Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“መን ይመስክር ዝነበረ መንከ የርድእ ዝቐበረ”

(በርሀ (ጄምስ) መሓረና ሙሉእ ሂወቱ ብሻዕብያ ዝተዓሸወን መስርሒ ዝኾነን ዘፍቅሮ ሓወይን ዓርከይን ስኢነ) በርሀ ኣብቲ ሃብታም መሬት ጫዓሎ ካብ ርኹባት ቤተሰብ ዝተወልደ፣ መባእታዊ ትምህርቱ ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ክሳዕ ራብዓይ ክፍሊ ኣብ ኳዓቲት ተማህረ፡፡ ንዝተወሰነ እዋን ኸኣ

(በርሀ (ጄምስ) መሓረና ሙሉእ ሂወቱ ብሻዕብያ ዝተዓሸወን መስርሒ ዝኾነን ዘፍቅሮ ሓወይን ዓርከይን ስኢነ)

በርሀ ኣብቲ ሃብታም መሬት ጫዓሎ ካብ ርኹባት ቤተሰብ ዝተወልደ፣ መባእታዊ ትምህርቱ ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ክሳዕ ራብዓይ ክፍሊ ኣብ ኳዓቲት ተማህረ፡፡ ንዝተወሰነ እዋን ኸኣ ትምህርቱ ኣብ ዓዲ ቀይሕ ምስቀጸለ ትምህርቱ ብምቁራጽ ናብ ኣስመራ ብምኻድ ኣብ ከባቢ ቃኘው ስቴሽንን ውሩያት ናይ ሳዕስዒት ክለባትን ፍሉጥ መንእሰይ ኮነ፡፡ በርሀ ቁመቱ ነዊሕ፣ ምዕሩጉን መልክዐኛን መንእሰይ ስለዝነበረ ንምርኡያት አዋልድ ምፍላጥ ገለ ጸገም ኣይነበሮን፡፡ በርሀ ብተውህቦ እተዓደለ መስሓቕን ተጸዋታይን ብምኻኑ ኣብ ኮፍ ዝበሎ ብብዙሓት ሰባት ተኸቢቡ ክትርእዮ  እተለምደ ኢዩ ኔሩ፡፡

በርሀ ናብ ሰሜን ኣሜሪካ ምስመጸ ብሰባት ዝፍቶን ኪኢላን ከምዝኾነ ዝተረድኡ ህዝባዊ ግምባር ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ትሓባባሪ ክኸውን ኣባል  ስሩዕ ህዝባዊ ሓይልታት ገበርዎ፡፡ ቀጺሉ ድማ ኣብ ካናዳ ንሓደ ባንክ ንምዝራፍ ኣብ እተገብረ ዝፈሸለ ፈተነ ቀንዲ ተዋሳኢ ኮነ፡፡ ድሕሪ ምፍሻል እቲ ስርሒት  ድማ ናብ ጣልያን ብምውሳድን ንኣሜሪካ ንኽመጽእ ፍሉይ ደገፍን ምትሕብባርን ሻዕብያ ረኺቡ ኢዩ፡፡

በርሀ ምስብዙሓት ኤርትራውያን ተመሃሮ ሰሜን ኣሜሪካ  ገንዘብ ብምውጻእ ብሚሊዮናት ዝቑጸር ብምእካብ  ንሻዕብያ ብቁጠባዊ መዳያት እግሪ ክተክል ካብዝገበሩ ሒደት ኤርትራውያን ሓደ ኢዩ ኔሩ፡፡ በርሀ ኣብ እተፈላለየ እዋናት ከም ኣብቲ እዋን ዝነበረ መንእሰይ ጸገማት የጓንፎ ኔሩ፡፡ ነዚ ኩሉ ጸገማቱ በዲሁ ድማ ኣብ ሎስአንጀልስ ንኤርትራውያንን፣ ኢትዮጵያውያንን ከምኡውን ንኣሜሪካውያን ኣገልግሎት ዝህብ ዓቢ ሬስቶራንት ብምኽፋት ብንግዱ ኣዝዩ ጽቡቕ ይኸይድ፡፡ ኣብዚ ኩሉ ርክባቱ ምስ ሻዕብያ ከቋርጽ ይግብኦ ኔሩ ይብል፤ ነዚኣ ግን ክገብራ ኣይክአለን ኣይደለየን፡፡ እቲ ንግዱ ክኸስርን ውሉፍ ዘየድሊ ወልፍታትን ድራግን ኪኸውን ሽላታት ሻዕብያ ዓቢ ግደ ኔርዎም እብል፡፡ ድሕሪ ኣብ ክስራንን ወልፍታትን ምውዳቑ ንሜዳ ኪኸይድ ምስተነግሮ፣ ናብ ሜዳ ብምኻድ ናብ ጥዕናኡን ንቡር ሂወትን ምስ ተመልሰ ናብ ቀደም ስራሕ ንግዲ ምስተመልሰ ክልተ ደኳኹን ብምኽፋት ኣዝዩ ጽቡቕ ይኸይድ፤ ነታ ሓንቲ ድኳን ንጓሉ ከተማሕድራ ብምግባር ድማ ብጹቡቕ ከተካይዶ ትጅምር፡፡ በርሀ ብኣውራጃነት ኮነ ብእምነት ብዘይ ኣፈላላይ ንኹሉ ዘተባብዕን ኢዱ ዘርጊሑ ዝሕግዝን ለጋስን ጥዑምን ሰብ  ኢዩ ኔሩ፡፡ ኣነ ክሳዕ ዝፈልጦ ብዛዕባ ነፍስሄር በርሀ ካብቶም ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ዘተባብዖም፣ዝሓገዞምን ጽቡቕ ዝወዓለሎምን  ሓደ ሰብ ብዛዕብኡ ዝጸሐፈ ኣይፈልጥን፡፡ ምናልባሽ እቲ ምስ እንዳ ሻዕብያ ዝነበሮ ስሙር ርክብ ንሕና ዘይንፈልጦ ብሰንኪ ሻዕብያ ዝተጋገዮ ነገር ይህሉ ይብል፣ ብዙሕ ዝፈልጦ የብለይን፡፡

ትኽ ትንፋስ ኢሳያስን ጀነራላቱን ዝነበረ በርሀ ካብ አሜሪካ ክሳዕ ዝጥረዝ ማእሰርቲ ምስ ኣጓነፎ እንታይ ጸገም ረኺቡካ ኣይበልዎን፡፡ ካብ ኣሜሪካ ንኽጥረዝ ምኽንያት ዝኾኖ፡ ሓደ ኤርትራዊ ብብደዔ ንኻሊእ ኤርትራዊ ክጸርፎ ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ብምቑጣዕ ነቲ ተጻራፋይ ብቴስታ የንህሎ። ንበርሀ ኣነን ሓደ ሓውን ነገርካ ከየቃናዕካ ናብ ዓዲ ኣይትኺድ ንሕና ብሽምግልና ክንኣልዮ ኢና እንዳበልናዮ ኣመና ኣብ ሻዕብያ ይኣምን ስለ ዝነበረ ከይሰምዓና ንዓዲ አምርሐ፡፡ እቲ ተሃርመ ዕርቂ እናደለየ እቲ ዓቢ ሓዉ ዕጭ ሓንፈፍኩ ስርሑ ከርእዮ ኢየ እናበለ ክፍክር ይነብር፡፡ ግደፍ እንዳተባህለን እንዳተለመነን በርሀ ምስተመልሰ  ናብ FBI ሕሉፍ ታሪኹን ሰብ ሃሪሙ ተሰዊሩ ከምዝነበረን ብምንጋር ክእሰር ጌርዎ፡፡ ዳርጋ ኣብ ሎስኣንጀልስ ንበርሀ ዘይፈልጥ ኣይነበረን፤ ኣብ ጊዜ ማእሰርቱን ቤት ፍርዲ ምምልላሱን እንትርፊ ገለ ሾውዓተ ንኸውን የዕርኽቱ ዝመላለስ ሰብ ኣይነበረን፡፡ እዚ ንበርሀ ኣዝዩ የሕዝኖ ኔሩ፡፡ ብዙሕ እዋን መጽሓፍ ቅዱሱ የንብብን ብኡ ድማ ምጽንናዕ ይረክብ ከምዝነበረውን ነጊሩኒ ኔሩ፤ ካብ ማእሰርቲ ወጺኡ  ድሕሪ ንዓዲ ብክልተ ወተሃደራት ኣመሪካ ተዓጂቡ ምጥራዙ፡ ንጀነራላትን ሰብ ስልጣን ሻዕብያን  ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ጁባ የካይደሎም ዝነበረ ብብዙሕ ዝቑጸር ትካላት ንግዲ ካብ እተጸበይዎ ንላዕሊ ዕዉት እኳ እንተነበረ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘጋጠመ ቅልውላው እቲ ልሙድ እቶት ምስጎደሎም ጻዕጻዕ ከብሎምን ካብ በርሀ ክደሊዎ ከም እተሃንደዱን ነፍሱ ትጭነቕ ከምዘላን ኣብ ኬንያ ንሓጺር እዋን ኣብ እተራኸብናሉ እዋን ኣተንቢሁለይ ኔሩ፡፡ ድሓር ኣብ ዓዲ ኣብ ወርሒ 11 2015 ምእሳሩ ሰሚዕና፡፡ እቲ ዘገርም ናብቲ እተጠረዘሉ ምድሪ ዳግም  ከምእተመልሰ ኣምሲልካ ምቕራብ እዩ፡፡  በዚ ይኹን በቲ ኣብታ ብዙሕ እተቐመጠላን ብዙሕ ዝረኣየላን ሃገረ ኣሜሪካ ክኣ ሐመድ ለቢሱ ተባሂሉ፡፡ እዚ ሕንቂልሒንቂሊተይ ሓቁ ክሳብ ዝወጽእ ንጊዜ ንግደፎ፡፡ እቲ በላዕ ሕድርን፣ ነውራምን መንግስቲ ህግደፍ ይትረፍዶ ንሬሳ ንብሂወት ዘለዉ’ውን ክብርን ኣፍልጦን ዘይህብ፤ ነቶም ብዘይ ነግፈረግ ተወፍዮም ገዛእ ርእሶም ኣሕሊፎም ዝቖምሉ ከዳዕን ጠላምን ምኳኑ ኣብ እዋን  ብረታዊ ቃልስን ድሕሪ ነጻነትን ደጋጊሙ የግህዶ ከምዘሎ ኢና ነስተብህል፡፡ ናይ ቀረባ እዋን ሕሉፍ ታሪኽ ናይዝጊ ጭቡጥ ኣብነት ኢዩ፡፡ ሕጅስ  ኣይኣክልንዶ፧

በርሀ ንዱሩዕ፣ንሸሪፎ፣ንበራኽን ንወዲ ሰለሙንን ካልኦትን ብዙሕ እዋን ሕንቕንቕ እንዳበለ ይዝክሮም ኔሩ፡፡ ንገዛእ ርእሱ ግን ኣብ መራሕቲ ኤርትራ ትምክሕትን እምነትን ስለዝነበሮ ሓደ መዓልቲ ህግደፍ ብሞቊሕ ተኣሲሩ ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ ሂወቱ ከምእትሓልፍ ፈጺሙ ኣይገመተን፡፡

ንናይ ልዕሊ  ሳላሳ ዓመታት ዓርከይን ሓወይን በርሀ ኹሎም ቤተሰብን፣ዝፈትዋ ጓሉን ብዓልቲ ቤቱን  ናፍቆት ኣብኦም ዘይጸገቡ ውሉዱን ዓቢ ሓዉን  ፈተውትን ኣዕሩኹን  እቲ ንኢዮብ ዝደበሰ ኣምላኽ ይደብስኩምን የጸናናዓኩምን፡፡

ዶ/ር ምስግና ገ/ መድህን

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • wedifre May 18, 2016

    Dear Wedibashai,
    Assenna is the free voice of everyone. Assenna is against the PFDJ regime because it does not allow freedom of expression. Assenna should be the a venue for expressing what you want. It started because the The FREEDOM OF EXPRESSION.!!was violated and it works for it always!!
    Iseyas is smart to use Immotional nationalists as a disposable tool and throw them when not needed. There is nothing new for me with what has happened to Berhe if worse things has happened to people who worked 1000 times more than Berhe James and they were more closer friends to Iseyas than Berhe!! Expecting good things from Iseyas is like planting a stone and expecting it to grow!!!!

  • Kidane Beraki May 18, 2016

    Selam doctor, you left the real motive of the hateful regionalist Wolday family to have him incarcerated and finally deported to his death. I don’t know the older brother (a nurse) that much but the two younger brothers just like Wuchu, publicly express their uncontrollable hatred towards people from Akele Guzai). I am a living witness and hope there will be time of reckoning. As for Berhe’s history, no need to discuss it in his absence. RIP.

  • akel May 18, 2016

    I know James in Juba he got New York hotel he was worse than eseyas

  • Simon G. May 19, 2016

    Most if us were fooled by isayas at some point and Berhe was one of us. He cared about independent Eritrea. Hebwas clouded by his emotions like most of us. He was so innocent. He did his best but betrayed by the Temben boys, Luke most if us. RIP Berhe and my condolences to his family and friends.

  • Genet May 19, 2016

    Hi All,
    My take about the Jame is that he is a wreckless risk individual who is desperately in love with DIA and PFDJ not with Eritrean or Eritreans. I have heard that he is been hulmilated by DIA many time. But he keeps going back to them. I think he was in love with powerful people so much so that he risked his safety life for them. What happen to James is not betrayal it is what they call in English ‘karma’. He had many chanced and opportunities to make things right but he chose to keep dancing with the devil. Some people believe that giving money to PFDJ means should your love for the country. After all what PFDJ have been doing Jame steel was doing business for PFDJ ignoring the plight all poor eritreans. He wanted to make the thugs rich. So what did he expect to happen in the end. He got the ultimate PFDJ medal.

  • Yohannes May 22, 2016

    ለበዋ ስውእ ጅግና ኤሪትራ

    እወ ኣነ ኤሪትራዊ ነበርኩ ሕቡን ፈታው ሃገሩ
    ኣብዝኾነ እዋን እጃመይ ከልዕል ምስቶም ዝነደሩ
    ንድሕነትን ረብሓን ህዝቢ ኤሪትራ ክምህ ዘይብለሉ
    ንበጃ ህዝቢ ኤሪትራ ኣነሆ ስውእ ኮይነውን ዝንየተሉ
    ግን መክራ ህዝቢ ኤሪትራ የሕዝን ዝይኢዱ ምርካቡ
    ብሉጻት ደቁ ብመስዋእትነት ከፊሉ እቲ ዘለዎ ሂቡ
    ለካስ ነዛብእን ንተዃሉን እዩ ኒሩ እዚ ኩሉ መስተንክር
    ህግደፍ ማፍያ ክፉእ ጣላም ሕድሪ ተግባሪ ስጊንጥር
    ይኣክል ሕጂስ ጎበዝ ተታሊሉ፤ ክኢላ ተባሪሩ፤ ህዝቢ ተማሪሩ
    እቲ ዓቃል ህዝብና ክብል ኣለዎ መሪሩና ይኣክል ምጻሩ
    ኤሪትራዊ ዜጋ ክነብር የብሉን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ተሸቑሪሩ
    ህግደፍ ጠላም ዝገዝእ አደንቊሩ ኣጥምዩ፤ ቀቲሉ፤ ኣሲሩ
    ባዓል ኢሳይያስስ ቁርዲድ እዮም ናይ ድሕረትን መሃንድሳት
    ብትሪ ግጠምዎም ኤሪትራና ወሊዳ ደይኮነትን ጀጋኑ ሓዬታት
    ይቐጽል እቲ ቓልሲ ንብዓት ህዝቢ ኤሪትራ ንኽዛሪ
    ንላቦ እሎና ንሕና ስውኣት ኤሪትራ ንክኽበር ሕድሪ
    ኣወ ኤሪትራናስ ትውጻእ ካብ ምንጋጋ ሕሱም ከታሪ

    ዮሃንስ

  • Zeray May 22, 2016

    The “Dr” should stop exposing, discussing non-public individuals. You are being very insensitive to his family and true friends. It is morally reprehensible to discuss private matters in the social media especially about the dead. This is not your first time to discuss people on social media. You are embracing families and moreover, you may put people in danger. Politics and public people are fair game but private people’s privacy should be guarded.
    Let me ask the “Dr” what was your goal in writing this? Did you ask permission to his family to write about him, (since you allege closeness to the family?)
    RIP “James”

  • eritrawi May 23, 2016

    hey you are really hurting his family members i am warning you ,,if you say a word next time you better watch your back we know exactly where you at and we know exactly all your family members don’t dig your own grave …

Post a Reply to Zeray Cancel Reply