Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግዛእቲ ድያብሎስ!

መግዛእቲ ድያብሎስ! ካልኣይ ክፋል፥ ትማሊ ቅድሚ ናጽነት፡ ማለት፡ ኣብ ግዜ ደርግ፡ ኣብዛ ሎሚ ዝኣረገ ኣበጀዲድ መሲላ ዘላ ውቅብቲ ከተማና ኣስመራ፡ ዝዓበናን ዝተማሃርናን ደቃ ነስተውዕል እንተሊና፡ ነዚ ሎሚ ንርከቦ ኣይንርከቦ፡ ሪጋ ተሰሪዕና እንጽበዮ ዘለና፡ ስኒ ዝሰብር ባኒ ወዲ

መግዛእቲ ድያብሎስ!
ካልኣይ ክፋል፥
ትማሊ ቅድሚ ናጽነት፡ ማለት፡ ኣብ ግዜ ደርግ፡ ኣብዛ ሎሚ ዝኣረገ ኣበጀዲድ መሲላ ዘላ ውቅብቲ ከተማና ኣስመራ፡ ዝዓበናን ዝተማሃርናን ደቃ ነስተውዕል እንተሊና፡ ነዚ ሎሚ ንርከቦ ኣይንርከቦ፡ ሪጋ ተሰሪዕና እንጽበዮ ዘለና፡ ስኒ ዝሰብር ባኒ ወዲ ዓከር ህግደፍ፡ ምስቲ ሽዑ ብቁጽሪ ሰብ ዘይኮነ፡ ከም ድሌትና ብቀበሌ ደርግ ዝወሃበና ዝነበረ፡ ብግዝፉ፡ ብጽርየቱን ጣዕሙን መዘና ዘይብሉ ባኒ እንዳ ኣልፋ ብምውድዳር’ሞ ንዘክሮ፡ ነተን ድሕሪ ቀትሪ ካብ ቤት ትምህርቲ ምስ ተፈደስና፡ ክሳዕ ንረኽበን ኣፍና ማይ ዝመልኣና ዝነበረ፡ ኣብ ከባቢ ቤት ፖስጣ ዝነበረት፡ እንዳ ፎርኖ እንዳ ሃይለ፡ ገዚእና ንበልዐን ዝነበርና ባኒ’ሞ ንዘክር። እስከ ነተን ካብታ ኣብ ከባቢ ገዛ ብርሃኑ እትርከብ፡ እንዳ ፎርኖ እንዳ ራፌቶ፡ ከምኡውን ኣብ ከባቢ እንዳ ኣውቶቡስ ዝነበረት፡ እንዳ ፎርኖ እንዳ መርገም ስንቁ፡ ‘መን ዝበዝሐ በልዐ’ እናበልና ብውድድር ንሓይከን ዝነበርና ምቁራትን ጸዓዱን ባኒ’ሞ ንዘክር። ብፍላይ መንእሰያት፡ ህይወት ኣብ ትሕቲ ባዕዳውያን መግዛእቲ ብጠቕላላ፡ ከመይ ከም ዝሓለፍናዮ’ሞ ብልክዕ ምስዚ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ኤርትራውያን ገዛእቲ ነሕልፎ ዘለና ናብራ ወይ ኩነታት ነወዳድር። መግዛእትን ናጽነትን ማለተይ እየ። እዚ ሕጂ ዘለናዮ ኩነታት ናጽነት ዚስመ እንተ ኾይኑ!
ሎሚ እኮ እዚ ጨፍላቒ ምስሉይ ስርዓት’ዚ፡ ኣብ ገዛእ ሃገርና ከም ሰብ ዘይኮነ ከም እንስሳ እናተገራሕና፡ ብድሌትን ባህግን ጎይታና ወይ ዋናና እንምራሕ፡ ነዛ ህይወትናውን ዘይንውንን ጊላታት’ዩ ጌሩና ዘሎ። ሰባት ኢና’ሞ እስከ ሰብኣዊ ክብርና ይተሓሎ! ድምጽና ይሰማዕ! ዘይንብለሉ ምኽንያት እንታይ ኣለና!? ኣብዚ ግን ብኹሉ ዜጋ ክስትብሃለሉ ዘለዎ ነገር ኣሎ። ገለ ሰባት፡ በቲ ህግደፍ፡ ‘ዲጋ፣ ጽርግያ፣ ቤት ትምህርቲ፣ ሕክምና፣ ወዘተ.’ ሰሪሐ እናበለ ዝሽቅጠሉ ዘረባ ተደናጊሮም፡ ‘ሃገር ትህነጽ ኣላ፡ ሓሊፉላ! ኩሉ ማሕበራዊ ፍትሒ ተማሊኡ ወዘተ.!’ ኢሎም ዘጣቕዑ ኣይሰኣኑን ይኾኑ። እዚ ግን ልክዕ ከምቲ ሓደ ጓሳ ካብ ማሉ፡ ማለት፡ ካብ ጥሪቱ ዝርከብ ፍርያት ንምቁዳስ ኢሉ፡ ብህይወት ንምቕጻለን ዘካይዶ ጻዕሪ ጌሮም ክርእይዎ ከም ዘለዎም’የ ክሕብር ዝደሊ። ምኽንያቱ፡ እንስሳ ብህይወት ክሳዕ ዘለኻ፡ ብኸምቲ እትደልዮ ምእንቲ ንኸገልግለካ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ንኸይሕንግድ እተዋጣውጠሉ ሞራ (ምልምል ስላዕ) ከይሓመካ፡ ብጥዕናኡ ትከናኸኖ፤ እቲ እትደልዮ ስራሕ ብጽፈትን ብቕልጣፈን ንኺፍጽመልካ እትገርሖ፡ ማለት፡ ትዕልሞ፤ ኣብ ጉዕዞኡ ተዓንቂፉ ከይጉዳኣካ’ሞ ከይትኸስሮ፡ መገዱ ትጸርግ፤ ብጥምየት ከይሞተካን ከይሓመካን፡ እኽለማይ መጢንካ እናሃብካ ህይወቱ ትዕቅብ፡ ህግደፍውን ንህዝቢ ኤርትራ ልክዕ ብኸምዚ’ዩ ሒዝዎ ዘሎ።
እንስሳ ከም ሰብ ንርእይቶኡን ሓሳቡን ምስማዕ ኣየድልየካን’ዩ። ስራሑ ጥራይ እዩ ኪፍጽም ዘለዎ። ንዕኡ እትህቦን እትገልጾን ሓብሬታውን የለን። ምኽንያቱ፡ ቋንቋኻ ዘይርድኦ እንስሳ ስለ ዝኾነ። ንስኻ ብዝሓሰብካሉ’ምበር ንሱ ብዝሓሰቦ ህይወቱ ኣይመርሕን’ዩ። ከፊኡኒ፡ ሓሲሙኒ ኪብልውን ብቕዓት የብሉን። መሰልውን ኣይወሃቦን’ዩ። በቃ ኪስርሕ ጥራይ እዩ ዘለዎ። ንዝሃብካዮ ምግቢ፡ ውሒዱኒ ወይ ኣይመቀረንን ወዘተ. ኪብልውን ኣይክእልን’ዩ። ካብቲ ብጉልበቱ ዝተኣከበ ገለባ፡ ቁንጣሮ ፈይ ስለ ዘበልካሉ ጥራይ እዩ ከምስግነካ ዘለዎ። ስለዚ፡ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ልክዕ ብኸምዚ ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ ኣጋባብ’ዩ ዝመርሖ ዘሎ። ማለት፡ ከም እንስሳ! ነዚ ተግባር’ዚ ከም ንቡር ዝወስድዎ ሰባት እንተልዮም ከኣ ካብ ግርህነት፡ ካብዘይምፍላጥ፡ ካብ ውልቃዊ ረብሓ፡ ወይ ድማ ካብ ፍርሂ ዝተበገሰ ጥራይ እዩ ኪኸውን ዝኽእል። ስለዚ፡ ዝዓሸኹም ለብሙ!፣ ዝሰሳዕኩም ስሰዐ ለካሚ ምዃኑ ዘክሩ!፣ ዝደቀስኩም ተበራበሩ!፣ ዝረዓድኩም ስረ ዕጠቑ! ጥራይ እየ ክብል ዝደሊ። ምኽንያቱ፡ ሃገሩ ጽቡቕ ክትስጉም ዘይደሊ ዜጋ ስለ ዘየሎ!
ሓበሬታ፡ ፍልጠት፡ ፍልጠት ከኣ ሓይሊ ምዃኑ እናተፈልጠ፡ ገንዚ ህግደፍ ግን ንህዝቢ ኤርትራ ን43 ዓመታት “ምዝራብ ባህልና ኣይኮነን!” ብምባል ካብ ሓበሬታ ሓሪሙ፡ ኣደንቊሩዎ ከም ዘሎኸ ዚኽሕዶ ሰብ ኣሎድዩ? ነተን ኣብ ፈቐዶ ወታሃደራዊ መዓስከራት ዘሎዋ፡ ዜጋታት ንምልኣኾምን ንምቁጽጻሮምን መታን ንኺጥዕሞ ጥራይ፡ ምጡን ቀለም ንኺቐስሙ ዚገብረለን ኮለጃት ጸብጺብካ፡ ‘መንግስቲ ንዜጋታት ግቡእ ትምህርቲ ይህብ ኣሎ’ ዝብሉ የዋሃት እንተልዮምውን ዩኒቨርስቲ ኣብዘይብላ ሃገር ዝፈሪ ምሁር እንተደኣ ኣሎ ኮይኑ፡ ‘ሃየ’ስከ በሉ እቲ ተኣምር ኣርእዩና’ሞ ሃንአ (ዮሃና) ክንብሎም።’ ኢለ ክሓቶም ደስ ምበለኒ።
እዚ ሕንዳ ዘይብሉ (ንሕስያ ዘይብሉ) ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብዛ ብገምጋም 70 ዓመት ኣቢልና ብህይወት እንነብረላ ዘለና ዓለም፡ ዋላ ንሓንቲ ካልኢትውን ትኹን፡ ተድላን ቅሳነትን ከሊኡ፡ ብቐጻሊ የሳቕየና ኣሎ። ጓሂ፡ እህህታ፡ ስደት፡ ሓዘን፡ ራዕድን ሽበራን ሕላገትና ኮይኖም፡ ‘ሕጂኸ እንታይኮን ይብሉና ይኾኑ’ እናበልና፡ ንጹሃት ክንስና ከም ሰብ ገበን፡ ገለብ ሸለብ እናበልና፡ በቲ ቅጥዒ ኣልቦ ግዕዙይ ምሕደራኦም እናተሓመስና ንነብር ኣለና። ነዚ ድማ’ዩ ህግደፍ ‘ማሕበራዊ ፍትሒ ኣንጊሰ’ ዝብለና ዘሎ። መዐቀኒ ማሕበራዊ ፍትሕን ዕብየትን መቸም፡ ራህዋ፡ ፍትሒ፡ ሓውዚ (ተድላ)፡ ዕብየት፡ ሰላምን ቅሳነትን ከም ዝኾነ ዚስሕቶ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን።
ናጽነት ማለት ብጉጅለ ህግደፍ ግን ጽርግያ ምስራሕ ማለት እንተ ኾይኑ፡ ጽርግያ ምስራሕ ደኣ’ሞ እቲ ዝያዳ በዚ ናጽነት ዝሃበና ስርዓት፡ እቲ ንስቡሕ መሬትና “መሬት ዶሚናለ” እናበለ ሰፊሕ ሽዕበትና (ማይ ዝጸገበ ረጒድ መሬት ሕርሻና) ገቢቱ፡ ኣደንቊሩን ኣርዒዱን ኪገዝኣና ዝሃቀነ መግዛእታዊ ሓይሊ ጥልያን እዩ ማለት’ዩ። ምኽንያቱ፡ እዚ ክሳዕ ሕጂ ንጥቀመሉ ዘለና ጽርግያ፡ 99% ኣብ ከተማ ይኹን ኣብ ገጠር ዘሎ ኩሉ ብእኡ ስለ ዝተሃንጸ። እተን ህግደፍ ሃኒጸየን ዝብለን፡ ጥልያን ዝፈለመሉ ሓደ ክልተ መገድታትውን እንተኾና፡ ዕድሚአን ምስ ዕድመ ህግደፍ’ዩ ከብቅዕ! ብድሕሪኡ ኣገልግሎት ኣይክህባን’የን። ምኽንያቱ፡ ብብቕዓትን መለኪዒታትን ንነዊሕ ብዝጠመተ ኣገባብ ስለ ዘይተሰርሓ። መላኺ ስልጣኑ ምውሓስ’ምበር ዕብየትን ምዕባለን ሃገርን ህዝብን ምርግጋጽ ዚብል ኣጀንዳ ስለ ዘይብሉ፡ ኣካይዳኡ ብድሕረይ ዳንዴየር ኣይትብቆላ’ዩ!
ናጽነት ማለት፡ ትምህርቲ ምምሃር ማለት ጥራይ እንተ ኾይኑ፡ እቲ በዚ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዚስራዕ ስርዓት እምብኣር፡ እቲ “ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ኣየድልየንን’ዩ!” እናበለ ህዝብና ዘሳቐየ መግዛእታዊ ሓይሊ ስርዓት ሃይለ ስላሴ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ንጽርየትን ጽፈትን ትምህርቲ ጃነሆይ ዘርክብ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኤርትራና ስለ ዘይተራእየ። ህያው ምስክሩ ከኣ ካብዚ ሕጂ ‘ፕረዚደንትኹም’የ’ ኢሉ ዝጭፍጭፈና ዘሎ ዉልቀ መላኺ ጀሚርካ፡ ክሳብ’ቲ ቅዋም ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ምንዳፍ ልዑል ግደ ዝተጻወተ፡ ኤርትራዊ ዶክተር በረኸት ሃብተስላሴ እንተ ጸብጺብካ፡ ዳርጋ ኩላቶም ካብዞም ሕጂ ዘለው ምሁራት ኤርትራውያን ሽዑ ዝተማህሩ እዮም።
ንህዝቢ ብኩፖን ረዲአት ምዕዳል ናጽነት ዝስመ እንተ ኾይኑውን፡ በዚ ነቲ “ዓሳ ንምንጻፍ ባሕሪ ምንጻፍ!” ብምባል፡ ብሰንሰለት ታንኪ ብጃምላ ዝረገጸና ስርዓት ደርግ ኢና ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እንሰርዖ። ምኽንያቱ፡ ደርግ ከምዚ ሕጂ ህግደፍ ብምምሕዳሩ ኣቢሉ፡ ብዘውጊ (ብሌላን ጒሌላን) ዝዕድለና ዘሎ መዓልቱ ዝወደቐ ዘይቲን ዝነቐዘ ወዲ ዓከርን ዘይኮነ፡ ጻዕዳ ጣፍ ሽዋ፣ ሽኮር፣ ፓስታን ቡንን ወዘተ. ብዘይጸገም ይህበና ስለ ዝነበረ፡ ምስ ህግደፍ ኣብ ውድድር ዚኣቱ ኣይኮነን። እዘን ሕጂ ህግደፍ ‘ማህበራዊ ፍትሒ ኣንጊሰ’ ኢሉ ዚንየተለን ዘሎ ነገራት እምበኣር፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ንኹለን ካብዚ ሕጂ ዘልወኦ ብዝበለጸ ሕርያን ዓቐንን ንረኽበን ኔርና ኢና። ስለዚ፡ እዚ ብናጽነት ዝልካዕ እንተ ደኣ ኾይኑሲ፡ ናጽነት ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ኣቐዲምና ረኺብናዮ ከለና ንምንታይ ደኣ ንኣርባዓ፡ ሓምሳ ዓመታት ተቓሊስና!? ኢልካ ንጉጅለ ህግደፍ ምሕታት ግቡእ ይመስለኒ። መልሱ ግን ንፋህም (ንለባም መስተውዓሊ) ብሩህ ኮይኑ ኣሎ! ንስልጣን ዉልቀ መላኺ’ዩ።
እቲ ናይ ብሓቂ ናጽነት ማለት ግን ብሕጽር ዝበለ፡ እዚ ህግደፍ የዋሃት ንምድንጋር፡ ሰሪሐዮ ዝብሎ ዘሎ፡ ብጻዕሪ ህዝቢ ዝመጽእ መነባብሮ ናይ ምቕያር ስራሕ ወይ ህንጸት ሃገር ጥራይ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፥ ብዊንታ ዉልቀ መላኺ ዘይኮነ፡ ብሕጊ ዝምራሕ መንግስቲ ኪውክለካ ከሎ፣ ተሓታትነት ዘሎዎ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዚኽተል ስርዓት ኪመርሓካ ከሎ፣ ብዘይስክፍታን ገደብን ሓስብካ ኪትገልጽ ኪትክእል ከለኻ፣ መስገርቲ (ዕንቅፋት ካብ መገሻን ዕላማን ዘተዓናቅጽ ነገር) ምስ ዘየጓንፈካ፣ ወፍርኻን ስራሕካን ዝግድብ ኩነታት ምስ ዘይህሉ፣ ወካሊኻ ባዕልኻ ኪትመርጽን ሕግኻ ብዝጥዕመካን ዘማዕብለካን መገዲ ኪትነድፍን ከለኻ” ወዘተ. እዩ። እዚን ካልእን ኩሉ ሓረግ ናጽነት’ዩ። ሕጂ ግን እዚ ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ ነገራት ኣብ ሃገርና ፈጺሙ የለን። ብኣንጻሩ ዜግነት ዝፍቀደካን ዝወሃበካን፡ ‘ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና!’ እንተ ኢልካ ጥራይ እዩ።
ንስርዓት ህግደፍ ዘይትድግፍ እንተ ደኣ ኴንካ፡ ናጽነትስ ይትረፍ ዜግናትካውን ትምንዛዕ ኢኻ። ምኽንያቱ፡ ሃገራውነትካ ብደገፍ ዉልቀ መላኺ ስለ ዚልካዕ! ናይዚ ህያው ኣብነት ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ፡ ሬሳኡ ናብ ሃገሩ ከይኣቱ ዚተኸልከለ ተጋዳላይ፡ ነፍሲሄር ናይእዝጊ ክፍሉ እዩ። እዚ’ዩ እዚ ዘለናዮ ኩነታት። ኣብዚ ግን ኪስመረሉ ዘለዎ ነገር ኣሎ። መግዛእቲ ካብ ግእዛን (ሓርነት) ይበልጽ ይብል ከምዘየለኹ ምግንዛብ የድሊ። ኣነ ዝብል ዘለኹ፡ ካብዚ ሕጂ ዘለናዮ ዝሓስም መግዛእቲ ኣብ ምሉእ ታሪኽና ኣጋጢሙና ኣይፈልጥን’ዩ እየ ዝብል ዘለኹ። ምኽንያቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ጥንቱ ዋላ ካብ ግዜ መሳፍቲ ጀሚሩ፡ ከምዚ ሕጂ ዘለዎ፡ ስርዓት ወይ ሕጊ በቲኹ ኣይፈልጥን’ዩ። ወይ ድማ መንነቱን ህይወቱን ብሓደ ‘ኩሉ ንሱ’ ዝኾነ ሰብ ተወኒኑ ኣይፈልጥን’ዩ።
ሕሰምና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ይቕጽል፥
ካብ ሓውኹም መሲናስ 06-05-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • hagerawi May 6, 2013

    please shit guy why you remember Dergi life. As Eritrean i don’t need to remember. All Eritrean killed by barbaric tanks meshingun SanJa and plot. Really you very stupid man to tell us about Dergi. forget any thing if i saw you at any place .i swear definitely i will give slap hurumey ele. aweti nihahafash

    • Stefanos Temolso May 6, 2013

      Everything has a point to be remembered. You are saying so may be because you are not suffering under PFDJ. But most of the People are now suffering under the tyrant. No justice, no freedom of movement, no Peace, no bread, no kerosene or benzine, no electricity and no trade. But above all, People being imprisoned without trial for years and serving without a salary while you are having fun. Slezi tblo zeloka haw, ‘AB KEBDI XGUB YELON TMUY, OR ZEYSNIKA XEXER ENTE TQURTMELU’ nzbl msla abotat azekiruni. Dergi brgx geza’i iyu nhzbna kiqetil kihard iyu mexi’u kem’uwn geyru, xehafay zbleka zelo ab qereb asbeza mexieka kab hgdef nsu yhaysh neyru zbl megote iyu, haqi ente aloka abti netbi temorkiska megut. Simi’et ayserhin iyu eti haqi tray iyu kesemamiana zkiel. Hji ab hagerna Chuw zbele kab nay derg zkefi’e Chqona alao emo kea wedi hager iye behali, kone ilu bzixiyiq zelo wlqe melaki, ember hager ihin mhin ilka kem tmehader ytrefdo nsu 12 kfli zwedien temokro sewra zelewon tera harestay zfelto guday iyu.

    • the londoner May 7, 2013

      hagerawi
      it will be nice to call you aregawi than hagerawi,because you do not remember what happens to the disabeled veterans at mai habar and all those innocent eritreans inhumanly imprison.i dout it you got any braincells left to function as a normal humane being.

  • Yerihiwo May 6, 2013

    Dear Mesinas! I thank you for writing an article that reflects the current situation in our country. It seems that we are from the same era because you remind me bread from “Enda Alfa” or “Mergem Tsinku”. It is hard to say it….but the Derg era in the later years is better than the Higdef rule. At least people were free to go to school, free to have normal life, free to travel, get trial if arrested, etc.

    As always, your writing is right on money. You articles make me cry!!!! Eritrea generation (Dekebat) is wiped out slowly!! Our people are either in jail, dead or leaving the country in droves. Asmara is now for DIA (Wedi Medhin Berad), Monkey, Kisha, Charlie and moron generals. Please HIGDEF followers wake up and understand that you have been used by the Dictator who does not want to leave his seat. HIGDEF supports….don’t you have a consciousness? You have been praising a dictator who killed and jailed many “pure” eritreans. We are living in country where there is no rule of law, no democracy, no constitution, no election, freedom of speech, etc.

    God save my country!

  • aman May 6, 2013

    hagerawi,what are you saying ?the author is laying /wrong,which point is not true.

  • MightyEmbasoyra May 6, 2013

    Mesinas,
    You articulated it very well.
    You seem to be creative person and my recommendation to you would be to propose solutions.
    Just my 2 cents.

  • NEW HOPE ERITREA May 6, 2013

    ¨ቅልዕቲ ደብዳቤ ናብ ኤርትራዊት ኣደ¨

    ከመይ ከም ዘለኺ ኣይሓተክን።ምኽንያቱ ስለ ዝፈልጦ።ከምቶም ትምህርቲ ዝሰጎሙ፣ማክያቨሊ__ሲግሞይድ__፡ወይ ´ውን ከምቶም ታሪኽ ከም ማይ ንጉሆ ሰትዮም ኣቦና ኢብራሂም ሱልጣንን፣ኣቦና ወልደኣብ ወልደማሪኣም ጀሚሮም ፣ሃገራዊ ጉባኤታትን___ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባርን ክሳድን ፈላልዮም ዝትንትንዎ ኣይትንትንን።ኣብዚ ኩሉ ቁንቁኛ ´ውን ኣይኣቱን።ኣነ ሓዳ ከም ናይ ኢድ ቡምባ ፈቲሑ ኣይገጥም፣በየነይ ንጥረ ነገራት ከም ዝተሰርሔት እውን ዘይትንትን ሰብ እየ።ግን ሓንቲ ነገር ይፈልጥ።ቡምባ ከም ትቐትል።____ኤርትራዊት ኣደ፣ናይ መጸሓፍ ቅዱስ ኣቦና ዳዊት ንኣበሴሎም (ዘርኣ ሰይጣን) ከም ዝወለደ፣ንስኺ´ውን ትማሊ ትማሊ ሸፋቱ እንከለዉ__ምግብኽን ደቅኽን ጥሪትክን ዘሪፎም__ከይፈተኺ ነቲ ሽፍታ ዕላምኦም ከም ንኽትክተሊ ደቅኺ ብምስራቕን ኣብ ዘይረብሕ ውግኣትን ብምእታውን ብተዛማዲ ህዱእ ሂወትክን ናብራኽን ዝደማሰስዎ__ሕጂ´ውን ነታ ዝተረፈት ሕሰ ልደ ጓልኪ ኣብ ድፋዕ ይዕምጽዋን ባርያ ርካበ ስጋን ጌሮማ ይርከቡ።ሱዳን ንኽትሰግር ሰለስተ ሽሕ ምስ ኣኽፈልዋ፣ንብጾቶም ራሻይዳ ኣሕሊፎም ይህብዋ፣ካብኡ፣ራሻይዳ ናብ በደዊን ብዓሰርተ ሽሕን ገለን ምስ ሸጥዋ፣በደዊን ድማ ሓምሳ ሽሕ ዶላር ዝበጽሕ ክሳዕ ተምጽእ እናዓመጹን ተጋሰሱን፣ኣጥባታ ብሓዊ እናሕረሩን ወይ ምስ ከፈለት ኣጥኒሶም የሳግርዋ ወይ ኩሊታ ኣውጺኦም ይቐትልዋ።እንድሕር እዞም ሸፋቱ ንኣኺ ሓራ ከውጽኡ በረኻ ኮለል ኢሎም፣ሕጂ ድኣ እንታይ ኢዶም ሒዝዎም ነቲ መራሕ ሽፍታ ዝኾነ ከምታ ኣብ በረኻ ከለዉ ዘገልግልዎ ዝነበሩ ሕጂ ውን ፈትዮም ድዩ ከይፈተዉ ይካላኸሉሉ ኣለዉ።ኣበይ ኣለዉ ድ ኣ እቶም ስምዒትካ ዝሰርቕ ደርፍን ዱሙዱሙን ምስ ሰተዩ ኣነ ቅድሚ ብጻየይ ዝብሉ ዝነበሩ፣ንዓኺ ንምድሓን ግን ሓደ ምኩሕ ተሳ ኢኑ።ኤርትራዊት ኣደ፣እዞም ኣፍቃሪቶም ምስ ጠለመቶም ፯ይኹን ማሕረስ ጸሊኦም፣ወይ ምቕታል ስብእነት መሲልዎም__ወይ እውን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምስ በርትዖም ፣ትምህርቲ ጸሊኦም__ንህዝበይ ክዋጋእ ኢሎም ኣማኻንዮም ዝሸፈቱን___ ሓረስቶት ቤተሰብና እናጋፍዑን ዝሐገዩ ሸፋቱን ብዛዕባ ምሃይኦም እምበር ብናትኪ ሽግርሲ ዝተላዕለ ወዲ ዓሊ እምበር ካልእ ኣይርኣናን።እቶም ሳሕል ከሎ ናይ ክርስትያን ወድና ኢሎም ዝቋጻጸዩሉ ዝነበሩ ሽማግሌታትከ፧ መሳርያ ሂቡዎም ግን ናብኡ ከም ዘየቕንዕዎ ይፈልጦ እዩ። እቲ ሰውራ ብጽልኢን ሓንካስ ስምዒትን ስለ ዝጠጥዔ፣ክጅመር ከሎውን ¨ኣምሓራ ኣንኳይ ክገዝኡኻስ ክትገዝኦም ´ውን ዘየተምንዩ ኣህዛብ እዮም ብዝብል ትግራይ ትግርኚ ዕላማ፣ ኣብ ካይሮ ብወዲ ዓዲ ክልተ__ኣኽሱም ዝመቦቆሎም ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም(ኢትዮጵያን)፣ ኣብ ኢትዮጵያ ሕስረት ናይ ሃይማኖት እስልምና ዘተሓሳሰቦም ደቂ ከሰላ__(ሱዳንን ) ዝጀመረ¨ኤርትራዊ¨ ቃልስና ግዚኡ ዝሓለፎን ዝተመለሰን ሕቶ ስለ ዝኾነ___ኩሉ ተስፋ ቆሪጹ ኢሳያስ እንተወደቐ እውን ካብኡ ¨ዝተረረ¨እምበር ልስሉስ መራሒ ዝሰምዖ ከም ዘይብሉ ተረዲኡ___ናይ ኢትዮጵያ ሃብቲ ዋናታቱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ደቅኺ ናይ ኤርትራውነት ባራዩ ኮይኖም ይርከቡ።
    ኤርትራዊት ኣደ፤___ንስኺ ደቅኺ ንኸንቱ ከም ዝጠፍኡ ንጉሆ ንጉሆ እናቖዘምኪ ትብልዮ እዩ። ደቂ ባርነት ሓርነት ከምጽኡ ኢልካ ምጽባይ ፣ካብ ናይ ሽቓቕ ሃመማ ምዓር ከም ምጽባይ እዩ።
    ንስኺ ኣይኮንክን እቲ ጸገም ኣደ__ግን ምእንቲ መጅሃሪ ክኾኖም ንስኺ እናሞትኪ ኣላ ዝብሉ፣እናበኸኺ ኢሳያስ እናሳቐያ እምበር ጽሕቕ እያ ዘላ__እናበሉ ነቲ ብመሰረቱ ኣዕናዊ ዝኾነ ሽፍትነት ኤርትራ ፣ናይ ኢሳያስ ጌጋ ጥራይ ብምግባር ጥራይ ነቲ ስቅያትኪ መፍትሒ ከም ዘይረክብ ዝገብርዎ ዘለዉ እቶም ንሽሞም ተቓወምቲ፣ግን ካብ ናትኪ ፍቕሪን ናይ ኢሳያስ ጽልኢ__ወይ´ውን ንኢሳያስ ብጭካኔኡ ዘይኮነስ ብ¨ወያነ¨ስለ ዝተሳዕረ ዝቃወምዎ ርካሻት ኢኺ ተሪፍኪ።
    ነዞም ዘሳቕዩኺ ዘለዉ ድማ ብመሳርያ ከይውቅዑ ንሳቶም ኣሕዋትና እዮም ይብሉና፣እዚ ንኸጥፍ ኣካ ዝመጸ ሓይሊ ሓወይ እዩ፣ካላሽነይ ንቑልቁል ኣፋ ዝብል ክሱር ናይ ጀብሃ ነበር መምርሒ ዝኽተሉ ነቶም ቀተልትኺ__ነቲ ሰብ ኣይኪ ተኣሲሩሉ ዘሎ እናቐጥቀጡ ዝሕልውዎ ዘለዉ፣ነታ ሕሳስ ልደ ጓልኪ ዓሚጾም ንዓማጻይ ዥብዋ ዘለዉ ኣረመኔታት ኣሕዋትና እዮም ብድሕሪ ሕጂ ውግእ ኣየድልን እዩ እናበሉ፣ነዚ ከምዚ ከማይ ዝበለ __ናትኪ ድሕነት እምበር፣ሕድሪ ስዉኣቶም ዘይዓጅቦ ቅኑዕ ስ አብ ግን ወያነን ዓጋመን ይብልዎ ኣለዉ።ከምዚ ከማይ ¨ዓጋመታትን ወያነን¨የብዝሓልኪ። ምእንቲ ሓቅነት ምስ ቀረባ ቤተሰበይን መትዓብይተይን ተረሓሒቐ።ምእንቲ ሓቅነተይ እምበር ክስው ኣልኪ እየ ኢለ ኣየዔሽወክን፣ ግን መታን ሰብ ሰላም ክብለንን ¨ሓቀኛ ኤርትራዊ¨ክብሃልን ሕልናይ ኣይክሸይጥን እየ፣ምእንቲ ሕልናይ ኢለ ዝገብሮ ዘለኹ እዩ እምበር ናይ ማንም ስዉእ ኣይኮንኩን።ብሕልናይን ብታሪኽን ኣይሕተትን ።

    መወዳእታኺ የጸብቆ፣ምኽንያቱ፣ኢደይ ንበይና እያ ተጣቕዕ ዘላ።ብጊዜ ¨ውግእ ዶብ¨´ውን ዓገብ ናይ ዝበልኩ__ኣቡሓጎኦም ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ንኤርትራ ፈሪሙ ¨ከረክባ¨ከሎ ቢሮ ዘቐበልዎ ደቂ ደቁ፣ማሕበር ኣንድነት ተባሂለ እየ።ኣይግድሰንን።

    ውላድኪ፣ ሓድሽ ተስፋ ኤርትራ__ሽም ቀሹ__ነብሰ ቕትለት ብነጻነት።

    • Kalighe May 6, 2013

      New Hope,

      Fist, I think you better write in English, because your Tigrigna is alien to many Eritreans.
      Then, the most important message you are trying to pass across, i.e. that ‘Ghidli’ were shifta, is neither new nor of much important now, especially when it comes from some quarters who have not yet accepted that Eritrea is sovereign country like Sudan, Djibouti etc.
      You better take it out from you mind that, because the situation in Eritrea is bad, if offers an opportunity to sell them some ‘old’ propaganda material.

      • NEW HOPE ERITREA May 7, 2013

        Kalighe ,

        Happy easter to you & your´s.You understood my Tigrinya that you were able to comment on it.I accept Eritrea is a sovereign country…I do not know where you got the message to be contrary…..Being critical of your father´s upbringing & crimes against humanity does not indicate you are looking for a new father.
        My Tigrinya is mostly literatture like & I do not believe there is one Tigrinya.The ones close to the border have a certain way of speech & the ones who are in the center have different….please ,we need to use our comments to send a message..Isaias is bad …Woyanes/Ethiopians want to use as ..has no substance. We need to convey a message..the message could be accepted or rejected by the Eritrean people.

        I can only deliver my opinion..I hope you do the same ..and let the people judge accordingly….What was right yesterday could be wrong in todays circumstances. I hope you use your intellect to subscribing what you believed to help our crying mothers in bringing lasting solution ….Let us not use our people´s plight use it to put down others…I am who I am,, you are what you are and I respect you as a human being & fellow Eritrean.

        Your fellow citzen New Hopè Eritrea

      • NEW HOPE ERITREA May 7, 2013

        Respected Kalighe ,

        Happy easter to you & your´s.You understood my Tigrinya that you were able to comment on it.I accept Eritrea is a sovereign country…I do not know where you got the message to be contrary…..Being critical of your father´s upbringing & crimes against humanity does not indicate you are looking for a new father.
        My Tigrinya is mostly literatture like & I do not believe there is one Tigrinya.The ones close to the border have a certain way of speech & the ones who are in the center have different….please ,we need to use our comments to send a message..Isaias is bad …Woyanes/Ethiopians want to use as ..has no substance. We need to convey a message..the message could be accepted or rejected by the Eritrean people.

        I can only deliver my opinion..I hope you do the same ..and let the people judge accordingly….What was right yesterday could be wrong in todays circumstances. I hope you use your intellect to subscribing what you believed to help our crying mothers in bringing lasting solution ….Let us not use our people´s plight use it to put down others…I am who I am,, you are what you are and I respect you as a human being & fellow Eritrean.

        Your fellow citzen New Hopè Eritrea

    • Kalighe May 7, 2013

      When a message comes from Ethiopians (specially from those who think their country is the center of the world), regardless of it’s content, Eritreans are very suspicious.
      There is also a naive/malicious element that think he/she is playing it smart by telling some discontented Eritreans, their country is now hell on earth, because they missed an opportunity to remain under ‘mama Ethiopia’. I say malicious because, they are attempting to present an image of “benevolent” Ethiopia, while keeping silent on atrocities committed by their army in the last 30 long years. Some of them (like YG, a few here in his category) are short of telling us that, in all those dark years, Ethiopia was only distributing red flowers around the country, while the bad guys choose to become “shifta”. If there is something that all these little men have in common is that they have no emotions for the victims of Hailesellasie and Mengustu; they don’t acknowledge that crimes against humanity were committed in Eritrea, the are not ready to apologize, instead they try to find excuses, such as ‘Ghedli’ was shifta ..bla ..bla and that is one the main reasons why many hide their real identity when they visit Eritrean websites. They think posing as Eritreans will serve their purpose better, especially when they are in the business of creating a wedge among those who debate certain issues with heavily charged emotions. My advice to such people: If you have a moral courage to defend the issues you stand for in the open, stop hiding behind assumed Eritrean identity. At least that much courage is necessary. Stop acting like rats.

      • NEW HOPE ERITREA May 7, 2013

        Respected Kalighe,

        This is were you & I agree Kalighe…we should not allow Ethiopians to determine our fate..But, some people might misunderstand it to mean..we should tear & throw the signature by PM Meles granting us our independence..You know some people think in multiple channels, I like our Eritrean honest..one way of thinking.

        • Kalighe May 7, 2013

          Stop posing as Eritrean …

  • MightyEmbasoyra May 6, 2013

    Let’s work on solution please. My proposal is that these fine men and women should sit together and propose some kind solution. I know no one of these ladies and gentlemen in person. However, I have been reading their articles, in few but great websites for the past few yrs. They may have different views but they all seem to care deeply about Eritrea. I am not saying that these fine people should have their own Wudub but the other opposition teams should follow their proposal and we can start from there.
    I am sure I have forgotten many of you (sorry for not remembering) but the list can grow by suggesting others. Here is my list in Alphabetical order:

    Abeba Abraha
    Adhano Fitwi
    Adhanom Tewelde
    Ahmed salih
    Amanuel Hidrat
    Amanuel Mahdere
    Amenedin Liesday
    Ammanuel Iyasu
    Awelkier A/Hafiz
    Belay Mesfin
    Dr. Alganesh
    Dr. Bereket
    Dr. Tewolde Habtemichael
    Elsa Chrum
    Estefanos Temelso
    Fetsum Abraham
    Girmay Kidane, Wedi Filipo
    Godefa
    Memhir Tesfu Zewde
    Meretse Asmelash
    Meron Estefanos
    Michael Aranchi
    Michael Embaye, Aranchi
    Milkias Yohannes
    Redie Mehari (Alena)
    Saleh “Gadi” Johar
    Semere T Habtemariam
    Solomon Asefaw and his team
    Tesfai Yitbarek
    Tesfay Temenwo
    Tewolde Estifanos

    • MightyEmbasoyra May 6, 2013

      instead of the duplicate (Michael Aranchi), please use another fine person that I forgot, Mesinas.

  • Kabbire May 6, 2013

    A certain ismail Omer-ali writes in awate site with a title, “Yosief’s circular journey in search of Ethiopia”

    And a reader responds with tongue in cheek:

    “The proper title of the article should have been:

    ‘Ghedli’s Circular Journey In Search of Arabs’

    Aren’t we who are burning Eritrea’s languages to walk, talk and pretend as our Arab masters who really do not respect us?”

    Mengistu who used to insult Jebha- Shaebia as “korakur Arab, kedemti nay Gibtsi, barayu Arab” ከደምቲ ናይ ዓረብ ባራዩ ናይ ግብጺ ኮራኩር ዓረብ must be laughing and chuckling to see Eritreans being sold as Arab slaves in Egypt and Sudan; used by the camel-herding-savage Arab’s as sex slaves and the poor Eritreans organs harvested for the sick Arab’s kidney and cornea spare parts, and as human land mine sweepers by the Arabs in Libya, and as indentured farm laborers in Yemen .
    But still Mengistu is not smart enough because he failed to predict that the savage Arabs also charge the family of each of the enslaved Eritreans US $35,000 dollars for their freedom from the Arab’s slavery. This will certainly make Mengistu a bit of a lazy thinker.

    • NEW HOPE ERITREA May 6, 2013

      ናበይ ደሊኺ ዓሰብ፧

      ምኽንያት ሰውራና ኔርኪ ናይ ቃልስና ታርጋ
      ንሰማያዊት ባንዴራ ንወደባት ህዝበይ ተራጋሪጋ
      ፰፩ ዶ ኣቲኺ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ
      ፍረ ገድልና ኮይኑ ናይ ኩነታት ሓደጋ
      ቃጣር መዓረስኪ፣ ሸያጢት ህግደፍ ሙዳዳ
      ኣነስ ቀደም ኣሚረዮ ንሓፋሽ ይግደዳ
      ክስዕሙዋ ቃብያስ ክስሕብዋ ሕራይ__ተገዲዳ
      ኢትዮጵያኛ ክትዛረብ´ያ፣ዓረብን ፋርሲን ኣወጊዳ
      ዓሰቢና_ ምኻድስ ኪዲ፣ ግን ድሃይ ስደዲ ብኣጋ
      ባጽዕ ይባርኸልና፣ ኤረ ኤርትራና ጠጠው ትበል ብቐንዳ
      ከንቱ ሞትና __ቁርስቲን ሸራፍን ሃገር ወሊዳ።

      ምልክነት ብዘይ ገደብ ሃገር ብዘይ ወደብ
      ጽምዋ ድዩ በሊዑዋ፣ንኢትዮጵያ ከይዳ ዓሰብ
      ካብ ቦታኹም ክንወጽእ እንተበሉ ንዑ_ንላዘብ
      ብኩነት ባድመ ባሕርና ሰቲዃ ብዘይ ኣደብ
      ንባጽዕ ክቃለስ´የ__ኣማስይኣ ከይትድረብ።

      ዝካላኸለላ መሲልዋ ዓሰብ ዓሻ
      ረሲዓቶ፣ንኮሎነል ዑስማን ዝነኸሰቶ ተመልሻ
      ህዝቢ እናዓነወ፣ኣዋልድና እናተዓመጻ ኣበየ ቃንጥሻ
      ሲናይ ዘየለዓለትና ክብረት ደቂ ሓበሻ
      ኪዲ ድኣ ወደብና ስብእነት ቀደም´ያ ተሓምሺሻ።

      • ahmed saleh May 7, 2013

        Well , concerning the various names you use to confuse as Kebire and so on , your comments doesn’t
        differ from one another . For a reason you stressed hard to associate Eritreans with Arabs . Same
        old political propaganda of Ethiopia during our struggle . Keep dreaming to the journey of ETHIOPIA
        ANDENET . Eritrean independence is made from brave Eritreans blood and nobody would question it .
        And we vow not to quit until the promise of our martyrs had been fulfilled for greater nation of
        progressive , prosperous and stable Eritrea . INSHA-ALLAH it will happen with help through divine grace .

Post a Reply to MightyEmbasoyra Cancel Reply