Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግለጺ ደገፍ ንኣራሚ ምንቕስቓስ 21 ጥሪ 2013

ማሕበር ኤርትራውያን ንሰላምን ዲሞክራስን ኣብ ስዊስ መግለጺ ደገፍ ንኣራሚ ምንቕስቓስ 21 ጥሪ 2013 ዝተነቓነቐ ስኒ፡ ካብ ምጉራፍ ኣይድሕንን!! ኩላትና ኤርትራውያን ከም እንፈልጦ ፡ ህዝብና፡ ሕሉቡ-ንጹፉን ቐያሕቲ ደቑን ንሰዉርኡ ዝመጠወ፡ ነቶም ጎበጥቲ ግዳም፡ ብኸተርቲ ደቒ-ዓዲ ንምትካእ ኣይነበረን፡፡ እቲ ብሌን

ማሕበር ኤርትራውያን ንሰላምን ዲሞክራስን ኣብ ስዊስ
መግለጺ ደገፍ ንኣራሚ ምንቕስቓስ 21 ጥሪ 2013

ዝተነቓነቐ ስኒ፡ ካብ ምጉራፍ ኣይድሕንን!!

ኩላትና ኤርትራውያን ከም እንፈልጦ ፡ ህዝብና፡ ሕሉቡ-ንጹፉን ቐያሕቲ ደቑን ንሰዉርኡ ዝመጠወ፡ ነቶም ጎበጥቲ ግዳም፡ ብኸተርቲ ደቒ-ዓዲ ንምትካእ ኣይነበረን፡፡ እቲ ብሌን ዓይኒ ህዝቡ ዝኾነ ተጋዳላይ እዉን፡ ልግዐ ንእስነቱ ዘብለየሉ፡ ኣካላቱ ዝሰንከለሉን እታ ዘይትትካእ ሂወቱ ዝወፈየሉን፡ ህዝቡ ክርህዎ’ምበር፡ ብገዛእ መሬቱ ከም ዑንቒ ንክትጸቦ ኣይነበረን፡፡ ትጽቢቱ፡ ኪኖ ምንብልባል ባንዴራ ሰጊሩ፡ ኤርትራ፡ ኣብ ጎደና ምዕባለ፡ ፍልጠትን ቕሳነትን ክትምርሽ፡ ኣሰር ናይተን ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ መነባብሮ ዝበጽሓ ሃገራት ከኣ ክትስዕብ’ዩ ዝነበረ። የግዳስ፡ ባህጊ ህዝብን ተጋደልትን፡ መራሕትና እዮም ብዝበሎም፡ ግን ከአ ቆርበት በጊዕ ብዝተኸድኑ ሒደት ተኹዋሉ፡ ተመንጢሉን ተጨዉዩን፡፡

ስርዓት ዉልቐ-ምልካዊ ኢሳያስ፡ ኣብ ዉሸጢ ሃገርን ኣብ ወጻኢን ዝርከብ ህዝብና፡ ንመሰሉ ከይቓለስ ምእንቲ፡ ብሃይማኖት፡ ብብሄር፡ ብኣዉራጃን፡ ብቐቢላን ንኽገዛዝዕ ኣዒንቱ ሰለም ኣቢሉ ኣይፈልጥን፡፡ እዚ ጎጃጃሊ ኣገባብ እዚ፡ ነቲ ዝደልዮ እከይ ዕላማ ከጭብጦ ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት ከኣ፡ ካልእ ነጻሊ፡ ቐንጻልን ኣተፋናንን ሽርሒ ብምእላም፡ ንደላይ ዲሞክራሲያዊ ለዉጢ ’ጅሃድ’፡ ’ሓምሻይ መስርዕ’፡ ’ጰንጠ’፡ ’ወያነ’ን ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ንምስፋሮም ዘሰክፉ ጸቢብን ትምክሕታዊ ሕዝሎታት (baggages) ብምልቓብ፡ ንፖሎቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ባህላውን ማሕበራውን ሂወት ሃገርና ዓብሊኹዎ ይርከብ።

እዚ ንነዊሕ ዓመታት ንዝኸደ ዘይንቡር ኩነታት ክጻወርዎ ዘይከኣሉ፡ እታ ሃገር ኣብ ጸድፊ ተንጠልጢላ፡ ትሰሓግ ከምዘላ ብዓንተቦኡ ዘስተብሃሉ ጀጋኑ፡ ምዑታትን ዉፉያትን ደቓ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ ንምድሓና ፍኒሕኒሕ ክብሉን፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ፍታሕ ንምንዳይ፡ ፈተነታት ከካይዱ ጸኒሖም። እምበኣር፡ እዚ ብዕለት 21 ጥሪ 2013 ዝተራእየ ምንቕስቓስ ኣራሚ ስጉምቲ እዉን፡ ኩለንትናዊ መቐጸልታ፡ ናይ’ቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ፈተነታት እዩ። ክንዲ ዝኾነ፡ እዚ ጀነቭ ዝመደበሩ ማሕበርና፡ እዚ ተረኽቦ እዚ፡ ቕዱስ ተግባርን ንድሌት ህዝቢ ዘንጸባርቕን ብምኻኑ፡ ይባርኾን ይድግፎን፡፡ ኣብ ጎኒ ኣራሚ ምንቕስቓስ ምህላዉና ብምንጻር ከኣ ፡ ነተን ኣቕሪቦመን ዘለዉ ሰለስተ ጠለባት፡ ደጊምና ኣብዚ ነቓልሕ፡፡
1) እሱራት ፖለቲካ፡ ሕልናን ጋዜጠኛታትን፡ ብዘይ ቕድመ-ኩነት ክፍትሑ
2) ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቕዋም ክትግበር
3) ኢሳያስ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ፡ ናብ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ከረክብ

እምበኣር፡ ቕጽበታዊ ዉጽኢት ተረኽቦ 21 ጥሪ 2013 ብዘየገድስ፡ እዚ ፍጻመ’ዚ ዘግሃዶ’ሞ፡ ከይተጸቅጠሉ ከኣ ክስገር ዘይብሉ፡ ሓደ ዓቢ ጉዳይ ኣሎ፡፡ ወዮ’ቲ፡ ’ደይ እቶም ሒደት ኣብ ደገ ዘለዉ ተቓወምቲ ኢና ጥራሕ ዝብሉ ዝፈጥርዎ ዘሎ ዕግርግር እዩ’ እንዳተባህለ፡ በቲ ስርዓት ዉልቐ-ምልኪን ብኸደመቱን ኽከሻመሽ ዝጸንሐ፡ ንጥፈታት ዲሞክራሲያዊ ለዉጢ፡ እቶም ደቂ-ህዝቢ ዝኾኑ፡ ኣባላትን ሓለፍትን ሰራዊት እዉን፡ ባህጎም እሱ ሙኻኑ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንዕኡ ንምጭባጥ እዉን ከምዝተዉፈዩ፡ ብግብሪ ዝተረጋገጸሉ ምዕራፍ ምንባሩ ኢዩ፡፡

ንምጥቕላል፡ ኩሉ ደላይ ለውጢ፡ ነዚ ተወሲዱ ዘሎ ተበግሶ ብምንኣድ፡ ዘርእዮ ዘሎ ሓላፍነታዊ ተግባራት፡ ብዝሰፍሐ ንኽቕጽሎን፡ በብቲ ዝምእምኦ ደገፉ ነኸዉሕዝ ንላቦ፡፡ እንተ እቶም ዛጊት፡ እንተስ ብፍርሒ፡ እንተስ ብበለጽ፡ እንተስ ብገርህኩም ተታሊልኩም፡ እንተስ ብጉርሕኩም ርዒምኩም፡ መሳርሕን ደገፍትን ስርዓተ ዉልቐ-ምልኪ ኾንኩም ዝጸናሕኩም ዜጋታትና፡ ደጊም ’መሬት ክመሲ፡ ናብ ኣበ-ነብሲ ኢዩ’ሞ’፡ ገና ከይዓረበ ከሎ፡ ናብ ልብኹም ተመሊስኩም፡ ንህዝብኹም ክትክሕስዎ፡ ሓደራ ንብል፡፡ ዝተነቓነቐ ስኒ፡ ካብ ምጉራፍ ኣይድሕንን! ንደላይ ዲሞክራሲያዊ ለዉጢ ኣራሚ ምንቕስቓስ ደገፍና ነረጋግጽ!

ዓወት ንኣራሚ ምንቕስቓስና!
ራህዋ ንዉጹዕ ህዝብና!
ኩልና ንደርቢ ጸጸጸርና!

ማሕበር ኤርትራውያን ንሰላምን ዲሞክራስን ኣብ ስዊስ
28 ጥሪ 2013 – ጀነቭ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT