Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ብምስጢር ምስ ስዑዲ ዓረብ ቀጠርን ብምስምማዕ ኣብ ጉዳይ ሕድሕዳዊ ውግእ የመን ድሮ ዝኣተዎ ጣልቃ ብጋዜጣዊ መግለጺ ኣግሂዱዎ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ካብ ቅድሚ ሓያለ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ብምስጢር ምስ ስዑዲ ዓረብ ቀጠርን ብምስምማዕ ኣቐዲሙ ኣብ ውግእ ሕድሕድ የመን ዝኣተዎ ዕንደራዊ ጣልቃ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምውጻእ ኣግሂዱዎ። እቲ “መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብዛዕባ’ቲ ግብረ-ሽበራ ንምቅላስ ብንግስነት ስዑዲ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ካብ ቅድሚ ሓያለ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ብምስጢር ምስ ስዑዲ ዓረብ ቀጠርን ብምስምማዕ ኣቐዲሙ ኣብ ውግእ ሕድሕድ የመን ዝኣተዎ ዕንደራዊ ጣልቃ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምውጻእ ኣግሂዱዎ።

እቲ “መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብዛዕባ’ቲ ግብረ-ሽበራ ንምቅላስ ብንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝተወስደ ተበግሶ” ብዝብል ኣርእስቲ ብ 21 ታሕሳስ ዝወጸ ኣርባዕተ መስመር ዝንውሓቱ መግለጺ ቃል ንቓሉ ከምዚ ይብል፣-

1-apr-1-astatementsa“ከም ኣካል ናይ’ቲ ሰፊሕ ስትራተጅያዊ ምትሕብባር ኣንጻር ግብረ-ሽበራን ስርዓት-ኣልቦነትን ብምህናጽ – ሰላምን ጸጥታን ዞባና ንምውሓስ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝወሰደቶ ተበግሶ ምቛም ኪዳን ኣንጻር ግብረ-ሽበራ፡ ኣገዳሲ ስጒምቲ ንሰላምን ምርግጋእን ዞባናን ዓለምን ምዃኑ ስለዝኣምን፡ ብዘይ ዕቃበ ከምዝድግፎን ምስኡ ክተሓባበር ቅሩብ ምዃኑን የረጋግጽ።”

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ስዑዲ ዓረብ በጺሑ ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምምላሱን ምስ ኣሚር ኢሚት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብን እዩ ነቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡዎ።

ይኹን እምበር እቲ ሎሚ “…ክተሓባበር ቅሩብ ምዃኑ የረጋግጽ” ኢሉ ንህዝቢ ኤርትራ ዘደናግር ዘሎ ውልቀምልካዊ ስርዓት፣ ቅድሚ ሓያለ ኣዋርሕ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝፈጸሞ ዘይእዉጅ ምብጻሕ ንወደብ ዓሰብ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ተመሪሑ ኣብ የመን ኣንጻር ሽዓውያን ተቓወምቲ ሑቱ ደብዳብ ኣየርን ናይ መሬት ውግእን ከካይድ ዝጸንሐ ምሕዝነት ናይ ሱኒ ሃገራት ዓረብ ከምዘወፈዮ ብ18 ሓምለ ናይዚ ዓመት’ዚ ብዜና ኣሰና ተገሊጹ እዩ። ሞኒተሪንግ ግሩፕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ‘ውን፣ ስርዓት ኢሳይያስ ልኡላዊ መሬት፣ ባሕርን ክሊ ኣየርን ኤርትራ ኣንጻር ሽዓውያን ተቓወምቲ የመን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ዘመተ የውዕሎ ከምዘሎ ምግላጹ ይፍለጥ። እቲ ስርዓት ወተሃደራት ኤርትራ ከይተርፈ ኣብቲ ውግእ የሳትፍ ምህላዉ ዝገለጻ ጋዜጣታት ማእከላይ ምብራቕ ‘ውን ኣለዋ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ እምብኣር ሓደ መንፈቕ ንዘሕለፈ ምስጢራዊ ምሕዝነት እዩ ሕጂ ይፍጸም ከምዘሎ ኣምሲሉ ብምግላጽ ንህዝቢ ኤርትራ ከደናግር ዝፍትን ዘሎ።

እቲ ገንዘባዊ ምወላ ንምምእራርን ካብ ተነጽሎ ንምድሓንን ብኢደ ወነኑ ዝወሰዶ ስጉምቲ፣ እቲ ስርዓት፣ ካብ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ከምዚ ዝኣመሰለ ዘተን መጽናዕትን ዘይተኻየደሉ ተኣፋፊ ስጉምቲ ዘምጽኦ ሓደጋ ሳዕቤናትን፣ ምንዋሕ ዕድመ ምልካዊ ስርዓቱ ጥራይ ከምዘገድሶ ዳግም ዘረጋግጽ እዩ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፣ ኣብ 2003፣ ኣመሪካ ዝመራሒተን መሓዙት ኣብ ዒራቕ ወራር ኣብ ዝፈጸማሉ እዋን፣ “ካብ ቀደም ዘይተወደአ ኵናት ዶ ንብለኩም ኣይነበርናን፣ ጸገም የለን ኣብ ጎንድኑኹም ኣለና” ኢሉ ብምውርዛይ ብተመሳሳሊ መንገዲ ተሓዊሱዎ ‘ኳ እንተነበረ፣ ድሕሪ ‘ቲ ኵናት ቅልውላው ዒራቕ ዝበኣሰ ህወከት ምስ ኣሳበ ግን፣ ከምዛ ኣጆኹም ዘይበለ ተገምጢሉ “ወራር ዒራቕ” እናበለ ንኣመሪካ ክውንጅልን ክዋራዘን  ከምዝተሰምዐ ዝዝከር ኮይኑ፣ ሕጂ ‘ውን እዚ ብስም “ግብረሽበራ” ድሮ ዝኣተዎ ‘ምሕዝነት’ ነገር ከም ገለ እንተኾይኑ ነዚ ኣመሪካ ዘላትሉ ምሕዝነት ከም ኣመሉ ካብ ምዅናን ዓዲ ከምዘይውዕል ይእመት።

ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ከስተብህለሉ ዘለዎ ሓደጋ፣ በቶም ኣድራዕ ዝወርዶም ዘሎ ሽዓውያንን መሓዙቶምን ክስዕብ ዝኽእል ሕነን ጽልእን ጥራይ ኣይኮነን። እተን ብወገን ሶርያን ዒራቕን መኣደቢ ተሳኢኑዎ ኣብ ዘሎ ህወከት ከም መወልቲ ናይቲ ኣይሰስ ዝመርሖ ግብረሽበራ ዝሕመያ፣ ሕጂ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ረጊጸን ዘለዋ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ኣሰረን እንታይ ከምዝገድፍ ዝፍለጥ ስለዘየልቦ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዘይርጉጽ ኩነታት ከምዘሎ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
25 COMMENTS
  • Girmay December 22, 2015

    Hiji grem, hiji grem

  • hailu December 22, 2015

    The World is coming into chaos
    The moment regimes authoritarian themselves try to dismantle another regime is the time where chaos is in earth.
    All the bombing of the Houthis by Saudi and UAE and other countries is going to lead into a dangerous lawless world. Who authorise the Saudis to bomb in Yemen and they bombed whoever they like civilians too.

    Many people are so short blinded they cannot see the consequences of this all in nth years to come and Eritrean dictator also supported this lawlessness for fear of the Saudis and also the money he gets from the Saudis.

    If anyone remembers this saying “ Dergi was saying Shabiya wede areboch lishetwat new Eritrya “ this is some sort of reality on the years to come.

    • AHMED SALEH !!! December 22, 2015

      hailu
      It is true they used to accuse Eritreans to sell the land for Arabs
      but in contrary we observed the sell of their land for Arabs and other
      foreigners in their country not in Eritrea . That is the reality .

  • k.tewolde December 22, 2015

    Petro-dollar is enticing, the tyrant is just trying to siphon a little bit so that he can strengthen his authoritarian state machine with it.

  • AHMED SALEH !!! December 22, 2015

    Eritrea , Saudi and Qatar government have common background to use
    politically motivated terrorism charges to criminalize activity of
    peaceful critics . No wonder they share similar techniques to promote
    the status quo within their border that enabled them secure stability
    of authoritarian rule governance .
    Issayas had never give consideration to Eritreans lives lost since GHEDLI era and the possibility to send military army depends on his
    decision with blessings of his corrupted generals .
    His loudest supporters spoiled him to suck Eritreans blood from the
    day he waged war against ELF by inviting WEYANE in our internal affairs,
    then with Sudan , Yemen , Djibouti and at the end against his old
    friends WEYANE while some people applaud out of stupidity .
    The sad truth , his loudest supporters still stand in his defense
    and others prefer to stay silent majority .
    THE BLAME DOESN’T BELONG TO ONLY ONE PERSON AND OUR SILENCE ALSO
    HELD RESPONSIBILITY EXCEPT THE FEW BRAVE MEN AND WOMEN WHO TRY
    TO SHOW RESISTANCE .
    Eritreans inside the country must demolish the wall of fear to
    save themselves and set free from Issayas autocracy.

  • tekle haile December 22, 2015

    ኢሳያስ ሓልዮት ህዝቢ የብሉን መሻረዊ እዩ ስክጣኑ ንኽሕሉን ጉንዖ ገንዘብ ረኺቡ ስለያዊ መሓውሩ ብምድልዳል ክነብር እዩ ዝደሊ ኣብ ግዜ ቃልሲ ምስ ወያነ ተማሓዚዩ ንተጋድሎ ሓርነት ኣሕቁቑዋ ለሚሳ ተሪፋ ምስ ካቢላ ንገንዘብ መሓዛ ብምግባር ኤርትራውያን ኣህሊቑ እቲ ክፉእ ግብሩ ስለዘይውዳእ ሕጂ ድማ ንገንዘብ ክብል ኣብዘይውዳእ ሽግር ኣእትዩ ኤርትራውያን፡ ንሞትን ስንክልናን ከሳጥሓና እዩ ዓገብ ንበሎ ነዚ ዲያብሎስ

  • Yohannes December 23, 2015

    This is “U turn”. the state of sponsors of terrorism engage in counter terrorism. This Langley POSY-OP.
    DIA has now officially joined the coalition of 34 Muslim countries to go after ISIL. This is a bit irony. DIA knows that his days are numbered but before his imminent fall, he wants to bring chaos in Eritrea to create rift between Christian and Muslim. Meanwhile, his strategy will not work, it will be a pipe dream. ዕላማኡ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቈላ ።

    • AHMED SALEH !!! December 23, 2015

      Yohannes
      “To create rift between Moslem-Christian Eritreans ” .
      What the hell are you talking about ?
      Why don’t leave these poor people alone from your corrupted minds ?
      They suffered enough at the hands of sinister motives for the last
      more than fifty years . Give us a break please .

  • Teclay December 23, 2015

    “ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ከስተብህለሉ ዘለዎ ሓደጋ፣ በቶም ኣድራዕ ዝወርዶም ዘሎ ሽዓውያንን መሓዙቶምን ክስዕብ ዝኽእል ሕነን ጽልእን ጥራይ ኣይኮነን። እተን ብወገን ሶርያን ዒራቕን መኣደቢ ተሳኢኑዎ ኣብ ዘሎ ህወከት ከም መወልቲ ናይቲ ኣይሰስ ዝመርሖ ግብረሽበራ ዝሕመያ፣ ሕጂ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ረጊጸን ዘለዋ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ኣሰረን እንታይ ከምዝገድፍ ዝፍለጥ ስለዘየልቦ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዘይርጉጽ ኩነታት ከምዘሎ እዩ።”

  • Michael Tesfamariam December 23, 2015

    Where is the bogus empity slogan of the gang regime of “Eritrea is not for sale”. This is the right time for the mad dog issais to use eritrea as tool to make cheap political diplomacy with the terror sponsor gulf countries.

  • Selam December 23, 2015

    Everybody knows that Saudi Araibia is the source of all evil things with their Wahabist/Salafist Islamic doctrine; they even beheaded more people than ISIS does. So, The evil ‘leader’ in Asmara can even show his allegiance to ISIS as long as he is getting ‘Petro-Dollar’. The Eritrean people should be aware of this trend…

  • Shenhet December 23, 2015

    so what??????????????
    It is the right time to stand against terrorism & extremists!!!! Stop blaming demo.archive.assenna.com …..

POST A COMMENT