Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መገረም ኔት!

መገረም ኔት! ኣንቱም ሰባት! እዛ መገረም ኔት (መስከረም ኔት) ዝብሉዋ መርበብ ሓበሬታ’ኮ ካብቲ ኣብታ ብመስዋእቲ ኣቦታትና፣ ኣደታትና፣ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ዝተረኸበት ተባሃጊት ሃገርና፡ ብኣፍና ዓቢሱ ዝድህኸና ዘሎ ጉጅለ ሕሰም ንላዕሊ ከፊኣትና። ሎምስ ከኣ ነቶም እልበት (ሓሳረ መከራ)

መገረም ኔት!
ኣንቱም ሰባት! እዛ መገረም ኔት (መስከረም ኔት) ዝብሉዋ መርበብ ሓበሬታ’ኮ ካብቲ ኣብታ ብመስዋእቲ ኣቦታትና፣ ኣደታትና፣ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ዝተረኸበት ተባሃጊት ሃገርና፡ ብኣፍና ዓቢሱ ዝድህኸና ዘሎ ጉጅለ ሕሰም ንላዕሊ ከፊኣትና። ሎምስ ከኣ ነቶም እልበት (ሓሳረ መከራ) ህዝቢ ክጻወሩዎ ዘይከኣሉ፡ ንኣይ ይጥዓመኒ ከይበሉ፡ ዝውንኑዎ ክብርን ሃብትን ንህዝብን ሃገርን ወፊዮም፡ ኣብ ሃገሮም ሓንሳብን ንሓዋሩን ህዝባዊ መንግስቲ፡ ንዜጋታቱ ከም እንስሳ ዘይኮነ ከም ሰብ ዝርኢ፡ ከቢሩ ዘኽብር መንግስቲ ንምትካል፡ ንጉጅለ ሕሰምን ንሱ ዘምጽኦ ጸይቂ ተግባራትን ክጸርጉ ንዝወሰኑ ተባዓት ዜጋታት ንምድኻም፡ ንገሊኦም ዘይስሞም ሂባ ብምጽላም፡ ንገሊኦም ድማ ብልመና ብምጽዳቕ፡ ዕድመ ስልጣን መላኺ ንምንዋሕ ዝከኣላ ትገብር ዘላ መርበብ ሓበ… እንታይ ኢና ክንብላ!? መርበብ ሓበሬታ ሽርሒ መገረም ኔት እንታይ እዩ ጸገማ!?
መን ኣሎ ሎሚ ህዝቢ ከስምዕ ይኽእል’ዩ ዝተባህለ ደላይ ፍትሕን ሓርነትን ብመርበብ ሓበሬታ መገረም ኔት ዘይተወንጀለ!? እቲ ነታ ጥፍኣት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምድሓን ንዝተፈላለዩ ደቂ ሃገር ብምርካብ፡ ውርጹጽ ሓበሬታን ጽፉፍን ስሩዕን መደባት ብምስራዕን ካብ ኩለን መራኸቢ ብዙሃን ሃገርና ብቐረባ፡ ሁሉው ኩነታት ሃገርና እትሕብር ራድዮ ወጋሕታ ኮነ መርበብ ሓበሬታ ሳሊና ናይ ምባእ ባህሪኣስ ደሓን ለሚድናዮ ኢና። እቲ ሎሚ ንኽዛረብ ዝቐሰበኒ ኣውራ ምኽንያት ግን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ነቲ እንኮ ክብሃል ዝከኣል፡ ጸሊምን ቀይሕን፣ ወድን ጓልን፣ መሃይምን ምሁርን፣ ኣውራጃን ዓድን፣ ዓሌትን ኣስልን (ትውልድን)፣ ሃይማኖትን ቀቢላን ከይፈለየ፡ ንኹሉ ንፍትሒን መሰልን ኤርትራውያን ዝቃለስ ዜጋ፡ ብሓባር ዘአንግድ ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ ዘጥቅዕ ጽሑፍ ምውጽኣን ሎሚውን ንገዲም ተጋዳላይ ሓርበኛ ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) መሲሕ (ቅቡእ) ኢላ ብምልጋጽ፣ ንኮኾብ ድምጻዊ ዮውሃንስ ትኳቦ እውን ኣብ ጎድኒ ህዝቡ ተሰሊፉ፡ ንፍትሕን ሓርነትን እጃሙ ንኸየበርክት ናይ ምምጽዳቕ ልመና ብምቕራባን’ዩ።
መገረም ኔት እንታይ እዩ ጸገማ? ወይስ ንዝኾነ ኣኻዕቢቱ ዝኸፈላ ወገን እትግዛእ ከዳሚት ስለ ዝኾነት’ዩ እዚ ኹሉ ለኻዕካዕ!? ኣንፈታ’ኮ ምሓዝን ምጭባጥን ስኢንናዮ! ሓንሳብ ኣዮባሊት (ወዳኢት ነገር) ደለይቲ ፍትሒ፣ እንሓንሳብ ፓፓጋሎ ህግደፍ፡ ሓንሳብውን መቓልሕ ተቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ እናኾነት ሕብራ ትቐያይር ነፋሒቶ ትኾነልና ዘላ!? ሎሚ’ኮ መን’ዩ ንሃገርን ህዝብን ዝሓሊ፡ መንዩ ንውልቃዊ ረብሓኡ ዝሰርሕ ንምንጻር ዘሸግር ነገር የብሉን። ምኽንያቱ፡ እቲ ብሓቂ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዝሰርሕ ወገን ይኹን ውልቀ ሰብ፡ ካብቲ ዋና ነገሩ ተኣልዩ፡ ኣብ ካልእ ጓል መገዲ ኣትዩ፡ ‘እከለ’ኮ ናይ እከለ ኣገልጋሊ’ዩ፣ እከሊት’ኮ ናይ ኩስቶ ዕስብቲ’ያ ወዘተ.’ እናበለ ኣጀንዳ ውልቀ ምልኪ ኤርትራ ኣየሰላስልን’ዩ። ካብ ምድሪድዩ መጺኡ ካብ ሰማይ፣ ካብ ፈታዊ ድዩ መጺኡ ካብ ጸላኢ ብዘየገድስ፡ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጉጅለ ሕሰም ንምእላይ ዝሕግዝ ክሳብ ዝኾነ፡ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ መርሓባ ኢልና ኢና ክንቅበሎ ዘለና። ምኽንያቱ፡ ልዕሊ’ዚ ጉጅለ’ዚ ንኤርትራን ህዝባን ጸላኢ ከምዘይብሎም ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ሎሚ ተገንዚቡዎ’ዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ድማ’ዩ ኤርትራዊ ናብታ ‘ደመኛኹም’ያ’ ትብሃለና ሃገረ ኢትዮጵያን ናብቲ ‘ጸላኢኹም’ዩ’ ዝብሃለና መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ሓዊን ዓረረን መላኺ ከይዓጀቦ፡ ከም ምነት (ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይ) ብቐጻሊ ዝዛሪ ዘሎ።
ሓንቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ካብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ምስ ኣርባዕተ ደቃ፡ ናብ ኣመሪካ፡ ናብ ሰብኣያ ዝኣተወት ዘመደይ ዝሓተተትኒ ሕቶ፡ ኣነውን ነቶም ‘ጸላእትና ኣመሪካን ወያነን’ዮም’ ብምባል፡ ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ምልኪ ስልንስል (ክልተ ልቢ፡ ተወላወልቲ) ኴንኩም ዘለኹም ውሑዳት ዜጋታትና ክሓተኩም። ኣብቲ ብጉዳይ ሃገርናን ኣደራዕ ህዝብናን ኣልዒልና እነዕልለሉ ዝነበርና ህሞት’የ፡ ‘ኣንቲ ሸዊት ሓብተይ፡ እዚ ኹሉ ወሪዶና ዘሎ ሕሰምን መከራን’ኮ ብሰንኪ ኣመሪካን ወያነን’ዩ መጺኡ። ንሳቶም’ዮም ዘጥፍኡናን ዘድክዩናን ዘለዉ!’ ብምባል ከደዓዕሳ ፈቲነ። ከምዚ ክትብል ድማ ብምግራም ሓቲታትኒ። ‘ኣንታ ተስፊት ሓወይ፡ እንታይ ዘረባኡ ኢኻ ተስማዓኒ ዘለኻ!? እስከ ናተይ ናይ ሓብትኻ ኩነታት፡ ኣብነት ውሰድ። ኣነሲ ብዓል ቤተይ ኣብ ኣመሪካ ንበይኑ ኮፍ ኢሉ ብሸቐልቀል ንኣና ክጽበ፡ ኣነውን ምስ ኣርባዕተ ደቅና ኣብ ኣስመራ ኮፍ ኢለ ኣእዳዉ ከቋምት ሓሙሽተ ዓመትና ሓሊፉ፤
ሰብኣየይ ክልተ ግዜ ናይ ዕድመ ወረቐት ሰዲዱለይ፡ ክልቲኡ ግን ብሰንኪ ህግደፍ ብዘይፍረ ሓሪሩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ከፊለ ምስ ደቀይ ብማኪና ናብ ትግራይ ሰጊረ። እዚውን ንሳቶም እቶም ብሕጋዊ መገዲ ንኽኸይድ ዝኸልከሉኒ ህግደፍ’ዮም ተሓባቢሮሙኒ። እቲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝብሃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኸኣ ብኽብሪ ተቐቢሉ፡ ኣብ ኢመግረሽን ወረቓቕተይ ብዘይጸገም ኣሳሊጡ፡ ናይ ስደተኛታት ፓስፖርት ምስ ሃበኒ፡ ካብኡ እታ ዓባይ ጸላኢት ህዝቢ ኤርትራ እትብሃል ኣመሪካ፡ ሓሙሻይ ርእሰይ ሳንቲም ከይከፈልኩ፡ ብነፋሪታ ሰለለል ኣቢላ ምስ ሰብኣየይ ብሰላም ኣራኺባትኒ፤
ምርኻባ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዓዲ ራህዋን ሰላምን፡ ኣብ ንጹፍ ዓራት ተቐቢላ፡ ወለድኻ ከማን ዘይገብሩልካ ነገር እናገበረት ብኾፈይ ትቕልበኒ ኣላ። ሕጂ ኣነስ እዞም ጸላእትኹም እዮም ዝተባህሉና መንግስታት እዚኣቶምሲ፡ እቲ መንግስትና እንብሎ ኣብ ሃገርና ዘሎ መንግስቲ ዘይገበረለይ ጽቡቕ ግብሪ ጌሮም፡ ብሰላም ሓዳረይን ህይወተይን ክመርሕ ኣኻኢሎሙንስ ከመይ ጌረ’የ ጸላእተይ ክብሎም!? እስከ ንገረኒ!’ ምስ በለትኒ ብምግራም። ኣነውን ብወገነይ፡ ሕፍረት ስለ ዝተሰማዓኒ ነቲ ህግደፋውያን ዝደጋግሙልና መታለሊ ቃል ማለት ‘እወ ሓልዮምልኪ እኮ ኣይኮኑን ጽቡቕ ጌረሙልኪ፡ ዘይመታን ክበታትኑና ደልዮም እዮም!’ ክብላ ኣይደፈርኩን። እንታይ ንምባል’የ እዚ ኣብነት’ዚ ኣምጺአዮ፡ እንተ ደኣ ብሓቂ ንሃገርን ህዝብን ንሓሊ ኴንና፡ መን ንጥፍኣትናን ብርሰትናን ይሰርሕ ከም ዘሎ፡ ብምስትውዓል ክንግንዘቦ ከም ዘሎና፡ ነቶም ብጉጅለ ሓንዘር (ቅንፍዝ) ዝጠራጠሩ ሰባት ከዘኻክር ስለ ዝደለኹ’የ።
ክቡራትን ክቡራንን ኣሕዋት፡ በሉ ናብዛ መበገሲት ጽሑፈይ ዝኾነት መርበብ ዕግርግር፡ መገረም ኔት ክመልሰኩም፥ ኣብ መወዳእታ ንመርበብ ዕግርግር መገረም ኔት በዛ እትስዕብ ናዕታ ኣቢለ ስለ ህዝብን ሃገርን ኣደብ ግበሪ! ወይ ድማ መንነትኪ ኣነጽሪ፡ ኣገልጋሊት ውልቀ መላኺ ዲኺ ኣገልጋሊት ወያነ ኣፍልጥና’ሞ ከም መርበብ ሓበሬታ ሻባይትን ዓይጋን ሸለል ክንብለኪ ክብላ ፍቐዱለይ?
መገረም ኔት!
ኣንቲ መገረም ኔት እንታይ እዩ እቲ ጉድኪ
ቁውም ነገር ከናዲ ገንጺለ ማህደርኪ
ሓሶትን ሸፈጥን ይሽትት ልባስኪ
ዘለፋን ጥቀናን ይንበብ ድርሳንኪ
ፈጣን ኣመንዝራ ኣገልጋሊት ምልኪ
መሬት እናወገሐ ኣብ ጸላም ምጉዓዝኪ
ኣዕጽምቲ ሃንዛ ኢለ ኣነ ሓፊረልኪ!
ኣንቲ መገረም ኔት ክንደይ ተደንግጺ
ኣብ ባሕሪ ኣንሳፊፍኪ ማዕበል ትናወጺ
ካብ ቃላይ ወጺእኪ መሬት ዘይትረግጺ
ፍትሕን ሓርነትን ራህዋ ከይትመርጺ
ብህዝብን ሃገርን ወትሩ ተላግጺ
ግዜኺ ኣጥፊእክዮ ሓቂ ክትጉዕጽጺ!
ፓፓጋሎ ህግደፍ ብዓል ኣለናልኪ
መርገጺአን ፍሉጥ ኣገልገልቲ ምልኪ
ናታተን ይሓይሽ ካብዚ ጸይቂ ናትኪ
ለኽበጥበጥ ክትብሊ መሬት ዓሪቡኪ!!
ኣንቲ ዘይትሓፍር *ፋይቶት መገረም ኔት  *ኣመንዝራ
እንታይ ኣእትዩኪ ኣብዚ ኹሉ ሕስረት
ሃብቲ ናይዛ ዓለም ሓላፊ እንድዩ ንብረት
ሓቂ ተዓጢቕኪ ከይትረኽቢ ክብረት
ዕስበት ብምምራጽኪ ናይ መላኺ ሽቕለት
ተጎልቢብኪ ኣለኺ ሎሚ ባ ሕፍረት!
ደርሆ ከይነቀወ ከምዛ ዘይፈለምኪ
ጉዕዞ ናይ ሓርነት ኮምፓስ ጠፊኡኪ
ንፋስ ክመርሓኪ ኣብ ህዋ ኣንሳፊፍኪ
ክርዳድ እተፍሪ ጎድፍ ብምዃንኪ
ስጋኺ መገረም ልበይ ሓዚኑልኪ!
ሓንሳብ ደብረዘይቲ ሓንሳብ ኣብ ቦሎኛ
መንእሰይ ዘትዩ ከይከውን ሓርበኛ
ፍትሒ ከይፍጠር ፈራድ ሓቂ ዳኛ
ክፋእ ንምፍጻም ሸርሒ ዓመጸኛ
ሓድነት ንምዝራግ ትኾኒ መንጎኛ!
ንፍቕሪ ክልተ ኣሕዋት ኣብ ክንዲ ትሰርሒ
ህዝቢ እናጠፍአ ንስኺ ክትረብሒ
ሃልሃልታ ቅርሕንቲ ሓዊ ተጋውሒ
ጽባሕ ኣብዛ ሃገር ምስ ነገሰ ፍትሒ
ጸሓይ ምስ በረቐት ተኪኣ ንወርሒ
ፍርዲ ናይ ህዝቢ’ሎ ዘይምሕር ገናሒ
መሬት ከይቀደደ ሕጂ ተናስሒ!
ዕብየትን ብልጽግናን ነተን ከይተሓለላ ንህዝብና ሓቀኛ ሓበሬታ ብምስናቕ፡ ኣንጻር’ዚ ብስም ስውኣትን ሃገርን እናሸቀጠ፡ ዕድመ ስልጣኑ ዘናውሕ ዘሎ ጉጅለ ሕሰም ንኽቃለስ፡ ሓያል ጻዕሪ ዝገብራ ዘለዋ ኩለን ደለይቲ ፍትሕን ሓርነትን ማዕከናት ዜና ኤርትራውያን ይኹን እብል።
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 01-12-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
36 COMMENTS
  • Michael Tedla December 1, 2013

    meskerem is a sold out errisponsible.meadia i should not call it meadia i should call it puppit.long live eritrean because land without people doesnt have a value the value less meskerem time will tell. to all the apposition eritreans dont warry about tellamatn kedatn gizyeom is near .

  • ERITRAWIT December 1, 2013

    Meskerem.com = Hasawit, Metakosit.com

  • asmerawe December 1, 2013

    Asmerawe
    who is the best meskerem.com or asena.com (hasawet.com)

  • Asghedom Woldeghiorghis December 1, 2013

    Eritrean websites zre all HASETI COM poor etitresn and ethiopia.
    they are always fighting each othr by HASW3TI ,VOMS.

  • MightyEmbasoyra December 1, 2013

    I am not sure how this scumbag meskerem owner can sleep at night. He is more responsible than any of those criminal generals still serving that semi-dead isayas. This guy is driving at full speed to disintegrate Eritrea. If you have paid attention, he deliberately bringing up subjects that divide us. Purposely. This guy is worse than worst individuals. He is negatively shrewd and at the same time down right criminal. Get him.

    • Suleiman Salim December 3, 2013

      Semi-dead?

  • Truly Truly i say to you December 1, 2013

    ብመሰረቱ ብኹሉ ሽነኻት ንዘሎ ኣገዳሲ ፖሎቲካዊ ምንቅስቃሳት ዓለማዊ፣ ዞባዊ፣ ዘቤታዊ ይኹን፣ ኣብናይ ኩሎም ተቃወምቲ መርበባት ንዝወጽእ ኣበይቲ ነገራት ፣ ከም መርበብ ሃበሬታ መጠን ሕዝቢ ንክፈልጥ (መሽረፈት )መስደምም ትገብሮ ዘላ ኣገልግሎት ንኸሉ ከምሃጥያት ገርካ ምቕራቡ፥ ግደ ሃቂ ንምዝራብ ቅኑኡን ለባምነትን ኮይኑ ኣይስምኣንን። ባንጻሩ´ኳ ድኣ ነቶም ንኹሉ መርበባት ንምርኣይ ግዜ ንዘየብሎም ዝበዝሁ ዜጋታት፥መስከረም ብፍሉይነት በቲ ትገብሮ ዘላ ሃገዝ ይጥቀሙ ስለዘለዉ በዚ ሸነኽ ክትምስገን ይግብኣ ምበልኩ።
    እቲ ኣዝዩ ዘህዝነና ዘሎ ግና ነቲ 2% እዃ ጽቡቕ ግብሪ ንዘይርከቦ ሥርዓት ኢሳያስ ከም ንቡር ሕጋዊ ዲሞክራሲያዊ ሥርዓት ገርካ ብሙቕጻር ገለ ገለ ግዜ´ከኣ ብለበዋን ብምዕዶን ክሳብ ናይተቃዋሚ መርበብ ድዩ ናይ ኢሳያስ ደጋፋይ፣ ኣንፈቱ ንክትፈጦ ክሳብ ትጽገም፣ መስከርም ንዝረኸብዎ ዝብላእን ዘይብላእን ሓበሬታታት፤ ብፍላጥ ድዩ ብደይፍላጥ ከይመመዩ ገፋፊጦም ንክቃላህ ምግባሩም ናይ ብሃቂ ዘህዝንን ኣብ ግምት ዘእትዎም ጥራይ ደይኮነ፣ ፍፁም ልቦናን ሃላፊነትን ዝጎደሎ ኢ-ሃገራዊ ተግባራት ምዃኑ እዩ ዝርድኣና
    ካብ ኩሉ እቲ ኣዝዩ ዘህንክ ተግባራቱም ግና ሓዉና መሲናስ ከምቲ ዝገለጾ
    “ነቲ እንኮ ክብሃል ዝከኣል፡ ጸሊምን ቀይሕን፣ ወድን ጓልን፣ መሃይምን ምሁርን፣ ኣውራጃን ዓድን፣ ዓሌትን ኣስልን (ትውልድን)፣ ሃይማኖትን ቀቢላን ከይፈለየ፡ ንኹሉ ንፍትሒን መሰልን ኤርትራውያን ዝቃለስ ዜጋ፡ ብሓባር ዘአንግድ ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ ዘጥቅዕ ጽሑፍ ምውጽኣን ሎሚውን ንገዲም ተጋዳላይ ሓርበኛ ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) መሲሕ (ቅቡእ) ኢላ ብምልጋጽ፣ ንኮኾብ ድምጻዊ ዮውሃንስ ትኳቦ እውን ኣብ ጎድኒ ህዝቡ ተሰሊፉ፡ ንፍትሕን ሓርነትን እጃሙ ንኸየበርክት ናይ ምምጽዳቕ ልመና ምቕራቡ ይገርመና ኣሎ።
    ልክእ እዩ ነዚ ዝኣምሰለ ሕሱር ዘረባታት ወናኒ መስከረም ከምደይጸሃፎ እግምት፣ ግናስ ንዉፉያት ሃገራውያን ተቃለስቲ ዘቆናጽብ ጹሑፋትን ጸለመታትን ኣብ መርበብ ብምዝርጋህ ሰብ ናብ ጛል መንገዲ ብምእታው ብክርክር ኣንፈቱ ስሂቱ ብኽርክር ግዚኡ ንከጥፍእ ምእዳም ሃላፊነታዊ ድዮ?
    ንምዃኑስ ንኣሳና ከም ናይ ወያኔ መሳርሂ ክትጥቅንዋ ክትፍትኑ ከለኹም ቑሩብ ኣይትሃንኩን ዲኹም? ኣይ ኣማንኤል አንድዩ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ብምእታው ነቶም ኣብ መኣስከር ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ዜጋታት ንሕይወቶም ብባሕሪን ብሲናይን ብምጉኣዝ ንከየጥፍኡ ዝመኸረ? ኣሰና መሳርሂ ወያነ ተዝኸውን ከመይ ገሩ እዩ´ኸ ናይ ደማሂትን ኢሳያስን ምስጢራዊ ኣጀንዳ እለታዊ ክኽሻህ ንእዘበሉ? ወያነን ደማሂትን እንታይ ፍልልይ ኣለዎም ድዩ? ንኣይ ከምዝመስለኒ ኣማንኤል ኮነ ካልኦትና፣ ብዛእባ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሞቱ ስደተኛታት ኣው ኢልና ብዙህ ንክይንዛረበሉ ልቢ የእቢና ሱቕ ዝመረጽና፣ ቀንዲ ምንጪ ናይ ኩሉ ጥፍኣት ኢሳያስ ምዃኑ ስለንኣምነሉ፣ ኮይኑ ግን ከምቲ ዝለመዶ ንኣና ምስ ወያኔ ብተዘዋዋሪ ብምግጫው ፣ነገር ብምጥምዝዛ ካብቲ ናይ ላምፓዱዛ ህልቂት ተሃታትነት ንምህዳም ዝገብሮ ዘሎ ሜላ ምዃኑ ስለዝገጠምናዮን፣ ስለቲ 70,000 ሸህ ዝኸውን ገና ኣብ መኣስከራት ኢትዮጵያ ዝርከብ ስደተኛ ሕዝብና ድህነት ገዲስና ልቢ የእቢና ዋላዃ ሱቕ እንተመረጽና፣ ናይሕዝቢ ሃልዮት ከምዘሉኮም ብምምሳል ስለምንታይ ኣው ኢልኩም ንወያኔ ደይተውግዝዎ ምባልኩም፣ አቲ ሚስጥር ኣጸቢቁ ሰለዝበራሃልና፣ ኢሳያስ ኮነ ኢሉ ኣብዝፈጥሮ ጸበባ ኹሉ እናኣተና ንህዝብና ከይነጽንት ድህሪ ደጊም ካብ ባድሜ ስለዝተመኸርና፣ ኣንፈትና ከይሰሃትና ነቲ ቀንዲ ጸላኢና ከም ሳዳም ሁሴን ሃኒቕና ግቡእ ፍርዲ ክሳብ ንህቦ ደቂስና ከምደይንሃድር ጥራህ ከረጋግጸልኩም እፈቱ። ሃቀኛ እንተኾንኩምን ኃይሊ እንተለኩምን ሃዬ ነቲ ዝተዘመተ መሬት ብኣልኹም ነጻ ከተዉጽኡ ፈቱኑ። እነሆ ሜዳ እነሆ ፈረስ።

  • Efrem Mengisteb December 2, 2013

    Meskerem. Com irresisponsible and divider , ,working to create mistrust among the justice seekers.

  • goitom December 2, 2013

    if you knew meskerem’s owners history and the his dad history , you wouldn’t surprise in his role. so pls do not give any attention to this junk, with his junk history background.

  • Tef December 2, 2013

    Truly (layer)
    We Eritreans know very well about Assena (Amanuel) what kind person is Assenna(Amanuel). He is financed by Woyane to destroy Eritrea and Eritrean people. Let me tell you one thing about Woyane. Eritrean people knows that Woyane is # 1 enemy of Eritrea. Any oppostion who has financed from woyane he is enemy of Eritrea period. We need an oppositon who defend our country and people. That is why Assena is not popular in Eritrea. It is popular in Tigray. We call Baba meles to Assena in Eritrea.

    • Awet December 2, 2013

      You are talking non sense. Weyane is busy developing their country. Ethiopia is moving forward at a speed of a light. On the other hand, the regime is doing all he can to destroy our Eritrea. Eritrea # enemy is DIA and HGDEF.

      By the way deki erey:
      1. I hear Isias Afeworki has a brother that lives in Seattle, is that true?
      2. What happen to Wedi Gheratu? he is not saying much now day

      Peace to Eritrea>

      • belay nega December 2, 2013

        “By the way deki erey:
        1. I hear Isias Afeworki has a brother that lives in Seattle, is that true?”

        So what,don’t you know that USA is the best country in the world, which welcomes everybody as far as is abiding by rules and regulations?
        Unlike you, and alike, American people and gov are not judgemental.

      • belay nega December 2, 2013

        “By the way deki erey:
        1. I hear Isias Afeworki has a brother that lives in Seattle, is that true?”

        So what,don’t you know that USA is the best country in the world, which welcomes everybody as far as is abiding by rules and regulations?
        Unlike you, and alike, American people and gov are not judgemental.

  • Samsome December 2, 2013

    i Copy from meskerem,net
    ወዲ ቫካሮ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ መዓስ ነጢፉ፡ ብዘየገድስ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብንጥፈት ክንቀሳቐስ ምጅማሩ ኣዝዩ ኣገዳስን ንደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ሓጋዝን እዩ። ምኽርና፡ ካብ ዘየድሊ ዘይእዋናዊ ኣገላልጻታት ርሒቑ፡ ኩሉ ጸረምልካዊ ሓይልታት ዝጥርነፈሉ ወይ ብሰላማዊ መንገዲ ዝወዳደረሉ፡ ዲሞክራስያዊ ሃዋህው ኣብ ምስፋን ጸዓታቱ ከካይድ እዩ። ሓያሎ ሰማዒ እዝኒ ክረክብ ከም ዝኽእል ብዝሒ ተሳተፍቲ ናይቲ ዘካይዶ ዘሎ ኣኼባታት ይምስክሮ እዩ። ንዝሰምዕዎ ካብ ጐድናዊ ጽልኢ ኣውጺኡ፡ ብኣትኩሮ ንኽንቀሳቐሱ ክሕግዝን ከለዓዕልን ዓቢ ትጺቢት ኣሎ።

    እወ፡ ወዲ ቫካሮ ተላዒሉ ህዝቢ ኣብ ምልዕዓል ተዋፊሩ ኣሎ። ጽቡቕን ነቶም ደቂሶም ዝጸንሑ ሰናይ ኣብነትን’ዩ። ሎሚ ይዕበ ይንኣስ ኤርትራዊ ሃገር ንምድሓን ክልዓል ኣለዎ፡ ንሎሚ ዘይኰነ’ድኣ ንመዓስ።

    ዓወት ንፍትሓውን ደሞክራስያውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

    • belay nega December 2, 2013

      Samsome

      The self infected paralyzed so called oppositions,judge individuals not by what he/she stand for,but for where he/she comes from.That is why the ball is always moving, only between the gov of Eritrea and Ethiopia.

Post a Reply to Tef Cancel Reply