መድረኽ ብቐጥታ ይመልሹ ብጭብጢ ክንዛረብ – ኣብ ክንዲ ብስምዒት ብውክልና ንዛረብ።
ብዛዕባ ናይ ቐደም ገለ ኣባላት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ፣ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ዝብል ቴማ ዘለዎም ብዙሕ ይዝረብ ኣሎ። ካልኣይ ኣኼባ መድረኽ ብሰለስተ ኣባላት ዝተመርሔ ኣብ ዓዲእንግሊዝ ብዕለት 02/ የካቲት/ 2014 ተኻይዱ ነይሩ። ብስእልን ድምጽን ይኹን ብገለ
ብዛዕባ ናይ ቐደም ገለ ኣባላት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ፣ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ዝብል ቴማ ዘለዎም ብዙሕ ይዝረብ ኣሎ።
ካልኣይ ኣኼባ መድረኽ ብሰለስተ ኣባላት ዝተመርሔ ኣብ ዓዲእንግሊዝ ብዕለት 02/ የካቲት/ 2014 ተኻይዱ ነይሩ። ብስእልን ድምጽን ይኹን ብገለ ዝተሳተፉ ዝርዝር ተወሲኹ ከምዝተቓልሔ ኩልና ሰሚዕና። ካብ ሰለስተ ኣካየድቲ ኣኼባ ለንዶን፣ እቶም ክልተ ዓብደላ ኣደምን ዓንደብርሃን ወልደገርግሽን ነይሮም። ክልቲኦም ካብ 1977 ቐዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ኣትሒዞም ማእከላይ ሽማግለ ህ. ግንባር ነይሮም። ድሕሪ ናጽነት ከኣ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኮይኖም፣ ክልቲኦም ኣብ መወዳእታ ዝወጹሉ ግዜ ድማ ከም ኣምባሰደራት ይሰርሑ ነይሮም። ሳልሳዮም ዶክ. ኣሰፋው ምክትል ሓላፊ ሕክምና ዝነበረ እዩ።
ኣባላት መድረኽ ኣንጻር ዲክታቶራዊ ስርዓት ኤርትራ ዝካየድ ሓርነትዊ ቓልሲ፣ ኣብ መትከላት ደሞክራሲ ዝሙርኮስ ብልዕልና ሕጊ ዝግዛእ፣ ብህዝባዊ ምርጫን ናጻ ናይ ሰልፍታት ውድድር ዝረጋገጽ ህዝባዊ መንግስቲ ንምትካል፣ ኣብ ንጹር ዕላማን እስትራተጅን ዝሙርኮስ፣ ምስ ካልኦት ደለይቲ ፍትሒ ተወሃሂዶም፣ ምስ ናይ ውሽጢ ሃገር ድልድል ክኾኑ እስትራተጂ እንተለዎም፣ ብግሉጽነት ይሓብሩና የዕግቡና “መርሓባ” ዘይንሱ እንታይ ንደሊ ንኹልና ስለዘርብሕ ንድግፎ ዘዛርብ የብልናን። እንታይ ድኣ እዩ ዘዛርበና ጫቑ-ጫቕ ዘብለና ዘሎ? ስለዚ ህድእ ኢልና እስከ ንመርምሮ?
ኣብ ክንዲ ብስምዒት ምጥባቕ፣ ናይ ክልተ ወገናት መልሲ ሰሚዕና፣ መርትዖ ኣሰኒና ብጭቡጥ ንመልሽ።
ክትዕና ሓላፍነታዊ ባህርያት ክህልዎ፣ ኣብ ኣርባዕተ ነጥብታት ዘተኮረ ገይረ ከቕርቦ ዕግበት’ዩ።
- ድሮ ናይ ክልተ ወገን ሰሚዕናዮ ዘለና ናይ መን ርእይቶ ሓቕነት ይህልዎ ብዘቕረቡዎ ሙጉትን መርትዖን ነመዛዝኖ።
- እቲ ጌና ናይ ሓደ ወገን ጥራይ ተገሊጹ ዘሎ፣ ናይቲ ካልኣይ ወገን መልሲ ከይሰማዕና፣ ናይ ደገፍን ተቓዉሞን መርገጺ ክንወስድ ሚዛናዊ ስለዘይገብሮ፣
ብቐዳምነት ኣባላት መድረኽ ኣብ ህዝቢ ቐሪቦም ነቶም ዘሰክፉን ዘዛርቡን ዘለዉ ህዝባዊ ሕቶታት ብንጹር ክምልሹ ግዴትኦም ክፍጽሙ ክንጽውዕ ጻዕርና ከነሓይል ኣገዳሲ ይመስለኒ።
- ናይ ሰባት ኣፍልጦ ክፈላለ ባህርያዊ’ዩ። ሰባት ትዕዝብቶም ስክፍትኦም ክገለጹ፣ ናጻ ሓሳባቶም ናይ ምግላጽ ዘይገሃስ ውልቓዊ መሰል’ዩ፣ ግና ብምክብባርን ምጽውዋርን ዝተሰነየ ክኸውን ፍትሓዊ ይገብሮ።
- ንኹሉ ሃገራዊ ዝጠምሩ ህዝባውን ደሞክራስያውን መትከላት ከኣ ስለዘለዉ፣ በቶም መትከላት ክንዛረብ መሰልና’ዩ። ምኽንያቱ ጉዳይ ፍሉይ ጉጅለ መድረኽ ዘይኮነ፣ ጉዳይ ህዝብን ሃገር እዩ። ስለዚ ገሌና ንዝደለናዮ ክንከላኸሉ ብስምዒት ጸግዒ ወሲድና ብሻርነት ክንጣበቕ ንፍትን። ገሌና ድማ ንዘይደለናዮ ከነጸልሞ ፍትሓዊ ኣይገብሮን።
ንመድረኽ ምንቃፍ ፖለቲካዊ ዲዩ ኣውራጃዊ? ቕድም መምዘንን መልክዕን ኣውራጅነት እንታይ’ዩ?
ብቕሉዕ ንካትዓሉ። ኩሉ ሰብ ነናቱ መቦቖል ኣለዎ ክንኮርዓሉ ድማ ይግባእ። ምእንቲ ሃገራዊ ረብሓ ንሓደ ዕላማ ከመይ ተኸባቢርና ተጻዊርና፣ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ምውዳቕ ንቓለስ ከኣ ህጹጽን ዘየላቡን ቐዳማይ ዕማምና ክኸውን ይግብኦ። እቲ ምክልኻልን ምጥቓዕን ግና ኪንዮ ሃገራዊ ረብሓ፣ ንሓድነትና ዝዘርግ ሕሱር ናይ ፖለቲካ ሜላ ስለዝኾነ ንረብሓ ህዝቢ ስለዘየገልግል ክንዋስኣሉ ኣይግባእን። ። ካብኡ ዝረብሑ ናይ ፖለቲካ ሰባት እንተለዉ ድም ክንቓወሞ ይግብኣና።
ስለዚ መጀምርያ ኣኼባ ዝመርሑ ሰለስተ ኣባላት መድረኽ ዝንቐፍሉን ዝኽሰስሉን ዘለዉ ነጥብታት፣ ብመስርሕ ህዝባዊ ቓልሲ ብዕላማኡን ዘይግሉጽነቱን፣ ብፖለቲካዊ ኣገማምግማ ዲዩ ዘዛርብ ዘሎ፣ ወይስ ብመበቖል ኣውራጅኦም? ንጹር መልሲ ስለዘድልዮ ኣብ ሓቕታት ተሞርኩስና ብጭብጢ ንገምግሞ።
- ኣስከ ንዝተቓልዑ ሰለስተ ኣባላት መድረኽ ብመበቖል ኣውራጃ ንገምግሞ፦
ዶክ. ኣሰፋው ካብ ሓማሴን እዩ። ዓብደላ ኣደም ካብ ኣከለ-ጉዛይ ከም ብሄረ ድማ ሳሆን ኣማኒ ምስልምናን እዩ። ዓንደብርሃን ካብ ሰራየ እዩ። ስለዚ መድረኽ ወኪሎም ዝተራእዩ ሰለስተ ሰባት፣ ካብ ሰለስተ ኣውራጃን ክልተ ሃይማኖትን ይውለዱ። ዝኾነ ሰብ ብዛዕብኦም ትዕዝብቱ ዝገለጸ፣ ኣገባቦም ዝነቐፈ፣ ስክፍትኡ ዘቐመጠ ሰብ ብምንታይ መምዘንን መዓቐንን ኣውራጃዊ ይገብሮ? ክምለስ ዘለዎ መሰረታዊ ሕቶ’ዩ።
ንመድረኽ ዝነቕፉ ዘለዉ’ኸ ካብ ሓደ ኣውራጃ ዝውለዱ ጥራይ ኣይኮኑን። ረድኢ መሓሪ ኣለና፣ ኣማኒኤል ኢያሱ ካልኦት ካብ ሰለስቲኡ ወይ ዝያዳ ኣውራጃ’ዶ ኣይኮኑን? ስክፍትኦም ዝገልጹ ዝነቕፉ ዘለዉ ይኹኑ፣ እቶም ተነቐፍቲ ኣባላት መድረኽ ኩሎም ካብ ሰለስተ ኣውራጃታት ከበሳ ይውለዱ። ኣባላት መድረኽ’ከ ናይ መን ኣውራጃ ወከልቲ ስለዝኾኑ’ዩ ኣብ ክንዲ ውልቐሰባት ክንድዚ ምጥባቕ? ብጉጉይ ናይ ፖለቲካ ሜላ ዘይመልክዑ ኣትሒዝካ ንሓድነትና ዝዘርግ ናይ ሳይበር ውግእ ምምራሕ’ከ ንምንታይ ተደልዩ ንረብሓ መን’ከ? ብዕምቖትን ብሓቕን ተመራሚርና ሕልናዊ መልሲ ንሃበሉ። በብኣብነቱ ንምግላጽ፦
ተጋዳላይ ተድሮስ ተኽለ ኣብ ናይ መድረኽ ካልኣይ ኣኼባ ናይ ዓዲ ኣንግሊዝ ብዕለት 02 -የካቲት/ 2014 ተሳቲፉ ነይሩ። ተድሮስ ትዕዝብቱን ገምጋሙን “ ዳሕራዮም’ምበር ገደድ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኣሰና. ኮም ብለት 06-የካቲት/ 2014 ቐጥታዊ ትዕዝብቱ ገሊጹ። ጴጥሮስ በዓታይ ንትዕዝብትን መግለጽን ተጋዳላይ ተድሮስ ኣውራጃዊ ኢሉዎ። ተድሮስ ንኣውራጅነት ዝጠቕስ ኣይገለጸን። ወዲ ባዓታይ ድማ ኣብ ሱር- ነገሩ ኣትዩ ንትዕዝብቲ ተድሮስ ዘፍርስ፣ ኣውራጃዊ ምኻኑ ዘቓልዕ ኣብ ምንታይ ጌጋ ኣለዎ ፈልዩ ኣነጺሩ ዘቕረቦ ሙጉትን ጭብጥን ኣይገለጸን። ወዲ ባዓታይ ነቶም ኣብ ኣኼባ ለንደን ዘይተሳተፍና ዘይነበርና ሰባት ዘእምን ዝርዝርን መርትዖን ኣቕሪቡ ዘዕግበና ጭብጢ ብወገነይ ኣይረከብኩን። ስለዚ ተጋ. ተድሮስ ተኽለ ንመድረኽን ኣገባቡን ምንቓፍ ኣብ ምንታይ’ዩ ኣውራጃዊ ዘቑጽሮ ብወዲ ባዓታይ። ኣነ ንክልቲኦም ብኣካል ኣይፈልጦምን’የ ብዝኾነ ምኽንያት ተራኺበ ኣዕሊለ ኣይፈልጥን።
ሕልናዊ መልሲ ክንህበሉ ርእዮቶና ሚዛናዊ፣ ፍትሓዊ መደምደምታ ክንወስድ ንክልቲኤን ሊንክ ኣነጻጺርካ ምርኣዩ የድሊ።
ተድሮስ ንወዲ በዓታይ እንደገና መልሲ ሂቡዎ። ክልቲኦም ስለዝፋለጡ ፍርዲ ንምሃብ ኣሸጋሪ’ዩ። እንተኾነ ተድሮስ’ውን ንወዲ ባዓታይ ናይ ኣውራጃ ስምዒቱ ሓሜቱን ሕሹኽሹኽን ምጽሓፍ ኣይመድለየን ጌጋ ብጌጋ ምእራሙ ሃናጺ ስለዘይኮነ።
መግለጺ ኣማኒኤል ኢያሱ ኣሰና፣
ኣማኒኤል ኣሰና ምስ መድረኽ ዘትዩ ብሓባር ብብመዓልቱ ፈነወ ረድዮ ሳተላይት ክፍንዉ ተሰማሚዑ፣ ፈነወ ናጻ ራድዮ መድረኽን ኣገባቡን ውዕል ገይሮም ኣብ ወብሳይቱ ለጢፉ ነይሩ። ሕጂ ውዕሎም ፈሪሱ ፈነወ ረድዮ ኣቛሪጹ ከምዘሎ ሓቢሩ። ኣማኒኤል ኣሰና ምኽንያት ምፍራስ ስምምዕምን ኣገባቡን ስለዝተዋስኣሉ፣ ንሱ ብዝፈልጦን ብዝመስሎን መግለጺ ሂቡሉ ኣሎ ኣሰና።
ከም ተቓለስቲ ናይ መድረኽ መልሲ ከይሰማዕና፣ ቕኑዕ’ዩ ወይ ጌጋ’ዩ ክንብል ብስምዒት ክንጣበቕ ኣይግባእን። ምኽንያቱ “ “ ዘረባ ክልተ ከይሰማዕካ ኣይትፍረድ” ስለዝኾነ። ስለዚ ንኩሉ ዝፈትሖ ድማ ኣባላት መድረኽ ተኸሰስቲ ስለዘለዉ ቕድም ንሳቶም ብቐጥታ ክምልሹ ኣለዎም ናይ ካልእ ጠበቓ ዘድልዮም ኣይኮነን።
ሰማዕቲ ቕድሚ ስምዒታዊ ፍርዲ ምሃብና፣ ኣብ ክንዲ ናይ ገለ ወገን ተጣበቕን ነቐፍትን ንኸውን፣ ህድእ ኢልና ካብ ኩሎም ከነዋህልል ኣፍልጦና ከነሰፍሕ ድማ ሓላፍነታውያን ይገብረና ሚዛናዊ ፍርዲ ክንህብ ይሕግዘና።
ኣብቶም ናይ ህዝባውን ደሞክራስያውን መትከላት ውልቓዊ ርእይቶይ ክህብ መሰልዩ፦
እዞም ክልተ ዝተጠቕሱ ተጋደልቲ፣ ተድሮስ ተኽለን ኣማኔል ኣሰናን፣ ምስ ኣባላት መድረኽ ብቐጥታ ዝተራኸቡ እዮም።
እቶም ምስ መድረኽ ዘይተዛረብና ድማ ኣብቲ ፖለዪካዊ ጉዳያት መድረኽ ርእይቶና ክንህብ ከም መሰል ዝኸበረ’ዩ። ርእይቶይ ቕኑዕ ዲዩ ጌጋ ናቱ መልክዒ ህዝባዊ ቓልስን መትከላቱን ፖለቲካዊ ክኸውን ይግብኦ።
ምትእኽኻብ መድረክ ግሉጽነት ዝጎደሎን ገላልን ምኻኑ ይኣምን፦
መድረኽ ኣገባቡ “ ግሉጽነት ዝጎደሎ’ዩ” ። ኣኼባ በልጅዩም እንታይ ነይሩ ኣጀንድኡ፣ በዓል መን ተሳቲፎም፣ ኣብቲ ኣኼባ እንታይ ወሲኖም፣ መን እንታይ ዓይነት ናይ ስራሕ ሓላፍነት ተሰኪሙ ኣሎ ዝግለጽ የለን። ምስ ደለይቲ ፍትሒ ዘሎ ዝምድና ናይ ቓልሲ ኣይተነጸረን። ዝተኻየደ ርክባት ኣሎ’ዶ የለን ኣይተገልጸን። ኩሉ ሚስጥራዊ’ዩ። ሓንቲ ነገር ከኣ ኣላ ንሚስጥሮም ዘቓልዓቶም። መን’ዮም መድረኽ እንታይ’ዩ ዕላምኦም ቕድሚ ምግላጾም ፈነወ ረድዮ ጀሚሮም። ንሶም ካብ ህዝቢ ተኸዊሎም ረድዮኦም ይፍኖ። ዘገርም’ዩ! ካብዚ ንላዕሊ ጉድለት ግሉጽነት የለን ስለምንታይ ንሓቒ ንቓወም።
መድረኽ ገላሊ ባህርያት ኣለዎ ሓቛፊ ኣይኮነን፦
መድረኽ ንውሑዳት ብሕርያ ዝተጸውዑ ዝውክል “ ገላሊ ባህርያት ዘለዎ’ዩ። ንብዙሓት ገዳይም ዘይሓቑፍ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ተገሊጹ’ዩ። ንሳቶም ጥራይ ኣይኮኑን ምኩራትን ሰብ ጸጋ ምሁራት። ክንደይ ኤርትራውያን ምሁራት ምኩራት ኣለዉ ። ነቲ ሓቓፊ ዘይኮነ ገላሊ ባህርያቶም ተወሳኺ መረጋገጺ ዘድልዮ እንተኾይኑ፣ መድረኽ ናብ ህዝቢ ምስቐረቡ ተሓቲቶም ክምልሽዎ ብመርትዖ ከቕርቦ ሽዑ ዝከራኸረሉ ጉዳይ ስለዝኾነ ንግዚኡ ክሰግሮ።
መድረኽ ብጉድለት ግሉጽነቱ ይኹን ገላሊ ባህርያቶም፣ ብደላይ ፍትሒ ህዝብን ተጋደልትን ምጥርጣር ክህሉ ስክፍታ ክፈጥር ባህርያዊ’ዩ። ህዝባዊ ሕቶታት ክለዓል ከኣ ግድነት’ዩ። ብፍላይ ባህርያቶም ዝፈልጥዎም ተጋደልቲ ካብ ዝኣምኑዎም ዝጠራጠሩ ከምዝበዝሑ ድሮ ይዝረበሉ ይጽሓፈሉ ኣሎ። ምኽንያቱ ካብ 1977 ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ እዮም። ሓለፍቲ ሚስጥራዊት ሰልፊ ነይሮም። ድሕሪ ናጽነት ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ እዮም። ወረ ገሊኦምሲ ጉጅለ 15- ዝነበሩ፣ ምስወጹ ክንዲ መሰል ጂ 15 ዘይምጥባቖም ሓደ ካብ ዝዓበየ ዘሕምዮም ጉዳይ እዩ። ገሊኦም ድማ ጅ-15 ኣንጻር ሃገራዊ ጸጥታ ኢሎም ካብ ህዝቢ ክንጸሉ ጎስጋሳት ዘካየዱ ታሪኾም ዝደምሰሱ እዮም። ታሪኽ ደቒ ሰባት ተቐቢሩ ኣይከይድን’ዩ። ኣብ ሕሉፍ ተሞኩሮና ተጋጊና ነይርና ኢሎም ይቕሬታ ምስዝሓቱ ሕድገት ምግባር ስልጡን ባህሊ ደሞክራስ’ዩ። እቲ እምነት ይህነጽ’ዶ ኣይህነጽን ግና ግዜ ዝምልሾ ጉዳያ’ዩ።
ስለዚ መድረኽ ብደለይቲ ለውጢ ንዘሎ ስክፍታት ከጉድሉ፣ ንዘለዉ ነቐፌታ ክቕበሉ ወይ ከረድኡ፣ ንዘለዉ ጥርጣሬታት ከድምቑ ወይ ከዕግቡ ሓንቲ ሃናጺት ኣገባብ ተድልዮም። ንኹሉ ህዝባዊ ሕቶታት ክምልሹ ኣባላት መድረኽ ርእሰ- ተኣማንነት ገይሮም ኣብ ቕሉዕ መራከቢ ብዙሓን ወጺኦም ብግሉጽነት ክምልሹ ግዴታ ኣለዎም። ስለዚ ዘረባ ክልተ ክንሰምዕ መድረኽ ናብ ህዝቢ ወጺኦም ሕቶታትን ስክፍታን ህዝቢ ክምልሹ ንጸውዕ ጻዕሪ ነካይድ።
ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፣ ብስምዒትን ጸግዕን ክንምልሽ ምፍታን ካብ ሓቒ ዝረሓቐ’ዩ። ስለ ፖለቲካ ኢልና ዝወሃብ መግለጺ ምስሉይነት’ዩ ግብራዊ ኣይኮነን። ንናጻ ሓሳባት ሰባት ንምድፋን ንምድሃል ኢልካ ዘይተደልየ ትርጉም ኣውራጅነት ከተትሕዞ ምፍታን ዘይሓላፍነታዊ’ዩ። ኣብ ክንዲ ኣብ መሰረታዊ ትሕዝቶ ብመርትዖ ምዝራብ ኣብ ጓል መንገዲ ምምላሽ መግለጺ ድኽመትና’ዩ። ክንዲ ሰባት ክንጣበቕ ከነቖናጁ፣ ወይ ንሰባት ከነጸልም ክልቲኡ ዘይሓላፍነታዊ ባህርያት’ዩ። ወይ ኮነ ኢልካ ሓድነት ንምዝራግ ናይ ፖለቲካ ሕንፍሽፍሽ ምፍጣር ከም ዕላማ ምውሳድ ኣነዋሪ’ዩ። ወይ ከኣ ንኣውራጃዊ ሕማምካ ከም መባድልቲ ወሲድካ ብድሑር ኣወዳድባ ኣውራጃ ተዘዋዋሪ ጻውዒት ምግባር’ዩ። ኩሎም ተደሚሮም ከኣ ኣዕነውቲ እምበር ሃነጽቲ ኣይኮኑን። ዝኾነ ሰብ ከኣ ናይ ኣውራጅኡ ውክልና ዝሃቦ ሰብ ስለዘየለ፣ በጃኩም ብሰንኪ ውልቐሰባት ዝፍጠር ጉድለት ናብ ህዝብን ኣውራጃን ኣይነጸግዓዮ። ነቲ ሰብ ፈሊና ብሃናጺ ኣገባብ ንኣርሞ። ገለ ሚድያታት ከኣ ኣብ ክንዲ ምስዋር ነዳዲ ምውሳኽ፣ ንዘይሓላፍነታዊ ጽሑፋት ብሞያዊ ስነ-ምግባር ክቕየዳ፣ ንሓድነትና ዝዘርግ ጽሑፋት ካብ ምእንጋድ ክቑጠባ ለበዋይ ከመሓላልፍ ይደሊ።
ዓወት ንውጹዕ ንህዝቢ ኤርትራ
21/02/2014
ሶሎሞን ብርሃነ
Kalighe February 21, 2014
Some of the reasons why they are secretive is not so difficult to guess:
– They come from old school of ideology according to which, important political works are done in secret.
– The kind of change they want see in the country, has no public support, as many think the time for reform is gone.
– They seem to be stuck in EPLF/ELF divide, and organizing people along old fault lines in not popular any more.
– There are so many important questions for which they have no answers, so, better to work away from public eyes.
I don’t think they will be able to engage the public,
and join the opposition camp for a substantial change ..
GM February 21, 2014
Solomon,
Kab izi kulu Zereba……. Zwukeswoo zelewu kullu (niabnet bezaiba TRANSPARENCY,sirah Dr Andebrhan ab asmera university, …)medrek bailatom YMELUSULU wei melsi Nitzebe mibal YIAKL NERU!
Fetawihaki February 21, 2014
well done Solomun!! that’s the fact.
Saba February 21, 2014
Unfortunately the so called leaders of Medrik are lagging behind time. Their mode operation is not different from the ‘creator’ of their slaved mind. DIA has successfully enslaved all minds that once belonged to EPLF/PFDJ. These guys will never opt for radical change in Eritrea. They want to see a reformed EPLF/PFDJ. Too bad and too late.
Haftkum Saba
keren February 21, 2014
This people are not ordinary people. They have been using the so called’ medrek’ behind the scene for some time. Why the secrecy-old habits die hard.
As far as I am concerned unless they become one of us, like the humble wedi Vacaro we have no appetite for their CV’s . The undisputed EPLF resume is what brought us havoc in Eritrea. It is us and only us kind of attitude. Dear fellow Eritreans unless we break that taboo and aim for fundamental changes where every eritrean is undisputedly Eritrean first, we are doomed to fail again. Yes, there are eritreans who paid more than their share for our cause but that card can’t be used to trash democratic principles.
weHankum.
Truly Truly i say to you February 21, 2014
This is the finest art of Solomon judgment. ናይ ኣቦታት ምስላ ከምዚ ይብል። “ሽም ይመርህ ጧፍ (ሽምዓ) የብርህ።” ክቡር ሃዉ ሰለሞን ኣብርሃ ከምሽሙ ፍጹም ዝኮነ ሰሎሞናዊ ጥበብ ዝመልኦ ፍርዲ ንበሎ ማዕዳ ለጊስና ኣሎ። ስለቲ ሚዛናዊ፣ቅኑእን ለባምን ምክሩ´ከኣ ኣዝዬ ከመስግኖ እፈቱ። ናይ ብሃቂ ዘእግብ ዘርባ ብምዃኑ፣ ነዚኦም ዝኣምሰሉ ዜጋታት ምስትርእይ፣ ነቲ ዝጸላእኻዮ ኤርትራዊ ዜጋ ኮይንካ ምፍጣር፣ መሊሱ ክትህበነሉ ይድርኸካ። የቐንየልና ክቡር ሃዉ!
ኣነ ብወገነይ ምስቲ ቀንዲ ጽላኢ ሕዝብናንን ሃገርናን ንዝኾነ ናይ ኢሳያስ ግዝፊን ኃይሊን መዚንካ፣ ብቀሊለ ነዚኦም ሠለሥተ ኣበይቲ ሙሁራትን ሙኩራትን፣ ዋላንዃ ይቅሬታ ብደይምህታቶምን ብኣሠራርሆም ግሉጽነት ብዘይምህላዉ ይጋገዩ ከምዘለዉ እንተተረደኣኒ፣ ሃደ ተቃዋማይ ነቲ ዋና ጸላኢ ገዲፉ ነቲ ካልእ ናይመንግሥቲ ተቃዋማይ መሊሱ ኣንጻሩ ጠጠው ምባል ናይ ብሃቒ እቲ ዝኣበየ እሽነት ኮይኑ ስለዝረኣየኒ የህዚኑኒ እዩ፣ ስለዝኾነ የግድን እዩ ከምዚ ዝኣምሰለ ኣእናዊን በታታኒን ጽልእን ጸለመን ኣሞንጎ ተቃወምቲ ጠጠው ኢሉ፣ ብዕርቕን ሃድነትን ነቲ ቀንዲ ጸላኢ ሃገር ዝኾነ ሥርዓት ኹሉ ዜጋ በቲ ዘለዎ ኣቕሚ ፍልጠትን ክእለትን ተጠቂሙ ካብስሩ ንክምህዎ ክላቦ ዝፈቱ።
በዚ ኣጋጣሚ ከይትርስኡ፣ ብዝመጽእ ሃደ ወይ´ከኣ ክለተ ወርሂ፣ ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም ንኢሳያስ ካብ ግዜ ገድሊ ጀሚሩ ነቲ ዝገበሮ ወንጀልን ናይ ሰብኣዊ መስላት ግህሰት ኣብ ናይ ዓለም ኣቀፋዊ ናወንጀል ቤት ፍርዲ ኣብ ዴን ሃግ (ሆላንድ)ንከቅርብ ይዳለይ ስለዘሎ፣ ነቲ ዘህፍር ዘተኣዛዝብን ኣእናዊ ሞጎቶኹም ጠጠው ኣቢልኩም፣ ኣብዚ ቁምነገር እንተተኩሩ ምሃሸ።
Suleiman Salim February 21, 2014
” ይመርህ ዝኮነ ቅኑእን ምክሩ ብሃቂ ዘእግብ ዝጸላእኻዮ ክትህበነሉ ሃዉ ኃይሊን ሠለሥተ ኣበይቲ ዋላንዃ ብደይምህታቶምን ብኣሠራርሆም ሃደ ተቃዋማይ ብሃቒ ዝኣበየ እሽነት የህዚኑኒ የግድን ኣእናዊን ብዕርቕን ሃድነትን
ሥርዓት ኹሉ ኣቕሚ ስሩ ንክምህዎ ከይትርስኡ፣ ብዝመጽእ ሃደ ክለተ ወርሂ:ናይ ዓለም ኣቀፋዊ ናወንጀል ቤት ፍርዲ:ንከቅርብ ይዳለይ: ዘህፍር ዘተኣዛዝብን ኣእናዊ: ምሃሸ :: ”
ኣታዮ ትሩሊ ወዲ ትግራይ፡
እንታይ ደኣ ወሪዱካ ብሓንሳብ ከም ናይ ቋንቋ ጸገም ዘለዎ ሕዋስ ናይ ዓጋመን ኣምሓራይን ጸያፍ ቆልዓን ዝኾነ ፍጥረት ኮይንካ ቀሪብካ?
Meretse Asmelash February 21, 2014
ክቡር ሓው ሰሎሞን ብርሃነ
መጀመርያ ዝጸሓፍካዮ ሓተታ ብኹሉ ሸነዅ’ዃ እንተዘይኮነ፡ ዝዓበየ ክፋሉ ንኡድ ዝገብሮ ብልጫ ኣሎዎ ። ብዝርዝር ዘቀመጥካዮ ሓበሬታ ማለት፡ ከም ዕለት ፣ ፍጻሜ ፣ ከምኡውን ፈጸምቱን ውጽኢቱን እንታይ ክወጾ ፤ እዚ ነቲ ዝዓበየ ክፍሊ ጽሑፍካ ዝምልከት ኮይኑ ፡ ኣብ ንኡስ ክፍሊ ጽሑፍካ ግን እዚ ዝስዕብ ሪኢቶ ኣሎኒ። ንሳ ከኣ ኣውርጃ ..ኣውርጃ..ኣውርጃ እትብል ቃል እያ። እዛ ቃል እዚኣ ቀዳመይቲ መሳርሒ ናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ እያ። ንሓደ ተተጎልቢቡ ዘድመጸ ኣካል ቅርብ እስኪ በል መን ምዃንካ ከነለልይካ ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ ግዚ፡ ኣነ መን ምዃነይ ጠፊኤካ መኣስ ኮይነ ኣውራጃ እንተዘይ ኣጥቂዕዃ እናተባህለ ኣውራጃ.. ኣውራጃ.. ኣውራጃ ይከውን መውጻኢ ኣፍ።
ስለ መድረክ ዝተዋሃቡ ሪኢቶታት ክሳብ ሕጂ ንውሽጣዊ ጉርሖም ዝምልከት እምበር ንደጋዊ ክፍሎም ዝትንክፍ እንተሃልዩ ምናልባት ኣዚዩ ውሑድ እዩ። ስለዚ ፡ እዚ እንተ ኮይኑ እቲ ሓቒ፡ እቲ ኣዝዩ ብቕጽሪ ውሑድ ሪእቶ ነቲ ዝዓበየ ክፍሊ ከመይ ኢሉ እዩ ዝረግጾ ዘሎ።
እቲ ቀንዲ ከዛርብ ዝቀነየ ጉዳይ ኣብ መንነት ኣባልት መድረክ ዘተኮረ ኣይኮነን። ቅኑዕ መትከል ዝሓዘ ምንቅስቃስ ክብ ሰለስተ ወይ ትሽዓተ ኣውራጃስ ካብ ሓንቲ ስድራ (ኣሕዋት) እንተኮኑ’ውን ዘገድስ ኣይኮነን። እንቲ ዘዝርብ ዘሎ “ፈሊጥናኩም ኣሎና” እዩ ።
እቲ ቀንዲ ጉዳይ ንትሕዝትኦም ዝምልከት ኮይኑ ከሎ ክንሱ እንተደኣ ነብሶም ኣጋሊጾም እንተዳኣ ከምዚ ጌሮም ዝብል ሓሳብ ንድሕሪት ዝጎትት እዩ።
ቅድሚ ጫፍ ብርዔይ ምስሓበይ ግን ሓንቲ ዘቀመጥካያ ሓረግ ደምዳሚቱ ኮይና ተሰማዕትኒ፡- “ንሶም ካብ ህዝቢ ተከዊሎም ረድዮኦም ይፍኖ” ድሕሪ እዛ ዘረባ እዚኣ ቀንዔ ኢለ ኣሎኩ።
Gojam February 21, 2014
You can’t full people’s all times this is 21st Century. We are not GEDLI times you are to late now is the young generation time. Please give us fever go to mosque or church and ask for givens and tale as what crime you did against our brothers and sisters. And then we’ll see how goes otherwise shut your mouth and give us peace. Please give chance to the new generation your gob is done if you have got you should do it when you are there means when time was your time with all respect peace.
Justice4all February 21, 2014
Hizibi Eritrea amena gerhena entekonka hijiwin betom Medrek zibahalu kanzaka kikisil eyu. Rugum hizbi kitibahal eka. Bihaki kitfiwesin kitihawin kitihugosin kitisisin entokonka; abgodnitom hakenatat kun ! Neti haki haki belo neti gega gega belo keyegudelka keyweseka !!!
fthawi February 21, 2014
ለባም ኤርትራዊ ልዕሊኩሉ መስተዉዓሊ ኢካ አጆካ ወዲ መሬት ።