Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ናይ ሕርሻ መሬት ካብ ኤርትራውያን መንዚዑ ንኣባላት ደምሒት ከምዝሃቦም ምንጭታት ሓቢሮም።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ካብ ዙባ ደቡብ ካብ ያታዊ መነባብሮኦም ኣመዛቢሉ ኣብ ከባቢ ሓጋዝ፣ ቀምጨዋ ኣብ ዝብሃል ቦታ ከክልተ ሄክታር መሬት ሂቡ ክሓርሱ ኣዋፊሩዎም ዝጸንሐ ኤርትራውያን ዜጋታት፣ ብዓሶን ካልኦት ሕማማትን እናተወድኡ ብዘይ ዝኾነ ሓገዝ ጠንጢኑዎም ድሕሪ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ካብ ዙባ ደቡብ ካብ ያታዊ መነባብሮኦም ኣመዛቢሉ ኣብ ከባቢ ሓጋዝ፣ ቀምጨዋ ኣብ ዝብሃል ቦታ ከክልተ ሄክታር መሬት ሂቡ ክሓርሱ ኣዋፊሩዎም ዝጸንሐ ኤርትራውያን ዜጋታት፣ ብዓሶን ካልኦት ሕማማትን እናተወድኡ ብዘይ ዝኾነ ሓገዝ ጠንጢኑዎም ድሕሪ ምጽናሕ።

ኣብዚ ቕንያት’ዚ፣ ውጺኢታዊ ስራሕ ኣይገበርኩምን ብዝብል ምስምስ፣ ነቲ መሬት ኣሕዲጉ፣ ንደምሒት (ተቓወምቲ ትግራይ) ከምዝሃቦም ምንጭታት ሓቢሮም።

ብዝሒ ህላወ ደምሒት ኣብ ኤርትራ፣ ንኹሉ ኤርትራዊ እንተላይ ንደገፍቲ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ከሻቕሎም ጀሚሩ ከምዘሎ ‘ውን እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
34 COMMENTS
  • Lilay August 10, 2014

    ብዝሕን ሓይልን ደምሒት ኣይትጽልኡ ምኽንያቱ ንሕና ኣሰብኡት ሙኻን ካብ ኣበና፣ ውዓኢሎም ሓዲሮም ጣሊባን ክመጹ ስለ ዚኾኑ ይዘርዩልና ከማን። ምኽኒያቱ አርትራዊ ከም ጠል ክሽየጥ ክልወጥ ስለ ዝመረጸ። ጠል ድማ ሓላዊ ስለ ዘድሊያ ይድልዩና አዮም። ይብዝሑ። ይሰስኑ።

Post a Reply to Lilay Cancel Reply