Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ብጸቕጥን ምፍርራሕን ካብ ስደተኛ ህዝቢ ዝኣከቦ ፌርማታት ተጠቒሙ ነቲ ብመርማሪት ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝቐረበ ጸብጻብ ብምቍንጻብ ንጹህ ተመሲሉ ማሕበረሰብ ዓለም ከታልል ዝገብሮ ዘሎ ዓቕሊ ጽበታዊ ፈተነ ኣብ ናብ ዘሕንኽ ደረጃ ወሪዱ ከምዘሎ ምጭታት ካብ ካርቱም ሓቢሮም።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ብጸቕጥን ምፍርራሕን ካብ ስደተኛ ህዝቢ ዝኣከቦ ፌርማታት ተጠቒሙ ነቲ ብመርማሪት ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝቐረበ ገበነኛ ምዃኑ ዘቃልዕ ጸብጻብን፣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእል ንዝበዝሖ መደምደምታ ንምጥላል

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ብጸቕጥን ምፍርራሕን ካብ ስደተኛ ህዝቢ ዝኣከቦ ፌርማታት ተጠቒሙ ነቲ ብመርማሪት ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝቐረበ ገበነኛ ምዃኑ ዘቃልዕ ጸብጻብን፣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእል ንዝበዝሖ መደምደምታ ንምጥላል ዝቕጽሎ ዘሎ ምስርሕን ብምቍንጻብ ንጹህ ተመሲሉ ንማሕበረሰብ ዓለም ከታልል ካብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ኣትሒዙ ዝጀመሮ ዓቕሊ ጽበታዊ ዘመተ ኣብ ዘሕንኽ ደረጃ ወሪዱ ከምዘሎ ምጭታት ካብ ካርቱም ሓቢሮም።

እቲ ብህዝቢ ተፈንፊኑ ናብ ቤትጽሕፈቱ መጺኡ ብድሌት ዝፍርመሉ ዝሰኣነ ምልካዊ ስርዓት፣ ብፍላይ ኣብዚ ብምኽንያት ሕማማትን ብዓል ትንሳኤን ህዝቢ ናብ ቤተክርስትያን ብብዝሒ ክመላለሰሉ ዝቐነየ ሰሙን ንኣብያተ ክርስትያናት ዒላማ ገይሩ መሓዮታቱ ብምውፋር ህዝቢ ኣብቲ ‘ዓለም ‘ለኸ ኤርትራዊ መኸተ ንፍትሒ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝተዋደደ ናይ ሓሶትን ሽርሕን ሰነድ ክፍርም ጸቕጢ ክገብር ከምዝቐነየ እቶም ምንጭታት ነቲ ሰነድ ናብ ድምጺ ኣሰና ብምልኣኽ ኣገንዚቦም።

እቲ መጋበርያታት ናይቲ ስርዓት ገዛገዛ እናዃሕኵሑ ኣሳልጦ ስለዘይረኸቡሉ ኣብ ቀጽሪ ኣብያተ ክርስትያንን ኣድብዮም ብምጽናሕ ንኣምንቲ ካብ ምዝንጋዕ ሓሊፎም፣ ኣብ ውሽጢ ቤተመቕደስ ኣብ ታቦት ተጸጊዖም ነቲ ብቐንዱ እቲ ስርዓት ዝፈጠሮ መዓታት  ክኣልየሉ ንኣምላኹ ዝጽልን ዝምህለልን ህዝቢ ክፍርመሉ ዝቐስብዎ ዘለዉ ሰነድ ትሕዝቶኡ፣-

“ንሕና ኣብ ታሕቲ ክታምና ኣስፊርና ዘለና፣ ነቲ ብመርማሪት ኮምሽንን ብፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራን ዝቐረበ ጸብጻብ ብትሪ ንነጽጎ፣ ብቕጽበት ክስረዝ ድማ ንጠልብ። ከምኡ ‘ውን ተልእኾ ፍሉይ ኮምሽንን ልኡኽን ደው ክብል፣ ኣብ ክንድኡ ድማ ሃናጺ ጽምዶ ክህሉ ንጽውዕ።” ይብል።

ዳርጋ ኩሉ ህዝቢ እቲ ንፖለቲካ ብሃይማኖት ጠቕሊልካ ንህዝቢ ብሓይሊ ንውሓጥ ዝተገብረ ተጽዕኖ ከምዘይተቀበሎ ዝጠቐሱ ምንጭታት፣ ምጽዋር ዝሰኣኑዎ ገለ ተባዓት ዓው ኢሎም፣ ፖለቲካ ኣብ ቤትጽሕፈትኩም ግበሩዎ ደው ክብል ኣለዎ ኢሎም ከምዝተቓወሙ ‘ውን ሓቢሮም።

ብመስረት ‘ቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ገለ ካብቶም ኣብ ካርቱም ገዛ ገዛ እናኳሕኵሑ ነቲ ዓመጽ ግፍዕን ‘ቲ ስርዓት ካብ ኤርትራ ዘሳደዶ ህዝቢ ጸቕጢ ካብ ምግባር ሓሊፎም ኣብ ቤተክርስትያን ህዝቢ ዘሻብቡ ዘለዉ መጋበርያታት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ጆን ተኪኤ፣ ተኽለ ሃንስ፣ ዓንዳይ ተኽለብርሃን ዑቕባሚካኤል ዝብሃሉ እዮም።

እዞም ነቲ ካብ ዓመጽን ግፍዕን ምልካዊ ስርዓት፣ ውርደት ስደት ደኾን ይሓይሽ ኢሉ ዝፈትዋ ሃገሩ ዝሓደገ ህዝቢ፣ ኣብ እዋን ጸገሙ ኣብ ክንዲ ምሕጋዝን ምትብባዕን መሊሶም ተጽዕኖ ወሲኾም ኣብ መዋጥር ዘእትዉዎ ዘለዉ ሃሱሳት፣ ልክዕ ከምቶም ብገበን ዝሕተቱ ሰበስልጣን ናይቲ ስርዓት ብሓላፍነት ክሕተቱ ስለዘለዎም ህዝቢ ከለልዮም ኣለዎ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ልክዕ ከምዚ ናይ ሱዳን፣ ህዝቢ ውሕስነት ስለዘይብሉ ልቡን እምነቱን ብዘየገድስ ከም ናይ ፓስፖርት ዝኣመሰሉ ገልግሎታት ክረክብ ርእሱ ጸቒጡ ኣብ ዝኸደሉ ከም ብዓል ስዑዲ ዓረብ ዝኣመሰለ ሃገራት ተመሳሳሊ ጸቕጢ ይገብሩሉ ከምዘለዉ ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ጠቒስና ኢና። ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ውጹዕ ህዝቦም ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቕጥን ተጽዕኖን ዘውርዱ ዘለዉ መሓዮታት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ከነቕርበልኩም ንዃና ድማ ንሕብር።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Fisehaye May 2, 2016

    Ezi eti mlkawi serat zegebro zelo behaly nay meferam zemete nmfshal ke entay kegeber alewo UN ke nayti shfta zerat zegebro zelo ke bekemey yereywo?

  • kerenlaelay May 3, 2016

    in St Micheal church in Khartoum during fasika people were forced sign by priests meniker&Geresusis.

  • M.s May 4, 2016

    Emo dalayte fithe neze malsi entay malsi mhab yedle kam nay lampeduza tezarebca yeaweka sek mbal kay kawn tebraber

  • michael haile May 5, 2016

    This is onather human vaulation.
    So it should be stoped immidaitely

  • filimon May 9, 2016

    I saw them personally ….on the eve of fasika at the door of St . Michael in khartoum Taif ….its Shame.

Post a Reply to Fisehaye Cancel Reply