Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ኣብቲ ዝተነጽገ ጸብጻብ ደንማርክ ተመርኵሱ ብዘዳለዎ መምርሒ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዑቕባ ይነፍጎም ከምዘሎ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ።

መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ኣብቲ ኣቀራርብኡ ይኹን ውጽኢቱ ዝንቡዕ ኮይኑ ብምርካብ ዝተነጽገ ጸብጻብ ደንማርክ ተመርኵሱ ብዘዳለዎ መምርሒ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዑቕባ ይነፍጎም ከምዘሎ ዘ ጋርድያን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ። ዘ ጋርድያን፣ እቶም ሆም ኦፊስ ዓዲ እንግሊዝ

መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ኣብቲ ኣቀራርብኡ ይኹን ውጽኢቱ ዝንቡዕ ኮይኑ ብምርካብ ዝተነጽገ ጸብጻብ ደንማርክ ተመርኵሱ ብዘዳለዎ መምርሒ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዑቕባ ይነፍጎም ከምዘሎ ዘ ጋርድያን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ።

ዘ ጋርድያን፣ እቶም ሆም ኦፊስ ዓዲ እንግሊዝ ነቲ መርርሒ ምምማይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምውዳድ ኣጸቢቑ ንዝተወከሶ ጸብጻብ ደንማርክ ዘዳለዉ ክኢላታት ንገዛእ ርእሶም፣ እቲ ዘካየዱዎ መጽናዕቲ ዘይጭቡጥን ዝንቡዕን ምንባሩ ተኣሚኖም ነብሶም ካብቲ ሰነድ ኣግሊሎም እናሃለዉ፣ ሆም ኦፊስ ነቲ ዘይርጡብ መምርሒ ገና ይጥቀመሉ ከምዘሎ የገንዝብ።

በዚ መሰረት ኣቐዲሙ 73 ሚእታዊት ተቐባልነት ዝረክብ ዝነበረ ሕቶ ዑቕባ ኤርትራውያን 34 ሚእታዊት ጥራይ ኮይኑ ምህላዉ ‘ውን የረድእ።

እቶም ን 20 ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ስደተኛታት ደንማርክ ዝዓየዩ፣ ኩነታት ኤርትራ ክዕዘቡ ዝተላእኩ ክልተ ምኩራት ሰራሕተኛታት፣ ክፍሊ ኤምግሬሽን ደንማርክ ንውጽኢት ናይቲ ጸብጻብ ኣብ ክዉንነት ኤርትራ ተመርኵሱ ዘይኮነስ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ንምንጻግ ብዝጥዕሞ መንገዲ ከዳልዉዎ ጸቕጢ ከምዝገበረሎም ብምምልካት ብወለንትኦም ናይ ስራሕ ቦታኦም ከምዝገደፉዎ ‘ውን እቲ ጋዜጣ የፍልጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • berhe September 10, 2015

    Assena do not forget also the contribution of Eritrean scholars like Dr. Gaym. I have listned his Interview, and it was really shocking.

  • teafagabir September 10, 2015

    We eritrean deserves asylum.Please do not reject us we can not go back to our country, it is not safe.

  • ጸረ ሸፋቱ September 10, 2015

    denmark ,please show humanity to our people that is persecuted by ሸፋቱ higdef /eritrean government.

    ጸረ ሸፋቱ ህግደፍ

  • beree September 10, 2015

    I can’t understand why the homeoffice are still refusing while the court granting refuge status for Eritrean asylum seekers ……Theresa may..I..wish she will fix it.

  • k.tewolde September 11, 2015

    I think it is time to start a mass exodus back home through our borders and coastlines holding our bible or koran in one hand and whatever we can hoist in the other and swarm our villages and cities, and kick the crap out of HGDEF and take back what belongs to us.Come to think of it, it was done before, and let the whole world watch with amazement.

POST A COMMENT