Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መገረም ኔት!

መገረም ኔት! ኣንቱም ሰባት! እዛ መገረም ኔት (መስከረም ኔት) ዝብሉዋ መርበብ ሓበሬታ’ኮ ካብቲ ኣብታ ብመስዋእቲ ኣቦታትና፣ ኣደታትና፣ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ዝተረኸበት ተባሃጊት ሃገርና፡ ብኣፍና ዓቢሱ ዝድህኸና ዘሎ ጉጅለ ሕሰም ንላዕሊ ከፊኣትና። ሎምስ ከኣ ነቶም እልበት (ሓሳረ መከራ)

መገረም ኔት!
ኣንቱም ሰባት! እዛ መገረም ኔት (መስከረም ኔት) ዝብሉዋ መርበብ ሓበሬታ’ኮ ካብቲ ኣብታ ብመስዋእቲ ኣቦታትና፣ ኣደታትና፣ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ዝተረኸበት ተባሃጊት ሃገርና፡ ብኣፍና ዓቢሱ ዝድህኸና ዘሎ ጉጅለ ሕሰም ንላዕሊ ከፊኣትና። ሎምስ ከኣ ነቶም እልበት (ሓሳረ መከራ) ህዝቢ ክጻወሩዎ ዘይከኣሉ፡ ንኣይ ይጥዓመኒ ከይበሉ፡ ዝውንኑዎ ክብርን ሃብትን ንህዝብን ሃገርን ወፊዮም፡ ኣብ ሃገሮም ሓንሳብን ንሓዋሩን ህዝባዊ መንግስቲ፡ ንዜጋታቱ ከም እንስሳ ዘይኮነ ከም ሰብ ዝርኢ፡ ከቢሩ ዘኽብር መንግስቲ ንምትካል፡ ንጉጅለ ሕሰምን ንሱ ዘምጽኦ ጸይቂ ተግባራትን ክጸርጉ ንዝወሰኑ ተባዓት ዜጋታት ንምድኻም፡ ንገሊኦም ዘይስሞም ሂባ ብምጽላም፡ ንገሊኦም ድማ ብልመና ብምጽዳቕ፡ ዕድመ ስልጣን መላኺ ንምንዋሕ ዝከኣላ ትገብር ዘላ መርበብ ሓበ… እንታይ ኢና ክንብላ!? መርበብ ሓበሬታ ሽርሒ መገረም ኔት እንታይ እዩ ጸገማ!?
መን ኣሎ ሎሚ ህዝቢ ከስምዕ ይኽእል’ዩ ዝተባህለ ደላይ ፍትሕን ሓርነትን ብመርበብ ሓበሬታ መገረም ኔት ዘይተወንጀለ!? እቲ ነታ ጥፍኣት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምድሓን ንዝተፈላለዩ ደቂ ሃገር ብምርካብ፡ ውርጹጽ ሓበሬታን ጽፉፍን ስሩዕን መደባት ብምስራዕን ካብ ኩለን መራኸቢ ብዙሃን ሃገርና ብቐረባ፡ ሁሉው ኩነታት ሃገርና እትሕብር ራድዮ ወጋሕታ ኮነ መርበብ ሓበሬታ ሳሊና ናይ ምባእ ባህሪኣስ ደሓን ለሚድናዮ ኢና። እቲ ሎሚ ንኽዛረብ ዝቐሰበኒ ኣውራ ምኽንያት ግን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ነቲ እንኮ ክብሃል ዝከኣል፡ ጸሊምን ቀይሕን፣ ወድን ጓልን፣ መሃይምን ምሁርን፣ ኣውራጃን ዓድን፣ ዓሌትን ኣስልን (ትውልድን)፣ ሃይማኖትን ቀቢላን ከይፈለየ፡ ንኹሉ ንፍትሒን መሰልን ኤርትራውያን ዝቃለስ ዜጋ፡ ብሓባር ዘአንግድ ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ ዘጥቅዕ ጽሑፍ ምውጽኣን ሎሚውን ንገዲም ተጋዳላይ ሓርበኛ ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) መሲሕ (ቅቡእ) ኢላ ብምልጋጽ፣ ንኮኾብ ድምጻዊ ዮውሃንስ ትኳቦ እውን ኣብ ጎድኒ ህዝቡ ተሰሊፉ፡ ንፍትሕን ሓርነትን እጃሙ ንኸየበርክት ናይ ምምጽዳቕ ልመና ብምቕራባን’ዩ።
መገረም ኔት እንታይ እዩ ጸገማ? ወይስ ንዝኾነ ኣኻዕቢቱ ዝኸፈላ ወገን እትግዛእ ከዳሚት ስለ ዝኾነት’ዩ እዚ ኹሉ ለኻዕካዕ!? ኣንፈታ’ኮ ምሓዝን ምጭባጥን ስኢንናዮ! ሓንሳብ ኣዮባሊት (ወዳኢት ነገር) ደለይቲ ፍትሒ፣ እንሓንሳብ ፓፓጋሎ ህግደፍ፡ ሓንሳብውን መቓልሕ ተቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ እናኾነት ሕብራ ትቐያይር ነፋሒቶ ትኾነልና ዘላ!? ሎሚ’ኮ መን’ዩ ንሃገርን ህዝብን ዝሓሊ፡ መንዩ ንውልቃዊ ረብሓኡ ዝሰርሕ ንምንጻር ዘሸግር ነገር የብሉን። ምኽንያቱ፡ እቲ ብሓቂ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዝሰርሕ ወገን ይኹን ውልቀ ሰብ፡ ካብቲ ዋና ነገሩ ተኣልዩ፡ ኣብ ካልእ ጓል መገዲ ኣትዩ፡ ‘እከለ’ኮ ናይ እከለ ኣገልጋሊ’ዩ፣ እከሊት’ኮ ናይ ኩስቶ ዕስብቲ’ያ ወዘተ.’ እናበለ ኣጀንዳ ውልቀ ምልኪ ኤርትራ ኣየሰላስልን’ዩ። ካብ ምድሪድዩ መጺኡ ካብ ሰማይ፣ ካብ ፈታዊ ድዩ መጺኡ ካብ ጸላኢ ብዘየገድስ፡ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጉጅለ ሕሰም ንምእላይ ዝሕግዝ ክሳብ ዝኾነ፡ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ መርሓባ ኢልና ኢና ክንቅበሎ ዘለና። ምኽንያቱ፡ ልዕሊ’ዚ ጉጅለ’ዚ ንኤርትራን ህዝባን ጸላኢ ከምዘይብሎም ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ሎሚ ተገንዚቡዎ’ዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ድማ’ዩ ኤርትራዊ ናብታ ‘ደመኛኹም’ያ’ ትብሃለና ሃገረ ኢትዮጵያን ናብቲ ‘ጸላኢኹም’ዩ’ ዝብሃለና መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ሓዊን ዓረረን መላኺ ከይዓጀቦ፡ ከም ምነት (ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይ) ብቐጻሊ ዝዛሪ ዘሎ።
ሓንቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ካብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ምስ ኣርባዕተ ደቃ፡ ናብ ኣመሪካ፡ ናብ ሰብኣያ ዝኣተወት ዘመደይ ዝሓተተትኒ ሕቶ፡ ኣነውን ነቶም ‘ጸላእትና ኣመሪካን ወያነን’ዮም’ ብምባል፡ ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ምልኪ ስልንስል (ክልተ ልቢ፡ ተወላወልቲ) ኴንኩም ዘለኹም ውሑዳት ዜጋታትና ክሓተኩም። ኣብቲ ብጉዳይ ሃገርናን ኣደራዕ ህዝብናን ኣልዒልና እነዕልለሉ ዝነበርና ህሞት’የ፡ ‘ኣንቲ ሸዊት ሓብተይ፡ እዚ ኹሉ ወሪዶና ዘሎ ሕሰምን መከራን’ኮ ብሰንኪ ኣመሪካን ወያነን’ዩ መጺኡ። ንሳቶም’ዮም ዘጥፍኡናን ዘድክዩናን ዘለዉ!’ ብምባል ከደዓዕሳ ፈቲነ። ከምዚ ክትብል ድማ ብምግራም ሓቲታትኒ። ‘ኣንታ ተስፊት ሓወይ፡ እንታይ ዘረባኡ ኢኻ ተስማዓኒ ዘለኻ!? እስከ ናተይ ናይ ሓብትኻ ኩነታት፡ ኣብነት ውሰድ። ኣነሲ ብዓል ቤተይ ኣብ ኣመሪካ ንበይኑ ኮፍ ኢሉ ብሸቐልቀል ንኣና ክጽበ፡ ኣነውን ምስ ኣርባዕተ ደቅና ኣብ ኣስመራ ኮፍ ኢለ ኣእዳዉ ከቋምት ሓሙሽተ ዓመትና ሓሊፉ፤
ሰብኣየይ ክልተ ግዜ ናይ ዕድመ ወረቐት ሰዲዱለይ፡ ክልቲኡ ግን ብሰንኪ ህግደፍ ብዘይፍረ ሓሪሩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ከፊለ ምስ ደቀይ ብማኪና ናብ ትግራይ ሰጊረ። እዚውን ንሳቶም እቶም ብሕጋዊ መገዲ ንኽኸይድ ዝኸልከሉኒ ህግደፍ’ዮም ተሓባቢሮሙኒ። እቲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝብሃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኸኣ ብኽብሪ ተቐቢሉ፡ ኣብ ኢመግረሽን ወረቓቕተይ ብዘይጸገም ኣሳሊጡ፡ ናይ ስደተኛታት ፓስፖርት ምስ ሃበኒ፡ ካብኡ እታ ዓባይ ጸላኢት ህዝቢ ኤርትራ እትብሃል ኣመሪካ፡ ሓሙሻይ ርእሰይ ሳንቲም ከይከፈልኩ፡ ብነፋሪታ ሰለለል ኣቢላ ምስ ሰብኣየይ ብሰላም ኣራኺባትኒ፤
ምርኻባ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዓዲ ራህዋን ሰላምን፡ ኣብ ንጹፍ ዓራት ተቐቢላ፡ ወለድኻ ከማን ዘይገብሩልካ ነገር እናገበረት ብኾፈይ ትቕልበኒ ኣላ። ሕጂ ኣነስ እዞም ጸላእትኹም እዮም ዝተባህሉና መንግስታት እዚኣቶምሲ፡ እቲ መንግስትና እንብሎ ኣብ ሃገርና ዘሎ መንግስቲ ዘይገበረለይ ጽቡቕ ግብሪ ጌሮም፡ ብሰላም ሓዳረይን ህይወተይን ክመርሕ ኣኻኢሎሙንስ ከመይ ጌረ’የ ጸላእተይ ክብሎም!? እስከ ንገረኒ!’ ምስ በለትኒ ብምግራም። ኣነውን ብወገነይ፡ ሕፍረት ስለ ዝተሰማዓኒ ነቲ ህግደፋውያን ዝደጋግሙልና መታለሊ ቃል ማለት ‘እወ ሓልዮምልኪ እኮ ኣይኮኑን ጽቡቕ ጌረሙልኪ፡ ዘይመታን ክበታትኑና ደልዮም እዮም!’ ክብላ ኣይደፈርኩን። እንታይ ንምባል’የ እዚ ኣብነት’ዚ ኣምጺአዮ፡ እንተ ደኣ ብሓቂ ንሃገርን ህዝብን ንሓሊ ኴንና፡ መን ንጥፍኣትናን ብርሰትናን ይሰርሕ ከም ዘሎ፡ ብምስትውዓል ክንግንዘቦ ከም ዘሎና፡ ነቶም ብጉጅለ ሓንዘር (ቅንፍዝ) ዝጠራጠሩ ሰባት ከዘኻክር ስለ ዝደለኹ’የ።
ክቡራትን ክቡራንን ኣሕዋት፡ በሉ ናብዛ መበገሲት ጽሑፈይ ዝኾነት መርበብ ዕግርግር፡ መገረም ኔት ክመልሰኩም፥ ኣብ መወዳእታ ንመርበብ ዕግርግር መገረም ኔት በዛ እትስዕብ ናዕታ ኣቢለ ስለ ህዝብን ሃገርን ኣደብ ግበሪ! ወይ ድማ መንነትኪ ኣነጽሪ፡ ኣገልጋሊት ውልቀ መላኺ ዲኺ ኣገልጋሊት ወያነ ኣፍልጥና’ሞ ከም መርበብ ሓበሬታ ሻባይትን ዓይጋን ሸለል ክንብለኪ ክብላ ፍቐዱለይ?
መገረም ኔት!
ኣንቲ መገረም ኔት እንታይ እዩ እቲ ጉድኪ
ቁውም ነገር ከናዲ ገንጺለ ማህደርኪ
ሓሶትን ሸፈጥን ይሽትት ልባስኪ
ዘለፋን ጥቀናን ይንበብ ድርሳንኪ
ፈጣን ኣመንዝራ ኣገልጋሊት ምልኪ
መሬት እናወገሐ ኣብ ጸላም ምጉዓዝኪ
ኣዕጽምቲ ሃንዛ ኢለ ኣነ ሓፊረልኪ!
ኣንቲ መገረም ኔት ክንደይ ተደንግጺ
ኣብ ባሕሪ ኣንሳፊፍኪ ማዕበል ትናወጺ
ካብ ቃላይ ወጺእኪ መሬት ዘይትረግጺ
ፍትሕን ሓርነትን ራህዋ ከይትመርጺ
ብህዝብን ሃገርን ወትሩ ተላግጺ
ግዜኺ ኣጥፊእክዮ ሓቂ ክትጉዕጽጺ!
ፓፓጋሎ ህግደፍ ብዓል ኣለናልኪ
መርገጺአን ፍሉጥ ኣገልገልቲ ምልኪ
ናታተን ይሓይሽ ካብዚ ጸይቂ ናትኪ
ለኽበጥበጥ ክትብሊ መሬት ዓሪቡኪ!!
ኣንቲ ዘይትሓፍር *ፋይቶት መገረም ኔት  *ኣመንዝራ
እንታይ ኣእትዩኪ ኣብዚ ኹሉ ሕስረት
ሃብቲ ናይዛ ዓለም ሓላፊ እንድዩ ንብረት
ሓቂ ተዓጢቕኪ ከይትረኽቢ ክብረት
ዕስበት ብምምራጽኪ ናይ መላኺ ሽቕለት
ተጎልቢብኪ ኣለኺ ሎሚ ባ ሕፍረት!
ደርሆ ከይነቀወ ከምዛ ዘይፈለምኪ
ጉዕዞ ናይ ሓርነት ኮምፓስ ጠፊኡኪ
ንፋስ ክመርሓኪ ኣብ ህዋ ኣንሳፊፍኪ
ክርዳድ እተፍሪ ጎድፍ ብምዃንኪ
ስጋኺ መገረም ልበይ ሓዚኑልኪ!
ሓንሳብ ደብረዘይቲ ሓንሳብ ኣብ ቦሎኛ
መንእሰይ ዘትዩ ከይከውን ሓርበኛ
ፍትሒ ከይፍጠር ፈራድ ሓቂ ዳኛ
ክፋእ ንምፍጻም ሸርሒ ዓመጸኛ
ሓድነት ንምዝራግ ትኾኒ መንጎኛ!
ንፍቕሪ ክልተ ኣሕዋት ኣብ ክንዲ ትሰርሒ
ህዝቢ እናጠፍአ ንስኺ ክትረብሒ
ሃልሃልታ ቅርሕንቲ ሓዊ ተጋውሒ
ጽባሕ ኣብዛ ሃገር ምስ ነገሰ ፍትሒ
ጸሓይ ምስ በረቐት ተኪኣ ንወርሒ
ፍርዲ ናይ ህዝቢ’ሎ ዘይምሕር ገናሒ
መሬት ከይቀደደ ሕጂ ተናስሒ!
ዕብየትን ብልጽግናን ነተን ከይተሓለላ ንህዝብና ሓቀኛ ሓበሬታ ብምስናቕ፡ ኣንጻር’ዚ ብስም ስውኣትን ሃገርን እናሸቀጠ፡ ዕድመ ስልጣኑ ዘናውሕ ዘሎ ጉጅለ ሕሰም ንኽቃለስ፡ ሓያል ጻዕሪ ዝገብራ ዘለዋ ኩለን ደለይቲ ፍትሕን ሓርነትን ማዕከናት ዜና ኤርትራውያን ይኹን እብል።
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 01-12-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
36 COMMENTS
  • Tef December 2, 2013

    Awet
    Which part of Tigray are you?

  • Tef December 2, 2013

    If wedi Vacaro has connection with Woyane, He will never accept by Eritreans. If not he has a chance to succeed. In Eritrea polotic you have to stay away from Woyane

  • Tesfai Tekie December 2, 2013

    ን መስከረም.ነት ንነዊሕ ጊዜ ተዓዚበያ። ሓሓሊፉ፡ ብፍላይ ድማ ምንቅስቓስ ቃልሲ ንዲሞክራሲ ኣገደስቲ ሓደስቲ ሰባት ከም በዓል ወዲ ቫካሮን ወዲ ትካቦን ተሓዊሶሞ ሓይሉ ክድልብን ክሰምርን ክትርኢ አንከላ፡ ብድሕሪኣ ናይ ቀይሕ መብራህቲ ምልክት ዝህባ ሓይሊ ግዲ ኣልዩ ኮይኑ፡ ንመሳርዓት ዲሞክራሲያውያን ክትፈላሊ ወይ ኣብ መንጎኦም ምጥርጣራት ያኢ አንተተፈጥረ ብዝብል ስንኩፍ ተስፋ፡ ሕሰዳ ክትስንዝርን ኣነዋሪ ትንታነታት ክትሓናጥርን ተመልኪትናያ ኣለና።
    ክገርመና ግን የብሉን። ኣብ መስርሕ ቃልሲ ብዙሓት ነገራት ከምዘጋጥሙ ርዱአ ኢዩ። ንነብሱ ከዐሹ ዝደለየ አንተዘይኮይኑ ድማ፡ ኣብዚ አዋን ብሎኽሞኝነት መስከረም.ነት ዝደናገር ሰብ ኣሎ ኣይብልን።
    ከም ኣማኑአል ኢያሱን መሲናስን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ህቡባት ተንተንቲን ሓርበኛታትን ክሳብ ዘለዉና፡ ሸርሞጥሞጥ መስከረም.ነት ፈጺሙ ኣብ ዝበጽሖ የብሉን።

  • Galiano December 2, 2013

    Mighty belay Nega

    Isias Aforki has a brother that lives in seatle? so what dam ass mengustu H/mariam has kids that lives in USA.

  • Metkelawi December 2, 2013

    ክቡራት ኣሕዋት
    ብመጀመርያ እቲ (መገረም ነት) ኣበሃህላኹም ገጋ ምኻኑ ክሕብረኩም እፈቱ። መሰልኩም ስለ ዝኾነ ድላይኩም ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም፣። ኣነ ብወገነይ ንመስከረም ነት ብጣዕሚ እየ ዘድንቓ። ምኽንያቱ ንኹሉ ከከምሓቁ ኢያ እተውጽኦ። በዓል ንስኻ ግን ከምቲ ናታትኩም ብጸርፊ ጀሚራ ብጸርፊ ዘይወድኤት ኢኹም ደሊኹማ።
    — ክቡራት ኣዳለውቲ መስከረም ነት፣ ምቅዋም ማለት ምጽራፍ፣ ምሕሳው፣ ገበንካን ክፋእካን ምሽፋን ማለት ኣይኮነን። ነቲ ሓቅን ፣ብሓቂ ዝተገብረን ዝተሰርሓን ከም ዘለዎ ናብ ህዝቢ ምቕራኩም —–ኣገኛዕ—-እብለኩም
    ——እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ከኣ —–(ከም በዓል ኣማኒኤል ኢያሱ ዝኣመስአሉ ሓርበኛታት—ህቡባት)—- ወይ ጉድ ። ኣማኒኤልኮ ብገንዘብ ህዝብን ሃገርን መንግስቲ ንኸምህሮ ኢሉ ምስ ሰደዶ ዝኸሓደን ዝጠለመን ስብዩ። ዋላ ለውጢ እንተመጸኸ ኣበይ ክኣቱ? መንከ ከእትዎ?

  • Truly Truly i sday to you December 3, 2013

    I sometimes do not wonder the world worst wicked dictator if able to stay in power for more than 40 years , despite unimaginable countless crime against humanity and atrocity all time committing.
    Isayas is in power not because he strong is, but the oppositions self so wicked, so stupid, so ignorant even worse than the regime it is. Please examine all the comments concerned the article written here. Then automatically you realize it like i said most of those opposing the regime, how so stupid, ignorant are. Because they are fighting and attacking each other instead focusing at the main enemy. However most those demoralizing Meskerem i don´t think except few meek,most are definitely PFDJ agents, so that we opposition when fight each other to divide us; as they dividing all opposition parties in all conference demonstration and meetings. But in all this talk i admire brother Amanuel Iyasu for not responding anything, despite most of you advocating him evil. My goodness! brother Amanuel is not idiot like you, his IQ is so high more than you expecting, if necessary i know in his sharp pen as he can give you the necessary replay which everyone of makes faint, and closes your filthy mouth. I gave this testimony not because i nearly know him, but reading his soul and deed, and dedication absolute trust worthy patriot he is. If necessary he knows when to respond when to quite. He exactly knows who our nation real enemy is. No one can manipulate or distract him from focusing at main agenda and enemy. will continue…

  • Truly Truly i sday to you December 3, 2013

    Part 2
    But you people, you dare to blame him as poppet of woyane. But i believe the reason Amanuel choose not to make big news about the Eritrean refugees case in Addis abeba, it is not like you defaming because puppet woyane is, but i believe because not to jeopardize those 70,0000 refuges life in Ethiopia it is. But you, so that to be forget the greatest crime Lampadusa tragedy you insist him to focus about refugee in Ethiopia, by interning Addis abeba above advising our refuges not to risk their life what he can do more as single citizen? If you man enough and fight woyane to bring back the occopied territory, the weapon is at your fealthy leader hand not at brother Amanuel. Otherwise shut your filthy mouth!
    So we focusing at Isayas not at Meskerem, but when i said that i don´t mean Meskerem is not doing mistake and Mesinas remark is wrong. No! in contractive way Meskerem must to be criticized like Mesinas do for its irresponsible activity for hosting few unnecessary defamation articles against patriot citizens written by PFDJ divider agents. However i equally careful when we criticizing each other not to be instrumental for PFDJ divide and rule agenda . Myself i can not say, Meskerem is not opposition website. Indeed it is with a lot of weakness. In its art has a lot of good and contributing good which strengthening the liberation struggle.

POST A COMMENT