Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መድረኽ ብቐጥታ ይመልሹ ብጭብጢ ክንዛረብ – ኣብ ክንዲ ብስምዒት ብውክልና ንዛረብ።

ብዛዕባ ናይ ቐደም ገለ ኣባላት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ፣ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ዝብል ቴማ ዘለዎም ብዙሕ ይዝረብ ኣሎ። ካልኣይ ኣኼባ መድረኽ ብሰለስተ ኣባላት ዝተመርሔ ኣብ ዓዲእንግሊዝ ብዕለት 02/ የካቲት/ 2014 ተኻይዱ ነይሩ። ብስእልን ድምጽን ይኹን ብገለ

ብዛዕባ ናይ ቐደም ገለ ኣባላት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ፣ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ዝብል ቴማ ዘለዎም ብዙሕ ይዝረብ ኣሎ።

ካልኣይ ኣኼባ መድረኽ ብሰለስተ ኣባላት ዝተመርሔ ኣብ ዓዲእንግሊዝ ብዕለት 02/ የካቲት/ 2014 ተኻይዱ ነይሩ። ብስእልን ድምጽን ይኹን ብገለ ዝተሳተፉ ዝርዝር ተወሲኹ ከምዝተቓልሔ ኩልና ሰሚዕና።  ካብ ሰለስተ ኣካየድቲ ኣኼባ ለንዶን፣ እቶም ክልተ ዓብደላ ኣደምን ዓንደብርሃን ወልደገርግሽን ነይሮም። ክልቲኦም ካብ 1977 ቐዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ኣትሒዞም ማእከላይ ሽማግለ ህ. ግንባር ነይሮም። ድሕሪ ናጽነት ከኣ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኮይኖም፣ ክልቲኦም ኣብ መወዳእታ ዝወጹሉ ግዜ ድማ ከም ኣምባሰደራት ይሰርሑ ነይሮም። ሳልሳዮም ዶክ. ኣሰፋው ምክትል ሓላፊ ሕክምና ዝነበረ እዩ።

ኣባላት መድረኽ ኣንጻር ዲክታቶራዊ ስርዓት ኤርትራ ዝካየድ ሓርነትዊ ቓልሲ፣ ኣብ መትከላት ደሞክራሲ ዝሙርኮስ ብልዕልና ሕጊ ዝግዛእ፣ ብህዝባዊ ምርጫን ናጻ ናይ ሰልፍታት ውድድር ዝረጋገጽ ህዝባዊ መንግስቲ ንምትካል፣ ኣብ ንጹር ዕላማን እስትራተጅን ዝሙርኮስ፣ ምስ ካልኦት ደለይቲ ፍትሒ ተወሃሂዶም፣ ምስ ናይ ውሽጢ ሃገር ድልድል ክኾኑ እስትራተጂ እንተለዎም፣  ብግሉጽነት ይሓብሩና የዕግቡና “መርሓባ” ዘይንሱ እንታይ ንደሊ ንኹልና ስለዘርብሕ ንድግፎ ዘዛርብ የብልናን። እንታይ ድኣ እዩ ዘዛርበና ጫቑ-ጫቕ ዘብለና ዘሎ?  ስለዚ ህድእ ኢልና እስከ ንመርምሮ?

ኣብ ክንዲ ብስምዒት ምጥባቕ፣ ናይ ክልተ ወገናት መልሲ ሰሚዕና፣ መርትዖ ኣሰኒና ብጭቡጥ ንመልሽ።

ክትዕና ሓላፍነታዊ ባህርያት ክህልዎ፣ ኣብ ኣርባዕተ ነጥብታት ዘተኮረ ገይረ ከቕርቦ ዕግበት’ዩ።

  1. ድሮ ናይ ክልተ ወገን ሰሚዕናዮ ዘለና ናይ መን ርእይቶ ሓቕነት ይህልዎ ብዘቕረቡዎ ሙጉትን መርትዖን ነመዛዝኖ።
  2. እቲ ጌና ናይ ሓደ ወገን ጥራይ ተገሊጹ ዘሎ፣ ናይቲ ካልኣይ ወገን መልሲ ከይሰማዕና፣ ናይ ደገፍን ተቓዉሞን መርገጺ ክንወስድ ሚዛናዊ ስለዘይገብሮ፣

ብቐዳምነት ኣባላት መድረኽ ኣብ ህዝቢ ቐሪቦም ነቶም ዘሰክፉን ዘዛርቡን ዘለዉ ህዝባዊ ሕቶታት ብንጹር ክምልሹ ግዴትኦም ክፍጽሙ ክንጽውዕ ጻዕርና ከነሓይል ኣገዳሲ ይመስለኒ።

  1. ናይ ሰባት ኣፍልጦ ክፈላለ ባህርያዊ’ዩ። ሰባት ትዕዝብቶም ስክፍትኦም ክገለጹ፣ ናጻ ሓሳባቶም ናይ ምግላጽ ዘይገሃስ ውልቓዊ መሰል’ዩ፣ ግና ብምክብባርን ምጽውዋርን ዝተሰነየ ክኸውን ፍትሓዊ ይገብሮ።
  2. ንኹሉ ሃገራዊ ዝጠምሩ ህዝባውን ደሞክራስያውን መትከላት ከኣ ስለዘለዉ፣ በቶም  መትከላት ክንዛረብ መሰልና’ዩ። ምኽንያቱ ጉዳይ ፍሉይ ጉጅለ መድረኽ ዘይኮነ፣ ጉዳይ ህዝብን ሃገር እዩ። ስለዚ ገሌና ንዝደለናዮ ክንከላኸሉ  ብስምዒት ጸግዒ ወሲድና ብሻርነት ክንጣበቕ ንፍትን። ገሌና ድማ ንዘይደለናዮ ከነጸልሞ ፍትሓዊ ኣይገብሮን።

ንመድረኽ ምንቃፍ ፖለቲካዊ ዲዩ ኣውራጃዊ? ቕድም መምዘንን መልክዕን ኣውራጅነት እንታይ’ዩ?

ብቕሉዕ ንካትዓሉ። ኩሉ ሰብ ነናቱ መቦቖል ኣለዎ ክንኮርዓሉ ድማ ይግባእ። ምእንቲ ሃገራዊ ረብሓ ንሓደ ዕላማ ከመይ ተኸባቢርና ተጻዊርና፣ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ምውዳቕ ንቓለስ ከኣ ህጹጽን ዘየላቡን ቐዳማይ ዕማምና ክኸውን ይግብኦ። እቲ ምክልኻልን ምጥቓዕን ግና ኪንዮ ሃገራዊ ረብሓ፣ ንሓድነትና ዝዘርግ ሕሱር ናይ ፖለቲካ ሜላ ስለዝኾነ ንረብሓ ህዝቢ ስለዘየገልግል ክንዋስኣሉ ኣይግባእን። ። ካብኡ ዝረብሑ ናይ ፖለቲካ ሰባት እንተለዉ ድም ክንቓወሞ ይግብኣና።

ስለዚ መጀምርያ ኣኼባ ዝመርሑ ሰለስተ ኣባላት መድረኽ ዝንቐፍሉን ዝኽሰስሉን ዘለዉ ነጥብታት፣ ብመስርሕ ህዝባዊ ቓልሲ ብዕላማኡን ዘይግሉጽነቱን፣ ብፖለቲካዊ ኣገማምግማ ዲዩ ዘዛርብ ዘሎ፣ ወይስ ብመበቖል ኣውራጅኦም?  ንጹር መልሲ ስለዘድልዮ ኣብ ሓቕታት ተሞርኩስና ብጭብጢ ንገምግሞ።

  1. ኣስከ ንዝተቓልዑ ሰለስተ ኣባላት መድረኽ ብመበቖል ኣውራጃ ንገምግሞ፦

ዶክ. ኣሰፋው ካብ ሓማሴን እዩ። ዓብደላ ኣደም ካብ ኣከለ-ጉዛይ ከም ብሄረ ድማ ሳሆን ኣማኒ ምስልምናን እዩ። ዓንደብርሃን ካብ ሰራየ እዩ። ስለዚ መድረኽ ወኪሎም ዝተራእዩ ሰለስተ ሰባት፣ ካብ ሰለስተ ኣውራጃን ክልተ ሃይማኖትን ይውለዱ። ዝኾነ ሰብ ብዛዕብኦም ትዕዝብቱ ዝገለጸ፣ ኣገባቦም ዝነቐፈ፣ ስክፍትኡ ዘቐመጠ ሰብ ብምንታይ መምዘንን መዓቐንን ኣውራጃዊ ይገብሮ? ክምለስ ዘለዎ መሰረታዊ ሕቶ’ዩ።

ንመድረኽ ዝነቕፉ ዘለዉ’ኸ ካብ ሓደ ኣውራጃ ዝውለዱ ጥራይ ኣይኮኑን። ረድኢ መሓሪ ኣለና፣ ኣማኒኤል ኢያሱ ካልኦት ካብ ሰለስቲኡ ወይ ዝያዳ ኣውራጃ’ዶ ኣይኮኑን?  ስክፍትኦም ዝገልጹ ዝነቕፉ ዘለዉ ይኹኑ፣ እቶም ተነቐፍቲ ኣባላት መድረኽ ኩሎም ካብ ሰለስተ ኣውራጃታት ከበሳ ይውለዱ። ኣባላት መድረኽ’ከ ናይ መን ኣውራጃ ወከልቲ ስለዝኾኑ’ዩ ኣብ ክንዲ ውልቐሰባት ክንድዚ ምጥባቕ? ብጉጉይ ናይ ፖለቲካ ሜላ ዘይመልክዑ ኣትሒዝካ ንሓድነትና ዝዘርግ ናይ ሳይበር ውግእ ምምራሕ’ከ ንምንታይ ተደልዩ ንረብሓ መን’ከ? ብዕምቖትን ብሓቕን ተመራሚርና ሕልናዊ መልሲ ንሃበሉ። በብኣብነቱ ንምግላጽ፦

ተጋዳላይ ተድሮስ ተኽለ ኣብ ናይ መድረኽ ካልኣይ ኣኼባ ናይ ዓዲ ኣንግሊዝ ብዕለት 02 -የካቲት/ 2014 ተሳቲፉ ነይሩ። ተድሮስ ትዕዝብቱን ገምጋሙን “ ዳሕራዮም’ምበር ገደድ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኣሰና. ኮም ብለት 06-የካቲት/ 2014  ቐጥታዊ ትዕዝብቱ ገሊጹ። ጴጥሮስ በዓታይ ንትዕዝብትን መግለጽን ተጋዳላይ ተድሮስ ኣውራጃዊ ኢሉዎ። ተድሮስ ንኣውራጅነት ዝጠቕስ ኣይገለጸን። ወዲ ባዓታይ ድማ ኣብ ሱር- ነገሩ ኣትዩ ንትዕዝብቲ ተድሮስ ዘፍርስ፣ ኣውራጃዊ ምኻኑ ዘቓልዕ ኣብ ምንታይ ጌጋ ኣለዎ ፈልዩ ኣነጺሩ ዘቕረቦ ሙጉትን ጭብጥን ኣይገለጸን። ወዲ ባዓታይ ነቶም ኣብ ኣኼባ ለንደን ዘይተሳተፍና ዘይነበርና ሰባት ዘእምን ዝርዝርን መርትዖን ኣቕሪቡ  ዘዕግበና ጭብጢ ብወገነይ ኣይረከብኩን። ስለዚ ተጋ. ተድሮስ ተኽለ ንመድረኽን ኣገባቡን ምንቓፍ ኣብ ምንታይ’ዩ ኣውራጃዊ ዘቑጽሮ ብወዲ ባዓታይ። ኣነ ንክልቲኦም ብኣካል ኣይፈልጦምን’የ ብዝኾነ ምኽንያት ተራኺበ ኣዕሊለ ኣይፈልጥን።

ሕልናዊ መልሲ ክንህበሉ ርእዮቶና ሚዛናዊ፣ ፍትሓዊ መደምደምታ ክንወስድ ንክልቲኤን ሊንክ ኣነጻጺርካ ምርኣዩ የድሊ።

ተድሮስ  ንወዲ በዓታይ እንደገና መልሲ ሂቡዎ። ክልቲኦም ስለዝፋለጡ ፍርዲ ንምሃብ ኣሸጋሪ’ዩ። እንተኾነ ተድሮስ’ውን ንወዲ ባዓታይ ናይ ኣውራጃ ስምዒቱ ሓሜቱን ሕሹኽሹኽን ምጽሓፍ ኣይመድለየን ጌጋ ብጌጋ ምእራሙ ሃናጺ ስለዘይኮነ።

መግለጺ ኣማኒኤል ኢያሱ ኣሰና፣

ኣማኒኤል ኣሰና ምስ መድረኽ ዘትዩ ብሓባር ብብመዓልቱ ፈነወ ረድዮ ሳተላይት ክፍንዉ ተሰማሚዑ፣ ፈነወ ናጻ ራድዮ መድረኽን ኣገባቡን ውዕል ገይሮም ኣብ ወብሳይቱ ለጢፉ ነይሩ። ሕጂ ውዕሎም ፈሪሱ ፈነወ ረድዮ ኣቛሪጹ ከምዘሎ ሓቢሩ። ኣማኒኤል ኣሰና ምኽንያት ምፍራስ ስምምዕምን ኣገባቡን ስለዝተዋስኣሉ፣ ንሱ ብዝፈልጦን ብዝመስሎን መግለጺ ሂቡሉ ኣሎ ኣሰና።

ከም ተቓለስቲ ናይ መድረኽ መልሲ ከይሰማዕና፣ ቕኑዕ’ዩ ወይ ጌጋ’ዩ ክንብል ብስምዒት ክንጣበቕ ኣይግባእን። ምኽንያቱ “ “ ዘረባ ክልተ ከይሰማዕካ ኣይትፍረድ”  ስለዝኾነ። ስለዚ ንኩሉ ዝፈትሖ ድማ ኣባላት መድረኽ ተኸሰስቲ ስለዘለዉ ቕድም ንሳቶም ብቐጥታ ክምልሹ ኣለዎም ናይ ካልእ ጠበቓ ዘድልዮም ኣይኮነን።

ሰማዕቲ ቕድሚ ስምዒታዊ ፍርዲ ምሃብና፣ ኣብ ክንዲ ናይ ገለ ወገን ተጣበቕን ነቐፍትን ንኸውን፣ ህድእ ኢልና ካብ ኩሎም ከነዋህልል ኣፍልጦና ከነሰፍሕ ድማ ሓላፍነታውያን ይገብረና ሚዛናዊ ፍርዲ ክንህብ ይሕግዘና።

ኣብቶም ናይ ህዝባውን ደሞክራስያውን መትከላት ውልቓዊ ርእይቶይ ክህብ መሰልዩ፦

እዞም ክልተ ዝተጠቕሱ ተጋደልቲ፣ ተድሮስ ተኽለን ኣማኔል ኣሰናን፣ ምስ ኣባላት መድረኽ ብቐጥታ ዝተራኸቡ እዮም።

እቶም ምስ መድረኽ ዘይተዛረብና ድማ ኣብቲ ፖለዪካዊ ጉዳያት መድረኽ ርእይቶና ክንህብ ከም መሰል ዝኸበረ’ዩ። ርእይቶይ ቕኑዕ ዲዩ ጌጋ  ናቱ መልክዒ ህዝባዊ ቓልስን መትከላቱን ፖለቲካዊ ክኸውን ይግብኦ።

ምትእኽኻብ መድረክ ግሉጽነት ዝጎደሎን ገላልን ምኻኑ ይኣምን፦

መድረኽ ኣገባቡ “ ግሉጽነት ዝጎደሎ’ዩ” ። ኣኼባ በልጅዩም እንታይ ነይሩ ኣጀንድኡ፣ በዓል መን ተሳቲፎም፣ ኣብቲ ኣኼባ እንታይ ወሲኖም፣ መን እንታይ ዓይነት ናይ ስራሕ ሓላፍነት ተሰኪሙ ኣሎ ዝግለጽ የለን። ምስ ደለይቲ ፍትሒ ዘሎ ዝምድና ናይ ቓልሲ ኣይተነጸረን። ዝተኻየደ ርክባት ኣሎ’ዶ የለን ኣይተገልጸን። ኩሉ ሚስጥራዊ’ዩ። ሓንቲ ነገር ከኣ ኣላ ንሚስጥሮም ዘቓልዓቶም። መን’ዮም መድረኽ እንታይ’ዩ ዕላምኦም ቕድሚ ምግላጾም  ፈነወ ረድዮ ጀሚሮም። ንሶም ካብ ህዝቢ ተኸዊሎም ረድዮኦም ይፍኖ። ዘገርም’ዩ! ካብዚ ንላዕሊ ጉድለት ግሉጽነት የለን ስለምንታይ ንሓቒ ንቓወም።

መድረኽ ገላሊ ባህርያት ኣለዎ ሓቛፊ ኣይኮነን፦

መድረኽ ንውሑዳት ብሕርያ ዝተጸውዑ ዝውክል “ ገላሊ ባህርያት ዘለዎ’ዩ። ንብዙሓት ገዳይም ዘይሓቑፍ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ተገሊጹ’ዩ። ንሳቶም ጥራይ ኣይኮኑን ምኩራትን ሰብ ጸጋ ምሁራት። ክንደይ ኤርትራውያን ምሁራት ምኩራት ኣለዉ ። ነቲ ሓቓፊ ዘይኮነ ገላሊ ባህርያቶም ተወሳኺ መረጋገጺ ዘድልዮ እንተኾይኑ፣ መድረኽ ናብ ህዝቢ ምስቐረቡ ተሓቲቶም ክምልሽዎ ብመርትዖ ከቕርቦ ሽዑ ዝከራኸረሉ ጉዳይ ስለዝኾነ ንግዚኡ ክሰግሮ።

መድረኽ ብጉድለት ግሉጽነቱ ይኹን ገላሊ ባህርያቶም፣ ብደላይ ፍትሒ ህዝብን ተጋደልትን ምጥርጣር ክህሉ ስክፍታ ክፈጥር ባህርያዊ’ዩ። ህዝባዊ ሕቶታት ክለዓል ከኣ ግድነት’ዩ። ብፍላይ ባህርያቶም ዝፈልጥዎም ተጋደልቲ ካብ ዝኣምኑዎም ዝጠራጠሩ ከምዝበዝሑ ድሮ ይዝረበሉ ይጽሓፈሉ ኣሎ። ምኽንያቱ ካብ 1977 ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ እዮም። ሓለፍቲ ሚስጥራዊት ሰልፊ ነይሮም። ድሕሪ ናጽነት ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ እዮም። ወረ ገሊኦምሲ ጉጅለ 15- ዝነበሩ፣ ምስወጹ ክንዲ መሰል ጂ 15 ዘይምጥባቖም ሓደ ካብ ዝዓበየ ዘሕምዮም ጉዳይ እዩ። ገሊኦም ድማ ጅ-15 ኣንጻር ሃገራዊ ጸጥታ ኢሎም ካብ ህዝቢ ክንጸሉ ጎስጋሳት ዘካየዱ ታሪኾም ዝደምሰሱ እዮም። ታሪኽ ደቒ ሰባት ተቐቢሩ ኣይከይድን’ዩ። ኣብ ሕሉፍ ተሞኩሮና ተጋጊና ነይርና ኢሎም ይቕሬታ ምስዝሓቱ ሕድገት ምግባር ስልጡን ባህሊ ደሞክራስ’ዩ። እቲ እምነት ይህነጽ’ዶ ኣይህነጽን ግና ግዜ ዝምልሾ ጉዳያ’ዩ።

ስለዚ መድረኽ ብደለይቲ ለውጢ ንዘሎ ስክፍታት ከጉድሉ፣ ንዘለዉ ነቐፌታ ክቕበሉ ወይ ከረድኡ፣ ንዘለዉ ጥርጣሬታት ከድምቑ ወይ ከዕግቡ ሓንቲ ሃናጺት ኣገባብ ተድልዮም። ንኹሉ ህዝባዊ ሕቶታት ክምልሹ ኣባላት መድረኽ ርእሰ- ተኣማንነት ገይሮም ኣብ ቕሉዕ መራከቢ ብዙሓን ወጺኦም ብግሉጽነት ክምልሹ ግዴታ ኣለዎም። ስለዚ ዘረባ ክልተ ክንሰምዕ መድረኽ ናብ ህዝቢ ወጺኦም ሕቶታትን ስክፍታን ህዝቢ ክምልሹ ንጸውዕ ጻዕሪ ነካይድ።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፣ ብስምዒትን ጸግዕን ክንምልሽ ምፍታን ካብ ሓቒ ዝረሓቐ’ዩ። ስለ ፖለቲካ ኢልና ዝወሃብ መግለጺ ምስሉይነት’ዩ ግብራዊ ኣይኮነን።  ንናጻ ሓሳባት ሰባት ንምድፋን ንምድሃል ኢልካ ዘይተደልየ ትርጉም ኣውራጅነት ከተትሕዞ ምፍታን ዘይሓላፍነታዊ’ዩ። ኣብ ክንዲ ኣብ መሰረታዊ ትሕዝቶ ብመርትዖ ምዝራብ ኣብ ጓል መንገዲ ምምላሽ መግለጺ ድኽመትና’ዩ። ክንዲ ሰባት ክንጣበቕ ከነቖናጁ፣ ወይ ንሰባት ከነጸልም ክልቲኡ ዘይሓላፍነታዊ ባህርያት’ዩ። ወይ ኮነ ኢልካ ሓድነት ንምዝራግ ናይ ፖለቲካ ሕንፍሽፍሽ ምፍጣር ከም ዕላማ ምውሳድ ኣነዋሪ’ዩ። ወይ ከኣ ንኣውራጃዊ ሕማምካ ከም መባድልቲ ወሲድካ ብድሑር ኣወዳድባ ኣውራጃ ተዘዋዋሪ ጻውዒት ምግባር’ዩ። ኩሎም ተደሚሮም ከኣ ኣዕነውቲ እምበር ሃነጽቲ ኣይኮኑን። ዝኾነ ሰብ ከኣ ናይ ኣውራጅኡ ውክልና ዝሃቦ ሰብ ስለዘየለ፣ በጃኩም ብሰንኪ ውልቐሰባት ዝፍጠር ጉድለት ናብ ህዝብን ኣውራጃን ኣይነጸግዓዮ። ነቲ ሰብ ፈሊና ብሃናጺ ኣገባብ ንኣርሞ። ገለ ሚድያታት ከኣ ኣብ ክንዲ ምስዋር ነዳዲ ምውሳኽ፣ ንዘይሓላፍነታዊ ጽሑፋት ብሞያዊ ስነ-ምግባር ክቕየዳ፣ ንሓድነትና ዝዘርግ ጽሑፋት ካብ ምእንጋድ ክቑጠባ ለበዋይ ከመሓላልፍ ይደሊ።

 

ዓወት ንውጹዕ ንህዝቢ ኤርትራ

21/02/2014

ሶሎሞን ብርሃነ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
73 COMMENTS
  • Abraham Haile February 22, 2014

    Medrek do wey mot Or Mehanzo?
    I would love to know who are the three masters of Medrek? Let them speak up, we don’t need more devil advocates than we can afford. But I want to reply to Mr Solomon Brhane’s question whether the three of them are reegionalist or sectarian? I believe he trying to prove it that they are from different region. And I say this to ease the situation (tension):-

    What if their policy is Akeleguzetai????????? Let Mandela Answer it please as no democracist in Africa has the right to answer than the African Hero Saint Mandela…… thanks.

    • Tekluu Gubtaan February 25, 2014

      Abraham
      Abten kedaamot meluaat asabatka essamam ye netsurat eyen. Eta dahrewoyeti gen deki adu neti zetekskayoo nefseir sebaay emelsuwaa. maletay bezhaat hubebnet merhaahom neber tsentswuay koyunwoom alo zom neashtuu weldo zeftwuwo aymeselenen .Abti adi zenebru wun tenfasak haqufika zehdera adi ya eblwuaa dekennet gebenn hisemen kedmati ya wlaa qo bebahrwii habti kedamti tekonen ab alem. Selezi ebyet shem Mandela bementsr edu zegtaten meskekaa abu alo mo fetshoo tariq ti sebaay.
      kemzi kedem ba adna nesitaan Issyaas Zewdsnayoo kei kewun…negruu

  • ተወልደመድህን February 22, 2014

    ኣነ ኣብ መድረኽ ዘሎኒ ተቃውሞ፡ንእከለ ዘይሓወሰ ወይ ደቂ ሃደ ቦታ ዘይብሎም ብዝብል ርእይቶ ኣይኮነን።ሕቶ ሎሚ ሕቶ ብሔርን ሕቶ ኣውራጃን ኣይኮነን።እዞም ሰባት ኣብ ሕሉፍ ሕይወቶም፡ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራ ናብዚ ዓዘቕቲ’ዚ ክወድቕ ከሎ ኣበይ ኔሮም፡ሽዑ ምስቲ ናብ ዓዘቕቲ ዚመርሕ ዚነበረ ኣካል ድዮም ኔሮም ወይስ ነቲ ጸገም ከይመጽእ ኣብ ምክልኻል።ቀጺሉ ከኣ ነቲ ስርዓት ድሕሪ ምግዳፎም ነቲ ስርዓት ኣብ ምውዳቕ እንታይ ተራ ተጻዊቶም።ነቲ ስርዓት ውሽጡ ከምዝፈልጡ መጠን ንምውዳቑ ነቓዕ ዚፈልጡ’ዮም።ንሳቶም ግን ትምህርቶም ድዮም ክከታተሉ ጸኒሖም ካልእ ዝሳለጥ ጉዳይ ድዩ ኔሩዎም ገሊኦም ኣጽቒጦም ዝጸንሑ ኢዮም።ገለ ከኣ ንጥርኑፍ ክፈናጥሑ ዝጸንሑ’ዮም።ስለዚ ኣብዞም ሰባት ክህልወና ዘለዎ ነቐፈታን ደገፍን ኣብቲ ሕሉፍ ታሪኾም’ምበር ሓደ ካብ ኣከለጉዛይ፡ሃደ ካብ ሰራየ፡ሃደ ካብ ሰንሒት ወይ ሓማሴን ብምዃን ኣይኮነን።ኣብዚ እዋንዚ ሓደ ጭቡጥ ኣረኣእያ ሒዝካሉ ክትከይድ ዘይከኣል እዋን ንኹሉ ነገራት ክተጻሪ ኣይከኣልን።ግን ካብ ሕሉፍ ገበናትን ህዝብን ሃገርን ኣብዚ ኣብጺሑ ካብ ዘሎ ጉጅለ ነጻ ድዮም’ዩ እቲ ሕቶ።በዚ ከኣ ፖለቲካዊ ፍርዲ ክወሃቦም ግቡእዩ።

    • Blocked February 22, 2014

      እሞ ምስ ህግደፍ ዝነበሩ ኩሎም ሕሉፍ በደላት ስለዘለዎም ተቓወምቲ ክኾነ ኩልኩልዩ ዲኻ ትብል ዘለኻ?

  • Blocked February 22, 2014

    እዚ ኣብ ልዕሊ መድረኽ ዝግበር ዘሎ ኣድማታት ካብ ኣውራጃዊ ስምዒታት ዝነቐለ እንተኾይኑ፣ ስለምንታይ፧ ማለትሲ ሰለስቲኦም መስረትቲ ካብ ሰለስተ ኣውራጃታት እንተኾይኖም ደኣ እንታዩ እቲ ጸገም፧ ስለምንታይ ካብ ሓንቲ ኣውራጃ ዘይኮንኩም ድዩ እቲ ኩራ፧ እዚኣ ኣይበርሃትለይን።

    • ERITRAWIT February 22, 2014

      Blocked,
      It could be HGEDF old trick never mind where they came from what we should ask is who is behind them why did they decide to be quite?

    • ተወልደመድህን February 22, 2014

      ዝኸበርካ Blocked ።ሓንጎልካ ካብቲ ብሎክ ኮይኑዎ ዘሎ ክተላቕቆ ይላበወካ።…..ንናይ ሃባር ጸላኢ ንምውዳቕ ናይ ሓባር ኢድ የድሊ።ብፍላይ ህግደፍ ናይ ኣሸሃት ዜጋታት ገንዘብ፡ኢድን ሓሳብን ሰሪቑ’ዩ ኣብዚ በጺሑ።ሕጂ ከኣ ኩሎም እቶም ንምትራሩ ኢዶም ዚሓወስሉ፡ንምውዳቑ ኢዶም ክሃውሱ ኣለዎም።…..መድረኽ ንባዕሉ ሽም ከምዝሕብሮ፡ሎሚ እዋኑ ከይኑ መድረኹ ኣኺሉ’ዩ ብምባል ዝተበገሱ’ዮም።እዞም ኣባላት’ዚኦም ንህግደፍ ካብ ዝገድፉ ገሊኦም ቃል ኣየስምዑን።ሳልስቲ’ቲ ንህግደፍ ዝገደፍሉ ክቃለሱ እንተዝውስኑ፡ኩሉ ሰብ ምኣመኖም ።እዚኦም ግን ገሊኦም ንስሩሕ ዝፍንጥሑ፡ገሊኦም ኣብ ሕሉፍ ሕይወቶም ባውራጃነት ሰባት ዘሳጉጉ ዚነበሩ ኢዮም።ብዘይካ ኡ ኩሎም ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ ኢሳያስ ኣባላት ዝነበሩ ኢዮም።….ንሓደ ሰብ ክትቅበሎን ክትነጽጎን ታሪኹ፡ድሕረ ባይታኡ’ዩ ወሳኒ።ህዝቢ ይመዝን’ዩ።ከምቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ሃይልታት፡ኣብ ውሽጠን ክንደይ ፈላጥን ኪኢላን እንከለው ስቕ ኢሎም ናብ ዝተባህሉዎ ዝከዱ ኩነታት ኣይኮናን ዘሎና።እዚ ስለዝኾነ፡ኣድሃኖም ፈቲኑ፡መስፍን ፈቲኑ፡ዓብደላ ፈቲኑ….ንኩሎም ህዝቢ መዚኑ ርሒቑሎም።ነዚኦም ከኣ፡እቲ ዝቃወም ዘሎ፡ናይ ሓደ ከባቢ ስለዝኾኑ ወይ ካልእ ኣይኮነን፡ታሪኾም ርእዩ፡ድሕረ ባይታኦም ኣጽኒዑ፡ካብዚኣም ንጽበዮ ነገር የለን።ናብታ ናይ ቀደም ናይ ሕሱኽሹክ ኣገባብ’ዮም ክመልሱና፡ንህና ንደሊ መሰረታዊ ለውጢ ይብል ኣሎ።…..ኩላትና ከምዝተረዳእናዮ እዞም ሰባት ብዘይካ መስፍን ሓጎስ ኩሎም ኣበትን ናይ ክፍ ኣት ተግባራትን ተልእኮን ዚነበሩ’ምበር ኩናት ፈቲኖም ዘይፈልጡ’ዮም።ስለዚ ሎሚ ምቕልቃሎም፡ኣያኦም ንዕርበቱ ተቓሊዑ ርእዮም፡ንሱ ኦኣቢጡዎ ዝጸንሀ ሚስጢር ከይወጾም’ዮም ዝጓየዩ ዘለው።ተቃውሞ’ምበር ናይ ኣውራጃን ኦኣሌትን ብሔርን ኣይኮነን፡ናይቶም ሰባት ታሪኽን እንታይነትን’ዩ።

  • Saba February 22, 2014

    ኤሕዋትውይ፣ ህግደፍ ንስዊዘርላንድ ውራይ ይቕርብ፣ ብኢንተርቪዩ የሽካዕልል፣ ሰብ ይሃልቕ፣ ኤሕዋትና ኣብ እስራኤል የእውዩ፣ ንግንቦት ናይ ሕቡራን መንግስታት ጉዳይና ገዲፍና፣ ሕጂ ኸኣ ኣብ ናይ ነንሕድሕድ ዘይምስማማዕ። ዓገብ፣ ኣብ ልብኹም ተመለሱ። ዓዲ ትጠፍእ ኣላ። ይቕረ ንበሃሃል፣ ምእንቲ ስዉኣት።

  • Mahta February 22, 2014

    I think this individuals are intelligent enough to know that not everybody would agree or disagree with them. The fact is though no body has the right to tell them how and when to fight and not to fight. If someone don`t like them, it is his right to not support them but campaigning against them especially if you claim you are in the opposition camp, that is stupidity! It is not wise and it is only serve the dictator.

  • Kiflo February 22, 2014

    Solomon! I recognize your right of expression based on the legal instruments of the International community. But, I would like to remind you that is this the time to talk about MEDKRE or to talk about middleman-ship? Are these people sane to raise this issue now after 60 years of creating mess in the territory? if you want to give them credit of their being former members of EPLF, let you be reminded that they were not elected by the people to go to fight for whatever you people boast about? Ay least 50 years passed being pestered, terrorized and propagated by these people. They were given the chance to organize a democratic government in 1991, which is followed by the 1993 event. But, none of them were found to have the readiness or willingness or potential, knowledge or practical experience to form a government based on the internationally recognized participatory democracy. They told us a lot about totalitarianism and its merits. They served to make it work in the territory. They told us about our so called enemies which we found are not. To the contrary, we found us surrounded by terrorist groups from the Horn being hosted. They enjoy a life that none of the Eritrean natives are permited to taste. Whom are these Medrek trying to cheat. The only choice the people have is to completely change the system using whatever possible means there is. The International legal instruments permit to use any means to through away a totalitarian dictatorship. Are you not aware of it? Who should be the leading force now? Do you think those who claim to be former members of EPLF have the right to claim? It is a SHAME for all of them!!!! They failed to materialize what they promised form more than two decades. Now, when the youth starts to assert its appropriate right, position and leadership people of the destructive force started a new tactic WHICH IS A DIRECT COPY OF WHAT WAS DEVISED BY Mengistu during the last few months of his life. Solomon and Iyasu if you have the brain and the necessary political knowledge and maturity you would be expected to stand by the side of the groups who are trying to get rid of this totalitarian system. Do you get me. Now, There is no choice. GET RID OF THE TOTALITARIAN STATE. GET OUT OF THE ARENA SO THAT THE REAL ACTORS, THE YOUTH TAKE THE LEADERSHIP OF COMPLETE SYSTEM CHANGE.Solomon and Iyasu, if you have the gut contact the Youth for change. They will give you minute space except termination of the totalitarian state. Get ready to accept this. If you do not get ready to face the consequences after things fall under the new system which will not take 100 years as Isaias said some time back.

  • Kiflo February 22, 2014

    Mahta!What do you what to imply by this, “The fact is though no body has the right to tell them how and when to fight and not to fight. If someone don`t like them, it is his right to not support them but campaigning against them especially if you claim you are in the opposition camp, that is stupidity! It is not wise and it is only serve the dictator.” “Stupidity!” … did you say it with no duress?

    This is not a question of “to like or not to like them”. What do you what to imply by this clause. It is all a question of “TO GET RID OF THE SYSTEM”. Those who are baptized by this correct and necessary idea they will stand together to get rid of this evil system. If these people do not have a clear stand and want to create a room for the totalitarian state to dance over the people, I wouldn’t be surprised even if they are assaulted in any way there is. They are people who ruined lives of others.Your illogical, emotional and amoral suggestion or comment is null and void, because first of all you didn’t understand what people are saying. It is not to like or not to like the person. It is to agree or disagree on the issue they raise taking the time factor and the situation on the mainland into account. Do you understand Ms? This is a political question of the highest level. Be part of the solution or get out of the arena. MEDREK is part of the PROBLEM OF THE YOUTH, THE PEOPLES AND THE VOICELESS MASSES ON THE MAINLAND.Full Stop.

    • Mahta February 22, 2014

      Kiflo, i don`t like your “be with us or against us” attitude…it is anti democracy! you want get rid of the system, they want the system changed…it is the same but different words.You have your own way doing it and they have theirs. what we need to do with how to work together side by side. When they were with the regim, many people consider them as a problem because they were part of the system, which I can understand that. Again when they left the system, many people were complaining because they choose to be silent, again I can understand that because even if they are not part of the problem anymore they have to be part of the solution( as silent is never been a solution). Now they decided to stand the against the system in their own way, again it becomes a problem for some of you. Now were is the problem lies? with them or with the people who has a habit of complaining? At least them are showing some changes, slowly but certainly…what about you and your likes? are you willing to change..hedeE mebal kedeli eyu…

  • Saba February 22, 2014

    ንሕና ኣብ ነንሕድሕና ንማናጨት፣ ጸላኢና ኸኣ ናይ ሕቡራን መንገስታት ምዕቀብ ከልዕል ይቃራረብ። ስጋዕ ኣመሪካ ዝእመን ተቓውሞ ዘይረኸበት ከም ሲሪያ እንተገበረት መን እዩ ተሓታቲ፧

  • Saba February 22, 2014

    ቃልሲ ሓረምዝ ንሳዕሪ ይድህጽ።

  • monicasalguero February 22, 2014

    atum sebat n mesaseyti yigdef Akalbo Aytahabuwom do Aybelnan. GERHNET equa Eyu Ne Geganu yehwatna zehekom delo kesab hegi.

POST A COMMENT