Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግለጺ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን

መግለጺ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን እዚ፥ ስምረት ገዳማት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን ዝኣወጅዎ ውግዘት ምኽንያት ብምግባር ዝወጽአ ዘሎ መግለጺ ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕ እዩ። ቅዱስ እንጦንዮስ ርእሰ

መግለጺ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን

እዚ፥ ስምረት ገዳማት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን ዝኣወጅዎ ውግዘት ምኽንያት ብምግባር ዝወጽአ ዘሎ መግለጺ ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕ እዩ።

ቅዱስ እንጦንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፥ ብ13 ጥሪ. 2006፥ “ሕጊ እንተ ረገጽካዮ ተመሊሱ እዩ ዝረግጸካ” ዝበልዎ ረዚን ትንቢታዊ ቃል ብግብሪ ክፍጸም ንርእዮ ስለዘሎና ንኣምላኽ ነመስግን።

ኣህጉረ ስብከታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብተደጋጋሚ ክገልጾ ከምዝጸንሐ፥ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን፥ ንኹነታት ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምምዝማዝ፥ “ዋና ኣማሓዳሪ፥ ፈጻሚ ኩሉ ጉዳያት” ዝብል ስም ተጠቒሞም፥ ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ጅሆ ሒዞማ ጸኒሖም እዮም። ካብዚ ዝነቐለ፥ ንልዕሊ ዓሰርተ (10) ዓመታት፥ ኣብ ልዕሊ ቤተክርስቲያንን ኣገልገልታን ዘውረድዎ ሃስያ፥ ኣብ ውሽጢ ምእመናን ዘስረጽዎ ምፍልላይ፥ ዘውረድዎ ግፍዒ፥ ዕንወት፥ ውግዘትን ምፍልላይን ብዓቕሚ ናይዚ ጽሑፍ’ዚ ክዝርዘር ዝከኣል ኣይኮነን።

እዞም ክልተ ውልቀ-ሰባት፥ ካብ ሓላፍነት ቤተ ክርስቲያንን ካብቲ ደረት ኣልቦ-ስልጣኖምን ተኣልዮም ኣለዉ። እዚ፥ ጽቡቕን ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚትን እዩ። ቤተ ክርስቲያን ክትድበስ፥ ምስ ኣሓት ኣብያተክርስቲያናት ኮነ ምስ ኣድማሳዊ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያናት ብኽብሪ ክትስራዕ፥ ሓቢርና ንኣምላኽ ከነምስግን እንተኾይኑ ግና፥ እቲ ቀኖናዊ ግህሰት ምስ ዝዕረን ካብ መንግስታዊ ተጽዕኖ ናጻ ምስ እትኸውንን ጥራይ እዩ። እዚ ዝኸውን ድማ፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፓትርያርክ እንጦንዮስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጳጳሳት ዘንበርዎ ውግዘት ንኸልዕልዎ ዕድል ክወሃቦም ይግባእ።

በዚ መሠረት፥ ኣህጉረ ስብከታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ነቲ ገዳማውያን ኣቦታት ዝወሰድዎ ስጉምቲ ብኣድናቖት እናኣመጎሰ፥ እዚ ዝስዕብ ለበዋታትን ጻውዒትን ብኣኽብሮት የቕርብ፣

  1. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ እንጦንዮስ ካብ ዘለዉዎ ማሕዩር ብህጹጽ ነጻ ውጺኦም ናብ ሕጋውን መንፈሳዊን መንበሮም ይመለሱ።
  2. እቶም ብሰንኪ እምነቶም ዝተኣስሩ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያንን ምእመናንን ይፈትሑ።
  3. ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ መንግስታዊ ተጽዕኖ ናጻ ኮይና ብቀኖናዊ ፓትርያርክ ዝምራሕ ቅዱስ ሲኖዶስ ትመሓደር።
  4. ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ሰንሰለታ ሓልያ ብሓደ መጓሰ ክትምራሕ፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ መንበሮም ተመሊሶም ውግዘታዊ-ፍትሓት ክህቡን ወግዓዊ-ዕርቂ ክግበርን።
  5. ስምረት ገዳማውያን ኣቦታት ዝጀመርክሞ ዝነኣድ ስጉምትን መንፈሳዊ ትብዓትን ክትቅጽልዎ፥ ስለ ሓቂ፥ ፍትሕን ርትዕን ድማ ወትሩ ብጸሎት ክትነቕሑ ንምሕጸን።
  6. ጳጳሳትን ገዳማውያን ኣቦታት ብኦርቶዶክሳዊ ሓድነት ተጠርኒፍኩም ንዝጸንሐ ከቢድ ውግዘትን ምፍልላያትን ብምሕረትን ዕርቅን ንኽውዳእ ክትጽዕሩ ንላቦ።

7.ምእመናን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ “ዓገብ” ብዘይምባልና ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ግህሰት፡ ስደትን ሞትን ተረዲእና “ኣቦና ይፈትሑ” ኢልና ኣብ ቅድሚኣምላኽን ሰብን ክንቀርብ ይግባእ።

 

ልዑል ኣምላኽ መዓልቲ ሓቂ፥ ዕርቅን ሰላምን ይሃበና። ዕድመን ጥዕናን ንቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ሂቡ፥ ንቤተ ክርስቲያንናን ሃገርናን ድማ ሰላምን ምሕረትን የውርደልና። ኣሜን።

መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን

16 ጥቅምቲ 2014 (፮ ጥቅምቲ ፳፻፯ ዓ.ም ግእዝ)

 

ደብዳበ ካብ ቅዱስ አቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ናብ ኩሎም ምእመናን 13 ጥሪ 2006

ዕለት: 13 ጥሪ 2006

ናብ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳትን፡ ጳጳሳትን፡ ኤጲስ ቆጶሳትን ኣባላት ሲኖዶስ።

ኣቐዲመ መንፈሳዊ ሰላምታይ ይብጻሕኩም እብል።

ኣስዒበ ድማ፡ ብዕለት 05/05/1998 ዓ.ም.ግ (13/01/2006 ዓ.ፈ) ብቁ 04/225/4428 ዝጸሓፍኩሙለይ ካብ ፓትርያርክ መዓርግ ኣውሪድናካ ዝብል ካብ ቀኖና ቤተ ክርስትያን ካብ ዲድስቅልያ፡ ካብ ፍትሓነገሥት፡ ካብ ቀሌመንጦስ ወጻኢ፡ ዘይሕጋዊ ውሳኔኹም፡ በጺሑኒ። ስለዚ እቲ ካብ መዓርግ ምውራድ፡ ብሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኮነ ብፍትሓ ነገሥት ፓትርያርክ፡

ሀ. ብዝሙት፡

ለ. ብእምነት ምጉዳል፡

ሐ. ብስንክልና ማለት ክሰርሕ ዘይክእል እንተ ኾነ ጥራይ እዩ ክወርድ ዝኽእል እምበር፡ በቲ ዝጠቐስክምዎ ኣንኳይ ካብ መዓርግ ከውርደኒ፡ ዘየሕትተኒ’ውን እዩ። እዚ’ውን ተሰዊርኩም ኣይኮነን ልዕሊ ሕጊክትነብሩ ስለ ዝደለኹም ጥራይ እዩ። ማንም ድማ ልዕሊ ሕጊ ክነብር ዝኽእል የለን። ከመይ ሕጊ እንተ ረገጽካዮ መሊሱ እዩ ዝረግጸካ። ብምጉዳል እምነት እንተ ኾነውን፡ እምነተይ ተሓቲተ መልሲ ከይሃብኩብገበን ካልእ ከኣ እዚ ኣለካ ከይተበሃልኩ፡ ኣብዚውን ዝግብኣኒ መልሲ ከይሃብኩ፡ ከይተሓተትኩ፡ ባዕልኻትም ከሰስቲ፡ ባዕልኻትም ፈረድቲ፡ ኮንኩም ስለ ዝፈጸምክምዎ፡ ሕጊ ቤተ ክርስቲያንን ቀኖና ቤተክርስቲያንን ክፋረደኩም ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ፍርድኹም ዘይሕጋውን ኣብ ማንም ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም ተራእዩ ተሰሚዑን ዘይፈልጥ’ውን እዩ። እዚ ወሲንክምዎ ዘሎኹም መሠረተ ኣልቦ ክሲ፡ ንሱ ዘይኮነኣብ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ምሕላፍ ዘብጻሓኩም ድፍረት ግን ኣነ ኣቐዲመ ንቤተ ክርስቲያን ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ምእመን ክመርሓ ወይ ከመሓድራ ብሕጊ ቤተ ክርስቲያንና ፍጹም ክልኩል እዩ ጥራይ ስለዝበልኩ እዩ እቲ ሓቀኛ ምሥጢር።

ስለዚ ክስኹም ኣብ ጉባኤ ገዳማትን ኣድባራትን ሊቃውንትን ኤርትራን ቀሪቡ ኣነውን ብኣካል ቀሪበ መልሲ ከይሃብኩሉ እሞ ውሳኔ ጉባኤ ኣብ ሕዝቢ ከይተሰምዐ፡ ከምቲ ሕጊ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ሕጊፍትሓ ነገስትን ከምቲ ምስ ግብጻዊት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዘሎና 17 ዓንቀጻት ብምጥሓስን፡ ናይ ሓንቲ ሃገር ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ክኽሰስ ከሎ፡ ናይታ ሓንቲ ፓትርያርክ ኣብ ጉባኤ ተረኺቡ፡ነቲ ክሲ ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ምዃኑ ውሳኔ ከይሃበሉ፡ ፓትርያርክ ካብ መዓርጉ ከም ዘይወርድ፡ ኣብ ኩለን ጸኒሑ ዘሎ እዩ። ነዚ’ኸ ኣበይ ጎሲኹሞ ሓሊፍኩም ኣለኹም? በዚ መሠረት ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰቀሪቡ ክረኣየለይ ይግባይ ናብ፡

ሀ. ጉባኤ ገዳማትን ኣድባራትን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ።

ለ. ኣብታ ብሓዋርያዊ እምነት ሰንሰለት ኣደ ዝኾነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ይግባይ ኢለ ኣሎኹ። እዚ ኩሉ ነቲ ድፍኢት ናይ ኣቶ ዮፍታሄ ከዊልኩም፡ በደል እዩ ዝበልክምዎ፡ በዞምዝጠቐስኩዎም ሕጋጋት ተራእዩ ክሳብ ዘይተመለሰ፡

ሀ. ፓትርያርክ፡

ለ. ጳጳስ፡ ኤጲስ ቆጶስ፡ ካህን ዲያቆን፡ ከይትሾሙ፡ ብሥልጣን ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን አወግዝ ኣለኹ። ብፁእ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ በዚ ሕጊዚ ተመሥሪትኩም ክትእደቡ አፍልጠኩም። ነዚ ኩሉ ኣብ ቤተክርስቲያንና ሕንፍሽፍሽ ዝፈጥር ዘሎ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ስለ ዝኾነ፡ በዚ ዘለዎ ሥልጣን ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ከይሰርሕ ውጉዝ ይኹን ኢለ ኣሎኹ።

ከምኡውን ቀሺ ሃብቶም ርእሶም ምክትል ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣብ ልዕሊ ሥልጣን ፓትርያርክ እትጽሕፎ ዘለኻ ዘይሕጋውን ድፍረት ዝመልኦ ዘይሕጋውያን ቃላት፡ ካብ ዕለት 8/05/1998 ግእዝ ብዲቁና ይኹንብክህነት ከምኡውን ብካልእ ኣገልግሎት ከይተገልግል ኣውጊዘካ ኣሎኹ። እዚ ዝሰደልኩም ዘለኹ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዝበጽሓኩም ግዜ ናብ ሕዝቢ ከተንብብዎ ብህያው ኣምላኽ አማሕጽነኩም ኣለኹ።

እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያንና ሰላም ይሃባ። ንኤርትራ ሃገርና ይባርኽ።

ቅዳሕ:-

  1. ንክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኤርትራ።
  2. ንገዳማት ኤርትራ
  3. ንጉባኤ ሊቃውንቲ ቤት ጽሕፈት ሳንሱር
  4. ክፍሊ መንፈሳዊ ፍርድ ቤት መንበረ ፓትርያርክ
  5. ክፍሊ ምም/ዓ/ሰ/ምም/መ/ፓትርያርክ
  6. ክ/መ/ትምህርቲ
  7. መዝ/ቤት መ/ፓትርያርክ
  8. ክ/ሕጊ ቤት/ጽሕፈት ምም መ/ፓትርያርክ
  9. ምቁጽጻር መካይን ምምሕዳር መ/ፓትርያርክ
  10. ንኣድባራት ኣሥመራ፡
  11. ኣሥመራ ሃገረ ስብከት፡
  12. ንኩለን ሃገረ ስብከታት
  13. ንኩለን ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት፡
  14. ንደብረ መዊእ ኣቡነ ኣርጋዊ ማይ ተመናይ። ኣሥመራ።

ብፁእ ወቅዱስ ቀዳማዊ እንጦንዮስ፡ 3ይ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሃገረ ኤርትራ

His Holiness Antonyos I

Third Patriarch of Eritrea

ማሕተምን ክታምን

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • taffla October 18, 2014

    Is this reAl? If it is thank u for siding with ur people, it is about time.

  • ሃገር ባሕሪ October 18, 2014

    ዎ ህዝቢ ኤርትራ መሰረት ሓቀኛ ለውጢ ተነጺፉ እኖሆ። እንቋዕ ነዚ ክንሰንዕ ኣብቃዓና።

    ብኣትክሮን ብትኽልኰረትን፡ ብሕብረትን ብፍትሕን ቃልስና ንቀጽል።

    ስደት ቀብቅዕ፡ እሱራት ክፍትሑ፡ ፍትሓውን ቅዋማውን ኣሳታፍን ስርዓት ክንተክል ሓሳብናን ስራሕናን እምነትናን ይኹን።

  • Haile October 18, 2014

    Ewe eti haki Ezi eyu eti haki kea “Goitanan Medhaninan Eyesus Kirstos” eyu. Eta mengedi kea “tsebab” eya etom biaa ziatwu kea wuhudat eyom . Betri haki tiketin ember iyitisiberin .

  • Father mussie Shishay October 18, 2014

    Thank you for posting the reallity.Asena.com
    dear Great Brother Amanuel Eiasu God Bless you.

  • Kidane f, October 18, 2014

    very good information, issais is behind this plot. God will show as soon something. we are nearly there

  • miri October 18, 2014

    what happend? is he free? please, please translate.

  • sussun October 18, 2014

    God help you father ABUNE ANTONIOS.

  • Selamawi October 18, 2014

    It seems the Church has started to cleanse itself and take its leadership role amongst its faithful and in the wider Eritrean society. Truth must be told, and perhaps sacrifices made in the interest of truth and in the interest of posterity.

    These letters must herald the beginning of the end of the pfdj’s anti religion, anti-God, anti social behavior and palpable disregard to rule of civic and holy laws.

    All Christians, all Muslims, all Eritreans should unite if they want to pass what they hold dear to posterity.

    Abune Antonios + Abune Merkorios + Hawka Abey Alo? (Catholic Bishops) + Union of Eritrean great Monasteries + all those arrested for their faith – Ato yoftahie and Keshi Habtom = a better future for Eritrea.

  • merhawi October 18, 2014

    Dear believers of the Almighty God,
    I think we are starting to look a small light of a “STAR” in a complete darkness.Please let us jointly obey what the Lord said to us
    ASK, SEEK, KNOCK.because he said the door will be opened to those who knock.Let us knock his door asking him for the down fall of the “Dctatorial regime.

  • harestay October 18, 2014

    Amen Amen Amen

POST A COMMENT