Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ማንታ መልሓስ ሒዝካ ኣብ ማንታ መንገዲ ደው ምባል ይኣክል”

ክቡር ህዝቢኤርትራ፣                                                                                         ንሕና ኤርትራዊያን ብፍላይ ልዕሊ 40 ዓመት ዕድመ ዘሎና ነጻነትና ብኸመይ ከም ዝመጸት ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና።ንመዛኻኸሪ ዝኣክል ኣሽሓት መንእሰያትና ተሰዊኦምን ሰንኪሎምን፣ኣሽሓት ሕጻናትን ቆልዓ-ሰበይትን ብናይ ጸላኢ ቦምብታት ተቀዚፎምን ሰንኪሎምን ገለ ስድራ-ቤታት ጸኒተን፣ ዓሰርታት ሚእቲታት ዓድታት ተቓጺለንን

ክቡር ህዝቢኤርትራ፣                                                                                         ንሕና ኤርትራዊያን ብፍላይ ልዕሊ 40 ዓመት ዕድመ ዘሎና ነጻነትና ብኸመይ ከም ዝመጸት ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና።ንመዛኻኸሪ ዝኣክል ኣሽሓት መንእሰያትና ተሰዊኦምን ሰንኪሎምን፣ኣሽሓት ሕጻናትን ቆልዓ-ሰበይትን ብናይ ጸላኢ ቦምብታት ተቀዚፎምን ሰንኪሎምን ገለ ስድራ-ቤታት ጸኒተን፣ ዓሰርታት ሚእቲታት ዓድታት ተቓጺለንን ተደምሲሰንን።                                                                                         ነዚ ክዉንነት’ዚ ከረጋግጹ ዝኽእሉ ብኣካል ኣብቲ ሰውራ ዓቢ እጃሞም ዘበርከቱ፣ኣቦታት፡ኣያታት ኣሕዋትን ኣሓትን ከም መወከሲ እንጥቀመሎም ብዙሓት ኣለዉና።እቶም ካብ ነጻነት ንደሓር ዝተወልድኩም ደቅናን ደቂ ደቅናን ድማ ብታሪኽ ንኹሉኹም ብሩህ ኢዩ።

ሕጂ  ከመሓላልፎ ዝደለኹ መልእኽቲ ነቶም ኣብ ዲያስፖራ፣ማለት ኣብ መሰል ህዝበን ዝተሓለወን፣ዲሞክራሲ ዘለወን፣ብሕግን ፍትሕን ዝካየዳ፣ሰላም ዝሰፈነን ዝተፈላለያ ሃገራትን ክፍለ-ዓለማትን፣ ዘለኹም፣ ኤርትራዊያን ኣመጻጽኣ ነጻነት ኤርትራ እናፈልጥኩም ምስ’ዚ ጨቋኒ ስርዓት ምውጋንኩም ንሕሊና ዘለዎ ሰብ ቅሳነት ዝህብ ኣይኮነን።እዞም ናይ’ዚ መርገጽ’ዚ  ወሲዶም ዘለዉ ሰባት ኣባላት ህግደፍ ጥራይ ዘይኮኑ ብዙሓት ሰባት ብዝተፋላለዩ ምስምሳት ከም ኣብ ኣስመራ ወይ ኣብ ዓዲ ንእሽቶ ገዛ ስለ ዘላትኒ፣ወለደይ ክርኢ ስለ ዝደለኹ ወዘተ ብማለት ዘቕርብዎ ዕባራ ምኽንያት ኮይኑ፣ብዝተፋላለዩ ዝንባሌታት ኣንዳዕዲዖም ኣገልገልቲ ናይቲ ስርዓት ክኾኑ ስለ ዝወሰኑ ኢዩ። ሓንቲ ነዚ ናቶም ዕባራ ምኽንያት ዘይቅብልቲ ትገብራ ልብኻ ትትንክፍ መረዳእታ ክጠቅስ።ኣብ ግዜ ደርጊ ኣብ መንደፈራ ሰለስተ ኣዕሩኽ ብመጠኑ ሃገራዊ ስምዒት ዝነበሮም ንሓድሕዶም እናኣዕለሉ ማለት ናብ ገድሊ ምኸድና ኔርና ግን ገዛውትና ደርጊ ክወርሶ ኢዩ ኢሎም ክዛረቡ ከለዉ ሓደ ኣእምሮኡ ዝሰሓተ(ጽሉል) ሕልፍ ክብል ስሚዑዎም ምልስ ኢሉ!!“ስማዕ! ሕሊና እንተ ኣሊዩኳ ተበገስ እንተ ዘይኮነ ደርጊ ንገዛኻ ብሄሊኮፕተር ጽዒኑ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ኣይወስዶን ኢዩ፣ ምስ በሎም በዚ ናይዚ ጽሉል ዘረባ ተተንኪፎምን ተጻናኒዖም ብዘይ ውዓል ሕደር ናብ ሰውራኦም ተሓወሱ።                                                             ደገፍቲ ናይ’ዚ ጨቋኒ ስርዓት ብምዃን ናብ ኤርትራ ምምልላስ ብዙሕ ጎናዊ ሳዕቤናት ዘለዎ ኢዩ።ገለ ካብኡ ንምጥቃስ ዝኣክል

1.መእተዊ ዓዲ ዝኾኖም ነቲ ስርዓት ይድግፍ’ዩ ዝብልዎ ኣባሎም ንዘይኮነ ኣብ ዲያስፖራ ንዝነብር ዘጸልም ዝኾነን ዘይኮነን ሓበሬታት ኣራሪኻ ናብ’ቲ መንግስቲ ጸብጻብ ምሃብ።ገለ ግን ጸብጻብ ዘይህቡ’ውን ኣይሰኣኑን’ዮም።

2.ንናይ ጨቋኒ ስርዓት ዕድመ መናውሒ  ናይ ግድን 2% ክኸፍሉ ኣለዎም፣ምኽንያቱ 2% ከይከፈሉ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ኣብ ኣስመራ ከሳልጡ ስለ ዘይክእሉ።እዚ ሓደ ካብቲ ምንጪ ኣታዊ ናይቲ ስርዓት’ዩ።

ናብቲ ዝነብሩሉ ሃገር ማለት ከም ኣሜሪካ, ካናዳ፣ ኤውሮጳ፣ኣፍሪቃ፣ ኣውስትራልያን እስያ ወዘተ…..ምስ ተመልሱ፣ብዛዕባ ኩነታት ሃገር ክሕተቱ ከለዉ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ፣ ኣብቲ ሃገር ዘይተገብረን ዘየሎን ንናይ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ይድግፍ’ዩ ዝበልዎ ብግጉይ ሓበሬታ ነቲ ህዝቢ የዳናግርዎ።                                       ኣንቱም ካብ ዲያስፖራ ናብ ኤርትራ እትመላለሱን ኣብ ዲያስፖራ ኮንኩም ጓይላን ሳዕሳዒትን ዳንኬራን እትገብሩን ኣባላት ህግደፍን ካልኦትን ክሳብ መዓስ ኢኹምማንታ መልሓስ ሒዝኩም ኣብ ማንታመንገዲ ደው እትብሉ? ክሳብ መዓስ ኢኹም ኣይ ውዑይ ኣይ ዝሑል ኮንኩም ኣብ ኣጉል ተንጠልጢልኩም እትነብሩ? ብፍላይ እቶም ዕድሜኹም ካብ ስሳታት ሓሊፍኩም ዘለኹም ኣብ ቁርባንን ስግዳንን ዝበጻሕኩም ኣቦታትን ኣዴታትን ኣብ ክንዲ ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝብኹም ተሰሊፍኩም ንህዝቢ ተስፋን ሞራልን ምሃብ፣ኣንጻር ህዝብኹምን ሃገርኩምን ግጉይ መርገጽ ወሲድኩም ኣለኹም። እዚ ድማ  ብስጋ ኣብ ምድራዊ ታሪኽኩም ኣብ መጻኢት ኤርትራ ብህዝቢ ፍንፉናት ኢኹም።ኣካል ናይቲ ጨቋኒ ስርዓት ብምዃን ኣብ ስቅያት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኢድ ስለ ዘለኩም ፡ ስቅያት ናይዚ ውጹዕ ህዝቢ ስለ ዝፋረደኩም ብኣምላኽ እንተኾነ’ውን ኩኑናት ኢኩም።ኣንቶም ህዝቢ!! ቁሩብ  እንተ ተሰወጠኩም ከምዚ ከማኹም ኣይ ሃገራዊ ኣይ ባዕዳዊ ኣጉል ዝኾነ ሰብ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቒሰ  ከረዳኣኩም ራእይ( 3፡15-16)) ግብርኻ ይብል “ግብርኻ ኹሉ እፈልጦ ኢየ፣ኣይ ዝሑል ኣይ ምዉቕ ኢኻ፣ብኻ ዝሑል ወይ ምዉቕ ምኾንካ፣ስለዚ ኣይ ምዉቕ ኣይ ዝሑል፣ልብጥ ዝበለ ስለ ዝኾንካ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ ኢየ” ይብል። ካብዚ የድሕነና።እምበኣር መጻኢት ኤርትራ ካብ ከርሳ ኣውጺኣ ጡፍ ከይትብለኩም ጣዕሳን ንስሓን ናብ ሃገርኩምን ህዝብኹምን የድልየኩም ኣሎ።                                   ውልቀ-መላኺ ኣያኹም ኢሳይያስ ጸሓዩ ኣብ ምዕራባ ኢያ።እታ ተጣዒስኩም ንህዝብኹም ይቕሬታ እትሓቱላን ኣብ ጎኒ ሰፊሕ ህዝብኹም ተሰሊፍኩም ኣሎናልካ እትብሉላን ሰዓት፣ ቅድሚ መደምደምታ ሰዓት ዕድመ ኣያኹም ሕጂ ኢያ።          ህዝቢ ኤርትራ ርህሩህን ሓዳግን ምዃን ካብ ረቢን ካብ ክርስቶስን ተማሂሩዎ ኢዩ።ከም ጭቡጥ ኣብነት ሓደ ፈያታዊ  ሽፍታ፣ከታሪ፣ዓማጺ፣ ቀታሊ ዝነበረ ብናይ ዓመጽ ገበናቱ ብስቅላት ንሞት ተፈሪዱ ኣብ የማናይ ወገን ናይ ክርስቶስ ምስ ተሰቕለ፣ናብ ክርስቶስ ቁሊሕ ኢሉ ጎይታይ ኣነ ገበነኛ ኢየ፣ይቅረ በለለይ፣ኣብታ እትመጽእ መንግስትኻ ዘክረኒ ብማለት ስለ ዝሓተተ፣ናይቲ ሽፍታ ልባዊ ምጥዓስን ምንሳሕን ስለ ዝኣመነ፣ኣብታ መወዳእታ ደቒቕ ምሕላፍ ህይወት ናይቲ ሽፍታ፣ክርስቶስ ሎሚ ሎሚ ኣብ መንግስተ-ሰማያት ምሳይ ክትከውን ኢኻ በሎ። ንዕኡ የማስልኩም ኣባል ህግደፍ።

ዝኸበርኩም ኣባላት ህግደፍን ኣባላት ህግደፍ ዘይኮንኩም ግን ናይቲ ጨቋኒ ስርዓት ተዳናገጽቲ ብምዃን ማዕከን ውልቀ-መላኺ ኣብ ምምላእን ዕድመ ጭቆናን ስቓይን ህዝብኹም ኣብ ምንዋሕን ኣብ ጓይላን ዳንኬራን ዘሕለፍኩሞ ግዜ ይኣክል።ነዛ ብደምን መስዋእትን ስንክልናን ደቅኹም ዝመጸት ሃገር፣ከዳዕን ጠላምን ኣያኹም ኢትዮጵያዊ-ኤርትራዊ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንኽሸጣ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣውሪዱ ዝዋገየላ ዘሎ ሃገርኩም ንምድሓን ኣብ ጎኒ ህዝብኹም ብምስላፍ ኣድሕኑዋ።ከምቲ ፈያታዊ ዘየማን ተጣዒስኩም ንህዝብኹም ይቕሬታ እንተድኣ ሓቲትኩም፣ህዝብኹም ድማ ይቕሬታኹም ተቐቢሉ ሎሚ ሎሚ ምሳና ኣብታ ናትና ዝኾነት ምድራዊት መንግስተ-ሰማያትና ሃገረ ኤርትራ ምሳና ክትኮኑ ኢኹም ክብለኩም ኢዩ።

ማንታ መልሓስ ሒዝኩም ኣብ ማንታ መንገዲ ደው ምባል ግን “ዓያሱ ገበጣ ክሳብ ዝውዳእ ይጻወቱ ከይኮነኩም” እታ ናይ ድሕነትኩም ግዜ ሕጂ’ያ፣ ቀልጢፍኩም ተነሲሕኩም ተመለሱ።

ድሕነትኩም ዝደሊ ሓውኹም፣

መሓረናዝጊ መርሃዊ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Gezae October 13, 2018

    PUT ASIDE ALL THOSE OLD GRUDGE

    In time of despair, I bowed my head
    There is no peace repeatedly I said.
    For hate is very strong
    I used to mock the song
    For now peace is in the region
    Good will to men and women
    I said again and again Amen
    Thank God, the wrong fail
    The right prevail
    With peace in the region good will
    I would say again to men and women………………Amen
    Peace is not the product of despairs
    Rise up and step across those borders
    For together stand on one
    Put aside those old grudge.

  • Gezae October 13, 2018

    A time will come when we see we are all a part
    Of one great country plan united by one heart
    No one will provoke or give a notice
    We would put aside our difference
    Forgiving all our pasts
    In unison live our lives
    So why another way?
    Why another flood of blood?
    Why again wanting children cry?
    Hasn’t been enough for
    The failed groups cal to start again and now war.

    • Tesfazghi October 13, 2018

      Amen, Amen kibur haw Gezae. Please continue with your positive contributions.

  • Danilo October 13, 2018

    ማንታ መርገጽን ዕላማን’ከ ቁኑዕ መንገዲ ዘጣሕጥሕ ድዩ? ምናልባት ንእሰያስ ኣዓዊትዎ ይኸውን ግን መገዲ ጥፊኣት ጥራሕ ሙኹዋኑ ባዕሉ እቲ ዑሉል ኢሰያስ ዘይተሰቁሮ ንሰዓቢኡ ከመይሉ ክስቆሮ? እሕዋት!!! ኣንጻር ረብሓካ ምቅላስ ቢኣንጻር ክንዲ ዘኽበርናዮን ዝሰገድናሉን ((ኢሰያስ ጠላም)) ሓሹላቱ ዝያዳ ከፊኦምና ኣልዉ።ስለዚ፡ኣሕዋት፡ሓንቲ መልሓስ-ሓንቲ መገገዲ ንሓዝ።እሰያስ ሸይጡና እዩ።ጎር-ማለ።

Post a Reply to Tesfazghi Cancel Reply