts when we diaspora eritreans start sending money to hero fighters on the ground both inside eritrea and tigray.

  • Brhan May 2, 2016

    I wounder more than enough about Eritrean problem, that they enjoyed only 6 years of peace through out life history that is from 1991-1997 and still we have a blind clue. I kindly request to every one to think over why what, how ,when ,from where, up to where questions

  • Fisseha May 3, 2016

    It is hard to understand Shabiya justification anyways. As long as the ignorant moran shabiya existed in Asmara,the people of Eritrea never have peace and stability at all. But the silly thing is that still some idiot out there defending facist government in Asmara instead. God bless Eritrean people….awot nehafash.

Post a Reply to Sam Cancel Reply