Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መጠንቀቅታ ንኹሉ ብምኽንያ ት ፖለቲካዊ ሽግር ኤርትራ ፍቓድ ዝወሰደ ብፍላይ ከኣ ንሓተትቲ ዑቁባ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ሃገረ ሽወደን

Svensk-eritreansk Samarbetsorganisation För demokratiutveckling መጠንቀቅታ ንኹሉ ብምኽንያ ት ፖለቲካዊ ሽግር ኤርትራ ፍቓድ ዝወሰደ ብፍላይ ከኣ ንሓተትቲ ዑቁባ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ሃገረ ሽወደን ደገፍትን ወከልትን ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ብምኽንያት መበል 25 ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ

Svensk-eritreansk Samarbetsorganisation För demokratiutveckling

መጠንቀቅታ ንኹሉ ብምኽንያ ት ፖለቲካዊ ሽግር ኤርትራ ፍቓድ ዝወሰደ ብፍላይ ከኣ ንሓተትቲ ዑቁባ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ሃገረ ሽወደን

ደገፍትን ወከልትን ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ብምኽንያት መበል 25 ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ሶልና ሃለን ቀዳም ዕለት 14 ግንቦት 2016 ካብ ሰዓት12.00 ክሳብ ወጋሕታ ኣብ ዝግበር ዳንኬራ ፡ ንዝኸዱ ሓተቲ ዑቁባ ስደተኛታት፣ ካብዚ ስርዓት ነፍሶም ከድሕኑ ሃዲሞም ዑቁባ ሓቲቶም ክንሶም ፡ ተመሊሶም ኣብቲ ናይ ስደቶም ጠንቅን መውሃቢ ፍቓዶም ዝኾነ፣ እዚ ስር ዓትዚ  ንኣኻትኩም ግዳይ ናይ ሰብ ነጋዶን፣ ኣብ ምድረ በዳን፣ ባሕርን ዝሞቱ ኣሕዋትኩም፣ ኤርትራውያን ኣይኮኑን ኣፍሪቃውያን ኢዮም ኢሉ ዝጠለመ፣ክትሳተፉ ከሎኹም እንታይ ይስማዓኩም፣ ትማሊ- ትማሊ ዶ ኣይኮነን ኤርትራውያን ኣይኮንኩምን ዝበለኩም፣ሎምዶ ኤርትራውያን ምዃንኩም ዘኪሩ ዘይኮነስ ንፖሊቲካዊ ሃልኪ ክጥቀመልኩም ምዃኑ ጠፊእኩም ኣይኮነን፣እቲ ዋሕዚ ስደት ይቅጽል ኣሎ፣ ግንከ ተመሊስኩም ነቲ ጠንቂ ስደትኩም ዝኾነ ስር ዓት ኣብ ዝገብሮ ዳንከራ ምስታፍ ግን ንጉዳይኩም ከምስደተኛታት ተቀባልነት ከምዘይረክብ ዝገብር ምስክር ኢዩ፡፤

 

  እቲ ስርዓት ዘዳልዎ ፈስታ ክሳተፉ ከለዉ ንጉዳይ ፍቓዶም ዘይቅቡልን ኣብሓደጋ ዘእቱን ክኸውን ስለዝኽእል ፣ ኩነታት ብዝሒ ስደተኛታት ኣብ ሽወደን ነዚ ጉዳይ’ዚ ከጋድዶ’ውን ይኽእል’ዩ።

ከም ጽላል ስዊድናዊ ኤርትራዊ ኮሙኒቲ ኣብ ስቶክሆልም ነዚ ጉዳይ እዚ ብዝምልከት ምስ ማሕበር ጋዜጠኛታትን ማሕበራት ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝዘተየሉ ከይሓበርና ክንሓልፍ ኣይንደልን።

ጋዜጠኛታትን ካልኦት በቲ ጉዳይ ዝግደሱን፡ ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላትን ቆላሕታ ይገብሩሉ ስለዘለዉ ጉዳይኩምን መጻኢ ሂወትኩምን ከይበላሸወኩም ክልተ ግዜ ክትሓስቡሉ ኣጥቢቕና ንምሕጸን።

ንኽመጽእ ዝኽእል ጸገማትን ሓደጋታትን ኣብ ግምት ብምእታው ከምኡ እውን ምስቲ ሓደገኛ ዝኾነ ጉዕዞኹምን ዝወረደኩም ግፍዕን መከራን እናስተንተንኩም፣ 

ናብ ዘይተደልየ ሓደጋ ከይትወድቁ ክትሓስብሉ ብጥብቂ ነማሕጽን።

 

ምስ ሰላምታ!

                                                                                                                         

ጽላል ስዊድናዊ -ኤርትራዊ ኮሙኒቲ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • goitom May 13, 2016

    kkk..kk.k…zero kemzbetsahkin eyu zerea atin kedemti goytotkin kkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkk

  • Danny May 13, 2016

    todays generation scares me ! don’t have moral, or dignity

  • Abdu Salem May 13, 2016

    This is our first 25th freedom anniversary. No matter what every eritrean must have to celebrate it. I’m not dogmatic to that extent.

  • Sara May 14, 2016

    just try to get journalist and photos then pass it to the immigration office., it is easy why you need to tell….hgdf supporters never understand at all

  • eg May 14, 2016

    I will be there, no matter what , go and cry baby.

    I will be there.

  • ኣርዓዶም May 14, 2016

    ብዓል ናጽነት
    ========
    ብዓል ናጽነት ንህግደፍ ኣይምልከቶን ኢዩ፡ እዚ ማለት ድማ፡ በቲ ገይርዎ ዘሎ መወዳድርቲ ዘይብሉ ዓቢይ ጥልመት ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ስውኣትን፡ ንቦኣል ናጽነት ከም መመኽነይታን መረሳስዕን ስለዝወስዶን፡ ናጽነት ንህግደፍ ኣይምልከቶምን ኢዩ።

    ልክዕ ኢዩ፡ ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ብዙሕ ድኽመታት ኣሎ፡ ንሱ ድማ ተጠርኒፍካ ብሓደ ዘይምብዓል ዝኣመሰሉ ናይ ውድበይ ውድብካ፡ መን ገንዘብ ረከበ ዝብሉ ዓይነት ድኽመታት ከምዘሎ ዝተረጋገጸ ኢዩ። እዚ ይኹን እምበር፡ ገና ደለይቲ ፍትሕን ንጠላም ህግደፍ ክውገን ዝሰርሑን ከም ዘለዉ መጠን፡ ኣብ ዝኾነ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ብዓል ኬድካ ከተብዕል ዝኽልክለካ ዝህሉ ኣይመስለን።

    በቲ ይኹን በቲ፡ ህግደፍ ምውዳቑ ዘይተርፎ ጨቝኒ ስርዓት ኢዩ፡ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዘለና ሃሊና ግን ነቶም ንዓማጺ ህግደፍ ዝድግፉን ደው ከም ዝብል ዝገብሩን ዘለዉ ኣባላት ዲኣስፖራ፡ ብመንጽር ፖለቲካዊ እምነቶም፡ ብሕጊ ዝቕየድሉ ኣገባብ ማለት ነቲ ዝምልከቶ ኣካል ጥርዓናት ብምቅራብ፡ ዘለዎም ናይ ዑቕባ ሕቶ ክሕከኽ ከም ዝኽእል ክንገብር ክንጽዕር ይግብኣና።

    ድሮ እኵ ኣብ ኖርወይ፣ ስወደን ከምኡ `ውን ኣብ ኢስራኤል ተጀሚሩስ፡ ፖሊስ ናይዘን ሃገራት ነቶም ከምኡ ዝገብሩ፡ ኣቕርቡልና ክብሉ ጀሚሮም ኣለዉ፡ ዓቢ ተስፋ ዝህብ ኢዩ። እቲ ሕመቕ ኮይኑ ዘሎ ግን ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ዘሎ ምግድዳዕ ኢዩ ንህግደፍ ደው ከምዝብሉን ከምድሌቶም ኣብ ርእሲ ደለይቲ ፍትሒ ዋላ ኣብ ኢሮፕ መጽዮም ክብድሉን ዝርኣዩ። ኣዝዩ ዘሕዝን ክኣ ኢዩ።

    ብፍላይ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝግበር ተቓውሞታት ኣዝዩ ድኹም ኣብ ርእሲ ምኵኑ፡ ቤት ጽሕፈት ተቓውሞ ወይ ናይ ሓባር ኮሚኒትይ የለን። በዚ መሰረት፡ ህግደፍ ንኹሉ ብሒትዎ ይርከብ። ቤተ-ክርስትያናትን መሰጊዳትን ከም ኡ`ውን ከሚኒትይ ኤርትራ ዝብሉ ኩሉ ብደገፍቲ ህግደፍ ኢዩ ተባሒቱ ዘሎ።

    እቲ ዝገርም ነገር ክኣ፡ መብዛሕትኦም ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘለዉ ብዙሕ ዝሰርሑ ዘለዉ ኮይኑ ይስምዖም ኢዩ፡ እንተኾነ ግን እቶም ኣለዉ ዝብሃሉ ከም ሓልዮት ሰብኣዊ ከምኡ`ውን ረድዮታት ኣሰና ወዘተ ኣብ ዘለውዎ ድኣ ብውልቖም ይሰርሑ ኣለዉ እምበር፡ ኣብ ብሪጣንያስ ህዝቢ ክእከብ ኣይተኻእለን። በዚ መሰረት፡ ቓልሲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣዝዩ ድኹም ኢዩ ዘሎ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ህግደፍ ንኹሉ ቦታታት ብሒቶሞ ይርከቡ።

    ስለምንታይ ከምዚ ከክውንክ ኢሉ ኢልካ ምስ እትሓትት፡ መብዛሕትኦም ሲቪክን ኦርጋኒዛሽን፡ ኣብ ጥቕሞም ዘድሃቡ ስለዝኾኑ ኢዮም። እቶም ውድባት ዝብሃሉ ድማ፡ ክውድቡ ኣይክእሉ ኣይምርሑ ኣይመርሑ ብምዅን ኣጉሊ ኮይኖም ይርከቡ። እዚ ድማ፡ ኣብ ነንርእስካ ዝግበር ጥቕምን ወገንን ዝተኣሳሰረ ብምኵኑ፡ ብዙሕ ሰብ ክውድቡ ኣይደልዩን ኢዮም። ድኹማት ፍጥረት፡ ድኵ ሒዝካ ጸኒሕካ፡ ኣለና ክትብል ምህቓን ዘንቐሎ ድኹም ርድኢትን ስንኩል ሕልናን ስለዝስንኑ ኢዮም። በዚ መርሰረት ቓልሲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኩሉ ምስሉይነት ኢዩ፡ እምበር እቲ ኣገዳሲ ዝብሃል ኣብ ኢድ ህግደፍ ዝተታሕዘ ኮይኑ፡ ዋላ ኣቶም ንቓወም ኢና ዝብሉ፡ ከይሓረጡ ነቲ ዘድልዮም ሰርቪስ ክጥቐምሉ ዘኽእሎም ኩነታት የለን። ኣዝዩ ኢዩ ዘሕዝን።

    ትማሊ ትማሊ ከማን ህግደፍ ዳስ ሰሪሖም ኣብ ጥቃ ቤት ጽሕፈት መራሒ ብሪጣንያ ንሰሙናት ካብ መሳኪን እንዳተመወሉ ውክን ቢራን እንዳ ኣጉስዑ፡ ሃገርና ጽቡቕ ኣላ ኢሎም ከእምንዎ ክፍትኑ ከለዉ፡ ደለይቲ ፍትሒ ወይ ተቓወምቲ ውድባት ዝብሃላ ብሒም ዝብል ኣካል ኣይነበረን። እምበር ሃገርካ የሕዲጎም ብሓሶት ኣብ ጥቕመጦ ዘለኻ ሃገር፡ ነጋውስ ክኮንልካ ከተፍቕድ ግን ኣዝዩ ካብ ሞት ሞት ኢዩ። ኣብ ግዳም እንዳሓደሩ ኣብ ክንዲ ኣብ ጥቖም ውጺኻ ድሌትካ ትፍጽም፡ ከም ኣናጹ ተሸጉጥካ ንቓወም ኢና ወይ ሓልዮት ኣለና ምባል፡ ንገዛእ ርእሱ ዓመጽ ኢዩ። ሰብ ከይደመየ ሓርነት ክረክብ ማለት ዘበት ምኵኑ ትፈልጡ ኢኹም። ንስኻትኩም ግን ሰብ ደሊኽን ጭሕምን ጸሊእክን ገርክሞ ድኹማት መራሕቲን መንእሰያትን ዓባይ ብሪጣንያ፡

    ፍጹም ኣይርሳዕን፡ ሕጂ`ውን ብዝኾነ፡ ነዞም መዳኸርቲ ብሓደ ኮይና ንበድሃዮም።

    ውጹዕ ኣርዓዶም

  • kerenlaelay May 14, 2016

    where is the freedom ? think twice before you FALL IN THE TRAP OF PFDJ ,EVIL REGIME.DANCING WITH PFDJ IS IMMORAL, SINFUL, SELFISHNESS.PLEASE BE AWAY FROM THE EVILS SUPPORTERS OF THE EVIL.LONG LIVE ERITREA .

  • Desalegn May 14, 2016

    ቅልዕቲ ደብዳበ

    ዕለት: 14/05/2015

    ናብ ህዝቢ ኤርትራን ባዕልኻ ፕረዚደንት ኤርትራ ስም ንዝሰመኻ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂን

    ብቐዳምነት እዚ ጽሑፍዚ ንኽጽሕፍን ንኸቅርብን ንዝረኸብኩዎ ናጻ ዝኮነ መሰልካ ናይ ምግላጽ ቅዋም ዓባይ ብሪጣንያ ከመስግን ይደሊ።

    ብፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ (ህግደፍን) ትምራሕ ዘላ ሃገረ ኤርትራ ብዝኾነ መዓቀኒ ሕግን ሕጋውነትን ዘይብላ ሃገር ንኽትከውን በቂዓ እያ ። ሓንቲ ሃገር ኣብ ሃገራ ዝኾነ ዓይነ ቅዋም ወይ ሕገመንግስቲ ዘይብላን ብሕጊ ዘይትሰርሕን ምስትኸውን ንኣብነት ከም ኤርትራ ኣብ ትካላት ወይ መንግስታዊ ስራሓት ዓለምና ንኽታሰተፍ ይኹን ንጥፈጣታ ንኽተካይድ ብዝኾነ መዓቀኒ ወይ መምዘኒ ብቕዓት ዘይብላ ጥራሕ ተባሂሉ ዝሕለፍ ዘይኮነስ ካብ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ወጻኢ ኮይኑ ይስማዓኒ። ስለዚ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ህግደፍን ዝመስሎም ሕገ መንግስቲ ኣቑሞም ሕጋዉነት ስካብ ዘይተኸተሉ ብዝኾነ ምኽንያት ኣብ ናይ ሕጋዊ ቦታ ናይ ውድብ ሑቡራት ሃገራት ኣውሮፓዊ ሕብረት ውድብ ሓድነት ኣፍሪካን ካላኦት ትካላትን ንኽሳተፉ ይኹን ኣብ ዝኾነት ሃገር ኤንባሲኦም ከፊቶም ስርሖም ንኸሳልጡ ሕጋዊ መሰል ይኹን ፍቓድ ዘለዎም ኣይመስለንን። እዚ ተግባራትዚ ግን ንህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ ኣታሊሉ ጸኒሑ ንናይ ዓለምና መራሕቲ ሃገር እውን ስጋብዚ ዘለናዮ እዋን ኣታሊልዎም እዩ ጸኒሑ ዘሎ። ምኽንያቱ ዘይሕጋዊያን ልኡኻት ኢሳያስ ኣፈወርቂ (ህግደፍ) ኣብ ናይ ሕጋዊ ቦታት ዓለምና ብምስታፍ ቃሎም ንኽህቡን ንኸስምዑን መራሕቲ ዓለምናን ከምኡውን ውድብ ሑቡራት ኤውሮፓዊ ዉድብ ሑቡራት ኣፍሪቃን ካልኦት ትካላትን ኣፍቂደናሎም ጸኒሐን ኣለዋ። እዚ ተግባራዚ ፈጺሙ መለክዒ ዘይርከቦ እቲ ዝዓበየ ጌጋ ናይ ዓለምና ኢልና እንተጸዋዕናዮ ምግናን ኣይኮነን።

    ንቀንዲ ሪኢቶይ በዚ ዝስዕብ ሓሳባት ከስምረሉ ክፍትን እየ።
    ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ (ህግደፍ) ሃገር ብሕገመንግስቲን ብህጋውነትን እንተማሓደርካያ ተመራጺ እዩ። እንተዘይኮይኑ ግን ንመራሕቲ ሃገራት ዓለምናን ንዉድብ ሑቡራት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ውድብ ሃድነት ኣፍሪቃን ካልኦት ዓበይቲ ትካላት ዓለምና ኣብ ፕረዚደንት ኢሳያስ (ህግደፍ) ንዘካይድዎ ዘለው ጌጋታት ካብ ኤርትራዊያን ዜጋታት ከምዝመሃሩን ንፈጸምዎ ጌጋታት ብምእማን ኣብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈውርቂ (ህግደፍ) ሕጋዊ ስጉምቲ ንኽወስዱ ኽግደዱ ምኻኖም እግረመገደይ ክገልጽ እፈቱ።

    ኢንጅነር ደሳለኝ በርሀ

  • Meron May 14, 2016

    Indeed!that was the day we got freedom.it does not matter our distinguish we have to have a worm love each other.

Post a Reply to Abdu Salem Cancel Reply