Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግለጺ ዓውደ-መጽናዕቲ ኤምዲሰመ 2014

መግለጺ ዓውደ-መጽናዕቲ ኤምዲሰመ 2014 Page 1 መግለጺ ዓውደ-መጽናዕቲ ኤምዲሰመ ፕሪቶርያ - ደቡብ ኣፍሪቃ 1. መእተዊ ንሕና፡ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣውስትራልያ፡ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዝመጻእና ኤርትራውያን፡ ንበርጌሳውያን ማሕበራትን ነብስና ዝወከልና ውልቀ-ሰባትን ካብ 9 ክሳብ 11 ግንቦት "ስትራተጂካዊ ጠመተ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ፖለቲካን

መግለጺ ዓውደ-መጽናዕቲ ኤምዲሰመ 2014
Page
1

መግለጺ ዓውደ-መጽናዕቲ ኤምዲሰመ
ፕሪቶርያ – ደቡብ ኣፍሪቃ
1. መእተዊ
ንሕና፡ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣውስትራልያ፡ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዝመጻእና
ኤርትራውያን፡ ንበርጌሳውያን ማሕበራትን ነብስና ዝወከልና ውልቀ-ሰባትን ካብ 9 ክሳብ 11 ግንቦት
“ስትራተጂካዊ ጠመተ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ፖለቲካን ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላዋትን ሳዕቤናቱን፤
ክኽሰት ዝኽእል ተርእዮታትን መፍትሒታቱን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ጉዳይ ሃገርና ዘቲና እዚ
ዝስዕብ ውሳኔታት ኣሕሊፍና፣
1.1. ንህዝብናን ሃገርናን ኣብ ሕማቕ ቅልውላው ሸሚሙ ዝርክብ ሽግር ብዑምቀት ድሕሪ ምምርማር፣
1.2. ንኣመዓባብላ ምልኪ ኣብ ሃገርና ካብ ናይ ቀረባ ታሪኽ ምልስ ኢልና መርሚርና ንዝረኽብናዮ
መረዳእታ ኣብ ግምት ብምእታው፣
1.3. እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ከቢድ ጸገማትን፡ መፍትሒታቱን ኣጽኒዕና ወነንቱ ክንከውን ኣሎና ካብ ዝብል
ጽኑዕ እምነት ተበጊስና፡ ኤርትራ ናብ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ንምስግጋር ናይ ሓባር ጻዕርታትና
ከነወሃህድ ከምዘሎና ተሰማሚዕና፣
1.4. በዚ መሰረት ድማ ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ናይ ሓባር ስምምዕ በጺሕና፡
2. ልዕልና ሕግን ቅዋማውነትን
ንሕና ተሳተፍቲ
2.1. ኣብ ሃገርና ልዕልና ሕግን ቅዋማውነትን ንኸይረጋገጽ ምኽንያት ዝኾኑ ታሪኻዊ ማሕለኻታት
ብምግንዛብ፣
2.2. ኣብ ሞንጎ ፖለቲካውያን ጉጅለታት ቅድምን ድሕሪ ምርግጋጽ ናጽነት ሃገርናን ዘሎ ፍልልያትን
ጉጅላውነትን ብምርዳእ፣
2.3. ናይ ዘይምጽውዋርን ብሕጊ ዘይምቕያድን ባህሊ ካብ ቅድምን ድሕሪን ናጽነት ኣትሒዙ ከምዘሎ
ብምግንዛብ፣
2.4. ንፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ብዙሕነት ህዝብና ኣብ ግምት ዘየእተወ ንፍልልያት ዘይጻወር
ፖለቲካዊ ባህሊ ከምዘሎ ብምርዳእ፣ መግለጺ ዓውደ-መጽናዕቲ ኤምዲሰመ 2014
Page
2
2.5. ንናይ ህዝቢ ኤርትራ ሕልምታትን ትጽቢታትን ብምጥላም ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ደይ መደይ ኢሉ
ልዕልና ሕግን ቅዋማውነትን ክስስነሉ ዘይኽእል ስትራቴጂ ከምዝተኸተለ ብምርዳእ፡
ነዞም ዝስዕቡ ዕማማት ንምትግባር ተሰማሚዕና
2.6. ንናይ ዘይምጽውዋር፡ ስቕታ፡ ምፍርራሕን ክቱር ናይ ምእዙዝነት ባህልን ደረት ኣልቦ ሃገራዊ
ኣገልግሎት ንምውጋድ ብሓባር ምስራሕ
2.7. ሲቪካውያንን ፖለቲካውያንን ምንቅስቓሳት ብፍላይ ድማ ናይ መንእሰያት፡ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ሞያውያን
ማሕበራትን መሰረታትን ሲቪካዊ ኣሰተምህሮታት ብምትእትታው ምሕያል፣
2.8. ንኹሎም ኤርትራውያን ዘሳትፍ መሰረታውያን ሰብኣዊ መሰላትን ልዕልና ሕጊ ዘኽብርን ዝከላኸልን
ቅዋማዊ ምሕደራ ክምስረት ምስራሕ፣
3. ሰብኣዊ፡ ማሕበረ-ቁጠባዊን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ቅልውላው
ንሕና ተሳተፍቲ
3.1. ንሃገራዊ ቁጠባ ብዝምልከት
3.1.1. እቲ ዲክታተርያዊ ስርዓት ኣዕናዊ ቁጠባዊ ኣገባባትን ፖሊሲታት ብምትእትታዉ፡ ህግደፍ ንቁጠባ
ሃገር ብምግባቱ፡ ናይ ዜጋታት ናይ ወጻኢ ሸርፍን ንብረትን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ምምንዝዑ፡ ናይ
መንእሰያት ናጻ ጉልበት ብዘይ ኣገባብ ብምምዝማዙ፡ ናይታ ሃገር ትሕተ-ቅርጽን ማሕበረ ቁጠባዊ
ምዕባለን፡ ናይ ህዝብና ህርኩትነትን ምሃዝነትን ከምዝዓንውን ዝለምስን ከምዝገበረ ብምርዳእ፣
3.1.2. እቲ ምልካዊ ስርዓት ብዘይወግዓዊ ሃገራዊ ባጀት፡ ናይ ሃገር ኣታዊታት ብፍላይ ድማ ካብ ናይ
ዕደናዊ ትካላት ዝርከብ ኣታዊ ብዘይግሉጽነትን ተሓታትነትን ከምዘማሓድር ብምግንዛብ፣
ንሕና ነዞም ዝስዕቡ ዕማማት ከነማልእ ተሰማሚዕና
3.1.3. ነዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለው ነጥብታት ብዝምልከት፡ ኣድማዒ ጎሰጓስን ጥብቅናን ክሕግዝ
ምእንቲ ኣድላይ መጽናዕትን ምርምርን ምክያድ፣
4. ማሕበራዊ ቅልውላው
ንሕና፣ ተሳተፍቲ
4.1 እቲ ዲክታተራዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ መሰረት ሕብረተሰብ ዝኾነት ማሕበራዊ ኣሃዱ (ስድራቤት)
ዝፈጠሮ ነዊሕ ሳዕቤን ዘለዎ ምብትታን፡ ዕንወት፡ ምንፋግ መሰል ስድራቤታዊ ህይወት፣ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ
እንዳ ብኣሰ ዝመጽእ ዘሎ ቅሉዕ ድኽነት፡ እንዳ ዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ቁጠባ ተጸባይነት መንፈስ፡
ትምህርታዊ ትካላት ናብ ወተሃደራዊ ትካላት ምቕያርን፡ ምድኻም ጥዕናዊ ትካላት ዘሎና ከቢድ ስክፍታ
ድሕሪ ምግንዛብ፣
ንሕና ነዞም ዝስዕቡ ዕማማት ከነማልእ ተሰማሚዕና መግለጺ ዓውደ-መጽናዕቲ ኤምዲሰመ 2014
Page
3
4.2. ኣብ ልዕሊ ኩሎም ናይ ኤርትራ መንግስታዊ ንጥፈታት፡ ዋላውን ኣብቲ እቲ ስርዓት ኣዕዊተዮ እየ
ክብል ዝንየተሉ ዘሎ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሽቶታት ምለንዮምያዊ ምዕባለ ዕቱብ መጽናዕቲ
ምክያድ።
4.3. ሰብኣዊ ቅልውላው
ንሕና ተሳተፍቲ፡
4.3.1. በዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ድማ
ስደተኛታት ኣደዳ ማእሰርትን፡ ገለ ሃገራት ዑቕባ ክህበኦም ፍቓደኛታት ብዘይምዃነን፡ ኣብ ልዕሊኦም
ዝወርድ ዘሎ ስቅያትን ናይ ምጭዋይ ሓደጋታትን ተገንዚብና፡
ነዞም ዝስዕቡ ዕማማት ከነማልእ ተሰማሚዕና
4.3.2. ናይ ስደተኛታት ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባርን ንምሕጋዝ ዝተዋሃሃደ ናይ ጥብቅና ስርሓት ንምክያድ
መደብ ምውጻእ፣
4.3.3. ምስ ተመሳሳሊ ዓላማታት ዘለዎም ኤርትራዊያንን ዓለምለኻዊያን ማሕበራትን ርክባት ምግባርን
ናይ ሓባር ስርሓት ብምክያድ ንሓገዝ ዘድልዮም ኤርትራዊያን ስደተኛታት ምሕጋዝ፣
4.4. ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት
4.4.1. በቲ ኣብ ትሕቲ ዲክታተራዊ ስርዓት እንዳ ገደደ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ኤርትራውያን ምግሃስ ሰብኣዊ
መሰላት ስለዘተሓሳሰበና፣
4.4.2. ንምጥባቕን ክሲ ንምምስራትን ክሕግዝ ምእንቲ፡ ንምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት መጽናዕቲ
ንምክያድን ምስናድን ተሰማሚዕና፣
4.4.3. ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልክት ጥብቅናን ኣፍልጦን ንምዕባይ ምስ ሃገራውያንን ኣህጉራውያን
ማዕከናት ዜና ምትሕብባር ክግበር፣
4.4.4. ሃገራውያን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ማሕበራት ልፍንቲ ምምስራትን፡ ምስ ዓለምለኻውያን ናይ ሰብኣዊ
መሰላት ማሕበራት ሓቢሮም ከምዝሰርሑ ምግባርን፣
5. ጉዕዞ ናብ ዲሞክራሲ
ንሕና ተሳተፍቲ፣

5.1 መሰረታዊ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ዝሕግዝ ስትራተጂ ከምዘሊ ድሕሪ ምግንዛብ፣
5.2. ኣብተን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝቃለሳ ዘለዋ ሓይልታት ዘሎ ፍልልያትን ግርጭታትን
ዘለዎ ኣዕናዊ ተራ ድሕሪ ምርዳእ፣ መግለጺ ዓውደ-መጽናዕቲ ኤምዲሰመ 2014
Page
4
5.3. ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት መራኸቢ ድልድል ንክፍጠር ኣድላይነቱ ብምስማር፣
5.4 ኣብ መንጎ ናይ ለውጢ ሓይልታት ናይ ሓባር መረዳእታን ናይ ዓላማ ሓድነትን ምምዕባል ኣድላዪ
ክምዝኾነ ድሕሪ ምስትውዓል፡
5.5. ናይ ኤርትራውያን ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ሓባር ቃልሲ ኣድላዪ ምኻኑ ብምእማን፣
5.6. ናይ መሪሕነት ሃጓፍ ከይፍጠር ምእንቲ፡ ናይ ሃገር ረብሓ ዝሕሉ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኣምን
ሓያል መሪሕነት ምምስራት ዘለዎ ዓቢ ተራ ድሕሪ ምግንዛብ፣
ነዚ ዝስዕብ ወሳኔታት ኣሕሊፍና
5.7. ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዘለዎ መሪሕነት ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ሕብረተሰብና ክህሉ ከነተባብዕ፣
5.8. ኣብ መስርሕ ዲሞክራያዊ ለውጢ፡ ንሓድነት ኤርትራውያን ዘረጋግጽ ናጻን ሓላፍነታውን እሙንን
መራኸቢ ብዙሃን ምህናጽ ከምዘድሊ ብምጉላሕ፣
5.9. ኣብ መንጎ ናይ ዲሞክራስያዊያን ሓይልታት ዝህሉ ዘይምርድዳኣት ብሃናጺ መንገዲ ንምፍትሖም
ዘኽእል ናይ ግርጭታት መፍሒ ኣገባብ ኣድላይነት ብምርዳእ፣
5.10. ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልሲ ንኹሉ ዝሓቁፍ ትርጉም ዘለዎ ተሳትፎ ህዝቢ ንምርግጋጽ ምጽዓር፣
5.11. ኤርትራውያን ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ናይ ምቅዋም መሰሎም ምቕባል፣
5.12 ኣብ ኩሉ ጽፍሕታትንመስርሕ ናይ ፖለቲካዊ ለውጢ ብዝምልከት ትርጉም ዘለዎ ሓባራዊ ዘተ ኣብ
ኩሉ መዳያት ንኽካየድ ምስራሕን ምትብባዕን፡

5.13. መንግስታትን ጸለውቲ ውልቀሰባትን ብምጉስጓስ፡ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ወሽጢ ሃገር፡ ዞባውን
ዓለምለኻዊ ደረጃታት ምቅላዕን ምድንጋጽ ከምዝርከብ ምግባርን፣

6. ናይ መሰጋገሪ ፍትሕን ምህናጽ ሰላምን
ንሕና ተሳተፍቲ፡
6.1. ኣዕናዊ ተራ ናይቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን እንዳዓሞቐ ዝመጽእ ዘሎ ፍልልያትን ምምቕቓልን ዘሎና
ስክፍታ ብምግንዛብ፣
6.2. ጠንቅን ሳዕቤናትን ናይዚ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝረአ ዘሎ ፍልልያት፣ ብፍላይ ድማ ኣብ
ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዘለዎ ኣሉታዊ ጽልዋ ብዕምቖት ድሕሪ ምምርማር፣
ሰለዚ ንሕና ተሳተፍቲ፡
6.3. ኣቕዲሙን ድሕሪ ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ምምጽኡን ቅኑዕ ናይ ዕርቂ መስርሕ ክካየድ
ኣድላዪ ምኻኑ ኣስሚርናሉ፣ መግለጺ ዓውደ-መጽናዕቲ ኤምዲሰመ 2014
Page
5
6.4. ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ልዝብ ዝካየደሉ፣ ናይ ኤርትራውያን ማሕበረኮማት ሓድነት ናብ ንቡር
ዝመልስን ዘሐይልን “ኤርትራዊ መድረኽ ንልዝብ” ንክምስረት ምስራሕ፣
6.2. ናይ ዝሓለፉ በደላትን ዓመጻትን ብዘተን ብሰላምን ዕርቕን ንምፍታሕ ዘኽእል መንገዲ ንምፍጣር፡
ኣብ ናይ መጻኢ ቅዋም ኤርትራ ንሃገራዊ ዕርቅን ዘተን ዝምልከት ዓንቐጽ ክሰፍር ከምዘለዎ እማመ
ኣቅሪብና፣
6.4. ኣገዳስነትን ተራን ያታውያን ትካላትን ባህላዊ ኣገባብ ዕርቂን ብደረጃ ማሕበረኮም ንኣምን።
——————————————ተፈጸመ————————————————–
ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ
11 ግንቦት 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • solomon seyoum May 27, 2014

    All said are important… Many of the important resolutions and intentions are irrelevant- or will remain mere intentions and aspirations- without a sound and effective hizbawi political minkisikas in the major cities USA, Europe, etc.

    I wish these gentlemen- few of whom were the previous postmen of the dictator- will spend their efforts to create or strengthen the minkisikas in their respective cities…( I should emphasis that the minkisikas will eventually create the platform- which has been missing since 2002-, and will immensely contribute to a satisfactory politics in post-dictator Eritrea.

    Solomon in Belgium

  • tekle May 27, 2014

    ጽቡቅ መበገሲ ሓሳብ አዩ።ሰናይ ድሌትን ክፉት ኣእሙሮን እንተተሓዊስዎ ኸኣ ዝያዳ እናሃብተመ፣ ዘሎ ጸዓት ደምበ ተቃውሞ ጠርኒፉ ናብ ዓወት ክመርሓና ይኽእል አዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።
    ሓንቲ ካልእ ኣብቲ ንስደተጃታት ዝምልከት
    ህግደፍ ንመንእሰያት ካብ ሃገር ከምዝባረሩ እናገበረ ኣብ ሃገር እንዳማቶም ቅሱን ናብራ ምስጀመሩ ደድሕሪኦም እናኸደ ብምጥባር ብምሕባል ብምፍርራህ[ገለኦም እውን ብፍታዎም ኣንጻር እቲ ዝሃብዎ case ተገልቢጦም ምስ ኣምባሳደራት ህግደፍ ሕጊብጊብ ዝብሉ ኣሎዉ] ናይ ጣዕሳ ፎርም ክመልኡ ብኡ ኣቢሉ ምንጪ ኣታዊታቱ ክገብሮም ከይተሓለለ ይሰርሕ ከምዘሎ ንማንም ብሩህ አዩ። ስለዚ መጽናዕቲ ኤምዲሰመ ——
    1-ነተን ንመንእሰያትና መንበሪ ፍቃድ ዝሃባ ሃገራት ጽኑዕ ምክትታል ክገብራ መዘኻኸሪ ምሃብ ጽቡቅ አዩ።
    ወዲ ኣኽርያ

  • Semira May 30, 2014

    TALK IS CHEAP WE NEED ACTION.

    To all peace loving freedom fighters and all opposition leaders lets all join the straggle against the tyrant dictator and his blind followers. United we can represent the Eritrean people and we can stand against the mad dog tyrant dictator Isayas, his blind followers HIGDEF. United we can liberate our land and our people. 

    Let freedom ring in Senhit, Keren! 

    Let freedom ring in Akeleguzay, Adi keyih! 

    Let freedom ring in Denkel, Asseb! 

    Let freedom ring in Barka, akurdet! 

    Let freedom ring in Sahil Nakfa! 

    Let freedom ring in Seraye, Adi Ugri! 

    Let freedom ring in Hamassien, Asmera! 

    Let freedom ring in Semhar, Massawa!

    Eritrea will be free soon.
    
Our original Eritrean Liberation Flag, our martyrs flag, the flag of our forefathers, the flag that represent all our provinces and our nationalities will be allover Eritrea and allover the world and at the United Nations!

    The best solution to victory is to untie all our original provinces, our nine nationalities and raise our original National Liberation Flag.
    (Semayawit Banderana, the flag of our martyrs).

    We did it in our struggle for independence and we succeeded.

    We must do it again!
    Our victory is certain!

    • Kabire May 30, 2014

      semira,
      stop insulting Eritreans with an old colonial garbage.

      what would you tell to the old Bogos people in the current Zoba Anseba who happen to be Tigre and Blin, named after the rich river that crosses their fertile land?
      what would you call to the Asawrta-Saho people in Zoba Debub, who never saw themselves as part of Akeleguzay?
      what would you say to the people of Logochowa who are not part Hamassien nor Seraye?
      What would you say to the Kunama people who are not part of Barka but of the Setit-Sosuna rivers?
      The word “Denkel” is in fact an insult to an Afar. It is like calling them “nigger”. The majority ethnic person inhabiting the present South Red Sea region would prefer to be called an Afar region and their language Qafár af …

      Please stop this old colonial partition handed by the Italians and enforced by the Ethiopians.

  • yerhwo kidane May 30, 2014

    TSEBUKE TEBGSO EYU ZYADA .GYNE ETOM EKUBA MESERKBU MES HIGDEF ZEWEGN TAESA FORM MELU NABE ERTRA ZEATU ZEKEALE ZEKRBO CASE DAGME GYMET KYGEBRLU AB TELELWO NETYBE ENTZEATU.

  • weygud May 30, 2014

    First of all, please correct the mistake in in your resolutions clause number 5.13.
    Secodly, you need to weed infiltrators out from your organization.
    Thirdly, focus your efforts on the rescue of the nation and its people. Please donot put the horse before the cart.
    Fourthly, plse donot sound like law makers for there are professionals in that field. You sound hypocrites when you give more emphasis on the aftermath situations.

    • henok May 30, 2014

      Thank you. Zereban tntenan koinuom beka eekub nay ansti koinu ko

  • Sara June 1, 2014

    In principle what you said is true and that is the our common dream but the issue is now how you could make this dream true. ALl oppoisition including the dictatorial regime is saying the same but in practice all of them are sum of zero. you need to encourage to strenght demo.archive.assenna.com or other media to raise the awarness of Eritreans to work together. Set up strong challenging people in Ethiopia refugee camps, these could be a big threat for the regime. Eritrean politics is like part time or some thing you need it to sep

  • Sara June 1, 2014

    something that you need to spend your time. We need to work full time on it. change always comes from inside the country with the support of its people or small groups……..Our capacity from outside it is highly limited. Media is very important to work on this.

Post a Reply to tekle Cancel Reply