Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምህርትኻ ኣርእየና?

ምህርትኻ ኣርእየና?   ሓደ ህርኩት ሓረስታይ፡ ሓደ ምዕሮ (ኣርባዕተ ምለሊኽ) ዝኾና ዘርኢ መሸላ ወይ ጣፍ ካብ ለግስቲ ምስተዋህበኦ፡ ንሱ ኸኣ ግራቱ ገሪፉ፣ ረዊሑ፣ ኣዋህሊሉ፣ ዘሪኡ፣ ጻህዩ፣ ዓጺዱ፣ ጎኒኹ፣ ኣኺዱ ምህርቱ ምስሓፈሰ፡ "ምህርትኻ ኣርእየና?" ኢሎም እንተ ዝሓቱዎስ ነየናይ

ምህርትኻ ኣርእየና?
 
ሓደ ህርኩት ሓረስታይ፡ ሓደ ምዕሮ (ኣርባዕተ ምለሊኽ) ዝኾና ዘርኢ መሸላ ወይ ጣፍ ካብ ለግስቲ ምስተዋህበኦ፡ ንሱ ኸኣ ግራቱ ገሪፉ፣ ረዊሑ፣ ኣዋህሊሉ፣ ዘሪኡ፣ ጻህዩ፣ ዓጺዱ፣ ጎኒኹ፣ ኣኺዱ ምህርቱ ምስሓፈሰ፡ምህርትኻ ኣርእየና?” ኢሎም እንተ ዝሓቱዎስ ነየናይ ምህርቲ ኾን መቕረበሎም ኢልኩምትሓስቡ? እተን ንዘርኢ ኢለን ዝተዋህቦኦ ምዕሮዶ ወይስ እተን ደም ረሃጹ ኣፍሲሱ ዝሓፈሰን እንተላምያሒት ምህርቲ ዓውዱ? እዋእ! እዚ ደኣ እንታይ ዘሐትት ኣሎዎ!? እቲ ብጻዕሩ ዝረኸቦ ምህርቲዓውዱ’ምበር! ከም ትብሉ ርጉጽዩ።
 
እወ፡ መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ ከም ዚብሃል፡ ነዚ ዘበለኒ ምኽንያት መበገሲ ኣሎዎ። ኣብዚ ዝሓለፈመዓልታትሓንቲኣንቲ ባንዴራናዘርእስታ ናዕታ፡ በቶም ንወኒ ስነ ጥበበኛ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማንወኒ ገጣሚ ፍናኑ ዚድርዕ ኣቀራርባ ጌሮም ዘቕረቡዋ፡ ሃበርም ጋዜጣኛታት ወጋሕታ ሰሚዕኩማክትኮኑ ተስፋ እገብር። ልክዕ ከምኡ ኸኣ ኣሰናውያን፡ ነታ ግጥሚ፡ ነዛ ወርቃዊትምስላ ምጭውቲ ርያና (ሰንደቕ ዕላማና) ኣሰኒዮም፡ ኣብ ሌማት (መቐረብ መኣዲ) ኣሰና ኣውጺኦማ ኔሮም። ነዚተኸቲሎምውን ውሑዳት ነበብቲ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ጽሑፍ ዘስፈሩዎ ነቐፌታዊ ርእይቶመበገሲብምግባር ሕጂ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ከዳሉ ተገዲደ ዘለኹ።
 
ከምቲ ደማሒ ሃገርና ብህርፋን ስልጣን ልቡ ዓዊሩ፡  ሃይዶ (መራሕ ዕዉር) ስኢኑ፡ ንኣስታት ሓሙሽተሚልዮን ኤርትራውያን፡ ኣብ ሓንቲ ሰኪዐት ተሓንጊጡ ናብ ገደል ገጹ ዚምርሽ ዘሎ፤ ገለ ብጽልኡልቦም ዝዓወሩ ደለይቲ ፍትሒውን፡ ነታ እልፊ ኣእላፍ ጀጋኑና ዝተበጀዉላ፡ ብኣዕጽምቶም ቈይማ፡ብትንፋሶም እተንበልብል ዘላ ሰንደቕላማና፡እዚኣ ባንዴራ ኣይኮነትን! ባንዴራ ውልቀ መላኺ!’ብምባል፡ ከም ዝነጽጉዋ ምስ ነበብኩን ምስ ሰማዕኩን፡ ነቶም ካብ መስዋእቲ ክቡር ኣቦና ደላይ ናጽነት፡ ሓርበኛ ዓብደል ቃድር ከቢረ ጀሚሮም ክሳዕ ጅግና ደላይ ሓርነት፡ ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊ)፡ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዝሓለፉ ጀጋኑ ሰማእታት ኤርትራ ምኽሓድ ማለት ስለ ዚኾነ፡ ንምእማኑውንእምብዛ ኣጸጊሙኒዩ።
 
ብርግጽ ኤርትራውያን፡ ሓንቲ ብኣባል ባይቶ መንግስቲ ኤርትራ ነበር፡ ኣቦና ደጊያት በየነ ዛህላይ ከም ዝተነድፈት ዝንገረላን እቲ ብ10 ሓምለ 1952 ዓ.ም ህንጻ መንግስቲ ዘጽደቐ ባይቶ ፈደረሽን መንግስቲ ኤርትራ ዝተቐበላን ናይ መጀምርያ ናይ ፈደረሽን ርያ (ባንዴራ)፡ ሰማያዊ ዝሕብራ፡ ክልተ ቀጠልያ ኣውሊዕ ዝተሳእላ፡ ሰንደቕ ዕላማ ከም ዝፈለምና መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ’ዮም። እዛ ባንዴራ እዚኣ ከኣመበገሲ ነቲ ብውዲት ሓያላን ሃገራት ዝተዓሎቐ፡ መሰል ናጽነትና ንምምላስ ዘካየድናዮ ቃልሲ፡ ማለትዝተፈላለያ ውድባት ብምቛም፡ ውድብ ጀብሃ፣ ውድብ ሳበ፣ ሰልፊ ናጽነት ከምኡውን ቀዳማይንካልኣይን ህዝባዊ ሓይልታት፡ ደሓር ምስ ሰልፊ ናጽነት ብምጽንባር፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራተባሂሎም ዝተጸውዑ፡ ተጋደልቲ ኤርትራውያን ተጠቒሞሙላዮም። ብናይ ኩሎም ክቡር መስዋእቲ ከኣኤርትራ ሃገርናናጽነታ ኣብ 1991 . ተጓናጺፋ።
 
ድሕሪ ናጽነት ግን ነዞም ኣብ ኩለን ውድባት በብወገኖም ዝተሰውኡ ጀጋኑ ኤርትራውያን ጠርኒፋእተንጸባርቕ፡ ሓንቲ ናይ ሓባር ንኹሉ ዘጣመረት ሃገራዊት ርያ ቈይማ። ኣቋውማ ሰንደቕ ዕላማእዚኣ ኸኣ ካብቲ ኣብ መእተዊ ጽሑፈይ ገሊጸዮ ዘለኹ፡ ፍርያት ዘርኢ ሓረስታይ ዝፈልያ ነገር ምንም የለን! ከምቲ ዘርኢ፡ ዘሪእካ፣ ዓጺድካ፣ ኣኺድካ ምስ ተሓፍሰ ሓድሽ ፍረ ጻማ ረሃጽ ዚኸውን፡ እዛባንዴራ እዚኣውን ከምኡ ብመስዋእትን ስንክልናን ጀጋኑ ደቂ ኤርትራ፡ ሓድሽ ፍረ ጻማ ናጽነትንሓርነትን ብሙዃን ተሃኒጻ። ሓደ ሰብ ንውልቃዊ ረብሓኡ ኢሉ ዕላማኣ እንተ ጨዎዮሲ ንሳ እንታይስለ ዝኣበሰት’ያ ትንጸግ!? ዝቘመትሉ ዕላማኸ ስለ ምንታይ ይልወጥ!? ነዚ ሕጂ ለቢሳቶ ዘላ መልክዓብምልባስ፡ ከምቲ ዘርኢ መሸላ ዝገበርካ እንተ ገበርካዮ መሸላነቱ ዘየጥፍእ፡ እዛ ባንዴራ እዚኣውንዝተሸለመት ሕብሪ ትሸለም መበቈላ’ኮ ኣየጥፈአትን ዘላ! ነቲ ዝነበራ ሕብርን ቅርጽን፡ መስዋእትን ልምዓትን ጥራይ እያ ወሲኻትሉ!
 
ምልክት ደም ስውእ ለቢሳ፣ ባህጊ ሰላም ኣሚታ፡ ወፍሪ ልምዓትን ምዕባለን ተቐኒታ፡ ንህዝብን ሃገርንኤርትራ ወኪላ፡ ኣብ ግቡእ ቦታኣ ከምዚ ሕጂ ዘላቶ ብሰንኪ ግጉይ ኣካይዳ ምልኪ ሓፊራ ዘይኮነትስ፡ ጽባሕ ብከምቲ ዝግብኣ ክብረትን ሓበንን ኰሪዓ ንእተንበልብል ሰንደቕ ዕላማ ናጽነት ጉሒፍካ፡ግድን እታ ብውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዋህበትና ሰማያዊት ባንዴራ ጥራይ እያ ባንዴራና!ብምባል፡ትቕንዘወሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ!? እዛ ህያብ ሰማእታት ባንዴራ እዚኣኸ ምስ ውልቀ መላኺኢሳያስን መሓውራት ኣካላቱ ህግደፍን እንታይ ዘራኽብ ኣለዋ!? ክቡራት ወሃብቲ ርእይቶ፡ ቊሩብ ብዛዕባዘን ክልተ ከለዋ ሓደ ዝኾና ወይውን ሓደ ከለዋ ክልተ ዝኾና ሰንደቕ ዓላማታት፡ ተወሳኺመብርሂ ክህበኩም ፍቐዱለይ? ኣብዚ ግን ነፍሲ ወከፍና ከነስተውዕለሉ ዘለና ዓቢ ጉዳይ ኣሎ።
 
ንሱ ኸኣ ኣነ ኾነ ንስኻትኩም ወሃብቲ ርእይቶ ኢናምበር ወሰንቲ ከምዘይኰንና ክስመረሉ ከም ዚግባእ’ዩ! እቲ እንኮ ወሳኒ ኣካል፡ እዚ ሕጂዝበልኩኻ ጥራይ ግበር! እንታይ ኣፍሊጡካ ብዛዕባ ሃገር!’እናተባህለ ብቐጻሊ ሓሰረ መከራ ምልኪ ዝበልዕ ዘሎ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉዩ። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ፡ ልክዕ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፡ ድያብሎስ ንዝተፈላለዩ፡ ቃል ኣምላኽ ሰሚዖም ዘተግብሩ፡ ነብያትን ቅዱሳት ሰባትን ንምጥፋእ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ ምቕታልን ናይ ምሕጣእን ዘመተ፡ ሕጂውን ኣብ ኤርትራ፡ ሓደ ድያብሎስ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብምውሳድ፡ ንብዙሓት ትርግታ ልቢ ህዝቢ ዝሰምዑን ክሰምዑ ዝፈተኑን ደቂ ሃገር፡ ናይ ምቕንጻልን ምቕፋድን ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ። ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብዚ ሕሱም ኣብሊስን ስርዓቱን ተገላጊሉ፡ ሃገሩን ህይወቱን ባዕሉ ንኽውንን ምስ በቐዐ ኸኣ ነዛ ኣእላፍ ሰማእታቱ ዝወደቑላ ኣርማ ናጽነት ገዲፉ፡ ነታ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብስም ፈደረሽን ዝተመጠወቱሉ ርያ ብምምራጽ፡ ከንበልብል እንተ ወሲኑ፡ እቲ ምርጫ ንኣኡ ንገደፎ።
 
ኣነ ግን ኣብ መወዳእታ ጽሑፈይ፡ ገለ ዝመስለኒ መብርሂታት ብዛዕባ’ዛ ንዛረበላ ዘለና ሃገራዊት ርያና ክህብ ክፍትን፥ ሕብሪ ባንዴራና ኣርባዕተ ኮይኑ፡ ቀይሕ፡ ነቲ ንመንነትናን ባንዴራናን ንምምላስዝተኻየደ ሓያል ቃልስን ዝፈሰሶ ክቡር ደምን ኪገልጽ ከሎ፤ ቀጠልያ ከኣ ነታ ብመስዋእቲ ዝረኽብናያሃገር፡ ብልምዓት ሓምላይ ከም ንቕይራ ዝእምት ምልክት ለምዕን ጠጥዕንዩ፤ ሰማያዊ ኸኣ ምልክት እቲንሃገርና ተቐኒቱ ዘሎ ሃብታም ባሕርናዩ፤
 
እተን ኣብ ማእከል ዘለዋ ብጫ ዝሕብረን ክልተ ሸሞንተ ጨናፍር ዘሎወን ቈጽሊ ኣውሊዕ ድማ እቲብጫ ሕብሪ ድሕሪ ኹሉ ሓሳረ መከራ፡ ብቓልስና ንዝተጓናጸፍናዮ ሰላም ከመልክት ከሎ፤ እተንክልተ ሸሞንተ ቈጽሊ ዘሎወን ኣውሊዕ ከኣ ንኽልቲኡ ዓበይቲ እምነትና ማለት፡ ኣስላምን ክስታንንብፍቕርን ሰላምን ተወሃሂድና ከምንነብርየን ዝገልጻ፤ እተን ሸሞንተ ጨናፍረን ምስታ ድሒራዝተወሰኸተን ኣብ ማእከለን ዘላ ሓንቲ ጨንፈር ድማ ንትሽዓቲአን ብሄራትናየን ዝገልጻ። በዚ መሰረትከኣ እታ ዝጸንሐት ናይ ፈደረሽን ባንዴራ፡ ኣብዛ ሓዳስ ናይ ሰማእታትና ባንዴራ ብምልእታ ኣትያ ኣላማለትዩ።
 
ስለዚ፡ እቶም፡እዛ ሓዳስ ባንዴራ ናይ ውልቀ መላኺ ባንዴራ! ገላጺት መንነትና ኣይኮነትን!’ ብምባል፡ነዛ ህይወት ኣእላፍ ጀጋኑ ከፊልና ዘምጽእናያ ህልውቲ ናይ 24 ግንቦት 1991 ውቅብቲ ባንዴራናጒሒፍና፡ ነዛ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተፈቕደትልና ሰማያዊት ናይ ፈደረሽን ባንዴራ ዝነበረትደሓር ዳግም ብፍቓድን ደገፍን ሓያላን ሃገራት ብሓይሊ ዝተመንዘዐት ርያ (ባንዴራ) ክንጥቀም ትሓቱ ዘለኹም ደቂ ሃገር፡ እዚ ሓሳባት’ዚ ብዚኾነ ይኹን መገዲ፡ ኣብ መስዋእቲ ኣእላፍ ጀጋኑ ኤርትራዝኣምንን ሕድሮም ዝተቐበለን ኤርትራዊ  ዜጋ፡ ተቐባልነት ኪህሉዎ ዚኽእል ምጉት ኣይመስለንን።
 
ባንዴራና!
 
እዛ ህያብ ሰማእታት ክብርቲ ባንዴራ
ረዚን ትርጉሙ ኣርባዕቲኡ ሕብራ
ብሄርናን እምነትናን ኣብ ሓደ ጠሚራ
ዘቃለሰትና ንኽንወጽእ ሓራ
መንነትና እያ’ሞ ብግቡእ ነኽብራ!
 
እዛ ባንዴራና መዘና ዘይብላ
ኣብ ኣዕጽምቲ ስውእ ተሰቒላ
ትንፋስ ስውኣትና ወትሩ እናንበልበላ
ኣብ ኩሉ ትርከብ ንስምና ወኪላ!
 
ኣብቲ ባይቶ ዓለም ኣብቲ መጋባእያ
ብኽቡር መስዋእቲ ምስ ኣንበልበልናያ
ሃገርና ኣልሚዕና ክንገብራ ቀጠልያ
ሓድነትና ኣትሪርና ኢደይ ኢድካ ኢልናያ!
 
እንተኾነ፥
ዝዓነወት ሃገር ክንሃንጽ ብብቕዓት
ሰብኣይ ሰበይትና እንከለና ኣብ ልምዓት
ብቕዋም ዝምራሕ ከይንተክል ስርዓት
ኲናት ከፊቱልና መላኺ ንጥፍኣት!
 
ነዛ ኣርማ ሰላም ብጫ ሕብሪ ኣውሊዕና
እዚ ጉጅለ ህግደፍ ሕሱም ገዛኢና
እናተራጸመ ምስ ኩሉ ኣብ ዓለምና
ትርጉሙ ኣጥፊኡዎ ሕብሪ ባንዴራና
ብሰንኪ ደማሒ ብሕፍረት ደኒና
እንሀት ተንበልብል ኣርማ ስደት ኰይና!
እቲ ቀጠልያ ሕብራ ምልክት ኣዝመራ
ተሻሞ እናበለ ንልምዓት ወፈራ
ብጻዕሩ ዘምጽኦ ህዝቢ ናይ ኤርትራ
ጠስምን ኣጅቦን’ዩ ፍረ ምድሪ ባሕራ!
 
ኣብ ዘንጋ ክትስቀል ኣብ ባይቶ ዓለምና
ህይወት ናይ ጀጋኑ መስዋእቲ ምኽፋልና
እቲ ቀይሕ ክፍሊ ሕብሪ ባንዴራና
ምልክት ቃልሲ ዝፈሰሰ ደምና!
 
እዛ ተፈታዊት ወርቃዊት ባንዴራ
ምልክት ባሕሪ ሰማያዊ ሕብራ
ካብ ዝመጸ መጺኡ ዓማጺ ከይደፍራ
ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ኣሎዎ ሓደራ!
 
ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ልደትን ይግበረልና!
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
 
ካብ ሓው መሲናስ 18/12/2014

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • Meretse Asmelash December 18, 2014

    ሓው መሲናስ
    “ባንደራ” ወካሊት መልእክተይ ጌረ ዝጸሓፍክዎ ጽሑፍ ፡ ነበብቲ ከምቲ ዝሓሰብክዎ ኣይተረድኡለይን። መኣስ ንሱ ጥራሕ … “ክሳድ መልእክተይ’ን ሰኣን ኣፍልጦ ይብል ኣነ ብሓይሊ ጓዕጺጾም”። እዚስ ነዞም ከምዚ ከማይ ልቢ’ዶ ኣይሃርምን? በዚ ምክንያት ነቲ ቀዳማይ ጽሕፍ መሰነይታ ክጽሕፈሉ ተገዲደ።
    መሲናስ፡- እቶም ክንስሕት ‘ከሎና ሓቅካ፣ ሓቅኺ፣ ሓቅኩም ዘይመባልዕትና ሰባት፡ ንመን ዋሕስ ንገብር ትፈልጥ?
    “ዋላ ትንፈር እምበር ጤል’ያ”

  • Meretse Asmelash December 18, 2014

    correction:
    ..please read as…. እዝስ ነቶም ከምዚ ከማይ ዝድሕሪ ባይትኦም ልቢ’ዶ ኣይሃርምን?

  • Mesinas December 18, 2014

    ክቡር ሓው መረጸ ብመጀመርያ እዛ “ነቶም ከምዚ ከማይ ዝድሕሪ ባይትኦም ልቢ’ዶ ኣይሃርምን?” ዝበልካያ ቃል ንኣኻ ዘይኮነ ንኣይ እያ ልበይ ተንኪፋትኒ! ምኽንያቱ ዕላማይ እቲ ሓቅን ቅኑዕን ኢለ ዝኣመንኩሉ ሓሳብ ገሊጸ’የ ከረድእ ፈቲነም’በር ንዚኾነ ይኹን ሓወይ ወይ ሓብተይ ክጎድእ ከምዘይጸሓፍኩዎ ብስም’ቶም ብመስዋእቶም መንነተይ ዘረከቡኒ ጀጋኑ ሰማእታት እምሕለልካ! ብሓቂ ከምኡ እንተ ደኣ ተሰሚዑካ ከኣ ልባዊ ይቕሬታ እሓተካ?

    • Meretse Asmelash December 20, 2014

      ክቡር ሓው መሲናስ፡
      ናይ ሩሑቅን ቀረባን ስክፍታ ከቀራርብ ክብል ብዘንበርክዎ ቀራን ሓሳብ ቁሩብ ኣዳናጊረካ።
      ይቅረታ፡
      ነቲ ዘቅረብክዎ ቀራን ሓሳብ ከትተዓራሪ (ንስለ ቅንዕና) ሩሑቅ መንገዲ ከምተጓዕዝካ ፈሊጠ።
      ኣዝየ ካብ ልቢ የመስግን ። ኣብ መጨረሻ ዘለለክዎ ነጥቢ ፡- “መሲንስ” ማለት ሓደ ካብቶም ብሓቂ ብፍቅሪ ህዝብን ቛንቛን፡ ባህልን-ልምድን ልቦም ዝነደዱ ምዃንካ እዩ። እዚ ከኣ ነታ ጽባሕ ኹሎም ደቃ፡ ብዘይ ኣፋላልይ ክትሓቑፍ ሃንቀው ኢላ፡ ስና ነኺታ እትጽበ ዘላ ዓዲ ዓቢ ረብሓ እዩ’ሞ ኣይትትሓለል።

      • Simon G. December 20, 2014

        ከምዚ ናይ ሓደ ሓደ ለባማት (ናይ ገሌኹም ኣስማት ረሲዐ ከየቐይመኩም: ኣስማት ምርቋሕ ይጽነሓለይ)ምኽሪ ኣብዚ መኣዲ ኣሰና ከንብብ ከለኹ ብውሕድ ሰለስተ ዓይነታት ስምዒት ይፈጥረለይ። ንሱ ድማ:
        1. ቅንኢ፥ እዚ ናተይ ሓንጎልሲ ሓደ ዕስሪት ናይ ዞም የሕዋተይን ኣሓተይን ዶ ምሕሳብ ክስእን
        2. ባህታ፥ ከምዚ ዓይነት ሓንጎል ዝውንኑ የሕዋትን ኣሓትን ስለዘለዉኒ
        3. ተስፋ፥ ለባማት ሰባት ከምዘልዉና ስልዝኣመንኩ፥ ኣንታ ደሓን ኢና ግዲ ይብል።
        ወዮ ደኣ ሐሕማቑ ስለ ነስተውዕል ኮይና ምበር: ብዙሕ ተስፋ ዝህቡ ክኢላታት ደቂ ሃገር ኣለዉና። ከመይ ተስፋ ሃብኩም!

  • ERITRAWIT December 18, 2014

    Mesinas,
    Eza banderana zela hjey nezom gedley zeyneberna da enber netom ab jebha zneberew yehwatna, gele tegadeltey yehwatna nay shabia aykbelwan ewom. Wereg Tegadeltey zenberewen heton reton ztebahlew-en aymeslenen eza bandera ktwesen kola. Abona wedi Vaccro wen negerna nerew Kemew kab kone kabzom yehwatna reto zhabew tebegese anewen nay Isaias kemzkonet eye amene zeleku Bzkone mzr-rab ehen mehen mbale eu etey zabeye. Ezey gebele nay hagerna tray b selam ykedelna.

  • mahta December 18, 2014

    Kbur messinas ety zbelkayo bmlue haki eqa ente kone bmeseret trgum. Gn ab bayta dhri 91 malet lieli 20 hzbi eritra hamed difachu setiu. Swuat tetelimom hdrom . Deki swat kolalitom teshitu ab sdet israelin kalot hageratn mftarom steliom. Ab zi gizie ezi eto hgi zhatu nay awraja ybhalu netiom kea aslam eyom ybhalu etc kota hager bezi wedi berad zmerha hager tebalia kulu neza badera kree nty bal demna kem zreaye koinu eu zsmo . Nay gilanet zeben teraeu zeyfelit hzbi eritra zmekneli gize . Bzkone brietoy kemzelewa koina gele mkyyar ente zgberela ybl metan hzbi eritra wn mlue nastnetu kem zwesede nmrggast hgawitn hzbawitn hagerawitn zkonet bandera ybl wo dehankum.

  • ogbai December 18, 2014

    ክቡራት ኣሕዋት ደቂ ሃገረ ኤርትራ! ሰላም! ብሓበራ!ሕበሪ ባንዴራ፡ ትርጉሙን፡ ጥራሕ ኣይኮነን ዘየቃድወና ዘሎ። ክንግንዘቦ ዘለና ጉዳይ፡ ካብዚ ትገልጽዎ ዘሎኹም ንላዕሊ እዩ ክብል እደፍር። ሰኒዕካ ሰናኒዕካ ምጽብባቕ ዘይኮነስ፡ ብመሰረቱ እቲ ዘዋጥጥና ዘሎ እቲ ዘተኻየደ ናይ 30…50 ቃልሲ ኣብ ውልቀ ውድብ፡ ጸቢብን፡ ምኩሕን መላኺ ተወኒኑ ብምትራፉ እዩ። ብመጀመርያ ሜዳን ንምብሓት ብዙሕ ደም ዝሰተየ ባሓቲ ምኩሕ ስርዓት። ንገለ ብብረታዊ ጎንጺ ብሓይሊ ሓግሒጉ ናብ ጎራባብቲ ሃገራት ኣፋኒዩ፡ ንገለውን ኣብ ውሽጢ ጨፋሊቑ ጨፋሊቑ ከብቕዕ። ነቲ ቀዳማይ ዓወት ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ንኹሉ ብሒቱ። ብዘይ ሰፊሕ ሃገራዊ ልዝብን ዕርቅን ንኹሉ ገበናቱ ንኽሽፍን። ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ ዝዓይነቱ፡ ከምቶም ኣቦሓጎታቱ ኣቦታቱ፡ ንክንደይ ዓመታት ወረ ገልስ ጌና ንፋጡ ከይጸረገ ከሎ ንዝተቓለሱን፡ ዘቃልስዎን ከይሓፈረ ከም ውልቀ ሰባት ብዘይ ገለ ኣኽብሮት፡ ነፃ ኢኹም ከም ውልቀ ሰባት ከም ተራ ሸፋቱ ኢዱ ክስዕሙ እዩ ዘዓደመ። ልክዕ ናይ ጃኖሆይ መስመር እዩ ኣብ 1991 ኣብ ኣስመራ ዝደገመ። በሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ገለን ብገርህኹም ገልን ብግርሕኹም ኣይትተሃወኹ ንነገራት ገማጢልኩም ርኣይዎ ቕድሚ ምዘራብኩም። ዓቕምታትኩም ካባይ ክብ ከምዘብል ይተኣማመን እየ። የግዳስ ኣብ ርእሲ ልብኻ እንተዝመኽርኻ እብ ርእሲ ሃብትኻ እንተዝውስኹኻ ከም ዝባሃል፡ ምናልባት ቅድሜኹም ጸሓይ ርእየ ክኸውን ስለ ዝኽእል ሕግን ፍትሕን፡ እቲ ንኹልና እንጠልቦ ዘለና ክሳብ ዝረጋገጽ ተጽዋዊርና ናብቲ ናይ ሓባር ሰፍሕ ሃገራዊ ባይቶና ንምብጻሕ ንቀዳደም ንጋየ። እቲ ኩሉ ዘሰክፍ ዘበለ ኣብኡ ኣብቲ ሰፊሕ ሃገራዊ ድንበ ክንማያየጠሉ ኢና። ናይ ባንዴራ’ካ ብዙሕ ዘዛርብ ኣይክኸውንን እዩ። እቲ ዘዛርብ ዘሎ እምባ ገነን ኢስያስ ዘተኸሉ ኩሉ ወግዓውነት ሕጋውነት ይብሉን እዩ ዝባሃል ዘሎ። እምባር እዚ ኣባሃህላ’ዚ ሓቂ እዩ ካብ ብልና እቲ ኩሉ ንሱ ዘቖሞ ትካላት ድግመ ርእይቶን ወግዓውነትን ሕጋውነትን ከንልብሶ ኢና እትተባህለ ካብ ሓቂ ዝራሓቐ ኣይኮነን። ዘይወግዓዊ መንግስቲ ኢደውነናዊ፡ ነጻ ፖለቲካዊ ሃዋህው ግሉጽነት ሽታ ዘይብሉ፡ ባዕሉ ገባርን ሓዳግን፡ \My way or the high way’ ባሃሊ ሃላሊ፡መገዲ ተጠቒሙ፡ ዊን ፊን ከምዘበሎ ስለ ዝገበረን። ዋላ ጽቡቕ ትርጉም ስእሊ ይሃልዋ፡ ወግዓውነትን፡ ዕላውነትን፡ ዘይምርካብ ዘየዛርብ ኣይኮነን። ብተውሳኺ ቑዋም ሃገር፡ ንባዕሉ፡ እቲ ምንግስታዊ ስልጣን፡ ኣብ ሳሕል ኮይኑ፡ ምስ ገለ መሻርኽቱ ዝምድመዶ ኩጢጥ ኢሉ ብዘይሕፍረት ተቐሚጥዎ ዘሎ መንብር ‘ዝፋን’ መን ዝመረቐሉ ሰፊሕ ሃገራዊ ብይቶ ስለ ዘየለ፡ ወግዓውነት የብሉን ክባሃል ርትዕዊ ጉድይ እዩ። ስለዚ ወግዓውነትን፡ ሕጋውነትን ብወግዒ ዘየማለኤ ከኣ፡ ኢደወነናዊ፡እምባገነን፡ ምኩሕ፡ ሽፍታ፡ ዓቀይታይ፡መላኺ፡ ልዕለ ሕጊ፡ እንዳበልና ዝተፋላለየ ኣስማት ነጠምቖ ኣለና። ነዝን ከምዝን ክሳብ ዘይተማልኤ ምላኣተ ሕግን፡ ፍትሕን፡ ወግዓውነትን የብሉን። እምባር እቶም ደለይቲ ፍትሒ እንብሃል ብተቓወምቲ እንፍለጥ፡ ቖዋምነት ንሓደ ብዘይ ዕላዊ ቕዋም ዝመጸ ባዕላዊ ስርዓት፡ ሰናኒዕና፡ ኮሓሒልና ከንቕርቦ እንተፈቲና፡ ካብቶም ኣብ ስሚዕታት ጥርሕ ተሓጺሮም ከም ኣያይ የልቦን ዘብሉና ዘለዉ እንታይ ክፈሌና ይኽእል። ሃገርና፡ ባንዴራና፡ ንጉሰ ነግስትና፡ እንዳበልና ንዘይ ሕጋውነት ስርዕተ ህግደፍ ቆዋምነት ክንልብሶ ኣይንፈትንን ኢና። እቲ ባንዴራ መለለዪ ናይ ሓደ ሃገር ኮይኑ ምስ ታሪኽን ባህረ እቲ ሕብረተ ሰብን ዝሰማማዕ ክኽውን ሽግር ዘለዎ ኣይኮነን፡፡ ዘይተማልኤ ብዙሓት መስላት ህዝብና ዘዋሰነ ንብዙሓት ኣፍረይቲ ደቂ ሃገር መንእሰያትና ኣብዘይ ጥዑም ኮነታት እንድሃለና። ነቲ ኣብ መሰረቱ እተባላሸወ ምሕደራ ሃገርና ጥጡሕ እምነ መሰረት ከነቐምጠሉ ጊዜ መድረኽ እጽዋዓና ኣሎ’ሞ ሓየ ደኣ ኢደይ እድካ ንብል ክብል ፍቐዱለይ። ዓወትና ኣብ ብቕዓትናን ትብዓትናን ዝተሞርኮሰ ምኻኑ ኣይንረስዕ!

  • rezen December 19, 2014

    Greetings Mesinas,

    I am not here to repeat my admiration for your proficiency in the ancient written language of Tigrigna whose destiny , sadly, rests on ” modern” educated off-springs who looks down upon it, completely oblivious that they are displaying inferiority complex, though camouflaged by superiority complex መን ከማና !!! I better not go farther than that, lest I trigger an avalanche of raw insults….

    Why am I sending this note?

    1st. To admire the civilized exchange of commentaries that you have with another fantastic fellow Meretse on the subject matter. Though you may have divergent views, it is handled in a civil manner, concentrating only on the subject matter as true intellectuals should. In that atmosphere there is no need to apologize because the discussion is based on intellectual level.

    2nd. This is ticklish! Can you imagine that I dare to plunge into something that I am not good at? Well be merciful upon me Mesinas: Here it is! Here is how you started your Article

    ሓደ ህርኩት ሓረስታይ፡ ሓደ ምዕሮ (ኣርባዕተ ምለሊኽ) ዝኾና ዘርኢ መሸላ ወይ ጣፍ ካብ ለግስቲ ምስተዋህበኦ፡ ንሱ ኸኣ ግራቱ ገሪፉ፣ ረዊሑ፣ ኣዋህሊሉ፣ ዘሪኡ፣ ጻህዩ፣ ዓጺዱ፣ ጎኒኹ፣ ኣኺዱ ምህርቱ ምስሓፈሰ፡ “ምህርትኻ ኣርእየና?” ኢሎም እንተ ዝሓቱዎስ ነየናይ ምህርቲ ኾን መቕረበሎም ኢልኩምትሓስቡ? :እተን ንዘርኢ ኢለን ዝተዋህቦኦ ምዕሮዶ ወይስ እተን ደም ረሃጹ ኣፍሲሱ ዝሓፈሰን እንተላምያሒት ምህርቲ ዓውዱ?

    Good statement. But your next sentence may give heartburn because the reader is not given the choice to answer the question in his/her mind, while proceeding to see the rational of your article. In other words you firmly concluded what the reader should be thinking! So much so, the next sentence is so affirmative that the reader is left without any choice for any answer. Here is how:

    እዋእ! እዚ ደኣ እንታይ ዘሐትት ኣሎዎ!? እቲ ብጻዕሩ ዝረኸቦ ምህርቲዓውዱ’ምበር! ከም ትብሉ ርጉጽ‘ዩ። How can you be so sure?

    Discussion
    The above fatal assertion ASSUMES that the product the farmer will reap from the good earth was what he desired and prayed for i.e. to be blessed with the exact replica of the input. Once that “assumption” is reached at, deep disappointment follows if the end result is unexpected! It may even be a disaster to the poor farmer whose hope and effort simply vanished into the thin air, so to say. How? Read on.

    Yes, the farmer had “ሓደ ምዕሮ (ኣርባዕተ ምለሊኽ) ዝኾና ዘርኢ መሸላ ወይ ጣፍ”. He is SURE of that, based on his natural senses and feelings AND HOPES that he would be blessed with plentiful replica of the same producton his hand. The farmer cannot be sure more than that. The rest, according to the pious farmer, is left to the good Lord – he believes wholeheartedly that he will be blessed with plentiful harvest.

    But it could also be different for a number of reasons i.e. environmental, climatological, man-made destruction etc. The poor farmer may find himself speechless and crashed by the possible end result (product) that no human being can consume!!! As a consolation it may be consumable to his cattle – if he is lucky. To the farmer, deeply religious fellow, the strange outcome must be the result of a divine decision of the good Lord. For some mysterious reason he was never brought-up in a culture where the child is permitted to be free, to touch, to feel, to think, to make mistakes, to be inquisitive, and to develop his/her mental faculty to be a free rational human being. Instead, he was taught to be a good obedient person where anything that shines is his sun and any ruler is his king!

    Dear Mesina
    Your Article, though about a FLAG.i.e a piece of cloth, has symbolic fundamental implication and meaning [or as our learned people may recite: To Be OR Not To Be] for Eritreans. Unparalleled in history, Eritreans sacrificed more than three-hundred thousand souls with a devastated country in over 30 -years of war for noble causes [Flag] of Freedom , Liberty, Independence, Justice ….. only to find themselves betrayed and in Hell [a different Flag that had no blessing of the people]. It was the greatest swindle that has ever been perpetrated on a population in a ‘broad day light’ by their own brethren. It is about a monumental crime that we are talking about – not about a patched strip of colourful cloth
    THE END

    p.s. If I am off-track, it is not out of malice but out of lack of sophistication. I can’t help it. But, be that as it may, I readily apologize for what it is worth

  • Simon G. December 19, 2014

    ናይ ባንዴራ ሕብሪ ንምንታይ ከምዚ ኮይና ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን ኔረ። ንምንታይ ከምዘይሓሰብኩ ከማን ሕጅስ ገሪሙኒ።
    መሲናስ፥
    ብዛዕባ ሕብሪ ባንዴራ ካብ ኣምጻእካ ግን: ናተይ ርኢቶ ከቕርብ።
    1. መን ሓርይወን ዘን ሕብርታት? ከምዝመስለኒ ህዝቢ ዕድል ዝረኸበ ኣይመስለንን ሪኢቶ ከቕርብ።
    2. ናይ ግድን ድዩ ቀይሕ:ብጫ: ቀጠልያ: ሰመያዊ: ክኸውን ዘለዎ? እታ ሰመያዊት ተወሲኻታ ምበር ዳርጋ ናይ ኢትዮጵያ ሕብሪ ‘ኳ የን ‘ተን ካልኦት።
    3. ከምዝመስለኒ ኣርማ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረት’ያ (ብጀካ እታ ኣውሊዕ) ሕጂ ባንዴራ ኮይና። እቲ ህዝባዊ ግንባር ዘይነበረ ወይ ዘይድግፍ ከ ኣበይ ተረሲዑ?
    ደሓር ከኣ ብጫ ኣውሊዕ ኢልካ ዶ ኣሎ ዩ? ቀጠልያ ኣውሊዕ ዶ ኣይመሓሸን? ዶ ዋላስ ክትሓርር ዝቐረበት? ከምኡ ተኾይኑ ብፕላን ‘ዩ ኔሩ ማለት ዩ።

    ዕድል ረኺበ ኔረ ተዝኸውን ናተይ ሕብርታት: እዘን ዝስዕባ ምኾና። እዚ ክብል ከለኹ ግን: ቅድሚ ህግደፍ ን ኤርትራ ዑና ምግባሮም ‘ዩ።
    1. ጸሊም፡ ኣፍሪቃዊ ስለዝኾንኩ
    2. ቡናዊ (ሓመዳዊ): መሬተይ ስለዝረኸብኩ (ሃገር ማለት’ዩ)
    3. ሓሙኽሽታይ: ነጻነት ስለዝረኸብኩ
    4. ቀጠልያ: ሃገረይ ክትጥጥዕ:ክትምዕብል ስለዝትምነ። እታ ቀጠልያ: ከም “ቅናት” መሳሊት ኮይና: ካብ ታሕቲ ጸጋማይ ናብ ላዕሊ የማናይ ተሰይፋ: ካብ ህስስ ዝበለ ቀጠልያ ናብ ድሙቕ ቀጠልያ ትቀያየር። ቀጻሊ ምዕባለ ትሕብር።

    ተዘኮይኑ: ብዙሓት ሃገራት ደም ተፋሲሰን: ባሕሪን ብዙሓት ብሄራት ዘለወን: ወዘተረፈ.. ከምዝናትና ሕብርታት ዘይብለን ኣለዋ።
    የጋድስ: ሕጂ ካብ ናይ ባንዴራታት ሕብሪ ዝዓበየ ካልእ ሰፍ ዘይብል ጸገም ኣለና። ኣይመስለኩምን?

  • Mesinas December 20, 2014

    ዝኸበርኩም ኣሓታን ኣሕዋትን ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ድማ ክቡር ሓው ስምኦን፡ ባንዴራ ብትርጉም እምበር ብጽባቐን መልክዕን ሕብርታት ከምዘይቀውም ከዘኻኽረካ ፍቐደለይ? ሕብሪ ባንዴራ ብሕርያ ኣይመጽእን’ዩ። ከምዚ ናትና ብቓልሲ ዝተረኽበት እንተ ኮይና፡ ብስም ወለዳ ማለት ብፈጠርታ ትህነጽ ወይ ትጽዋዕ፤ ኣብ ካልእ እንተ ኮይኑ ከኣ ብዕላማ’ያ ርያ ትህነጽ። ንኣብነት፥ እዞም ዝስዕቡ ሕብርታት ከም ሙዚቃ ዘይቅየር ዓለም ለኻዊ ትርጉም’ዩ ዘሎዎም። ብጫ ሕብሪ= ተስፋ፡ ፍትሕን ማዕርነትን እዩ፤ ቀይሕ ሕብሪ= መስዋእትን ጅግንነትን እዩ፤ ቀጠልያ ሕብሪ= ለምዕን ጠጥዕን’ዩ፤ ሰማያዊ ሕብሪ= ሕብሪ ባሕሪ እዩ! ስለዚ፡ ኣነ ጸሊም ስለ ዝኾንኩስ ‘ባንዴራይ ንሕብረይ ትግለጽ’ ብምባል፡ ደስ ዝበለና ሕብሪ ሸሊምና፡ ርያ ከነቕውም ቅኑዕ ኣይመስለንን። በዚ ኣጋባብ’ዚ ዝተሃንጸት ሰንደቕ ዕላማ ከኣ ክብርን ፍቕርንውን ክጐድላ ይክእል’ዩ። ገለ ሰባት ንባንዴራ ከም ተራ ጨርቂ ጌሮም ዝቖጽሩዋ እውን ኣለዉ። እዚ ከኣ ትርጉም ርያ ካብ ዘይምፍላጥ ስለ ዚነቅል፡ ብዙሕ ግምት ዝወሃቦ ኣይኮነን። ካልእ ኣብዚ ንእግረመገደይ ከዘኻኽሮ ዝደሊ ነገር እንተሎ፡ ሓደገኛነት ናይዚ ዚስዕብ ኣተሓሳስባ’ዩ! “ሕጂ ካብ ናይ ባንዴራታት ሕብሪ ዝዓበየ ካልእ ሰፍ ዘይብል ጸገም ኣለና” እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ከቢድ ሳዕብየን ዘለዎ ሓደገኛ ኣተሓሳስባ’ዩ ክቡራትይ ኣሕዋት። እዚ ዘለናዮ ናይ ምልኪ ኩነታትውን እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ከም ዝፈጠሮ ንስሕት ኣለና ማለት’ዩ።

    ቅድሚ ናጽነት ኣብ ዝነበረ እዋን ሰውራ፡ “ደሓን ናጽነት ጥራይ ትምጻእ’ምበር እዚ ኣብዚ ውድብ ሕጂ ዚረአ ዘሎ ናይ ምልኪ ኣካይዳ፡ ድሕሪ ናጽነት ከነዕርዮ ኢና!” እናተባህለ ከም ዝመጸ ብዙሓት ሓርበኛታት ክገልጹ ሰሚዕና ኣለና። ሕጂውን ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ‘ህግደፍ ጥራይ ይተኣለ’ምበር ነቲ ካልእ ብድሕሪኡ ነርክበሉ ኢና’ ክብሃል ንሰምዕ ኣለና። ከምዚ ክብል ከለኹ ግን ኣብ ስራሕ ቀዳምነታት ከም ዘሎ ኪዝንጋዕ የብሉን። ቀዳምነታት ምስራዕ ማለት ግን ነቲ ካልእ ነገራት ምውንዛፍ ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት፥ ኪጥቀስ ዚኽእል ከም ሸለትነት ቋንቋን ባህልን፣ ዘይንቡር ስነ ምግባር፣ ተጻዋርነት ነቐፌታን ርእሰ ነቀፌታን ዘይምህላው፣ ምዕባለን ዕብየትን ሓውካ፡ ምዕባለኻን ዕብየትካን ሙዃኑ ዘይምእማን፣ ካብ ምኽርን ማዕዳን ሓውካ፡ ዋላ 25% ይኹና ትምህርቲ ንምርካብ ኢልካ ክትከስቦን ከተተባብዖን ዘይምፍታን፣ እቲ ተቓውሞ ኣብቲ ስነ ሓሳብን ተግባርን’ምበር ኣብቲ ሰብ ኪኸውን ከም ዘይብሉ ዘይምፍላጥ ወዘተ. እዩ። የቐንየለይ።

    • Simon G. December 20, 2014

      ሰላም ንዓኻ: ሓው መሲናስ:
      እንታይ መስለካ: ሓንቲ ባንዴራ ሃገር ዘይትውክል እንተኾይና: ርዝነታ ካብ ጨርቂ ኣይከብድን። ናይ ባንዴራ ትርጉም እኳ: ኣብ መወዳእታ ሓበን ህዝባ’ዩ። የግዳስ: ኣብ ኤርትራ: ህዝቢ ከምዛ ትሪኦ ልቡ ጠፊእዎ መዕለቢ ስኢኑ ከብቅዕ: ውሑዳት ግን ነዛ ሃገር ኣይትጽርና ይብሉ ኣለዉ። ሓላፊ ናይዞም ውሑዳት ‘ዩ ድማ ነዛ ሕጂ ባንዴራና ንብላ ዝሓረያ። ንመንዶ ኣማኺሩ ዩ? እንድሕር ብዛዕባ ባንዴራ ናይ ሓንቲ ሃገር ክንዛረብ ኮይና: ህዝቢ ዝተሳተፎ ክኸውን ዝግብኦ ኔሩ ዩ። ፍተዉ ጽልኡ: እዚኣ ‘ያ ባንዴራኹም ‘ኳ ኢና ተባሂልና። የግዳስ ንባንዴራ ጥራይ ኣይኮነን: ኩሉ ነገራት: ብ ፍተዉ ጽልኡ ‘ዩ ዝካየድ።
      ዝሕበነላ: ባንዴራይ ዝብላ: ንዓይ ትውክል ክትከውን ኣለዋ። ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ: ብጀካ ንውሑዳት ንኻልእ ሰብ ትውክል ኣይመስለንን። ኣይትብጸሓኩምን: ኪዱ ርሓቑ ‘ኳ ‘ና ተባሂልና። ናትካ እንድዓኢ ምበር: ኣነ ‘ኳ ዓዲ ክኣቱ ኣይክእልን። ከመይ ጌረ ደኣየ ናተይ ባንዴራ: ንዓይ ትውክል ኢለ ክሕበን?
      ደሓር ድማ፥ ነተን ኣቐዲመ ዝሓተትኩኻ ኣይመለስካለይን። ጽቡቕ መዓልቲ።

  • Mesinas December 20, 2014

    ዝኸበርኩም ኣሓትን ኣሕዋትን ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ድማ ክቡር ሓው ስምኦን፡ ባንዴራ ብትርጉም እምበር ብጽባቐን መልክዕን ሕብርታት ከምዘይቀውም ከዘኻኽረካ ፍቐደለይ? ሕብሪ ባንዴራ ብሕርያ ኣይመጽእን’ዩ። ከምዚ ናትና ብቓልሲ ዝተረኽበት እንተ ኮይና፡ ብስም ወለዳ ማለት ብፈጠርታ ትህነጽ ወይ ትጽዋዕ፤ ኣብ ካልእ እንተ ኮይኑ ከኣ ብዕላማ’ያ ርያ ትህነጽ። ንኣብነት፥ እዞም ዝስዕቡ ሕብርታት ከም ሙዚቃ ዘይቅየር ዓለም ለኻዊ ትርጉም’ዩ ዘሎዎም። ብጫ ሕብሪ= ተስፋ፡ ፍትሕን ማዕርነትን እዩ፤ ቀይሕ ሕብሪ= መስዋእትን ጅግንነትን እዩ፤ ቀጠልያ ሕብሪ= ለምዕን ጠጥዕን’ዩ፤ ሰማያዊ ሕብሪ= ሕብሪ ባሕሪ እዩ! ስለዚ፡ ኣነ ጸሊም ስለ ዝኾንኩስ ‘ባንዴራይ ንሕብረይ ትግለጽ’ ብምባል፡ ደስ ዝበለና ሕብሪ ሸሊምና፡ ርያ ከነቕውም ቅኑዕ ኣይመስለንን። በዚ ኣጋባብ’ዚ ዝተሃንጸት ሰንደቕ ዕላማ ከኣ ክብርን ፍቕርንውን ክጐድላ ይክእል’ዩ። ገለ ሰባት ንባንዴራ ከም ተራ ጨርቂ ጌሮም ዝቖጽሩዋ እውን ኣለዉ። እዚ ከኣ ትርጉም ርያ ካብ ዘይምፍላጥ ስለ ዚነቅል፡ ብዙሕ ግምት ዝወሃቦ ኣይኮነን። ካልእ ኣብዚ ንእግረመገደይ ከዘኻኽሮ ዝደሊ ነገር እንተሎ፡ ሓደገኛነት ናይዚ ዚስዕብ ኣተሓሳስባ’ዩ! “ሕጂ ካብ ናይ ባንዴራታት ሕብሪ ዝዓበየ ካልእ ሰፍ ዘይብል ጸገም ኣለና” እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ከቢድ ሳዕብየን ዘለዎ ሓደገኛ ኣተሓሳስባ’ዩ ክቡራትይ ኣሕዋት። እዚ ዘለናዮ ናይ ምልኪ ኩነታትውን እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ከም ዝፈጠሮ ንስሕት ኣለና ማለት’ዩ።

    ቅድሚ ናጽነት ኣብ ዝነበረ እዋን ሰውራ፡ “ደሓን ናጽነት ጥራይ ትምጻእ’ምበር እዚ ኣብዚ ውድብ ሕጂ ዚረአ ዘሎ ናይ ምልኪ ኣካይዳ፡ ድሕሪ ናጽነት ከነዕርዮ ኢና!” እናተባህለ ከም ዝመጸ ብዙሓት ሓርበኛታት ክገልጹ ሰሚዕና ኣለና። ሕጂውን ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ‘ህግደፍ ጥራይ ይተኣለ’ምበር ነቲ ካልእ ብድሕሪኡ ነርክበሉ ኢና’ ክብሃል ንሰምዕ ኣለና። ከምዚ ክብል ከለኹ ግን ኣብ ስራሕ ቀዳምነታት ከም ዘሎ ኪዝንጋዕ የብሉን። ቀዳምነታት ምስራዕ ማለት ግን ነቲ ካልእ ነገራት ምውንዛፍ ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት፥ ኪጥቀስ ዚኽእል ከም ሸለትነት ቋንቋን ባህልን፣ ዘይንቡር ስነ ምግባር፣ ተጻዋርነት ነቐፌታን ርእሰ ነቀፌታን ዘይምህላው፣ ምዕባለን ዕብየትን ሓውካ፡ ምዕባለኻን ዕብየትካን ሙዃኑ ዘይምእማን፣ ካብ ምኽርን ማዕዳን ሓውካ፡ ዋላ 25% ይኹና ትምህርቲ ንምርካብ ኢልካ ክትከስቦን ከተተባብዖን ዘይምፍታን፣ እቲ ተቓውሞ ኣብቲ ስነ ሓሳብን ተግባርን’ምበር ኣብቲ ሰብ ኪኸውን ከም ዘይብሉ ዘይምፍላጥ ወዘተ. እዩ። የቐንየለይ።

Post a Reply to Mesinas Cancel Reply