Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኣብ ሕመኣ ዓቢ ናይ ተደናገጽቱን ግሩሃትን ፈስቲቫል ክገብር ምስጢራዊ ምድላዋት የካይድ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኣብ ሕመኣ ዓቢ ናይ ተደናገጽቱን ግሩሃትን ፈስቲቫል  ክገብር ምስጢራዊ ምድላዋት የካይድ እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ድርኩኺት ናይ ዓዲ ሃሎ ቤተመንግስቱ  በጺሑ፡ ኣብ ወጻኢ `ውን ብናይ ይኣክል ንምልኪ ምንቅስቓስ ተዋጢሩ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኣብ ሕመኣ ዓቢ ናይ ተደናገጽቱን ግሩሃትን ፈስቲቫል  ክገብር ምስጢራዊ ምድላዋት የካይድ

እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ድርኩኺት ናይ ዓዲ ሃሎ ቤተመንግስቱ  በጺሑ፡ ኣብ ወጻኢ `ውን ብናይ ይኣክል ንምልኪ ምንቅስቓስ ተዋጢሩ ኣብ ጭንቀት ዝርከብ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኣብ ወጻኢ ህዝባዊ ደገፍ ዘለዎ መሲሉ ብምርኣይ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ፍኒሕኒሕ ዝብል ዘሎ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ፡ ከምኡ `ውን ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ተስፋ ብምቚራጽ ዕድመ ስልጣኑ ዋላ ንሓጺር እዋን ንምልቃብ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣዝዩ ዓቢ ፈስቲቫል ከካይድ ፍሉይ ምስጢራዊ ምድላዋት ይገብር ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋናት፡ ኣብ በይ ኤርያ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ፡ ዋላ ካብቶም ብዝለዓለ ደረጃ ነቲ ስርዓት ዘገልግሉዎ ዘለዉ ቀንዲ መጋበርያታት ከይተረፈ ዛጊት ብምስጢር ተታሒዙ ዘሎ ኣኼባ፡ ነቶም ኣብ መላእ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከቡ ተደናገጽቲ፡ እንተተኻኢሉ ድማ ነቶም ነቲ ስርዓት ብዓውታ ተቓውሞኦም ዘይገለጹ ኤርትራውያን ታርጌት ዝገበር ኮይኑ፡ ኣብ ኣመሪካ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብዝሒ ኤርትራውያን ዝሳተፉዎ ኣኼባ ብምክያድ ግዝያዊ ናይ ፕሮፖጋንዳ መኽሰብ ረኺብካ ነቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዓሲሉ ዘሎ ናብ ለውጢ መንፈስ ከምዝብከል ምግባር እዩ።

እቲ ስርዓት ዋሕዲ ተሳታፍቲ ከየጋጥሞ መታን፡ ነቶም ናይ መጓዕዝያን መጽንሕን ሕጽረታት ዘለዎም ብዝተፈላለየ መልክዕ ወጻኢታቶም ባዕሉ ክሽፍነሎም ወጢኑ ከምዘሎ `ውን ተፈሊጡ `ሎ።

ብመሰረት`ቲ ሓበሬታ፡ ነታ ናይ ኤርትራ ዓሚቚ ፍልጠት ዘይብላ ስነጥበበኛ ቲፋኒ ሓድሽ ከም (Motivator) መስሓቢ መንእሰያት ክጥቀሙላ ክዕድሙዋ ከለዉ፡ ንተመሳሳሊ ዕላማ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ዝተቐትለ ኤርትራዊ ዘርኢ ዘለዎ ስነጥበበኛ ኒፕሲ ሃስል `ውን ብስሙ ዝጽዋዕ ሓደ ኩርናዕ ክሓዝኡሉ መዲቦም ኣለዉ።

ነቶም ክረኽቡዎም ዝኸኣሉ፡ ብብዝሒ ስነጥበበኛታት ኣሳቲፎም ነቲ ኣጋጣሚ ብዝተኻእለ መጠን ከድምቑዎ፡ ነቶም ኣብዚ ቀረባ እዋናት ይኣክል ኢሎም ኣብ ጎኒ ህዝቦም ደው ከምዝበሉ ብዜማን መደረን ብዓውታ ዝገለጹ ስነጥበበኛታት `ውን ንእግረመንገዶም መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ድሌት ከምዘለዎም `ውን ተፈሊጡ `ሎ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ብሰንኪ ውዲት ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ህዝብና ተበቲኑ፡ ሃገርና ኤርትራ ሰንከልከል ኢላ ኣብ ሓደጋ ኣብ እትርከበሉ ዘላ ኣስጋኢ ኩነታት፡

1ይ – እቶም ብተደናጋጽነትኩም ኮነ ብስቕታኹም ዒላማ ፕሮፖጋንዳ ምልካዊ ስርዓት ክትኮኑ ተሓጺኹም ዘለኹም ኤርትራውያን፡ ከም ናይ ቀደም ተዓሺኹም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕምሪ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንምንዋሕ ዝዓለመ መደብ ካብ ምስታፍ ብምቑጣብ ኣብ ጎኒ ሃገርን ህዝብን ከምዘለኹም ብተግባር ከተመስክሩ፡ ሕልናኹም ዘቕስን ስጉምቲ ክትወስዱ ይግባእ።

2ይ – እቶም ኣብ ወጻኢ ብፍላይ ድማ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብግዴኹም፡ ንኹሎም እቶም ግዳይ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ፕሮፖጋንዳዊ መደብ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ክኾኑ ዝኽእሉ ቤተሰብኩም፡ ኣዕሩኽኩም፡ ጎረባብትኹም ብሓፈሻ እትፈልጡዎም ኤርትራውያን፡ ዕላማን ሃቐነን ናይቲ ስርዓት ጸረ ሃገርን ህዝብን ምዃኑ ብኹሉ መንገድታት ከምዝርድኡን ከምዝነቕሑሉን ብምግባር ሕልናዊ ውሳኔ ወሲዶም ኣብ ጎኒ ህዝብን ሃገርን ደው ክብሉ ኣብ ርእሲ ምዝኽኻር፡ ነቲ ፕሮፖጋንዳዊ ውጥን ንምፍሻል ተዓጢቕኩም ኩሉ ዓይነት ተቓውሞን ጎስጓስን ንምክያድ ክትንቀሳቐሱ ሓላፍነትን ግዴታን ከምዘለኩም `ውን ክትዝክሩ ይግባእ።

ነቶም እንተ ብግርህናን ዕሽነትን እንተ ብኻልእ ምኽንያት መሳርሒ ዓመጽን ምልክን ዝኾኑ ዘለዉ ስነጥበበኛ ቲፋኒ ሓድሽን ቤተሰብ ኒብሲ ሃስልን ኣብቲ ረሳሕ ክንፊ ታሪኽ ይቆማጥዑ ከምዘለዉ ብምዝኽኻር፡ ስለ ፍትሕን ሰብኣውነትን ደው ክብሉ ክትምሕጸኑ ሓላፍነት ኩሉ ኤርትራዊ ምዃኑ ተገንዚቡኩም ክትንቀሳቀሱሉ `ውን ሓላፍነት ኣለኩም።

ኣብ ውሽጢ ሃገር እትርከብ ህዝቢ ኤርትራ `ውን፡ እቲ ስርዓት ከምቲ ኣብ ፈላሚ ምብጻሕ ኣቢይ ኣሕመድ `ተደምረናል` ዝብላ ኣርሆታት ብገንዘብ ቆጺሩ፡ ኣብ ጽምብል ናጽነት `ውን ብናይ ኩቦን ወረቐት እናፈራርሐ ህዝቢ ኣኪቡ ነብሱ ከደዓዕስን ግሩሃት ከደናግርን ከምዝፈተነ ብዓይንኻ ዝረኣኻዮን ዝተመኮርካሉን ስለዝኾነ ዕምሪ መላኺ ኢሳይያስ ብፈስቲቫልን ኣኼባን ክናዋሕ ከምዘይክእል ካብ ምንቃሕ ሓሊፍካ ብተግባር ክትምክቶ ይግባእ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Gezae July 23, 2019

    What immediately struck me reading your post was how lightweight and cliche ridden your opinions are. A sure sign of a bigot that I’m genuinely wonder at how utterly ill-thought and stupid out this post is. However, yes, that is of misunderstanding of your argument. With this kind of attitude I’d be surprised if you have got one at all. Any haw I would like to clarify that my dismay is not based on you are anti-government supporters of PIA. I understand what you do in your own social circle is your choice, and of course you should not be required to be supporter with the people who disagree with. But I’m sorry, what I do take objection to is you have intellectually deficient because you have lack of deep knowledge of the genuine Eritrean people residing inside and abroad. See you at the meeting!!!!!!!!

    • Temesgen July 23, 2019

      Yes, see you at the big Eritrean festival and meeting soon. Those ones who can’t organize or participate in big and fabulous festivals or meeting tough lucks and indulge in your empty rhetoric.

    • tewelde gebremariam July 26, 2019

      You are living in the past, Mr. Gone are the times when we,Eritrean, were confused with the patriotism coated rhetoric of the impostor isaias afewerk on the one hand, and his blue print that has been leading to our people’s fast social and economic deterioration, on the other. Do You Have Explanation To This Contradiction, Mr.?
      It was also difficult for us to connect the dots between his handing over of Badme to woyane in 1985 and his igniting war in 1998 under the guise of woyane invasion without informing the UNSC. Do You Have An Explanation Mr. Why He Did Not Inform The UNSC If Indeed Woyane Had Invaded Eritrea?

      It was also very difficult for us to understand why the impostor insisted the departure of the UN Peace keepers from Eritrea, on the on hand, and his incarceration of G15, closure of all independent social media, his usurpation of the entire Eritrean Government Apparatus , on the other. What Is your logical Explanation For His contradictory Actions, Mr?

      Do you know why we were confused? Because we were under the illusion that his patriotic rhetoric were genuine and real. But again, how could we have imagined him to be less than real and genuine given his long EPLF leadership tenure?

      Now, all of his treacheries and hidden agenda have seen the light of the day. After all there is no more credible witness than him/her who voluntary confess’ to crime. He affirmed his Ethiopiawnet in Gondar, Ethiopia, while visiting his grand father’s burial place. He declared Eritreans and Ethiopians are one people and that any one who thinks otherwise was wrong.

      Now it is clear, Mr., that he deliberately and purposely handed over Badme in 1985 to woyane to serve him as a pretext to ignite the 1998 war. and that the reason behind his failure to inform the UNSC was because there was no woyane invasion. In fact, the Eritrean Ethiopian Claim Commission proved and he accepted and signed that he was the invader.

      In a nutshell, he purposefully subjected Eritrean to the perils of war, to the perils of of no peace no war situation, to the perils of hyperinflation, to the perils of human traffickers, to the perils of starvation, to the perils of disease and sickness, to the perils of mass flight, to the perils of Eritrean Youth Concentration Camps under the guise of false “national service” etc. etc. with the intention of Genocide and goal of building of abai tigrai.

      Remember, he is married to tigraweti spouse and the act was by design to keep his children genuine tegaru. Connect all the dots, the dots of what he said in Ethiopia, the all encompassing Genocide he committed in Eritrea under various false pretexts, the all tegaru senior officials he is surrounding himself…….. the political advisers, the national security chiefs……the national media chiefs…… the national economy chiefs………. his secretary who is close relative to woyane official……. etc. etc. The picture is clear, he is impostor, kahadi that must be put behind bars.

  • Hiyab July 24, 2019

    Aborting this concert by all means would mark the biggest blow to the PFDJ propaganda machine.
    Any creative ideas!

  • ውዲ በላይ August 4, 2019

    ኣቱም ናይ ጣዕሳ ፎርም መሊእኩም ካብን ናብን ኤርትራ እትብሉ ዘሎኹም ኩሉኹም ብፍላይ ኣመንቲ ንክርስቶስ ኢትብሉ ከምኡ ከኣ ኣገልገልቲ ዘመርቲ ግብርኹም ይምስክረኩም ኣሎ ኣብቲ ሒቂ ከምዘየሎኹም። ኣመንቲ ዶ ኣይኮኑን ዝእሰሩ ዘሎዎ። መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ሓቂ ኣሎ ይቅተሎም ይእሰሮም ንኤርትራውን ፋሕ የብሎም ንሕና ኢና ተጋጊና ማሌት ዶ ኣይኮኑን ናይ ጣዕሳ ፎርም መሊእኩም ካብን ናብን ኤርትራ እትብሉ ዘሎኹም። ክንደይ ትደፍሩ ንሳቶም ንሞት ይፍርዱ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ንስኻትኩም ከኣ ትዘሉ ኣብ ልዕሊኦም ኮንኩም። ጸጋኻ በዚሑለይ ትብሉ ንሳቶም ከ ጸጋ ኣምላኽ ጎዲልዎም ማሌት ድዪ ዝእሰሩን ዝቅተሉን ዘሎው። እዚ ኩሉ መከራ ክሓልፍ ኢዪ ኣይምሰልኩም። ሂትለር የለን ደርግ የልን ሳዳም የለን ህግደፍ ውን ኣይክህሉን ምኽንያቱ ንዝልኣለም ዝነብር መንግስቲ ስለዘየለ። እቲ ክፉእ ዛንትኦም ግና ኣሎ። ንስኻትኩም ውን ከምኡ።

Post a Reply to Gezae Cancel Reply