Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መዘኻኸሪ ንተኸታተልቲ ኣሰና

ክቡራት ተኸታተልትና ኣብ ጽሑፋትናን ናይ ራድዮ መደባትናን፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣኼባታት ኮነ መኣድታት ዘተ ፓላቶክ ብወግዒ ደጋጊምና ከምዝገለጽናዮ፣ መትከላዊ መርገጺ ኣሰና፣ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ምርግጋጽ እዩ። እቲ ብውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ስርዓት ህግደፍ

ክቡራት ተኸታተልትና

ኣብ ጽሑፋትናን ናይ ራድዮ መደባትናን፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣኼባታት ኮነ መኣድታት ዘተ ፓላቶክ ብወግዒ ደጋጊምና ከምዝገለጽናዮ፣ መትከላዊ መርገጺ ኣሰና፣ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ምርግጋጽ እዩ። እቲ ብውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ስርዓት ህግደፍ ከይወደቐ ኸኣ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ፍታሕ ክርከብ ኣይክእልን እዩ ዝብል እምነት ኣለና።

ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት ካብ ዝፈጸሞም ዝዓበዩ ጥፍኣታት ሓደ፣ ፖለቲካዊ መርገጺኡ ብዘየገድስ ንኹሉ ክፍልታት ሕብረተሰብና ዝሓቍፍ መሰጋገሪ ስርዓት፣ ብኡ ኣቢሉ ድማ ቅዋማዊ መንግስቲ ኣብ ምትካል ኣሳላጢ ክኸውን ዘይብቅዑ እዩ።

ብኣንጻሩ፣ ፖለትካዊ ዕብለላኡ፣ ብፍላይ ከኣ ውልቀመላኽነት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ንምርግጋጽ ዘጠዓዕም ሜላ ተኸቲሉ፣ ነቲ ምንእቲ ፍትሓዊት ኤርትራ ንእስነቱን ህይወቱን ዝኸፈለ ንጹህ ተጋዳላይ ከይተረፈ ብምትላልን ብምዕምጻጽን፣ ኣብ መወዳእታ መብጽዓ ህዝብን ሰማእታትን ኤርትራ ጠሊሙ፣ ውጹእ ዲክታተር ብምዃን ይቕረ ዘይብሃሎ ጻልጣ ክድዓት ፈጺሙ። ንህዝብና ኣብ ዓዘቕቲ ጥፍኣት፣ ንሃገርና ኸኣ ኣብ ገምገም ውድቀት ኣብዚሑዋ ይርከብ ኣሎ።

መርበብ ሓበሬታ ኣሰና፣ እዚ ሃገራዊ ክድዓት’ዚ መሰረታዊ ለውጢ ብምምጻእ ጥራይ እዩ ክፍታሕ ዝኽእል ዝብል እምነት ከምዘለና ሕጂ ‘ውን ደጊምና ነረጋግጽ። ነዚ ዕላማ’ዚ ንምዕዋት ከኣ፣ ምስ ኩሎም ኣብ መሰረታዊ ለውጢ ዝኣምኑ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብዓቕምና ንተሓጋገዝ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ መደባት ድምጺ መድረኽ ኣብ ገጻት ኣሰና ነውጽኦ ምህላውና ካብዚ ዕላማ’ዚ ዝብገስ እዩ። ካብ’ቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ዓለም ንዝካየዱ ምንቅስቓሳትን ሰላማዊ ሰልፍታትን ኤርትራውያን ንለውጢ፣ እንተላይ ንሃገራዊ ዋዕላን ጉባኤን ክሳብ ናብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ኬድና ብዓቕምና ዝገበርናዮ ምትሕብባር ዝፈልዮ ኸኣ የልቦን።

ከም’ቲ “ኤርትራ መንግስቲ ይኹን ተቓወምቲ ዘይብላ ሃገር” ብምባል ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ብተኸታታሊ ጽሑፍ ኣብ ዝገበርናዮ ገምጋም፣ ገለ ክፋል ሕብረተሰብና፣ ብፍላይ ከኣ፣ እቲ ናይ ህዝባዊ ግንባር ድሕረባይታ ዘለዎ ወገን ተሳትፎኡ ኣብ ምንቅስቓስ ንለውጢ ዛሕቲሉ ከምዝጸንሐ ርኡይ እዩ። እዚ ድማ፣ “ቀደም ግቡአይ ገይረ እየ እንታይ ገደሰኒ” ካብ ዝብል ሸለልትነት እቶም ተጋደልቲ ነበር፣ ከምኡ ድማ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ካብ ዘሎ ንምንቅስቓስ ለውጢ ናይ ምብሓት ስምዒት ዝመንጨወ እዩ።

ዘይሩ ዘይሩ፣ ምሉእ ዓቕምን ክእለትን ኤርትራውያን ተሓባቢሩ ተቓውሞኡ ካብ ዘይምድልዳሉ ዝጥቀም፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ እዩ። ብኡ መጠን ከኣ ሕሰም ህዝብና ይብእስ፣ ምልካዊ ስርዓት ‘ውን ግዜ ይመጥጥ። ምትሕብባርና ምስ ኩሎም ወገናት እምብኣር፣ ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዕድል ንምኽላእ ካብ ዘለና ድሌትን መንፈስን እዩ ዝብገስ። እንግዶትና ንመድረኽ ከኣ መሰረቱ እዚ እዩ።

ፈነወታት መድረኽ ኣብ ገጻት ኣሰና ካብ ዝከታተሉ ብዙሓት ግዱሳት ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝበጽሓና ዘሎ ስክፍታን ምጥርጣርን ግን፣ “መድረኽ ጽገናዊ ለውጢ እዮም ዝደልዩ” ዝብል እዩ፣ ዛጊት ከምዚ ዓይነት መርገጺ ከምዘለዎም ዝገልጽ ወግዓዊ ሰነድ ኣይረኸብናን። ብናትና ርእይቶ፣ ኣባላት መድረኽ፣ ነዚ ምጥርጣራት’ዚ ብወግዓዊ መብርሂታት ኣነጺሮም ክኣልዩዎ እንተዝፍትኑ ህዝቢ ካብ ምድንጋር ምደሓነ ዝብል እምነት ኣለና። ምብህሃል (Communication) ምትእምማን ኣብ ምፍጣር ዓቢ ግደ ከምዘለዎ ርዱእ እዩ።

ብፍላይ ሎሚ ቕነ፣ ነቲ ምጥርጣር ወሰኽ ኮይኑዎ ዘሎ፣ ኣብታ ንደምበ ተቓውሞ ብምንእኣስ ንስርዓት ህግደፍ እንተጸባብቕ፣ ካብዝን ካብትን ሓሓንቲ ምሉእ ሓሳባት እናለቐመት፣ ደምበ ተቓውሞ ነንሕድሕዱ ከምዝጋጮን ከምዝናዕቖትን ክትገብር እትፍትን፣ መትከላ ዘይንጹር ስርሓ ሕንፍሽፍሽ ብምዃኑ፣ ንህዝቢ ኣብ ምድንጋር፣ ስርዓት ህግደፍ ካብተን ዝባነን ቀሊዐን ዝድግፋኦ መርበባት ንላዕሊ ዝሓርያ ማዕከን፣ ፈነወታት መድረኽ ብሰላሕ መላሕ መዓልታዊ ምቕልቓሉ እዩ። ነዚ ብዝምልከት ‘ውን ርእይቶታት ይበጽሓና ‘ሎ። ንኣድላይነትን ርትዓውነትን እንግዶት መስከረም ክሕተቱሉን መብርሂ ክህቡሉን ዝግብኦም ‘ውን መድረኽ እዮም። መትክል ኣሰናን መስክረምን ግን ፈጺሙ ዝራኸብ ኣይኮነን።

ኣብ ርሑቕን ቀረባን ዘለኹም ተኸታተልቲ ኣሰና፣ እዚ ድምጺ ናይቲ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝተዓፈነ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ንምቅላሕ ዝተመስረተ መርበብ ኣሰና፣ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ናይ ምምጻእ መትከሉ ከይዓጸፈ፣ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ሰሚሮምን ተኣኻኺቦምን፣ ድሕነት ሃገሮምን ህዝቦምን ብምርግጋጽ፣ ውሕስነት ዘለዎ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከረጋግጹ ባይታ ናይ ምፍጣር ጻዕሩ ከምዝቕጽል ደጊሙ የረጋግጸልኩም።

ኣሰና ፋውንዴሽን

7 ታሕሳስ 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • YONAS December 8, 2013

    dear assenna
    i like to thank you for your service for Eritrean people,you are voice of the voiceless,in this struggle against the ruthless pfdj, we all need to be on the same page,because we can not have different opinion over justice,but MEESKEREM does have different opinion over justice that’s make him a criminal puppet trying to destroy the opposition,he is trying to divide Eritreans and create more dangerous attitude between Eritreans and Ethiopians,his hate toward the Ethiopian gov so obvious,that’s why he he host more news of ginbot7 more than ESAT,he is the son of snake,well the shit does not fall far from the butt the said and it is true.

  • Galiano December 8, 2013

    Amanuel Keda
    How can you bring democracy from the uot side if you a man enoguh go to Eritrea & do your part to bring democracy.

  • belay nega December 8, 2013

    By the way,is there any organization which is a real threat to the gov of Eritrea?
    Whatever the gov of Eritrea is suffering from,is the effort or conspiracy of Ethiopian gov.To this end, the so called oppositions have no choice, but to get the leftover of the gov of Ethiopia.

  • Genet December 8, 2013

    Amanuel (Assena)is working tirelessly, to inform the Eritrean people what is going on to our people and country. I support you 100%
    Keep up the great work.
    God bless you and your work!
    Genet

  • tes December 9, 2013

    All the way with you Guys,it’s a miracle to see people think the same way that you do.

  • Letina Habtom December 9, 2013

    Assenna I like to congratulate you for enlighten us, What is the dog with locker you posted which hindered me from opening radio assenna. I apologize if it is my mistake and I request your good office to give me directives on how to be able to hear your radio. Assenna Niberlna.

Post a Reply to tes Cancel Reply